Ethiopian News Agency/Tigrigna

Ethiopian News Agency/Tigrigna The Ethiopian News Agency (ENA) is the sole national wire service of Ethiopia.

እቲ ፖሊሲ ገንዘብ ጠንካራን ስፍሕ ዝበለን ዕቤት እናደገፈ እዩ-ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/ 6/2018(ኢዜኣ) ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ...
16/10/2025

እቲ ፖሊሲ ገንዘብ ጠንካራን ስፍሕ ዝበለን ዕቤት እናደገፈ እዩ-ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/ 6/2018(ኢዜኣ) ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ፖሊሲ ገንዘብ ብሄራዊ ባንኪ ብጥቡቕ ዲሲፕሊን እናተመርሐ ጠንካራን ስፍሕ ዝበለን ዕቤት እናደገፈ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ጎና ጎኒ ዓመታዊ ኣኼባ ባንኪ ዓለምን ትካል ገንዘብ ዓለም(IMF)ን ምስ ዓለም ለኸ ሰብ ሃፍቲ ዘትዮም።

ብግሩፕ ባንኪ ስታንዳርድ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ሰብ ሃፍቲ ካብ ኣውሮፓ፣ኣሜሪካን ኣፍሪካን ዝተውፃእፅኡ ተፈለጥቲ ሰብ ሃፍቲ ዝሓቖፈ ከምዝኾነ ተግሊፁ።

ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ ስራሕቲ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ፣ኩነታት ዕቤትን ዕቑር ዕድላት ኢንቨስትመንትን ዝዳህሰሰ መብራህርሂ ኣቕሪቦም።

ሓፈሻዊ ምርግጋዕ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምቕፃል፣እቲ ፋይናንሻል ሴክተር ንምምዕባልን እምነት ሰብ ሃፍቲ ንምዕባይን ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዘሳልጦም ዘሎ ሰፋሕቲ ፃዕርታት ብምብርህራህ፤ ሓፈሻዊ ኣጀንዳታ ሪፎርም ኢትዮጵያ ነቶም ሰብ ሃፍቲ መብራህርሂ ምሃቦም ተሓቢሩ።

ፖሊሲ ገንዘብ ብሄራዊ ባንኪ ብጥቡቕ ዲስፕሊን ዝምራሕ፣ዝተስተኻኸለ ኣተሓሕዛ ሒሳብ ብምጥቃም ቀስ ብቀስ ዝቕባበ ዋጋ ናብ ነፀላ ኣሃዝ ንምውራድ ዝጠመተ፣ጠንካራን ስፍሕ ዝበለን ዕቤት እናደገፈ ምዃኑ ኣረጋጊፆም።

እቲ ዘተ፤ ኢትዮጵያ ተሳልጦም ዘላ ሰፋሕቲ ኣጀንዳታት ሪፎርም ጭቡጥ ለውጢ ንምምፃእ ዝዓለሙ፣ቆራፅነት ዘረጋግፁን ብመውፃእቲ ፖሊሲ ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኢንቨስትመንት ዕሙቕ ዘተ ንምግባር ወሳኒ መድረኽ ኮይኑ ከምዘገልገለ ተገሊፁ።

ንሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት ዘይቃላዕ ህንፀት ስርዓት ጥዕና ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ-ሚኒስቴር ጥዕናኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ /6/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ንሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት...
16/10/2025

ንሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት ዘይቃላዕ ህንፀት ስርዓት ጥዕና ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ-ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ /6/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ንሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት ዘይቃላዕ ስርዓት ጥዕና ንምህናፅ ምስ መሓዙት ኣካላት ዘለዋ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ትካል ጥዕና ዓለም ብምትሕብባር መንግስቲ ጃፓን ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ሆስፒታላት ደገፍ ዳግማይ ህንፀትን ኣምቡላንስን ገይሩ።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ትካል ጥዕና ዓለምን መንግስቲ ጃፓንን ኣብ ዓውድታት ጥዕና ደገፍ እናገበሩ እዮም ዝርከቡ።

ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ደገፍ ክገብር ከምዝፀንሐ ብምግላፅ፤ እቲ ትካል ምስ መንግስትን መሓዙት ኣካላትን ብምዃን ስርዓት ጥዕና ንምጥንኻር ንዘበርከቶ ኣስተዋጽኦ ኣመስጊኖም።
ኢትዮጵያን ጃፓንን ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ብምትሕብባር እናሰርሓ ከምዝኾና ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፤ ጃፓን ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘለዋ ኣስተዋጽኦ ዝለዓለ እዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ንሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት ዘይቃላዕ ስርዓት ጥዕና ንምህናፅ ምስ መሓዙት ኣካላት ዘለዋ ምትሕብባር ብዝበለፀ ከምተጠናኽር እውን ተዛሪቦም።

ተወካሊ ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ፣ሕብረት ኣፍሪካን ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ፕሮፌሰር ፍራንሲስ ቺሳካ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዓውዲ ጥዕና መሰረት ዝገበሩ ስራሕቲ ምትሕብባር ስርዓት ጥዕና ንምህናፅ ዝሕግዙ እዮም።

ኣብ ኤምባሲ ጃፓን ካልኣይ ተፀዋዒ እቲ ሚሲዮን ኔት ሱ ሸንታሮ ብግደኦም፤ ጃፓን ምስ ኢትዮጵያ ኩለ መዳያዊ ምትሕብባር ከምዘለዋን ትምህርቲ፣ጥዕናን ግብርናን ብምትሕብባር ካብ ዝስረሐሎም ዓውድታት ምዃኖምን ኣረዲኦም።

ምትሕብባር እተን ሃገራት ብዝበለፀ ንምስፋሕን ንምጥንኻርን ከምዝሰርሑ እውን ተዛሪቦም።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ብግደኦም፤ ኣብቲ ክልል ዘለዉ ሰለስተ ቀዳማይ ብርኪ ሆስፒታላት ሕክምና ኣዴታትን ህፃናትን ምሃብ ዘኽእል ዳግማይ ህንፀት ከምዝተገበረሎም ገሊፆም።

ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ኣብ ውፅኢት ተምሃሮ ምምሕያሻት እናተርኣዩ እዮም-ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ጋምቤላ/ጥቅምቲ /6/2018(ኢዜኣ) ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ኣብ ዝሓለ...
16/10/2025

ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ኣብ ውፅኢት ተምሃሮ ምምሕያሻት እናተርኣዩ እዮም-ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ

ጋምቤላ/ጥቅምቲ /6/2018(ኢዜኣ) ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ኣብ ውፅኢት ተምሃሮ ምምሕያሻት እናተርኣዩ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ገሊፆም።

"ፍትሓዊነትን ፅሬትን ትምህርቲ ንህንፀት ወለዶ"ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መበል 14 ክልላዊ ጉባኤ ትምህርቲ ኣብ ከተማ ጋምቤላ ይሳለጥ ኣሎ።

ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ዕቤትን ስልጣነን ሃገር ጋህዲ ዝኸውን ብስነ ምግባርን ክእለትን ዝተሃነፀ ወለዶ ምፍራይ እንትከኣል እዩ።

ዘላቒ ልምዓትን ዕቤትን ንክረጋገፅ ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ተበፃሒ ብምግባር ብባዕሉ ዝተኣማምን ዜጋ ምህናፅ ከምዘድሊ እውን ሓቢሮም።

ስለዝኾነ እውን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ፅሬትን ፍትሓዊነትን ትምህርቲ ንምርግጋፅ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ብፍላይ ድማ ኣብ ውፅኢት ተምሃሮ ምምሕያሽ እናተርኣየ እዩ ኢሎም።

ኣብ ክልል ጋምቤላ እውን ኣብ ውፅኢት ተምሃሮ ለውጢ ምህላዉ ብምሕባር፤ እቲ ዝተርኣየ ለውጢ ብዝበለፀ ንምጥንኻር እቲ ኣመራርሓ ብዝለዓለ ቆራፅነት ንክሰርሕ ኣገንዚቦም።

ንዕዉትነት ኣብቲ ክልል ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ እቲ ሚኒስቴር ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ እውን ኣረዲኦም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ዓለሚቱ ኡሞድ ብግደአን፤ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ኣብ ሽፋን ትምህርቲ ዝሓሸ ዓወት ተመዝጊቡ እዩ ኢለን።

ፅሬት ትምህርቲ ኣብ ምርግጋፅ ግና ክፍተታት ምህላዎም ሓቢረን።

ስለዝኾነ እውን ኣብቲ ክልል ኣብ ሽፋን ትምህርቲ ዝተመዝገበ ውፅኢት ብፅሬት ንምድጋም ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብዘሳተፈ መልክዑ ጠንኪርካ ምስራሕ ከምዝግባእ ተዛሪበን።

ኣብቲ ንክልተ መዓልትታት ዝፀንሕ ጉባኤ ኣፈፃፅማ ዘበነ ትምህርቲ 2017 እቲ ክልል ብምግምጋም ኣብ ኣንፈታት ትኹረት ዘበነ ትምህርቲ 2018 ዘተ ከምዝግበር ዝገለፁ ድማ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ኡኩኝ ኦኬሎ እዮም።

ካናዳ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ክትቕፅለሉ እያ-ኣምባሳደር ካናዳ ኒኮላስ ሲማርድ ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/ 6/2018 (ኢዜኣ) ካናዳ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፋለዩ ዓውድ...
16/10/2025

ካናዳ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ክትቕፅለሉ እያ-ኣምባሳደር ካናዳ ኒኮላስ ሲማርድ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/ 6/2018 (ኢዜኣ) ካናዳ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፋለዩ ዓውድታት ዘለዋ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ብምስፋሕ ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ዝተሾሙ ኣምባሳደር ካናዳ ኒኮላስ ሲማርድ ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ 4 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ደብዳበ ሹመት ሓደሽቲ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ምቕባሎም ዝዝከር እዩ።

ደብዳበ ሹመቶም ካብ ዘቕረቡ ኣምባሳደር ካናዳ ኒኮላስ ሲማርድ ይርከብዎም።

ኣምባሳደር ኒኮላስ ሲማርድ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያን ካናዳን ነዊሕ ዘበን ዘቑፀረ ጠንካራ ዲፕሎማሲያዊ፣ኢኮኖሚያውን ህዝብ ንህዝብን ርክብ ዘለወን ሃገራት እየን።

ርክብ ክልቲአን ሃገራት ካብ እዋን ናብ እዋን እናሰፍሐን እናዓበየን ምምፅኡ ብምግላፅ፤ ካናዳ ንኢትዮጵያ ካብቶም ዋና ዋና መሓዙት ልምዓት እታ ሓንቲ እያ ኢሎም።

ካናዳ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኤሮስፔስ፣መዓድን፣ትምህርትን ካልኦት ዓውድታትን ዘለዋ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ እውን ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ እውን ኢትዮጵያን ካናዳን ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋዕን ንምርግጋፅ ተቐራሪበን እናሰርሓ ምዃነን ብምሕባር፤ እዚ ድማ ኣጠናኺረን ከምዝቕፅላሉ ኣረጋጊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ክልቲአን ሃገራት ምሕዝነተን ኣጠናኺረን ከምዝቕፅላሉ ኣረዲኦም።

ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንኢንቨስትመንትን ንግድን ምችው ምህዳር ፈጢሩ እዩኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ /6/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዝገበረቶ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢ...
16/10/2025

ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንኢንቨስትመንትን ንግድን ምችው ምህዳር ፈጢሩ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ /6/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዝገበረቶ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ንኢንቨስትመንትን ንግድን ዝበለፀ ምችው ምህዳር ከምዝፈጠረ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ዓለሙ ስሜ (ዶ/ር) ገሊፆም።

መርሃ ግብሪ መኽፈቲ መበል 5ይ ጉባኤን ዓውደ ርእይን ልምዓት ንግዲ ፓኪስታን-ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ሚሊኒየም ተኻይዱ።

ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ዓለሙ ስሜ (ዶ/ር) ኣብቲ መርሃ ግብሪ መኽፈቲ፤ ኢትዮጵያ መእተዊት በሪ ኣፍሪካ ምዃና ብምግላፅ ኣብታ ሃገር ምችው ምህዳር ኢንቨስትመንትን ንግድን ከምዘሎ ሓቢሮም።

መንግሥቲ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምዕባይ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጦም።

ብተወሳኺ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ሰፋሕቲ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ምህላዎም ብምሕባር፤ ኣብ ግብርና፣ መፍረያይ ኢንዱስትርን ካልኦት ዓውድታትን ሰፊሕ ዓቕሚ ከምዘሎ ፀሪሖም።

ንኢትዮጵያ ጠንካራ ማእኸል ንግዲ ንምግባር ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑን ዕቤት ልምዓት ኢኮኖሚኣ ዘቐፅሉ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት እናሃነፀት ምዃናን ተዛሪቦም።

ካብዚኣቶም ድማ ምዝዛም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ፣ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ዝሳለጡ ስራሕቲ ዘለዉ ግብርና፣ተበግሶ ሓምለዋይ ኣሰር፣ፕሮጀክትታት ጋዝ ተፈጥሮ፣ህንፀት ፋብሪካ ማዳበሪያ ይርከብዎም ኢሎም።

እቲ ትግበራ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ካብ ፓኪስታን ሓዊሱ ካብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ብርክት ዝበሉ ሰብ ሃፍቲ ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ ኢንቨስት ንክገብሩ ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ እውን ኣረዲኦም።

ኣምባሳደር ፓኪስታን ኣብ ኢትዮጵያ አቲፍ ሸሪፍ ብግደኦም፤ እቲ ጉባኤ ልምዓት ንግዲ ኣብ መንጎ ፓኪስታንን ሃገራት ኣፍሪካን ዘሎ ምሕዝነት ኢኮኖሚ ብዝበለፀ ዘጠናኽር እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ጉባኤን ዝተዳለወ ዓውደ ርእይን ልዕሊ 150 ኩባንያታት ፓኪስታን ከምዝተሳተፉ ብምግላፅ፤ ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ንተኸታተልቲ መዓልትታት ዝሳለጥ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ  ዞባ ደቡብ ወሎ ፉሉይ ወረዳ አርጎባ ንምህርቲ ዝባፀሓ ዝርኣት መሸላካብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፅ ምኸትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩናህ ዝተወሰደ
16/10/2025

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ፉሉይ ወረዳ አርጎባ ንምህርቲ ዝባፀሓ ዝርኣት መሸላ
ካብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፅ ምኸትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩናህ ዝተወሰደ

ኣብ ኢትዮጵያ ሞያ ጋዜጠኝነት ብሄራዊ ረብሓ፣ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት፣ሓባራዊ ተረኽን ብልፅግና ሃገርን ማእኸል ክገብር ኣለዎ-ሚኒስትር ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረትኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/ ...
16/10/2025

ኣብ ኢትዮጵያ ሞያ ጋዜጠኝነት ብሄራዊ ረብሓ፣ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት፣ሓባራዊ ተረኽን ብልፅግና ሃገርን ማእኸል ክገብር ኣለዎ-ሚኒስትር ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/ 6/2018(ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ሞያ ጋዜጠኝነት ብሄራዊ ረብሓ፣ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት፣ሓባራዊ ተረኽን ብልፅግና ሃገርን ማእኸል ብዝገበረ መልክዑ ተግባራዊ ምግባር ከምዝግባእ ሚኒስትር ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስትር ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ገሊፆም።

መርሃ ግብሪ መጀመሪ ማእኸል ልህቀት ሚድያ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣብ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ ኣዲኣ ኣበባ ተሳሊጡ።

እቲ ማእኸል ልህቀት ምስ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብምትሕብባር ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምኽባር ኣብ ስነ ምግባር፣ሕግታትን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ጋዜጠኝነት ስልጠና ከምዝህብ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስትር ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ኣብዚ እዋን ከምዝበል፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጋዜጠኝነት ንኢትዮጵያ ክመስል ኣለዎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ውልቃውን ህዝባውን ወይ ድማ ሃይማኖታዊ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ኣርባዕተ ጉዳያት ኣፈላላይ ክህልዎም ኣይግባእን ኢሎም።

ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ምሕላው ኣብ ዝኾነ መራኸቢ ሓፋሽ ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ክርስዖ ዘይግባእ ጉዳይ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

መራኸብቲ ሓፋሽ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ዘጠናኽሩ፣ምትሕብባርን ሓድነትን ህዝቢ ዘርእዩ ክኾኑ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

ሓባራዊ ተረኽ ምህናፅን ኢትዮጵያ ክትብልፅግ ኣለዋ ዝብል ኣተሓሳስባ ብልፅግናን ኣብ ግምት ብምእታው ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣረዲኦም።

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሳምሶን መኮንን (ዶ/ር) ብግደኦም፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ኩለ መድያዊ ዕቤት ሃገርን ብሄራዊ ረብሓን ዘይትካእ እጃም ኣለዎም ኢሎም።

እቲ ማእኸል ልህቀት ብሄራዊ ረብሓ ማእኸል ዝገበረ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኝነትን ጠንካራ ጋዜጠኛን ንምፍራይ ከምዝሕግዝ እውን ተዛሪቦም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ሚኒስትር ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስትር ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረትን ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎን ሓዊሱ ብመዓርግ ሚኒስትር ሓላፊት ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ እናታለም መለሰ፣ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)፣ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሳምሶን መኮንን (ዶ/ር)፣ተጠባባቒ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሳሙኤል ክፍሌ (ዶ/ር)፣ሓለፍቲ ትካላት ሚድያን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

መራኸብቲ ሓፋሽ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ናይ ምኽባር ልኡኽቶኦም ብኣግባቡ ክዋፅኡ ይግባእ-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ /6/2018(ኢዜኣ) መራኸብቲ ሓፋሽ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ናይ...
16/10/2025

መራኸብቲ ሓፋሽ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ናይ ምኽባር ልኡኽቶኦም ብኣግባቡ ክዋፅኡ ይግባእ-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ /6/2018(ኢዜኣ) መራኸብቲ ሓፋሽ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ናይ ምኽባር ልኡኽቶኦም ብኣግባቡ ክዋፅኡ ከምዘለዎም ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።

መርሃ ግብሪ መጀመሪ ማእኸል ልህቀት ሚድያ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣብ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ ኣዲኣ ኣበባ ተሳሊጡ።

እቲ ማእኸል ልህቀት ምስ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብምትሕብባር ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምኽባር ኣብ ስነ ምግባር፣ሕግታትን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ጋዜጠኝነት ስልጠና ከምዝህብ ተገሊፁ።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ትኩስን እዋናውን ሓበሬታታት ብምቕራብ ኣብ ህንፀት ሰላምን ለውጢ ኣመለኻኽታ ሕብረተሰብን ዘይትካእ እጃም ኣለዎም።

መንግሥቲ ሕግታትን ኣሰራርሓታትን ብምምሕያሽ መራኸብቲ ሓፋሽ ብዓይነትን ቁፅርን ምስፋሕ ከምዝኸኣለ እውን ሓቢሮም።

መራኸብቲ ሓፋሽ ዕቤትን ብልፅግናን ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃሞም እናተዋፅኡ ከምዝኾኑ ፀሪሖም።

ምስፍሕፋሕ ዲጂታል ጋዜጠኝነት በረኸት ሒዙ ምምፅኡ ዝገለፁ እቶም ኣፈ ጉባኤ፤ ይኹን እምበር ስነ ምግባር ጋዜጠኝነት ዝጠሓሱ ኣካላት ግቡእ ዘይኮነ ትሕዝቶ ኣብ ምዝርጋሕ ከምዝርከቡ ኣረዲኦም።

ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ድማ ዝተዛብዐ ሓበሬታን ፅልእን ብምዝርጋሕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጉድኣት ከብፅሕ ይኽእል እዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ እውን መራኸብቲ ሓፋሽ ሙያዊ ስነ ምግባር ብዝሓለወ መልክዑ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ናይ ምኽባር ልኡኽቶኦም ብኣግባቡ ክዋፅኡ ከምዘለዎም ተዛሪቦም።

እቲ ማእኸል ልህቀት ሚድያ እውን ስነ ምግባር ሞያ ጋዜጠኝነት ብምምሕያሽ ንኢትዮጵያ ማእኸል ዝገበረ ስርዓት ሚድያ ንምፍጣር ከምዝሕግዝ ሓቢሮም።

ንድሌት ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ግምት ዘእተወ ዘላቒ ማዕቐፍ ምምሕዳር ዕዳ ምዝርጋሕ ይግባእኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ /6/2018 (ኢዜኣ) ንድሌት ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ግምት ...
16/10/2025

ንድሌት ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ግምት ዘእተወ ዘላቒ ማዕቐፍ ምምሕዳር ዕዳ ምዝርጋሕ ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ /6/2018 (ኢዜኣ) ንድሌት ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ግምት ዘእተወ ፍትሓዊ፣ግልፅን ጠለብ ልምዓት ኣብ ግምት ዘእተወን ዘላቒ ማዕቐፍ ምምሕዳር ዕዳ ክዝርጋሕ ከምዝግባእ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።

ዓመታዊ ኣኼባ ባንኪ ዓለምን ትካል ገንዘብ ዓለም(IMF)ን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።

ብሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓመታዊ ኣኼባ እናተሳተፈ እዩ።

ጎና ጎኒ እቲ ዓመታዊ ኣኼባ እውን ዩኒቨርሲቲ ፕሪኒስተን ዘዳለዎ መበል 8ይ ኮንፈረንስ ምርምርን መፅናዕትን ዕዳ ኩነታት ተመራፂ ልቓሕ ተኻይዱ።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ማዕቐፋት ምምሕዳር ዕዳ ዓለም ብዝበለፀ ግልፅነትን ፍትሓውነትን ክህልዎም ይግባእ።

ተለቃሕቲ ካብ ኣለቃሕቲ ኣብ ዝረኽብዎ ተመራፂ ኩነታት ኣከፋፍላ ዕዳ ግልፂ ረቛሒ ብዘይምቕማጡ ናይ ቀረባ እዋን ድርድራት ዕዳ ክዘናግዑ ከምዝገበረን ፀገማት ምእማት ዘለውዎ ከምዝኾነን ኣረዲኦም።

ብኣንፃር ተለቃሒት ሃገር እንትረአ ድማ ርግፀኛ ምዃን ስለዘይከኣል ዝግበሩ ድርድራት ብዝበለፀ ከምዘተሓላልኾ ብምግላፅ፤ ቀረብ ውሕስና ገንዘብ ከምዘዘንግዕ፣ኣብ መወዳእታ እውን ሸኽሚ እቲ ዕዳ ብዘይተመጣጠነ ኩነታት ኣብ ልዕሊ እታ ተለቃሒት ሃገር ብምፅዓን ናብ ክልቲኣዊ ኣለቃሕቲ ንክዘዋወር ከምዝገብር እውን ተዛሪቦም።

እቲ ተመራፂ ኩነታት ልቓሕ ብግልፂ ብዝፍለጡን ዓለም ለኻዊ መለክዕታት ብዝተቐመጥሉን ኩነታት ዝካየዱ እንተኾይኖም ቅልጡፍ ስምምዓት ብምግባር ኣብ መንጎ መዳርግቲ ኣካላት ምትእምማን ከምዘምፅእ ምግላፆም ሚኒስቴር ገንዘብ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣመላኺቱ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ሙሩፅ ዘላቒ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ልምዓት ደኒ ብዝብል ካብ ውድብ ምግብን ሕርሻን ዓለም(ፋኦ) ኣፍልጦ ተዋሂብዋኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ /5/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ...
16/10/2025

ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ሙሩፅ ዘላቒ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ልምዓት ደኒ ብዝብል ካብ ውድብ ምግብን ሕርሻን ዓለም(ፋኦ) ኣፍልጦ ተዋሂብዋ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ /5/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ሙሩፅ ዘላቒ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ልምዓት ደኒ ብዝብል ካብ ውድብ ምግብን ሕርሻን ዓለም(ፋኦ) ኣፍልጦ ተዋሂብዋ።

ኢትዮጵያ እቲ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዝረኸበቶ ኣብ ጣልያን ሮም እናተሳለጠ ኣብ ዘሎ ጉባኤ ምግቢ ዓለም እዩ።

እቲ ጉባኤ ኣካል መዓልቲ ምስረታ ፋኦ እንትኸውን፤ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ሃገራት ተሳቲፈን።

እቲ ውድብ ንኢትዮጵያ“ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዘላቒ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ልምዓት ደኒ”ብዝብል ዘፈር ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዝሃበ እንትኸውን፤ ሚኒስትር ቱሪዝም ፌዴሪኢ ሰላማዊት ካሳ ንመንግሥቲ ኢትዮጵያ ወኪለን እቲ ሽልማት ተቐቢለን።

ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ኣብዚ እዋን፤ ፋኦ ጥሜት ንምጥፋእ፣ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቕናስን ሓለዋ ከባቢ ንምጥንኻርን ንዝሓለፉ 80 ዓመታት ልዑል ኣሰር ከምዘዕረፈ ሓቢረን።

ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሎሚ መዓልቲ ብመርኣያነት ሙሩፅ ዘላቒ ልምዓትን ሓለዋን ደኒ ኣፍልጦ ብምርካቡ ኮሪዕና ኢና ኢለን።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ብብዙሕ ቢልዮናት ዝቑፀሩ ፈልስታት ብምትካል ሽፋን ደኒ ካብ 17 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ናብ 23 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ምዕባይ ከምዝተኽኣለ እውን ተዛሪበን።

እዚ ድማ ብግልፂ ራኢ መራሕን ጠንካራ ተሳትፎ ህዝብን ዝተረኸበን ተስፋና ዘለምለመን ዓወት እዩ ዝበላ እተን ሚኒስትር፤ እዚ ጭቡጥ ስራሕ ናብ ኢትዮጵያ መፂኦም ንክጉብንይዎን ብዓይኖም ሪኦም ንክምስክሩን እውን ዓዲመን።

ፋኦ ቅድሚ ሕዚ ብልዑል ኣፈፃፅማ ውሕስና ምግቢ፣ ቀረብ ዝተመጣጠነ ምግብን ፍርያት ስርናይን ንዘርኣይዎ ቆራፅነት ክቡር ሜዳሊያ አግሪኮላ ፋኦ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምሽላሙ ዝዝከር እዩ።

ውድብ ምግብን ሕርሻን ዓለም ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ስራሕቲ ዝሓለፉ ዓመታት እቲ ትካል ብዝድህስሱ ከምኡ እውን ቀፃሊ ራእዩ ብዝገልፁ ምድላዋት መበል 80 ዓመት ምስረትኡ እናኽበረ እዩ ዝርከብ።

ባንኪ ዓለም ንሪፎርምን ስራሕ ልምዓትን ኢትዮጵያ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ክቐፅለሉ እዩ  -ፕሬዚዳንት  ባንኪ ዓለም ኣጃይ ባንጋ ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ /5/2018 (ኢዜኣ) ባንኪ ዓለም ንሪፎር...
16/10/2025

ባንኪ ዓለም ንሪፎርምን ስራሕ ልምዓትን ኢትዮጵያ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ክቐፅለሉ እዩ -ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ኣጃይ ባንጋ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ /5/2018 (ኢዜኣ) ባንኪ ዓለም ንሪፎርምን ስራሕ ልምዓትን ኢትዮጵያ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ኣጃይ ባንጋ ኣፍሊጦም ።

ዓመታዊ ኣኼባ ባንኪ ዓለምን ትካል ገንዘብ ዓለም (IMF)ን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።

ብሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሽዴ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ ዓመታዊ ኣኼባ እናተሳተፈ እዩ ዝርከብ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)፣ላዕለዋይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ተክለወልድ ኣጥናፉን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዝን ዝሓቖፈ እዩ።

እቲ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ኣጃይ ባንጋ ዘትዩ።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሽዴ፤ ባንኪ ዓለም ንልምዓት ኢትዮጵያ ዝገበሮ ኩለመዳያዊ ደገፍ ንኢዶም።

እቲ ባንኪ ንቁልፊ ዓውድታት ኢኮኖሚ ዘለዎ ሓፈሻዊ ማዕቐፍ ፋይናንስ ልዕሊ 16 ቢሊዮን ዶላር ከምዝበፅሐ እውን ሓቢሮም።

እቶም ሚኒስትር፤ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም መብራህርሂ ዝሃቡ እንትኸውን ጠንካራ ዕቤት ኢኮኖሚ፣ዕቤት ንግዲ ወፃእን ሬሚታንስን፣ዕቤት ሸርፊ ወፃእን ምቕናስ ዝቕባበ ዋጋን በቲ ሪፎርም ካብ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።

ቁልፊ ዓውድታት ትኹረት ልምዓት መንግሥቲ ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ ዘተ ኣብራህሪሆም።

ምቅልጣፍ ትራንስፎርሜሽን ግብርና፣ዕቤት ኢንቨስትመንት ሓይሊ ሰብ፣ምትእኽኻብ ሃፍቲ ፋይናንስ ውልቀ፣ኣማራፅታት መፍትሕታት ፋይናንስ ምእላሽ ከምኡ እውን ዞባውን በዓል ብዙሕ ወገንን ምትሕብባር ምጥንኻር ሚኒስትር ኣሕመድ ሽዴ ካብ ዘልዐልዎም ኣጀንዳታት ትኹረት እዮም።

ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም አጃይ ባንጋ፤ ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተሳልጦም ዘላ ጠንካራን ታሪኻውን ሪፎርም ኢኮኖሚ ንኢዶም።

ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ብምንኣድ፤ እቲ ከይዲ ማሕበራዊ ምትእስሳር ብምጥንኻር ኢትዮጵያ ዓቕማ ተጠቒማ ኩለ መዳያውን ዘላቕን ዕቤት ንክተመዝግብ ዘኽእል ቁልፊ ስጉምቲ እዩ ኢሎም።

ባንኪ ዓለም ጉዕዞ ልምዓት፣ኣጀንዳ ሪፎርምን ዓውድታት ትኹረት ልምዓትን ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ቆራፅ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ከይዲ እቲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘላቒ ዝኾነ ውፅኢት ልምዓት ንከምፅእ ደገፍ ከምዝገብር ምግላፆም ሚኒስቴር ገንዘብ ንኢዜኣ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት።

16/10/2025

ውድብ ሕርሻ ምግቢ ዓለም (ፋኦ) "ንኢትዮጵያ ዘላቒ ኣጠቓቐማን ኣታሕዛን ልምዓት ደኒ" ብዝብል ዘፈር ንኢኒሼቲቭ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ሂቡ
https://web.facebook.com/share/v/1CEH4dULkV/

Address

Arada Sub City, Near Semien Hotel
Addis Ababa
1000

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Ethiopian News Agency/Tigrigna posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Ethiopian News Agency/Tigrigna:

Share