Chora Media

Chora Media we strive for change through information access!

03/02/2025

ሑመራ!

Send a message to learn more

23/10/2024

ትግራዋይ ነንባዕሉ ክናኸስን ክፀላለምን ውዒሉ ይሓድር ኣሎ፡፡ ፀላእቲ ከዓ ዝወረርዎ መሬትና ዘፍረዮ ምህርቲ ካሓፍሱ ክጎዩ ውዒሎም ይሓድሩ ኣለው፡፡ ‘ታይ ኢና ባ ኮይንና?

ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ስላምን ፀጥታን ትግራይ፣ ሉኣላውነትን ሓድነትን ትግራይ ማእኸል ገይሩ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ ክብሉ ምክትል ፕረዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ  ገሊፆም...
21/08/2024

ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ስላምን ፀጥታን ትግራይ፣ ሉኣላውነትን ሓድነትን ትግራይ ማእኸል ገይሩ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ ክብሉ ምክትል ፕረዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም ።
ምክትል ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ካብኔ ሴክሬተርያት ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ( ወዲ ወረደ)፥ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ካብ ዝተልዓሉ ጉዳያት ተወስኽቲ ነጥብታት ድማ ፡
★ ተፈጢሩ ዝነበረ ወጥሪ ፓለቲካ ስዒቡ ስግኣት ተፈጢሩ ዋላ እንተነበረ፣ ዝኾነ ፓለቲካዊ ወጥሪ ናብ ፀጥታ ፀገም፣ ሽግር ከይዓብይ ንምግባር ኢና ንሰርሕ ዘለና ።
★ ድሕሪ ሕዚ እውን ዝቕፅሉ መድረኻት እውን ብሰላማዊ መንገዲ ክቕፅሉ ክንሰርሕ ኢና ።
★ ኣብ መቐለ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ፣ ስፓርታዊ ውድድራት እውን በዘይምንም ፀገም ፀጥታ ተዛዚሙ እዩ።
★ ብዓል ኣሽንዳ ኣብ ኩሉ ከባቢታ ትግራይ ብሰላማዊ መንገዲ ንክኽበር ምድላው ገይርና ኢና።
★ ብመዳይ ፀጥታ ብፅቡቕ መንገዲ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።
★ መበገሲ ፀገም ፀጥታ ዝኾኑ ኢልና ሓይሊ ዕማም ኣጣይሽና እናስርሕና ዘሎ ኣብ ዘይሕጋዊ ዕደና፣ ስርቂ ሓፂነ መፂን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ዘይተጀመሩ ዘለዎ ድማ ክጅመሩ ምችው ባይታ ተፈጢሩ እዩ።
★ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ስላምን ፀጥታን ትግራይ፣ ሉኣላውነትን ሓድነትን ትግራይ ማእኸል ገይሩ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ።
★ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ስራሑ ብዝግባእ እናፈፀመን ህዝቢ ድማ ኣብ ጎኑ እዩ ዝበሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስጋና ይግባኦ ኢሉ።
★ ፀጥታ ትግራይ ዝዘርግ ዝኾነ ይኹን ፀገም ክገጥም ከምዘይኽእል ድማ ገሊጾም።
★ ፓለቲካ ትግራይ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ወቕቱ ብዝሓቶ መንገዲ መፍትሒ ክረክብ ኢልና ንሓስብ ።
★ ፓለቲካዊ ኣፈላላይ ወይ ቅዋም፣ ኣተሓሳስባታት ፓለቲካዊ ክሳብ ዝኾኑ ንቡር እናኾነ ይኸይድ ኣሎ እዚ ድማ ፅቡቕ እዩ።
★ ከም ህዝቢ መጠን ፓለቲካዊ ፀገም ኣጋጢሙ ኣሎ፣ ዝገጠመሉ ናይ ባዕሉ መበገሲ ክህልዎ እዩ ይኹን እምበር ብዝሰልጠነ መንገዲ ክሳብ ዝኸደ ዝፍታሕ ክኽውን እዩ።
★ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ፓለቲካዊ ፀገም ጥራሕ ምርኣይ እንተይኮነስ ክህልዎ ዝኽእል ፀጋ እውን ምርኣይ ፅቡቕ እዩ።
★ ንቐፃሊ ፓለቲካዊ ሂወት ትግራይ ፅቡቕ ክኸውን ኢና ንከታተሎ ዘለና።
★ ፓለቲከኛታትና ድማ ልቢ ኣዕብዮም ኣፈላላዮም ብፓለቲካ ጥራሕ ክፈትሑ ይግባእ።
★ ፓለቲካዊ ኣፈላላይ ብሓይሊ ወይም ምምሕዳራዊ መንገዲ ኣይኮነን ክፍታሕ ዘለዎ።
★ ዝኾነ ይኹን ፓለቲካዊ ኣፈላላይ ብፓለቲካዊ መስርሕ ዝፍተሐሉ መስርሕ ኩሎም ኣብዚ ዝሳተፉ ዘለዎ ኣካላት ክሓስብሉ ይግባእ።
★ ህዝቢ ትግራይ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ተሸኪሙ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ናብ ተወሳኺ ፀገም ንክይኣትው ኩሉ ዝክኣለና ንገብር ኢና ።
★ ኣብ ፓለቲካ ትግራይ ተጋሩ ጥራሕ ዝሳተፍሉ እምበር ካብ ደገ ኢድ ኣእታውነት ከይህልው ንሰርሕ ኢና ።
★ ኣብ ፀለምቲ ምጥያሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ስምምዕ ከምዝተገበረ ይኹን እምበር ምችው ኩነታት ስለዘይተፈጠረ ክፀንሕ ይግባእ ዝብል ቅዋም ሒዚና ኣለና።
★ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኮይንና ዝግበር መረፃ ነፃን ፍትሓውን ስለዘይኸውን ክፀንሕ ወሲና ኣለና።
★ ዝተመለሱ ወገናትና እውን እኹል ሰብኣዊ ሓገዝ እናረኸቡ ኣይኮነን ፣ ናይ መንነት ሕቶ ዘይብሉ ህዝቢ ፅዕንቶ ይፍጠረሉ ስለዘሎ ክፍታሕ ይግባእ ኢልና ኣለና ።
★ እቲ ዝተመለሰ ወገና ከምስድርኡ እዩ ተሓዊሱ፣ ምችው ኩነታትን ውሑስ ሰላምን ክሳብ ዝፍጠር ኣብ ምጥያሽ ግዝያዊ ምምሕዳር መረፃን ከምዘይንሳተፍ ገሊፅና ኢና።
# ፈይሰል ሙስጦፋ

ስእሊ ይዛረብ!11 ሰነ ምፍላም በርቃዊ ኦፕሬሽን ወፍሪ ኣሉላ ኣብ ሸውዓተ ሕጉም-የጭላ  💪💪💪
18/06/2024

ስእሊ ይዛረብ!
11 ሰነ ምፍላም በርቃዊ ኦፕሬሽን ወፍሪ ኣሉላ ኣብ ሸውዓተ ሕጉም-የጭላ
💪💪💪

03/06/2024

ንሌባን መጭበርበርን ምንድብ ተዘየቢልካዮ ይሰጥጥ 'ዩ። 'ምንድብድብ' ነብሎም!

ናይ ከተማ ዓድዋ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ግን ኣብ ስራሕ ዶ ኣለው? ከመይ ንሓንቲ ብፋሉላት ሸፋቱ ዝተጨወየት ሓንቲ ወገን ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ፍትሒ ምርግጋፅ ይኣብዮም? ወይስ ንሶም እውን ኣካል ...
03/06/2024

ናይ ከተማ ዓድዋ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ግን ኣብ ስራሕ ዶ ኣለው? ከመይ ንሓንቲ ብፋሉላት ሸፋቱ ዝተጨወየት ሓንቲ ወገን ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ፍትሒ ምርግጋፅ ይኣብዮም? ወይስ ንሶም እውን ኣካል ናይቶም ጨወይቲ እዮም? ብዝኾነ ምጥርጣር የድሊ እዩ!





!

“ክንደይ ሻዕ ኣሎ ትካቦ ለመና       ኣሕርሰኒ እንከሎ ‘ቲ ደመና!              ብግዜ”
20/05/2024

“ክንደይ ሻዕ ኣሎ ትካቦ ለመና
ኣሕርሰኒ እንከሎ ‘ቲ ደመና!
ብግዜ”

11/05/2024

ንሓደ ሰሙን ክኽበር ዝቐነየ ዓለም ለኸ መዓልቲ ነርስታት ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ተዛዚሙ።
ብምኽንያት ዓለም ለኸ መዓልቲ ነርስታት “ነርስታትና መፃኢና፣ ቁጠባዊ ሓይሊ ክንክንን” ብዝብል ቴማ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ብዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ኣብ ኮምፕርሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር እናተኸበረ ዝፀንሐ መዓልቲ ነርስታት 2016 ዓ/ም ሎሚ ጉንቦት 03/2016 ዓ/ም ብዕሊ ተዛዚሙ። እቲ በዓል ካብ ኣደባባይ ሮማናት ብኣደባባይ ዘስላሴ፣ ብእንዳ ገብረመንፈስ ቅዱስ ቤተ-ክርስቲያን ኣቢሉ ብማርሽ ባንድ ኦርኬስትራ ትግራይን ብሰብ ሞያ ነርስን ተዓጂቡ ናብ ሆስፒታል ዓይደር ናይ እግሪ ጉዕዞ ዝተገበረ ኮይኑ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ድማ ነቲ በዓል ዝምልከቱ ምድላዋት ተኻይዶም እዮም።
ነቲ ዕለት ዝምልከት መልእኽቲ ዘሕለፉ ዋና ዳይሬክተር ስራሕ ኣካያዲ ኮሌጅ ጥዕና ሳስይንስ ዶ/ር ክብሮም ገ/ስላሴ ብነርስታትና እናተሰርሑ ዝቐነዩ ብሉፃት ስራሕቲ ኣብነት ብምውሳድ ንቐፃሊ ብዙሕ ስራሕ ምስራሕ ከምዝከኣል ኣርእዩና እዩ ብምባል ዝበለፀ ዝገብሮ ድማ ኣብ ምምሃር ምስትምሃርን ምሕካምን ዘለዉ ሰብ ሞያ ነርስ ተናቢቦም ምስራሕ ምኽኣሎም ካልኦት ሞያታት’ውን ብተመሳሳሊ ሓቢርካን ተናቢብካን ምስራሕ ከምዘድሊ ገሊፆም። ነርስታት ናይ ሆስፒታል ጥራሕ ዘይኮኑስ ብኣውርኡ ናይ ስርዓት ጥዕና ዓንዲ ሑቐ እዮም፡ እቲ ስርዓት ጥዕና እንትዕወት ይኹን እንትወድቕ ምስኡ ሓቢሩ ዝዕወትን ዝወድቕን እዩ። ኣብ ምውሓስ ቁጠባ ዓዲ’ውን ናይ ባዕልና ኣስተዋፅኦ ክንገብር ከምዝግባእ ወሲኾም ሓቢሮም።
እንኳዕ ንመዓልቲ ነርስታት ኣብፅሐኩም ክብላ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒተን ዝገለፃ ድማ ምክትል ዋና ክሊኒካል ዳይሬክተር ዶ/ር መስቀሉ ኪዱ እየን። ሰብ ሞያ ነርስታትና ምስቲ ካልእ በዓል ሞያ ብሓባር ኣብዝሓለፈ ኣፀጋሚ እዋን ብፍላይ ወለዶ ዘይርስዖ ታሪክ ሰሪሕኩም ኢኹም። ጀሚርክምዎ ዘለኹም ስራሕ’ውን መምሀሪ እዩ። ሆስፒታልና’ውን መምሀሪን መሐከሚን ስለዝኾነ ንኻልኦት መርአያ ዝኸውን ስራሕ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይግባእ ኢለን። ምስ ታሪክ ምኽባር መዓልቲ ነርስታትን ህልዊ ኩነታት ቤት ትምህርቲ ነርስ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ዝምልከት ብተሓባባሪ ፕሮፌሰር ካልኣዩ ኪዳኑን ዶ/ር ገ/ሄር ብሩህን ብዝርዝር ቀሪቦም እዮም።
ብተወሳኺ ንኸባቢ ሓደ ሰሙን ብሰብ ሞያ ነርስታት ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ዝተሰርሑ ምንቅስቓሳት ብዋና ሓላፊት ነርሲንግ ሆስፒታል ዓይደር ሲ/ር ኤደን ካሳሁን ዝቐረቡ ኮይኖም ካብዚኦም ምፅራይ ክፍሊታት ተሓከምቲ፣ ምንክብኻብ ተሓከምቲ፣ ምልጋስ ገንዘባዊ ሓገዝ ንኣዝዮም ዝተፀገሙ ተሓከምቲ፣ ምልጋስ ደም፣ ምርመራታት ሽኮርን ጥዕናዊ ኣስተምህሮን ከምዝርከብዎም ሓቢረን።
ኣብቲ መድረኽ ንነርስታት ሆስፒታል ዓይደር ብሓፈሻ ንሰብ ሞያ ነርስ ዝምልከት ኣብ ቀፃሊ ክትግበሩ ይግብኦም ዝተብሃሉ ምስ መሃያ፣ ኣብ ስራሕ ቦታ መፅንሒ ህፃናት/Daycare ምድላው፣ ኣስተዋፅኦ ንዝገብሩ ኣፍልጦ ምሃብ፣ ንሰብ ሞያ ዝወሃብ ነፃ ሕክምና፣ ዕድል ትምህርቲ፣ ወዘተ. ዝብሉ ብርክት ዝበሉ ሓሳባት ብተወካሊ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ዓይደር ብነርስ ብርሃነ ሃ/ማርያም ብንባብ ቀሪቦም እዮም።
ዋና ዳይሬክተር ልምዓትን ምምሕዳርን ኮሌጅ ጥዕና ሳስይንስ ሆስፒታል ዓይደር ዶ/ር ሃ/ስላሴ በርሀ ብግድኦም ኣብዚ ሰሙን ብዝሰራሕኽምዎ ስራሕቲ ኣዚና ኮሪዕና ኢና፡ ስለዚ ኩላትና ሓቢርና እንተሰሪሕና ዘይፍታሕ ፀገም የለን ምስበሉ፤ ብተወካሊ ሰራሕተኛታት ተጠሚሮም ዝቐረቡ ሕቶታት’ውን ፅቡቓት እዮም፡ ክሳብ ዩኒቨርሲቲና ኣመራርሓ ኢሉውን ክሳብ ፌደራል ሕቶኹም እናቕረብና ኢና ንቐፃሊ’ውን ናይ ጥዕና ማሕበራት ይኹን ኩሉ በዓል ሞያ ብሓባር እናተረዳዳእና እንተሰሪሕና ፍታሕ ክነምፅእ ኢና ክብሉ ገሊፆም።
ኣብ መወዳእታ ንልዕሊ 30 ዓመት ኣብ ሞያ ነርስነት ዘገልገሉ፣ ፍሉይ ኣስተዋፅኦ ዝነበሮም ስራሕቲ ክፍሊን ሰብ ሞያን ሓዊሱ ምስክር ወረቐት የቐንየልና ተበርኪትሎም እዩ።
Build Back Better!
@ Mekelle University

30/04/2024

ተጠንቀቑ! መጭበርበርቲ በዚሖም ኣለዉ፡፡
ስልኪ ደዊሎም ካብ ንግዲ ባንኪ ኢና ይብሉኻ እሞ ናይ ንግዲ ባንክ ሞባይል ባንኪ ትጥቀም ዶ? ኣካውንትኻ ዝኾነ ዝጎደለ ዝምላእ ኣለዎ፣ ኣካውንትኻ ከይጥለፍ ተወሳኺ ዝምላእ ኮድ ኣሎ፣ ኮድ ክንልእኸልካ ኢና ንሱ እንተእቲኻ ክነስተኻሕለልካ፣ ኣውደኣመት ስለዝኾነ ከይዕፀወካ…… ገለመለ እናበሉ ገንዘብካ ግርህናኻ ወይ ቴክኖሎጂ ናይ ዘይምፍላጥ ስንፍናኻን ተጠቒሞም ክወሩኻ ዝፅዕሩ ለያቡ በዚሖም ኣለዉ፡፡ ስለዚ ተጠንቀቑ! ናብቲ ባንኪ ብኣካል ከይድኩም እንተዘይኮይኑ ብዛዕባ ሒሳብ ቁፅርኹም ብኣካል ንዘይትፈልጥዎ ሰብ ዝኾነ ሓበሬታ ብስልኪ ከይትህቡ!!

15/04/2024

ጥዑም ንፋስ ደቡብ ፍሽ ፍሽ ይብል ኣሎ ብክልቲኡ ኣእዛንና!

13/03/2024

ፀሓይ ንባዕላ ክትብል ዑደታ ሓልያ ከምትበርቕ ትዕግስቲ እንተሃልዩካ ዘይሓልፍ ፀገምን መከራን የለን። ንኺድ ጥራይ ፀባይ እንተጌርና ኩሉ ክንርእዮ ኢና። ኣብ ጃላ ጉዕዞ መን ከምዝርብርብ ክንርኢ ኢና።

10/03/2024

ኣብ ቆሎ ጥጥቖ ሓፍሓፍ ኣይትበሉ እልፊ እንጣጢዕ መሬትና ይመለስ በሉ ክብረትና ምስመሬትና ክምለስ 'ዩ!!

Address

Addis Ababa
<<NOT-APPLICABLE>>

Telephone

+251936888820

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Chora Media posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share