ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ

ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ, Addis Ababa.

ቅዱስ ያሬድ ናይ ቤተክርስትያን መሰረት፣ናይ ፈለገ ሕይወት ትምህርቲ ምልክት፣ናይ ዜማን መፃሕፍትን ፍልፍል 'ዓርኪ ሱራፌል ካህነ ራማ' ፣ናይ ብሉይን ሐዲስን መምህር፣ሊቀ ሊቃውንት ጥዑመ ልሳን፣ናይታ ሓቃዊት ጽዮናዊት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መፍለዪ ምልክት ፣ናይ ዕብየትን ስልጣነን ቤ/ያን መግለፂ፣ኣብ ትግራይ ናይ ዝበቖሉ ቅዱሳን ኣቦታት መፀውዒ ኣብነት ስለዝኾነ ማሕበርና ' ማ/ቅ/ያ/ዘኦ/ተ/ትግራይ ኢልናዮ።

«እንኳዕ ናብ ጾመ ፍልሰታ ብደሓን ብሰላም ኣብፀሓና አብፅሐኩም» ። ካብ ፅባሕ ሓሙስ ዕለት 1 ነሓሰ -15 ነሓሰ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ክልተ ሰሙን (ሱባኤ) ዘሎ መዓልታት ጾም እንጸሞሉ ዕለታ...
06/08/2025

«እንኳዕ ናብ ጾመ ፍልሰታ ብደሓን ብሰላም ኣብፀሓና አብፅሐኩም» ። ካብ ፅባሕ ሓሙስ ዕለት 1 ነሓሰ -15 ነሓሰ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ክልተ ሰሙን (ሱባኤ) ዘሎ መዓልታት ጾም እንጸሞሉ ዕለታት እዩ ብሓቂ ። ጾመ ፍልሰታ ማለት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕረፍታን ፣ ትንሣኤኣን ፣ ዕርገታን እንዝክረሉ ግዜ እዩ ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜያት ሞታን ትንሣኤኣን ንሓዋርያት ዝገለጸትሉ ምስጢር ካብ ሓደ መዓልቲ ነሓሰ ክሳብ 15 ነሓሰ ዘሎ መዓልቲታት ምእመናን ብጾምን ብጸሎትን ተወሲኖም ናይ ወዳ ምሕረት ናታ ኣመላድነት ይምሕፀኑ ይልምኑ እዮም ። ናይቲ ሱባኤ ግዜ ምስ ተፈጸመ «ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብሓቂ ተንሢኣ ኢያ» ኢሎም ብሓጎስ ነቲ ናይ ጾም ግዜ ይውድእዎ ። ሞታ ኣዝዩ ዘደንቕ ምዃኑ ቅዱስ ያሬድ ብዝማሬኡ ከምዚ ይብለና «ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ ሞታ ለማርያም የአጽብ ለኲሉ» ሞት ንኹሉ ሰብ ዝግብኦ እዩ ናይ ማርያም ሞት ግና ኣዝዩ ዘደንቕ እዩ ክብል ገሊጽዎ እዩ ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብዚ ምድሪ ምስ ስድራ ቤታ ዝነበረትሉ ሠለስተ ዓመት ፣ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ኣብ ቤት መቕደስ ፣ ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን ንጐይታ ካብ ትጠንሶ ጀሚራ ሠላሳን ሠለስተን ዓመትን ሠለስተ ወርሕን ምስ ፍቁር ወዳ ተቐመጠት ፣ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ድማ ኣብ ቤት ዮሐንስ ወንጌላዊ ድሕሪ ምንባራ ኣብ ስሳን ኣርባዕተን (64) ዓመታ ብዕለት 21 ጥሪ ኣብ ከባቢ 49 ዓመተ ምሕረት ብኽብሪ ዓሪፋ ኢያ ። ኣብ ነሓሰ ዕለት 16 ዓርቢ መዓልቲ 2017 ዓ.ም ይውዕል ። ፍልሰታ ማለት ፈለሰ ካብ ዝብል ናይ ግዕዝ ግሲ ዝተረኽበ ኮይኑ ብናይ ሊቃውንት ትርጉም ሙማት ፣ ምፍላይ ፣ ምዕራግ ፣ ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ ፣ ካብ መቓብር ምትንሣእ ፣ ናብ ላዕሊ ምውጻእ ማለት እዩ ። አበው ደጊሞም ነዚ ክገልጽዎን ከጉልሕዎን ከለዉ ጉዳዩ ዝምልከታ ምስ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ትንሣኤን ዕርገትን ኣተሓሒዞም ብምምስጣር ፍልሰታ ማለት ንናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ካብ ጌቴስማኒ ናብ ገነት ምትንሥኡ ወይ እውን ምልዓሉ ንምምልካት ዝንገር ቃል እዩ ይብሉ አቦታትና ።

💥 ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብሕይወተ ሥጋ እንከላ ኩሉ ግዜ ብዘይ ምቁራጽ ናብ ጎልጎታ እናኸደት ኣብ መቓብር ወዳ ኮይና ጸሎት ትገብር ከም ዝነበረት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ናይ ቤተ ክርስቲያና ታሪኽ የረድኡ ይነግሩ እዮም ። ክፍኣት ንምፍሓስ ዘይዓርፉ ኣይሁድ ሕማቕ ቅንኢ ሓዲርዎም ንዓኣ ንምቅዋም ኩሉ ግዜ ብዙሕ ይጽዕሩ ነበሩ ። ረዲኤት ወዳ ስለ ዝሰወራ ግና ምንም ክሳኻዓሎም ኣይከኣለን እዩ ። ከም ልማዳ ጸሎት ንምብጻሕ ክትመጽእ ከላ ርእዮም ንሓዛ ሎሚ ኢና ዝረኸብናያ ክብሉ ምስ ቀረበቶም ዓይነ ሕልናኦም ይትሓዝ እሞ ምርኣይ ይስእንዋ ። ከምዚ ኢላ ብጸሎት ትነብር ነበረት ። ንዓለም ኵሉ ዝኸውን ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን ካብ ፍቑር ወዳ ዝተቐበለት ኣብዚ እትጽልየሉ ዝነበረት ቦታ እንከላ እዩ ። ኣብዚ ጾመ ፍልሰታ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዕረፍታን ትንሣኤን ዕርገታን ዝሕሰበሉ እዋን እዩ ጾመ ፍልሰታ ። ኣብዚ እዋን ናይ ምእመናን ካብ ከባቢኦም ርሕቅ ኢሎም ኣብ ዝተፈላለየ ገዳማት ብምዃድ ወይ ድማ ኣብ ከባቢኦም ዝረከብ ቤተ ክርስቲያን ተኣኪቦም ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ንሓዋርያት ተገሊጻ ሞታን ትንሣኤን ዝትገለጸትሉ ይዝክሩ እዮም ። ኣብዚ እዋን ብጾምን ብጸሎትን ተወሲኖም ናይ ወዳ ለውሃት ናይ ድንግል ማርያም ኣመላድነት ይምሕፀኑ ። ኩሉውን ከም ዝግበረሎም ይኣምኑ ። ኣብ ናይ መወዳኣታ ሱባኤ ከዓ ብሓቂ ተንሢኣ ። ኢሎም ብደስታን ብሓጎስን ጾመ ፍልሰታ ካብቲ ግዜ`ቲ ጀሚሩ ሓዋርያዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያና ሥርዓት ሠሪዓ ካብተን ሸውዓተ ኣጽዋማት ከም ሓደ ገይራ ነዚ ዓቢይ ናይ በረኸትን ምስጢርን መግለጺ ዝኾነ ጾመ ፍልሰታ ትጸውም ። ብፅኑዕ ንዝደልይዎ ዝወሃብን ንዝግብኦም’ውን ኣኺሉ ተሪፉ ዝወሃብ ጸጋን በረኸትን እግዚኣብሔር ንምርካብን ሓዋርያት ንዝረኣይዎ ዘደንቕ ምስጢር ትንሣኤን ዕርገትን ኣዴና ንምርኣይን ካብ ሓዋርያት በረኸት ረድኤት ንምስታፍን ጐይታና “ደቂቅየ” ደቀይ ይብሎም ብዝነበሩ ሓዋርያት ኣብነት ሕጻናትን መንእሰያትን ኣወዳትን ኣዋልድን ከምኡ’ውን ኣረጋውያንን ናይ ጾም ፍልሰታ ምምጻእ ብናፍቖት እናተጸበዩ ብብዓመቱ ብጾምን ብጸሎትን የሕልፍዎ እዮም ። ኣብዚ እዋን እዚ መዘከርታ ትንሣኤን ዕርገትን ኣዴና ድንግል ማርያም ጾም ፍልሰታ ብዙሓት ካብ ቤቶም ተፈልዮም ብሱባኤ ተወሲኖም ዓራትን መንጸፍን ገዲፎም ኣብ መሬት ደቂሶም ጥረምረን ማይን እናተጠዓሙ ብጾምን ብጸሎትን ብምትጋህ ብዓቢይ ተጋድሎ ክጸምዎ ይቕንዩ እዮም ።

💥 ታሪኹ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ክንርኦ ከለና ቅዱሳን ሓዋርያት ንትንሣኤኺ ቅዱስ ቶማስ ርእዩ ንሕና ንምንታይ ይተርፈና ኢሎም ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ኣተዉ ። ኣብ መበል 15 መዓልቲ ክልተ ሱባኤ ድሕሪ ምፍጻሞም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝለምንዎ ልመና ተቐቢሉ ። ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም መንበር ገይሩ ንቅዱስ ጴጥሮስ ንፍቀ ካህን ከምኡ ድማ ንቅዱስ እስቲፋኖስ ገባሬ ሠናይ ዲያቆን ጌሩ ቀዲሱ ንኹሎም ሓዋርያት ድሕሪ ምቁራቡ ንናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዕርገት ንምርኣይ ኣብቂዕዎም እዩ ። ካብቲ እዋን እቲ ሓዋርያዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና ሥርዓት ሠሪዓ ካብተን ሸውዓተ ኣጽዋማት ከም ሓደ ጌራ ዓቢይ ናይ በረኸትን ምሥጢርን መግለጺ ዝኾነ ጾመ ፍልሰታ ትጸውም አላ ። ብጽኑዕ ንዝደልይዎን ኣኺሉን ተሪፉን ዝወሃብ ጸጋን በረከትን እግዚአብሔር ንምርካብ ሓዋርያት ንዝረኣይዎ ዘደንቅ ምሥጢር ትንሣኤን ዕርገትን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንምርኣይ ካብ ናይ ቅዱሳን ሓዋርያት በረኸት ንምስታፍ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ደቂቅየ ። ደቀየ ይብሎም ዝነበሩ ሓዋርያት ኣብነት ብምግባር ሕጻናት ፣ መንእሰያት ፣ ኣረጋውያን ኣቦታት ፣ ኣዴታት ምምጻእ ጾመ ፍልሰታ ብተስፋ እንንዳተጸበዩ ብብዓመቱ ብጾምን ብጸሎትን ብምህለላን ብስግደትን የሕልፍዎ እዮም ። ብዙሓት ኣብዚ እዋን መዘከርታ ትንሣኤኣን ዕርገታን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም (ጾመ ፍልሰታ) ብዙሓት ሰባት ካብ ቤቶም ተፈሊዮም ብሱባኤ ተወሲኖም ፣ ዓራቶም መንጸፎም ገዲፎም ኣብ መሬት ብምድቃስ ፣ ጥረምረ ማይን ጥራሕ እንዳጠዓሙ ብጾምን ብጸሎት ብምትጋህ ብዓቢይ ተጋድሎ ብምጽዋም በረኸት ረድኤትን ይረኽቡ ። እዚ ጾመ ፍልሰታ ሓዋርያት ጸይሞምዎ ናይ ልቦም ሓሳብ ልመነኦም ዝረከብሉ ዘስመርሉ ጾም እዩ ። ጾሙ ድማ ሓዋርያት ክልተ ግዘ ጸይሞምዎ እዮም ። መጀመርያ ብ49 ዓ.ም ከባቢ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅዱስ ሥጋኣ ተቀቢሎም እንተዕርፍዎ እዩ ። ካልኣይ ድማ ብ50 ዓ.ም ከባቢ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕርገት ንምፍላጥ ዝጸሙዎ ጾም እዩ ።

💥 ክልትኡ ግዘ ጸይሞም ድማ ዝተመነይዎ ረኺቦም እዮም ሓዋርያት ። እዙይ መልዓሊ ብምግባር ድማ ብዙሓት ካህናት ምእመናን ንፀገሞም መፍትሒ ሚስጥር ዝኮኖም ጉዳያት መብራህርሂ ንምርካብ ብጠቕላላ ንሕይወቶም ሕቶኦም መልሲ ንምርካብ ይጸሙ እዮም ። ጸይሞም መልሲ ዝረክቡ ድማ ብጣዕሚ ብዙሓት አቦታት አዴታት እዮም ። ዝኾነ ይኹን ናይ ጾም ነገር ዋላኳ ናይ ኣዋጅ ጾም ይኹን እምበር ክንጸውም እንተለና ናይ ግላዊ ዝኮነ ዕላማ ክህልወና ይግባእ ። መብዛሕቲና ግና ናይ ኣዋጅ ጾም ስለ ዝኾነ ጥራሕ ብልምዲ ኢና ንጾሞ ግና ከምኡ ጥራሕ ክኸውን ኣይግባእን እዩ ። ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ጾም ክንጸውም ከለና ዝተለመደ ናይ ሕይወትና ሕቶ መልሲ ንምርካብ ብናይ ነሃትና ዕላማ ምጽዋም ልምዲ ክህልወና ይግባእ ። ፃዕዳ ክዳን ተኸዲና ናብ ቤተ ክርስቲያን ምምልላስ ፅቡቕ ኮይኑ ግና ዕላምኡ ክንፈልጦ ይግባእ ሰባት ይገብሩ እዮም ኢልና ብልምዲ ምምልላስ ተዘይኮነ ልቡናና ካብ ቂም በቀል አንጺሕና ካብ ዝሙት ርኹሰት ርሒቕና ናብ ቤተ እግዚአብሔር ክንመላለስ ከለና ጾምና ዋጋ አለዎ ካብ ክፋእ ሕማቕ ስራሕ ካብ ምስራሕ ክንርሕቕ ይግባእ ። ኣብ ሰሙነ ፍልሰታ ኣብ ቅድስቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ኩነታት ኩሉ ምእመናን ዓቢይ ኮነ ንኡስ ፣ ሕጻን ኮነ ኣረጋዊ ፣ ዘርእዮ ሃይማኖታዊን መንፈሳዊን ተግባራት ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዘለዎም ጽኑዕን ዓሙቅን ፍቕሪ ዘረጋግጽ ሰሙን እዩ ። ናይ ኣቦታትና ተስፋ ዝተፈጸመላ ናይ ድኅነትና ምኽንያት ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብረድኤታን ኣይትፈለየና ። ብቓል ኪዳና ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ይሓልወና ። እግዚአብሔር ናይ ኣዲኡ ፍቕሪ ኣብ ልብናና ውዳሴኣ ድማ ኣብ ልሳንና የሕድረልና ። ናይ ትንሣኤና በዂሪ ዝኾነ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሕረቱን በረኸቱ ይሃበና ያውርደልና ፣ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣመላድነት ጸጋ በረኸት ኣይፈለየና ኣጀሚሩ ከዓ ብደሓነ ብሰላም የፈጽመና እግዚአብሔር አሜን።
©እምነቶሙ ለአበው!

መልእክተ ቅዱስ ፓትርያርክ፡-በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን፤ በሀገራችን በኢትዮጵያና በመላው ዓለም የምትገኙ ሕዝበ ክርስቲያን በሙሉ፡- የክብር ባለቤት እግዚአብሔር ኣ...
06/08/2025

መልእክተ ቅዱስ ፓትርያርክ፡-
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን፤

በሀገራችን በኢትዮጵያና በመላው ዓለም የምትገኙ ሕዝበ ክርስቲያን በሙሉ፡-

የክብር ባለቤት እግዚአብሔር ኣምላካችን እንኳን ለሁለት ሺሕ ዐሥራ ሰባት ዓ.ም የቅድስት ድንግል ማርያም ጾመ ፍልሰታ በሰላም ኣደረሳችሁ!

‹‹ታዓብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር፣ ነፍሴ እግዚአብሔርን እጅግ ታከብረዋለች›› (ሉቃ.፩÷፵፮)፤

ይህንን ዐረፍተ ነገር የተናገረችው ማኅደረ መንፈስ ቅዱስ የሆነችው ቅድስት ድንግል ማርያም ናት፤ ቅድስት ድንግል ማርያም እግዚአብሔር ዓለምን ለማዳን በሰራው ስራ ሰውነታችንን ለመዋሓድ የመረጣት ምርጥ የፍጥረት ወገን ናት፤ፍጥረት ሁሉ በእግዚአብሔር ለእግዚአብሔር ተፈጥሮኣል፤የእግዚአብሔርም ነው፤ የቅድስት ድንግል ማርያም መመረጥም በእግዚአብሔር ለሰው የተደረገ ምርጫ ነው፤

የሰው መዳን ከጥንቱ ከጠዋቱ በእግዚአብሔር ልዩ ኣሰራር እንደሚከናወን በነቢያት የተገለጸ ነበረ፣‹‹ኣኮ በተንባል ወኣኮ በመልኣክ ኣላ ለሊሁ እግዚእ ይመጽእ ወያድኅነነ፤ በኣማላጅም ኣይደለም፤ በመልኣክም ኣይደለም እሱ ራሱ ጌታ መጥቶ ያድነናል እንጂ›› የሚለው የነቢየ እግዚአብሔር ኢሳይያስ ትንቢትም ይህንን ያስረዳል፤ ቃለ ትንቢቱ ድኅነታችን በጌታ ቤዛነት እንደሚከናወን ያረጋግጣል፤ይህም ሊሆን የቻለው ከፍጡራን ወገን በደሙ ቤዛነት ፍጡራንን የሚያድን ስለሌለ ነው፤
ከዚህ ኣንጻር የሰው መዳን በእግዚአብሔር ኣሰራር በደም ቤዛነት ከሆነ፣ በደሙ ቤዛነትም ዓለምን ማዳን የሚችል ከፍጡር ወገን ከሌለ፣ መዳናችን በእግዚአብሔርና በእግዚአብሔር እጅ ብቻ የተንጠለጠለ ነበረ፤ እግዚአብሔር በደሙ ቤዛ ሆኖ ዓለምን ለማዳን ደግሞ ደም ሊኖረው ይገባ ነበር፤ በመሆኑም እግዚአብሔር በክዋኔው ደም የሌለው ስለሆነ ለቤዛ ዓለም የሚፈስ ደምን ገንዘብ ማድረግ ነበረበት፤ይህንን ደም ለመዋሓድ ቅድስት ድንግል ማርያምን መረጠ፤ ለዚህ ብቁ እንድትሆንም በእስዋ ላይ ስራውን ሰራ፤በምርጫውም መሠረት ከቅድስት ድንግል ማርያም ደማዊ ሥጋንና ነፍስን ተዋሕዶ ለቤዛዊ መሥዋዕት መንገዱን ኣመቻቸ፤

ቅድስት ድንግል ማርያም በነገረ ድኅነት መሰላል ለመሆን በእግዚአብሔር የተመረጠች በመሆኗ ኣንቀጸ ኣድኅኖ ወይም የድኅነት በር ትባላለች፤ቅድስት ድንግል ማርያም ለዚህ ታላቅ ነገረ ድኅነት መመረጥዋ እጅግ ታላቅ ዕድል መሆኑን ስለተገነዘበች ‹‹ታላላቅ ስራዎችን ሰርቶልኛልና›› በማለት እግዚአብሔርን በመዝሙር ኣመስግናለች ኣክብራለችም፤

የተወደዳችሁ የመንፈስ ቅዱስ ልጆቻችን ምእመናንና ምእመናት!

የቅድስት ድንግል ማርያም የምስጋና እና የኣምልኮ መዝሙር የኛም መዝሙር ነው፤ እግዚአብሔር ለቅድስት ድንግል ማርያም ታላላቅ ስራዎችን እንደሰራ ለኛም ብዙ ታላላቅ ስራዎችን ሰርቶልናል፤ እየሰራልንም ነው፤ ለሰራልን ኣምላክም እንደ ቅድስት ድንግል ማርያም ታላቅ ክብርን መስጠት ይገባናል፤ ለእግዚአብሔር የምንሰጠው ክብርም በቃል ብቻ የሚገለጽ ሳይሆን በተግባር የሚታይ ሊሆን ይገባል፤ የድንግል ማርያም መንፈሳዊ ሕይወት በማስተዋል በትሕትና፣ በትዕግሥት በርኅራኄ በመታዘዝ በንጽህና በቅድስና በክብርና በበረከት የተሞላ እንደሆነ በቅዱስ መጽሓፍ ከተጻፈው ሥነ-ሕይወቷ መረዳት እንችላለን፤

ታድያ በእርሷ ክብርና ተማሕፅኖ የምንተማመን ልጆቿም የእሷን ያህል እንኳ ባንችል ወደእርስዋ የሚጠጋጋ መንፈሳዊ ሕይወት ሊኖረን ይገባል፤ ይህም የምናደርገው ለእግዚአብሔር ክብርና ለእኛ መዳን ሲባል ነው፤ እኛ እግዚአብሔርን ስናከብር እንከብራለን እንድንማለን፤ ለእግዚአብሔር ክብር የማንሰጥ ከሆነ ግን ውጤቱ መክበር ሳይሆን ሌላ ነው የሚሆነው፤

የተወደዳችሁ የመንፈስ ቅዱስ ልጆቻችን ምእመናንና ምእመናት!

እኛ በየጊዜው ጾምን እንድንጾም ያስፈለገበት ዋናው ምክንያት ፈቃደ ሥጋችንን በመግራት ለእግዚአብሔር ታዛዦች እንድንሆን ነው፤ ጾም የኃጢኣት መግቻ መሳሪያ በመሆኑ ‹‹ልጓመ ኃጢኣት›› ተብሎ ይታወቃል፤ በዚህም ሰውነታችንን ለግብረ ኃጢኣት ከሚያጋግሉ ምግቦች ኣርቀን በሰከነ መንፈስ እግዚአብሔርን እያሰብን ኃጢኣታችንንም እያስታወስን በንስሓ ወደ እርሱ ለመቅረብና ለሱ ለመታዘዝ እንጾማለን፤

የጾም ጥቅም ከጥንት ጀምሮ የታወቀ በእግዚአብሔርና በሰውም ተቀባይነት ያለው ነው፤ እግዚአብሔር ከመሥዋዕት ይልቅ መታዘዝን ይወዳልና በጾምና በጸሎት ለሱ ልንታዘዝ ይገባል፤ እግዚአብሔር በቅድስት ድንግል ማርያም ማሕፀን ሊያድር የቻለው ‹‹እንዳልኸኝ ይሁንልኝ›› ብላ ታዛዥነትዋን በገለጸች ጊዜ ነው፤ እኛም እንዳልከን ይሁንልን እያልን እንደእስዋ ታዛዥ መሆን አለብን፤

ዛሬ በዓለማችን ያለው መተረማመስ ለእግዚአብሔር ያለመታዘዝ ያመጣው ጣጣ እንደሆነ ማንም ኣይስተውም፤ መታዘዙ ቢኖር ኖሮ የሰው ልጅ ሰውን የሚያድን ብቻ እንጂ ሰውን የሚገድል መሳሪያ ኣያመርትም ነበር፤ ምክንያቱም እግዚአብሔር ወንድምህን እንደራስህ ኣድርገህ ውደድ ኣለ እንጂ ግደል ብሎ ኣላዘዘምና ነው፤ኣሁንም በዚህ ባለንበት ዓለም በጣም ተባብሶ የሚገኘው የመጠፋፋት ዝንባሌ ለእግዚአብሔር በመታዘዝ በሰላምና በሰጥቶ መቀበል ካልተቋጨ ዳፋው ኣስከፊ መሆኑ ኣይቀርም ፤

ከዚህ አንጻር ዛሬም ለሰው ልጆች ሁሉ የምናስተላልፈው መልእክት ‹‹በፍቅር ከሆነ ትንሹም ለሁሉ ይበቃልና ያለውን በጋራ በመጠቀም በፍቅርና በሰላም እንኑር›› የሚል ነው፤ ‹‹ፍትሕና ርትዕም ለሰው ልጅ መነፈግ የበለትም፤ ሰው በምድር ላይ ሰርቶ የመኖር መብቱ ሊከበርለት ይገባል፤ይህንን ማድረግ ማለት ለእግዚአብሔር መታዘዝ ማለት ነው፤ስለሆነም ለእግዚአብሔር ክብርና ለራሳችን መዳን ስንል ለእርሱ በመታዘዝ በሕይወትና በሰላም እንኑር፡፡

በመጨረሻም፡-
በጾመ ማርያም ሱባዔ ስለሀገር ሰላምና ስለሕዝብ ደኅንነት በመጸለይ፣ በልዩ ልዩ ምክንያት በመከራ ላይ ወድቀው የሚገኙ ወገኖቻችንን በሚያስፈልጋቸው ሁሉ በመርዳት ሱባዔውን እንድናሳልፍ ኣባታዊ መልእክታችንን በእግዚአብሔር ስም ለመላው ሕዝበ ክርስቲያን እናስተላልፋለን፤

መልካም የሱባዔ ወቅት ያድርግልን
እግዚአብሔር ኢትዮጵያንና ሕዝቦቿን ይባርክ!
ወስብሓት ለእግዚአብሔር ኣሜን!!

አባ ማትያስ ቀዳማዊ
ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ
ሊቀ ጳጳስ ዘአኵስም ወዕጨጌ ዘመንበረ ተክለ ሃይማኖት፣

ነሐሴ 1 ቀን 2017 ዓ.ም
ዋሽንግተን ዲሲ

✝️በዓለ ዕረፍቱ ለብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን✝️በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!በዛቲ ዕለት አዕረፈ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ቀዳሚ ጳጳስ ዘኢትዮጵያ፣ ወከመዝ ...
02/08/2025

✝️በዓለ ዕረፍቱ ለብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን✝️

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

በዛቲ ዕለት አዕረፈ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ቀዳሚ ጳጳስ ዘኢትዮጵያ፣ ወከመዝ ውእቱ ዜናሁ ወመጽአ አሐዱ ብእሲ እምብሔረ ፅርዕ ዘስሙ ሜሮቦጶዮስ ሊቀ ጠበብት እንዘ ይፈቅድ ይርአያ ለብሔረ ኢትዮጵያ ወምስሌሁ ፪ ደቂቅ እምአ ዝማዲሁ ለ፩ዱ ስሙ ፍሬምናጦስ። ወለካልኡ ኤስድዮስ። ወቦ እለ ይሰምይዎ ሲድራኮስ። ወበጽሑ በሐመር ሐይቀ ብሔረ አግዓዚ። ወርእየ ኵሎ ሠናያተ ዘፈተወት ልቡ ወኢፈቀደ ይትመየጥ ብሔሮ ወባሕቱ ተንሥኡ ላዕሌሁ ፀር ወቀተልዎ። ወተርፉ እሉ ደቂቅ ንኡሳን ወፄወውዎሙ ሰብአ ሀገር ወመጠውዎሙ አምኃ ለንጉሠ ኢትዮጵያ ዘሀሎ ውስተ አክሱም ዘስሙ እልዓሜዳ። ወሤሞ ንጉሥ ለኤስድዮስ መጋቢ። ወለፍሬምናጦስ ዓቃቤ ሕግ ወጸሐፌ።
ወእምድኅረ ኅዳጥ መዋዕል አዕረፈ ንጉሥ ወኀደጎ ለአይዛና ወልዱ ሕፃነ። ወሐፀንዎ እሉ ምስለ ትምህርት ዘክርስትና በበንስቲት ወሐነፁ ቤተ ጸሎት ወአስተጋብኡ ደቂቀ ወመሀርዎሙ ኵሎ መዝሙረ ዳዊት፣ ወመኃልየ፣ ወመጽሐፈ ሐዲሳት።
ወሶበ አብጽሐ ዝኩ ሕፃን ዓቅመ ውርዛዌ ሰአልዎ ከመ ይሑሩ ሀገሮሙ ወኤድስዮስ ሖረ ብሔረ ጢሮስ። ወፍሬምናጦስኒ ሖረ ወበጽሐ እስክንድርያ ኀበ ኣትናቴዎስ ሊቀ ጳጳሳት ወዜነዎ ኵሎ ዘኮነ እምኔሁ ወዘከመ ተወክፎቶሙ ለሰብአ ኢትዮጵያ ትምህርተ ክርስትና እንዘ አልቦሙ ጳጳስ።
ወሤሞ አባ አትናቴዎስ ለፍሬምናጦስ ጳጳሰ ለብሔረ ኢትዮጵያ ወፈነዎ ምስለ ዓቢይ ክብር ወበጺሖ ብሔረ አግዓዚ አመ መንግሥቶሙ ለአብርሀ ወአጽብሐ ሰበከ ሰላመ በሰላመ ክርስቶስ ሎቱ ስብሐት። ወበእንተዝ ተሰምየ አባ ሰላማ። ወእምድኅረ አእመኖሙ ለሰብአ ኢትዮጵያ በክርስቶስ አዕረፈ በሰላም። በረከቱ ትኩን ምስሌነ ለዓለመ ዓለም አሜን።

''ሰላም ሰላም በቃለ ትፍሥሕት እብሎ ፡
እንዘ አዓብዮ ወአሌዕሎ ፡
ሰላማ ማኅቶት ዘምሕረት ወተሣህሎ ፡
አሥረቀ በኢትዮጵያ ለብርሃነ ክርስቶስ ፀዳሎ ፡
እንዘ በላ ዕሌሃ ጽልመት ወቆባር ሀሎ።''

✟✟✟ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ✟✟✟

፳፮ ሐምለ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ቀዳማይ ጳጳስ ብሔረ አግዐዚ ዝኾኑ ብፁዕ ወቅዱስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን አዕረፉ።

ዜናኦም ድማ ከምዚ እዩ። አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ብ245 ዓ/ም ሕዳር 26 ካብ አቦኦም ቅዱስ ምናጦስ ካብ አዲኦም ቅድስቲ ማርያም ሠናይት አብ ጢሮስ ተወሊዶም፡ ብጽቡቕ ሥነ ምግባር ተኾስኲሶም ዝዓበዩ እዮም። ገና አብ ዕሸል ዕድሚኦም አትናቴዎስ ዝበሃል ሊቀ-ጳጳስ መዝሙረ ዳዊት፣ ብሉይን ሓዲሽን ናይ ቤተክርስትያን መጻሕፍቲ፡ ኩሉ ሕጊ ብምሕላውን ትእዛዝ ብምፍጻምን አምሀሮም። አብ 257 ዓ.ም ወዲ 12 ዓመት ምስ ኮኑ ካብ ጽርኢ ስሙ ሜርጵዮስ ምስ ዝተበሃለን ነጋዳይን ምስ ህጻን ኦዶስዮስን ናብ ምድሪ ሓበሻ መጽኡ። ናብ ቦታኦም እንትምለሱ እንተለዉ ድማ ናይ መንገዲ ሸፋቱ፡ ንሜርጵዮስን ኩሎም ምስኡ ዝነበሩን ቀቲሎም ንቶም ዕሸላት ግን ብሕይወት ገዲፎምዎም ከዱ። ሰባት እቲ ሃገር ድማ ማሪኾም ፡ ንንጉሥ አክሱም አልአሜድ ሃብዎም። እዚ ንጉሥ ንኦዶስዮስ ሓላዊ አቕሑትን አልባሳትን ቤተክርስቲያን፡ ፍሬሚናጦስ ድማ ዓቃቢ ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ጌሮም ሼሞም፤ ንሱ ሕግን ሥርዓትን አደንጊጉ ይፈልጥ እዩሞ። በዞም ዕሸላት፡ ብጽቡቕ ስርሖምን ብቕድንስኦምን ዝተማረኸ ንጉሥ አብ ዝሐመመሉ ዓራት እንተሎ ፡ እንተይሞተ ናብ ዓዶም ንክምለሱ ነጻ ሰደዶም። ድሕሪ ዕረፍቱ ግን እታ ንግሥቲ ደቃ ንንግሥነት ዘይበጽሑ ህጻናት ስለዝኾኑ አብ ምምሕዳር ንክሕግዝዋ ሐተተቶም። ልቦም ንጹህን ቅዱስን ዝኾኑ ፍሬሚናጦስን ኦዶስዮስን ድማ ንሓሳባ ተቕቢሎምዋ አብ ምድረ አኽሱም ጸንሑ። ብመንፈስ ቅዱስ ብሕጊ ክርስትና ኮስኲሶም ንነገሥታት አክሱም ኢዛናን ሳይዛናን (አብርሀን አጽብሐን) አዕበይዎም።
ድሕሪ ጊዜ (ንነገሥታት አክሱም ኢዛናን ሳይዛናን ምስ ዓበዩ) እውን እንተኾነ አዶስዮስ ናብ ሃገሩ ናብ ጢሮስ እንትትምለስ ፡ አቡነ ፍሬሚናጦስ ግን ሥርዓተ ጥምቀትን ሥርዓተ ቍርባንን ንኽስፋሕፋሕ ካህናት ብፍላይ ድማ ጳጳስ ስለ ዘድሊ፡ ብዘይ ሐዋርያ ክርስትና ንዝተቐበለት ብሔረ አግአዚ ጳጳስ ንኽሽወመላ ናብ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ናብ አቡነ አትናቴዎስ ከዱ።

አቡነ አትናቴዎስ ድማ ናይ አቦና ምምጻእ ብመንፈስ ቅዱስ ፈሊጡ፡ ካብ ቦትኡ ተንሢኡ ንአቦና ንምቕባል፡ ናብ ዘለውዎ ቦታ ከይዱ፡ ብዓብይ ፍቕርን ክብርን ተቐበሎም። አቦና ዝመጹሉ ዓላማ፡ ኵሉ ነገርዎ። አቡነ አትናቴዎስ ድማ “ነገርካ ብሩህ፡ ቃልካ እውን ዝጠዓመን ባህ ዘብልን እዩ። ዝወለደካ አቦኻ ከምይ ዝአምሰለ እዩ? ዝወለደትካ አዴኻ ከመይ ዝአምሰለት እያ? ዝተሸከመትካ ማህጸን ዝተባረኸት እያ፤ ንዓኻ ዝጥበዋ ጡባት ዝተባረኻ እየን” ኢሉ ባረኾ። “ካብ ሎሚ ጀሚሩ ሽምካ ፍሬሚናጦስ አይበሃልን” ኢሉ ሽሙ ቀይሩ "ሰላማ ካሣቴ ብርሃን" በሎም። "ከሣቴ ብርሃን" ማለት ሃይማኖት ገሊጹ ዘምህር ማለት እንትኸውን፤ ሰላማ ማለት ድማ ንእግዚአብሄርን ሰብን ዘተዓርቕ ገባሬ ሰላም ማለት እዩ። ካብኡ ናይ ክህነት ስልጣን ዝሾሙሉ መጽሓፍን ንክርስትና ጥምቀት፡ ንጵጵስና ሹመት፡ ዝግብኦ ቅብአ ሜሮን ወሲዱ ቀቢኡ፡ አብ ምድረ አግዐዚት ሊቀ ጳጳስ ገይሩ ሾሞም።
ካብኡ አቦና ካብ እስክንድርያ ተመለሱ። ነገሥታት ምስ ሰራዊቶምን መላእ ህዝብን መንገዲ አርብዓ መዓልቲ ተጓዒዞም ተቐበሉዎም። ካብኡ ነገሥታት ዝሽወምሉ መጽሓፍ አንበቡሎም ቅብአ ሜሮን ቀቢኦም አጥሚቖም ድማ ሽሞም አብርሀ ወአጽብሀ ኢሎም ቀየሩሎም። አብኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኵሎም አጥመቕዎም። ንነገሥታትን ዝተመረጹን ናይ ቅዱስ ቁርባን መስዋዕቲ ሰሪዖም አጥመቕዎምን አቑረቡዎምን። ካብኡ አብ መላእ መሬት አግዓዚ እናተመላለሱ፡ ንኵሎም አጥመቑዎም ፣ አብያተ ክርስቲያናት ሃነጹ፣ ዲያቆናትን ካህናትን ሾሙሎም። ቅዱስ አቦና ብኸምዚ ዓይነት ገድሊ ወንጌል እናሰበኹ፡ ብአአዝዩ ዝድነቕ ትሕትና እናተመላለሱ ብዙሓት ተአምራትን መንክራትን እናገበሩ፡ ምድረ አግዐዚት ብውንጌል ብርሃንነት አብርሁዋ። አብ 150 ዕድሚኦም ድማ ሐምለ ፳፮ በዛ ዕለት ብሰላም አዕረፉ። እግዚአብሔር አምላኽ ድማ ብዙሕ ቃል ኪዳን አተወሎም።

ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱስ አቦ ይምሐረና ፡ በረከቶም እውን ምሳና ትኹን ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን!

ናብ ዓመታዊ በዓል ብፁዕ አቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን እንኳዕ ኣብጸሐና!ዓመታዊ በዓሎም ኣብ ምድረ ገነት 70 ካሬ ብዙሓት ሊቃውንቲን ምእመናንን ኣብ ዝተረኸቡሉ ብዝማሬን ብትምህርቲን ደሚቑ እና...
02/08/2025

ናብ ዓመታዊ በዓል ብፁዕ አቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን እንኳዕ ኣብጸሐና!
ዓመታዊ በዓሎም ኣብ ምድረ ገነት 70 ካሬ ብዙሓት ሊቃውንቲን ምእመናንን ኣብ ዝተረኸቡሉ ብዝማሬን ብትምህርቲን ደሚቑ እናተኸበረ ይርከብ።

31/07/2025

''ሓቂ ስለ ዝተዛረብኩ ደመወዘይ ተኣጊደ'' ቐሺ መሰለ
ብንብዓት ዝተዓጀበ ቃለ መሕትት ቐሺ መሰለ።

ሙሉእ ቃለ መሕትት👇👇👇
https://youtu.be/lH4qGQe7nes?si=a9mzKDhMH7NQFpY6

ወእሁበክሙ ኖሎተ ዘከመ ልብየ ወይርዕዩክሙ በጥበብ ወበአእምሮ፣  "በኣእምሮን ብምስትውዓልን ከም ልበይ ገይሮም ዚጓስዩኹም ጓሶት ክህበኩም እየ።" ኤር ፫፥፩፭ብፁዕ ኣቡነ ኤፍሬም ሊቀ ጳጳስ ሃ...
30/07/2025

ወእሁበክሙ ኖሎተ ዘከመ ልብየ ወይርዕዩክሙ በጥበብ ወበአእምሮ፣ "በኣእምሮን ብምስትውዓልን ከም ልበይ ገይሮም ዚጓስዩኹም ጓሶት ክህበኩም እየ።" ኤር ፫፥፩፭

ብፁዕ ኣቡነ ኤፍሬም ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኣውሮፓ፣ ናይ ትግራይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣባል፣ እንቛዕ ን፪ይ ዓመት በዓለ ሢመቶም ብሰላምን ጥዕናን ኣብፀሖም ክንብል ንፈቱ። ብፁዕነቶም ብመዓልቲ ዕለተ ሢመቶም ኣብ ሃዋርያዊ ኣገልግሎት እትትኾኑ፣ ሎሚ ዕለት 23/11/2017 ዓ/ም ካብ ሃገረ ጀርመን ናብ ሃገረ ስዊድን ከተማ Goteborg ንቐፃሊ ቀዳም ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ዑራኤል ንምኽባር
ኣብ ሃገረ ስዊዲን ኣትዮም ኣለዉ።

ናይ ቅዱሳን ኣምላኽ እግዚአብሔር ንብፁዕነቶም ነዊሕ ዕድመን ሰፊሕ ናይ ኣገልግሎት ዘመንን የዓድለልና።

ናይ ብፁዕነቶም ቡራኬ ምስ ኩላትና ይኹን።

29/07/2025

ማሕበርና ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ 11 ቦግእዝን ብትግርኛን ዝተጸሓፉ መጻሕፍቲ ብሓደ ጊዜ ከመርቕ እዩ።

ውዳሴ ማርያም ብግእዝን ትግርኛን ፣ ወንጌል ቅዱስ ፣ ሃይማኖተ አበው ዝተፈላለዩ ናይ ስርዓትን ናይ መምሀሪ ሓገዝ መጻሕፍቲ ፣
ኦርጅናል ናይ ግሪክ ኣልባሳትን ካልኦት ንዋያተ ቅድሳትን ብኸመይ ንረክብ? ካብ ማኅበር ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ እናገዛእና ማሕበርና ነጠናኽር። ብትእዛዝ ካብ እነቕርቦም ንዋያተ ቅድሳት እዞም ዝስዕቡ ይርከቡዎም፦
፩.መጽሐፍ ቅዱስ
፪.ገድለ አቡነ አረጋዊ
፫.ሰዓታት(ግእዝ)
፬.አዕማደ ምሥጢር
፭.መዝሙረ ዳዊት
፮.መዝገበ ጸሎት
፯.መንበረ ታቦት
፰.ውዳሴ ማርያም
፱.ትምህርት ሃይማኖት
፲.መጽሐፈ ክርስትና
፲፩.ጸሎተ ሃይማኖት
፲፪.ዝተፈላለዩ ቅዱሳን ስእልታት
፲፫.ማዕተብ
፲፬.መድገሚ
፲፭.ነፀላ (ናይ ዓበይቲ፣ማእኸለዎት፣ህፃናት)
፲፮.ዕጣን
፲፯.ዘቢብ
፲፰.መጽሐፈ ቅዳሴ
፲፱.ገድለ አቡነ እስጢፋኖስ
፳.ልብሰ ተክህኖ / ናይ ቀዳሲያን ክዳን
፳፩.ናይ ካህናት መርጌታታት ካባ
፳፪.ናይ መርዑት አልባሳት
፳፫.ሥርዓተ ቅዳሴ
፳፬.ወንጌል ቅዱስ ብግእዝን ትግርኛን
፳፭.ገድለ አቡነ ሰላማ
፳፮.ጸናጽል (ብሩር፣ብሪ፣ወርቂ) ዝተቐብአ
፳፯.መቖምያ/መደገፊ
፳፰.ፍትሐ ነገሥት
፳፱.ሙሉእ ስንክሳር
፴.ተአምረ ማርያም
፴፩.ተአምረ ኢየሱስ
፴፪.ግጻዌ
፴፫.መጽሐፈ ተክሊል
፴፬.ዜና ቅዱስ ያሬድ
፴፭.መጎናጸፊያ
፴፮.ማኅፈድ
፴፯.ፅላል
፴፰.ናይ ጵርስፎራ ማህተም
፴፱.ሃይማኖተ አበው
፵.ናይ ዕንጨቲ መስቀል (ናይ ማዕተብ፣ናይ ኢድ፣ዕርፈ መስቀል)
፵፩.ናይ ሓፂን መስቀል (ብሩር፣ብሪ፣ወርቂ) ዝተለኸየ
፵፪.ናይ ሰንበት ተምሃሮ ልብሲ/ክዳን ምስ ኣክሊሉ
፵፫.መጽሐፈ ግንዘት
፵፬.ውዳሴ ማርያምን ቅዳሴ ማርያምን ኣንድምታ ብልሳነ ትግራይ
፵፭.ናይ ኢየሩሳሌም ዕጣን
፵፮.ሥርዓተ ቤተክርስቲያን (ብሊቀ ሊቃውንት ኃይለሥላሴ)
፵፯.ሠለስቱ ድርሳናን (ሚካኤል፣ገብርኤል፣ሩፋኤል)
፵፰.መጽሐፈ ግብረ ሕማማት
፵፱.መጽሐፈ ቀሌሚንጦስ
፵.መጽሐፈ ጽዮን
፶፩.ዲድስቅልያ
፶፪.መጽሐፈ ኪዳን ቀዳማዊ
፶፫.መጽሐፈ ኪዳን ካልዕ
፶፭.አብጥሊስ
፶፮.መጽሐፈ ትእዛዝ
፶፯.መጽሐፈ ግጽው
፶፰.ማዕጠንት
፶፱.ከበሮ
፷.በገና
፷፩.ክራር
፷፪.ሽምዓን
፷፫.መጋረጃ
፷፬.ምንፃፍን
፷፭.ድርገት መውረዲ
፷፮.ኩስኩስቲ
፷፯.መሶበ ወርቅ
፷፰.ቃጭል
፷፱.ጻሕል
፸.ጽዋዕ
፸፩.ናይ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ሓገዝቲ መጻሕፍትን ካልኦትን ይርከቡ።
==>ንዝበለፀ ሓበሬታ ናብ ክፍሊ ንዋያተ ቅድሳት ተፀንበሩ!
ሊንክ👇👇👇
https://chat.whatsapp.com/JNWYH5Y6fFIEIVoa41yiXG
ዋትስኣፕ;-
+251911289356

ቑፅሪ ስልክታት;-
+251914438876
+251911289356
+251935278996
+251946469618
+251903738291

email- [email protected]

facebook;-👇 https://www.facebook.com/profile.php?id=61566909681981
👇
https://www.facebook.com/mkyzott
F
Group;-https://facebook.com/groups/219615362648812/?ref=share

Telegram;-https://t.me/+pw38sxKvWB9lNDY0

ዋትስአፕ;-

ክፍሊ ትምህርትን ስልጠናን;-

https://chat.whatsapp.com/HRQW97wXOi37KnFOghs0YB

ክፍሊ መዝሙር;-

https://chat.whatsapp.com/ItxPYbDpWFT91Em05HVP82

ክፍሊ ኣባላት ጉዳይ;-

https://chat.whatsapp.com/IfQ3vW7fC2d3bVVfjQhZ0V

ክፍሊ ንሰሃ

https://chat.whatsapp.com/Jo7gsxY42DYA2pyPbAp1Zm

ክፍሊ ገባሬ ሠናይ

https://chat.whatsapp.com/Jo7gsxY42DYA2pyPbAp1Zm

ክፍሊ ገዳማትን ፈለገ ሕይወትን

https://chat.whatsapp.com/Jo7gsxY42DYA2pyPbAp1Zm

ንዋያተ ቅዱሳን ዝርከበሉ

https://chat.whatsapp.com/JNWYH5Y6fFIEIVoa41yiXG

ክፍሊ መፅናዕትን ምርምርን

https://chat.whatsapp.com/Jo7gsxY42DYA2pyPbAp1Zm

ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ

ሰብስክራይብ👇👇👇
https://youtu.be/zfsqa7L7V3M?si=m0lfgJRwg9c0O-WQ

29/07/2025
26/07/2025

ብፁዕ አቡነ ማርቆስ ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ቅዱስ ኡራኤል ንምኽባር ፣ ታቦት ዳግማዊት ጽዮን ንምእታው ኣብ ካልጋሪ ሐዋርያዊ ዑደት ይገብሩ ኣለዉ።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ናብ ናይ ብርሃነ እግዚአብሔር ፡ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ዑራኤል ሥዩም ላዕለ ኵሎሙ ብርሃናት ዓመታዊ ክብረ በዓልን ናይ እኖና ''ዳግማዊት ጽዮን'' ታቦት ምእታውን እንኳዕ ኣብጸሐና!

"ይቤ ዕዝራ ወመጠወኒ ዑራኤል ሊቀ መላእክት ጽዋዐ ምሉአ ዘሕብሩ ይመስል እሳተ። አንሰ ሰተይክዎ። ወሶበ ሰተይክዎ ጐሥዐ ልብየ ጥበበ ወምክረ።"

ንቅዱሳን ሐዋርያት «እምይእዜሰ ከመዝ ግበሩ» ኢሉ ብዘምሀሮም መንገዲ መሠረት ናይ ቅዱስ ዑራኤል ቤተ ክርስቲያን ተሃኒጹ ተመሪቑ እዩ። ሎሚ ኸዓ ኣብ ናይ ቅዱስ ኡራኤል ዓመታዊ በዓሉ ድርብ ሓጎስ ዝፈጥር ናይ እኖና ጽዮን ታቦት ''ዳግማዊት ጽዮን'' ተባሂላ ዝተሠየመት ታቦተ ሕግ ብብፁዕ አቡነ ማርቆስ ሠናይ ፍቓድ ተረኪብና ኣለና።
''ታቦ ሕጉ ለእግዚአብሔር በካህናት ሕጽርት ፡
ወበመንፈስ ቅዱስ ክልልት ፡ ንጉሥኪ ጽዮን ፡ ኢይተመዋዕ በጸር ወኢየኀድጋ ለሀገር፡፡''
ብምዃኑ እውን ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ዘሎ ኩሉ ሰዓቢ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብ ፍኖተ ሰላም ቅዱስ ኡራኤል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ተረኺቡ ናይ በረከት ተሳታፋይ ንኽኸውን መንፈሳዊ ፃውዒትና ነቕርብ።

መርሐ ግብርታትና
ቀዳም (Jul 26) 2025
2pm—4pm ስብከት ወንጌል
4pm-5pm ዋዜማ
5pm—7pm እንግዶት ድራር

ሰምበት (Jul 27) 2025
♦ 12am 5 am ሥራዓተ ማሕሌት
♦ 5am—8am _ ጸሎተ ኪዳንን ሥራዓተ ቅዳሴ
♦ 8am—830 am ስብከተ ወንጌል
♦ 8፡30—10 am ዑደት
10:30 am—11:30am ምሳሕ

''ዑራኤል አሐዱ እመላእክት ቅዱሳን እስመ ዘረዓም ወዘረዓድ ፤ ካብ ዝኸበሩ መላእክት ሓደ ዑርኤል ኣብ መብረቕን ነጐድጓድን ዝተሾመ እዩ።'' ሄኖክ ፮ ፣ ፪

ADDRESS/አድራሻ፡ 355 Riverglen Dr SE,calgary,AB,72C3H7 , Alberta, Canada

ፍኖተ ሰላም ቅዱስ ኡራኤል ትግራይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን አብ ካልጋሪ (Finote Selam St. Uriel Tigrayan Orthodox Tewahdo Church of Calgary)

👇👇👇👇 ሰብስክራይብ
https://youtu.be/iI1ESsM0ksQ?si=BWJp4syWq0t_pr0I

ሥርዐተ ማኅሌት ዘሐምሌ ገብርኤል [ሐምሌ ፲፱]መልክዐ ሥላሴሰላም ለአቍያጺክሙ እለ ተሐብአ እምዐይን፥ አናምያኒሁ ሥላሴ ለሜላተ ሰማይ ብርሃን፥ ልብሰ ሰማዕትና ይኩነኒ ምሕረትክሙ ክዳን፥ ላዕሌ...
25/07/2025

ሥርዐተ ማኅሌት ዘሐምሌ ገብርኤል [ሐምሌ ፲፱]

መልክዐ ሥላሴ
ሰላም ለአቍያጺክሙ እለ ተሐብአ እምዐይን፥ አናምያኒሁ ሥላሴ ለሜላተ ሰማይ ብርሃን፥ ልብሰ ሰማዕትና ይኩነኒ ምሕረትክሙ ክዳን፥ ላዕሌየ እስመ ኢሀሎ ልብሰ እስጢፋኖስ እብን፥ ወሥርጋዌሁ እሳት ለቂርቆስ ሕጻን፡፡

ዚቅ
ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ: አንቃዕዲዎ ሰማየ: ጸለየ ወይቤ ቅዱስ ቂርቆስ እጼውዐከ እግዚእየ: ዘኢትሠዐር ንጉሠ ነገሥት መዋኢ: እጼውዐከ እግዚእየ: ዘሰቀልኮ ለሰማይ ከመ ቀመር: እጼውዐከ እግዚእየ: ዘበሥላሴከ ዐመድካ ለምድር: እጼውዐከ እግዚእየ: ኢየሱስ ክርስቶስ ጸግወኒ ስእለትየ።

ነግሥ
ሰላም ለልሳንከ መዝሙረ ቅዳሴ ዘነበልባል: ወለድምፀ ቃልከ ሐዋዝ ቀርነ መንግሥቱ ለቃል: ሞገሰ ክብሩ ሚካኤል ለተላፊኖስ ባዕል: አልቦ ዘይትማሰለከ በልማደ ምሕረት ወሣህል: እንበለ ባሕቲታ እኅትከ ማርያም ድንግል፡፡

ዚቅ
ተውህቦ ምሕረት ለሚካኤል: ወብሥራት ለገብርኤል: ወሀብተ ሰማያት ለማርያም ድንግል።

ዘመንክር ጣዕሙ
ሰላም ለዝክረ ስምኪ ዘመንክር ጣዕሙ: ለወልድኪ አምሳለ ደሙ: መሠረተ ሕይወት ማርያም ወጥንተ መድኃኒት ዘእምቀዲሙ: ኪያኪ ሠናይተ ዘፈጠረ ለቤዛ ዓለሙ: እግዚአብሔር ይትባረክ ወይትአኰት ስሙ፡፡

ዚቅ
ምንተ እንከ እብል በእንተ ማርያም
መሠረተ ጽድቅ ኀደረ ላዕሌሃ: ወአዘዘ ደመና በላዕሉ።

መልክዐ ቂርቆስ
ሰላም ለዝክረ ስምከ ቂርቆስ ሕፃን: ዘፍካሬሁ ተብህለ ጽጌ ምዑዝ ዕፍራን: ለዝ ስምከ ነጋሢ ዘኢየዐርቆ ሥልጣን: ሶበ ይጼውዖ ልሳንየ ውስተ ገጸ ኵሉ መካን: ይደንገፅ ሞት ወይጕየይ ሰይጣን፡፡

ዚቅ
ኢየሉጣ ወለደት ነቅዓ ጽጌ ረዳ: ፀሓየ ጽድቅ የዐውዳ: መላእክት ይትዋነይዋ: ኢየሉጣ ምስለ ወልዳ እሳተ ገብሩ ሐመዳ: ሰአሉ ለነ አስተምሕሩ ለነ ጻድቃን: እስመ በጸሎተ ጻድቅ ትድኅን ወኢትማስን ሀገር።

ወረብ
"ኢየሉጣ ወለደት"/፪/ ነቅዐ ጽጌ ረዳ ወለደት/፪/
ፀሓየ ጽድቅ የዐውዳ ፀሓየ ጽድቅ/፪/

መልክዐ ቂርቆስ
ሰላም ለልሳንከ ለዐቃቤ ሥራይ በእዱ: እንተ ተመትረ እምጕንዱ: ሕፃን ቂርቆስ ለጽሕርት ዘኢያፍርሐከ ነጐድጓዱ: ዮም ባርክ ማኅበረነ ለለ አሓዱ አሓዱ: ከመ ባረኮ አብርሃም ለይስሃቅ ወልዱ።

ዚቅ
ሕፃን ወእሙ ክልኤሆሙ ፈጸሙ ገድሎሙ: ድምፃ ለጽሕርት ከመ ነጎድጓደ ክረምት: ኢፈርሕዎ ለሞት ቅዱሳን ሰማዕት።

ወረብ
ሕፃን ወእሙ ክልኤሆሙ ፈጸሙ ገድሎሙ/፪/
ድምፃ "ለጽሕርት"/፪/ ከመ ነጎድጓደ ክረምት/፪/

መልክዐ ቂርቆስ
ሰላም ለእንግድዓከ ልቡና ዘከብዶ: ከመ እንግድዓሁ ለዕዝራ መጽሐፍ እንተ ይንእዶ: ሕጻን ቂርቆስ ምስለ ወላዲትከ በተዋሕዶ: መኑ ከማከ ለእሳት አምሳለ አሣእን ዘኬዶ: ወመኑ አምሳለ ማይ ዘአቊረረ ነዶ።

ዚቅ
ሃሌ ሃሌ ሉያ ይቤላ ሕጻን ለእሙ: ኢትፍርሒ እም ነበልባለ እሳት: ኢትፍርሒ እም ንፈጽም ገድለነ።

ወረብ
ይቤላ ሕፃን ለእሙ ኢትፍርሒ እም ነበልባለ እሳት/፪/
ንፈጽም ገድለነ ወስምዐነ ኢትፍርሒ እም/፪/

መልክዐ ቂርቆስ
ሰላም ለመልክዕከ በማየ ዮርዳኖስ ጥሙቅ: ወቅቡእ በሜሮን ቅብአ ሰላም ወዕርቅ: በጸሎትከ ነጐድጓድ ወስእለትከ መብረቅ: አቊረርከ ቂርቆስ ነበልባሎ ለእቶነ እሳት ምውቅ: ከመ ነደ እሳት አቊረሩ ሠለስቱ ደቂቅ።

ዚቅ
በጸሎቱ ለቅዱስ ቂርቆስ ወፅአ ማይ እምውስተ ጽሕርት: ወኮነ ጥምቀተ ለአግብርተ እግዚአብሔር: ጽዋዐ ሕይወት ወሀቦሙ: መገቦሙ ወመርሖሙ: እስመ ክርስቶስ ሀሎ ምስሌሆሙ፡፡

ወረብ
በጸሎቱ ለቅዱስ ቂርቆስ እምውስተ ጽሕርት ወፅአ ማይ እምውስተ ጽሕርት/፪/
ለአግብርተ እግዚአብሔር ኮነ ወኮነ ጥምቀተ/፪/

መልክዐ ቂርቆስ
ሰላም ለህላዌከ ማእከለ ሰብዓቱ ነገድ: እለ ሥኡላን በነድ: አስተምሕር ቂርቆስ ቅድመ መንበረ አብ ወወልድ: ኀበ ተሐንጸ መርጡልከ ወዘዚኣከ ዐጸድ: ኢይምጻእ ለዓለም ዘይቀትል ብድብድ፡፡

ዚቅ
በዛቲ መካን ኢይምጻእ ሞተ ላሕም: ወኢብድብድ በሰብእ: ባርካ እግዚኦ ለዛቲ መካን: በዛቲ መካን ኢይኩን ሕፀተ ማይ: ወኢአባረ እክል: ባርካ እግዚኦ ለዛቲ መካን: ቂርቆስ ሕጻን አንጌቤናይ: ወልደ አንጌቤናይት፡፡

ወረብ
በዛቲ መካን ኢይኩን ኢይኩን ሕፀት /፪/
ባርካ ቂርቆስ ለዛቲ መካን ባርካ ለዛቲ መካን/፪/

መልክዐ ኢየሉጣ
ሰላም ለመልክዓትኪ አርብዓ ወሠለስቱ: ዓዲ ሰላም ለጠባይኣትኪ አርባዕቱ: ኢየሉጣ ቅድስት ለቂርቆስ ወላዲቱ: ሰአሊዮ በእንቲኣየ ከመ አይጥፋእ በከንቱ: ለእግዚአብሔር አምላከ ጽድቅ ዘብዙኅ ምሕረቱ።

ዚቅ
ሃሌ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ ሰላማዊት: ሰላም ለኪ: ሰላመ ወልድኪ የሀሉ ላዕለ ኵልነ: ኢየሉጣ እምነ: ወእሙ ለቂርቆስ እግዚእነ: ሰአሊ ለነ አስተምሕሪ ለነ: ከመ ኢንቁም አንቀጸ፡፡

መልክዐ ገብርኤል
ሰላም ለልሳንከ ወለቃልከ ማኅተሙ: ለእስትንፋስከ ጠል ለእሳተ ባቢሎን አቍራሬ ፍሕሙ: ገብርኤል ውኩል ለረድኤተ ጻድቃን ኵሎሙ: አንግፈኒ እምነበልባል ኢያንጥየኒ ሕማሙ: ከመ አንገፍኮሙ ቅድመ ለቂርቆስ ወእሙ።

ዚቅ
ዘረዳእኮሙ ለሰማዕት: ወበላኅኮሙ እምእሳት: አድኅነነ እግዚኦ ሃሌ ሉያ: እምዕለት እኪት።

ወረብ
ዘረዳእኮሙ ለሰማዕት ወባላኅኮሙ እምእሳት ሊቀ መላእክት/፪/
እግዚኦ አድኅነነ "ሃሌ ሉያ"/፪/ እም ዕለት እኪት/፪/

ምልጣን፦
ይቤላ ሕፃን ለእሙ: ኢትፍርሒ እም ነበልባለ እሳት: ዘአድኀኖሙ ለአናንያ ወአዛርያ ወሚሳኤል ውእቱ ያድኅነነ።

አመላለስ:
ለአናንያ ወአዛርያ ወሚሳኤል/፪/
ውእቱ ያድኅነነ ወሚሳኤል ውእቱ ያድኅነነ/፪/

ወረብ
ይቤላ ሕፃን ለእሙ "ኢትፍርሒ እም"/፪/ ነበልባለ እሳት/፪/
ዘአድኀኖሙ "ለአናንያ"/፪/ ወአዛርያ ወሚሳኤል/፪/

እስመ ለዓለም
ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ: አምላኮሙ ለቂርቆስ ወእሙ: በብዝኀ ኀይሉ ወበጽንዐ ትዕግሥቱ: አርአየ ጸጋሁ ላዕለ ሕፃን: ሕፃን ዘኮና መርሐ ለእሙ ዘሠለስቱ ዓም: አርአየ ጸጋሁ ላዕለ ሕፃን ኢፈርሐ ነበልባለ እሳት ዘይወፅእ እምአፈ እቶን: አርአየ ጸጋሁ ላዕለ ሕፃን: አኀዛ ለእሙ እዳ ዘየማን ወሰሐባ ቅድመ መኰንን: አርአየ ጸጋሁ ላዕለ ሕፃን: ወይቤላ ሕፃን ለእሙ ጥብዒኬ እም ወኢትናፍቂ: እምዝ ዳግመ አልቦቱ ኵነኔ: አርአየ ጸጋሁ ላዕለ ሕፃን፤ አእኰትዎ ወሰብሕዎ: ወባረክዎ ለአብ፡፡

አመላለስ
አእኰትዎ ወሰብሕዎ/፪/
አእኰትዎ ወሰብሕዎ/፬/

ወረብ
ወይቤላ ሕፃን ለእሙ ጥብዒኬ እም ወኢትናፍቂ/፪/
እምዝ ዳግመ አልቦቱ ኵነኔ እምዝ ዳግመ/፪/

Address

Addis Ababa

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ:

Share