
25/01/2025
#ሃንግኦቨር
====================
#ማለት ሓደ ሰብ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ኣልኮላዊ መስተ ምስ ወሰደ ዝፍጠር ፅቡቕ ዘይኾነ ስሚዒት እዩ።
#መብዛሕትኡ እዋን ድሕሪ መስተ ቀፂሉ ዘሎ መዓልቲ ዝኽሰት እንትኸዉን ፤ ኣብ ዉሑዳት ሰባት ግና ንልዕሊ 24 ስዓት ክፀንሕ ይኽእል እዩ።
#ሃንግኦቨር ዝፍጠረሉ ላዕለዋይ ዓቐን ኣልኮል ዋላ ብንፁር ኣይፈለጥ ፤ ነገር ግን ቁፅሪ እንወስዶ መስተ እንትውስኽ ቀፂሉ ኣብ ዘሎ መዓልቲ ሃንግኦቨር ናይ ምፍጣር ዕዱሉ ብኡ መጠን ይውስኽ።
፨፨፨ዝርግሐ ሃንግኦቨር፦
#ኣብ ሃገርና ብዛዕባ ዝርግሐ ሃንግኦቨር ዝጥምት መረዳእታ እንተዘይሃለወ፤ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ግና ወርሓዊ ብማእኸላይ 15% ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ድሕሪ ኣልኮላዊ መስተ ሃንግኦቨር ከም ዘጋጥሞምን፡ ካብዚኦም ደማ 10% ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዕለታዊ ሰርሖም ሳዕቤናት ሃንግኦቨር ከምዘሸግርዎምን ይሕብሩ።
፨፨፨ምልክታት ሃንግኦቨር፦
**ምልክታት ሃንግኦቨር ዝጅምሩ ኣብ ደምና ዘሎ መጠን ኣልኮል እንትቕንስ ወይም ድማ ናብ ዜሮ እንትፅጋዕ ዋላ እንተኾነ ብተወሳኺ ድማ ዝወስዶ መጠንን ዓይነትን ኣልኮል ይዉስኖ እዩ።
**እዞም ዝስዕቡ ምልክታት ሃንግኦቨር እዮም፦
#ርሃፅ
#ፃምእ ማይ
#ድኻም ሰዉነት
#መጠኑ ዝሓለፈ ንቕሓት
#ሕማም ርእሲ
#ሕማም ጭዋዳታት
#ምዕውልዋልን ተምላስን
#ቁርፀት ከብዲ
#ብድምፅን ብርሃንን ብቐሊሉ ምርባሽ
#ስእነት ወይም ምቕናስ ድቃስ
#ቃሓር
#ድብርት፥ጭንቀት
#ስምዒት ብዥታ ዓይኒ
#ምንኣስን ምዝባዕን ትኹረት
#ምውሳኽ ውቅዒት ልቢ
#ምንቅጥቃጥ ሰብነት
#ምድራቕ ኣፍን ከንፈርን
#ስምዒት መሬት ኣብ ልዕሌኻ ትዘውር ዘላ ምምሳል
***ሓደ ሰብ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ኣልኮላዊ መስተ ድሕሪ ምስታዩ ናብ ጥዕና ትካል ከውሰድዎ ዝኽእሉ ምልክታት፦
#ዓወር ቆዘር ምባል ወይም ቀልቢ ምስሓት(Stupors or coma)
#ተኸታታልን ዘየቋርፅን ተምላስ
#ምቕያር ኣተነፋፍሳ->ተሎ ተሎ ምትንፋስ
->ካብ ዓቐን ንታሕቲ ምትንፋስ
->ዝተዛብዐ ኣተነፋፍሳ
#ምቕያር ሕብሪ ቆርበት(ምፅዕዳው)
#ካብ ዓቐን ንታሕቲ ምቕናስ ሙቐት
***ንሃንግኦቨር ካብ ዘቃልዑ ወይም ዘጋድዱ ተግባራት ንገሊኦም፦
#ኣብ ጥራሕ ከብዲ ምስታይ
#ኒኮቲን ዝብሃል ንጥረ ነገር ዝሓዙ መዐወኒ ሱሳት ማለት እውን ሽጋራን ሓሺሽን ምስ መስተ ሓዊሰካ ምውሳድ
#ድሕሪ መስተ እኹል ድቃስ ዘይምውሳድ ወይም ጠቕሊልካ ዘይምድቃስ
#ኣብ ቤተሰብ ኣልኮላዊ መስተ ዘዘውትር ሰብ ምህላው
#ኣልኮላዊ መጠኖም ብዙሕ ዝኾኑ መስታት ምውሳድ።ንኣብነት፦ዊስኪ፥ቀይሕ ዋይን፥ቢራ፥ብራንዲ ወዘተ...
***ሕክምና ሃንግኦቨር፦
>>>ዋላ ሃንግኦቨር ቀስብቐስ ባዕሉ እንተጠፍኣ፡ነገር ግን ንሃንግኦቨር ዘለዎ ሰብ እዞም ዝስዕቡ ተግባራት ክፍፀሙ ኣለዎም፦
#እኹል ፈሳሲ ምውሳድ(Rehydration):-ማይ ወይም ናይ ፍራፍረ ፅሟቕ
አስተውዕሉ፦ተወሳኺ ኣልኮልነት ዘለዎ መስተ ምውሳድ ነቲ ችግር ስለ ዘጋድድ ክውገድ ኣለዎ።
#ካብ ስሩዕ ስዓት ምግቢ ወፃኢ፡ ብመጠኑ ተወሳኺ ምግቢ ምውሳድ
#ግዚኦምን ዓቐኖምን ዝፍለጡ መዐገሲ ሕማም መድሓኒታት ምውሳድ
#እኹል ድቃስ ምድቃስ።
፨፨፨፨እቲ ዋናን ውፅኢታዊን ናይ ሃንግኦቨር መድሓኒት ኣልኮላዊ መስተ ምውጋድ እዩ።
Had one too many drinks last night? Don’t worry, I’ve got you covered! As a nurse, I’m sharing my top 5 tried-and-true hangover remedies to help you bounce b...