Ethiopian News Agency/Tigrigna

Ethiopian News Agency/Tigrigna The Ethiopian News Agency (ENA) is the sole national wire service of Ethiopia.

ናይ ኢትዮጵያ ወናኒት ኣፍ ደገ ባሕሪ ምዃን እቲ ዞባ ብኢንዱስትሪ ክተኣሳሰር ዝገብር እዩኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 24/2019 (ኢዜኣ)፦ ናይ ኢትዮጵያ ወናኒት ኣፍ ደገ ባሕሪ ምዃን እቲ ዞባ ...
04/10/2026

ናይ ኢትዮጵያ ወናኒት ኣፍ ደገ ባሕሪ ምዃን እቲ ዞባ ብኢንዱስትሪ ክተኣሳሰር ዝገብር እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 24/2019 (ኢዜኣ)፦ ናይ ኢትዮጵያ ወናኒት ኣፍ ደገ ባሕሪ ምዃን እቲ ዞባ ብኢንዱስትሪ ክተኣሳሰር ከም ዝገብር በዓል ሞያ ቁጠባ ዘመዴነህ ንጋቱ ገሊፆም።

በዓል ሞያ ቁጠባ ዘመዴነህ ንጋቱ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፤ ኢትዮጵያ ዋላ ኳ ኣብ ዓለም ካልኣይቲ ቅልጡፍ ቁጠባ ዘመዝገበት ሃገር እንተኾነት እቲ ዕብየት ብዘላቕነት ንምቕፃል ፀገም ወደብ ክፍታሕ ከም ዘለዎ ገሊፆም።

እታ ሃገር ዝለዓለ ቁፅሪ ህዝቢ፣ ዓብይ ቁጠባ፣ ሰፊሕ ሃፍትን ሰፊሕ ዕዳጋን ዘለዋ ከም ዝኾነት ብምግላፅ፤ ፀገም ኣፍ ደገ ባሕሪ እንተተፈቲሑ ማእኸል ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪካን ክትከውን ከም ትኽእል እውን ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘጋጠሙ ከም ለበዳ ኮቪድ-19፣ ኵናት ሩስያን ዩክሬንን ከምኡ እውን ቅልውላው ጂኦፖለቲካ ንቁጠባ ዓለም ከም ዝፈተንዎ ብምሕባር፤ ቁጠባ ኢትዮጵያ ምዕባዩን ጠንካራን ፀገማት ዝፃወርን ቁጠባ ምህናፁን ሓበሬታታት ኣይኤምኤፍን ባንኪ ዓለምን ከም ዘረጋግፁ እውን ተዛሪቦም።

ነዚ ዓወት ድማ ምምሕያሽ ሸርፊ ወፃኢ፣ዓውድታት ንኢንቨስተራት ወፃኢ ክፍቲ ምግባርን ሪፎርም ትካላት ዝሓቖፈ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ኢኮኖሚን ዓብይ ኣበርክቶ ከም ዝገበሩ ኣረዲኦም።

ብፍላይ ድማ ብምኽንያት ምምሕያሽ ፖሊሲታት ኣታዊ ንግዲ ወፃኢ ካብ 3.5 ቢልዮን ዶላር ናብ 11 ቢልዮን ዶላር ዝዓበየ እንትኸውን ፤ እዙይ ድማ ብኣጋጣሚ ዘይኮነስ ብትኹረት ብዝተሰርሐ ስራሕ ዝተረኸበ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።

ካብ ቡን ብተወሳኺ ምህርቲ ወርቂ ነቲ ለውጢ ብግንባር ቀዳምነት ከም ዘመሓየሾ እውን ፀሪሖም።

ብሓፈሻ ምምሕያሽ ኣሰራርሓን ፖሊሲታትን ከምኡ እውን ዓይነታት ምህርቲ ንግዲ ወፃኢ ምብዛሕ ንዘላቕነት ቀፃሊ ሃገራዊ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ወሳኒ ከም ዝኾኑ ኣረዲኦም።

ዕዳጋ ካፒታል ምምስራቱ ዜጋታት በቢ መዓልቱ ኣክስዮን ንክዕድጉን ኩባንያታት ካፒታሎም ንከዕብዩን ከም ዘኽኣለ ከምኡ እውን ኣብ ዓውዲታት ቴክኖሎጂ፣ ማኑፋክቸሪንግ፣ ቱሪዝምን ሕርሻን ሃገራዊ ተወዳዳሪነት ዘዕብዩ ስራሕቲ እናተሳለጡ ምዃኖም ገሊፆም።

ፀብፃብ ትካል ንግድን ልምዓትን ሕቡራት መንግስታት (UNCTAD) መሰረት ብምግባር ከም ዝገለፅዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብቀዋሚነት ካብተን ሓሙሽተ ዓበይቲ ተቐበልቲ ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ኣፍሪካ እንትትኸውን እዙይ ድማ ውፅኢት ንኢንቨስትመንት ምቹዋት ዝኾኑ ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ከም ዝኾነ ኣመላኺቶም።

መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ፣ ፕሮጀክትታት ፋብሪካ ማዳበሪያን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ኣብ ቀፃሊ ንቁጠባዊ ዕብየት ዓብይ ኣበርክቶ ዝገብሩ ዓበይቲ ልምዓታት ከም ዝኾኑ እውን ሓቢሮም።

እታ ሃገር ዘለዋ ሰሓባይነት ቁጠባ ዘላቒ ንምግባርን ኢንቨስትመንት ምስሓባ ንምቕፃልን ትካላት ምጥንኻርን ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት ብዝበለፀ ክዝርግሑን ከም ዘለዎም ኣብራህሪሆም።

ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ሓዱሽ ምስረታ መንግስቲ ዝተጀመረ ሪፎርም ኣጠናኺሩ ክቕፅለሎም ከም ዘለዎ ብምግላፅ፤ ሓደሽቲ ኢንሼቲቫት ተግባራዊ ምግባር ከም ዘድሊ እውብ ኣረዲኦም።

ዘይህጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዘረፋን ፃምእ ስልጣንን እምበር ንማሕበረሰብ ዝጠቅም ዋላ ሓንቲ ስራሕ ከምዘይሰርሐ በቲ ህዝቢ ኢሉ እውን ብዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ክፅላእ ገይርዎ እዩ ፡፡ምስዚ ጉጅለ ዝ...
04/10/2026

ዘይህጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዘረፋን ፃምእ ስልጣንን እምበር ንማሕበረሰብ ዝጠቅም ዋላ ሓንቲ ስራሕ ከምዘይሰርሐ በቲ ህዝቢ ኢሉ እውን ብዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ክፅላእ ገይርዎ እዩ ፡፡
ምስዚ ጉጅለ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ምትሕብባር ጥፍኣት እምበር ዘላቒ ረብሓ አይብሉን ፡፡ ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

04/10/2026

04/10/2026

ሚስጥራት ዓወት ሃገራዊ ምኸክር

ዑደተኛታት ወፃኢ ሃገራት ኣብ ባዓል ኢሬቻ ሆራ ሃርሰዴ
04/10/2026

ዑደተኛታት ወፃኢ ሃገራት ኣብ ባዓል ኢሬቻ ሆራ ሃርሰዴ

ሓደ መዓልቲ ተሪፍዎ ኢትዮጲያ ዛጊድ ዝሰርሐቶም ስርሓቲ ዝማዕበለት ሃገር ንምህናፅ ዘኽእሉ መሰረታት ዘንበሩ እዮም ፤  ሃገርና ሓዱሽ መንግስቲ ንምምስራት ፅባሕ መስከረም 25 ቖፀራ ሒዛ ኣላ።...
04/10/2026

ሓደ መዓልቲ ተሪፍዎ

ኢትዮጲያ ዛጊድ ዝሰርሐቶም ስርሓቲ ዝማዕበለት ሃገር ንምህናፅ ዘኽእሉ መሰረታት ዘንበሩ እዮም ፤ ሃገርና ሓዱሽ መንግስቲ ንምምስራት ፅባሕ መስከረም 25 ቖፀራ ሒዛ ኣላ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ዲፕሎማሲያዊ ርክባ ብምጥንኻር፣ መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ብዓወት ብምትግባር፣ ከምኡ እውን ታሪኻዊ ሃገራዊ ዘተ ብምክያድ ብዙሓት ተግባራት ከዊና እያ።

ኮይኑ እውን እቲ ሓዱሽ ምስረታ መንግስቲ ንቃል ኪዳን ህዝቢ ዘሕድስ፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተመዝገቡ ዓወታት ልምዓት ብምምርኳስ ዝተጀመሩ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ብምዝዛም ንኣገልግሎት ዘብቅዕ፣ ከምኡውን ዓለም ለኸ ፅዕንቶን ምስሊን ኢትዮጵያ ብምጥንኻር ንኽቕፅል ዝገብር ከም ዘኾነ ዘማትእ አይብሉን ።

ዓባይ ሀገር፣ ዓብይ ህዝብ ፤ዓብይ ርዕይ

04/10/2026

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምርካብ ነጥብታት ኣጀንዳን ምክረ ሓሳባትን ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፣ መንግሥትታት ፌዴራልን ክልላትን

ብባህላዊ  አልባሳት ዝማዕረገ ባዓል  ሆረ ሀርሰዴ ኢሬቻ ብምስሊ ፦ #ዓብይ ሀገር  #ዓብይ ህዝቢ   #ዓብይ ራእይ
04/10/2026

ብባህላዊ አልባሳት ዝማዕረገ ባዓል ሆረ ሀርሰዴ ኢሬቻ ብምስሊ ፦

#ዓብይ ሀገር #ዓብይ ህዝቢ #ዓብይ ራእይ

"ኢሬቻ ንሃገራዊ ምርድዳእ" እንኳዕ ንበዓል ኢሬቻ ብሰላም ኣብፀሐኩም  #ዓባይሃገር  #ዓብዪህዝቢ  #ዓብዪራኢ
04/10/2026

"ኢሬቻ ንሃገራዊ ምርድዳእ"
እንኳዕ ንበዓል ኢሬቻ ብሰላም ኣብፀሐኩም
#ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

Address

Arada Sub City, Near Semien Hotel
Addis Ababa
1000

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Ethiopian News Agency/Tigrigna posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Ethiopian News Agency/Tigrigna:

Shortcuts

Share