14/11/2025
ተስፋ ዘይቆርፅ ከብዲ ኣዶ!
እዚ ኣብ መቐለ ተደርብዩ ዝተረከበ ህፃን ናይ ሓደ እግሩ ካልሲ ዘይምህላው ገለ ብዛዕባ ኣዲኡ ዝሃበኩም ትርጉም ይህሉዶ? ናይ ኣጋጣሚዶ ወይስ ኮነ ተባሂሉ ዝኮነ ይመስል?
ብወገነይ እዛ ኣዶ ኩነታት ኣገዲዱዋ ንወዳ ከምዚ ክትገድፎ ከላ ንሳ ክትህቦ ዘይከኣለት ዝሐሸ ሂወት ንክረክብ ሓሲባ መሲሉ ተሰሚዑኒ። ሓደ መዓልቲ ፀገማ ምስ ኣሕለፈት ንወዳ ክትእልሽ፣ክትረክቦ፣ኣነ እየ ኣዴካ ክትብሎ ተስፋ ዝሰነቀት ይመስለኒ። ነዚ መዘከርታ ክኮና ድማ ነቲ ሓደ ናይ ወዳ እግሪ ካልሲ ዝወሰደቶ ይመስለኒ።
ነዚ ህፃን ክርኢ ከለኩ በታ ኣብ እግሩ ዘላ ዝተረፈት ሓንቲ ካልሲ ናይ ኣዲኡ ስቃይ እዩ ናብ ኣእምሮይ ክመፀለይ ዝከኣለ።
By the way ነዛ ኣዶ ምስ ወዳ ብቀዋሚነት ዓርሳ ክሳብ ትክእል ክሕግዛ ዝክእል ሰብ ተዝርከብ እዛ ኣዶ ካብ ዝተሓበአትሉ ምተረከበትዶ ኢለ ይሓስብ። እዚ ተዝከውን ልዕሊ ፍቅሪ ኣዶ ዝከውን የለን'ሞ እቲ ቆልዓ እውን ምስ ኣዲኡ ክዓቢ ዕድል ምረከበ።
ኣቲ ምሽክነይቲ ኣዶ ወዲኪ ንክትድርብይ ዘገደደኪ ፀገም ኩሉ ሓሊፉ ሓደ መዓልቲ ምስ ወዲኪ ብሓጎስ ክትራከቢ ትምኒተይ እዩ።