ማይ ሎሚን entertainment

ማይ ሎሚን entertainment ብኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ህይወት ሰባት ምቕያር
ጥዑይን ራኢ ዘለዎ ወለዶ ምፍጣር

ፖል ኣሌክሳንደር ይበሃል፡  ገና ወዲ 6 ዓመት ህጻን ቆልዓ ከሎ ብፖልዮ ተለኺፉ። ብሰንኪ እቲ ዘጋጠሞ ሕማም ድማ ሽባ ኮይኑ ንልዕሊ 72 ዓመታት ኣብ መካኒካዊ መተንፈሲ መሳርሒ ጸኒሑ፡ እዚ ...
07/29/2025

ፖል ኣሌክሳንደር ይበሃል፡
ገና ወዲ 6 ዓመት ህጻን ቆልዓ ከሎ ብፖልዮ ተለኺፉ። ብሰንኪ እቲ ዘጋጠሞ ሕማም ድማ ሽባ ኮይኑ ንልዕሊ 72 ዓመታት ኣብ መካኒካዊ መተንፈሲ መሳርሒ ጸኒሑ፡ እዚ ድማ "ናይ ሓጺን ሳንቡእ" ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣብዚ ሰሞዚ ኣብ 78 ዓመቱ ዓሪፉ።

ውሑዳት ዓወተቱ ንምጥቃስ
ኮለጅ ተማሂሩን ተመሪቑን፣ ጠበቓን ደራስን እዩ።

እዚ ሰብ "ዚ ርእሱን ክሳዱን ኣፉን ጥራይ እዩ ከንቀሳቕስ ዝኽእል፡ ኣብዛ ማሽን ተስፋ ብዘይ ሙቕራጽ ን72 ዓመታት ብህይወት ጸኒሑ ብዙሕ ስራሕ ክሰርሕ ዝኸኣለ ሰብ እዩ...
ይገርም ጽንዓትን ተስፋን ✊

ንሕናኸ ፡ ኣብምንታይ ማሽን ኣቲና ኢና ሂወትና ጸሊእናዮ ዘለና?
ተስፋ ፡ ፍቕሪ፡ እምነት ፡ ጽንዓት ፡ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ 👍💪❤👊✊🌻🌴



https://t.me/maylominentertainments

➨ ተቐበል ◉ ዘይትረኽቦ ነገር ኣይትድለ ◉ ዘይትውድኦ ነገር ኣይትጀምር  ◉ ክትዕወተሉ ዘይትኽእል ቃልሲ ኣይትቃለስ ◉ ዘይትዕወተሉ ክትዕ ኣይትማጎት። ◉ ዘይትጽኦ ባሕሪ ኣይትሓንብስ የሕዋተ...
07/28/2025

➨ ተቐበል

◉ ዘይትረኽቦ ነገር ኣይትድለ
◉ ዘይትውድኦ ነገር ኣይትጀምር
◉ ክትዕወተሉ ዘይትኽእል ቃልሲ ኣይትቃለስ
◉ ዘይትዕወተሉ ክትዕ ኣይትማጎት።
◉ ዘይትጽኦ ባሕሪ ኣይትሓንብስ

የሕዋተይ ኩሉ ነገር ኣብ ውሽጢ ዓቕምኹምን ቁጽጽርኩምን ምስ ዝኸውን እዩ ዝጽብቕ፤ ምኽንያቱ ኣብ ዘይትቆጻጸሮ ነገር ክትሕዞ ምስ እትፍትን ሓጎስካን ግዜኻን ሰላምካን እዩ ዘስእነካ።

ግልጺ ድዩ ጀጋኑ! 🔥 👍 💪




ሓደ ብዕድመ ድፍእ ዘበለ ሰብኣይ ኣብ ሓንቲ ከተማ ይነብር ነበረ። ኣብ ድሕሪ ገዝኡ ዝርከብ ግራቱ ኩዒቱ ድንሽ ክተክል ደለየ፡ እንተኾነ ግን ኣሪጉ ስለ ዝነበረ ክገብሮ ኣይከኣለን። እቲ ክሕግ...
07/28/2025

ሓደ ብዕድመ ድፍእ ዘበለ ሰብኣይ ኣብ ሓንቲ ከተማ ይነብር ነበረ። ኣብ ድሕሪ ገዝኡ ዝርከብ ግራቱ ኩዒቱ ድንሽ ክተክል ደለየ፡ እንተኾነ ግን ኣሪጉ ስለ ዝነበረ ክገብሮ ኣይከኣለን። እቲ ክሕግዞ ዝኽእል ዝነበረ እንኮ ወዱ ጥራይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ። እቲ ኣቦ ድማ ንወዱ ከምዚ ክብል ደብዳበ ጸሓፈ።

"ክቡር ወደይ ፈጺመ ጽቡቕ ኣይስምዓንን ኣሎ፡ ምኽንያቱ ኣብ ግራተይ እቲ ናይ ድንሽ ክዘርእ ደለየ ስለ ዘይከኣልኩ። ኣዴኻ ኣሕምልቲ ኣዝያ ትፈቱ ነይራ፡ ኣነ ከኣ እዚ ከይገብር ዓቕመይ ደኺሙ። ወደይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተዘይትህሉ ንዓይ ከም እትኹዕተለይ እፈልጥ እየ።
"ኣነ ኣቦኻ እየ"

ኣቦይ እቲ ድሕሪ ቤትና ኣይትኹዓቶ፤ "እቲ ሽጉጥ ኣብኡ እየ ቀቢረዮ።"
:
ድሕሪ ሰዓታት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ መርመርትን ፖሊስን ንመላእ መረባ ናይቶም ዓቢ ሰብኣይ ኰዒቶም፡ ኣብኡ ግን ሽጉጥ ኣይነበረን።
:
እቲ ኣቦ ኣዝዩ ተደናጊሩ ንወዱ እንታይ ከም ዘጋጠመን ቀጺሉ እንታይ ከም ዝገብርን ዝገልጽ ሓጺር ደብዳበ ጸሓፉሉ።
:
#እቲ ወዶም ድማ "ሕጂ ድንሽካ ትኸል ኢኻ ኣቦይ፤ ኣነ ክገብረልካ ዝኽእል እዚ ጥራይ'ዩ" ኢሉ ጸሓፈሉ።

ለባም ሰብ ኣብ ዝሃለወ ይሃልው ፍታሕ ፈጺሙ ኣይስእንን እዩ።

❖❖❖

ህሉው ኩነታትና ንዓና ክገልጸና የብሉን!

❖❖❖❖




ንዓይ ኣይከብደንን 😥 💪ኣብ እዋን ኲናት ጃፓን ሓደ ወተሃደር ሓደ ንእሽቶ ቆልዓ ሬሳ ሓዉ ኣብ ሕቖኡ ተሰኪሙ ክቐብሮ ክኸይድ ከሎ ብዓሚቕ ስምዒት ኣስተብሃለ። "ንምንታይ ኢኻ ነብስኻ ትደክም ...
07/27/2025

ንዓይ ኣይከብደንን 😥 💪

ኣብ እዋን ኲናት ጃፓን ሓደ ወተሃደር ሓደ ንእሽቶ ቆልዓ ሬሳ ሓዉ ኣብ ሕቖኡ ተሰኪሙ ክቐብሮ ክኸይድ ከሎ ብዓሚቕ ስምዒት ኣስተብሃለ።

"ንምንታይ ኢኻ ነብስኻ ትደክም ዘለኻ? ሬሳ ናይቲ ቆልዓ እንተትገድፍ እኮ ድኻምካ ምቐነሰ ነይሩ?" ኢሉ ሓተቶ።
እቲ ቆልዓ ድማ ክምልስ ከሎ ከምዚ በለ:- ሓወይ እዩ ንዓይ ኣይከብደንን እዩ በለ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ሕቶ ዝሓተተ ወተሃደር ብቲ ዘይተጸበዮ ኣገራሚ መልሲ ናይቲ ቆልዓ ነብሱ ክቆጻጸር ኣይከኣለን፡ ስምዒቱ ኣዝዩ ተተንከፈ፡ ኣዒንቱ ንብዓት ቁጽርጽር በሎ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ እዚ ምስሊ ኣብ ጃፓን።
ምልክት ሕውነትን ሓድነትን ኮይኑ።

➡ መተሓሳሰቢ:‐ መደብ ህይወትና ከምዚ እንተዝኸውን ከ?
ሓወይ እዩ ኣይከብደንን እዩ።
ንሳ ሓፍተይ እያ፡ ንዓይ ኣይትከብደንን እያ።
ሓውኻ እንተወዲቑ ኣልዕሎ
ሓፍትኻ እንተደኺማ ኣብ ጎና ደው በል
ሓውኻ እንተስሒቱ ብቅኑዕ ብመንፈስ ኣቕነዓዮ
ሓፍትኻ እንተ ተጋግያ ይቕሬታኻ ኣይትኽልኣያ

መልእኽትና ናብኩሉ ክበጽሕ ሼር እናገብርኩም 🙏

💚💛
#ኣተሓሳስባለውጢ




ሓድሽ ስራሕ ኣብ ቀረባ እዋን
subscribe 👇👇👇
https://youtube.com/?si=urRjhFoI9xLLGhhP

"ኣገደስቲ ጥቕስታት ህይወት"1፣👉ኣብ ዘይደረጃኻ ኣይትውረድ ንዘይ ጠቕሙ ብስቕታ ግብረ-መልሲ ምሃብ ኣካሊት እያ።2፣👉ኣብቲ ተስፋ ዘይብሉ "ናይ ድኽነት ጎደና"፣ምስሉ ዝቐልዐ እምብዛ ክቡር ሰ...
07/26/2025

"ኣገደስቲ ጥቕስታት ህይወት"

1፣👉ኣብ ዘይደረጃኻ ኣይትውረድ ንዘይ ጠቕሙ ብስቕታ ግብረ-መልሲ ምሃብ ኣካሊት እያ።

2፣👉ኣብቲ ተስፋ ዘይብሉ "ናይ ድኽነት ጎደና"፣ምስሉ ዝቐልዐ እምብዛ ክቡር ሰብ ኣሎ፣ኣብቲ ዘብለጭልጭ "ናይ ርቡሓት ጎደና ከኣ"!ምስሉ ዝሓብአ ምሒር ሕሱር ሰብ ኣሎ።

3፣👉ንስኻ "ሰናይ" ስለ ዝገበርካ፣ካልኦት ሰባት ሰናይ ዘይገበሩለይ ኢልካ" ቒም ኣይትሓዝ፣።ሰናይ ግብሪ "ልቓሕ" ኣይኮነን።

4፣👉ኣብ ትሕቲ "ጽሓይ"ሓድሽ ነገር ትጽበ ተለኻ፣ ዘጸብይ የብልካን፣ባዕልኻ ንስኻ ስርሓዮ።

5፣👉ሓጎስ ብዝተፈላለየ ነገራት ክትፈጥር ትክእል፣ብልቢ ብምፍቓር፣ ሰናይ ብምግባር፣ሓቒ ብምዝራብ፣ኣብ ተፍቕሮ ሞያ ብምስራሕ።

6፣👉ንሽግር ከም መሰጋገሪ ዓወት ጌርካ ውሰዶ። ከሙኡ 'ዩ ከኣ፣

7፣👉ኣብ ውሽጥካ ብዙሕ ክትገብሮ ትደሊ ኣሎ፣ካብኣተን ሓንቲ ሎሚ ተግብር።

8፣👉ከም ሰብ ኪኢላ 'ኮ የለን፣ ንዕኡ ዝመስል ሰብ ክደሊ ሃለኽለኽ ክብል ትርእዮ 'ሞ፣ ምስቲ ንዕኡ ዘይመስል ሰብ ከኣ ብጥበብ ክነብር ትረኽቦ።

9፣👉ነቶም ዝቓለሱ ልዳት ኣፍ-ደገ ዓወት ርሒቓቶም ኮነ- ትዓጽያቶም ኣይትፈልጥን።

10፣👉"ቕድሚ መርዓ" ንስኻ ትዛረብ ኣፍቓሪትካ ተመሲጣ ትሰምዕ፣"ድሕሪ መርዓ" ሰበይትኻ ትዛረብ ንስኻ ከይፈተኻ ትሰምዕ።
ምንጪ fb

****
ዝያዳ ዝመሰጠትኩም ኣብ ኮመንት




❤❤

ንጓል ኣነስተይቲ ፈጺምካ ክተልምዳ ዘይብልካ ነገራት1. ኩሉ ግዘ ብናታ ጌጋ ንስኻ ይቕሬታ ምሕታት።2. ክብርኻ ዝትንክፍ ነገር ክትገብር ከላ ስቕ ኢልካ ምሕላፍ።3. ኩሉ ነገር እሺ እሺ ምባል...
07/25/2025

ንጓል ኣነስተይቲ ፈጺምካ ክተልምዳ ዘይብልካ ነገራት

1. ኩሉ ግዘ ብናታ ጌጋ ንስኻ ይቕሬታ ምሕታት።
2. ክብርኻ ዝትንክፍ ነገር ክትገብር ከላ ስቕ ኢልካ ምሕላፍ።
3. ኩሉ ነገር እሺ እሺ ምባል
4. ናይ ሓሶት ክንክን ፡ ዘይትውድኦ ነገር ምጅማር ክተልምዳ የብልካን
5. ሕማቕ ቃላት ምምላላስ ( ጸርፍን ኣጸያፊ ቃላትን..)
6. ሕሶት
7 ... ዝተረፈ ወስኽሉ




ሓንቲ ናይጀሪያዊት ጓል ኣንስተይቲ ቴለፎን በዓል ቤታ ድሕሪ ምድቃሱ ንጥፈታቱ ኣብ ፌስቡክ ክትምርምር ጀመረት፤ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ፍቕራዊ ዕላል ረኸበት። ሰበይቲ ከኣ ዋዛ ኣይነበረትን እሞ ብ...
07/25/2025

ሓንቲ ናይጀሪያዊት ጓል ኣንስተይቲ ቴለፎን በዓል ቤታ ድሕሪ ምድቃሱ ንጥፈታቱ ኣብ ፌስቡክ ክትምርምር ጀመረት፤ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ፍቕራዊ ዕላል ረኸበት። ሰበይቲ ከኣ ዋዛ ኣይነበረትን እሞ ብርግኣት ኮፍ ኢላ ድማ ካብተን ኣንስቲ ዝፈልየሉ መንገዲ ብዕምቆት ሓሰበት። እቲ ሰብኣይ ከይፈለጠት እንታይ ክትገብር ከምዘለዋ ጽብቕቲ ሜላ ፈጠረት። ነዚ ዝስዕብ ሜላታት ድማ ኣምጺኣ ነበርት።

1- ኩሉ ዕላል ምስ ሓንቲ ካብተን ደቂ ኣንስትዮ ኮፒ ገይራ ሓዘቶ።

2- ናይ ወዲ ስም ዘለዎ ሓድሽ ናይ ፌስቡክ ኣካውንት ከፈተት።

3- ንሰብኣያ ናይ ምሕዝነት ሕቶ ሰደደትሉ፡ ንሱ ድማ ነቲ ሕቶ ተቐቢልዎ።

4 - ነብሳ ኣላለየቶ። "ኣነ ስመይ ኣቡ ዳር'ዳይ ይበሃል፡ ኣባል ቦኮ ሓራም እየ። ምስ በዓልቲ ቤተይ ዝገበርካዮ ዕላል ኩሉ ርእየዮ እየ። ብሓቂ ብህይወት ክትጸንሕ እንተደሊኻ ካብኣ ክትርሕቕ ከጠንቅቐካ እደሊ። ኩሉ እቲ ዘዕለልካዮ ምሳይ ኣለኒ እሞ እንሆ ድማ ሰዲደልካ ኣለኹ ረኣዮ።

5- ስለዚ፡ ምስ በዓልቲ ቤተይ ምዕላል እንተዘይኣቋሪጽካ፡ እንታይ ክገብረካ ከምዝኽእል ባዕልኻ ትፈልጥ ኢኻ.

6- ኣነ ጽቡቕ ጌረ እየ ዝፈልጠካ። ሽምካ ጃሚሉ፡ ስም ኣቦኻ መሓመድ፡ ስም ኣዴኻ ካዲጃ፡ 3 ቆልዑ ኣለዉኻ። ኣልዓሚን፡ ዛሃራን ዩሱፍን ። ዓብደልራሕማን ብሉጽ ዓርክኻ ዑስማን ድማ ጎረቤትካ እዩ። ኣብ FCE ትሰርሕ መምህር ድማ ኢኻ። ከምኡ ውን ምስ ዓርክኻ ዑስማን ሰዓት 9፡30 ናብ ስራሕ ትኸይድ፡ ጎደና ጃምቡቱ ከኣ ብሓባር ግዜ ትሕልፍ። ዳግማይ ናብ በዓልቲ ቤተይ ክትድውል፡ መልእኽቲ ክትልእኽ ወይ ክትዕልል እንተደፊርካ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ከም ራም ክሓርደካ እየ የጠንቅቐካ ኣለኹ"።

እታ ሰበይቲ ነቲ መልእኽቲ እናንበበ ከሎ ኣብ ጎኑ ነበረት። እናንበቦ ከሎ ድማ ንኢናሊላሂ ዋኢናኢላኢራሂራጁን እናሸተተን እናደጋገመን ቀጸለ። ሰበይቲ ድማ እንታይ ኮይንካ ድኣ ኢላ ሓተተቶ፡ ንሱ ዋላ ሓንቲ ኣይበለን። ብኡ ንብኡ ድማ ናይ ፌስቡክን ዋትስኣፕን ኣፕታቱን ካልእ ኩሉ ማሕበራዊ ሚድያ ኣፕን ደምሰሶ።

ንጽባሒቱ ንግሆ ከይዱ ነታ ቴለፎን ኣብ ዕዳጋ ሸይጡ ተራ ኖክያ ገዚኡ ንበዓልቲ ቤቱ ድማ ግዜ ጸሎት ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ኩሉ ግዜ ከተበራብሮ ነገራ።

እታ ጓል ኣንስተይቲ፡ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚራ፡ በዓል ቤታ ብቐጻሊ ጸሎት ክገበርን ምስ ስድራቤቱ ዝያዳ ግዜ ከሕልፍን ከም ዝጀመረ ትገልጽ።

እቲ ጉዳይ ብካራ ዋይ ብኻልእ ጉዳኢ ነገር ካብ ምፍታሕ ዝሓሸ ኣይኮነን ትብሉ?

ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተረኸበ




✍  ምኽንያት ዓርሰ ቕትለት ✍------------------------------------------ድሕሪ ኵናት ብዝፍጠር ስነልቦናዊ ማህሰይቲ ስእነት ስራሕን ሕፅረት ምግቢን ዘጋደዶ ለሎ ጭንቂ ...
07/24/2025

✍ ምኽንያት ዓርሰ ቕትለት ✍
------------------------------------------
ድሕሪ ኵናት ብዝፍጠር ስነልቦናዊ ማህሰይቲ ስእነት ስራሕን ሕፅረት ምግቢን ዘጋደዶ ለሎ ጭንቂ ጥራሕ ምንጪ ዓርሰ ቕትለት ከምዘይኾነ ሎሚ ንግልጋሎት ናባይ ካብ ዝመፅኡ ስድራ ቤት ተገንዝበ ኣለኹ ።

ወዲ 7 ዓመት ንዓርሱ ዝጥፍአሉ ብተኸታታሊ ካብ ዝርእዮ ፍልሚ ምዃኑ ሓፍቲ ሞዋቲ ሓብራትለይ ወላዲት ኣዲኡ ኣረጋግፃትለይ ።

በቲ ኩነታት ሓዚነ ምስ ስድራ ቤት ብዘካየድናዮ ሓባራዊ ምምኽኻር (family counseling ) ብምርግጋዖም ድማ ንኣምላኽ ኣመስግነ ።ቁልፊ መልእኽተይ ደቂና ክንከታተሎም ከምዝግበአና ኤዩ ።ሸለልተኝነት ምኽንያት ዓርሰ ቕትለት ይኸውን ኣሎ ።
-----------------------------------------------------
ማእኸል ስልጠናን ምምኽኻርን ትንሳኤ
Tinsae Training and Consultant center
+251 91 402 3282
------------------------------------------------------
ገብረመድህን ኣያሌው ደጀኔ
ብዓል ሞያ ስነልቦናን ማሕበራዊ ዕዮን

07/23/2025

"ፈጣሪ ሓደ ነገር ዝህበካ ብምኽንያት ከምዝኾነ፡ ዝኸልኣካ ድማ ንዝሓሸ ምኽንያት ከምዝኾነ ዘክር።

ልዋም ለይቲ 🙏❤

ኣስተውዕል ሰበይ 1. ኩሉ ትፈልጦ ነገር ኣይንገርን እዩ። 2. ዝተነገረኩም ኩሉ ኣይእምንን'ዩ። 3. ዘለካ ኩሉ ኣይጥፋእን እዩ። 4. ንዝስሕቐልካ ሰብ ኩሉ ኣይፍተውን እዩ። 5. ዝቐረበኩም ...
07/23/2025

ኣስተውዕል ሰበይ

1. ኩሉ ትፈልጦ ነገር ኣይንገርን እዩ።

2. ዝተነገረኩም ኩሉ ኣይእምንን'ዩ።

3. ዘለካ ኩሉ ኣይጥፋእን እዩ።

4. ንዝስሕቐልካ ሰብ ኩሉ ኣይፍተውን እዩ።

5. ዝቐረበኩም ሰብ ኩሉ ዓርክኹም ከምዘይኮነ ፍለጡ።

6. ንስብ ክትብሉ ኣብ እትሓፍረሉ ቦታ ኣይትራኸቡ።

7. FOIIOW እንተልኩምና ዝያዳ ጠቐምቲ ሓሳባት ክትረኽቡ ኢኹም።

💚


ዛንታ እምነትን ፍቕን 😄ሰበይቲ ንሰብኣያ ክትፍትኖ ደለየት፡  ካባይ ርሒቑ ክሓድር ከሎ ወይ ሃንደበት ኣብ ገዛ ክስእነኒ ከሎ እንታይ ይስምዖ?  ንዝብል ክትፈልጥ ስለ ዝወሰነት ድማ በዓል ቤታ...
07/22/2025

ዛንታ እምነትን ፍቕን 😄

ሰበይቲ ንሰብኣያ ክትፍትኖ ደለየት፡ ካባይ ርሒቑ ክሓድር ከሎ ወይ ሃንደበት ኣብ ገዛ ክስእነኒ ከሎ እንታይ ይስምዖ? ንዝብል ክትፈልጥ ስለ ዝወሰነት ድማ በዓል ቤታ ካብ ስራሕ ኣብ ዝምለሰሉ እዋን ተጸብያ ኣብ ትሕቲ ዓራት ተሓብአት። ኣብ ሓደ ንእሽቶ ወረቐት "ናብ ስድራይ ስለ ዝኸድኩ፡ ኣይምለስንየ ኣይትጸበየኒ" ዝብል ጽሑፍ ጽሒፋ ኣብ ልዕሊ ኮመዲኖ ኣቐሚጣ ኣብ ትሕቲ ዓራት ኣተወት። እቲ ሰብኣይ ናብ ገዛ ምስ ተመልሰ ሰበይቱ የላን። ነቲ ወረቐት ኣንቢቡ ድማ፡ መልሲ ጭሕግር ጭሕግር ኣቢሉ፡ ነታ ወረቐት ኣብ ዝረኸባ ቦታ መሊሱ ኣቐሚጡ፡ ክዳውንቱ ክቕይር ጀመረ። ክዳኑ ቀይሩ ምስ ወድአ ሞባይሉ ኣልዒሉ "ሰላም ፍቕረይ መዓረይ"
ከመይ ኣለኺ ሎሚ ጽቡቕ ግዜ ክነሕልፍ ኢና። በዓልቲ ቤተይ ናብ ስድርኣ ስለዝገሸት ኣይክትምለስን እያ። ንስኺ እኮ ሽኮር ኢኺ ቅድሚ ምምርዓወይ እንተዝፈልጠኪ ንዓዓ ኣይምተመርዓኹዋን ስለዚ ፍቕረይ ልዕሊ ሓሙሽተ ደቓይቕ ኣይክጸንሕን እየ፡ ተዳሊኺ ተጸበይኒ፡ መጺአ ክወስደኪ እየ...ባይ ሽኮረይ፡” ኢሉ ዕላሉ ወዲኡ ተንሲኡ ከደ፡ ሰበይቲ ብሕርቃን ሓዊ መሰለት ፡ ልክዕ ምስ ወጸ ዓቢጣቶ ዝጸነሐት ንብዓታ ፈንጂሩ ወጸ 😭
ደሓር እንታይ እዩከ ኢሉ ጺሑፉ ዘቐመጦ ኢላ ወረቐት ኣልዒላ ምስ ኣንበበቶ። " ንስሙስ ተሓቢእኪ ሞይትኪ ምሽ 😃 ገና ምስ ኣተኹ እየ እግርኺ ዝረኣኽዎ ... በሊ ድራር ገዚአ ክምለስ እየ ንብዓትኪ ጸራሪግኪ ሽኩርኩር ኢልኪ ጽንሕኒ 😁... ❤❤ ፍቕረይ።" ይብል ነበረ።

ሽኮሪናታት ኣሕዋተይ ንሰብኣይክን ናብ ፈተና ኣይተእትወኦ 😃
ብሩኽ ሰንበት 💛💚

ካብ ፈጣሪ ቀጺሉ ዘለካ ኣተሓሳስባ እዩ ንታሪኽካ ዝቕይሮ!  ሰበይ ሕጉስ ክትከውንን ንነብስኻ ኣብ ጽቡቕ መንፈስ ከተእትዋ እንተደሊኻን ጽቡቕ ነገራት ሕሰብ፤  እንታይ ከም ዝተዋህበካ ርአ......
07/21/2025

ካብ ፈጣሪ ቀጺሉ ዘለካ ኣተሓሳስባ እዩ ንታሪኽካ ዝቕይሮ!

ሰበይ ሕጉስ ክትከውንን ንነብስኻ ኣብ ጽቡቕ መንፈስ ከተእትዋ እንተደሊኻን ጽቡቕ ነገራት ሕሰብ፤

እንታይ ከም ዝተዋህበካ ርአ...ጥዕናኻ፡ ስድራኻ፡ ሃይማኖትካ፡ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ሰናይ ነገራት ተመልከት።

ተስፋ ምቑራጽ ፈጺሙ ኣየምሕረልካን እዩ! ምሕዛን ርእስኻ ምድናን ምሳኻ ኣይከይድን! ህይወት እኮ ሓጻር እያ፡ ኣይኮነን ንክትሓዝነላ ንክትሕጎሰላ እውን እኽልቲ ኣይኮነትን።

ሰበይ ኩሉ ግዜ ብዘይካ እቲ ሰላም ዘምጽኣልካ ነገራት ካልእ ክትሓስብ የብልካን ፈጺምካ ኣብ ሕማቕ ሓሳባት ክትርከብ የብልካን።

ፈጣሪ ምሳና ይኹን ብሩኽ ምሸት
ኣሜን ፫ ❤





Address

Winnipeg, MB

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ማይ ሎሚን entertainment posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ማይ ሎሚን entertainment:

Share