01/08/2026
🌓ሓደ ሰብ ዘይብሉ ነገር ስኢነ ኢሉ እንተበኸየዶ ይእመን እዩ? ምዕራብ ትግራይ ካብ ኢድና ወጺኡ ክብሃል ዝኸረመ እዝንና፡ ሕጂ ድማ ኣብቲ ቦታ መጥቃዕቲ በጺሑና ዝብል ኣውያት የኣንግድ ኣሎ። እዚ ነንሕድሕዱ ዝጋጮ ሓሳብ ካበይ ዝመጸ እዩ?
💥ኣብ ከባቢ ዶብ ሱዳን ካልእ ምዕራብ ትግራይ እንተዘይተፈጢሩ ብዘይካ፡ መንግስቲ ፌደራል ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዝቆጻጸሮ ክልል ተጠቒዐ ምባል ፖለቲካዊ ኪሳራ ንምሽፋን ዝግበር ሕሱር ናይ ምድንጋር ስልቲ እዩ። እቲ ሓቂ ፍንትው ኢሉ እናተራእየ ደይ መደይ ኢልካ ምድብዛዝ ንማንም ኣይጠቅምን!