17/10/2025
ተለቂሑ ንኣለቃሕቱ ዝኸፍል ዉሉፍ ሓሻሺ!
---
ብቐደሙ እዉን ሕሳስ ልደ ቆልዓ (last child in family) ቀ/ሚ ናይ 130 ሚልዮን ሃገር ጌርካ ኣይምረጽን'ዩ እንብል፣ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን።
ኣብ'ዚ IMF ኣዉጽእዎ ዘሎ ሓድሽ data፣ ኢትዮጲያ ኣብ 2025 ብ7.2% GDP ቁጠባዊ ዕብየት ከም ዘርኣየት ገሊጹ'ሎ (projected data)። እዚ ማለት Ethiopia, ምስ Benin, Côte d’Ivoire, Rwanda, ከምኡ እዉን Uganda ተሰሪዓ ትርከብ ማለት'ዩ። እንተኾነ IMF ካብ 2005 ኣትሒዙ ንኢትዮጲያ 7%፣ 8%፣ 9% GDP ዕብየት ቁጠባ ክልጥፈላ ምጽንሑ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፣ ብኸመይ ኣቢሉ'ዩ ልዕሊ 90 ሚልዮን ህዝባ ኣብ ክቱር ድኽነት ይነብር ኣሎ ዝብል ሕቶ ኣብ ኣእሙሮኻ የለዓዕል። ንሙዃኑ እቲ data ክወሓጠልካ ይኽእል'ዶ?
ደሓን ጉዳይ ድኽነት ናይ ኢትዮጲያ ካልእ ዝዓበየ መግለጺ ስለ ዘለዎ፣ ንኻልእ መዓልቲ ይጽንሓልና። ንሎሚ ብዛዕባ ‘‘ብድር‘‘ ዝብል ኣብ ኢትዮጲያ ዝተለምደ ቋንቋ ከነዋግዕ። ብቛንቋ ትግርኛ ልቓሕ ማለት'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ 7 ዓመታት መንግስቲ ብልጽግና ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር ካብ IMF፣ World Bankን ካልኦት ብሕታዊያን ትካላት ፊናንስን ብትሑት ወለድ ዝኽፈል ልቓሕ ከም ዝተለቅሐ ጸብጻባት ብdata ኣሰንዮም ይሕብሩ ኣለዉ። እቲ ኣብ ኮሪዴር ልምዓት፣ ምህናጽ ቤተ መንግስቲ፣ ኩናት ትግራይ፣ ኩናት ክልል ኣምሓራን ኦሮሞን፣ ከምኡ እዉን lavish ህንጻታትን ዝወዓለ 10 ቢልዮን ዶላር፣ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር፣ ሽቕለት (employment) ክፈጥር ብዘይምኽኣሉ፣ ምስ ሓለፍቲ IMF ግጭት ተፈጢሩ'ዩ። ሓላፊ National Bank of Ethiopia ዝነበረ ዶ/ ማሞ ምሕረቱ፣ ምስ ቀ/ሚ ኣብ ጉዳይ ‘‘ምሕሻሽ‘‘ ክሰማማዕ ብዘይምኽኣሉ፣ IMF ንዶ/ ማሞ ምሕረቱ ካብ መዝነቱ ኣልጊሱ ናብ AfDB ወሲዱዎ ይርከብ። ብዘይካ'ዚ ዕዳኻ ክፈል ተባሂሉ ክኸፍል እዉን ኣይከኣለን።
ካብ'ዚ ብምብጋስ፣ ብሕታዊያን ኣለቃሕቲ ትካላት ዓለም ንመንግስቲ ኢትዮጲያ፣ ‘‘ልቓሕካ ብዘይምምላስካ ኣብ internal courts ክሲ ክንምስርተልካ ኢና‘‘ ብምባል ድሕሪ ምፍርርሖም፣ ኣሕመድ ሽደን ዶ/ እዮብ ተካልኝን ዝመርሑዎ ላዕለዋይ ኣካል፣ ኣብ ከተማ NY ምስ ሓለፍቲ WB ፍረ ዘይሃበ ዝርርብ ከካይድ ቀንዩ።
እዮብ ተካልኝን ኣሕመድ ሽደን ዝመርሖ ልኡኽ ብልጽግና፣ ኣብ NY ምስ ሓለፍቲ WBን IMFን ኣብ ዘካየዱዎ ዝርርብ፣ ኢትዮጲያ ናብ foreclosures ገጻ ትኣቱ ብምህላዋ፣ IMF ቅልጡፍ ናይ 10 ቢልዮን ዶላር injection (ከምዚ ስሪንጋ ማለት'ዩ) ብመልክዕ ህጹጽ ሂወት ኣድሕን ክወሃባ ከም ሓሳብ ቀሪቡ ኔሩ። እንተኾነ ሓለፍቲ IMFን WBን፣ ብልጽግና ናይ ምሕሻሽ ወልፉ (ከምዚ ጫት ማለት'ዩ) ምስ ዘየቋርጽ፣ 10 ቢልዮን ህብካ 20 ቢልዮን፣ ዝመጽእ ለዉጢ ከም ዘይህሉ ኣትሪሮም ኣጠንቂቖም። ድሮ እዉን housekeeper ናይ ኣዲስ ኣበባ፣ ወይዘሮ ኣዳነሽ ኣበቤ ኣብ'ዚ ዓመት ዝካየድ ናይ ልምዓት ኮሪዴን ከም ዘየሎ ሓቢራ ትርከብ።
ዝወረዶ ዶ/ እዮብ ተካልኝ ናይ'ዚ ብምሕሻሽ ገንዘብ ዝተወለፈ ህጻን 4ኪሎ ዕዳ ንምኽፋል፣ ካብ ቻይና ድዩ፣ ካብ ኣሜሪካ ድዩ፣ ካብ UAE ድዩ፣ ካብ IMF ድዩ፣ ካብ WB ድዩ፣ ኮታስ Ethiopian Airlineን ወይ GERD ብሓረጣ ኣትሒዙ ካብ ከተልቅሕ እትኽእል ሃገር ወይ ትካል ተለቂሑ፣ ዕዳ ቆልዓ 4ኪሎ ክኸፍል'ዩ ተሓቲቱ ዘሎ። ህጻን 4ኪሎ፣ ንኣዲስ ኣበባ ናብ play yard እዩ ክቕይራ መደቡ። ድሮ'ዉን Christmas tree ክትመስል ኣለዋ ዝብል ትእዛዝ ንhousekeeper ወ/ ኣዳነሽ ኣበቤ ኣመሓላሊፉ'ዩ። ተሪፉ ዘሎ ስራሕ፣ ዶ/ እዮብ ተካልኝ፣ ካብ ኣለቃሕቲ ተለቂሑ ንኣለቃሕቲ ከፊሉ፣ ድሕሪኡ ናይ 10 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ከምጽእ ኣለዎ።
ኣሳልጦ ንምነየልካ ዶ/ እዮብ ተካልኝ።