20/09/2025
ካብ 2008 ዓ/ም ጀሚሩ ብውሱናት ኣባላታ ኣቢላ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ምሃብ ዝጀመረት ማሕበር ምትሕግጋዝ ብሩህ ተስፋ ኣኽሱምን ከባቢኣን ወላኳ ብሰኪ ኲናት ከምቲ ክትዓብዩ ዝግባእ ተዘይከደት ድሕሪ ምክታም ስምምዕ ፕሪቶርያ መኣዲ ትምህርቲ ምስ ጀመረ ካብ ውሱናት ዝተርከበ ሓገዝን ካብ ባንኪ ወጋገን ዝተረከበ ሓገዝን ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተፈልዩም ንዝፀንሑ ሰገናት ተፈናቀልቲ ሓዊሱ ኣብ ከተማ ኣኽሱምን ኣብ ዙርያ ኣኽሱም ዝርከባ ገጠራትን ንቐወምቲ ኣባላታን ንሓደሽትን እናሓገዘት መፂኣ እያ ።
እነሆ ሎሚ ዓመት እውን ኣብ ቐዳማይ ዙር ኣብ ከተማ ኣኽሱም ንዝርከቡ ስድራ ስውኣት ቐወምትን ሓደሽትን ተምሃሮ ንልዕሊ 300 ህፃናት ሎሚ ዕለት ኣብ ቤት ፍርዲ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ሓገዛ ኣበርኪታ ። 🙏🙏🙏
በዚ ድማ ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት ትምህርቲ ከተማ ኣኽሱምን ማሕበር ሓርበኛታትን ስድራ ስውእን ናይ ምስጋናን ምስክር ወረቀት ክብርከተላ ክኢሉ ኢዩ ።
እዚ ዝተገበረ ሓገዝ ተጠናኪሩ ዝቅፅል እንትኮን ኣብ ዙርያ ኣኽሱም ንዝርከባ ዕሸላት ጣብያታታት እውን ክቅፅል ኢዩ ።