
02/02/2025
ንኣስታት ክልተ ዓመት ብድጋፍን ተቓውሞን ክሕቆን ዝፀንሐ ጉዳይ ምምስራት ኣማኻሪ ካውንስል ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሎሚ መዕለቢ ክረክብ እዩ።
ምጥያሽ ኣማኻሪ ካውንስል ምስ መጣየሺ ሰነድ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተኣሳሲሩ ጥሪ 2015 ዓ.ም ዝተልዓለ ሓሳብ እዩ።
እቲ ኣማኻሪ ካውንስል ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ንዝፈረሰ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ክልል ብጊዚያውነት ተኪኡ ንጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ የማኽር ይቆፃፀር።
ኣብ'ዚ ሕዚ ሰዓት ተሳተፍቲ ምስረታ ኣማኻሪ ካውንስል ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናብ መአከቢ ኣዳራሽ ቤት ምኽሪ ትግራይ ኣብ ምእታው ይርከቡ።