 
                                                                                                    06/08/2025
                                            «እንኳዕ ናብ ጾመ ፍልሰታ ብደሓን ብሰላም ኣብፀሓና አብፅሐኩም» ። ካብ ፅባሕ ሓሙስ ዕለት 1 ነሓሰ -15 ነሓሰ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ክልተ ሰሙን (ሱባኤ) ዘሎ መዓልታት ጾም እንጸሞሉ ዕለታት እዩ ብሓቂ ። ጾመ ፍልሰታ ማለት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕረፍታን ፣ ትንሣኤኣን ፣ ዕርገታን እንዝክረሉ ግዜ እዩ ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜያት ሞታን ትንሣኤኣን ንሓዋርያት ዝገለጸትሉ ምስጢር ካብ ሓደ መዓልቲ ነሓሰ ክሳብ 15 ነሓሰ ዘሎ መዓልቲታት ምእመናን ብጾምን ብጸሎትን ተወሲኖም ናይ ወዳ ምሕረት ናታ ኣመላድነት ይምሕፀኑ ይልምኑ እዮም  ። ናይቲ ሱባኤ ግዜ ምስ ተፈጸመ «ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብሓቂ ተንሢኣ ኢያ» ኢሎም ብሓጎስ ነቲ ናይ ጾም ግዜ ይውድእዎ ። ሞታ ኣዝዩ ዘደንቕ ምዃኑ ቅዱስ ያሬድ ብዝማሬኡ ከምዚ ይብለና «ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ ሞታ ለማርያም የአጽብ ለኲሉ» ሞት  ንኹሉ ሰብ ዝግብኦ እዩ ናይ ማርያም ሞት ግና ኣዝዩ ዘደንቕ እዩ ክብል ገሊጽዎ  እዩ ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብዚ ምድሪ ምስ ስድራ ቤታ ዝነበረትሉ ሠለስተ ዓመት ፣ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ኣብ ቤት መቕደስ ፣ ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን ንጐይታ ካብ ትጠንሶ ጀሚራ  ሠላሳን ሠለስተን ዓመትን ሠለስተ ወርሕን  ምስ ፍቁር ወዳ ተቐመጠት ፣ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ድማ ኣብ ቤት ዮሐንስ ወንጌላዊ ድሕሪ ምንባራ ኣብ ስሳን ኣርባዕተን (64) ዓመታ ብዕለት 21 ጥሪ ኣብ ከባቢ 49 ዓመተ  ምሕረት ብኽብሪ ዓሪፋ ኢያ ። ኣብ ነሓሰ ዕለት 16 ዓርቢ መዓልቲ 2017 ዓ.ም ይውዕል ። ፍልሰታ ማለት  ፈለሰ ካብ ዝብል ናይ ግዕዝ ግሲ ዝተረኽበ ኮይኑ ብናይ ሊቃውንት ትርጉም ሙማት ፣ ምፍላይ ፣ ምዕራግ ፣ ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ ፣ ካብ መቓብር ምትንሣእ ፣ ናብ ላዕሊ ምውጻእ ማለት እዩ ። አበው ደጊሞም ነዚ ክገልጽዎን ከጉልሕዎን ከለዉ ጉዳዩ ዝምልከታ ምስ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ትንሣኤን ዕርገትን ኣተሓሒዞም ብምምስጣር ፍልሰታ ማለት ንናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ካብ ጌቴስማኒ ናብ ገነት ምትንሥኡ ወይ እውን ምልዓሉ ንምምልካት ዝንገር ቃል እዩ ይብሉ አቦታትና ።
 💥 ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብሕይወተ ሥጋ እንከላ ኩሉ ግዜ ብዘይ ምቁራጽ ናብ ጎልጎታ እናኸደት ኣብ መቓብር ወዳ ኮይና ጸሎት ትገብር ከም ዝነበረት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ናይ ቤተ ክርስቲያና ታሪኽ የረድኡ ይነግሩ እዮም ። ክፍኣት ንምፍሓስ ዘይዓርፉ ኣይሁድ ሕማቕ ቅንኢ ሓዲርዎም ንዓኣ ንምቅዋም ኩሉ ግዜ ብዙሕ ይጽዕሩ ነበሩ ። ረዲኤት ወዳ ስለ ዝሰወራ ግና ምንም ክሳኻዓሎም ኣይከኣለን እዩ ። ከም ልማዳ ጸሎት ንምብጻሕ ክትመጽእ ከላ ርእዮም ንሓዛ ሎሚ ኢና ዝረኸብናያ ክብሉ ምስ ቀረበቶም ዓይነ ሕልናኦም ይትሓዝ እሞ ምርኣይ ይስእንዋ ። ከምዚ ኢላ ብጸሎት ትነብር ነበረት ። ንዓለም ኵሉ ዝኸውን ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን ካብ ፍቑር ወዳ ዝተቐበለት ኣብዚ እትጽልየሉ ዝነበረት ቦታ እንከላ እዩ ። ኣብዚ ጾመ ፍልሰታ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዕረፍታን ትንሣኤን ዕርገታን ዝሕሰበሉ እዋን እዩ ጾመ ፍልሰታ ። ኣብዚ እዋን ናይ ምእመናን ካብ ከባቢኦም ርሕቅ ኢሎም ኣብ ዝተፈላለየ ገዳማት ብምዃድ ወይ ድማ ኣብ ከባቢኦም ዝረከብ ቤተ ክርስቲያን ተኣኪቦም ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ንሓዋርያት ተገሊጻ ሞታን ትንሣኤን ዝትገለጸትሉ ይዝክሩ እዮም ። ኣብዚ እዋን ብጾምን ብጸሎትን ተወሲኖም ናይ ወዳ ለውሃት ናይ ድንግል ማርያም ኣመላድነት ይምሕፀኑ ። ኩሉውን ከም ዝግበረሎም ይኣምኑ ። ኣብ ናይ መወዳኣታ ሱባኤ ከዓ ብሓቂ ተንሢኣ ። ኢሎም ብደስታን ብሓጎስን ጾመ ፍልሰታ ካብቲ ግዜ`ቲ ጀሚሩ ሓዋርያዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያና ሥርዓት ሠሪዓ ካብተን ሸውዓተ ኣጽዋማት ከም ሓደ ገይራ ነዚ ዓቢይ ናይ በረኸትን ምስጢርን መግለጺ ዝኾነ ጾመ ፍልሰታ ትጸውም ። ብፅኑዕ  ንዝደልይዎ ዝወሃብን ንዝግብኦም’ውን ኣኺሉ ተሪፉ ዝወሃብ ጸጋን በረኸትን እግዚኣብሔር ንምርካብን ሓዋርያት ንዝረኣይዎ ዘደንቕ ምስጢር ትንሣኤን ዕርገትን ኣዴና ንምርኣይን ካብ ሓዋርያት በረኸት ረድኤት ንምስታፍን ጐይታና “ደቂቅየ” ደቀይ ይብሎም ብዝነበሩ ሓዋርያት ኣብነት ሕጻናትን መንእሰያትን ኣወዳትን ኣዋልድን ከምኡ’ውን ኣረጋውያንን ናይ ጾም ፍልሰታ ምምጻእ ብናፍቖት እናተጸበዩ ብብዓመቱ  ብጾምን ብጸሎትን የሕልፍዎ እዮም ። ኣብዚ እዋን እዚ መዘከርታ ትንሣኤን ዕርገትን ኣዴና ድንግል ማርያም ጾም ፍልሰታ ብዙሓት ካብ ቤቶም ተፈልዮም ብሱባኤ ተወሲኖም ዓራትን መንጸፍን ገዲፎም ኣብ መሬት ደቂሶም ጥረምረን ማይን  እናተጠዓሙ ብጾምን ብጸሎትን ብምትጋህ  ብዓቢይ ተጋድሎ ክጸምዎ ይቕንዩ እዮም ።
 💥 ታሪኹ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ክንርኦ ከለና ቅዱሳን ሓዋርያት ንትንሣኤኺ ቅዱስ ቶማስ ርእዩ ንሕና ንምንታይ ይተርፈና ኢሎም ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ኣተዉ ። ኣብ መበል 15 መዓልቲ ክልተ ሱባኤ ድሕሪ ምፍጻሞም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝለምንዎ ልመና ተቐቢሉ ። ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  መንበር ገይሩ ንቅዱስ ጴጥሮስ ንፍቀ ካህን ከምኡ ድማ ንቅዱስ እስቲፋኖስ ገባሬ ሠናይ ዲያቆን ጌሩ ቀዲሱ ንኹሎም ሓዋርያት ድሕሪ ምቁራቡ ንናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዕርገት ንምርኣይ ኣብቂዕዎም እዩ ። ካብቲ እዋን እቲ ሓዋርያዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና ሥርዓት ሠሪዓ ካብተን ሸውዓተ ኣጽዋማት ከም ሓደ ጌራ ዓቢይ ናይ በረኸትን ምሥጢርን መግለጺ ዝኾነ ጾመ ፍልሰታ ትጸውም አላ ። ብጽኑዕ ንዝደልይዎን ኣኺሉን ተሪፉን ዝወሃብ ጸጋን በረከትን እግዚአብሔር ንምርካብ ሓዋርያት ንዝረኣይዎ ዘደንቅ ምሥጢር ትንሣኤን ዕርገትን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንምርኣይ ካብ ናይ ቅዱሳን ሓዋርያት በረኸት ንምስታፍ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ደቂቅየ ። ደቀየ ይብሎም ዝነበሩ ሓዋርያት ኣብነት ብምግባር ሕጻናት ፣ መንእሰያት ፣ ኣረጋውያን ኣቦታት ፣ ኣዴታት ምምጻእ ጾመ ፍልሰታ ብተስፋ እንንዳተጸበዩ ብብዓመቱ ብጾምን ብጸሎትን ብምህለላን ብስግደትን የሕልፍዎ እዮም ። ብዙሓት ኣብዚ እዋን መዘከርታ ትንሣኤኣን ዕርገታን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም (ጾመ ፍልሰታ) ብዙሓት ሰባት ካብ ቤቶም ተፈሊዮም ብሱባኤ ተወሲኖም ፣ ዓራቶም መንጸፎም ገዲፎም ኣብ መሬት ብምድቃስ ፣ ጥረምረ ማይን ጥራሕ እንዳጠዓሙ ብጾምን ብጸሎት ብምትጋህ ብዓቢይ ተጋድሎ ብምጽዋም በረኸት ረድኤትን ይረኽቡ ። እዚ ጾመ ፍልሰታ ሓዋርያት ጸይሞምዎ ናይ ልቦም ሓሳብ ልመነኦም ዝረከብሉ ዘስመርሉ ጾም እዩ ። ጾሙ ድማ ሓዋርያት ክልተ ግዘ ጸይሞምዎ እዮም ። መጀመርያ ብ49 ዓ.ም ከባቢ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅዱስ ሥጋኣ ተቀቢሎም እንተዕርፍዎ እዩ ። ካልኣይ ድማ ብ50 ዓ.ም ከባቢ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕርገት ንምፍላጥ ዝጸሙዎ ጾም እዩ ።
💥  ክልትኡ ግዘ ጸይሞም ድማ ዝተመነይዎ ረኺቦም እዮም ሓዋርያት ። እዙይ መልዓሊ ብምግባር ድማ ብዙሓት ካህናት ምእመናን ንፀገሞም መፍትሒ ሚስጥር ዝኮኖም ጉዳያት መብራህርሂ ንምርካብ ብጠቕላላ ንሕይወቶም ሕቶኦም መልሲ ንምርካብ ይጸሙ እዮም ። ጸይሞም መልሲ ዝረክቡ ድማ ብጣዕሚ ብዙሓት አቦታት አዴታት እዮም ። ዝኾነ ይኹን ናይ ጾም ነገር ዋላኳ ናይ ኣዋጅ ጾም ይኹን እምበር ክንጸውም እንተለና ናይ ግላዊ ዝኮነ ዕላማ ክህልወና ይግባእ ። መብዛሕቲና ግና ናይ ኣዋጅ ጾም ስለ ዝኾነ ጥራሕ ብልምዲ ኢና ንጾሞ ግና ከምኡ ጥራሕ ክኸውን ኣይግባእን እዩ ። ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ጾም ክንጸውም ከለና ዝተለመደ ናይ ሕይወትና ሕቶ መልሲ ንምርካብ ብናይ ነሃትና ዕላማ ምጽዋም ልምዲ ክህልወና ይግባእ ። ፃዕዳ ክዳን ተኸዲና ናብ ቤተ ክርስቲያን ምምልላስ ፅቡቕ ኮይኑ ግና ዕላምኡ ክንፈልጦ ይግባእ ሰባት ይገብሩ እዮም ኢልና ብልምዲ ምምልላስ ተዘይኮነ ልቡናና ካብ ቂም በቀል አንጺሕና ካብ ዝሙት ርኹሰት ርሒቕና ናብ ቤተ እግዚአብሔር ክንመላለስ ከለና ጾምና ዋጋ አለዎ ካብ ክፋእ ሕማቕ ስራሕ ካብ ምስራሕ ክንርሕቕ ይግባእ ። ኣብ ሰሙነ ፍልሰታ ኣብ ቅድስቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ኩነታት ኩሉ ምእመናን ዓቢይ ኮነ ንኡስ ፣ ሕጻን ኮነ ኣረጋዊ ፣  ዘርእዮ ሃይማኖታዊን መንፈሳዊን ተግባራት ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዘለዎም ጽኑዕን ዓሙቅን ፍቕሪ ዘረጋግጽ ሰሙን እዩ ። ናይ ኣቦታትና ተስፋ ዝተፈጸመላ ናይ ድኅነትና ምኽንያት ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብረድኤታን ኣይትፈለየና ። ብቓል ኪዳና ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ይሓልወና ። እግዚአብሔር ናይ ኣዲኡ ፍቕሪ ኣብ ልብናና ውዳሴኣ ድማ ኣብ ልሳንና የሕድረልና ። ናይ ትንሣኤና በዂሪ ዝኾነ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሕረቱን በረኸቱ ይሃበና ያውርደልና ፣ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣመላድነት ጸጋ በረኸት ኣይፈለየና ኣጀሚሩ ከዓ ብደሓነ ብሰላም የፈጽመና እግዚአብሔር አሜን።
©እምነቶሙ ለአበው!                                        
 
                                                                                                     
                                                                                                     
                                                                                                     
                                                                                                    ![ሥርዐተ ማኅሌት ዘሐምሌ ገብርኤል [ሐምሌ ፲፱]መልክዐ ሥላሴሰላም ለአቍያጺክሙ እለ ተሐብአ እምዐይን፥ አናምያኒሁ ሥላሴ ለሜላተ ሰማይ ብርሃን፥ ልብሰ ሰማዕትና ይኩነኒ ምሕረትክሙ ክዳን፥ ላዕሌ...](https://img4.medioq.com/953/936/1359247209539366.jpg) 
                                                                                                     
                                         
   
   
   
   
     
   
   
  