ማእኸል ህንፀትን ስልጠናን መናእሰይ ትግራይ

  • Home
  • Ethiopia
  • Agbe
  • ማእኸል ህንፀትን ስልጠናን መናእሰይ ትግራይ

ማእኸል ህንፀትን ስልጠናን መናእሰይ ትግራይ እዚ ናይ ማእኸል ህንፀትን ስልጠናን መናእሰይ ትግራይ ዕላዊ ፌስ ቡክ ገፅ እዩ፡፡ ገፅና like, share ብምግባር እዋናዊ ሓበሬታትና ይከታተሉ፡፡

ማእኸል ህንፀትን ስልጠናን መናእሰይ ትግራይ  ኣብ ሕውየት ስነ ልቦና፣ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይን ግደ መናእሰይን ስራሕ ፈጠራይነትን ኣድሂቡ  ንኣስታት 12 መዓልቲ ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ክህቦ ዝ...
04/07/2024

ማእኸል ህንፀትን ስልጠናን መናእሰይ ትግራይ ኣብ ሕውየት ስነ ልቦና፣ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይን ግደ መናእሰይን ስራሕ ፈጠራይነትን ኣድሂቡ ንኣስታት 12 መዓልቲ ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ክህቦ ዝፀንሐ ስልጠና ዛዚሙ። ኣብቲ ስልጠና 126 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 371 መናእሰይ ተሳቲፎም።

ዳይረክቶሬት ርክብ ህዝቢ ማ/ህ/ስ/መ/ት
27/10/2016 ዓ/ም
መቐለ

ማእኸል ህንፀትን ስልጠናን መናእሰይ ትግራይ ምስ ምምሕዳር ከተማ ዛላምበሳ ብምትሕብባር ንኣስታት 12 መዓልቲ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራትን ፋፅን ንመናእሰይ ክህቦ ዝፀንሐ ስልጠና ዛዚሙ ። እቲ ስል...
04/07/2024

ማእኸል ህንፀትን ስልጠናን መናእሰይ ትግራይ ምስ ምምሕዳር ከተማ ዛላምበሳ ብምትሕብባር ንኣስታት 12 መዓልቲ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራትን ፋፅን ንመናእሰይ ክህቦ ዝፀንሐ ስልጠና ዛዚሙ ። እቲ ስልጠና ኣብ ሕውየት ስነ ልቦና፣ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይን ግደ መናእሰይን ስራሕ ፈጠራይነትን ዘድሀበ ኮይኑ 145 ደቂ ተባዕትዮን 183 ደቂ ኣንስትዮን ብሓፈሻ 328 መናእሰይ ተሳቲፎም እዮም።

ዳይረክቶሬት ርክብ ህዝቢ ማ/ህ/ስ/መ/ት
27/10/2016 ዓ/ም
መቐለ

ማእኸል ህንፀትን ስልጠናን መናእሰይ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ሸውዓቲአን ክፍለ ከተማታት ንተኸታተልቲ 12 መዓልትታት ኣብ ሕውየት ስነ ልቦና፣ ታሪክ ህዝቢ ትግራይን ግደ መናእሰይን ፈጠራ...
09/06/2024

ማእኸል ህንፀትን ስልጠናን መናእሰይ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ሸውዓቲአን ክፍለ ከተማታት ንተኸታተልቲ 12 መዓልትታት ኣብ ሕውየት ስነ ልቦና፣ ታሪክ ህዝቢ ትግራይን ግደ መናእሰይን ፈጠራ ስራሕን ኣድሂቡ ከሰልጥኖም ዝፀንሐ 320 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 1082 መናእሰይ ሎሚ ሰነ 02/2016 ዓ/ም ኣመሪቑ ።

ዳይሬክቶሬት ርክብ ህዝቢ ማ/ህ/ስ/መ/ትግራይ
02/10/2016 ዓ.ም
መቐለ

ማእኸል ህንፀትን ስልጠናን መናእሰይ ትግራይ አብ ከተማ ሽረ ከሰልጥኖም ዝፀንሐ 61 ደቂ አንስትዬ ዝርከብኦም ብድምር  188 መናእሰይ ዕለት 15/07/2016 ዓ.ም አመሪቁ ።          ...
25/03/2024

ማእኸል ህንፀትን ስልጠናን መናእሰይ ትግራይ አብ ከተማ ሽረ ከሰልጥኖም ዝፀንሐ 61 ደቂ አንስትዬ ዝርከብኦም ብድምር 188 መናእሰይ ዕለት 15/07/2016 ዓ.ም አመሪቁ ።
ማእኸል ህንፀትን ስልጠናን መናእሰይ ትግራይ ምስ ምምሕዳር ከተማ ሽረ ብምትሕብባር አብ ስነ-ልቦናዊ ሕውየት፣ታሪኽን ክብርታት ህዝቢ ትግራይን ግደ መናእሰይን፣ ከምኡውን ስራሕ ፈጠራ (Entrepreneruship) አብ ዝብሉ ርእስታት ንከታታሊ 2 ሰሙን ስልጠና ክውሃብ ፀኒሑ እዩ።
አብቲ ስነ-ስርዓት ምርቃ ተረኺቦም መልእክቲ ዘመሓላለፉ ተወካሊ ከንቲባ ከተማ ሽረ አይተ ፀጋይ ፀሃየ ከምዝበልዎ ድሕሪ ዝተኻየደ ጆነሳይዳዊ ኩናት አብ ሐዚ ሰዓት ብዛዕባ ልምዓት ክንሓስብን መናእሰይ ክነሰልጥን ምብቃዕና ንሰማእታት ትግራይ ክብሪ ይግብኦም ምስበሉ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ብዛዕባ ልምዓት ምሕሳብና ተጠናኪሩ ክቅፅል ስነልቦናዊ ሕውየት ህዝብና አረጋጊፅና ልምዓትና አጠናኪርና ክንቅፅል ይግባእ ኢሎም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ተወካሊ ማእኸል ህንፀትን ስልጠናን መናእሰይ ትግራይን መተሓባበሪ ስልጠና አይተ ፍቱዊ አደም ብወገኖም እዚ ብማእኸል ህንፀትን ስልጠናን ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና መናእሰይ ንካልአይ ጊዜ አብ ከተማ ሽረ ዝውሃብ ዘሎ ኾይኑ ናይዚ ስልጠና ናይ መወዳእታ ሽቶን ወሳኒ ጉዳይን መናእሰይ አብ ሰልጠና ዝፈጠርዎ ዓቅሚ ተጠቂሞም ናብ ተግባር ምእታው ስለዝኾነ እቲ ዘሎ ዕድላት ተጠቂሞም ናብ ተግባር ክአትዉ ከምዘለዎም ብትሕስሳብ ምምሕዳር ከተማ ሽረ ብወገኑ መናእሰይ ንምስልጣን ዘርአዬ ተበግሶን ድሉውነቱ ብምንአድ እዚ ተጠናኺሩ ክቕል ፀዊዖም።
ሰልጠንቲ ብወገኖም እቲ ስልጠና ወሳኒ ከምዝነበረን ናብ ስራሕ ንክትው ዘክእል ዓቕምን ምልዕዓልን ከምዝፈጠረሎም ናይ ከባቢኦም ሃፍተገነት ብምጥቃም ቢዝነስ ፕላን አዳልዬም ናብ ተግባር ክአትው ከምዝኾኑን ምስ ናይ ከባቢኦም ማሕበረሰብ ሓቢሮም ከምዝሰርሑን ካብ አቶም ዝድለ ንምፍፃም ዱሉዋት ምዃኖም ድሕሪ ምግላፅ ምምሕዳር ከተማ ሽረ እውን ድሕሪ ስልጠና ናብ ተግባር ንምእታው ዘድሊ ምትሕብባር ክገበረሎምን ብርክት ዝበሉ መናእሰይ እዚ ዕድል ንዘይረኸቡ ከምዚ ዓይነት ናይ ስልጠና ዕድላት ክፍጠአሎም ሓቲቶም።
አብቲ ዕለት ምርቃ ዝተረከቡ ሓላፊ ዘፈር ተጠቃምነት ከተማ ሽረ አይተ አብርሃ ግደይ ብወገኖም እቶም መናእሰይ ንዘልዓልዎም ሕቶታት እንትምልሱ አብ ከተማ ሽረ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ክጥቀሙሎም ዝክእሉ ዕድላት ከምዘለው ብምግላፅ ድሕሪ ዝስልጠናውን እንተኾነ ነቶም ዝሰልጠኑ መናእሰይ ወዲብካ ናብ ተግባር ንምስግጋር ክትትልን ደገፍን ከምዝግበር ገና ዘይሰልጠኑ መናእሰይ እውን ከምዚ ዓይነት ስልጠና ቀፃሊ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ማእኸል ህንፀትን ስልጠናን መናእሰይ ትግራይ ቅድም ክብል እውን አብ ከተማ ሞኾኒ ን204 መናእሰይ ተመሳሳሊ ስልጠና ከምዝሃበ ዝፍለጥ እዩ።

ዳይሬክቶሬት ርክብ ህዝቢ ማ/ህ/ስ/መ/ትግራይ
15/07/2016 ዓ.ም
መቐለ

ማእኸል መሰልጠኒ መናእሰይ ኣግበ ቕድም ክብል ማእኸሉ ኣብ ኣግበ ብምግባር  ብዝተፈላለዩ ሞያታት መናእሰይ እናሰልጠነ ፀኒሑ እዩ። ሕዚ ድማ ዝተዉሃቦ ልኡኽ ንምዕዋት ከም ብሓዱሽ “ማእኸል ህን...
04/02/2024

ማእኸል መሰልጠኒ መናእሰይ ኣግበ ቕድም ክብል ማእኸሉ ኣብ ኣግበ ብምግባር ብዝተፈላለዩ ሞያታት መናእሰይ እናሰልጠነ ፀኒሑ እዩ። ሕዚ ድማ ዝተዉሃቦ ልኡኽ ንምዕዋት ከም ብሓዱሽ “ማእኸል ህንፀትን ስልጠናን መናእሰይ ትግራይ” ብዝብል መፀውዒ ናብ ወረዳታት ብምንቅስቓስ ንመናእሰይ ስልጠና ምሃብ ጀሚሩ ኣሎ። ናይዚ መቐፀልታ እውን ንተከታታሊ 15 መዓልቲ ኣብ ከተማ መኾኒ ብስነ-ልቦናዊ ሕውየት፣ ታሪኽን ክብርታት ህዝቢ ትግራይን ምብራኽ ኣተሓሳስባ መናእሰይን ስራሕ ፈጠራን ዘሰልጠኖም 37 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 204 መናእሰይ ብዕለት 24/05/2016 ዓ/ም ብድምቀት ኣመሪቑ።

Address

Agbe Youth Training Center
Agbe

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ማእኸል ህንፀትን ስልጠናን መናእሰይ ትግራይ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share