07/11/2025
ስራሕቲ ቅቁቅበሳ ሩባ ግድብ መገጭ ብዓወት ተዛዚሙ - ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ: 28 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም (ኣሚኮ) ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ መገጭ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገፆም ኣብ ዝዘርግሕዎ ፅሑፍ ኣብ ጎንደር ዑደት ኣብ ዝገበሩሉ እዋን ስራሕቲ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ መገጭ ከምዝገምገሙ ገሊፆም።
እቲ ፕሮጀክት ኣብ 870 ሄክታር መሬት ዝዓረፈ ኮይኑ ምስተዛዘመ ን17 ሽሕ ሄክታር መሬት አገልግሎት መስኖ ከምዝህብ ትፅቢት ይግበር።
እቲ ቁልፊ ፕሮጀክት ዝኾነ ስራሕቲ ም ሩባ መገጭ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተረፉ ስራሕቲ እውን ብዝተትሓዘሎም ትልሚ መሰረት ይስርሑ ከምዘለዉ ገሊፆም።
ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ መገጭ ምስተዛዘመ መፍረያይነት ሕርሻ እቲ ከባቢ ከም ዝውስኽ እውን ኣመልኪቶም።
@ዮሐንስ ተስፋዬ