Massawa Page

Massawa Page Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Massawa Page, Digital creator, Addis Ababa.

ንሕብረተሰብና ይጠቅም ኢዩ ዝበልናዮ እዋናዊ ዛዕባን ትሕዝቶን ሓሳባትን ስለ ነውርድ ንሕብረተሰብና ይጠቅም ኡዩ ዝበልኩሞ ኣብ ሳዓቱ ግዚኡን መታን ክበጽሕ በዛ ኣብ ታሕቲ profile ዘላ ቁጽሪ WhatsApp ተወከሱና ኢኹም ክትስዕቡናን ብእዋኑ ሓበሬታ ክበጽሓኩምን መታን Follow ኣይተረስዑ።
ኣብዛ ገጽ page ክትስዕቡናን ከም ኡ ውን ኣብ ገጻት ዩቱብ massawa media subscribe ።

18/08/2025

"ሓደ ነገር ክትበጽሖ ኣብ እትደልየሉ እዋን፡ ኣዒንትኻ ክፉታት ኮይንካ፡ ከተተኩርን ትደልዮ እንታይ ምዃኑ ብልክዕ ምፍላጥካን ኣረጋግጽ። ዝኾነ ሰብ ኣዒንቱ ዓሚቱ ዕላማኡ ክሃርም ኣይክእልን እዩ።" ― ፓውሎ ኮኤልሆ

18/08/2025

ሕጉስ ክትከውን እንተደሊኻ፡ ንሓሳባትካ ዝእዝዝ፡ ጸዓትካ ሓራ ዘውጽእን ተስፋኻ ዘነቓቕሕን ሸቶ ኣቐምጥ።

ሃብታም ኣቦይ፤ “መዕደጊ ዝኸውን ዓቕሚ የብለይን፡” እትብል ዘረባ ኣይፈትዋን እዩ። ኣብ ሓቀኛ ገዛይ ግን በዛ ዘረባ’ዚኣ ጸሚመ እየ። ሃብታም ኣቦይ ግን ንደቁ፤ “ከመይ ገይረ ኽዕድግ እኽእል...
18/08/2025

ሃብታም ኣቦይ፤ “መዕደጊ ዝኸውን ዓቕሚ የብለይን፡” እትብል ዘረባ ኣይፈትዋን እዩ። ኣብ ሓቀኛ ገዛይ ግን በዛ ዘረባ’ዚኣ ጸሚመ እየ። ሃብታም ኣቦይ ግን ንደቁ፤ “ከመይ ገይረ ኽዕድግ እኽእል?” ኢሎም ከም ዝሓቱ እዩ ገይሩዎም። ብናቱ ኣተሓሳስባ፤ “መዐደጊ ዝኸውን ዓቕሚ የብለይን፡” ዝብል ዘረባ ንኣእምሮኻ ዓጽዩ ኸም ዘይሓስብ ይገብሮ። “ከመይ ገይረ ኽዕድግ እኽእል?” ምባል ግን ከም ዝሓስብን ፍታሕ ከም ዘናድን ይገብሮ። ብዓቢኡ ግን፤ “መዐደጊ ዝኸውን ዓቕሚ የብለይን፡” ምባል ሓሶት ኮይኑ ይስምዖ ነበረ።

“መንፈስ ሰብ፡ ኣዝዩ ኣዝዩ ሓያል እዩ፣ ዝኾነ ነገር ክገብር ከም ዝኽእል ይፈልጥ እዩ።” ይብል ነይሩ። “መዐደጊ ዝኸውን ዓቕሚ የብለይን፡” ዝብል ኣእምሮ ግን ኣብ ውሽጥኻ ውግእ እዩ ዝፈጥር። መንፈስካ ይቑጣዕ፣ ትህኪትካ ድማ ንሓሶቱ ኽከላኸል ይፍትን። መንፈስካ፤ “እንዳ መወሳወሲ ኼድና ንወሳወስ፡” ክብል ከሎ፡ እቲ ህኩይ ሓንጐልካ ግን፤ “ደኺመ ኣለኹ። ሎሚ ብዙሕ እየ ሰሪሐ፡” ይብል። መንፈስካ፤ “ድኻ ምዃን ጸሊአዮ ኣለኹ፡” ይብል። ህኩይ ሓንጎልካ ድማ፡ “ሃብታማት ስሱዓት እዮም።” ኢሉ ይምልሰሉ።

“ውሑስ ኣይኮነን። ገንዘበይ ክኸስር እኽእል እየ። ካብዚ ንላዕሊ ደኣ ኢደይ ድየ ክቑረጽ? ብዙሕ ስራሕ ኣሎኒ። ሎሚ መደብ ሒዘ ኣለኹ። ሓላፊየይ፡ ንግሆ ወዲእካ ኣረክበኒ ኢሉኒ።” ተመሳሰልቲ ዘረባታት እዮም።

“መዐደጊ ዝኸውን ዓቕሚ የብለይን፡” ምባል ናብ ጭንቀት፡ ተስፋ ምቝራጽን ምስልካይን የብጽሕ። “ከመይ ገይረ ኽዕድግ እኽእል?” ምባል ግን ናብ ተኽእሎታት፡ ሕልምታትን ደስታን ይወስድ። ሃብታም ኣቦይ ድማ እንታይ ንዕድግ ኣየገድሶን ነይሩ፤ “ከመይ ገይረ ኽዕድግ እኽእል?” ብምባል ኣእምሮናን ኣተሓሳስባናን ከነስፍሕ እዩ ዝደሊ ነይሩ።

'ወዲ ሃብታምን ወዲ ድኻን' - ሮበርት ኪዮሳኪ
(ትርጕም፤ ዮናታን ብርሃነ)

ንምዕዳግ ኢትዮጵያ፣ +251979758992
ኣንጎላ፣ +244975930558

18/08/2025

እንታይ ክትገብር ከም እትደሊ ፍለጥ፡ ነቲ ሓሳብ ኣጽኒዕካ ሒዝካዮ፡ መዓልታዊ ድማ ነቲ ክግበር ዘለዎ ግበር፡ ነፍሲ ወከፍ ዕራርቦ ጸሓይ ድማ ክሳብ ክንድኡ ናብቲ ዕላማኻ ቀሪብካ ክትሪኣካ እያ።” — ኤልበርት ሃባርድ

17/08/2025

ብህይወት እንተ ኣሰልቺዩካ፡ ንግሆ ንግሆ ነገራት ክትገብር ዝነድድ ድሌት ሒዝካ እንተዘይተሲእካ፡ እኹል ዕላማ የብልካን።

እንሆ ብስራት ካብ ኢግል ኣካዳሚ (Eagle Academy) ብኦንላይን ዝወሃብ ትምህርቲ፣ ቋንቋ ትግርኛ ንህጻናትቋንቋ ኢንግሊሽ ንዓበይቲ፣ መሰረታዊ ቋንቋ ኢንግሊሽ ንስራሕ ትምህርቲ ንሓፈሻዊ ...
16/08/2025

እንሆ ብስራት ካብ ኢግል ኣካዳሚ (Eagle Academy) ብኦንላይን ዝወሃብ ትምህርቲ፣
ቋንቋ ትግርኛ ንህጻናት
ቋንቋ ኢንግሊሽ ንዓበይቲ፣ መሰረታዊ ቋንቋ ኢንግሊሽ ንስራሕ ትምህርቲ ንሓፈሻዊ ዝርርብ ዝጠቕመና ኢግል ኣካዳሚይ ብፉሉይ ኣቀራርባ ተዳልዩ ኣሎ'ሞ ሃየ ተቋደሱ።
እንህቦ ኣገልግሎት፣
ምስማዕ ምዝራብ
ምጽሓፍ ምንባብ

ቋንቋ ትግርኛ ንህጻናት፣
ሌላ ምስ ፊደላት ትግርኛ
ብቋንቋ ትግርኛ ምዝርራብ
ምጽሓፍ
ምስማዕ
ቊጽሪ

ኣብ'ዚ ሊንክ ብምእታው ስዓቡና ኣብ ታሕቲ ብዘሎ ኣድራሻ ድማ ተመዝገቡ።

https://www.facebook.com/profile.php?id=61577785710457

ድሙቕ ኮኾብ ድምጻዊ ኣክረም ጀማል፡ ብብልጽቲ ስራሕ ናይ ድሙቕ ኮኾብ ድምጻዊ ፍረሰላም ሙሴ ንጽባሕ ኣብታ ትናፍቖት ዝናፍቓን    Adulis Natna ጠበሽ ክብል'ዩ። ብርክት ዝበሉ ጥበባውያ...
15/08/2025

ድሙቕ ኮኾብ ድምጻዊ ኣክረም ጀማል፡ ብብልጽቲ ስራሕ ናይ ድሙቕ ኮኾብ ድምጻዊ ፍረሰላም ሙሴ ንጽባሕ ኣብታ ትናፍቖት ዝናፍቓን Adulis Natna ጠበሽ ክብል'ዩ። ብርክት ዝበሉ ጥበባውያን ፍርያት፡ ድምጺ ስራሕ እምበር ድምጺ ፍረ ቃላት ዘይስመዓሎም ሒዙልኩም 'ውን ክመጽእ'ዩ። 💙🫅🏽🫡

Akrem Jemal ሓወይ ኣውራ! ቅኑዕን ነቓጽን።
Massawa Page

ኣብ ህይወት ንዝገጥሙና ሽግራት ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ ናብ ዝኾነ ሓይሊ ኸነጸግዕን ከነምርርን ዝቐለለ እዩ። ዕድል ኣንጻርና ምዃኑ ኣሚንና ምፍታን ደው ከነብል’ውን ብተመሳሳሊ ዝቐለለ እዩ። ዝዓ...
14/08/2025

ኣብ ህይወት ንዝገጥሙና ሽግራት ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ ናብ ዝኾነ ሓይሊ ኸነጸግዕን ከነምርርን ዝቐለለ እዩ። ዕድል ኣንጻርና ምዃኑ ኣሚንና ምፍታን ደው ከነብል’ውን ብተመሳሳሊ ዝቐለለ እዩ። ዝዓበናሉ ኸባቢ፡ ስድራና ብኸመይ ኰስኲሶምና፡ ወይ ዝተመሃርናሉ ቤት-ትምህርቲ ንመጻኢና ከም ዝውስኑ ኽንኣምን እንተ ኾነ’ውን ዝቐለለ እዩ። ግናኸ ካብዞም ሓሳባት ንላዕሊ ካብ ሓቂ ኸንደልህጸና ዝኽእል መገዲ የለን። ነቶም ተራን ነቶም ሓያላትን ሰባት ዝፈሊ ቐንዲ ረቛሒ፡ ንናይ ዓለም ዘይፍትሓውነት ዝርድእሉን ዝገጥሙሉን መገዲ እዩ። ሄለን ከለር፡ ኔልሰን ማንዴላ፡ ስቴቨን ሃውኪንግ፡ ማላላ ዩሳፍዛይ፡ ከምኡ’ውን - ሞኪ ማርቲን ገለ ኣብነታት እዮም።

ኣብ ገሊኦም እዋናት ክሳብ ክንደይ ፈቲንና ይኹን ክሳብ ክንደይ ብሉጻት ኢና ብዘየገድስ፡ ናይ መወዳእታ ዕጫና ብሑጻ ምድፍዳፍ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣይነዕዘምዝም። ናብ ቅርሱስ ዕድል’ውን ኣይነጸግዓዮ። ደው ንበል፡ ንመጻኢ ንጠምት፡ ጕዕዞና ድማ ንቐጽል።

'ዓራትካ ኣንጽፍ' - ኣድሚራል ዊልያም ኤች. ማክሬቨን (ትርጕም፤ ኢንጅ. ቶማስ በርሀ)

ንምዕዳግ ኣንጎላ፣ +244975930558
ኣዲስ ኣበባ፣ +251979758992

Address

Addis Ababa

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Massawa Page posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share