Voice Of Tegaru Muslims - VTM

Voice Of Tegaru Muslims - VTM Objective

Motivate Tigrayan Muslims do their part in Tigray’s economic and social development!

በዓል መውሊድ ብምኽንያት ስግኣት ደብዳብ ነፈርቲ ካብ ኣደባባይ ወፃኢ ኣብ መሳጊድ ብለይቲ ንክብዓል ምውሳኑ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ኣፍሊጡ።​መበል 1501 ዓመት በዓል መውሊድ ካ...
08/24/2026

በዓል መውሊድ ብምኽንያት ስግኣት ደብዳብ ነፈርቲ ካብ ኣደባባይ ወፃኢ ኣብ መሳጊድ ብለይቲ ንክብዓል ምውሳኑ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ኣፍሊጡ።

​መበል 1501 ዓመት በዓል መውሊድ ካብ ሎሚ ምሸት ጀሚሩ ከምዝኽበር ዝገለፀ ’ቲ ቤት ምኽሪ፥ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ይፍፀሙ ዘለዉ ደብዳባት ነፈርቲ እቲ በዓል ብለይቲ ንክብዓል ምውሳኑ ሓቢሩ።

​በዓል መውሊድ ኣስተምህሮታት ነቢዪ መሓመድ ንምቕፃል ዓሊሙ ዝበዓል ምዃኑ ዋና ፀሓፊ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ ገሊፆም።

ኣብዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍፀሙ ደብዳባት ኣብ ሰላማውያን ሰባት ካብ ዘብፅሑዎ መጉዳእቲ ብዝዘለለ ሃይማኖታዊ በዓላት ንምብዓል እውን የፀግሙ ምህላዎም ኣገንዚቦም።

​እቲ በዓል፥ ዋላ’ኳ ብሰንኪ ስግኣት ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ኣደባባያት ዘይኽበር እንተኾነ ብሃይማኖታዊ ስርዓታት ዱዓ፣ ዳዕዋን መንዙማን ተሰኒዩ ኣብ ዓበይቲ መሳጊድ ትግራይ ከምዝበዓል ሓጂ መሓመድ ኣረዲኦም።

​እቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍፀም መጥቃዕቲ ነፈርቲ ደው ክብል ዝፀውዐ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ፥ ፖለቲካዊ ፀገማት ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ብዝግበር ሰላማዊ ልዝብ ዝፍታሕ ምዃኖም ኣስሚሩሉ እዬም።

​ኣብቲ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ዝሃቦ መግለፂ ዝተረኸቡ ኣመራርሓ ሸሪዓ ቃዲ ክልል ትግራይ፣ ሸሪዓ ቃዲ ዞባ መቐለን ጉዳያት እስልምና ዞባ መቐለን ብወገኖም በዓል መውሊድ እንትኽበር ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝ ንክኸውን ተላብዮም።

እቶም መራሕቲ እምነት እስልምና በዓል መውሊድ ናይ ሰላም፣ ፍቕሪን ምድግጋፍን ንክኸውን ድማ ተመኒዮም።

ከም ሓበሬታ Tg tv

ዓብይ ታሪኽ ኣብ ከተማ ሽረማእከል ቁርኣንን ዒልምን ዘምዘም ሙ/ድ ዑስማን ዓበይቲ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰበ-ስልጣንን ኣብ ዝተረከቡሉ ብድምቀት ተመሪቑ፤ ንፈለማ እዋን ዝተገብረ ህንፀት 2.5 ሚ...
07/15/2026

ዓብይ ታሪኽ ኣብ ከተማ ሽረ
ማእከል ቁርኣንን ዒልምን ዘምዘም ሙ/ድ ዑስማን ዓበይቲ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰበ-ስልጣንን ኣብ ዝተረከቡሉ ብድምቀት ተመሪቑ፤ ንፈለማ እዋን ዝተገብረ ህንፀት 2.5 ሚሊዮን ልዕሊ ብር ወዲኡ።
ዕለት፦ 08 ሓምለ 2018 ዓ.ል
ቦታ፦ ከተማ ሽረ
ብሉፅ ናይ ትምህርቲ ፅሬትን ሃይማኖታዊ ስነ-ምግባርን ንምስፋሕ ዝዓለመ ማእከል ቁርኣንን ዒልምን ዘምዘም ሙ/ድ ዑስማን፡ 06 ሓምለ 2018 ዓ.ም ላዕለዎት መራሕቲ ሃይማኖትን ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረከቡሉ ብኣዝዩ ድሙቕ ፅንብል ተመሪቑ። ኣብዚ ናይ ምረቓ ስነ-ስርዓት፡ ዓበይቲ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ሓለፍቲ ዞባ፣ ናይ ሸርዓ መጅሊስ ሓለፍትን ኣባላት ዑለማእ ኮሚቴን ሓዊሱ ብዙሓት ተቐማጦ እቲ ከባቢ ተረኺቦም ኣለዉ።
እቲ ማእከል ብዲዛይን G+3 ክስራሕ ዝተለመ ኮይኑ፣ ንፈለማ እዋን ከባቢ 3,000,000 ብር ክውድእ ተባሂሉ ከምዝተጀመረ ተገሊጹ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ 2,572,000 ብር ብምውዳእ እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ህንፀት ብዓወት ተዛዚሙ ኣሎ። ኢንጅነር ዓ/ራሕማን ከምዝገለጾ፣ እቲ ዝተረፈ ቀጻሊ ስራሕቲ ምስ ሰብ ሃፍቲን ገበርቲ ሰናይን ብምኻን ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ልዕሊ ተስፋ ከምዘሎ ኣረዲኡ። ንናዉቲ እቲ ማእከል ንመጀመሪ ዝኸዉኒን ናይ ምረቃ ወፃኢታትን ብዘምዘም ሙ/ድ ዑስማን 176,000 ብር ብምሃብ ከምዝተጀመረ እውን ተሓቢሩ ኣሎ።
ሓላፊ ዘምዘም ኢስላማዊ ማሕበር መ/ር መንሱር ብወገኖም ከምዝገለጽዎ፣ እቲ ማሕበር ኣብ ሓሙሽተ ዓበይቲ ዘርፊታት (ምምሕዳር መርከዛት፣ ምድላው ኪነ-ጥበባት፣ ሓገዝ መሳኪንን የቲማትን፣ ከምኡ እውን ሓገዝ ዝተሸገሩ ሽማግለታት ዓዲ) ልዑል ኣስተዋፅኦ ዝገበረ እዩ። ኣብ ምሕደራ እቲ መርከዝ ምስ መጅሊስ ወረዳ ብምረድዳእ ብሕግን ደንብን ክመሓደር ስምምዕነት ተበጺሑ ኣሎ። እቲ መርከዝ ንመጀመሪ ንክልተ ወርሒ ዝኣክል ብነጻ ዘቅርእ ክኸውን ከሎ፣ ክልተ ኡስታዝን ሐደ ካሸርን ብምምዳብ ካብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ስራሕ ኣጀሚሩ ኣሎ። ቀጻሊ ኣታዊኡ ድማ ካብ ቀረእቲ፣ ካብ ገበርቲ ሰናይን ብቴሌ-ቶን ዝረኸብ ኮይኑ፣ ንህንፀት እቲ ትካልን ዶሞዝ ሰራሕተኛታትን ዝውዕል እዩ። ብተወሳኺ ሓደ ሓደ ሓገዛት ንመስጂድ ሹሃዳእ ኣታዊ ክኸውን እዩ።
ናብዚ ዓወት እዚ ንምብጻሕ ብርክት ዝበሉ ፀገማት ከምዘጋጠምዎም ዝሓበረ መ/ር መንሱር፣ ነዞም ዕንቅፋታት እዚኦም ብዓወት ከምዝሓለፍዎም ብምግላጽ፣ *"እቲ ማሕበር ንክጥንክር ብኹሉ መዳይ ምስ ዘምዘም ማሕበር ሓቢርና ንስራሕ፣ ሓቢርና ንተዓወት፣ ንኸይር ስራሕ ንቀላጥፍ!"* ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ሓላፊ ዞባ መጅሊስ ዑለማእ ሓጂ ሙሓመድብርሃን ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፥ እዚ ዝተሰርሐ ስራሕ ኣዝዩ ዝነኣድን ደቂና ዝቀርእሉን ዝዕለሙሉን ብምዃኑ ልዑል ደስታ ዝፈጥር ምዃኑ ገሊጾም።
ሓላፊ ወረዳ መጅሊሰል ኣዕላ መ/ር ከድር ዓቡድ ብወገኖም፥ ብማእከል ዘምዘም ሙ/ድ ዑስማን ዝተሰርሐ ስራሕ ዓብዪ ምዃኑ ብምግላጽ "ነታ እትመጻና ናይ ሞት ሰዓት ኣይንፈልጣን ኢና፤ ስለዚ በቲ ዘለና ዓቕምን ክእለትን ኩላትና ኣብ ከምዚ ዝበለ 'ሰደቀቱል ጃሪያ' (ዘይቋረጽ ረብሓ) ስራሕቲ ክንሳተፍ ይግባእ" ክብሉ ስምዒታዊ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ንክብርቲ ዘምዘም ሙ/ድ ዑስማን እውን "ረቢ ይርሓመላ" ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ እቲ መደብ፥ንህንፀትን ምስፍሕፋሕን እቲ ማእከል ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣካላት ናይ ምስጋና ወረቐትንሽልማትን ብሓላፊ ዞባ ሸሪዓ ቃዲ ሸኽ ሓቢብ ኑረዲን ኣቢሉ ተዋሂቡኣዩ።
እዚ ፅንብል ምረቓ እዚ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ንጥፈታትን መደባትን ተሰንዩ ብዓወት ተዛዚሙ።

ጅግና መንእሰይ ኣሚር ሳሊሕ Amir Zaki-x  ብዛዕባ ታሪኽ፣ ሓድግታትን ትውፊታትን ታሪኻዊ መስጊድ ነጋሽ (ኣል-ነጃሺ) መሰረት ገይሩ ኣብ Warsaw University "the land of...
07/11/2026

ጅግና መንእሰይ ኣሚር ሳሊሕ Amir Zaki-x ብዛዕባ ታሪኽ፣ ሓድግታትን ትውፊታትን ታሪኻዊ መስጊድ ነጋሽ (ኣል-ነጃሺ) መሰረት ገይሩ ኣብ Warsaw University "the land of truth" ዶክመንተሪ ፊልም ሒዙ ብምቕራብ ናይ ተሳትፎን ኣድናቖትን ሰርተፊኬት፣ ብተወሳኺ ድማ ዓለም-ለኻዊ ኣፍልጦ (international recognition) ረኺቡ።

እንኳዕ ደስ በለካ ክቡር ሓው ኣሚር!

ታሪኻዊ መስጊድ ነጋሽ ኣብ ግዝያዊ መዝገብ ሓድግታት ዓለም (ዩኔስኮ) ከምዝተመዝገበ ዝዝከር እዩ። ከምዚኦም ዓይነት ስራሕቲ ብምስራሕ ኣብ ቐረባ እዋን ድማ ኣል-ነጃሺ ኣብ ቀዋሚ መዝገብ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ፣ ዓለም-ለኻዊ ሓድጊ ኾይኑ ኣብ ምብራኽ ቱሪዝም ትግራይ ዓብይ ኣስተዋፀኦ ክህልዎ ንትስፈው።

ሓድግታትና ንዓቅቦም፣ ነላልዮም፣ ንሃውፆም፣ ንሰንዶም!

ታዓፊኒ ዘሎ ማሕበረሰብ ሙስሊም ኣኽሱም ነፃ ኽወፅእ ይግባእ፡፡ብኣማኢቲ ዝኾና ተምሃሮ ብሰንኪ ሒጃብን ካብ አብያተ ት/ቲ ተኣጊደን እስካብ ሕዚ ...ወለዶ ዘይርሶዖ፣ይቅረ ዘይባሃል ግፍዒ እዩ፤...
07/04/2026

ታዓፊኒ ዘሎ ማሕበረሰብ ሙስሊም ኣኽሱም ነፃ ኽወፅእ ይግባእ፡፡ብኣማኢቲ ዝኾና ተምሃሮ ብሰንኪ ሒጃብን ካብ አብያተ ት/ቲ ተኣጊደን እስካብ ሕዚ ...ወለዶ ዘይርሶዖ፣ይቅረ ዘይባሃል ግፍዒ እዩ፤ እሞ ንትግራ ኢሉ ዝተቃለሰ፣ ኣብራኹ ዝሰኣነ ማሕብረሰብ ኽጥለም.. ነውራም ተግባር፡፡ ሕግ ግን ክፋረዶም ይግባእ፡፡

"ብግልጺ ንዛረብ: ማሕበረሰብ ሙስሊም ኣኽሱም ከም መሰል ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ከተማ መስጊድ ይግብኦ። ሙስሊም ኣኽሱም ኣካል ህዝቢ፡ ኣካል ታሪኽ፡ ኣካል ሞራላዊ ማሕበረሰብ እዛ መሬት እዮ። " - ዶ/ር ኣብራር ፍትዊ
https://l1nq.com/dk0yuua

#መርክቦታት TESFAPulse:-

X (Twitter) :- https://x.com/tesfapulse

ፌስቡክ ፔጅ:- https://www.facebook.com/p/TESFAPulse-61591147783845/

ዩቲዩብ:- https://youtu.be/4ooS8iab-eU?si=lA04n7nnBr0QBdHH

06/28/2026

A reminder.

መበል 1448 በዓል ዓሹራ ብድምቀት ተኸቢሩክብርን ሓድግን ኣልነጃሺ ናይ ሓደ ሃይማኖት ኣይኮነን የግዳስ  ዓለማዊ ሓድጊ ዝኸውን ናይ ኩላህና ተጋሩ ሓድጊ እዩ ክብሉ ገሊፆም ዋና ፀሓፊ ሓፈሻዊ...
06/25/2026

መበል 1448 በዓል ዓሹራ ብድምቀት ተኸቢሩ

ክብርን ሓድግን ኣልነጃሺ ናይ ሓደ ሃይማኖት ኣይኮነን የግዳስ ዓለማዊ ሓድጊ ዝኸውን ናይ ኩላህና ተጋሩ ሓድጊ እዩ ክብሉ ገሊፆም ዋና ፀሓፊ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ።

ብጊዝያውነት ሃፍትን ሓድግን ዓለም ክኸውን ኣብ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ ዘሎ መስጊድ ኣልነጃሺ ብዘላቕነት ክምዝገብ ብኡ ኣብሉ ፀጋ ሃፍቲ ፍልፍል ቁጠባ ክኸውን ዝግብኦ እዩ ኢሎም ምእንተዚ እዚ ታሪኻዊን ሃይማኖታውን ስፍራ ኣልነጃሺ ክላለልን ብሙሉእነት ክምዝገብን ድማ ፃዕርና ክነሐይል ይግባእ ኢሎም።

ነጋሽ ማእከል ፍቕሪ፥ ማእከል ምክብባርን ስኒትን ማእኸል ሙህሮን ፍልጠትን እዩ
ታሪኽና ዘምሀረና ድማ እዚ እዩ ዝበሉ ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ እዚ ታሪኻዊ ሓድግዚ ብዙሕ ብዙሕ ፀገምን ጉድኣትን ኣሕሊፉ እዩ ብፀበባውን ራህዋ ኣሎ ከምዝበሃል ግን ኩሉ ተሰጊሩ ንዝሓሸ ስራሕ ምውዳድ ኣብ እንገብረሉ እዋን ኣለና ኢሎም።

ታሪኻዊ ስፍራ ኣልነጃሺ ናይ ኣስልምና ጥራሕ ኣይኮነን ናይ ኩላህና ሓድጊ እዩ ክምዝገብ ይግባኦ ስለዚ እዚ ታሪኽን ዓለማዊ ሓድግን ክነላልዮ ክንመዝግቦ ኩላትና ተጋሩ ፃዕርና ሙሉእ ኮይኑ ዝተማለአ ውፅኢት ክመፅእ ይግባእ ኢሎም።
ከም ፀብፃብ DW

06/04/2026

እኒ ተኬ ሞሳድ ን ንዑኡ ዝመስሉ ዉልቀሰባትን ዝደልይዎ ትግራይ ንሙስሊም ደቃ ደፊኣ ፣ ንፀላእታ ወረቀት ትግራዋይነት ( ሰርተፊከት ) እትህብ እዩ ።

ነቲ ቪድዬ ረአይዎ ሓደ ወዲ ጎረቤት ሃገር ልዕሊ ሙስሊም ተጋሩ አኽሱም ከምእትብፅሖ ብዝገልፅ መልክዑ በዞም ፀረ ሰላም ዉልቀ ስባት ( እን ተኬ ማኛው ) ይግለፀሉ አሎ ።

06/03/2026

አርሲ ይቅተሉ ዘለው ኦርቶዶክሳዊያን ሰባት ፣ አብ ዝሓለፈ ሞጣ ዝተቀተሉ ሙስሊም እውን ሰባት ፣ አብ ኩሉ ቦታ ዘሎ ወዲ ሰብ ዝደለዬን ዝመረፆን ሃይማኖት ብሰላም ክትግብር መሰሉ እዩ ። ንበደልቲ ንኾንን ።

ንሲኖደስ አቡነ ሰላማ ቅርበት ዘለው ባራኺ ንርአ ወይ ድማ ( ባዜን ሮምሃይ ) ብዝብል ሽም አብ ማበራዊ ሚድያ ዝፍለጥ ውልቀ ስብ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሙስሊም ትግራዋይ ይኹን ሙስሊም ኣኽሱም ንዝ...
06/02/2026

ንሲኖደስ አቡነ ሰላማ ቅርበት ዘለው ባራኺ ንርአ ወይ ድማ ( ባዜን ሮምሃይ ) ብዝብል ሽም አብ ማበራዊ ሚድያ ዝፍለጥ ውልቀ ስብ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሙስሊም ትግራዋይ ይኹን ሙስሊም ኣኽሱም ንዝበፅሕ ዝኾነ ዓይነት ጥፍኣት ባዕሉን ላኣኽቱ ሓለቃታቱን ሓላፍነት ክወስዱ እዬም ።

ሙስሊም ተጋሩ ኣኽሱም ብዛዕባ ደቆም ናይ ሒጃብ ምኽዳን መስለን ተገዲዶም ኣሕሊፎም ከምዘይህቡ ንቤት ፍርዲ ብምግላፆም ፣ በዚ ትርእይዎ ዘለኹም መልክዑ መፈራርሒን ፃውዒት ጥፍኣትን ኣብ ልዕሊ ሙስሊማት ኣቅሪቡ ኣሎ ።

06/01/2026

አብ አኽሱም ዘለኹም ውሱናት ሙስሊም አገልገልቲ ውድብን አቡነ ሰላማን ፣ ረብሓን መሰልን ሕ/ስብ ሙስሊም ብዘይረብሕ ገንዘብ ክትሸጡዎ እንተለኹም ስቅ ኢልና አይንርእን ።

Address

Toronto, ON

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Voice Of Tegaru Muslims - VTM posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Voice Of Tegaru Muslims - VTM:

Shortcuts

Share

Category