ኣዝማሪኖ PRESS

  • Home
  • ኣዝማሪኖ PRESS

ኣዝማሪኖ PRESS news ,sport tech ,polotics from trusted ones
(1)

ክለብ ኒውካትስል ዩናይትድ ንኣጥቃዓይ  ክለብ ብሬንትፎርድ  ዮሃን ዊሳ ንምዕዳግ  ዘቕረበቶ ሓድሽ ናይ 40 ሚልዮን ፓውንድ ጠለብ  ብክለብ ብሬንትፎርድ ከም ዝተነጸገ  ዘ ኣትለቲክ ሓቢሩ። ዝ...
20/08/2025

ክለብ ኒውካትስል ዩናይትድ ንኣጥቃዓይ ክለብ ብሬንትፎርድ ዮሃን ዊሳ ንምዕዳግ ዘቕረበቶ ሓድሽ ናይ 40 ሚልዮን ፓውንድ ጠለብ ብክለብ ብሬንትፎርድ ከም ዝተነጸገ
ዘ ኣትለቲክ ሓቢሩ።
ዝሓለፈ ዓመት 19 ሸቶታት ብምምዝጋብ ካብ ሳንዱቕ ፔናልቲ ወጻኢ ዝበዝሐ ኣመዝጋቢ ሸቶ ፕሪምየር ሊግ ዝነበረ ወዲ 28 ዓመት ኮንጎዊ ኣጥቃዓይ ዮሃን ዊሳ ናብ ክለብ ኒውካስል ናይ ምጽንባር ልዑል ድሌት ከምዘለዎ ይግለጽ።

𝕧𝕚𝕒 ...... 🆃🅷🅴 🅰🆃🅷🅻🅴🆃🅸🅲🆂

ተወሳኺ ሓድሽ ስፖርታዊ ዜናታትን ትንታነን ንምርካብ
👇
FB : ኣዝማሪኖ PRESS
👇
https://www.instagram.com/azmarinopress_1

ኣጥቃዓይ  ክለብ ኣርሰናል ካይ ሃቨርትዝ ኣብ ብርኩ ማህረምቲ ከም ዘጋጠሞን ፡ በዚምኽንያት እዚ ድማ  እቲ ተጻዋታይ ኣብ ናይ ሎሚ ስሩዕ  መደብ  ልምምድ  ክለቡ ከምዘይተረኽበ  ክግለጽ ከሎ...
20/08/2025

ኣጥቃዓይ ክለብ ኣርሰናል ካይ ሃቨርትዝ ኣብ ብርኩ ማህረምቲ ከም ዘጋጠሞን ፡ በዚምኽንያት እዚ ድማ እቲ ተጻዋታይ ኣብ ናይ ሎሚ ስሩዕ መደብ ልምምድ ክለቡ ከምዘይተረኽበ ክግለጽ ከሎ ፤
ክብደት ማህረምቲ ናይዚ ወዲ 26 ዓመት ኣጥቃዓይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንምፍላጥ ከምዘይተኻእለን ነዚ ንምንጻር ተወሳኺ ሕክምናዊ መርመራ ይግበረሉ ከምዘሎን ብተወሳኺ ተገሊጹ።

ነዚ ስዒቡ ክለብ ኣርሰናል ክፍጠር ንዝኽእል ክፍተት ብኣግኡ ንምድፋን ፡ ናብቲ ንሰሙን መመላእታ ረሲዓቶ ዝጸንሐት መስርሕ ምዝውዋር ተጻወቲ ብምምላስ ሓድሽ ተጻዋታይ ከተፈርም ኣብ ውሳነ ምብጻሓ ዘ ኣትለቲክ ሓቢሩ ።

𝕧𝕚𝕒 ...... 🆃🅷🅴 🅰🆃🅷🅻🅴🆃🅸🅲🆂

https://www.instagram.com/azmarinopress_1

🚨💣.... ኣሌክሳንደር ኢሳቅ....σи  𝖎𝖓𝖘𝖙𝖆𝖌𝖗𝖆𝖒 "ኣባል ብሉጽቲ—ጋንታ ፕሪምየር ሊግ (PFA ) 2024/25 ብምዃነይ ሓበን ይስምዓኒ ። ነዚ ንኽበቅዕ ንዝሓገዙኒ ንደቂ ጋንታይን ንኣ...
19/08/2025

🚨💣.... ኣሌክሳንደር ኢሳቅ....σи 𝖎𝖓𝖘𝖙𝖆𝖌𝖗𝖆𝖒

"ኣባል ብሉጽቲ—ጋንታ ፕሪምየር ሊግ (PFA ) 2024/25 ብምዃነይ ሓበን ይስምዓኒ ። ነዚ ንኽበቅዕ ንዝሓገዙኒ ንደቂ ጋንታይን ንኣባላት ክለብ ኒውካስል ዩናይትድን ንኹሎም ልዕሊ ዝኾነ ከመስግኖም ይደሊ።"

"ኣብ ናይ ሎሚ ምሸት ስነ-ስርዓት ኣይተረኸብኩን ። ምኽንያቱ ዶማ ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣብቲ ቦታ ምህላው ንዓይ ቅኑዕ ውሳነ ኮይኑ ኣይተሰምዓንን።"

"ብዙሓት ክዛረቡ እንከለዉ ነዊሕ እዋን ስቕ ኢለ'የ ጸኒሐ። ስቕታይ ድማ ንገለ ሰባት ነናይ ገዛእ ርእሶም ነገር ንክገብሩ ኣኽኢልዎም'ዩ ። እንተኾነ ኣብ ዕጹው-ማዕጾ ዝተባህለን ዝተሰማምዓሉን ከምዘይገብሩዎ ግን ጽቡቕ ጌሮም ይፈልጡዎ'ዮም።"

"እቲ ሓቂ ግን በታ ክለብ ዝተኣተወለይ መብጽዓታት ኔሩ ፤ እታ ክለብውን ትኹን ንመርገጺይ ካብ እትፈልጥ ነዊሕ ጌራ'ያ። እዚ ጉዳያት ሕጂ ከምዝመጸ ጌርካ ምቕራብ ግን የደናግር ኢዩ።"

"መብጽዓታት ተጠሊሞም፡ ምትእምማን ምስ ዝጠፍእ ፡ ርክባትና ክቕጽል ኣይክእሉን ኢዩ ። ነገራት ንዓይ፡ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ከምዚ ኩነታት ይርከቡ ፤ ሕጂ ግን ለውጢ ምግባር ንዓይ ጥራይ ዝጠቅም ነገር ዘይኮነስ ንኹላትና ዘርብሕ ኢዩ ።"

https://www.instagram.com/azmarinopress_1

ያጀምዓ ዜና .... ጭንቂ ኾይና ኢሎማ🤔እዞም ባባ ትራምፕ ከምዛ ንቪኦኤ ልኩት ዘበልዋ  ነዛ ድምጺ ውሑዳት ውልቀሳባት ዝኾነት ቢቢሲ ትግርኛ  ልኩት ዘብለልና ሓደ እንግላዛዊ ትራምፕ ክንስእን...
03/04/2025

ያጀምዓ ዜና .... ጭንቂ ኾይና ኢሎማ🤔
እዞም ባባ ትራምፕ ከምዛ ንቪኦኤ ልኩት ዘበልዋ ነዛ ድምጺ ውሑዳት ውልቀሳባት ዝኾነት ቢቢሲ ትግርኛ ልኩት ዘብለልና ሓደ እንግላዛዊ ትራምፕ ክንስእን 🤔 እወዕ.... ናይ ሎሚስ ጉድዩ🤭 😂😂
ኣድጊ ዝያዳ ዝፍለጠሉ ከቢድ ጽዕነት ናይ መጻር ክእለቱዩ....😁😁😂😂😂😂 ...ፈረስ'ከ ? &250👍 🤭🤭

ትማሊ ምሸት ኣርሰናል ኣብ ልዕሊ ፉልሃም 2ብ1 ኣብ ዝተዓወተትሉ ግጥም፤ እቲ  ንልዕሊ 3 ኣዋርሕ ብማህረምቲ  ካብ ሜዳ ሪሒቁ ዝጸንሐ ቡካዮ ሳካ  ተቐይሩ ድሕሪ ምእታዉ  ንመዐወቲ ሸቶ ክለብ...
02/04/2025

ትማሊ ምሸት ኣርሰናል ኣብ ልዕሊ ፉልሃም 2ብ1 ኣብ ዝተዓወተትሉ ግጥም፤ እቲ ንልዕሊ 3 ኣዋርሕ ብማህረምቲ ካብ ሜዳ ሪሒቁ ዝጸንሐ ቡካዮ ሳካ ተቐይሩ ድሕሪ ምእታዉ ንመዐወቲ ሸቶ ክለብ ኣርሰናል ኣመዝጊቡ ፡ ሓጎሱ ዝገለጸሉ ኣገባብ፡ ካብ ኣፍቀርቲ ስፖርት ናእዳ የውሕዘሉ ኣሎ ።
ሳካ ነታ ካብ መሪኖን ማርቲኔሊን ንዝረኸባ ኩዕሶ ብርእሱ ናብ ሸቶ ድሕሪ ምቕያሩ ፤ ንሓጎሱ ኣብ ሜዳ ምስዝርከቡ መጻውቱ ጸምቢሉ ጸወትኡ ክቕጽል ኣይመረጸን ..... እንታይ ደኣ ....
ናብ coaching staff ክለብ ኣርሰናል ብፍጥነት ድሕሪ ምኻድ ንኣሰልጣኒ ኣካላዊ ብቕዓት(physical performance coach) ክለብ ኣርሰናል ሳም ዊድሰን ብምሕቋፍ ምስቶም ን101 መዓልታት፣ እቲ ተጻዋታይ ምስ ብቕዓቱ ናብ ሜዳ ንኽምለስ ሓያል ጻዕሪ ዝገበሩሉ ኣባለት እታ ክለብ ሓጎሱ ክጽምብል ኢዩ መሪጹ ።

... እዛ ብምኽንያት ዝረስረሰት ጽምብል'ያ እምበኣር ንቡካዮ ሳካ መዛረቢ ኣርእስቲ ፈጠራ ካብዙሓት ኣድናቖት ኣትሪፋትሉ ፤

ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ሚከል ኣርቴታ ንተግባር'ቲ ተጻዋታይ ኣመልኪቱ ድሕሪ ጸወታ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፦

" እንታይ ዓይነት ብሱል ሰብ ምኻኑ ረኣይዎ ፡ ሸቶ ኣመዝጊቡ ሓጎሱ ኣብ ዝጽምብለሉ ኣጋጣሚ ውን ይኹን ንዝተገበረሉ ውዕለት ዘይርስዕ መመስገኒ ተጻዋታይ ምዃኑ ? ስለዚ ድማ 'ዩ ቡካዮ ሳካ ብኹሉ ሰብ ፍትው ክኸውን ዝኸኣለ ክብል ኣብ ልዐሊቲ ተጻዋታይ ንዘለወ ክብሪነ ኣድናቖትን ገሊጹሉ ።

𝖜𝖊𝖑𝖑𝖈𝖔𝖒𝖊 𝖇𝖆𝖈𝖐 𝖑𝖎𝖎𝖙𝖑𝖊 𝖈𝖍𝖎𝖑𝖑 ......🤗🤗🤗

ተወሳኺ ስፖርታዊ ዜናታትን ትንታነን ንምርካብ
👇
FB : ኣዝማሪኖ PRESS
👇
https://www.instagram.com/azmarinopress_1

🎤🗣️ 🇧🇷ካስሚሮ ፡ "ብዕድመ ኣዝየ ንኢሽቶይ ኮይነ ምስ ደቂ ገዛውተይ ኩዕሶ ኣብ ዝጻወተሉ  ዝነበረከሉ እዋን  ፡ ሓያል ናይ ቂድሚት መስመር ተጻዋታይ ወይ ድማ ኣጥቃዓይ'የ ኔረ ።  ኣብቲ ...
31/03/2025

🎤🗣️ 🇧🇷ካስሚሮ ፡ "ብዕድመ ኣዝየ ንኢሽቶይ ኮይነ ምስ ደቂ ገዛውተይ ኩዕሶ ኣብ ዝጻወተሉ ዝነበረከሉ እዋን ፡ ሓያል ናይ ቂድሚት መስመር ተጻዋታይ ወይ ድማ ኣጥቃዓይ'የ ኔረ ። ኣብቲ ዕድመ'ቲ ብቑመተይ ካብ መጻውተይ ዝነዋሕኩ ተጻዋታይ ብምንባረይ ፡ ብቴስታ ብዙሕ ሸቶታት የመዝግብ ምንባረይውን ይዝክር " !

"ወድ 12ወይ 13 ዓመት ኣብዝነበርኩሉ እዋን ግን ክለብ ሳኦ ፓውሎ ትስፍዋት ንዝበለቶም ቆልዑት ናይ ምምልማል ፕሮጀክት ከምዝለዋ ስለዝሰማዕኩ ናብቲ ኣካዳሚ ኣቐዲመ ከይደ ብምምዝጋብ ፤ መዓልቲ ቆጸራ ምስ ኣኸለ ፡ በቶም መጻውተይ ዝኾኑ ደቂ ገዛውተይ ተዓጂበ ናብቲ እንፍተነሉ ቦታ በጺሐና ።

እንተኾነ ናብቲ ቦታ ኣብ ዝበጽሓናሉ እዋን ከምዚ ከማይ ንፈተና ዝተቐረቡ ኣስታት 300 ህጻናት ኣብኡ ተቐሪቦም ምስ ረኣኹ ምስዞም ኩሎም ተወዳዲረ እምበርዶ ክሰልጠኒ'ዩ ዝብል ሓሳብ ክርብሸኒ
ጀሚሩ ።
እቲ ዘገርም ነገር ድማ ካብዞም ብቑጽሪ ከባቢ 300 እንበጽሕ ንፈተነ ዝተቐረብና ተጻወትቲ ፤
ክለብ ሳኦ ፓውሎ ን50 ብሉጻት ዝበለቶም ቆልዑት ጥራይ ፡ ናብቲ ብኮቲያ ዝፍለጥ ኣካዳሚ ናይታ ክለብ ኣቲና ክንስልጥን ዕድል ከምእትሃበና'ዩ ተገሊጹልና።

~>ድሕሪዚ እቲ ኣሰልጣኒ ሓላዊ ልዳት ክትኮኑ ን ድሌት ዘለኩም ?'ክብል መጀመርታ ሓቲቱ ፣
~ ሰለስተ ቆልዑት ኣእዳዎም ኣልዒሎም ፤

~> ቀጺሉ እቲ ኣሰልጣኒ 'ኣጥቃዓይ ክትኮኑ ትደልዩ ? ኢሉ ኣብ ዝሓተተሉ ፦
~ልዕሊ 40ን ዝኾኑ ቆልዑ ኣእዳዎም ሓፍ ኣቢሎም ምስ ረኣኹ ፤ "በቃ ንዓይ ከም ኣጥቃዒ ምስዞምኩሎም ተጻወቲ ምውድዳር ኣጸጋሚ ምዃኑ ተራእዩኒ "

"ቀጺሉ እቲ ዝመርጽ ዝነበረ ኣሰልጣኒ ' ኣብ ቦታ ቁጽሪ 6 ንዝጻወቱ ተጻወቲ ንምምራጽ ፣
~>ዲፈንሲቭ ሚድፊልደር ብምዃን ክትጻወቱ ትደልዩ ?'ክብል ኣብ ዝሓተተሉ ግዜ ፦
~ሸውዓተ ወይ ሸሞንተ ተጻወቲ ጥራይ ኣእዳዎም ኣልዒሎም፡ ኣብ ዝረኣኹሉ እዋን ፣
በቃ ቁልጡፍ ውሳነ ክውስን ከምዘለኒ ተረዲኡኒ ፤ ንነብሰይ ድማ "ካዛ እናተኸላኸልካ እተከፋፍል ኣከፋፋሊ እምበር ኣጥቃዓይ ኣይኮንካን ኢለ ብምንጋር ፡ ምስኦም ንምጽምባር ኢደይ ኣልዒለ።"

ጉዳይ መረጻ ተጻወቲ ተዛዚሙ ንፈተነ ናብ ሜዳ ኣብ ዝኣተለናሉ እዋን ከም ዲፈንሲቭ ሚድፊልደር ኮይነ ብብሉጽ ብቕዓት ክንቀሳቐስ ዝረኣየኒ ኣሰልጣኒ ፡ ብኾሌታይ ሒዙ ናብ ወሰን መጻወቲ ሜዳ ሒዙኒ ድሕሪ ምኻድ ፦
" ንስኻ ንፈተነ ክትምዝገብ ከለኻ ኣጥቃዒ ኮይንካ ክትጻወት ኢኻ ተመዝጊብካ ሓቀይ ?"ክብል ሓተተኒ ፤

ኣነ ድማ ገጸይ ዕትብ ኣቢለ ኣከፋፋሊ ኮይነ ይጻወት ከምዝነበርኩን ፡ ናብቲ መፈተኒ ማእከልውን ከም ኣከፋፋሊ ኮይነ ንኽፍተን ከምዝተመዝገብኩ ብምንጋር ነቲ ክመርጸና ሓላፍነት ዝተዋሃቦ ኣሰልጣኒ ብሓሶት የእሚነዮ ።

ብድሕሪዚ ንዝተዋሃበና ፈተና ብዓወት ብምዝዛም ምሳይ ምስ ዝተመረጹ 49 ተጻወቲ ናብ ኣካዳሚ ሳኦ ፓውሎ ተጸምቢርና ። ኣነ ድማ እናተኸላኸለ ዘከፋፍል ( DM) ኮይነ ክጻወት ጀሚረ።
ካብ ሽዑ ጀሚረ ድማ ክሳዕ ሎሚ ድማ ቦታ ከይቀየርኩ ኣብኣ ይርከብ " ክብል ካርሎስ ኤንሪኬ ካሲሚሮ ናብቲ ንዓመታት ኣብ ገዛ ሎስ ብላንኮስ ዝነገሰላ ናይ ቁጽሪ 6 ቦታ ( DM) ብኸመይ ከምዝረኸባ ይዛረብ ።

ተወሳኺ ስፖርታዊ ዜናታትን ትንታነን ንምርካብ
👇
FB : ኣዝማሪኖ PRESS
👇
https://www.instagram.com/azmarinopress_1

ኮቨንትሪ ሲቲ  ብኣሰልጣኒ ፍራንክ ላምፓርድ እናተመርሐት  ካብ ዘካየደቶ  ዝሓለፈ 12 ጸወታታት ሻምፕዮን ሺፕ  ኣብ 10 ጸወታታት ብምዕዋት ዘደንቕ ናይ ጸወታ ግዜ ተሕልፍ ኣላ ።እዛ ፍራንኪ...
16/03/2025

ኮቨንትሪ ሲቲ ብኣሰልጣኒ ፍራንክ ላምፓርድ እናተመርሐት ካብ ዘካየደቶ ዝሓለፈ 12 ጸወታታት ሻምፕዮን ሺፕ ኣብ 10 ጸወታታት ብምዕዋት ዘደንቕ ናይ ጸወታ ግዜ ተሕልፍ ኣላ ።

እዛ ፍራንኪ ናብታ ክለብ ቂድሚ ምምጽኡ ኣብ ደረጃ ሳንዱቕ ክለባት ሻምፕየን ሺፕ መበል 16 ተርታ ሒዛ ናብ ሊግ ዋን ንዘይምውራድ ትቃለስ ዝነበት ኮቨንትሪ ሲቲ ፤
በዚ ናይ ቅድም ተጻዋትን ዓላሚን ክለብ ቸልሲ ነበር ሱፐር ፍራንክ እናተኣለየት ዘደንቕ ምዕባለታት ክትገብር ምጽናሓ ዝፍለጥ ኮይኑ ፤ ኣብ ዝሓለፈ ጸወታኣ ኣብ ልዕሊ ክለብ ሳንደርላድ ኣገዳሲ ናይ 3ብ0 ዓወት ድሕሪ ምምዝጋባ ደረጅኣ ኣመሓይሻ ኣብ 5ይ ቦታ ኮፍ ክትብል ክኢላ።

ላምፓርድ ንኮቨንትሪ ሒዙ ካብ ዘካየደቶ ዝሓለፉ ጸወታታት ን7 ጸወታታት ከም ኣብነት ምስ ንርኢ፦
▪️ 6/7 ተዓዊታ።
▪️ክትርኽቦ ካብ ዝግብኣ 21 ነጥቢ ፡ 18 ሎቕሚጻቶ።
𝖘𝖚𝖕𝖊𝖗 𝖋𝖗𝖆𝖓𝖐 𝖎𝖘 𝖇𝖆𝖈𝖐 💪💪💪

ተወሳኺ ስፖርታዊ ዜናታትን ትንታነን ንምርካብ
👇
FB : ኣዝማሪኖ PRESS
👇
https://www.instagram.com/azmarinopress_1

ብኣሰልጣኒ ኣርነ ስሎት እትምራሕ መርሲሳይደዊት ክለብ ሊቨርፑል ኣብ ወርሒ ለካቲት  ብሉጽ ኔሩ ንዝበለቶ  ተጻዋታይ ናይታ ክለብ ዕላዊ ጌራ።     👉በዚ መሰረት ክለብ ሊቨርፑል ንሃንጋርያዊ ...
15/03/2025

ብኣሰልጣኒ ኣርነ ስሎት እትምራሕ መርሲሳይደዊት ክለብ ሊቨርፑል ኣብ ወርሒ ለካቲት ብሉጽ ኔሩ ንዝበለቶ ተጻዋታይ ናይታ ክለብ ዕላዊ ጌራ።

👉በዚ መሰረት ክለብ ሊቨርፑል ንሃንጋርያዊ ኣከፋፋሊ ዶሚኒክ ስቦዝላይ ናይ ወርሒ ለካቲት ብሉጽ ተጻዋታይ ናይታ ክለብ ኮይኑ ብዓብላሊ ድምጺ ከም ዝተመረጸ
ኣፍሊጣ ።

👉ነዛ ሽልማት ንመበል ካልኣይ ግዜኡ ዝዓተረ ሃንጋርያዊ ስቦዝላይ ድሕሪ'ቲ ሽልማት ንጋዜጠኛታት፦

🗣 " ወርሒ ለካቲት ንዓይ ጥራይ ዘይኮነትስ ንመላእ ኣባላት እዛ ጋንታ ብልጽቲ ወርሒ'ያ ኔራ። ብውልቀይ ክበጽሖ ናብ ዝደሊ ኣንፈት ገጸይ ዝኸይድ ዘለኹ ኮይኑ ይስምዓኒ ፡ ነዛ መስመር ሒዘ ክቕጽል ምዃነይ ድማ ተስፋ እገብር" ክብል ተዛሪቡ።

👉ኣብ ወርሒ ለካቲት ንዘሬድስ ወኪሉ ኣብ 5 ጸወታታት ናይታ ክለብ ን450 ደቀቓይቕ ንጋንትኡ ኣብ ሜዳ ኣለኹልኪ ዝበላ ዶሚኒክ ስቦዝላይ ፡ 3 ሸቶታትን ሓንቲ ኣሲስትን ከበርክተላ ከሎ ፤ ብፍላይ ኣብ ግጥም ኣንጻር ኒውካስል ድሕሪ ዘንጸባረቖ ዘደንቕ ብቕዓት ማንኦፍ ዘማች ናይቲ ጸወታ ክኸውን ከምዝኸኣለ ኣይርሳዕን ።(Vs Tottenham, Vs Newcastle & Vs mancity )

ተወሳኺ ስፖርታዊ ዜናታትን ትንታነን ንምርካብ
👇
FB : ኣዝማሪኖ PRESS Azmarino Press
👇
https://www.instagram.com/azmarinopress_1

ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ሓድሽ ስታድዩም ንምህናጽ ኣብ ናይ መወዳእታ ውሳነ ምብጻሓ ብወግዒ ኣፍሊጣ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት  ንኦልትራፎርድ ምሕዳስ'ዶ  ወይ ሓድሽ ስታድዩም ምህናጽ  ብ...
11/03/2025

ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ሓድሽ ስታድዩም ንምህናጽ ኣብ ናይ መወዳእታ ውሳነ ምብጻሓ ብወግዒ ኣፍሊጣ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት ንኦልትራፎርድ ምሕዳስ'ዶ ወይ ሓድሽ ስታድዩም ምህናጽ ብዝብል ሓሳብ ኣብ ሓያል ክትዕ ከምዝቐነዩ ዝተገለጹ ወነንቲ ሰብ ብርኪ ክለብ ማን ዩናይትድ፥

ኣብ መወዳእታ ሓድሽ ኣብ ሙሉእ ዓለም ካብ ዝርከብ ስታድየማት ብዕቤቱን ብዘመናውነቱን ዝዓበየ ንዝበሉዎ ስታድየም ንምህናጽ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ሮይተርስ ካብ እሙናት ምንጭታተይ ረኺበዮ ብምባል ኣብ ዘውጽኣቶ ዜና ሓቢራ።

ብመሰረት ሓበሬታ ʀᴇᴜᴛᴇʀs፦
ናይ 2.4 ቢልዮን ዩሮ ባጀት ተሰሊዑሉ ክሳዕ 100,000 ንዝበጽሑ ተዓዘብቲ ብዘይ ዝኾነ ጽቕጥቅጥ ፡ ብምቾት ክሕዝ ዓቕሚ ከምዝህልዎ ዝተገልጸ እዚ ዘመናዊ ስታድየምዚ ፤ ተጀሚሩ ክሳዕ ዝውዳእ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ግዜ ከም ዘድልዮ ክግለጽ ከሎ ፤ እቲ ስታድየም በታ ክለብ ኣብ ዝውነን ካብ ኦልድትራፎርድ ብዙሕ ርሕቀት ኣብ ዘይብሉ ቦታ ንኽህነጽ ሓሳብ ከምዝቐረበ'ውን ብተወሳኺ
ተሓቢሩ ።
........¶[𝕧𝕚𝕒.... ʀᴇᴜᴛᴇʀs]

ደገፍቲ ማንቼ ዓቅሊ ግበሩ ካብዘን ተካላት ኣናጹ ንሓዋሩ ትፈላለዩሉ ግዜ ኣኺሉ' ዩ ! ይኣክል ናብራ ምስ....𝔫𝔬 𝔪𝔬𝔯𝔢 🚫🐀 😂😂!

ተወሳኺ ስፖርታዊ ዜናታትን ትንታነን ንምርካብ
👇
FB : ኣዝማሪኖ PRESS
👇
https://www.instagram.com/azmarinopress_1

🗣️🎤: ዋንጫ ዓለም ምዕታር ጥራይ  ንዓይ ብዙሕ  ቁምነገር የብሉን... ክርስትያኖ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝበለጸ ተጻዋታይ እዩ!  ....  ( ካካ)"ዋንጫ ዓለም ምዕዋት ጥራይ  ዋላ ሓንቲ ዝልውጦ...
10/03/2025

🗣️🎤: ዋንጫ ዓለም ምዕታር ጥራይ ንዓይ ብዙሕ ቁምነገር የብሉን... ክርስትያኖ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝበለጸ ተጻዋታይ እዩ! .... ( ካካ)

"ዋንጫ ዓለም ምዕዋት ጥራይ ዋላ ሓንቲ ዝልውጦ ነገር የብሉን ። ኣነ ዋንጫ ዓለም ተዓዊተ'የ እንተኾነ ኣብ ታሪኽ'ውን እቲ ዝበለጸ ተጻዋታይ ግን ክኸውን ኣይከኣልኩን ።
ሊዮነል ሜሲ በሊሕ ሰብ ኢዩ ፣ ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ እቲ ዝበለጸ ተጻዋታይ ግን ክርስትያኖ ሮናልዶ'ዩ።"

ተወሳኺ ስፖርታዊ ዜናታትን ትንታነን ንምርካብ
👇
FB : ኣዝማሪኖ PRESS
👇
https://www.instagram.com/azmarinopress_1

ጀርመናዊ ኣሰልጣኒ የርገን ክሎፕ ሊቨርፑል ዋንጫ ፕሪምየር ሊግ እንተድኣ ተዓዊታ፤ እታ ክለብ ኣብ ስታድየማ  ኣብ እተዳልዎ ጽምብል ክሳተፍ ምዃኑ ሓቢሩ ።     የርገን ክሎፕ ኣብ ዘረብኡ፦"...
08/03/2025

ጀርመናዊ ኣሰልጣኒ የርገን ክሎፕ ሊቨርፑል ዋንጫ ፕሪምየር ሊግ እንተድኣ ተዓዊታ፤ እታ ክለብ ኣብ ስታድየማ ኣብ እተዳልዎ ጽምብል ክሳተፍ ምዃኑ ሓቢሩ ።

የርገን ክሎፕ ኣብ ዘረብኡ፦
"ንጽምብል ዋንጫ ፕሪምየር ሊግ ምስ ሊቨርፑል ክጽንብል መደብ ኣለኒ። እንተኾነ ግን ጽምብለይ ምስ ሰኮውሰርስ ኣብ ኣንፊልድ ከብዕሎ እምበር ፣ ምስታ ዋንጫ ሒዛ ትኾልል ኣውቶቡስ ግን ኣይክኸውንንዩ "ክብል ፍሽኽታ ሓዊሱ ዝተዋዘየ ክሎፕ፣

🎤 ምስ ሊቨርፑል ካብ ዝፈላለ ንምንታይ ናብ ኣንፊልድ ክሳዕ ሕጂ ከምዘይተመልሰ ኣብ ዝተሓተተሉ፡

ክሎፕ🗣️: "ሊቨርፑል ሕጂ ንነፍስወከፍ ጸወታ እናተዓወተትሉ ትኸይድ ኣላ ፤ ኣነ ናብኡ እንተኸይደ ግን ሕማቕ ፋል ሒዘላ ከይከይድ'ሞ ከይትስዓር ስለ ዝፈርሕ፡ ሕማቕ ዕድል ንኸይገጥማ ብምሕሳብ ዋንጫ ምስ ኣልዓለት ክኸይድ ስለዝመርጽኩ ኢየ " ክብል የርገን ክሎፕ ተዛሪቡ።

( እዛ ተመሳጊንካ ምፍልላይ ግን ክትጥዕም... 😂😂)

ተወሳኺ ስፖርታዊ ዜናታትን ትንታነን ንምርካብ
👇
FB : ኣዝማሪኖ PRESS
👇
https://www.instagram.com/azmarinopress_1

🇧🇷😢ራፊንሃ ንሕሉፍ ህይወቱ ኣመልኪቱ ካብ..🗣️🎤:ወዲ 16 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን  ድሕሪ ትሬኒንግ ኣብ ጎደና  ደው ኢለ ሰባት ዝብላዕ ነገር  ወይ ጠዓሞት ዝኾነኒ መግቢ ክገዝኡለይ ይ...
08/03/2025

🇧🇷😢ራፊንሃ ንሕሉፍ ህይወቱ ኣመልኪቱ ካብ..🗣️🎤:

ወዲ 16 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ድሕሪ ትሬኒንግ ኣብ ጎደና ደው ኢለ ሰባት ዝብላዕ ነገር ወይ ጠዓሞት ዝኾነኒ መግቢ ክገዝኡለይ ይልምኖም ኔረ ፤ ገለ ብሩኻት ደንጊጾም ክገዝኡለይ ከለው ፤ ካልኦት ድማ ይጸርፉኒ ምንባሮም ይዝክር ፤ እንተኾነ ግና ንሓንቲ መዓልቲውን ትኹን ተስፋ ቆሪጸ ግን ኣይፈልጥን፤

"ጸርፍን ውርደትን መዓልታዊ መግበይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፡ ኩዕሶ እግሪ ግን መፍትሒ ሾግረይ ኮይና፡ ዝሓሸ ህይወት'ውን ሂባትኒ " ራፊና

ናብ ዕላማኻ እተብጽሓካ መንገዲ ወላ ፈታኒት ትኹን፡ ኣብ ሕልምኻን ራኢኻን ግን ኢድካ ከይትሃብ ሓቦ ተቐለብ ፤ ምኽንያቱ ሂወት ከምቲ በቲ ሓደ ካብ ዝዓበዩ ፈላስፋታት ሃገርና ዝኾነ AF ዝተገለጸት ፦

ናይ ሎሚ ጽኑዕ ቆላሕታይ ንዝመጽእ ኣሕሚቐ
ተጸሚመ ክምርሸ ፥ ሽግ ናይ ተስፋ ወሊዐ

እወ ብዙሕ ተስፋ ኣለኒ ፥ዋላ ዓይነይ እንዳነብዐ
ኣብዛ ዓለም ብጽንዓት፥ እንታይከ ከይመጸኒ ኢለ

መሪር ጉዕዞ ሂወተይ ፥ ኣነ ድሩት ክእለተይ
ተስፋ እያ ስንቀይ ተስፋ እያ ስንቀይ

ሓቦዩ ቀለበይ፥ ኣብ መሪር ጉዕዞ ሂወተይ...... ስለዝኾነት 💪💪
(ራፊና እናሰምዓ ዶ ዓቢዩ ይኸውን ...😂)
👉ንሓደ ትግርኛ ዝዛረበ ሽም ናይዚ ፈላስፋ ምሕታት ጸርፊ ስለዝኾነ ሽሙ ኣይሓተኩምን'የ ... ግን ብቓላቱ ካብ ዝተገለጻ ደስ ትብለኩም ፍልስፍንኡ ኣብ ኮመንት... ✍️✍️

𝖋𝖇 : ኣዝማሪኖ PRESS
𝖎𝖌 : https://www.instagram.com/azmarinopress_1

Address

AB

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ኣዝማሪኖ PRESS posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ኣዝማሪኖ PRESS:

  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share