Dealer Pro

Dealer Pro A personal blog Great tigri republic

አርሰናል የማድሪድን ፎክራ ድባቅ በመምታት በደርሶመልስ ጨዋታ 5:1 በሆነ ውጤት አሸንፎ ከውድድሩ አሰናብቶታል።
16/04/2025

አርሰናል የማድሪድን ፎክራ ድባቅ በመምታት በደርሶመልስ ጨዋታ 5:1 በሆነ ውጤት አሸንፎ ከውድድሩ አሰናብቶታል።

Stupid african leaders==================Rich Land, Poor PeopleAfrica is blessed with immense natural resources, yet mill...
15/02/2025

Stupid african leaders
==================
Rich Land, Poor People

Africa is blessed with immense natural resources, yet millions suffer from poverty, hunger, and war. Why? Corrupt and incompetent leaders prioritize power over progress, fueling conflict and mismanaging wealth. While they steal and sell resources cheaply, their people struggle. The problem isn’t lack of wealth—it’s bad leadership. It’s time for real change!

14/02/2025

አብይ አሕመድ

ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣፍሪሰዮ እየ ይብል አሎ ብምርጫ ቦርዱ ጌሩ። እታ ጥረ ትርጉም እዚኣ እያ። ካብዚ ወፃኢ ህወሓትን አብይ ኣህመድን (መንግስቲ ፌደራልን) ዝፈላጡ ብውዕሊ ፕሪቶርያ ጥራሕ እዩ። ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ዝፋለጡ እውን ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ብዝፈረምዎ ውዕሊ ፕሪቶርያ እዩ። ካብዚ ወፃኢ ካልእ ዘራኽብ ገመድ የለን። ክልቲኦም ድማ ብፖለቲካዊ ድርድር ንዝተረዳድእሎም መደባት ይፍፅሙ እምበር እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ውሳነ ምሕላፍ ኮነ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ምእዛዝ ኣይኽእልን።

ህወሓት ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ሕጋዊ ሰውነተይ Reinstate ይገር ዝብል ሕቶ ኣቕሪባ እያ። ዘይሓተተቶ መልሲ ተዋሂብዋ፣ ከም ብሓዱሽ መዝጊብናኩም ተባሂላ። ህወሓት፣ ብእዋኑ ዘይሓተተቶ መልሲ ስለዝተውሃባ ከምዘይትቕበሎ ብዕላዊ ደብዳቤ ኣፍሊጣ እያ።

እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ እንተብቅዕ ኣብይ ኣህመድ ነቲ ዝተውበኩም ምዝገባ ሰርተፊኬት ተቐቢልኩሞ ኢኹም፤ ይብል ኣሎ። ከምዘይተቐበልካዮ ብደብዳቤ ካብ ምግላፅ ሓሊፉ ነቲ ሰርተፊኬት ኣብ ገፆም ክቕደድ ነይርዎ፤ ማለት እዩ ዝኸውን ዘሎ።

ብዝኾነ ናይዚ ኩሉ ዙርያ ጥምጥም ባህጊ ሓደን ሓደን ጥራሕ እዩ። ህወሓት ኣፍሪስካ ህዝቢ ትግራይ፣ ኣጥሚኻ፣ ሞራሉ፣ ታሪኹ፣ ብሄራዊ ሓድነቱ ቀቲልካን በቲንካን ኣምበርኪኽካ ምግዛእ። እታ ድሌት እዚኣ እያ!

ምእንተ እዚ ኣብይ ኣህመድ፣ ህወሓት ኣብ ክልተ ተመቒሉ ፈሪሱ እዩ። ስለዚ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝብሃል የለን፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ብልፅግና ኮይኑ እዩ፤ ክመሓደር ዝግበኦ፤ ዝብል ሕቶ ንናይ ደገ መንግስታት እናቕረበ ፀኒሑ እዩ።

ነዚ ተባሂሉ ኣብይ ኣህመድ ውሳነ ህወሓት፣ ሰራዊትን ህዝብን ተግባራዊ እንተይኮነ ክፀንሕን ብኡ ኣቢሉ ክቕህምን። በዓል ለካቲት እውን ብድምቀት ከይኽበር፣ ኣብ ትግራይ ዝተጀመረን ክዛዘም ዝተቓረበን ትግራይ ካብ ፖለቲካዊ ታሕሚስ ናይ ምውፃእ ንምዝሕታልን ብኡ ኣቢሉ ናይ ምድራቕን ውሳነ እዩ፤ እዚ ናይ ሕዚ ውሳነ!

ኣነ ድማ ይብል፤ ኣብይ ኣህመድ እቲ ልዕል ክብል ዝገለፀክዎ ሕልሚ ክሳብ ዝሓዘን ፕሪቶርያ ከፍርሶ ክሳብ ዝተልዓለን ኣሽምባይ #እግድ #ኣሸባሪ ምባል እውን #መሰሉ እዩ!

ሕርያ ህዝቢ ትግራይን ሕዚ እውን #ሰላም እዩ!

#ምምርካኽን #ምጥፋእን ግን #ኣይንመርፅን!

አብ ማእኸልና አትዩ ክኸፋፍለናን ተምበርኪኸና ንኽጠፍእን ግን አይነፍቅድን!

የፒፒ በርጫ ቦርድ ትንኮሳ
13/02/2025

የፒፒ በርጫ ቦርድ ትንኮሳ

13/02/2025

2013 ከምዛ ሎምዓንቲ ሳዓት 11፡00 ናይ ኣጋምሸ ናይ ኢትዮጽያ ሰራዊት ምስ ካልኣየይ ናሃለኹ ሒዞምና። ኣምበርኪኾምና። ክትርሸኑ ኢኹም ብልብኹም ደቅሱ ኢሎም ኣደቂሶምና። ሓደ ኣቃባቢሉ ኣጋ ክትኩሰልና ካልእ ወታደር "ይፅንሑ እስኪ ክንሓቶም" ኢልዎ ገዲፍና። ደቂስና ከለና ግን ብኸስክሱ ገይሩ ናብ መሬት ኣጣቢቑ 3ግዜ ጀፊዕኒ። ክቕተል ይፅበ ስለ ዝነበርኩ ምንም ኣይሕመመንን። ንቲ ምሳይ ነበረ ታይ ገይረሞ ኣይዝከረንን።

ብረድዮ ሽዑ ""ሁለት ጁንታዎች ይዘናል" ተባሂሉ ሪፖርት ተገይሩ።
ሒዝካዮም ናዓ ፍጠን ተባሂሉ። ናንገላትዑ ወሲዶምና። እቶም ዝሓዙና ጅግንነት ተሰሚዕዎም ሓፍ ሓፍ ይብሉ ነይሮም።
ሓላፊ ተቐቢልና። 2 ምርጫ ኣለዋኹም ኢልና ንሰን እውን ወይ ክትርሸኑ ኢኹም ወይ ጁንታ ኢና ክንዋጋእ ኢና ተታሒዝና በሉ ኢልና።

መከራና ቀፂሉ። በቃ ረሽኑና ኢለዮም። ብዙሕ ሓቲትኒ። ናሓተተኒ ከሎ 2 ዓበይቲ ገባራት ከዓ ብኻልእ ገፅ ኣምፅዮምሉ። ኣረግቶት እዮም። ትፈልጦም ዶ ኢልኒ እወ ገባራት እዮም ኢለዬ።
ወዮ ሓላፊ ብረድዮ ገይሩ 2 ጁንታን 2 ደካማታት ምልሻን ሒዘ ኢሉ ንብልዕሊኡ ሪፖርት ገይሩ። እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ እቶም ምልሻ ሰዲድካ እቶም 2 ጁንታ ኣምፀዮም ኢልዎ ። ተኾብኪብና ከይድና። ኣብ ናይ ገባር ገዛ ኣትዮም ድራር ክሳብ ዝበልዑ ቶም ሓላፊ ኣብ ፀግዒ እቲ ገዛ ብደገ ናተሓለና ናይ ሞት ዕጫና ንፅበ ኣምሲና።
እቶም ዝፀንሑ ከዓ ጁንታ ሪኦም ኣይፈልጡን መስለኒ ይኸቡና።

ኣብቲ ዝነበርዎ ክሓድሩ ድፋዕ ይሰርሑ ስለ ዝነበሩ በቲ ንሕና ኮፍ ኣቢሎምና ነበሩ እዮም እምኒ ናተሸከሙ ይመላለሱ ነይሮም። በቢ ተራ ናሓለፉ ክጭፍልቐኩም ዶ ናበሉ የሳቕዩና ኣለው።
ብድሕሪኡ ዋና ሓላፊ ድራሩ በሊዑ ኣፉ ናጠቓመዐ መፅዩ ሕቶ ብሕቶ ገይርና። ሞት እያ ዕጫኹም ዘይሩ ዘይሩ ተዛሪብኩም ሙቱ ዝዓይነቱ ይነግረና።

ምሟተይ ንዘይቁሪ ኣብ ልዕሊ ጥሜተይ ታይ የዛርበኒ ኢለ ስቕ መሪፀ። እቲ ምሳይ ነበረ ኣማርኛ ኣይኽእልን የፃድፍዎ ኣለው።
እቲ ናይ መጀመርታ ዝሓተተኒ ሓላፊ ኣማርኛ ናኻኣልካ ንምንታይ ዴኻ ስቕ ትብል ኢሉ ብ ካዘራ ማሕኹልተይ ኣውሪድለይ።
ምዝራብ ጀሚረ ኣበይ ውዒልኩም ኢልና። ኣብዚኣ ውዒልና ቀትሪ ናትኩም ሰራዊት ፈትሾምና እዮም ምንም ኣይትኾኑን ኣብዚ ኩኑ ኢሎምና ኢና ፀኒሕናኩም እምበር ምህዳም ንኽእል ነይርና ምስ በልክዎም(ሓስየ) ንእሽተይ ኣቕልል ኣቢሎምልና።
ሽዑ ብዙሕ ገዛውቲን ሓሰርን ኣቃፂሎም ስለ ዝነበሩ ሃግ ኢሉ ይነድድ ነይሩ።

ሓደ ወታደር ከዓ ኣንተ እስካሁን እየተቃጠለ እኮ ነው። ኢሉ
እቲ ካሊእ ድማ እናታቸው እና #ይቃጠሉ! ኢሉ መሊስሉ።
ስለ ናብራ ማሕበረሰብ ስለ እቲ ኩነታት ርኢቶ ሃበሉ ኢልኒ።
ጁንታ በዚ ሓሊፎም ዶ ? ኢልኒ
እወ ንጉሆ ሓሊፎም ኢለዮ። (ሙሉእ ማዓልቲ ከኳልልዎ እዮም ውዒሎም እኮ ክፍትነኒ ደልዩ እምበር)
ክንደይ ይኾኑ ኢልኒ።
ቁሩብ እዮም 200 ይኾኑ ኢለዮ።
ሕጉስ ኢሉ ውሒዶምሉ መስለኒ።

መወዳእትኡ 6:00 ለይቲ ከባቢ ምስ ኮነ ሓቲቶም ምስ ቀበፁና ሕጂ ተሰደድናኩም ትፈርሑ ዲኹም ኢሎምና።
ኣይንፈርሕን ምስበልናዮም ኪዱ ኢሎም ለቒቖምና።
ኣብቲ ዕለት ኣብ ኢዶም ኣትዩ ብሂወት ዝተመለሱ ንሕናን ቁሩብ ሰባትን እምበር ክቕትልዎም እዮም ውዒሎም።

እቶም ካብ ካልእ ኣሸኪሞም ዘምፅእዎም ዘይተፈለጡ ዝቐተልዎም ሓዲግካ ኣብታ ዕለት ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣነ ዝፈልጦም ዝበለ ከባቢ 40 ሰብ መንእሰይ የለ ሽማግለ ቀሺ ኣይቐሪ ቆልዓ ኣፅኒተሞም ውዒሎም እዮም።
ከይቕበሩ እውን ብጥይት ንዝመፀ ቀባሪ ናበተኑ ቀለብ
ከልብን ኣራዊትን ገይረሞም እዮም።

ከምዚ ዝበለ ኣራዊት ሰራዊት ንዘልኣለም ትግራይ ከይረግፃ ባህገይ እዩ!

Kidu Berhane (መድሐርሐሪ) ከምዝፀሓፎ

አየር መንገዱ የዝንብ መጫወቻ ሆኖ ቀረ
11/02/2025

አየር መንገዱ የዝንብ መጫወቻ ሆኖ ቀረ

So true!
04/02/2025

So true!

Wow
02/02/2025

Wow

24/01/2025

ትግራይ ብኤርትራዊ እንትግለፅ

24/01/2025

Address

Haile Gebresilasie Street
Bahir Dar
123

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Dealer Pro posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Dealer Pro:

Share