Center for research and documentation ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን

  • Home
  • Eritrea
  • Asmara
  • Center for research and documentation ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን

Center for research and documentation  ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን ብሕታዊ ትካል መጽናዕትን ሓበሬታን ኤርትራ። An Independent Research and Information Institute (Eritrean Media Outlet) Political Agency
(2)

ተለቂሑ ንኣለቃሕቱ ዝኸፍል ዉሉፍ ሓሻሺ!---ብቐደሙ እዉን ሕሳስ ልደ ቆልዓ (last child in family) ቀ/ሚ ናይ 130 ሚልዮን ሃገር ጌርካ ኣይምረጽን'ዩ እንብል፣ ብዘይ ምኽንያት ...
17/10/2025

ተለቂሑ ንኣለቃሕቱ ዝኸፍል ዉሉፍ ሓሻሺ!
---
ብቐደሙ እዉን ሕሳስ ልደ ቆልዓ (last child in family) ቀ/ሚ ናይ 130 ሚልዮን ሃገር ጌርካ ኣይምረጽን'ዩ እንብል፣ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን።

ኣብ'ዚ IMF ኣዉጽእዎ ዘሎ ሓድሽ data፣ ኢትዮጲያ ኣብ 2025 ብ7.2% GDP ቁጠባዊ ዕብየት ከም ዘርኣየት ገሊጹ'ሎ (projected data)። እዚ ማለት Ethiopia, ምስ Benin, Côte d’Ivoire, Rwanda, ከምኡ እዉን Uganda ተሰሪዓ ትርከብ ማለት'ዩ። እንተኾነ IMF ካብ 2005 ኣትሒዙ ንኢትዮጲያ 7%፣ 8%፣ 9% GDP ዕብየት ቁጠባ ክልጥፈላ ምጽንሑ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፣ ብኸመይ ኣቢሉ'ዩ ልዕሊ 90 ሚልዮን ህዝባ ኣብ ክቱር ድኽነት ይነብር ኣሎ ዝብል ሕቶ ኣብ ኣእሙሮኻ የለዓዕል። ንሙዃኑ እቲ data ክወሓጠልካ ይኽእል'ዶ?

ደሓን ጉዳይ ድኽነት ናይ ኢትዮጲያ ካልእ ዝዓበየ መግለጺ ስለ ዘለዎ፣ ንኻልእ መዓልቲ ይጽንሓልና። ንሎሚ ብዛዕባ ‘‘ብድር‘‘ ዝብል ኣብ ኢትዮጲያ ዝተለምደ ቋንቋ ከነዋግዕ። ብቛንቋ ትግርኛ ልቓሕ ማለት'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ 7 ዓመታት መንግስቲ ብልጽግና ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር ካብ IMF፣ World Bankን ካልኦት ብሕታዊያን ትካላት ፊናንስን ብትሑት ወለድ ዝኽፈል ልቓሕ ከም ዝተለቅሐ ጸብጻባት ብdata ኣሰንዮም ይሕብሩ ኣለዉ። እቲ ኣብ ኮሪዴር ልምዓት፣ ምህናጽ ቤተ መንግስቲ፣ ኩናት ትግራይ፣ ኩናት ክልል ኣምሓራን ኦሮሞን፣ ከምኡ እዉን lavish ህንጻታትን ዝወዓለ 10 ቢልዮን ዶላር፣ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር፣ ሽቕለት (employment) ክፈጥር ብዘይምኽኣሉ፣ ምስ ሓለፍቲ IMF ግጭት ተፈጢሩ'ዩ። ሓላፊ National Bank of Ethiopia ዝነበረ ዶ/ ማሞ ምሕረቱ፣ ምስ ቀ/ሚ ኣብ ጉዳይ ‘‘ምሕሻሽ‘‘ ክሰማማዕ ብዘይምኽኣሉ፣ IMF ንዶ/ ማሞ ምሕረቱ ካብ መዝነቱ ኣልጊሱ ናብ AfDB ወሲዱዎ ይርከብ። ብዘይካ'ዚ ዕዳኻ ክፈል ተባሂሉ ክኸፍል እዉን ኣይከኣለን።

ካብ'ዚ ብምብጋስ፣ ብሕታዊያን ኣለቃሕቲ ትካላት ዓለም ንመንግስቲ ኢትዮጲያ፣ ‘‘ልቓሕካ ብዘይምምላስካ ኣብ internal courts ክሲ ክንምስርተልካ ኢና‘‘ ብምባል ድሕሪ ምፍርርሖም፣ ኣሕመድ ሽደን ዶ/ እዮብ ተካልኝን ዝመርሑዎ ላዕለዋይ ኣካል፣ ኣብ ከተማ NY ምስ ሓለፍቲ WB ፍረ ዘይሃበ ዝርርብ ከካይድ ቀንዩ።

እዮብ ተካልኝን ኣሕመድ ሽደን ዝመርሖ ልኡኽ ብልጽግና፣ ኣብ NY ምስ ሓለፍቲ WBን IMFን ኣብ ዘካየዱዎ ዝርርብ፣ ኢትዮጲያ ናብ foreclosures ገጻ ትኣቱ ብምህላዋ፣ IMF ቅልጡፍ ናይ 10 ቢልዮን ዶላር injection (ከምዚ ስሪንጋ ማለት'ዩ) ብመልክዕ ህጹጽ ሂወት ኣድሕን ክወሃባ ከም ሓሳብ ቀሪቡ ኔሩ። እንተኾነ ሓለፍቲ IMFን WBን፣ ብልጽግና ናይ ምሕሻሽ ወልፉ (ከምዚ ጫት ማለት'ዩ) ምስ ዘየቋርጽ፣ 10 ቢልዮን ህብካ 20 ቢልዮን፣ ዝመጽእ ለዉጢ ከም ዘይህሉ ኣትሪሮም ኣጠንቂቖም። ድሮ እዉን housekeeper ናይ ኣዲስ ኣበባ፣ ወይዘሮ ኣዳነሽ ኣበቤ ኣብ'ዚ ዓመት ዝካየድ ናይ ልምዓት ኮሪዴን ከም ዘየሎ ሓቢራ ትርከብ።

ዝወረዶ ዶ/ እዮብ ተካልኝ ናይ'ዚ ብምሕሻሽ ገንዘብ ዝተወለፈ ህጻን 4ኪሎ ዕዳ ንምኽፋል፣ ካብ ቻይና ድዩ፣ ካብ ኣሜሪካ ድዩ፣ ካብ UAE ድዩ፣ ካብ IMF ድዩ፣ ካብ WB ድዩ፣ ኮታስ Ethiopian Airlineን ወይ GERD ብሓረጣ ኣትሒዙ ካብ ከተልቅሕ እትኽእል ሃገር ወይ ትካል ተለቂሑ፣ ዕዳ ቆልዓ 4ኪሎ ክኸፍል'ዩ ተሓቲቱ ዘሎ። ህጻን 4ኪሎ፣ ንኣዲስ ኣበባ ናብ play yard እዩ ክቕይራ መደቡ። ድሮ'ዉን Christmas tree ክትመስል ኣለዋ ዝብል ትእዛዝ ንhousekeeper ወ/ ኣዳነሽ ኣበቤ ኣመሓላሊፉ'ዩ። ተሪፉ ዘሎ ስራሕ፣ ዶ/ እዮብ ተካልኝ፣ ካብ ኣለቃሕቲ ተለቂሑ ንኣለቃሕቲ ከፊሉ፣ ድሕሪኡ ናይ 10 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ከምጽእ ኣለዎ።

ኣሳልጦ ንምነየልካ ዶ/ እዮብ ተካልኝ።

ክቱር ፍቕሪ ኤርትራ ዘንቀዶ ፖለቲካዊ ነብጸ ቅንጸላ ብልጽግና!---ኣብ ኢትዮጲያ ብዛዕባ ኤርትራ ምቑዛም ዳርጋ መዓልታዊ'ዩ። ጋዜጣታት፣ ፖለቲኬኛታት፣ ፍሉጣት ሰባት፣ ኣክቲቪስታት፣ ስራሕ ኣል...
16/10/2025

ክቱር ፍቕሪ ኤርትራ ዘንቀዶ ፖለቲካዊ ነብጸ ቅንጸላ ብልጽግና!
---
ኣብ ኢትዮጲያ ብዛዕባ ኤርትራ ምቑዛም ዳርጋ መዓልታዊ'ዩ። ጋዜጣታት፣ ፖለቲኬኛታት፣ ፍሉጣት ሰባት፣ ኣክቲቪስታት፣ ስራሕ ኣልቦ ሰባት፣ ኮታስ ዘርከበ ዘበለ ብዛዕባ ኤርትራ'ዩ ዘቑረምርም። ህጻን 4ኪሎ ይመጽእ ብዛዕባ ኤርትራ ይዛረብ፣ ጻድቃን ይመጽእ ብዛዕባ ኤርትራ ይዛረብ፣ ጌታቾዉ ይመጽእ ብዛዕባ ኤርትራ ይዛረብ፣ ethio forum ትመጽእ ብዛዕባ ኤርትራ ትዛረብ፣ Addis Standard ትጽሕፍ ብዛዕባ ኤርትራ ትዛረብ...

ዝገርም'ዩ...

‘‘ዘይትረብሕ ሃገር‘‘ ይብሉዋ። ‘‘ድኻ'ያ‘‘ እዉን ይብሉ። ‘‘መንግስታ ዲክታተር'ዩ‘‘ እዉን ይዉስኹልካ። ብዛዕባ ሰራዊታ፣ ኣጽዋራታ፣ ዕጥቅታታ እንክዛረቡ፣ ክሳብ'ቲ ንኣእምሮኦም ዕጋበት ዝፈጥረሎም የካሻምሽዎ። ተመሊሶም ድማ፣ ክቱር ፍርሒ ከም ዘለዎም ይነግሩኻ። ክንበልዓ ኢና፣ ክንዉሕጣ ኢና፣ ጠሓርናያ ክብሉ ይጸንሑ'ሞ፣ ግምጥል ኢሎም ኣብ UN ክሲ ይምስርቱ፥ ‘‘ሃሪማትና‘‘፣ ‘‘መጺኣትና‘‘፣ ‘‘በሊዓትና‘‘፣ እቲ ፍርሒ መዐቀኒ የብሉን። 130 ሚልዮን ህዝቢ ኣሎና ይብሉኻ፣ ብዛዕባ'ቲ 130 ሚልዮን ምሕሳብ ገዲፎም ብዛዕባ'ዛ 5 ሚልዮን ዝብሉዋ ሃገር ክመራመሩ ይሓድሩ። 180 ቢልዮን ዶላር ባጀት ኣሎና ክብሉ ጸኒሖም፣ ነታ ናይ 1 ቢልዮን ባጀታ ዝብሉዋ ሃገር ክጥምቱ ይዉዕሉ፣ ይሓድሩ። ናይ 130 ሚልዮን ፓርላማ ገቲሮም፣ ብዛዕባ'ታ 5 ሚልዮን ህዝቢ ኣለዋ ዝብሉዋ ኤርትራ ይምድሩ። 3 ዓመት ምሉእ ፈኪሮም፣ መዲሮም፣ ነጢሮም፣ ዘሊሎም፣ ኣጽዋር ሸሚቶም፣ መንእሰይ ኣኽቲቶም፣ በሉ ንዑ ምጹ ምስ በልናዮም ቆጸራ ጠሊሞሙና።

‘‘ናብ ቃዛ ክንቅይሮም ኢና‘‘፣ ‘‘ኣብ 3 መዓልቲ ኣስመራ ክንኣቱ ኢና‘‘፣ ‘‘5 ሚልዮን ሰራዊት ኣሎና‘‘፣ 2 ዓመት ዓፊሮም። ፈሪሕናዮም ዘይኮና፣ ንኩናት ዝተጸንና ህዝቢ ብሙዃናን ንኩናት ዘሀዉኽ እዉን ስለ ዘይብልናን፣ ‘‘ዓዲ ወዓሉ‘‘ ዝብል ምኽሪ መጢናሎም። ዝሰምዕ እዝኒ ኣይነበሮምን። ጠፍላሕላሽ ክብሉ ምስ ጀመሩ፣ ኣብ ጋሸና በታ ሕስምቲ ዱላ ‘‘ናደዉ ኣዚ‘‘ ምስ ተዘብጡ፣ ናብ ኣንቶኒዮ ጉቴረዝ ምጥራዕ ጀሚሮም። ሰራዊት ኣኻኺቦም ፈኸራ ክገብሩ ከም ዘይሓገዩ፣ ኣብ'ታ ርእሰ ከተምኦም ከም ንመጾም እዉን ብሽማግለታት ምስ ተነግሩ፣ ‘‘ህድማ ንቕድሚት‘‘ ዝመስል ዘርባዕባዕ ጀሚሮም። እንታይ'ዩ ጉዶም?

ፍቕሪ'ዩ። ልክዕ ከምዚ ብጽብቕቲ ጎርዞ ጓል ብፍቕራ እትዓብድ፣ እዚኣ'ቶም እዉን ብፍቕራ'ዮም ክዓብዱ ደልዮም። ነብስኹም ጥራይ ኣይትቕተሉ'ዩ መልስና!!

ህዝቢ ምድንጋር ኣይጽቡቕን!!---   ከም'ቲ ኣቦዋት ክምስሉ፣ ‘‘መርገም ከዉድቕ እምበር ክወግእ ኣይረአን‘‘ ዝበሉዎ፣ ሕንቕንቕ ካድራት ብልጽግና ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድማ፣ ኪኖ ሕንቕን...
14/10/2025

ህዝቢ ምድንጋር ኣይጽቡቕን!!
---

ከም'ቲ ኣቦዋት ክምስሉ፣ ‘‘መርገም ከዉድቕ እምበር ክወግእ ኣይረአን‘‘ ዝበሉዎ፣ ሕንቕንቕ ካድራት ብልጽግና ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድማ፣ ኪኖ ሕንቕንቕ ኣይሓልፍን። ብሓሶትን ምዉቓዕን ዝቕየር የሎን።

ሎሚ ማሾ በየነ ኣብ ኣጉላዕ ምስ ሰራዊቱ'ዩ ዘሎ። ንኣፍልጦና ክኸዉን፣ ናይ ኣጉላዕ ፍጻሜ ምስታ ናይ ትማሊ ኣብ መቐለ ዝተገብረት ፍጻመ ትተኣሳሰር'ያ። ኣብ መቐለ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብሜድያ ንሰራዊት ብዘይምሕባሩ፣ ኣብ ኣጉላዕ ዝነበረ ሰራዊት ንተቓዉሞ ወጺኡ (misunderstanding)። ድሕሪ ምስ ማሾ በየነ ዝተገብረ ዕዉት ዝርርብ ግን፣ እቲ ጉዳይ ብሰላም ተዓጽዩ ኣሎ። ትግራይ ሰላም እያ ዘላ!!

ሎሚ ከተማ መቐለ'ዉን ሰላም'ያ ዉዒላ። ትማሊ ዶ/ ደብረጼንን ፕ/ት ታደሰ ወረደን ጀ/ ጆን መዲድን ኣብ ዝነበሩዎ ዕዉት ዝርርብ፣ ሰራዊት ክልተ ሕቶታ ኣልዒሉ፣ ክልቲኣተን ድማ ዝግባእ መልሲ ረኺበን ኣለዋ። ዝነበራ ሕቶታት፥

1/ ሕቶ ዶሞዝን ጥቕማ ጥቕምን
2/ መንበሪ መሬትን

ብልጽግና ሓሶት ድራራ፣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ህዝቢ ንምድንጋር፣ ሰራዊት ንምብታን ላሕ ኣብ ምባል ትርከብ። እንተኾነ ‘‘ትግራይ ሰላም እያ ዘላ‘‘። ዝብተን ሰራዊት ዘይኮነ፣ ድሮን ዝዓጥቕ ሰራዊት'ዩ ኣብ ትግራይ ዘሎ!!!

ዕላማ ሌ/ጀ ጽድቃን፥ ‘‘ሓጺራ እንተበልኩስ፣ ተደቢራ ትስዕስዕ‘‘---   ካብ ሰራዊት ወጺኦም ፖሊስ ንዝተገብሩ ኣባላት ጽቡቕ ደሞዝ'ዩ ተጌሩሎም። በዚ ዝተላዕለ ናይ ደሞዝን ጥቕማ ጥቕምን ሕ...
14/10/2025

ዕላማ ሌ/ጀ ጽድቃን፥ ‘‘ሓጺራ እንተበልኩስ፣ ተደቢራ ትስዕስዕ‘‘
---
ካብ ሰራዊት ወጺኦም ፖሊስ ንዝተገብሩ ኣባላት ጽቡቕ ደሞዝ'ዩ ተጌሩሎም። በዚ ዝተላዕለ ናይ ደሞዝን ጥቕማ ጥቕምን ሕቶ ሰራዊት'ዩ ናብ ተቓዉሞ በሪኹ። ብቐንዱ ናይ 22 ኣርሚ 2 ኮር'የን ነቲ ተቓዉሞ መሪሐንኦ። ናብ ቤት ጽሕፈት ፕ/ት ታደሰ ወረደ ብምኻድ ብሰላማዊ መንገዲ ሕቶ ኣቕሪቦም። ድሕሪ ሰዓት ጀ/ ጆን መዲድን ዶ/ ደብረጼንን መጺኦም ነቲ ኩነታት ኣረጋጊኦምዎ። ዝተኸስተ ክስተት ኣይነበረን። ዶ/ ደብረጼን ምስ ተረኽበ'ዉን፣ እቶም ኣባላት ሰራዊት ብዓቢ ጨብጨብታ'ዮም ተቐቢሎሞ። ሕቶ ሰራዊት ቁኑዕ ብምንባሩ፣ ንሕቶኦም ዝፈትሕ ኣካል ተረኺቡ ሕቶኦም መሊስዎ። ጉጅለ ክድዓት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክነጥሩ ምዉዓሎም ዘስሕቕ ኮይኑ፣ ‘‘እሞ የለን‘‘ ዝብል መልሲ'ዩ ተዋሂብዎም። ሰራዊት ናብ ስርሑ ተመሊሱ'ዩ ብምባል ንህጻን 4ኪሎ ጸብጻብ ጥራይ ይግበሩ።

ብመሰረቱ ዘለናዮ እዋን ናይ ተሓናነቕ እዋን'ዩ። ሽሕ'ኳ ትግራይ ንኹሉ ጸገማት ወጺኣ ኣብ ዘተኣማምን ብርኪ እንተሃለወት፣ ስግኣት 4ኪሎ ካብ ሙዃን ግን ኣይደሓነትን። ካብ'ዚ ብምብጋስ'ዩ እምበኣር፣ ህጻን 4ኪሎ ቢልዮናት ብር ብምፍስስ፣ ንትግራይ ደጊሙ ንምቁጽጻር ጥልዕ ጉምብስ ኣብ ምባል ዝርከብ።

1/ ስልቲ #1

ቀንዲ ዕላማ ህጻን 4ኪሎ፣ ሰራዊት ትግራይ ምብታን'ዩ። ነዚ ዘኽእሎ ስራሕ ንምስራሕ ድማ፣ ብወዲ ኣንጥሩን ወዲ ኣሸብርን ጀ/ ጻድቃንን ጀ/ ሳሞራ ዮኑስን ዝምራሕ ‘‘መተካእታ‘‘ ሰራዊት ንሙቛም፣ ኣብ ክልል ዓፋር፣ ሕጂ ድማ ኣብ ከባቢታት ወልቃይትን ሑመራን ዝንቀሳቐስ ዘሎ። ሰራዊት ትግራይ ምብታን ግን ቀሊል ስራሕ ኣይኮነን። ሓደ ካብ'ቲ ክጥቀመሉ ዝፍትን ዘሎ ስልቲ፣ ንትግራይ ብቑጠባ ሓኒቕካ፣ ሰራዊትን ህዝብን ምልዕዓል ከም ዝገብሩ ምድፍፋእ'ዩ።

2/ ስልቲ #2

2ይ ስልቲ ህጻን 4ኪሎ፣ ኣብ መንጎ ህዝብን ሰራዊትን መራሕትን ነቓዓት ምፍጣር ዝብል'ዩ። ቀንዲ ስግኣት ስልጣን ኦሮሙማን ቀ/ሚን ‘‘ትግራይ‘‘ ሙዃና ዳርጋ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ'ዩ። 1000 ዓመት ስልጣን ልሂቃን ኦሮሞ ክረጋገጽ እንተኾይኑ፣ ምድኻም ትግራይ ከም ቀንዲ ስትራተጂ ዝወስድ ስርዓት ብልጽግና፣ ነቶም ኣብ ሆቴላት ኣዲስ ኣበባ ከም IDP ዑቕባ ሂብዎም ዝርከብ ኣክቲቪስትን ፖለቲኬኛታትን ትግርይ፣ ኣንጻር መራሕቲ ህወሓት ሕሱር ፕሮፖጋንዳ ኣብ ምክያድ ኣዋፊሩዎም ይርከብ። ኣብ መንጎ ህዝብን ሰራዊትን መራሕትን ቀዳድ ንምፍጣር ከቢድ ስራሕ ኣብ ምስራሕ'ዩ ዘሎ። ነዚ ዘጋፍሑ ኣካላት ኣብ ዉሽጢ ትግራይ'ዉን ኣይስኣኑን።

ኣብዚ ክጋጨዉ ዘይብሎም 2 ኣገደስቲ ነጥብታት ኣለዉ።
---
1/ ሕቶ መንእሰይ፣ ሰራዊት፣ ህዝቢ ቅኑዕን እዋናዊን እዩ። ሕቶ ሰላም፣ ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕዳር ወዘተረፈ...

2/ ንብልጽግና ከቃጥር፣ ንረብሓ ትግራይ ኣሕሊፉ ዝህብ መንእሰይ፣ ሰራዊት፣ ህዝቢ የሎን። ብስም መንእሰይ፣ ሰራዊት፣ ህዝቢ ክሽቅጡ ንዝህቅኑ ዓያሹ፣ ፖለቲካዊ ቅማሬኦም ባዶ ርባሕ ምዃኑ ጌና ኣይተሰወጦምን ዘሎ። ብቐደሙ'ዉን ሕቶ ኣሎኒ ዝበለ ሰራዊት፣ ክላሽን ከይተሓንገጠ'ዩ ናብ ቤት ጽሕፈት ወጺኡ። ዓሻ ስልሒት፣ ፖለቲካዊ ጥፍሽና'ዩ ዘኸትል።

መልእኽቲ ንህጻን 4ኪሎን ንኣቃጠርቲ ብልጽግናን፥
---
1/ ሕቶ ኣባላት ሰራዊት ቅኑዕን ቅኑዕን ስለ ዝኾነ፣ ሕቶ ሰራዊት ብጊዜ (systemic) እንዳተመለሰ'ዩ ክኸይድ። ሰራዊት ትግራይ ክጠናኸር እምበር፣ ክብተን ከም ዘይኮነ ድማ ኣረጋጊጽና ንነግረኩም።

2/ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰራዊት፣ ረብሓታት ትግራይ ክሕሉ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ኢትዮጲያ ንዝመጽእ ዘሎ መድረኻዊ ለዉጢ ከም ቀላሲ ሓይሊ ኮይኑ ክቕጽል'ዩ። ብምስምስ ኣዘንጊዕካ፣ ካብ'ቲ ክጻወቶ ዝግባእ ስትራተጂካዊ ጸወታ ንምጥምዛዙ ዝህቀን ሃቐና፣ ናይ ኮንቱነት ኮንቱ ይበሃል።

ሁለት ልጆች ከአንድ ትልቅ ሰው ጋር ካርድ ሲጫወቱ—-አንድ ሰው የከዳተኛነት ማዕረግን በግልፅ ሲጠይቅ ሌላ ምን እንላለን፧የህወሓት ፕሮፖጋንዳ ዋና አስፈፃሚ ነበር። ብዙ ወጣቶች በፕሮፖጋንዳው ...
07/10/2025

ሁለት ልጆች ከአንድ ትልቅ ሰው ጋር ካርድ ሲጫወቱ
—-
አንድ ሰው የከዳተኛነት ማዕረግን በግልፅ ሲጠይቅ ሌላ ምን እንላለን፧

የህወሓት ፕሮፖጋንዳ ዋና አስፈፃሚ ነበር። ብዙ ወጣቶች በፕሮፖጋንዳው ምክንያት ሕይወታቸውን ከፍለዋል። አሁን እሱ የብልጽግና ፕሮፖጋንዳ አሻንጉሊት ነው። በዚያን ጊዜ የሚናገረውን አላመነም? አሁን የሚናገረውን ያምናል? ማን ሊያምነው ይችላል? እንደ እሱ ያሉ ከዳተኞች ጋር ያለው ጉዳይ ምንም ያህል ሰው ቢሞት ወይም ቢጠፋ ምንጊዜም የቆሸሸ ፖለቲካ ይጫወታል። ከ2018 የጠቅላይ ሚንስትር ምርጥ ጓደኛ መሆን ነበረበት ሁለቱም አንድ ናቸው። ቆሻሻ ፖለቲከኞች!

በ2022 ወያኔን ወክሎ ኤርትራን አነጋግሯል። በወቅቱ የኢትዮጵያ ጠቅላይ ሚኒስትር በኤርትራ ላይ ጦርነት እንደሚከፍቱ ገልጿል። ህወሀት ስልጣኑን መልሶ መውሰድ ይፈልጋል ሲል አጥብቆ ተናግሯል። የኤርትራን እርዳታ ጠየቀ። ኤርትራ ወደ ኋላ ስትገፋው በቀጥታ አዲስ አበባ አረፈ። ቆሻሻ ፖለቲከኛ።

አዲስ አበባ ካረፈ በኋላ የህወሓት መሪዎች ኤርትራን አነጋግረዋል ሲል ከሰዋል። በእውነቱ እሱ ሁሉንም ዓይነት ቆሻሻ ፖለቲካ ለመጫወት የሞከረው እሱ ነበር። ከኤርትራ ፕረዚዳንት ጋር በቀጥታ ለመነጋገር እንኳን አጥብቆ ተናግሯል። አሳዛኝ ለሱ ኤርትራ በፌደራል መንግስት በኩል ካልመጣ በቀር ቀጥታ ግንኙነት ለማድረግ ፈቃደኛ አልሆነም።

ከሱ ጋር የተደረገው ስምምነት የፌደራል መንግስት ከተስማማ ኤርትራ ከህወሀት ጋር ቀጥተኛ ግንኙነት ትኖራለች። ነገር ግን ለጓዶቹ ከመናገሩ በፊት በቀጥታ ወደ አዲስ አበባ ሄዶ ክስ ሰነዘረ። ወያኔ ኤርትራን አነጋግሮታል ሲል ከሰሰ። ዓላማው በኤርትራና በኢትዮጵያ እንዲሁም በፌዴራል መንግሥትና በሕወሓት መካከል ግጭት መፍጠር ነበር። ይህ ብቻ አይደለም. ጓዶቹን ከዳ በኋላ የፌደራል መንግስት ጦሩን ወደ ኤርትራ ድንበር እንዲያንቀሳቅስ ጠየቀ። በአንድ በኩል የኤርትራን እርዳታ በፌዴራል መንግስት ላይ ጠየቀ፣ በሌላ በኩል የፌደራል መንግስት ሃይሉን ወደ ኤርትራ ድንበር እንዲያንቀሳቅስ ጠየቀ።

እቅዱ ከከሸፈ በኋላ የአሜሪካ መንግስትን አነጋግሯል። ኤርትራ ኃይሏን ከድንበር 20 ኪሎ ሜትር ርቃ እንድትወስድ ጫና እንዲያደርጉ ጠየቃቸው። የነገሩት ነገር አስደንጋጭ ነበር። እሱና ተከታዮቹ ከመቀሌ የማይወጡ ከሆነ መጥፎ ሁኔታ ይፈጠራል ብለው ጠይቀዋል። በዚያን ጊዜ አሜሪካውያን ሁኔታውን በደንብ ተረድተው ነበር። ከመቀሌ እንዲወጣ አስገደዱት። አስቸጋሪው ጥያቄ ማን ሊቀበለው ይችላል? ጠ/ሚኒስትሩ ጨዋታውን ከእግር ኳስ ያውቁታል። ጠቅላይ ሚንስትር ዕድሉን ተጠቅመው ህወሓትን ለማዳከም ሊጠቀሙበት ወሰኑ።

እሱ በጣም የዋህ ነበር። ከኤርትራ ጋር ካርድ መጫወት እንደሚችል አስቦ ነበር። ኤርትራ ግን የ50 ዓመት ልምድ አላት።

ዉቅዒት ግንባር ሰሜን ምዕራብን ስትራተጂካዊ ዕምቆቱን---   ኣብ ሱዳን ዝተኻየደት ‘‘ጽምዶ ፋኖ‘‘ እንታይ ወለደት? ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ፋኖ ብኸመይ ይግለጽ (tactical analysis)...
28/09/2025

ዉቅዒት ግንባር ሰሜን ምዕራብን ስትራተጂካዊ ዕምቆቱን
---
ኣብ ሱዳን ዝተኻየደት ‘‘ጽምዶ ፋኖ‘‘ እንታይ ወለደት? ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ፋኖ ብኸመይ ይግለጽ (tactical analysis)።

ካብ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ንበገስ...

ኣብ 1988'ዩ፣ ብፍሉያት ኣሃዱታት ስለያ እንዳተዓጀበት ካብ ደርሰነይ ዝተበገሰት ምልእቲ ክፍለ ሰራዊት ሰራዊት ህግሓኤ (ክ/ት 52)፣ ብሽንድዋ ኣቢላ ንጽርግያ ረጊጻ፣ ንሽርዱባ ንጸጋም ኣማሕዲጋ ብመዓልዱ ቆረጸት፥ ፍጻሜ ምቑራጽ መንገዲ ከረን- ኣፍዓበት።

ምንቅስቓስ ክ/ት 52 ሃንደበት ዝኾኖ ስርዓት ደርግ፣ ኩሉ ተሓዋዊሱዎ እግሪ እግሪ ክ/ት 52 ክከታተል ክሳብ ፍሸይ ተጓዕዘ። ቅማሬኦም? ህግሓኤ ኣብ ወኪ ወይ ድማ ኣብ ዒላበዕድ መጥቃዕቲ ክፍጽም'ዩ። ግን ዝንቡዕ ገምጋሞም፣ ንሞት ናደዉ እዚ ድኣ ኣቀላጠፈ። ክ/ት 52 ኣብ መስሓሊት ምስ በጽሐት፣ ልክዕ ሓሙስ 17 መጋቢት 1988 ምድምስስ ናደዉ እዚ ዘበስር ነጎድጓድ ድምጺ ዓወት ኣብ ሕምብርቲ ተብዶም ኣበሰረት።

ኮ/ መንጉስቱ ሃይለማርያም፣ ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት 2ይ ኣቤታዊ ሰራዊት ብቐጻሊ ኣኼባ የካይደሎም ብምንባሩ፣ መርድእ ምድምሳስ ናደዉ እዚ ካብ ጊዚያዊ ኣዛዚ ናደዉ እዚ ዝነበረ ኮ/ ኬታኖ ሃይለ ብድምጺ ራድዮ እዩ ክሰምዖ ተተዲዱ። ብ/ጀ ዉበቱ ጸጋየ'ዉን ነቲ መርድእ ኣብ'ቲ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ቤት ጽሕፈቱ እንከሎ'ዩ ሓመድ ድበ ናደዉ እዚ ዝተነግሮ። ሽዑ ብ/ጀ ዉበቱ ጸጋየ፣ ንሓላፊ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት 2ይ ኣቤታዊ ሰራዊት ኮ/ ኣፎርቂ ዋሴ ብምሓዝ፣ ብፍልይቲ ሄልኮፕተር ኣፍዓበት ጥብ በለ። ዕላምኦም? ናደዉ እዚ ንምግልጋል። ግን፣ ድሮ ቀታሊ መጥቃዕቲ ናደዉ እዚ ካብ ከባቢ ቆጋይ ክሳብ ገንፈሎም ጀሚሩ ብንባሩ፣ መሬት ሓዊ ተነዚሑዋ ጸንሓቶም።

ኮ/ መንግስቱ ሃይለማርያም፣ ኩነታት ካብ ቁጽጽር ወጺኡ ምንባሩ ስለ ዝተገንዘበ፣ ንምክትል ኣዛዚ 2ይ ኣቤታዊ ሰራዊት ብ/ጀ ሑሴን ኣሕመድ ዘጠቓለለ 22 ጀነራላት ናብ ኣስመራ ለኣኸ። ‘‘ጽርግያ ከረን- ኣፍዓበት ክፈቱ‘‘ ዝብል ህጹጽ ትእዛዝ'ዩ ተዋሂብዎም። ኣብ ከባቢ ከረን፣ ተሰነይ፣ ምሉእ ጋሽ ዝነበሩ ኣሃዱታት ብህጹጽ ናብ መስሓሊት ንምዉራድ ተፈተነ። መንገዲ ከረን ንምኽፋት ናይ ሞትን ሕየትን ግጥማት'ዉን ይካየዱ ነበሩ። እንተኾነ ኣሃዱታት ህግሓኤ ንክሳድ ቀልሃመት ሓኒቖም ንከተማ ኣፍዓበት ሓሪሮማ ብምንባሮም፣ ኣሃዱታት ናደዉ እዚ ኣብ ዕለት 19 ካብ ግንባራት ተኾብኪቦም መንገዲ ከረን ሰንጢቖም ካብ'ቲ ምሉእ ከበባ ንምምላጥ ናብ'ታ ቀታሊት ማሕንቖን ጎላጉል ቆጋይን ፈሰሰ። ሽዑ ሓመድ ድበ ናደዉ እዚ ኣብ'ታ 30 ኪ/ሜ ካብ ከተማ ከረን ርሒቓ እትርከብ ክሳድ መስሓሊት ተፈጸመ።

ስርሒት ፋኖ ኣብ ሰሜን ሽዋ!
---
ሜድያታት ኢትዮጲያ ብግልጺ ይሕብሩዎ ከም ዘለዉ፣ ብሃንደበትነት መጥቃዕቲ ፋኖ ፍጹም ዝሰንበዱ (mental shock) ኣዘዝቲ ሰራዊት OPDO፣ ኣብ ቅሉዕ ነዉጺ ክሽመሙ ንዕዘብ ኣሎና። ኣብ ከተማ ሞስኮ ዝቐነየ ህጻን 4ኪሎ'ዉን፣ ብሃንደበትነት ናይ'ቲ መጥቃዕቲ ግዲ ሰንቢዱ፣ ልክዕ ከምታ ኮ/ መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብ እዋን ምድምሳስ ናደዉ እዚ ዘዕለብጦ ዝነበረ፣ ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊቱ ብቐጻሊ ብስልኪ ክራኸብ'ዩ ቀንዩ። እቲ ንግንባራት ሽዋ ዝከታተል ጀ/ ኣበባዉ ታደሰ'ዉን፣ ልክዕ ከም ብ/ በ ዉበቱ ጸጋየ ካብ'ቲ ሕክምና ከካይደሉ ዝጸንሐ ከተማ ዱባይ ብሃንደበት ተጸዊዑ፣ መጥባሕቲ ዝተኻየደሉ ክሳዱ ብሽፋን ጠምጢሙ፣ ንኣሃዱታት ስሜን ምብራቕ ንምግልጋል'ዩ ተጓዩ። ድሮ'ዉን ‘‘ፋኖ ተደምሲሱ'ዩ፣ የለን‘‘ ኣብ ዝብል ናይ 0 ርባሕ PR ጸወታ ክሽመም ተገዲዱ'ሎ።

ብትዕቢትን ንዕቀትን ዝተላዕጠጠ ህጻን 4ኪሎ፣ ቴክኖሎጂካዊ ዕጥቂ ጸብለልታ ክህበኒ'ዩ ካብ ዝብል ቅንጹብ ኣጠማምታ፣ ‘‘ንዕጡቓት ፋኖ ደምሲስናዮም ኢና ክብል ከም ዘይቀነየ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኣምር ክሰርሕ ዝኽእል ሰራዊት ሃኒጽና ኣሎና‘‘ ክብል ንህዝቢ ኢትዮጲያ ኣዋጅ ከም ዘይኣወጀ፣ መሬት ኤርትራ ክወርር ዝኽእል ዓቕሚ ከም ክብል ከም ዘይሓገየ፣ ‘‘ሰራዊት ወያነን ኤርትራን ይሃርሙኒ ኣለዉ‘‘ ዝብል ንብዓት ሓርገጽ ክነብዕ ንዕዘብ ኣሎና።

ንበረኽቲ ቦታታት ዞበል ከም ደጀን ወሲዱ ንቕድሚት ዝምርሽ ዘሎ ሓይሊ ፋኖ ድማ፣ ንላሊበላ ብሸነኽ መቄት፣ ጊዳን፣ ጉላ ላፍቶ፣ ኣምባበል ብምኽባብ ኣብ ዉሽጣ ንዘሎ ሰራዊት OPDO ከም ሕሱም ክጭፍጭፎ ቀንዩ'ሎ።። ብኻልእ ሸነኽ ድማ፣ ንጋሸና ኣብ ዕላማ የእትዩ ዝርከብ ሓይሊ፣ ብሸነኽ ወልድያ ንዝጸንሐ ኣሃዱታት ደምሲሱ፣ ንሸነኽ መርሳ፣ ዉጫሌ፣ ኩታበር ብምግስጋስ ናብ ከተማ ደሴ ክጽጋዕ ተራእዩ'ሎ። ኣዘዝቲ ሰራዊት OPDO፣ ንህዝቢ ኢትዮጲያ ክህቡዎ ዝጸንሑን ኣብ ባይታ ዝርአ ዘሎ ሓቅን ከም ቢላርዶ ክጋጨዎም ግዲ ብምጅማሩ፣ ኣብ ከቢድ ነዉጺ ናይ ኣእምሮ ተሸሚሞም፣ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብን ደቡብን ዝጸንሑ ኣሃዱታቶም ናብ ከባቢታት ተሴ ክጓርቱ ይዉዕሉ ኣለዉ።

ደብረብርሃን፣ ደብረሲና፣ ሽዋሮቢት፣ ኣጣየ፣ ከሚሴን ኮምቦልቻን ኣብ ኢድ ፋኖ ከይወድቃ ዝሰግአ ህጻን 4ኪሎ ድማ፣ ንሌጀ/ ሽማ ኣብዴታ፣ ሌጀ/ ብርሃኑ በቀለ፣ ሌጀ/ ይመር መኮነን፣ ሜ/ጀ ተሾመ ገመቹ ናብ'ቲ ከባቢ ኣብ ምንቅስቓስ ይርከብ። ዉቅዒት ግንባር ሰሜን ምዕራብን ስትራተጂካዊ ዕምቆቱን እንክግለጽ እምበኣር፣ ልክዕ ከም ማሕንቖ ክሳድ መስሓሊት፣ ንኣዘዝቲ ሰራዊት OPDO ድኻም ልቢ ዘትሓዘን ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጲያ ነጥበ መቐይሮ ከም ዝመጸ ዘበሰረን ኮይኑ'ሎ።

ድሕሪ'ዚ ናይ ግንባር ሰሜን ምብራቕ ዉቅዒት ዝኽየድ መንገዲ ዓወት ክነዉሕ ከም ዘይኮነ፣ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ዝተኣማመነ ህዝብታት ዞባና፣ ጸሓዮም ከብርቑ በንጻሩ ድማ ዓቕሚ ሰቡ እንዳንቆልቆለ፣ ሞራል ሰራዊቱ እንዳማህመነ፣ ዓቕሚ ኣጽዋሩ እንዳተሃሞኸ ዝኸይድ ዘሎ ዕሱብ ስርዓት 4ኪሎ ድማ፣ ፍጥነት ጥፍኣቱ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ይቀላጠፍ ከም ዘሎ ክትዕ ኣየድልዮን'ዩ። ‘‘ግጠሙኒ‘‘ ዝብል ሕቱኡ ቅኑዕ ግብራዊ መልሲ ክረክብ ግድን ስለ ዝኸዉን፣ ንልክዕ ሕቱኡ ልክዕ መልሲ'ዩ ክረክብ፣ ዓወት ህዝብታት ዞባና ድማ ጽሑፍ'ዩ!!!

ወዲ መምህር

ዝምድና ኤርትራን ግብጽን ኣብ ጥርዚ!---   ሚኒስተር ግዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጽን ኣብ NY ተራኺቦም ተዘራሪቦም። ኣብ'ቲ ዝርርብ፣ ክልቲኣቶም ...
27/09/2025

ዝምድና ኤርትራን ግብጽን ኣብ ጥርዚ!
---
ሚኒስተር ግዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጽን ኣብ NY ተራኺቦም ተዘራሪቦም። ኣብ'ቲ ዝርርብ፣ ክልቲኣቶም ወገናት ኣብ ጉዳይ ሱዳንን ሶማልን መፋስስ ኒልን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ኣመልኪቶም ሰፊሕ ዝርርብ ምክያዶም ክፍለጥ ተኻኢሉ'ሎ። ከም ዝፍለጥ ዝምድና ኤርትራን ግብጽን ናብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንዳዓበየ ክኸይድ ምጽንሑ። ከም'ቲ EUን USAን ዝኣመንሉ፣ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ሱዳንን ሶማልን፣ ክልቲኣተን ሃገራት ዉጽኢታዊ ኣበርክቶ ይገብራ ምህላወን'ዩ ዝንገር። ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ'ዉን፣ ግብጽን ኤርትራን መሪሕ ተራ ይጻወታ ምህላወን ልኡኻት ኣሜሪካን ኤውሮጳን ዝምስክርሉ ኮይኑ ይርከብ።

ኤርትራን ኣሜሪካን ኣብ ምንታይ'የን ተሰማሚዐን?---   ብመሰረቱ ዝርርብ ኤርትራን ኣሜሪካን ብሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነስ፣ ንነዊሕ ኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ'ዩ። ምስ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ...
26/09/2025

ኤርትራን ኣሜሪካን ኣብ ምንታይ'የን ተሰማሚዐን?
---
ብመሰረቱ ዝርርብ ኤርትራን ኣሜሪካን ብሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነስ፣ ንነዊሕ ኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ'ዩ። ምስ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ክልቲኣተን ሃገራት ኣብ ግምት ኣእቲኻ፣ መንግስታት ኤርትራን ኣሜሪካን ኣብ ኣታሕዛ ናይ'ቲ ጽዑቕ ዝርርብ ክቱር ጥንቃቐ ክገብሩ ጸኒሖም ኣለዉ። ከም'ቲ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ብርሃነ ገ/ ሂወት ዝበሎ፥

‘‘The meeting concluded with both parties agreeing to continue exchanges in the coming months, signaling a cautious but hopeful start to renewed bilateral relations‘‘! ትስፉዉን ጥንቁቕን ኣተሓሕዛ

ዝተላዕሉን ዝተሳማምዕሎምን ዛዕባ ኣብ ምንታይ ዘተኮሩ'ዮም?
---
ጸጥታዊ ስምምዕ፥ (ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ መፋስስ ኒል፣ ቀይሕ ባሕሪ)
ቁጠባዊ ስምምዕ፥ (ዕድላት ወፍሪ፣ ንግዲ፣ ትሕተ ቅርጺ፣ መጓዓዝያ፣ ርክብ)
ፖለቲካዊ ስምምዕ፥ (ኣብ ዛዕባ ጸጥታ፣ ቅርሰና፣ ግብረ ሽበራ)

ክንጽበዮም ንኽእል ምዕባለታት፥
---
ሀ) ወግዓዊ ምብጻሕ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ሚስተር ሞሳድ ቦሉስ ናብ ኣስመራ።
ለ) ወግዓዊ ምብጻሕ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ናብ ዋሽንግተን።
ሐ) ዑደት________ ናብ ኣሜሪካ ✊🏿

ኣቡ ጣሃ
ኣስመራ

መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ንጨረታ ትወርድ!---   ብፍርሒ ተዋሒጡ ኣብ ከቢድ ናይ ኣእምሮ ነዉጺ ተሸሚሙ ዝርከብ ምህሙን ስርዓት ብልጽግና፣ ካብ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ዉጥረቱ ንምምላጥ፣ ብሩዝ ና...
24/09/2025

መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ንጨረታ ትወርድ!
---
ብፍርሒ ተዋሒጡ ኣብ ከቢድ ናይ ኣእምሮ ነዉጺ ተሸሚሙ ዝርከብ ምህሙን ስርዓት ብልጽግና፣ ካብ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ዉጥረቱ ንምምላጥ፣ ብሩዝ ናይ ጠሓርክኹምን መጻኹኹምን በላዕኩኹምን ጥሩምባታት ክነፍሕ ምሕጋዩ፣ እንታይ'ዩ ተረኺቡ ዘይበለ ተዓዛባይ ከቶ ኣይጸንሐን።

እዚ ምዕዶን ተግሳጽን ዓበይቲ ሃገራት ጸማም እዝኒ ብምሃብ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኦሮሞን ምስ ‘‘ቀይ- ሽብር‘‘ ዝመሳሰል ወፍሪ ደምነት ኣብ ምክያድ ዘሎ ስርዓት፣ ዓሻስ ደቂሱ'ሎ ዘመድ ዓሻ እንዶ'ሞ ድቃስ ሰኣነ ከም ዝተባህለ፣ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት'ዉን ከይተረፈ ክላኸፍ ይረአ'ሎ።

ኣብ'ዚ ከይተዓግተ፣ ፈራሕ 10 በትሩ ተባሂሉ ከም ዝተመሰለ፣ ማሕፉዳ ቆፎታቱ ነጊፉ ንፍኑዉ ሸመተ ኣጽዋር'ዉን ተቓሊዑ ሓግዩ'ሎ። እዚ ንልዕሊ 7 ዓመታት ካብ ኩናት ከዕርፍ ብዘይምኽኣሉ ነታ ሃገር ከም ዝኣረገት ብራኳ በረዉረዉ ኣቢሉ ዘሎ ስርዓት፣ ብሰንኪ'ቲ ፍኑዎ ናይ ምሕሻሽ ወልፉ፣ ምስ IMFን World Bankን'ዉን ከይተረፈ ኣብ ምስሕሓብ ይርከብ። ብፍላይ ብሰንኪ'ቲ ምስ IMF ዘጋጠሞ ግርፍጥ፣ IMF ንማሞ ምኽረቱ ናብ ኬንያ ክስሕቦ ተገዲዱ'ሎ። በዚ ዉሳነ ጭንቀት ዝኣተዎ ህጻን 4ኪሎ፣ ንማሞ ምሕረቱ ዝትክእ ፈቲሹ ግዲ ተሓሪምዎ፣ ሓደ ካብ ካድራቱ ንዝኾነ እዮብ ተካልኝ ኣብ በትረ ስልጣን National Bank of Ethiopia ኣኾይጡ'ሎ። ናይ 0 ሰዓት ጸወታ!!

እዚ ጥራይ መዓስ ኮይኑ...

ኩነታት እታ ሃገር ካብ ሰዓት ንሰዓት እንዳንቆልቆለ ይኸይድ ብምህላዉ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት State Department ንፍሉይ ልኡኽ ምምሕዳር ቱራምፕ ሞሳድ ቦሉስ ብህጹጽ ናብ'ታ ሃገር ልኢኩዎ ቀንዩ እዩ። ሻቕሎት ኣሜሪካ ሰማይ ይዓርግ ምህላዉ ዘመላኸተ ድማ'ዩ፣ ፍሉይ ልኡኽ ሞሳድ ቦሉስ ምስ ህጻን 4ኪሎ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ፣ 4 ቀጠንቂ ጠለባት ኣቕሪቡ'ሎ።

1/ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኩናት ብሰላማዊ መንገዲ ብህጹጽ መዕረፊ ክግበረሉ።

2/ ናብ ትግራይ ዝጥምት ዝኾነ ይኹን ኩናት ከይግበርን ስምምዕ ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ክፍጸምን።

3/ ስርዓት 4ኪሎ ዘካይዶ ዘሎ ናብ ኤርትራ ዝጠመ ምትኹታኽ ብህጹጽ ደዉ ከብልን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ጎንጺ ዘለዓዕል ኩነታት ከይፍጠርን።

4/ ቁጠባዊ ሽግራት እታ ሃገር ንምፍታሕ ኣሜሪካ ክትተሓባበር እንተኾይና፣ መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ዝርከቦም ዓበይቲ ትካላት እታ ሃገር ንኣሜሪካዊያን ኣዉፈርቲ ክፍቲ ክኸዉን።

ህጻን 4ኪሎ በዘን ዝተዋህብኦ ቀጠንቂ ትእዛዛት ክድቅስ ብዘይምኽኣሉ፣ ኣንፈቱ ናብ ቻይና ኣቢሉ'ሎ። ካብ 4ኪሎ ዝወጽእ ዘሎ ጸብጻባት ከም ዝሕብሮ፣ ብዕዳን ዕንዲዳን ነዉጺ ናይ ኣእምሮ ሸሚሙዎ ዘሎ ብልጽግና፣ ነቲ ካብ ጸበባን ሽግርን ከዉጻኒ'ዩ ዝበሎ ካድር እዮብ ተካልኝ ናብ ሃገረ ቻይና ክቑብዕ ልኢኽዎ'ሎ። ካብ IMF ዝሰኣኖ ዶላር ካብ ቻይና ክረኽቦ ድዩ? እታ እንኮ ተሪፋ ዘላ መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ኣብ ሓራጅ ኣዉሪድካ፣ ኣብ ክሳድካ ኣትያ እትርከብ ተራር ገመድ ንምዉጻእ ዝካየድ ዘሎ ሸለብ ገለብ ይቕጽል።

ኣቡ ጣሃ
ኣስመራ

ጽምዶ 16፥ ጸቢብ ጉጅለ ብልጽግና ኣብ ፈንጠዝያ ኩናት የንገርግር ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ድማ ኣብ ኣሓት ህዝብታት ጎደቦና ዝምድንኡ ኣብ ምድልዳል ተጸሚዱ ይርከብ። ድ...
13/09/2025

ጽምዶ 16፥

ጸቢብ ጉጅለ ብልጽግና ኣብ ፈንጠዝያ ኩናት የንገርግር ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ድማ ኣብ ኣሓት ህዝብታት ጎደቦና ዝምድንኡ ኣብ ምድልዳል ተጸሚዱ ይርከብ። ድርዒ ሰላም ክድልድል፣ ርግኣት ዞባና ክረጋገጽ፣ ህዝብታት ድማ ብሰላም ክነብሩ፣ እንሆ ጽምዶ ሰላም ምስ ምሉእ ብስራታ ደበኽ ትብል። ብስራት ኣብ ጽምዶ 16...

እቲ ሓቂ ኩሉ ይፍለጦ---ናይ መፋነዊ ቃለ ኑዛዜ   ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ብልጽግና ዝኾነ ሜ/ ጀ ተሾመ ገመቹ፣ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ኣመል...
02/09/2025

እቲ ሓቂ ኩሉ ይፍለጦ
---
ናይ መፋነዊ ቃለ ኑዛዜ

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ብልጽግና ዝኾነ ሜ/ ጀ ተሾመ ገመቹ፣ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ኣመልኪቱ፣ ምስ'ታ ብልጽግና ንፕሮፖጋንዳዊ ንጥፈታቱ ዓሊሙ ኣብ ግንቦት 2019 ዝኸፈታ Prime Media ቃለ- ምልልስ ኣካይዱ ኔሩ። እዛ ምስ ሜ/ ጀ ተሾመ ገመቹ ቃለ- ምልልስ ዘካየደት መርበብ ሓበሬታ፣ ሓንቲ ካብ'ተን ጉጅለ ብልጽግና ሓሶታቱ ንምንዛሕ፣ ሸረኻቱ ዘርጊሑለን ዘሎ መርበባት እያ። ብዘይካ Prime Media፣ ብልጽግና BirrMedia፣ Horn Review ዝብላ ካልኦት ጥሩምባታት ሓሶት ዝተፍኣ መርበባት ዘርጊሑ ምህላዉ ምፍላጥ'ዉን ኣገዳሲ'ዩ።

ንሙዃኑ ሜ/ ጀ ተሾመ ገመቹ መን'ዩ?
--
ኣብ 1991 ስርዓት ደርግ ካብ ስልጣን ክቡንቆስ እንከሎ፣ እዚ ሕጂ ብዙሕን ዉሕድን ክዛረብ ዝስማዕ ዘሎ ሜ/ ጀ፣ ካብ ተራ ወተሃደር ዝሓልፍ ሹመት ከይሓዘ'ዩ ዝተማረኸ። ተወላዲ ኦሮሞ ብሙዃኑ፣ ሕብረ ብሄርነት ክረጋገጽ መእታን፣ ድሕሪ 1991 ኣብ ዝተመስረተ ሰራዊት ኢሃዲግ ብደረጃ ሻምበል ዳግም ከም ዝስራዕ ተጌሩ። እዚ ማለት ኣብ'ቲ ኣብ Virginia USA ዝርከብ United States Army Logistics Management College (ALMC) ብኣሜሪካዊያን ዝኣክል ስልጠና ድሕሪ ምቕሳሙ ማለት'ዩ። ድሕሪ'ዚ ኣብ ሰራዊት ኢሃዲግ ኣብ Foreign Training Main Department ከም ሓላፊ ብሙዃን ተሸይሙ። ኣብ 1999 ድማ ዳግም ብኣሜሪካዊያን ናብ ኣሜሪካ ተወሲዱ ኣብ Kansas ዝርከብ CGSC ኮሌጅ ካልእ ስልጠና ከም ዝቐስም ተጌሩ። ኣብ ዓመት ልዕሊ 100,000 ዶላር እንዳተኸፍለ ድማ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝነበረ ዓቃብ ሰላም፣ ከም ወኪል IGAD ኮይኑ ንልዕሊ 3 ዓመታት ሰሪሑ። ኣብ መንጎ'ዚ ሓላፊ ስነዳን ምርምርን ብሙዃን ድሕሪ ምግልጋሉ፣ ምስ ምንቅስቓስ ቄሮ ተጠርጢሩ ካብ ስልጣኑ ከም ዝግለፍ ድማ ኮይኑ። ድሕሪ'ዚ ብደረጃ ብ/ጀ ደጊሙ ናብ ሰራዊት ከም ዝምለስ ተጌሩ፣ ካብ 2018 ድማ ነቲ ንሱ ዝኣምነሉ ምሕደራ ኦሮሙማ ኣብ ምግልጋል ይርከብ። ሜ/ጀ ተሾመ ገመቹ፣ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ታሪኹ፣ 1 ኩናት ርእዩን መሪሑን ዘይፈልጥ፣ ንልዕሊ 25 ዓመታት ብCIA ምሉእ ክፍሊት እንዳተኸፍለ ናይ ኣሜሪካ Passport ሒዙ ዝነብር ሰብ ሙዃኑ መዛግብቲ ይሕብሩ።

እዚ ኣብ ብዙሕ እዋን፣ ገጹ Mask ብምግባር መንነቱ ሸፊኑ ዝንቀሳቐስ ሰብ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ከም ወኪል IGAD ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ብምጥፍፋእ 2 ሚልዮን ዶላት ዝተጠርጠረ ሰብ'ዩ ኔሩ። ኣብ AMISOM ከም ሓለፊ ሰራዊት ኣብ ዝነበረሉ እዋን'ዉን፣ ብህዝቢ ሶማል ብቕትለት ንጹሃት ዜጋታት ዝተኸሰን ኣልሸባብ ዘይተገደበ ናይ ኣጽዋርን ዕጥቅን ስንቅን ቀረብ ንኽረክብ ካብ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሓለፍቲ ምንባሩን ሶማላዊያን ይኸሱ። ድሕሪ 2020 ድማ ኣብ ክልል ትግራይን ኣምሓራን፣ ንጹሃት ዜጋታት ኣብ ምጭፍጫፍ ዝተሓባበር ዘሎን ብፍላይ ድማ ሰራዊት ብልጽግና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ኢሰብኣዊ ገበናት ንኽፍጽም ዲፕሎማሲያዊ ድጋፋት ንምርካብ ካብ ዝሰርሑ መኮነናት ሓደ'ዩ።

ድሕረባይታ ጭንቀት ኣእምሮ መራሕቲ ብልጽግና!
--
እቲ ተዘንትዩ ዘይተዛዘመ፣ ተመዲሩ ዘይነጸፈ፣ ተፋሒሱ ዘይተፈትሐ ጉድን ጎዳጉድን ጉጅለ ብልጽግና፣ ‘‘ቁጠባዊ መዋጥር‘‘ እዩ። ብር ዋግኡ ከም ዝሓስር ብምግብር፣ ኣዋርቕ ክልላት ናብ ቆፎታት ብልጽግና ዉሒዙ። ብቶናት እንዳተመዝነ ናብ ዱባይ ከም ዝዉሕዝ ተጌሩ። መራሕቲ ብልጽግና፣ ዓመታዊ ልዕሊ 4 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወርቂ ኣብ ዱባይ ይሸጡ። ካብ'ዚ 4 ቢልዮን፣ እቲ ልዕሊ 3 ቢልዮን ኣበይ ከም ዝኣቱ ዝፈልጥ የሎን። ሽግር ብልጽግና፣ ‘‘ቁጠባዊ መዋጥር‘‘ እዩ። ሽሕ'ኳ ዕጡቕ ጉጅለ ዳዕመል ሰሪዕ ብቶናት ዝግመት ኣዋርቕ ብኢትዮጲያ ኣቢሉ የዉጽእ እንተሃለወ፣ ካብ ግጭት ሱዳን ዝተረኽበ መኽሰብ ሰደድ ወርቂ'ዉን፣ ንቁጠባዊ መዋጥር ብልጽግና ክፈትሕ ኣይከኣለን ዘሎ።

እቲ ካልእ መፍትሒ ዝተባህለ፣ እቲ Ethio Negari ኣብ ወርሒ መስከረም ዘዉጽኣቶ ጽሑፍ'ዩ። Ethio Negari ኣብ'ታ ሃገር ሰደድ ነዳዲ ክጅምር'ዩ ክትብል ንቀ/ሚ ኣቢ ኣሕመድ ዓሊ ከም ምንጪ ጠቒሳቶ ኔራ። ምስ ትካል Poly-GCL Petroleum Investment Limited ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ቀ/ሚ ካብ መንግስቲ ቻይና ናይ ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ምሕታቱ ዝዝከር ኮይኑ፣ ነዘን 10 ቢልዮን ዶላር ንምርካብ፣ መራሕቲ ብልጽግና POLY Group Corporation ኣብ ክልል ኦጋዴን ምሉእ ናይ ነዳዲ ዳህሳስ ከካይድ ዕድል ምኽፋቱ ይንገር። እንተኾነ ሓለፍቲ POLY Group Corporation፣ ኣብ ክልል ኦጋዴን ዝርከብ ዕቑር hydrocarbon፣ ዝበቅዕ ሙዃኑ'ኳ እንተዘይከሓዱ፣ መጻረዩ ነዳድን ጋዝን ወደብን ከም ዘድሊ ግን ብግልጺ'ዮም ንብልጽግና ሓቢሮም። ብልጽግና ነዚ ንምፍታሕ ምስ ሶማሊላንድ ዘካየዶ ስምምዕ (MoU)፣ እንታይ ከም ዝወለደ'ዉን ዳርጋ ንኹሉ የዋህ ንጹር'ዩ። ብልጽግና ካብ ሰደድ ነዳዲ ዓመታዊ 8 ቢልዮን ዶላር እቶት ክረክብ ሙዃኑ'ዩ ነቶም ኣዉፈርቲ ክሕብር ጸኒሑ። እንተኾነ ኣበይ ይጻረ? በየን ኣቢሉ'ኸ ንወጻኢ ሃገራት ይሰደድ? ዘይተፈትሐ ሕልሚ ብልጽግና'ዩ።

ሽሕ'ኳ ዋዕዋዕ ኣይበሃሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ምስ መንግስቲ ቻይና ብምትሕብባር፣ ምስ ናይ ባሕሬን ትካል Defba Oil Share Company ዝኸተሞ ስምምዕ ኣብ ፍረ ምብጽሑ ካልእ ንመራሕቲ ብልጽግና ሻቕሎት ፈጢሩ ዘሎ ጉዳይ'ዩ። ኣብ ዳፍኒን ባሕርን ክካየድ ዝጸንሐ ዳህሳስ (2D seismic studies) እንታይ ወሊዱ፣ ዝፈልጥ ይፈልጦ። ኤርትራ ዓመታዊ ክሳብ 15 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ነዳዲ ንሰደድ ከተቕርብ ከም እትኽእል'ዩ ዝግመት። ብዘይክ'ዚ፣ ኤርትራን ስዑድን ኣብ ምምዕባል ወደብ ዓሰብ ዝኸተምኦ ስምምዕ፣ ንመራሕቲ ብልጽግናን ኢማራትን ጭንቀት ናይ ኣእምሮ ወሲኹ'ዩ። ስዑዲ፣ ነታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቁጠባዊ ረብሓታታ ንምሕላዉ ህርዲግ ክትብል ዝጸንሐት ኢማራት፣ ጎኒጻ ከም ዘዉጽኣታ ኣይከሓድን።

ከም ኣብነት፣ ንስምምዕ ሰላም 2018 ምፍታሽ ይከኣል'ዩ። ስዑድን ኢማራትን ኣዉሓስቲ ናይ'ቲ ስምምዕ ክኾና ዝመረጻሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ?

“The UAE and KSA’s roles as guarantors of the peace agreement between Ethiopia and Eritrea in 2018 have served as a gateway to strengthening engagements with Eritrea. The UAE has invested an estimated $190 million in transportation and energy projects. The UAE also has a 30-year lease agreement for the use of Assab Port. The port served as a military base in the UAE’s and Gulf state efforts to push back against Houthi advances during the Yemen civil war. Although the UAE has reduced its military operations in Assab since 2021, it remains a focal point of military cooperation with Eritrea. The KSA’s estimated $61-million engagement in Eritrea has been diversified across road, electricity generation, and agricultural projects. Qatar has supported Eritrea through a $230-million national bank loan and road projects…”

ካብ'ዚ ድፍኢት ዝተበገሰት ኢማራት፣ ኣብ ሱዳን ንመሓመድ ደጋሎ፣ ኣብ ሊብያ ንጀነራል ሓፍታር፣ ኣብ ሶማል ድማ ንሶማሊላንድን ፑንትላንድን ኣብ ምድጋፍ ትርከብ። በንጻር'ዚ፣ ስዑዲ ምስ መንግስቲ ሱዳን፣ ኤርትራ፣ ግብጺን ሶማልን ብጥምረት ኣብ ምዕያይ ትርከብ። ብዘይካ'ዚ፣ ካብ ዞባዊ ጽምዶን ሰላምን ኣንደልሂጹ ምስ ኢማራት ብምሽራኽ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምህዋኽ ዝርከብ ስርዓት ብልጽግና፣ ኣብ ዞባዊ ተነጽሎ ተሸሚሙ'ሎ ክበሃል ይከኣል። ሓላፊ ክፍሊ ጸጥታ ሱዳን ጀ/ ኣሕመድ ኢብራሂም ዓሊ ሙፋደል፣ ምስ ፕረዝደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓመድ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፣ ብዛዕባ ወደብ ባሶሶን መዕርፎ ነፈርቲ ፑንትላንድ ኣልዒሉ ተዘራሪቡ'ሎ። ኢማራት ንወደብ ቦሶሶን መዕርፎ ነፈርቲ ፑንትላንድን፣ ቀንዲ መናሃርያ ኩናት ሱዳን ትጥቀመሉ ምህላዋ ይሕበር። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ፣ ዓቃብ ሰላም ግብጺ፣ ስልጠና ዛዚሙ ናብ ሶማል ክኣቱ ከም ዝጀመረ'ዩ ተገሊጹ። ምስ ምዝዛም ግድብ ኣባይ፣ ጭንቀት ሜ/ ጀ ተሾመ ገመቹን ሓለቓታቱን ንጹር'ዩ ዘሎ።

ይቕጽል...
ኣቡ ጣሃ
ኣስመራ

ጽምዶ ህዝብታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘገርም ፍጥነት ንቕድሚት ኣብ ምሕንባብ'ዩ ዝርከብ። ፖለቲካዊ ጽሬት ትግራይ ንቕድሚት ይምርሽ፣ ዑጥቓት ፋኖ ኣብ ቋራን ኣዞዞን (ወፍሪ ሰማእቲ) ብዕዉት ይ...
27/08/2025

ጽምዶ ህዝብታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘገርም ፍጥነት ንቕድሚት ኣብ ምሕንባብ'ዩ ዝርከብ። ፖለቲካዊ ጽሬት ትግራይ ንቕድሚት ይምርሽ፣ ዑጥቓት ፋኖ ኣብ ቋራን ኣዞዞን (ወፍሪ ሰማእቲ) ብዕዉት ይሕንበብ፣ ዕጡቓት ዓፋር ድማ ናብ ኤርትራ ኣብ ምዉሓዝ ይርከቡ። ብልጽግና ኣብ ከቢድ ነዉጺ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ሰራዊት ሰላም ድማ ጽምዶታቱ እንዳሓየለ ይዉርወር። ንምሉእ ትሕዝቶ፣ ጽምዶ 15 ኣብ ቀረባ መዓልታት!!

Address

Asmara

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Center for research and documentation ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Center for research and documentation ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን:

Share

Dedicated Eritreans Center for Research and Documentation

Dedicated Eritreans Center for Research and Documentation is a non-government affiliated, and independent research and documentation center. As members of the DECRD, our ambitions, and aspirations are gargantuan. We aim to give clear image of Eritrea and its environs. We have no political agendas.