08/10/2025
ናይ ልቢ ስብራት
ኣብዚ ስእሊ እትሪእዎ ዘለኹም መንእሰይ ፡ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ድሓን ፡ ጥዑይ ዝነበረ ሰብ እዩ ።
ሰብ ኣብ ህይወት ውሽጢ ምስ ሰብ ምርኻብ፡ ምስ ሰብ ምፍታው ፡ ምስ ሰብ ምፍቓር ፡ ናይ ግድን ጥራይ ዘይኮነ ካብ ፈጣሪ ዝተዋህቦ ትዕድልቲ እዩ ።
እዚ መንእሰይ ዚ ፡ ኣብ ሓደ ወቕቲ ኣፍቂሩ ፡ ነታ ዘፍቅራ ጓል ፡ ከም ዘፍቅራ ነጊርዋ ፡ እታ ጓል ድማ ብስርዓት ፡ ንስድራኣ ሓቲቱ ትብጻሕካ ምስ በልዎ ከም ትምርዓዎን ነገረቶ ።
እዚ ወዲ ኣብ ስርሑ ጠንኪሩ ፡ ብምስራሕ ነታ ዘፍቅራ ጓል ድሓን ዝኾነ ህይወት ንኽነብሩ ገንዘብ ምሓዝ ከም ዘለዎ ኣሚኑ ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ስራሕ እንዳሰርሐ ዓቕሙ ገንዘብ ሓዘ ።
ንወላዲቱ ድማ ኣብ ቀረባ ግዜ ክምርዖ ከም ዝወሰነ ፡ ነገራ ሞ ኣዲኡ ውን ብሓሳቡ ተሰማምዐት ፡ ኣብ ጎድኑ ድማ ኮነት።
ስዓት ኣኺሉ ናብ እንዳ ጓል ሽማግለ ተላእኩ ፡
ስድራ እንዳ ጓል ውን ብሓጎስ ተቐቢሎም ፡ ትብጻሕኩም በልዎም ፡ መርዓ ተቖጽረ ።
እዚ መንእሰይ ፡ ንሓዳሩ መውጽኢ ምግዝዛእ ጀመረ ፡ ንመርዕኦም ንብረታት ክገዝእ ፡ ንዕኡ ባድላ ፡ ንመርዓቱ ድማ ቬሎ ገዚኡ ኣዳለወ ።
ሃንደበት,,,,,፡ ,,,,, ,,,,,,,,, ጭርርርርርርርርርር
ቴሌፎን ፡ ካብ ስድራ እንዳ ጓል ተደወለ
ዘይሓሰቦ ፡ ሓጎሱ ፡ ናብ ሓዘን ዝቕይር ድምጺ ሰምዐ።
ስድራቤት መርዓት ፡ ንጓሎም ዝኸውን ሃብታም ብዓል ዝና ፡ ብዘይ ሽግር ከናብራ ዝኽእል ካልእ ሰብኣይ ከም ዝረኸቡላ ፡ ነቲ ተሓሲቡ ዝነበረ መርዓዊ ግን ከምዘይደልይዎ ነገርዎ ።
ዓለም ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚራ ፡ ገጻ ቀይራትሉ ፡ ጥዕንኡ ወሲዳ ፡ ዕብደት ሂባቶ
ኣብ ማእከል ከተማ ባድላን ቬሎን ጌሩ ይዘውር
ኣብ ዓለም ናይ ሰብ ተስፋ ምውሳድ፡
ሓጎስ ፡ ምጽልማት ፡ ራኢ ምድምሳስ ነዚ ዝገብሩ ሰባት ፡ ናይ መዓልቲ ጉዳይ ምበር ፡ ኣብቶም ስድራ ዋላ ኣይብጻሕ ኣብ ደቆምን ደቂደቆም ናይ ግድን እዩ ዝበጽሕ ሞ ፡ ናይ ሰብ ተስፋ ምስራቕ ሕማቕ እዩ ።
ኣብርሃም ናይዝጊ እየ ካብ ዘንበብክዎ
ናብ ካልኦት ኣካፍሉ