Axum town PR ርክብ ህዝብን መንግስትን ከተማ ኣኽሱም

  • Home
  • Ethiopia
  • Axum
  • Axum town PR ርክብ ህዝብን መንግስትን ከተማ ኣኽሱም

Axum town PR ርክብ ህዝብን መንግስትን ከተማ ኣኽሱም Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Axum town PR ርክብ ህዝብን መንግስትን ከተማ ኣኽሱም, Digital creator, Axum.

12/09/2024

Shout out to my newest followers! Excited to have you onboard! Shout out to my newest followers! Excited to have you onboard! Furtuna Brhane Abadi, Tewelde Meresa, Haftom Wedi Haylna, Hagos Wedihailu, Zenawi Miki, Beki Man, Fkadu Mequant, Kidane Zeray, Goyteom Hans, Ashenafi Birhane, Kbrom Ytbarek, Dawit Menkr, Tssfay Fissha G Her

ነባር መምህር ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ መሪሕነት ንልዕሊ 36 ዓመታት ንህዝቦምን ሃገሮምን ብዝለዓለ ውፍይነትን ተኣማንነትን እናገልገሉ ዝመፁ በዓል ውህሉል ዓቅምን ተሞኩሮን ዝኾኑ...
01/11/2020

ነባር መምህር ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ መሪሕነት ንልዕሊ 36 ዓመታት ንህዝቦምን ሃገሮምን ብዝለዓለ ውፍይነትን ተኣማንነትን እናገልገሉ ዝመፁ በዓል ውህሉል ዓቅምን ተሞኩሮን ዝኾኑ ሎሚ 22 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም 6 መፃሕፍትን ክልተ "ብዓምደኛነት" እናተሳተፉ ዝተፈላለየ ትምህርታውን ማሕበራውን ዋኒናት እናተኣናገዱሎም ዝፀንሑ መፅሄታትን ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣድሂቦም ዘሰናድኡዎም 22 መፅናዕታዊ ፅሑፋት ፕሬዚዳንት ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ኣመራርሓ፣ ነበርቲ፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ዕድመ ዝተገበረሎም ሙሁራትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ብዕሊ ኣመሪቖም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምርቓ ዝተሳተፉ ቤተሰቦም፣ ነባራት ናይ ስራሕ መሓዙቶም፣ ተማሃሮኦምን መተዓብይቶምን ከም ዝገለፁዎ ረ/ፕሮፌሰር ወርቅነህ ገ/ስላሴ ገና ካብ እዋን ዕሸል ዕድሚኦም ጀሚሮም ኩለንተንኦም ምእንተ ህዝቢ ዘወፈዩ ፃዕራም፣ ፈታዊ ስራሕ፣ ኽዝረበሎምን ክብሃለሎም ዘይደልዩ ትሑት ኣኽባሪ ሰብን ህርኩትን ከምዝነበሩ ሪኢቶኦም ገሊፆም።

ረ/ፕሮፌሰር ወርቅነህ ዝተወሃቦም ህዝባውን መንግስታውን ዕማም ምውጋን ጥራሕ እንተይኮነስ ጎና ጎኒ መደበኛ ስርሖም ኣብ ዕቀባ ባህልን ታሪኽን እውን ንወለዶ ዝሓልፍ ንቀፃላይ ትውልዲ ኣብ ዘካይዶም ናይ ምርምርን መፅናዕትን ስራሕትታት ዓብዪ እታዎት ክኾኑ ዝኽእሉ ዘበን ዘይስዕሮም ስራሕቲ ዘበርከቱ ሙሁር ምዃኖም ኣብቲ ስርዓተ-ምረቓ ዝተረኸቡ ነባራት ናይ ስራሕ መሓዙቶም ሓቢሮም።

ኣብዚ ዕለት ዝተረኸቡ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ፕሮፌሰር ገ/የሱስ ብርሃነ ንኣበርክቶ ረ/ፕሮፌሰር ወርቅነህ ብምንኣድ ትካሎም እውን ነዞም ህርኩት፣ ፃዕራም፣ ፈላጥን ኣብነት ትውልዲ ክኾኑ ዝኽእሉን ሙሁር ኣብ ዘካይዶም ንጥፈታት ክሳተፉ ዕድል ብምፍጣር ዓቕሞምን ፍልጠቶምን ንክጥቀመሉ ዘኽእሉ ስራሕቲ ንምስራሕ ዕዮ ገዛ ሒዙ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ገሊፆም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ እውን ብወገኖም ኣብቲ ምርቓ ንዝተሳተፉ ተወከልቲ ምምሕዳር ከተማ ኣኽሱም፤ ምምሕዳር ከተማ ኣኽሱም ኣብ ዘሳልጦም ህዝባውን መንግስታውን ዋኒናት ነዞም ሙሁር እውን ከሳትፎምን ሙሉእ ፍልጠቶምን ዓቕሞምን ንህዝቢ ከወፍዩ ዘኽእሎም ስራሕቲ ክሰርሕ ከምዝግበኦ ኣተሓሳሲቦም።

ረዳት ፕሮሮፌሰር ወርቅነህ ገ/ስላሴ ብግዲኦም እቲ ብተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ዝተወሃቦም ዝተፈላለየ ርኢቶ ንቐፃላይ ካብቲ ሰሪሖሞ ዘለው ዓብዪ ስራሕ ንላዕሊ ዝበለፀ ንምስራሕ ምልዕዓል ከምዝፈጠረሎም ብምሕባር ኣብ ከይዲ ሕትመት ዝርከቡ 4 መፃሕፍቲ ከምዘለውዎም እውን ገሊፆም።

ኣብ መወዳእታ መላእ ህዝቢ ኣኽሱም፣ ማሕበረሰብ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም፣ ህዝቢ ትግራይን ሙሁራት ትግራይን ኣብ ጎኖም ተሰሊፉ ኩለ-መዳያዊ ድጋፉ ክገብረሎም ረ/ፕሮፌሰር ወርቅነህ ገ/ስላሴ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

ረ/ፕሮፌሰር ወርቅነህ ገ/ስላሴ ወዲ 15 ዓመት ኮይኖም ኣብ መደብ ምጥፋእ መሃይምነት ንዝገበሩዎ ወፍሪ ዝተወሃቦም ሽልማት ኣፍልጦ ሓዊሱ ክሳብ ሕዚ ብርክት ዝበሉ #ክልላዊ፣ #ሃገራውን #ዓለምለኻውን #ሽልማታት ዝተበርከተሎም እንትኾን እዞም ሽልማታት እውን ኣብዚ ዕለት ንምርኢት ቀሪቦም ህዝቢ ክዕዘቦም ተገይሩ እዩ።

ኣብ  ከተማ  ኣክሱም   ኣዳራሽ ኣክስማዊት  ሄርተጅ  ምርቃ8  መፅሓፍቲ ን22መፅናዕታዊ ፅሑፋትን ብረ/ፕሮፌሰር  ወርቅነህ    ገብረስላሴ  ፀጋይ ዝተሓተሙ   ሎሚ  ዕለት  22/2/2013...
01/11/2020

ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣዳራሽ ኣክስማዊት ሄርተጅ ምርቃ8 መፅሓፍቲ ን22መፅናዕታዊ ፅሑፋትን ብረ/ፕሮፌሰር ወርቅነህ ገብረስላሴ ፀጋይ ዝተሓተሙ ሎሚ ዕለት 22/2/2013ዓም ምስላጡ ዘርኢ ፎቶ እግዝቭሽን ምቁራፅ ርቫንን ብክፋል።

ጥቅምቲ 21/2/2013ዓ/ምኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ላዕላይማይጮው ጣብያታት ሓፀዎ፣ለሳልሶንማይወይንን ከባቢታት መዕርፎነፈርቲ (ኣየር ፖርት)ሰፍሕ ቦታዝሸፈነ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት  ፤ካ...
31/10/2020

ጥቅምቲ 21/2/2013ዓ/ምኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ላዕላይማይጮው ጣብያታት ሓፀዎ፣ለሳልሶንማይወይንን ከባቢታት መዕርፎነፈርቲ (ኣየር ፖርት)ሰፍሕ ቦታዝሸፈነ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት ፤ካብ ከተማ ኣክሱም ብርክት ዝበለ ሰራዊት መኸተ ዕስለ ኣንበጣ ተዋፍሩ ከም ዝዋዓለ ተረጋግፁ ኣሎ።ኣብዝ መኸተ ካብ ዝተሳተፉ ኣካላት ማሕበረሰብመንኣሰይ፣ሰብሃፍቲ ምስ ንብረቶም፣ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን መንግስቲ ብፍላይ ፆታን ዕድመን ዘይ ፈለየ ማሕበረሰብ ከተማ ኣክሱም ብዝላዓላዓለ ወነን ህልክንዕውት ዝኮነ ጨፍጫፍ ዕስለ ኣንበጣ ኣካይዶም።እዚ ቅዱስ ተግባር ብህዝብን ምምሕዳርን ከተማ ኣክሱም ከም ልሙድ ባህልን ቤተሰባዊ ምድግጋፍን ምርድዳእን ከይኑ ይቅፅል ከም ዘሎን ኣብ ወፍሪ ምዕፃድ ድማ ተጠናክሩ ከም ዝቅፅልን ተገልፁ ።እዚ ብሉፅ ስራሕ ድማ ናብ ካልኦት ከባቢታት ክሰፍሕ ይግባእ ንብል።መንኣሰይ ከተማ ኣክሱም እቲ ትገብርዎ ዘለኩም መርኣያ ድጋፍ ኣጠናክርኩም ብምቅፃል ናይ ባዕልኩም ታሪክ ትሰርሑ ዘለኩም ምኻንኩም እቲ ሕብረተሰብ ሓብሩ ኣሎ።

ጥቅምቲ 19/2/ 2013ዓ/ምልምዓታዊ  ብዓል ሃፍቲ  ዝኮኑ ኣይተ ደግነህ በላይ በርሀ   ፦ብተወካሊኦም  ኣብሎም  607ማዕፂድ ንምምሕዳር ከተማ ኣክሱም ኣረኪቦም።እዚ ንብረት  ድማ  ኣብ  ...
29/10/2020

ጥቅምቲ 19/2/ 2013ዓ/ምልምዓታዊ ብዓል ሃፍቲ ዝኮኑ ኣይተ ደግነህ በላይ በርሀ ፦ብተወካሊኦም ኣብሎም 607ማዕፂድ ንምምሕዳር ከተማ ኣክሱም ኣረኪቦም።እዚ ንብረት ድማ ኣብ ወረዳታት ላዕላይማይጮውን ከባቢኡን ንዝባፅሑ ኣዝርእቲ ብመንኣሰይ ከተማ ኣክሱም ከምቲ ቅድም ክብል ኣብ መኸተ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ዝገበርዎ ዝፀንሑን ሕዚ ዝገብርዎ ዘሎው ዝላዓለ ድጋፍን ኣብ ወፍሪ ዓፂድ እውን ከምዝደግምዎ ብምትእምማን እዩ።እዚ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ብፍላይ ድማ ኣብ ጎኒ ሓረስታይ ደው እልካ ብዝላዓለ ወነን ህልኽን ምስራሕ
ድርብ ክብሪን ኩርዓትን ስለ ዝኮነ ብመንኣሰይን ምምሕዳርን ከምኡ እውን ብሰብ ሃፍትን ከተማ ኣክሱም
ዝግበር ዘሎ ሓገዝ ዝናኣድ ስለዝኮነ ንቀፃሊ እውን ከምዙይ ዓይነት ቅዱስ ተግባር ናብ ካልኦት ክሰፍሕ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

የቅንየልና!
25/10/2020

የቅንየልና!

መንኣሰይ  ከተማ  ኣክሱም   ሎሚዕለት 15/2/2013ዓ/ምምስዓት 12:00 ንጉሆ  ካብ  ከተማ ኣክሱም  ብምብጋስ ወራር ዕስለ ኣንበጣ   ንምምካት ብ3 /ባስ/ዓበይቲ  መካይንን ኣንቡላንስን...
25/10/2020

መንኣሰይ ከተማ ኣክሱም ሎሚዕለት 15/2/2013ዓ/ምምስዓት 12:00 ንጉሆ ካብ ከተማ ኣክሱም ብምብጋስ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት ብ3 /ባስ/ዓበይቲ መካይንን ኣንቡላንስን ተጠቅሞም ናብቲ ዕስለ ኣንበጣ ዝርከበሉ ከባቢታት ዞባ ማእኸል ትግራይ ብምኻድ ዕውትዝኮነ መኸተ ዕስለ ኣንበጣብምፍፃም ዘኹርዕ ቅያ ሰሪሖም። ብተወሳኪ ቅድም ክብል ኣብ ከባብታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ህዝብን ምምሕዳርን ከተማ ኣክሱም ብፍላይ መንኣሰይ ከተማ ኣክሱም ኣብቲ ገጠር እንዳሓደሩ ዝናኣድ ድጋፍ እንዳ ገበሩ ከም ዝመፁን ምምሕዳር እውን ናይ ገንዘብ ድጋፍ ከም ዝገበረን ይዝከር።

ከተማ ኣክሱም  ጥንታዊትን  ታሪካዊትን  ከተማ  ታሪክ  ዳግምይድገም  !!!!
24/10/2020

ከተማ ኣክሱም ጥንታዊትን ታሪካዊትን ከተማ ታሪክ ዳግምይድገም !!!!

መልእኽቲ ንመናእሰይ ከተማ ኣኽሱም🙏

መልእኽቲ ንመናእሰይ ከተማ ኣኽሱም🙏
24/10/2020

መልእኽቲ ንመናእሰይ ከተማ ኣኽሱም🙏

24/10/2020

ፃውዒት ሓገዝ ንመኸተ ወራር ዕስለ ኣንበጣ!!!
ኣብ ከባቢ ተንቤን ኣጋጢሙ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምምካትን ኣብ ጎኒ ሓረስታይና ምኻንና ንምርግጋፅን ፤ንኩልኩም መንኣሰይ ነበርቲ ከተማ ኣክሱም ዝኾንኩም ንዕለት 15/2/2013ዓ/ም ልክዕ ስዓት 12:00ንጉሆ ኣብ ኢዛና መናፈሻ 3 ዓበይቲ (ባስ) መኻይን ካብ ኣክሱም ናብ ተንቤን (ናብቲ ዕስለ ኣንበጣ ዝርከበሉ ቦታ ) መንኣሰይ ዝወስዳ ብምምሕዳር ከተማ ኣክሱም ተዳልየን ስለዘለዋ ኣብቲ ዝተጠቀሰ ቦታን ስዓትን ተረክብኩም እቲ ልሙድ ምትሕብባርኩም ክተብርክቱ ንፅውዕ ።
ቅድም ክብል ደገፍቲ ኩዕሾ እግሪ ከተማ ኣክሱምን ሓኾርቲ ትግራይ ጨንፈር ከተማ ኣክሱምን ናብዞባ
ደቡብ ትግራይ ነዊሕ ጉዕዞ ብምጉዓዝ ዝናኣድ ድጋፍ ከም ዝገበሩ ይዝከር።ብተወሳኪ ድማ ህዝብን ምምሕዳርን ከተማ ኣክሱም ንህዝብን ምምሕዳርን
ዞባ ደቡብ ትግራይ ብወኪሉ ኣብሉ ናይ 100,000ብር
ድጋፍ ከም ዝገበረን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዘጋጠሙ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት መንኣሰይ ከተማ ኣክሱም ዘርአይዎ ርብርብ ዝምስገን ምኻኑ ደግምና ንንእድ።

22/10/2020

ኣብ ጎኒ ሓረስታይና ደው ንበል፤ንደጋገፍ።

Address

Axum

Telephone

+251347754989

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Axum town PR ርክብ ህዝብን መንግስትን ከተማ ኣኽሱም posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Axum town PR ርክብ ህዝብን መንግስትን ከተማ ኣኽሱም:

Share