Zeima

Zeima ✅ Welcome to Zeima Official. Sharing lifestyle, inspiration, and daily moments. Follow for more amazing content. ❤️

12/08/2026

09/08/2026

‘Michael‘ everywhere ☺️🪩

05/08/2026

Deki Raya Shikorat💜😅

ሰላም ኣብ መላእ ዓለም ትርከቡ ተኸታተልተይን ሓገዝተይን፥ ንዘይ ትፈልጡኒ ድማ ዜማ እምብዛ ይበሃል። ንምዝኽኻር ዝኣክል ተወሊደ ዝዓበኹሉን ዝነብረሉን አብ USA እዩ፥ ወለደይ ተጋሩ ኢትዮጱያ...
01/08/2026

ሰላም ኣብ መላእ ዓለም ትርከቡ ተኸታተልተይን ሓገዝተይን፥ ንዘይ ትፈልጡኒ ድማ ዜማ እምብዛ ይበሃል። ንምዝኽኻር ዝኣክል ተወሊደ
ዝዓበኹሉን ዝነብረሉን አብ USA እዩ፥ ወለደይ ተጋሩ ኢትዮጱያውያን ስለ ዝኾኑ ብዛዕባ ታሪኽናን ባህሊ ዓድናን ብግቡእ ሃኒፀሙኒ ዝዓበኹ ኩሉ ተቐቢለ ድማ ዓቕመይ ብዝኽእሎ አብ ባህልን ታሪኽን ዓደይ እናተዋሳእኹ ይርከብ።

ቅድም ኢለ ኣብ ዝገብሮም ዝነበርኩ ምንቅስቓሳት ዝራኣዩኒ አብ DMVን ከባቢኡን ዝርከቡ ኮሚኒቲ ትግሪይ አምባሳደር አሸንዳ ትግራይ ኢሎም ን2ተ ዓመት ሸይሞምኒ ሰሪሐ እየ፥ ምስዚይ ጎኒንጎኒ አብቲ ዕፅዋን ክባን ብዂናት ህዝብና ኣብ ዝሳቐየሉ እዋን አብ ሱዳን ተነድባ ካምፕ ከይደ ዝኽእሎ ሓጊዘ ብኡ አቢለ ድማ ናብ ትግራይ ዓይደር ሆስፒታል ክይደ ዝኽእሎ ኣበርኪተ እየ። ከምኡውን ኣብ ኩይናት አካላተን ዝጎደላ ደቂ አንሰትዮ አሕዋተይ አብ በዓል አሸንዳ ጊዜ ልዕሊ 300 ቁፅረን ደቂ ኣንስትዮ ን3 ዓመት ዝኣክል ከዲነ አተባቢዐየን እየ፡ አምላኽ ይመስገን።

ብምቕፃል መፂሄት ናይ አሸንዳ ትግራይ አሕቲመ ብምብርካት፥ ብተወሳኺ እውን " color of Tigray " ዝብል ፊልሚ ኣብ ባህሊን ታሪኽን ዓደይ ዘዘንቱ ንዓለም ኣብ ምልላይ ዓብይ ግደ ዘለዎ አበርኪተ እየ። ብድሕሪ እዚ ኣብ ቢሮ ባህልን ቱሩዝምን ተወዳዲረ ተቐባልነት ረኺበ እናሰራሕኹ ድሕሪ ምፅነሓይ አብ ዝሓለፈ አብ ሚድያ ቃለመሕትት ብናይ ቋንቋ ሕፅረት ምኽንያት ብጦርነት ዝተሰደዱ ተጋሩ ክብል ናተገበአኒ "ኢትዮጵያ ስደተኛታት ክሕግዝ ከይደ " ብዝብል አገላልፃይ አብ ህዝበይ ቅሬታ ሰለ ዝፈጠረለይ ንኽብሪ ህዝበይ ክብል ይቕሬታ ሓቲተ እየ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ካብ ዓዲ ብዝተነገረኒ ሓበሬታን፥ ዝተወሰኑ ቪድዮታት ብዝረአኽዎ መሰረት "ግፉ ጌጋ እዩ" ስለ ዝበልኩ ባህልን ቱሪዝም ቢሮ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ዘይማ ካብ ሓላፍነታ አውሪድናያ አለና ዝብል ሐበሬታ አብ ሶሻል ሚድያ እየ ሰሚዐዮ፥ብግቡእ እኳ አይተነገረንን ። ዝኾነ ኾይኑ ቀደሙውን ባዕለይ ሓላፍነት ወሲደ አምባሳደር ናይ ህዝበይ ኮይነ እየ ዝሰርሕ ነይረ ሔዚውን እንተኾነ ወረቐት አየድልየንን እዩ፥ አሸንዳ ትግራይ ክሳብ ብዩኒስኮ ተፈላጥነቱ ዝረጋገፅ፥ መእንተ ፍቕሪ ዓደይን ህዝበይን ክብል፥ ኣበርቲዐ ክቃለስ ምዃነይ ክገልፀልኩም ይፎቱ ።

አብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ አነ ብወለደይ ኣቢለ ትግራወይቲ ኢትዮጵያዊት፥ ተወሊደ ዝዓበኹሉን ዜግነተይን ድማ አሜሪካዊት እየ። ግልፂ ንምግባር አሜሪካዊ ኮንካ አብ ዝኾነ ናይ ካልእ ሃገር ፓለቲካን መንግስታዊ ስራሕትን ክትካፈል ወንጀል እዩ፥ ስለዚህ ገለገሌኹም አብ ዘይትፈልጥዎን ዘይወዓልኩዎን እትህቡኒ አስማት ንዓይ አይምልከተንን እዩ። እግዛቢሄር ይመስገን ተማሂረ ፅቡቕ ስራሕ ዘለኒን ብሩዃት ሩኹባት ወለዲ እውን ሂቡኒ ዝተዓደልኹን እየ። ስለዚ ናይ ማንም ፓለቲካን መንግስትን አባል አይኮንኩን ኩርዕቲ ትግራወይቲ ኢዮጱያዊት እየ።

ኣብ መወዳእታ ኩሉ ግዜ ከም ውላድኩምን ከም ሓፍትኹምን ሪእኹም ተበራታትዑንን ፈተውቲ ዓድኹምን ባህልኹምን ዝኾንኩም ብሙለእኹም ካብ ልቢ የመስግነኩም !! እዚ መልእኽተይ ናብ ኩሉ ንክባፃሕ ድማ ሼር ግበሩለይ የቐንየለይ!።

ዘይማ እምብዛ ስብሃትለአብ።

28/07/2026

🥰

27/07/2026

Ashenda Documentary Coming Soon ❤️

13/07/2026

 🔥
08/07/2026

🔥

Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Zeima posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share