Voice Of Tegaru Muslims - VTM

Voice Of Tegaru Muslims - VTM Objective

Motivate Tigrayan Muslims do their part in Tigray’s economic and social development!

11/17/2025

መራሕትና ተምሃሩሉ !

ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ባንግላዴሽ ሓሲና ኣብ ልዕሊ ዝተቃወሙዎን ዜጋታተን ስጉምቲ ሓይሊ ብምውሳድ ምኽንያት ንልዕሊ 1400 ዜጋታት ሞት ጥፍኣተኛ ዝበለን ቤት ፍርዲ ብይን ቅፅዓት ሞት ኣመሓላሊፍለን አሎ ።

መሪዎቻችን ተማሩበት !

የቀድሞዎ የባንግላዴሽ ጠቅላይ ሚኒስቴር ሓሲና በተቃወምዎቸው ወጣቶች ላይ የሃይል እርምጃ በመውሰድ ለ 1400 ስው ሞት ምክንያት ሆነዋል በማለት የባንግላዴሽ ፍርድ ቤት የሞት ቅጣት ወስኖባቸዋል ።

በአክሱም የሙስሊም ተማሪዋች ሂጃብ ክልከላ ይቁም! እምነት ወንጀል አይደለም።
11/08/2025

በአክሱም የሙስሊም ተማሪዋች ሂጃብ ክልከላ ይቁም! እምነት ወንጀል አይደለም።

ዞህራን ማምዳኒ መርአያ ኩሉ ነገር ይክኣል እዩ ! ( Dream big)።ሓዱሽ ተዓዋቲ ምርጫ ኸተማ ኒው ዬርክ ሲቲ ( አሜሪካ )። ካምፓላ ዩጋንዳ ተወሊዱ ፣ አሜሪካ ዓብዩ ። እዚ ዓወት ማምዳ...
11/05/2025

ዞህራን ማምዳኒ መርአያ ኩሉ ነገር ይክኣል እዩ ! ( Dream big)።

ሓዱሽ ተዓዋቲ ምርጫ ኸተማ ኒው ዬርክ ሲቲ ( አሜሪካ )።

ካምፓላ ዩጋንዳ ተወሊዱ ፣ አሜሪካ ዓብዩ ።

እዚ ዓወት ማምዳኒ ንስደተኛታት ዓለም ዓብይ ዓወት እዩ ።

ዝኣመና ሃይማኖት ንእመን ካብዝመፃና ንምፃእ ጥጡሕ ባይታን ዲሞክራስያዊ ሃዋህውን እንተፈጢርና ተዓወቲ ከምእንኾን ማምዳኒ ኣርእዩና ኣሎ ።

ምኽንያቱ ንማምዳኒ ካልእ ኣብ ኒውዬርክ ዝተወለደ ፕሬዝደንት ትራምፕ ሓዊሱ ብዙሓት ፓለቲከኛታትን ስብ ሃፍትን ብሃይማኖቱን ብዓሌቱን ከይተረፈ ኣንቃሺሾሞ እዬም ።

ቢልየነራትን ሚልየናራትን ኒውዬርክ ፣ ማምዳኒ ናብ ስልጣን ተመፅዩ ግብሪ ኽውስኸልና እዩ ኢሎም ንመናሓንሕቱ ብሚልየናት መዊሎም።

ብፍላይ Doordash ዝተብሃለ ናይ ምግቢ Delivery ትካል ንወፍሪ መረፃ መናሓንሕቱ ኩዎሞ ስፖንሰር ጌሩ እዩ ።

እንተኾነ ግን ማምዳኒ ኣብ 34 ዓመት ንኡስ ዕድምኡ ክሓልየልኩም እየ ብዝበሎም መብዛሕትኦም ማእኸላይን ትሑቱን መነባብሮ ብዘለዎም ኒው ዬርካውያን ከንቲባ ከተማ ኒውዬርክ ንምኻን ትማሊ ኣብዝተኸየደ መረፃ ተዓዊቱ አሎ።

ማምዳኒ መንእሰይ ፣ ስደተኛ ፣ ሙስሊም ፈላማይ ከንቲባ ከተማ ኒውዬርክ ኾይኑ ኣሎ ።

ኣብ ፈላማይ ናይ ዓወት መደርኡ ድማ (مِنَّا وَمِنكُم) ካባና ካባኹም ብምባል ንሕብረት ኒውዬርካውያን ገሊፁ አሎ ።

( ዓብዱልጀሊል ሽኽ ሙሓመድ )

11/03/2025

ክብርቲ ሓፍትና ተጋዳሊት ዘቢባ ዓብዱ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ቁምነገር መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ ኣላ ።
ሼር እናገበርና ናብ ኩሉ ነባፅሓዬ።

10/31/2025

" ኣኽሱም እንተይልና ክርስትና ማለት እዩ ከምቲ ነጋሺ ንሙስሊም ተጋሩ ዘለዎም።" ኢሉ ጀ/ል ምግበይ ሃይለ ። ንሕና ድማ የፋሉን ኣኽሱም ተቀባሊት ኽልቲኦም ሃይማኖት ክርስትናን እስልምናን እያ ንብል አለና።

10/30/2025

በደል ኣብ ልዕሊ ሙስሊም ደቂ ኣንስትዬ ተምሃሮ ኣኽሱም ቀፂሉ ኣሎ ።

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ኣኽሱም ወ/ሮ ፀጋ ኣካል ሕገ መንግስቲ ንዝኾነ ውሳነ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ፀማም እዝኒ ሂበን ፣ ንዝተላኣኻሉ እከይ ዕላማ ንምዕውታ ሴኩላር ስርዓት እዩ ዘለና ሒጃብ ምግባር ክሕሰብ የብሉን ይብላ ኣለዎ ።

ኽካየዱ ንዝቀነዩ ኣኼባታት ሲዒቡ ድማ ደቂ ኣንስትዬ ሙስሊም ተምሃሮ ኣኽሱም ካብ ሶኒ ጀሚሩ ሒጃብ ከይኽደና ተዘይኮይኑ ንዝመፅእ ሳዕቤን እተን ተምሃሮ ሓላፍነት ክወስዳ መፈራርሒ ተነጊርዎን እሎ ።

ናይ እክሱም ኣብያተ ትምህርትታት ሐዚ ዘለወን ኹነታት
1. አሉሚናይ 2 ብርኪ ቤት ትምህርት (ለሞዓንቲ ካብ ሶኒ ጀሚርክን ሕጃብ ከይትገብራ ኢላ ዝአወጀት)
2. መጋቢት ቐዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ( ካብ ዝኸልኸለት ሓደስሙን ሓሊፍዋ)
3. ኢዛና ቐዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ( ካብ ዝኸልኸለት ሓደስሙን ሓሊፍዋ)

#ፍትሒ ንሙስሊም ደቂ ኣንስትዬ ተምሃሮ ኣኽሱም !
#ሒጃብ መሰል እዩ ።

( ንዋሕዲ ፅሬት ምስሊ ይቅረታ ንሓትት )

10/27/2025

ሒጃበይ ካብ ወለደይ ዝወረስክዎ ባህሊ ኸይኮነስ ፣ ኣካል ዝተማሃርክዎ እምነተይ እዩ ። መሰልና ብዘይ ውዓል ሕደር ይከበር ።
ክትብል ብንብዓት ተዓጂባ ካብ ሙስሊም ደቂ ኣንስትዬ ተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ኽንደያ ኣኽሱም ሓንቲ ዝኾነት ሓፍትና ብዛዕባ መሰል ሒጃብ መልእኽታ ኣሕሊፋ ኣላ ።

ረቢ ንዓኽን ንኹለኽን ኣሕዋትናን ይሓልወልና ።

( ምስሊ ቪድዬ ካብ ኣኽሱም ወገናትና እዩ እሞ ንፅሬት ደረጅኡ ይቅረታ ይሓትት ዓብዱልጀሊል ሽኽ ሙሓመድ )

10/23/2025

" ዘይሞከርኩሞ ሓደ ነገር ፍትሒ ምርግጋፅ እዩ ፣ ንሱ ሞክርዎ እሞ ናይ ህዝቢና ለውጢ ኽትርእይዎ እኹም ። "

ኽቡር ወላዲና ኡስታዝ ነስረዲን ሙሓመድ ሰዒድ ።

( ዓቡዱልጀሊል ሽኽ ሙሓሙድ ኣብ VTM ኣድልዩ ጠቂዕዎ )

ኢና ሊላሂ ወኢና ኢለይሂ ራጂዑን ።ነበር ፕሬዝደንት ጉዳያት እስልምና ኢትዬጵያ ዝነበሩ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ናብ ኣኺራ ሓሊፎም አለው ።ንሙሉእ ስድራን ፣ ፈተውቲን ኢትዬጵያውያንን ምፅንዕ...
10/20/2025

ኢና ሊላሂ ወኢና ኢለይሂ ራጂዑን ።
ነበር ፕሬዝደንት ጉዳያት እስልምና ኢትዬጵያ ዝነበሩ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ናብ ኣኺራ ሓሊፎም አለው ።

ንሙሉእ ስድራን ፣ ፈተውቲን ኢትዬጵያውያንን ምፅንዕናዕ ንምነ !

ንኹሎም ኣምዋት ሙስሊምን ድማ ረበል ዓለሚን ምሕረት ከውርደሎም ንልምን ።

( ዓብዱልጀሊል ሽኽ ሙሓመድ )

10/19/2025

ሕጊ ዘይትግበረላ ኸተማ ኮይና እትቅፅል ዘላ ኸተማ ፣ ኸተማ አኽሱም !

ሎሚ ኣብ 3ተ ኣብያተ ትምህርቲ

1.ሃይስኩል ( 2ይ ብርኪ )
2.መጋብት 18 1ይ ብርኪ
3. ፓሪፓራቶሪ ( ፕሪ )
ኣብዝተኻየደን መራሕቱ ኣብዘይተነፀረን መራሕቲ ሃይማኖት፣ ወለዲተምሃሮን ኣብዝተሳተፍሉን ኣኼባ ፣ ከተማ ኣኽሱም ናይ ኣድባራት ከተማ ስለዝኾነት ናይ ሙስሊም ደቂ ኣንስትዬ ተምሃሮ ኣኽሱም ሒጃብ ምኽዳን ፍፁም ክሕሰብ ከምዘይብሉ ተጋዊሑ ኣሎ ።

ኣኽሱም ብሕጊ ፌደራል ከምዘይትመሓደርን ብኽልል ድማ ናይ ባዕላ ሕጊ ከምዘለዎን ብኡኡ ከምትመሓደርን ተሳተፍቲ ካንዝነበሩ ኣካላት ከምዝተልዓለ ተሓቢሩ ኣሎ ።

ፍልፍላትና ወሲኾም ከምዝገለፅዎ ሙስሊም ተምሃሮ ሒጃብ ተገበራ ፀገም ዘለዎ ኣይኮነን ዝበሉ ቅኑዓት ክፋላት ሕብረተስብ ኸተማ ኣኽሱም እውን ከምዝነበሩ እዩ ።

እዚ ሓዱሽ ምዕባለ ፅንፈኛ አተሓሳስባ ክልከላ ሒጃብ ሙስሊም ተምሃሮ ብርግፅ ከምትዝብሃል ዝነበረ ናይ ሴኩላር ሕጊ ጉዳይ ምፍፃም ኸይኮነስ ናይ ኣኽሱም ናይ በይንና እያ ብዝብሉ መኽረርቲ ኣካላት ዝተቀመረ ከምዝነበረ ዘረጋገፀ ኾይኑ ኣሎ።

ልዕላዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ኣብ ኸተማ ኣኽሱምን ሙሉእ ትግራይን ዝርከባ ሙስሊም ደቂ ኣንስትዬ ተምሃሮ ሒጃበን ተኸዲነን ንኽምሃራ ከምዝፈረደ ዝዝከር እዩ ።

ኣብዞም ጉዳያት እዚኦም በብደረጅኡ ዘሉው ጉዳያት እስልምና ትግራይን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ዛጊድ ዝሃብዎ ሪኢቶ የለን ።

( ዓብዱልጀሊል ሽኽ ሙሓሙድ ፂሒፍዎ )

10/11/2025

ህዝበና ዘለኻዬ ይኣኽለካ ፣ አላህ ካብ ተፎጥራዊን ስብኣዊን ሓደጋ ይሓልኹም ። አሚን ! Via Abduljelil Shek Muhammed

Address

Toronto, ON

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Voice Of Tegaru Muslims - VTM posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Voice Of Tegaru Muslims - VTM:

Share

Category