SBS Tigrinya

SBS Tigrinya SBS is the national multilingual, multicultural & Indigenous media organisation for all Australians.

SBS is the national multilingual, multicultural, and Indigenous media organisation for all Australians. Use of this account is subject to SBS Terms and Conditions sbs.com.au/terms

Feedback or complaints sbs.com.au/complaints

From its beginnings in 1975, SBS has evolved into a contemporary, multiplatform and multilingual media organisation with six distinctive free-to-air TV channels in SBS, Nat

ional Indigenous Television (NITV), SBS VICELAND, SBS Food, SBS World Movies, and SBS WorldWatch; an extensive radio, audio, and language content network providing more than 60 culturally and linguistically diverse communities with services in their preferred language; and an innovative digital offering, including streaming destination SBS On Demand, available to audiences anytime, anywhere. Follow us on Twitter: twitter.com/SBS
Follow us on Instagram: instagram.com/sbs_australia

HOUSE RULES
This page is a way to get updates, the latest information, promotions and more for SBS and our shows. We'd love for you to leave comments, share photos and videos here. However, please always be respectful of others otherwise or we might need to take down your comments. We also reserve the right to remove spam, reposts, repetitive comments, and those that attempt to interrupt or derail a conversation between other members of the community. Whilst we welcome contributions to our page, we do not endorse the content of those contributions. Contributions should comply with SBS' Network Terms and Conditions and Privacy Policy which are linked clearly below. Network Terms and Conditions
sbs.com.au/terms
Privacy Policy
sbs.com.au/privacy

ካብ መጀመርይኡ ኣብ 1975 SBS ናብ ሓደ ምስ ግዜ ዝኸይድ፣ በዓል ብዙሓት መድረኻትን ብዙሓት ቋንቋታትን ዝኾነ ትካል ዓብዩ’ሎ፣ ሽዱሽተ ዝተፈላለዩ ብነጻ ዝዝርግሑ መደበራት ቴሌቪዥን ኣለውዎ፡ SBS፣ National Indigenous Television (NITV) (ሃገራዊ ቴሌቪዥን ደቀባት)፣ SBS VICELAND (ኤስቢኤስ ቫይስላንድ)፣ SBS Food (ኤስቢኤስ ፉድ)፣ SBS World Movies (ኤስቢኤስ ዎርልድ ሙቪስ)፣ ከምኡ’ውን SBS WorldWatch (ኤስቢኤስ ዎርልድዎች)፡ ሰፊሕ ዝኾነ ንልዕሊ 60 ብባህልን ቋንቋን ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ብዝመርጽዎ ቋንቋ ኣገልግሎት ዝህቡ መርበባት ሬድዮ፣ ድምጺን ትሕዝቶ ቋንቋታትን፣ ከምኡ’ውን ፈጠራዊ ዝኾነ ዲጂታዊ ቀረብ፣ ነቲ ንሰማዕቲ ኣብ ዝኾነ እዋንን ቦታን ክረኽብዎ ዝተቐረበሎም መኽዘን ፈነወነታት SBS On Demand (ኤስቢኤስ ኦን ዲማንድ) ወሲኽካ ማለት’ዩ።

ኣብ ትዊተር ተኸታተሉና: twitter.com/SBS
ኣብ ኢንስታግራም ተኸታተሉና: instagram.com/sbs_australia

ሕግታት ገዛ
እዚ ናይ ፈይስቡክ ገጽ፣ ንSBSን መደባትናን፣ ሓደስቲ ሓበሬታታት፣ እዋናዊ ሓበሬታ፣ መወዓውዒታትን ካልእን ዝርከበሉ መንገዲ እዩ።
ኣብ’ዚ ንስኹም ርእይቶታት ክትገድፉልና፣ ስእልታትን ቪድዮታትን ከተካፍሉና ብጣዕሚ ደስ ይብለና።
እንተኾነ ግን ብኽብረትኩም ናይ ካልኦት ክብሪ ሓልዉ፣ እንተዘየሎ ምናልባት ነቲ ርእይቶኹም ክንስርዞ ወይ ከነልግሶ ከድልየና ይኽእል’ዩ።
ንሕና ብተወሳኺ ዘይጠቅም ሓበሬታ (spam)፣ ቅዳሕ ጽሑፋት፣ ተደጋገምቲ ርእይቶታትን እቶም ኣብ መንጎ ካልኦት ኣባላት ማሕበረሰብ ዝካየድ ዕላል ክዘርጉ ወይ መስመሩ ክስሕት ንምግባር ዝፍትኑን ናይ ምእላይ መሰልና ዝተሓለወ’ዩ።
ኣበርክቶታት ናብ ፈይስቡክ ገጽና ብሓጎስ ንቕበሎ እንተኾንና’ኳ ትሕዝቶ ናይ’ቶም ኣበርክቶታት ግን ኣይነጽድቖን ኢና።
ኣበርክቶታት በዞም ኣብ ታሕቲ ብንጹር ዝተቐመጡ መላግቦታት ብዛዕባ ‘ውዕላትን ቅጥዕታትን መርበብ ሓበሬታ’ SBS ከም’ኡ’ውን ‘ፖሊሲ ውልቃዊ ሓበሬታ’ ዝተማእዘዙ ክኾኑ ኣለዎም።
ውዕላትን ቅጥዕታትን መርበብ ሓበሬታ
sbs.com.au/terms
ፖሊሲ ውልቃዊ ሓበሬታ
sbs.com.au/privacy

ካብ ምጅማር ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ክሳብ ምዕጻውን ሃለዋት እሱራትን፥ ወትሩ ወርሒ መስከረም ኣብ ኤርትራ ጋዜጠኛታት ብሕቲ ጋዜጣትትን ብጉጅለ 15 ዝስመዩ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ ዝተኣስርሉን...
10/09/2026

ካብ ምጅማር ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ክሳብ ምዕጻውን ሃለዋት እሱራትን፥
ወትሩ ወርሒ መስከረም ኣብ ኤርትራ ጋዜጠኛታት ብሕቲ ጋዜጣትትን ብጉጅለ 15 ዝስመዩ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ ዝተኣስርሉን ሃለዋቶም ዝጠፍኣሉን ዝዝከረሉ እዩ። እቲ ኣብ 2001 ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ሎሚ ርብዒ ዘመን ኣቚጺሩሉ ኣብዘሎ ካብቶም ንፈለማ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ዝመስረቱ ጋዜጠኛ መሓሪ ኣብርሃም ዓዲምና ብዛዕባ ኣመዓባብላን ምዕጻውን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን እሱራትን ዝምልከት ዝርርብ እዩ።👉👇
https://www.sbs.com.au/language/tigrinya/ti/podcast-episode/interview-with-the-journalist-who-founded-eritreas-first-independent-newspaper-before-the-2001-crackdown/nmqjq7dhv

ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት ዝተጀመረ ምሕዝነት ትካላዊ ቅርፂ ሒዙ ስራሕ ጀሚሩ ኣሎ ክብል ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቡ።  ባንክ ኤርትራ ኣብ ኢድ ዝተሓዝ መጠን ጥረ ገንዘብ ዝድርት ሓድ...
09/09/2026

ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት ዝተጀመረ ምሕዝነት ትካላዊ ቅርፂ ሒዙ ስራሕ ጀሚሩ ኣሎ ክብል ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቡ።
ባንክ ኤርትራ ኣብ ኢድ ዝተሓዝ መጠን ጥረ ገንዘብ ዝድርት ሓድሽ መምርሒ ወግዓዊ ገይሩ። ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ዝተመደበ ልዕሊ 60 ሚልዮን ባጀት ኣጽዲቚ።
ማሕበር መራሕቲ ከበድቲ መካይን ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮሞያ ምዕራብ ወለጋ ኣርባዕተ መካይን ነዳዲ ብዕጡቓት ተቓጺለን ትሽዓተ መራሕቲ መካይን ከምዝጨወዩ ኣፍሊጡ።

ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት ዝተጀመረ ምሕዝነት ትካላዊ ቅርፂ ሒዙ ስራሕ ጀሚሩ ኣሎ ክብል ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቡ። ሂዩማን ራይትስ ዎች ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፌደራል ...

ባንክ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ምስ ወልቀ ሰባትን ትካላትን ኣብ ኢድ ዝተሓዝ መጠን ገንዘብን ንኽንደይ መዓልቲን ዝምልከት ሕጋዊ ምልክታ ኣውጺኡ።እቲ ሎሚ 9 መስከረም ኣብ ጋዜጣ ኣዋጃት ኤርትራ ተሓቲ...
09/09/2026

ባንክ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ምስ ወልቀ ሰባትን ትካላትን ኣብ ኢድ ዝተሓዝ መጠን ገንዘብን ንኽንደይ መዓልቲን ዝምልከት ሕጋዊ ምልክታ ኣውጺኡ።
እቲ ሎሚ 9 መስከረም ኣብ ጋዜጣ ኣዋጃት ኤርትራ ተሓቲሙ ዝወጸ ሕጋዊ ምልክታ ቊጽሪ 134/2026 ፡ ኣርባዕተ ዓንቀጻት ዝሓዘ ኰይኑ፡ ምንቅስቓስ ባጤራ ናቕፋ ብባንክታትን ፊናንስያዊ ትካላትን ኪካየድ ስለዝግባእ፡ ብውልቀ-ሰብን ብሕታዊ ትካላትን ንዝተወሰነ ግዜ ክተሓዝ ንዝኽእል መጠን ጥረ ገንዘብ ዘነጽር’ዩ።
በዚ መሰረት፡ ዝዀነ ውልቀ-ሰብ ልዕሊ 25 ሽሕ ናቕፋ፣ ኣብ ደረጃ ‘ሐ’ ዝተመደበ ብሕታዊ ትካል ልዕሊ 50 ሽሕ ናቕፋ፣ ኣብ ደረጃ ‘ለ’ ዝተመደበ ብሕታዊ ትካል ልዕሊ 100 ሽሕ ናቕፋ፣ ኣብ ደረጃ ‘ሀ’ ዝተመደበ ብሕታዊ ትካል ድማ ልዕሊ 150 ሽሕ ናቕፋ ጥረ ገንዘብ ካብ 15 መዓልታት ንላዕሊ ኣብ ኢድ ክሕዝ ከምዘይፍቀድ ተደንጊጉ’ሎ። ክብል ኣፍሊጡ ኣሎ።
ቅቡል ብዘይኰነ ምኽንያት፡ ልዕሊ’ዚ ዝተጠቕሰ ፍቑድ መጠን ጥረ ገንዘብ ካብ 15 መዓልታት ንላዕሊ ዝሓዘ ውልቀ-ሰብ ይኹን ብሕታዊ ትካል ሕጋዊ ስጒምቲ ከምዝውሰዶ’ውን ፡ እቲ ሕጋዊ ምልክታ ንህዝቢ ፍሊጡ’ሎ።

** ቅድሚ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ መጠንቀታ ተዋሂብዎ ምንባሩ ኣብዝግለጸሉ ኣብ ልዕሊ ናታንያሁ ጸቕጢ ይሕይል ...** ብዝሒ ስደት ዳርጋ ብፍርቂ ንዞባዊ ህዝቢ ኣውስትራሊያ ጽልዋ ከምዝገበረሓደ ...
09/09/2026

** ቅድሚ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ መጠንቀታ ተዋሂብዎ ምንባሩ ኣብዝግለጸሉ ኣብ ልዕሊ ናታንያሁ ጸቕጢ ይሕይል ...
** ብዝሒ ስደት ዳርጋ ብፍርቂ ንዞባዊ ህዝቢ ኣውስትራሊያ ጽልዋ ከምዝገበረሓደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ ...
** ኤርትራ፡ ልዕሊ 63 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ንምሕያል ትካላትን ስርዓታትን ሓገዝ ካብ ዩኒሴፍ ክልገሰላ ምዃኑ ተፈሊጡ።

** ቅድሚ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ መጠንቀታ ተዋሂብዎ ምንባሩ ኣብዝግለጸሉ ኣብ ልዕሊ ናታንያሁ ጸቕጢ ይሕይል ... ** ብዝሒ ስደት ዳርጋ ብፍርቂ ንዞባዊ ህዝቢ ኣውስትራሊያ ጽልዋ ከምዝገበረሓደ መ...

መራሒ ናይዚ ኣብ ጀርመን ተመሪጹ ዘሎ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ  ካብ"ቶም ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርዖም ነገራት ከም ምስጓግ ስደተኛታት ፡ ሰባት ናብ ጀርመን ንኽመጹ ዘተባብዕ ስርዓት ክስርዞ ምዃኑ ኣፍ...
08/09/2026

መራሒ ናይዚ ኣብ ጀርመን ተመሪጹ ዘሎ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ካብ"ቶም ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርዖም ነገራት ከም ምስጓግ ስደተኛታት ፡ ሰባት ናብ ጀርመን ንኽመጹ ዘተባብዕ ስርዓት ክስርዞ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። ብኣበሃህላኡ እዚ " ነቲ ማሕበራዊ ስርዓት ጀርመን ዝምዝምዝ ዘሎ'ዩ። "

ሰልፊ ኣማራጺ ንጀርመን ወይ (lternative for Germany Party, A-F-D)- ኣብ ግዝኣት ሳክሶኒ-ኣንሃልት ዝተኻየደ ምርጫ ቅዳማይ ብምውጻእ: ንመጀመርታ ግዜ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝመ.....

*** ሰርቢያ፡ ነቲ ሓራዲ ህዝቢ ቦስኒያ ተባሂሉ ዝፍለጥ ገበነኛ ምላዲች ሕብረት ኣውሮጳ መጠንቀቕታ እንተሃበታ’ኳ ብመንግስታዊ ስርዓት ቀቢራቶ። *** ትሕቲ 14 ዓመት ዝዕድሚአን መሸፈኒ ጸጉ...
07/09/2026

*** ሰርቢያ፡ ነቲ ሓራዲ ህዝቢ ቦስኒያ ተባሂሉ ዝፍለጥ ገበነኛ ምላዲች ሕብረት ኣውሮጳ መጠንቀቕታ እንተሃበታ’ኳ ብመንግስታዊ ስርዓት ቀቢራቶ።
*** ትሕቲ 14 ዓመት ዝዕድሚአን መሸፈኒ ጸጉሪ (ሕጃብ) ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ከይለብሳ ምኽልካሉ ብሕጊ ከምዝምጉቱ ኦስትራውያን ጉጅለታት ምስልምና ኣጠንቂቖም ።...
*** ኣብ ኣውስትራሊያ ወቕቲ ጽድያ ጀሚርሉ ኣብዘሎ ፣ ምስ ምእታው ምዉቕ ኵነታት ኣየር ድማ ወቕቲ ተመን ዝጅምረሉ እዩ ።

*** ሰርቢያ፡ ነቲ ሓራዲ ህዝቢ ቦስኒያ ተባሂሉ ዝፍለጥ ገበነኛ ምላዲች ሕብረት ኣውሮጳ መጠንቀቕታ እንተሃበታ’ኳ ብመንግስታዊ ስርዓት ቀቢራቶ። *** ትሕቲ 14 ዓመት ዝዕድሚአን መሸፈኒ ጸጉ.....

ካርታ ዓለም ዝያዳ ቅኑዕ ንክኸውን ምሕዳሱን ምትኽኻሉን ጽቡቕ ሓሳብ ክመስል ይኽእል’ዩ፡ ብዙሓት ሃገራት ግን ብዛዕባኡ ሕጉሳት ኣይኮናን።
06/09/2026

ካርታ ዓለም ዝያዳ ቅኑዕ ንክኸውን ምሕዳሱን ምትኽኻሉን ጽቡቕ ሓሳብ ክመስል ይኽእል’ዩ፡ ብዙሓት ሃገራት ግን ብዛዕባኡ ሕጉሳት ኣይኮናን።

መንግስቲ ትግራይ ንናይጀርያዊ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ብምንቃፍ፡ ዘይሻራዊን ነፃን ኣሸማጋላይ ክህሉ ጸዊዑ። ቻይና ኣብ ጉዳይ ሩባ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ናይ ግብጺ መርገጺ ኣንጸባሪቓ። ትግራዋይ ተ...
06/09/2026

መንግስቲ ትግራይ ንናይጀርያዊ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ብምንቃፍ፡ ዘይሻራዊን ነፃን ኣሸማጋላይ ክህሉ ጸዊዑ።
ቻይና ኣብ ጉዳይ ሩባ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ናይ ግብጺ መርገጺ ኣንጸባሪቓ።
ትግራዋይ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ፊልሞን ገብረሂወት ንሓደ ዓመት ዝተሰወረሉ ምኽንያት ምርመራ ክግበር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ።
ተሓጋጋዚ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ንጉዳያት ኣፍሪካ ፍራንክ ጋርስያ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ተመያይጡ።
ኣገልግሎት ዜግነትን ኢሚግሬሽንን ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓለምለኻዊ ቤት ጽሕፈቱ ክኸፍት ምዃኑ ተፈሊጡ።

መንግስቲ ትግራይ ንናይጀርያዊ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ብምንቃፍ፡ ዘይሻራዊን ነፃን ኣሸማጋላይ ክህሉ ጸዊዑ። ቻይና ኣብ ጉዳይ ሩባ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ናይ ግብጺ መርገጺ ኣንጸባሪቓ። ት.....

Address

Level 2 Alfred Deakin Building Federation Squere
Deakin, VIC
MELBOURNE3000

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when SBS Tigrinya posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to SBS Tigrinya:

Shortcuts

Share