ማሕበር ደገፍቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣኽሱም Aksum football club fans

  • Home
  • Ethiopia
  • Aksum
  • ማሕበር ደገፍቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣኽሱም Aksum football club fans

ማሕበር ደገፍቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣኽሱም  Aksum  football club fans ንዕቤት ስፖርት ትግራይ ንተግህ 💙
ስፖርት ንስላም 🕊
ስፖርት ንፍቅሪ ❤
ስፖርት ንሓድነት 🤝 ኩዕሶ እግሪ

ካብ 2008 ዓ/ም ጀሚሩ ብውሱናት ኣባላታ ኣቢላ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ምሃብ ዝጀመረት ማሕበር ምትሕግጋዝ ብሩህ ተስፋ ኣኽሱምን ከባቢኣን ወላኳ ብሰኪ ኲናት ከምቲ ክትዓብዩ ዝግባእ ተዘይከደት...
20/09/2025

ካብ 2008 ዓ/ም ጀሚሩ ብውሱናት ኣባላታ ኣቢላ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ምሃብ ዝጀመረት ማሕበር ምትሕግጋዝ ብሩህ ተስፋ ኣኽሱምን ከባቢኣን ወላኳ ብሰኪ ኲናት ከምቲ ክትዓብዩ ዝግባእ ተዘይከደት ድሕሪ ምክታም ስምምዕ ፕሪቶርያ መኣዲ ትምህርቲ ምስ ጀመረ ካብ ውሱናት ዝተርከበ ሓገዝን ካብ ባንኪ ወጋገን ዝተረከበ ሓገዝን ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተፈልዩም ንዝፀንሑ ሰገናት ተፈናቀልቲ ሓዊሱ ኣብ ከተማ ኣኽሱምን ኣብ ዙርያ ኣኽሱም ዝርከባ ገጠራትን ንቐወምቲ ኣባላታን ንሓደሽትን እናሓገዘት መፂኣ እያ ።

እነሆ ሎሚ ዓመት እውን ኣብ ቐዳማይ ዙር ኣብ ከተማ ኣኽሱም ንዝርከቡ ስድራ ስውኣት ቐወምትን ሓደሽትን ተምሃሮ ንልዕሊ 300 ህፃናት ሎሚ ዕለት ኣብ ቤት ፍርዲ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ሓገዛ ኣበርኪታ ። 🙏🙏🙏

በዚ ድማ ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት ትምህርቲ ከተማ ኣኽሱምን ማሕበር ሓርበኛታትን ስድራ ስውእን ናይ ምስጋናን ምስክር ወረቀት ክብርከተላ ክኢሉ ኢዩ ።

እዚ ዝተገበረ ሓገዝ ተጠናኪሩ ዝቅፅል እንትኮን ኣብ ዙርያ ኣኽሱም ንዝርከባ ዕሸላት ጣብያታታት እውን ክቅፅል ኢዩ ።

19/09/2025
ቐዳማይ ሊግ ኢትዩጵያ ኣብ 2018 ናይ ውድድር ዘመን ኣድሂቡ ጋንታና ሓዊሱ ምስ ተሳተፍቲ ጋንታታት ዝርርብ እናገበረ ኢዩ ። በዚ መሰረት ድማ ካብ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ናይ ደሞዝ ዋጋ ኣብ ምም...
19/09/2025

ቐዳማይ ሊግ ኢትዩጵያ ኣብ 2018 ናይ ውድድር ዘመን ኣድሂቡ ጋንታና ሓዊሱ ምስ ተሳተፍቲ ጋንታታት ዝርርብ እናገበረ ኢዩ ።
በዚ መሰረት ድማ ካብ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ናይ ደሞዝ ዋጋ ኣብ ምምሕያሽ ዝተዘራረቡ እንትኮኑ ሓንቲ ጋንታ ድማ ንተጫወትን ንመላእ ኣስልጠንትን ናይ ደሞዝ ዋጋ ካብ ብር 6 ሚልየን ክበልፅ ከም ዘይብሉ ተሓቢሩ ።

በዚ መሰረት ድማ ቐዳማይ ሊግ ኢትዩጵያ ጥቅምቲ 20 ንክጅምር መርሃ ግብሪ ዝወጸሉ እንትኮን ካብ መስከረም 9 ክሳብ መስከረም 27 ምዝገባ ጋንታታት እንትሳለጥ ካብ መስከረም 12 ክሳብ ሕዳር 12 ድማ ናይ ተፃወትን ኣሰልጠንትን ዝውውር ንክሳለጥ ክፍቲ ኮይኑ ክፀንሕ ኢዩ ።

ዛጊድ ጋንታና ክሳብ ሕዚ ምንም ይፋ ዝኮነ ምንቅስቃስ ዘይጀመረት እንትትኮን ኣብዚ ስብሰባ ዝሳተፉ ዘለዉ ፕሬዝዳንት ጋንታና ኣብርሃለ ተወለን ስራሕ መካየዲ መምህር ፍፁምን ተወኪላ እናተሳተፈት እንትትኮን ድሕሪ እዚ መልሲ ኣኬባ ብዙሕ ሓደሽቲ ነገራት ክህልዉን ርኡይ ምንቅስቃስ ክጅመሩን ትፅቢትና እዩ ።



ፈታዊ ስፖርትን ህዝቡን ኣብ ከተማና ከተማ ኣኽሱም ዝርከብ    ንተዓወቲ  ብሽክሌታ ማውንቴን ፅዋዕ መስቐል ዓጋመ ከተማና ወኪልክን ብዘመዝገብክንኦ ልዑል ውፅኢት ተሓቢና ኢና በርትዓ ኣብ ቐፃ...
18/09/2025

ፈታዊ ስፖርትን ህዝቡን
ኣብ ከተማና ከተማ ኣኽሱም ዝርከብ ንተዓወቲ ብሽክሌታ ማውንቴን ፅዋዕ መስቐል ዓጋመ ከተማና ወኪልክን ብዘመዝገብክንኦ ልዑል ውፅኢት ተሓቢና ኢና በርትዓ ኣብ ቐፃሊ እውን ኣብ ጎንክ ኣለና ስፖርት ዝዓቢ ኩላኣሃትና ብንክእሎ ተተሓጋጊዝና ኢዩ በርትዓ እንኳዕ ድማ ብዓወት ተመለስክን ኢሉ ንሙሉእ ተፃወትን ኣሰልጠንትን ናይ ድራርን ጁስን እንግዶት ጌሩልና ኣሎ ።

የክብረልና ወዲ ዓበይቲ ከማካ የብዝሓልና 🙏🙏🙏

18/09/2025

ተዓወቲ ፅዋዕ መስቐል ዓጋመ ጋንታ ብሽክሌታ ደቂ ኣንስትዩ ኣኽሱም ብሰላም ናብ ከተማ ኣኽሱም ኣትየን ።
እንኳዕ ብሰላምን ብዓወትን ተመለስክን🙏🙏🙏

18/09/2025

ሕርይቲ ጋንታ ብሽክሌታ ደቂ ኣንስትዩ ኣኽሱም ካብ ውድድር ፅዋዕ መስቐል ዓጋመ ዓወት ሓፊሰን ናብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ምምላስ ይርከባ ።
ሰናይ ጉዕዞ ጀጋኑና 🙏

አሳልጣኒ ብሽክሌታ ዓውቾ ጁስ ሃውስ ዓ/ግራት ናይ ደቂ አንስትዬ አሰልጣኒ ዝኾነ ሙኡዝ ተስፋይ ፈታዊ ብሽክሌታ ተወዳደርቲ ብሽክሌታ ደቂ አንስትዬ ከተማ አክሱም ፅቡቅ ውድድር ስለ ዘረአኽን ና...
18/09/2025

አሳልጣኒ ብሽክሌታ ዓውቾ ጁስ ሃውስ ዓ/ግራት ናይ ደቂ አንስትዬ አሰልጣኒ ዝኾነ ሙኡዝ ተስፋይ ፈታዊ ብሽክሌታ ተወዳደርቲ ብሽክሌታ ደቂ አንስትዬ ከተማ አክሱም ፅቡቅ ውድድር ስለ ዘረአኽን ናይ ባዓልና ድምቀት እውን ስለ ዝኾንክን ደስ ስለ ዝበለኒ ካብተን ዘለዋኒ 3ተ ናይ ላዕሊ ማልያ 1 ኳዳን አበርኩቱልና አሎ አድልዎ ከይፍፅም እውን ብግልፂ ካብ 6ተ ተወዳደርቲ ብዕጫ ነተን 4ተ ብአካል ሸሉምሉና አሎ የኽብረልና ኩቡር ሓው ።

  ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ ላዕለዋይ ሊግ ኢ/ያ ፅቡቅ ምንቅስቃስ እናገበረት ዝፀንሐት ምዃና ዝዝከር ኮይኑ ነዚ ስዒቡ ዓመታዊ   ንምክያድ ን  #ሰንበት ማለት እዉን  #ንዕለት 11/01/201...
17/09/2025

ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ ላዕለዋይ ሊግ ኢ/ያ ፅቡቅ ምንቅስቃስ እናገበረት ዝፀንሐት ምዃና ዝዝከር ኮይኑ ነዚ ስዒቡ ዓመታዊ ንምክያድ ን #ሰንበት ማለት እዉን #ንዕለት 11/01/2018 ዓመት ንጉሆ ካብ ሰዓት 2:00 ጀሚሩ ኣብ ንምክያድ ጋንታ ሶሎዳ ዓድዋ ፀዊዓ።

ኩለኹም ፈተዉትን ደገፍትን ጋንታና ኣብዚ ዝተበሃለ ዕለት ተረኺብኩም ብዛዕባ ሕሉፍ ዓመት ዝነበረ ሓፈሻዊ ምንቅስቃስ ጋንታና ከመይ ከምዝነበረ፣ዝነበሩ ጉድለታት፣ዝነበሩ ፅቡቅ ጎንታት ሓሳባት ንምምኽኻርን ንሎሚ ዓመት ከመይ ንቅፅልን ጋንታ ሶሎዳ ዓድዋ እዚ ዓመት ከመይ ትቀፅል ዝብል ብሓባር ክንመኻኸርን ነጥብታት ንምቅማጥን ሰንበት ዕለት 11/01/2018 ዓ.ም ኣብቲ ዝተበሃለ ቦታን ሰዓትን ክትርከቡ ደጊምና ነተሓሳስብ።

#ዕለት 11/01/2018 ዓ.ም

#ሰዓት 2:00 ንጉሆ

#ቦታ :- ሰቲት ሑመራ ሆቴል ከተማ ዓድዋ

 fitsum ካብ ልቢ ነመስግን ክቡር ሓው ካብ ርሑቅ ተጓዒዝካ ሞራል ጋንታካ ምኳንካን ምስ መሓዛካ ብምኳን ማይን በነናን ገዚኢካ ተስፋ እዘን ጀጋኑ ዕሸላት ብምኳንካ ልዑል ክብሪ ኣለና ። ክ...
17/09/2025

fitsum ካብ ልቢ ነመስግን ክቡር ሓው ካብ ርሑቅ ተጓዒዝካ ሞራል ጋንታካ ምኳንካን ምስ መሓዛካ ብምኳን ማይን በነናን ገዚኢካ ተስፋ እዘን ጀጋኑ ዕሸላት ብምኳንካ ልዑል ክብሪ ኣለና ።

ክብሪ ይሃበልና ።🙏🙏🙏

17/09/2025

ተዓወቲ ፅዋዕ ውድድር ብሽክሌታ መስቐል ዓጋመ ጋንታ ኣኽሱም መበረታትዒ ሽልማት ተበርኪቱለን 🙏🙏🙏

ካብ ጠቅላላ ውድድር ብውልቀ ካልኤቲ ንዝወፀት ካብ መድለኢ ኮሚቴ 2500 ብር ካብ ኣይተ ታደስ ሁሉ ስፖርት 1000 ብር እንትብርክተላ

ብጋንታ ድማ ምስቲ ዝነበረን ጸገም ተፃዊረን ቐዳማይ ደረጃ ሒዘን ስለ ዘጠናቐቓ መበርታትዕን ንትራንስፖርትን ዝኮን 👇

👉 ኣይተ ታደስ #ሁሉ ስፖርት 10000 ብር
👉 ሻምበል ወዲ ጭላ 2000 ብር
👉 ኣዶ ቕሳነት ወ/ሮ ያለም ተወለ 2000 ብር

ኣወፍዩምልና ኣለው ክብሪ ይሃበልና ።

ኣብ ፅዋዕ ማውንቴን ብሽክሌታ ደቂ ኣንስትዩ ፅዋዕ መስቐል ዓጋመ ኣስልጠኒ ጋንታና ጋንታ ብሽክሌታ ኣኽሱም ነበር ኮኮብ ተወዳዳሪ ጋንታና  #ምሕረትኣብ ሕሉፍ ብዘርኣዩ ዘይተሓለለ ፃዕርን ውፅኢ...
17/09/2025

ኣብ ፅዋዕ ማውንቴን ብሽክሌታ ደቂ ኣንስትዩ ፅዋዕ መስቐል ዓጋመ ኣስልጠኒ ጋንታና ጋንታ ብሽክሌታ ኣኽሱም ነበር ኮኮብ ተወዳዳሪ ጋንታና #ምሕረትኣብ ሕሉፍ ብዘርኣዩ ዘይተሓለለ ፃዕርን ውፅኢትን ኮኮብ ኣሰልጣኒ ኮይኑ ተሸሊሙ ።

ኣብዚ ስነ ስርዓት ሽልማት መበረታትዒ 2000 ብር ካብቲ መዳለዊ ኮሚቴ ተሸሊሙ ኢዩ ።

ተዓወቲ ፅዋዕ ሻምፕዩና መስቐል ዓጋመ 2018 ዓ/ም ጋንታ ብሽክሌታ ኣኽሱም ፅዋዐን ዓቲረን ኣለዋ ። እንኳዕ ደስ በለክን ጀጋኑና ።🙏🙏ኣብዚ መዳይ ከቢድ ሓላፍነት ወስዲኩም ካብ ንልዕሊ ሰለስ...
17/09/2025

ተዓወቲ ፅዋዕ ሻምፕዩና መስቐል ዓጋመ 2018 ዓ/ም ጋንታ ብሽክሌታ ኣኽሱም ፅዋዐን ዓቲረን ኣለዋ ። እንኳዕ ደስ በለክን ጀጋኑና ።🙏🙏

ኣብዚ መዳይ ከቢድ ሓላፍነት ወስዲኩም ካብ ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ዝተዳለናሉ ውድድር ብሰንኪ በጀት የለን ኢልና ኣይንቀርን ተስፋን ዕድልን ተወዳደርትና ኣንዓፁን ብምባል ተወዳደርትን ቤተሰብን ብምእማን ናብዚ ውድድር ዘምራሕኩም ዋና ኣሰልጣኒ ✌ ምክትል ኣሰልጣኒ እንኳዕ ፈረ ፃዕርኩም ረከብኩም ክብለኩም እፈቱ ።

ብምቅፃል ኣብዚ ውድድር ብዙሕ ፀገማት ተፃዊርክንን ብዘይ ምንም ሙሉእ ዕጥቂ ተሳቲፍክን ብጥምረት ስራሕክን ደገፍቲ ኣሐጉስክን ነዚ ፅዋዕ ዘልዓልክን ተወዳደርቲ እንኳዕ ደስ በለክን እንኳዕ ፍረ ፃዕርክን ረከብክን ።

🙏 ኣብ መወዳእታ ነቲ ዘለወን ፀገም ዕጥቅን ስንቅን ተረዲእኩም ብሞራል ብገንዘባዊ ሓገዝን ከምኡ እውን ብዕጥቂ ዝሓገዝገዝክሙና ፈተውቲ ስፖርትን ስፖርት ብሽክሌታን ክብሪ ይሃብኩም ክብል እፈቱ ።
Bttk Hana Sabawi


Address

Aksum

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ማሕበር ደገፍቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣኽሱም Aksum football club fans posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ማሕበር ደገፍቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣኽሱም Aksum football club fans:

Share