Tigray Youth Diplomatic Union -TYDU

  • Home
  • Tigray Youth Diplomatic Union -TYDU

Tigray Youth Diplomatic Union -TYDU ትግራይ ዓዲ ሕግን ስርዓትን፣ ዓዲ ፍትሕን ርትዕን፣ ዓዲ ፍቕሪ፣ ሰላምን ስኒትን እምበር ዓዲ ጭቃን ዓቀይታይን፣ ዓዲ ቁሸታውያንን ዓሌታውያንን ዓዲ በላዕን ተመልካትን ኮይና ከይትቕፅል ይኹን ቃልስና።

20/04/2025

proposed objectives for the Tigray Youth Diplomatic Union (TYDU)

1. Promote Diplomatic Engagement:
2. Empower Youth Leadership:
3. Influence Policy and Public Opinion:
4. Facilitate Peace and Conflict Resolution:
5. Strengthen Global Partnerships:
6. Safeguard Tigray’s Sovereignty and Identity:
7. Monitor and Report on Key Issues:
8. Mobilize the Tigrayan Diaspora

20/04/2025

ሰሙናዊ መልእኽቲ ህወሓት
==================

ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ህዝብና ሓራ ይውፃእ! ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ወገናትና ውሕስንኦም ተሓልዩ ሕዚ ይመለሱ!
====================================

ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ክልተ ዓመትን መንፍቕን ኣቑፂሩ ኣሎ። እንተኾነ ግን እቲ ህዝቢ ትግራይ፣ ህወሓት ኮነ ደላይ ሰላም ዝኾነ ማሕበረሰብ ዓለም ትፅቢት ዝገበረሉ ስምምዕ፤ ናብ ተግባር ብዘይምስግጋሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይድ መልክዑ ቀይሩ ሞት ፣ ስቓይን ሕሰምን ህዝብና ይቕፅል ኣሎ። ሉእላዊ መሬት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ይርከብ ፣ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝነብር ህዝብና ሓራ ኣይወፀን፣ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ ኣይከኣለን፣ ዳግመ ህንፀት ብኹናት ዝዓነወት ትግራይ ኣይተጀመረን፣ ፖለቲካዊ ዘተ ኣይተጀመረን፡፡ ብሓፈሻ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዛጊድ ክበፅሖ ዝግባእ ዝነበረ ብርኪ ከይበፅሐ ንህዝብና ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ከየመዝገበ ዓመታት ኣብ ምቑፃር ንርከብ፡፡

ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝርከብ ህዝብና ይቕተል፣ ይፈናቐል፣ ይሕየርን ይሳቐን ኣሎ። ድምፂ ጥይት ከይስማዕ ዝተፈረመ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ንዘሎ ህዝብና ካብ ወረቐት ዝሓለፈ ትርጉም ኣየምፀአን። ህዝብና ሕዚ እውን ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ኮይኑ ብመንነቱ ክሳቐ ብቛንቅኡ ክሻማቐቕ ይግበር ኣሎ። ንብሄራዊ ክብሩን መንነቱን ዝተቓለሰ ህዝብና ሕዚ ብወረርቲ ሓይልታት ዳግም ናብ ብሄራዊ ወፅዓ ተመሊሱ ይርከብ። እዚ ከይኣክል መሬት ትግራይ ዝወረሩ ሓይልታት ‘የተከዜ ዘብ’ ኢሎም ዝሰየምዎ ዕጡቕ በቢመዓልቱ ኣብ ምምራቕን ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ነጋሪት ኲናት ኣብ ምድሳቕን ይርከብ፡፡እዚ ተግባር ሙሉእ ንሙሉእ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝፃባእን ዘላቒ ሰላም ከይፍጠር ዝዓለመን ሰለዝኾነ ነዚ ጠጠው ከብሎ ዝግባእ ፈራሚ ሰምምዕ ፕሪቶርያ ዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊድ ጠጠው ከብሎ ኣይከኣለን፡፡

ኣብ መዕቖቢ ማእኸላትን ስደትን ዝርከብ ህዝብና ንሓሙሽተ ዓመታት ብዘይእኹል ኣቕርቦት ሓገዝ ኣደዳ ሕማም ፣ ሞትን ጥምየትን ኮይኑ ይቕፅል ኣሎ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ብምኽንያት ምቁራፅ ኣቕርቦት ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ እቲ ዝፀንሐ ሓደጋ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ ኣሰጋጊርዎ ኣሎ። ህዝብና ብዘይእኹል ሓገዝ ኣብ ቅዳድ ኬንዳ ኮይኑ ሓምሻይ ክረምቲ ከሕልፍ ኣይግባእን፡፡ ኣወዓዓልቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኮነ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልትን ስደተኛታትን ወገናትና ኣንፀላልዩ ዘሎ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ሓደጋ ተረዲኦም ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስዱ ይግባእ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወፃኢ መሬት ትግራይ ወሪሮም ዘለዉ ሓይልታት ብቕልጡፍ ብምውፃእ ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ወገናትና ውሕስንኦም ተሓልዩ ሕዚ ናብ መረበቶም ክምለሱን ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ሓራ ክወፅእን ግቡኡ ክዋፃእ ንፅውዕ፡፡

ሕብረት ኣፍሪካ ኮነ ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ህልው ኩነታት ተረዲኡ ኣብ ሓፈሻዊ ኣፈፃፅማ እቲ ስምምዕ ንምዝታይ ፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ብቕልጡፍ ተኣኪቡ ዝርርብ ክጅመር ይግባእ፡፡

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንስውኣትና!!

Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray Youth Diplomatic Union -TYDU posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share