Eureka Life School

Eureka Life School Writer & Motivational Speaker

 #መትከላት  #ንጥፈታት  #ኣይኮኑንመትከላት ንጥፈታት ኣይኮኑን። ንጥፈት ሓደ ውሱን ተግባር እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ውጽኢታዊ ዝኾነ ንጥፈት፣ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ናይ ግድን ውጽኢታዊ ይኸውን ...
21/05/2024

#መትከላት #ንጥፈታት #ኣይኮኑን

መትከላት ንጥፈታት ኣይኮኑን። ንጥፈት ሓደ ውሱን ተግባር እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ውጽኢታዊ ዝኾነ ንጥፈት፣ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ናይ ግድን ውጽኢታዊ ይኸውን ማለት ኣይኮነን። ወለዲ ልክዕ በቲ ንቀዳማይ ውላዶም ዘዕበዩሉ ኣገባብ ንካልኣይ ውላዶም ንምዕባይ ብምፍታን፣ ነዚ ሓቂ ከረጋግጹዎ ይኽእሉ እዮም።

ንጥፈታት ኩነታዊ ብዝኾነ መልክዑ ውሱናት ክኾኑ ከሎዉ፣ መትከላት ግና ዕምቈት ዘሎዎምን ሱር-መሰረታውን ሓቅታት እዮም። ብተወሳኺ መትከላት ኣብ ዝኾነ ቦታ ብማዕረ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ ይኽእሉ እዮም። መትከላት ኣብ ህይወት ውልቀሰባት፣ ኣብ ሓዳር፣ ኣብ ቤተሰብ፣ ኣብ ውልቃዊ ወይ ኣብ ህዝባዊ ትካላት ክትግበሩ ይኽእሉ እዮም። እዞም ሓቅታት ወይ መትከላት ብልማድ መልክዕ እንተ ተኣታትዮም፣ ሰባት ሰፋሕቲ ንጥፈታት ብምፍጣር ንዘጋጥሙዎም ዝተፈላለዩ ጸገማት ዝብድሁሉ ዓቕሚ ከዕጥቑዎም እዮም።

መትከላት ክብርታት (Values) ኣይኮኑን። ሓደ ጭፍራ ጉሓላሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ክብርታት ኣሎዉዎ። ይኹን እምበር ኣንጻር ናይ’ዞም ንዛረበሎም ዘሎና መሰረታዊ መትከላት እዩ። መትከላት ግዝኣታት እዮም። ክብርታት ግና ካርታታት እዮም። ንመትከላት ግቡእ ክብሪ ክንህቦም ከሎና፣ ወነንቲ ሓቂ ኢና። ከም ውጽኢቱ ድማ ሓቀኛ ናይ ነገራት ፍልጠት ይህልወና።

መትከላት ንጠባይ ደቂ ሰባት ኣደብ ዘትሕዙ መምርሕታት እዮም። መትከላት ነባርን ቀዋምን ክብሪ ኣሎዎም። መትከላት ሱረ-መሰረታዊ እዮም። መትከላት ኣብ ክትዕ ወይ ኣብ መጐተ ዝኣትዉ ኣይኮኑን፤ ምኽንያቱ መትከላት ንጹራት እዮም። መትከላት ንጹራት ምዃኖም ብቕልጡፍ ንምርዳእ፣ ኣንጻሮም ኣብ ዝኾነ መሰረት ተመርኲስካ ውጽኢታዊ ህይወት ክትጐናጸፍ ምፍታን ሓደ መገዲ እዩ። ዝኾነ ሰብ ንዘይ ቅሱንነት፣ ንምትላል፣ ንሕሱምነት፣ ንከንቱነት፣ ንምናምንነት፣ ንብልሽውና ቀጻልነት ዘሎዎ ሓጐስን ዓወትን ንምዕታር ከም ጽኑዓት መሰረት ጌሩ ክወስዶም ኣይክእልን እዩ።

ካርታታትና ወይ ኣጠማምታታትና ናብ’ዞም መትከላት ብዝቐረቡ ቁጽሪ፣ ብዝሓሸ መልክዑ ቅኑዓትን ተግባራውን ክኾኑ እዮም። ቅኑዓት ካርታታት ንውልቃውን ሓድሕዳውን ኣድማዕነትና ብሰፊሑ ክጸልዉዎ እዮም። እዚ ድማ ኣብ ኣጠማምታናን ኣብ ጠባይናን ክንዲ ዝኾነ ይኹን ጻዕሪ ብምግባር ክንረክቦ ዘይንኽእል ረብሓ እዩ።

ምንጪ፦ #7 #ልማዳት #ዕዉታት #ሰባት

@

Solomye Shop is an online shop that sells best quality modern marken, habesha produkte, haar, hautpflege, elektronik, and bücher at fair price & with worldwide free shipping.

25/02/2024

❤ጤልና...ትሰምዖ ስኢና ኣይሞተትን❤
===========================

“ምምሃር ማለት ናይ ባህሪ ለውጢ ምምጻእ ማለት እዩ።
ዝተምሃርኩሞ ነገር ናብ ተግባር ዘይትልውጡዎ እንተ ኾይንኩም፣ ሓንቲ ነገር እኳ ተማሂርኩም ክብሃል ኣይከኣልን።” - ኬን ብላንቻርድን ዶን ሹላን

መን እንታይ ገበረ? ወይ መን እንታይ በለ? ብምባል ጥራይ ግዜናን ጉልበትናን ከነጥፍእ ግቡእ ኣይኮነን። መብዛሕትና ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ዓወት ኣብ ናይ ዝጨበጡ ሰባት ጽምብል ተረኺብና ነቲ ዝግበረሎም ህዝባዊ ኣኽብሮት ኣብ እነኽብረሉ ኣጋጣሚ፣ ዝስምዓና ሓጐስ ወሰን የብሉን። ንምንታይ ልዑል
ናይ ሓጐስ ስምዒት ከም ዝስምዓና ግና ሓሲብኩምሉዶ ትፈልጡ? መልሱ ሓጺርን ግልጽን እዩ፤ ንሱ’ውን ኩልና ወትሩ ኣብ ውሽጥና ተደጒሉ ዝርከብ ዕዉት፣ ቅቡል፣ ፍሉጥን ተፈታዋይን ናይ ምዃን ባህሪያዊ ድልየት ስለ ዘሎና እዩ። ንፍለጦ ኣይንፍለጦ ብዘየገድስ፣ ኩልና ደቂ ሰባት ዕዉትን
ማሕበራዊ ተሰማዕነት ወይ ተቐባልነት ዘሎዎን ሰብ ናይ ምዃን ፈጺሙ ዘይነጽፍ ውሽጣዊ ባህጊ ኣሎና። ካልኦት ሰባት ብዛዕባና ልዑል ተገዳስነት ንኸሕድሩ፣ ብግህዶ ይኹን ብሕቡእ ዘይንፍንቅሎ እምኒ የለን። እዚ ዝኾነ ሰብ ክፈልጦ ዝግባእ ባህሪ ደቂ ኣዳም እዩ። ኣብ’ዚ ግና እቲ ኣገዳሲ ነጥቢ ማሕበራዊ ተቐባልነት ወይ ማሕበራዊ ተሰማዕነት ምስ ረኸብና፣ ንምንታይ ዕላማ ኢና እንጥቀመሉ? ንዝብል ወሳኒ ሕቶ እንህቦ መልሲ እዩ።

ኣብ’ዛ ምድሪ ብህይወት ክሳዕ ዘሎና ብዙሕ ክንሰምዕ፣
ክንርእን ክንምሃርን ንኽእል ኢና። እቲ ልዑል ቈላሕታ ዘድልዮ ነገር ግና ብዙሕ ክንሰምዕ፣ ክንርእን ክንምሃርን ምኽኣልና ኣይኮነን። ካብ ዝሰማዕናዮ፣ ካብ ዝርኣናዮ፣ ካብ ዝተምሃርናዮን ባዕልና ካብ ዘስተውዓልናዮን ነገር ተበጊስና ኣብ ህይወትና ዝጭበጥ ለውጢ ከነምጽእ ይግባእ። ታሪኽ’ቶም ብዛዕባ ሓንቲ ዝሞተት ጤል ዝተዘራረቡ ኣቦን ወድን ሰሚዕኹምዶ ትፈልጡ? ሓንቲ ደርቂ /ነቕጺ/ ብዝፈጠሮ ሕማቕ ኣጋጣሚ ዓቢራ ዝሞተት ጤል ዝነበረቶም ኣቦ ንወዶም ቈርበታ ቀሊጡ ክጉሕፋ ነገሩዎ። ንሱ እውን ከም’ቲ ዝተብሃሎ ስርሑ ጀመረ። ኣብ መንጎኡ ግና ሓደ ዘይተጸበዮ ነገር ኣጋጠሞ እሞ ነቦኡ ከም’ዚ ብምባል ሓተቶም፤ “ኣቦይ፡ እዛ ጤና ዝብላዕ ስኢና ብዕብራን ሞይታ ከተብቅዕስ ኣብ ጉንዲ እዝና ስብሒ ረኺበላ። እዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል?” ንሶም ድማ “ኣይትገረም ዝወደይ። ጤልና እኮ ትበልዖ ስኢና እምበር ትሰምዖ ስኢና ኣይሞተትን”
ክብሉ መለሱሉ።

ብህይወት ክሳዕ ዘሎና፣ ብዛዕባ ብዙሓት ጉዳያት ኣኺሉ ዝተርፍ ሓበሬታን ኣፍልጦን ክንጭብጥ ንኽእል ኢና። ከም’ቲ ኣብ መእተዊ ዝተገልጸ፣ ኣብ’ዛ መጽሓፍ ዘሎዉ ርእሰ-ጉዳያት እናዘናግዑ ዝምህሩ እዮም። ይኹን እምበር ንስራሕን ንጽቡቕ ውጽኢትን ዘየብቅዕ ትምህርቲ ምምእራር /ምውህላል/ ብኸምኡ ግዜን ጉልበትን ካብ ምብኻን ተፈልዩ ዝርአ ኣይኮነን። ስለዚ ካብ’ዛ መጽሓፍን ካብ ካልኦት ምንጭታትን ዝረኸብናዮ ፍልጠት ተጠቒምና ዕዉታት፣ ፈቃራት፣ ሕጉሳት፣ እሙናትን ፈተውቲ ስራሕን ሰባት ክንከውን ይግባእ።

ብተወሳኺ ካብ ልብና ኣብ እንፈትዎን ጽቡቕ ውጽኢት ክነመዝግበሉ ኣብ እንኽእልን ዓውደ-ስራሕ ምንጣፍ’ውን ዓቢ ኣቓልቦ ዘድልዮ ጉዳይ ምዃኑ ክርሳዕ የብሉን። ምኽንያቱ ኣብ ዘይፈትዎ ዓውደ-ስራሕ ዝነጥፍ ሰብ ፍልጠቱ፣ ጉልበቱ፣ ዕቑር ተፈጥሮኣዊ ዓቕሙ፣ ፍሉይ ተውህኡን ክቡር ግዜኡን ብዝግባእ ኣብ ረብሓ ከውዕል ኣይኽእልን እዩ። ስለዚ ብምስትውዓል ኣብ ውሽጥና ዝፈትዎን ስሪሕና ክነፍርየሉ ኣብ እንኽእልን ዓውደ-ስራሕ ክነድህብ ይግባእ።

ምንጪ፦ #መጽሓፍ #ንሕልምኻ #ንበር

ነዛ መጽሓፍ ክትጠልቡ ምስእትደልዩ፣ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኣድራሻ ተወከሱና፤

ኣብ ጀርመን
Solomye World Of Shop
www.solomyeshop.com
+491607592158

www.banabooks.com
+49 176 20344938

www.atrano.online
+49 152 10863672

Holand (Netherlands)
www.heavenshop1.com
+31 6 85135092

Norway:
+47 979 84 063

Belgium:
+32465335688

Switzerland:
+41 78 315 11 20

Italy:
https://asmara-bookstore.square.site
+393757324632

Sweden: luliybooks
+46 76-591 85 87

Saudia: Sami :
+966 56 514 7324

04/01/2024
❤ #መጻሕፍቲ  #ውቅያኖስ  #ፍልጠት  #እዮም❤=================================መጻሕፍቲ ብንውሓት ግዜ ዝተረሓሓቑ ወለዶታት ዘራኽቡ ወርቃዊ ድልድላት እዮም። መጻሕፍቲ ውቅ...
28/10/2023

❤ #መጻሕፍቲ #ውቅያኖስ #ፍልጠት #እዮም❤
=================================

መጻሕፍቲ ብንውሓት ግዜ ዝተረሓሓቑ ወለዶታት ዘራኽቡ ወርቃዊ ድልድላት እዮም። መጻሕፍቲ ውቅያኖስ ፍልጠት እዮም። መጻሕፍቲ ብሉጻት ኣዕሩኽ ኣፍቀርቶም እዮም። መጻሕፍቲ ኣብ'ዛ ብብዙሕ ማዕበል እትናወጽ ዓለም ብህድኣት ክንጓዓዝ ዝሕግዙና መራኽብ ህይወት እዮም። ነዚ ሓቂ ተረዲእና፣ መጽሓፍ ናይ ምንባብ ባህልና ከነዕብዮ ይግባእ።

"ብዙሕ ዝሓገዙኻ መጻሕፍቲ እቶም ብዙሕ ክትሓስብ ዝገበሩኻ እዮም።" - ቴዎዶር ፓርከር

ምንጪ፦ #መጽሓፍ #መራግእቲ

❤ባሕሪ እንታይ እዩ❤==================ሓደ ኣብ ንእሽቶ ራህያ ዝነብር ዓሳ ንሓደ ኣብ ባሕሪዝነብር ኻልእ ዓሳ "ባሕሪ እንታይ እዩ?'' ክብል ሓተቶ።እቲ ኣብ ባሕሪ ዝነብር ዓሳ ድማ...
12/10/2023

❤ባሕሪ እንታይ እዩ❤
==================

ሓደ ኣብ ንእሽቶ ራህያ ዝነብር ዓሳ ንሓደ ኣብ ባሕሪ
ዝነብር ኻልእ ዓሳ "ባሕሪ እንታይ እዩ?'' ክብል ሓተቶ።
እቲ ኣብ ባሕሪ ዝነብር ዓሳ ድማ "ባሕሪ ኣዝዩ ብዙሕ
ማይ ዘሎዎ ቦታ እዩ፣ ባሕሪ ካብዛ ናትካ ራህያ
ሚሊዮናት ግዜ ስፍሓት ኣሎዎ" ብምባል መለሰሉ።
ይኹን እምበር እቲ ካብ ራህያ ወጻኢ ኻልእ ዘይፈልጥ
ዓሳ ክኣምኖ ኣይከኣለን። ንዘረባ እቲ ኣብ ባሕሪ ዝነብር
ዓሳ ከም ሓሶት፣ ነቲ ኣብ ባሕሪ ዝነብር ዓሳ ኸኣ ከም
ሓሳዊ ቈጸሮም።

ንሕናኸ ንኣእምሮዊ መዝገብና ብምንታይ ኢና መሊእናዮ ዘሎና? ብሰፊሕ ኣተሓሳስባ? ብጸቢብ ኣተሓሳስባ? ብብሉጻት ክብርታት? ብሞራላዊ ውድቀት? ብሃብቲ? ብዕዳ? ብሓጎስ? ብሓዘን? ብትግሃት? ብትህኪት? ብፍርሒ? ብትብዓት? ካልእ ሰብ ንምምሳል ላሕ ብምባል? መበቈላዊ ሰብ ብምዃን?
ብዝንቡዕ ርድኢት? ብቕኑዕ ርድኢት? ብምስጋና? ብመረረ? ብፍቕሪ? ብጽልኢ? ሓቂ ብዝሰረቶም እምነታት? ሓሶት ብዝሰረቶም እምነታት?

ምንጪ ፦ #መጽሓፍ #መራግእቲ

ኣሕታምን ኣከፋፋልን
Omega Bookstore

❤ወርቃዊ ድልድላት❤።።።።።።።።።።።።።።።።።።መጻሕፍቲ ፍልጠትን ልምድን ንምሕላፍ፣ ጽንዓትን ምርምርን ንምክያድ፣ ንምዝንጋዕ፣ ኣተሓሳስባ ውልቀ ሰባት ወይ ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ንምብራኽ፣ ...
04/10/2023

❤ወርቃዊ ድልድላት❤
።።።።።።።።።።።።።።።።።።

መጻሕፍቲ ፍልጠትን ልምድን ንምሕላፍ፣ ጽንዓትን ምርምርን ንምክያድ፣ ንምዝንጋዕ፣ ኣተሓሳስባ ውልቀ ሰባት ወይ ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ንምብራኽ፣ ታሪኽ ንምዕቃብ፣ ማሕበረ-ቁጠባውን ፖለቲካውን ጸገማት ንምቕራፍ፣ ወዘተ. ክጸሓፉ ይኽእሉ እዮም።

መጻሕፍቲ ብንውሓት ግዜ ዝተረሓሓቑ ወለዶታት ዘራኽቡ ወርቃዊ ድልድላት እዮም። መጻሕፍቲ ውቅያኖስ ፍልጠት እዮም። መጻሕፍቲ ብሉጻት ኣዕሩኽ ኣፍቀርቶም እዮም። መጻሕፍቲ ኣብ'ዛ ብብዙሕ ማዕበል እትናወጽ ዓለም ብህድኣት ክንጓዓዝ ዝሕግዙና መራኽብ ህይወት እዮም። ነዚ ሓቂ ተረዲእና፣ መጽሓፍ ናይ ምንባብ ባህልና ከነዕብዮ ይግባእ።

"ብዙሕ ዝሓገዙኻ መጻሕፍቲ እቶም ብዙሕ ክትሓስብ ዝገበሩኻ እዮም።" - ቴዎዶር ፓርከር

ምንጪ :- #መጽሓፍ #መራግእቲ

Address

Addis Ababa

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Eureka Life School posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Eureka Life School:

Share