16/08/2025
#ትግራይ 💛❤💛❤ 💊💊💊 💪💪💪
ኣነ ብጣዕሚ ዝገርመንሲ ነዛ ዘይትደልየና ዓዲ ትደልዩ ዘለኹም ተጋሩስ እንታይ ትበሃሉ ?
ነገሩ ኣነ ባንዴራ ኢት/ያን ኢትዮጵያውነትን ካብ ዘራግፍ 6 ዓመተይ እየ ። እዚኣ ክውስኸላ ኢጦብያውነት ኣብ ሕልናይ የለን ምኽንያቱ ደጋጊማ ንህልውናና ዝኸሓደት ዓዲ እያ ። እዚ ሕጋዊ ፍትሕ ዘይምግባር ከም ዘለዎ ኮይኑ ኣነ ኣብ ውሸጠይ ጥር ትብል ኢት/ዊ ስምዒት የብለይን ። ኢት/ዊነት ዜግነት እዩ ዜግነት ድማ ብግዴታ ትሽከሞ ዘይኮነስ ፈቂድካ ትቅበሎ እዩ ስለዚ ድሕሪ ሕዚ ፍቃደኛ ኣይኮንኩን እየ ኢለ እዙይ ድማ መሰለይ እዩ ።