02/11/2024
ዝርዝር ትሕዝቶ #ዝፀደቀ መምርሒ 3ይ ዙር #70ካሬ
~ ~ ~
ናብ ኹልኹም ኣባላት,ኣመራርሓ,ኦዲተራት ሕድ ሕድ ማሕበራት 3ይ ዙር 70ካሬ!
#ኹልኹም ከም እትፈልጥዎ ኣመራርሓ ጥምረት 3ይ ዙር 70ካሬ ኣብ እስታዴም መቀለ ብዕሊ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ግሊ ስርሑ ገዲፉ ናይ ዝወከልዎ ልዕሊ 3043 ማሕበራት ሕቶ ትሓንጊጡ ወገሐ ጸበሐ ናብ ኹሎም ዝምልከቶም ቢሮታት ከተማ መቀለ ብእግሩ ክመላለስ ጸኒሑ እዩ። #ምምልላስ ጥራሕ ዘይኾነ ኹሎም ሕቶታት ብሰነድ ኣዳሊው ንዝምልከቶም ሓለፍቲ ንክቡር ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳእውን ከይተረፈ ኣረኪቡ እዩ።ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ድማ ነዚይን ኻልኦት ሕቶታትን ኣካቲቱ ኣብ ከተማ መቀለ ዘሎ ሕጽረት መሬት ኣብ ግምት ኣእቲው ብዕለት 04/01/2017ዓ/ም ኣጋምሸት እቲ ዝስራሕ ዲዛይን ብ G+4 ክኸውን ወሲኑ ኣሎ።
#እዚይ ኹነታት ንምርግጋጽ ኣመራርሓ ጥምረት 3ይ ዙር 70ካሬ ሎሚ ዕለት 06/01/2017ዓ/ም ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ላዕሎዎት ሓለፍቲ ቢሮ ኮንስትራክሽን ክ/ትግራይ ስፍሕ ዝበለ ስብሰባ ዝገበርና እንትኸውን እዘን ዝስዕባ ነጥብታት ድማ ከም ገዛ ዕዮ ክኾናና ሒዝኹም ኽዱ ተባሂልና ኣለና።
1.ኣብ ኩለን ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ዘሎ ዲዛይን G+4 እዩ።ቅድም ኢሉ G+6,G+7,G+8 ተባሂሉ ዝነበረ ነቶም ዝቅጽሉ ማሕበራት እምበር ንዓኹም ቡዙሕ ዓመት ዝጸናሕኹም ስለዝኾንኹም ኣይምልከተኩምን።
2.ዕደላ መሬት ኣብ 2017ዓ/ም ከም ዝውኃብ ፈሊጥኹም ኹሉ ማሕበር ኣድላይ ዘበለ ምድላው ክገብር-ነዚይ ዝምልከት ኣብዚይ ሰሙን ብሚድያታት ኦሮንቴሽን ከም ዝውኃብ።
3.ማሕበራት ኣብ ፍትሒ ቢሮ ብዝተውኃበን ተራ ቁጽሪ ከም ዝተኣናገዳ, ኣብ ምዕቋር ዝኾነ ዓይነት ጉድለት ዘሎወን እንተኾይነን ግን ነዐአን ዘሊልኻ ናብ ዝቅጽል ተራ ቁጽሪ ከም ዝእተው።
4.ሕድ ሕድ ማሕበር 20% ናይ G+4 ህንጻ ጠቅላላ ዋጋ ብመልክዕ ቅድመ ክፍያ ክኸፍላ እየን።
5.ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንሕድ ሕድ ማሕበር መሬት ምዕዳል እምበር ኣብ ዝኾነ ምንቅስቃ ኢዱ ከምዘየእትው።
6.ኹሎም ማሕበራት እንድሕር ዝስማዕምዑ ኾይኖም እቲ ህንጻ G+5 ገይሮም እቲ Ground Commercial ክገብርዎ ይኽእሉ እዮም።ንመኽፈሊ ሓበራዊ ዕዳ!
7.ካብዚይ ቀጺሎም ዝውደቡ ማሕበራት ግን (high rising building) ክኸውን ከም ዝተወሰነ!
8.ኣብ ትግራይ ን3ይ ዙር 70ካሬ 80% ክሕግዙ/ከለቅሑ ዝተዳሎው ትካላት ኣሎው እዮም።እንመን ዝብል ሕቶ ይጽነሐልና።