08/02/2026
ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝወልዐኦ ኲናት ዓለም ዘየቕለበሉ ህልቂት ከምዘውረደ ሓዱሽ ፀብፃብ ኣቃሊዑ።
ፓን ኣፍሪካን ኣጀንዳ ዝተብሃለ ኢንስቲትዩት ዘውፀኦ ሓድሽ ፀብፃብ ካብ 2013 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ ኲናትን መጕዳእቲታቱን ዓይነ እዝኒ ዓለም ዘየቕለበሉ ምንባሩ ገሊፁ።
እቲ ኢንስቲትዩት ንመበል 39 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ጠሚቱ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ፥ ኣብ ኣፍሪካ ዝፍፀሙ ግጭታትን ሳዕቤናቶምን እኹል ሽፋን ዓለምለኸ ሚድያታት ከምዘይረኽቡ ኣብሪሁ።
ዓለም ለኸ ሚድያታት ንግዳያት ኵናት ዝህበኦ ኣቓልቦ ሌላን ጕሌላን ከምዘለዎ ዝጠቐሰ እቲ ኢንስቲትዩት፥ ዛንታታት ግዳያት ኵናት ትግራይ ዝረኸቡዎ ትሑት መጠን ሽፋን ሚድያ ከም ኣብነት ኣልዒሉ።
ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት እንተካይዳ ዘጋጠመ መጠን ሞት ኣብ ጋዛ (ፍልስጤም) ካብ ዝተርኣየ መጠን ሞት ዓሰርተ ኢድ ዝበዝሐ ምዃኑ ብምዝኽኻር ብሚድያታት ዓለም ዝረኸቦ ኣቓልቦ ግና ካብ ናይ ጋዛ ብ 61 ሚእታዊ ዝንኣሰ ምንባሩ ኣነፂሩ።
ሚድያታት ዓለም ኣብ ሓደ መዓልቲ ውሽጢ ንግዳያት ኲናት ጋዛ ዝምልከቱ 58 ነጥቢ 5 ዛንታታት ከምዘቃልሓ ዝጠቐሰ እቲ ፀብፃብ ንግዳያት ኲናት ትግራይ ዝጥምቱ ዛንታታት ግና 0 ነጥቢ 96 (ትሕቲ ሓደ) ጥራሕ የቕርባ ምንባረን ኣቃሊዑ።
እተን ሚድያታት ኣብ ሓደ መዓልቲ፥ 19 ነጥቢ 4 ንግዳያት ኲናት ዩክሬን ዝደህስሱ ዛንታት ንተኸታተልተን ከምዘቕርባ እውን ኣመላኺቱ።
ኲናት፥ ኣብ ሃገራት ቻድ፣ ሱዳንን ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን እንትካየድ ዝነበረ ሽፋን ሚድያታት ዓለም እውን ኣዚዩ ትሑትን ክቱር ኢ-ሚዛናዊነት ዝተርኣየሉን ምንባሩ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኣፍሪካ ካብ 2004 ክሳብ 2024 ኣብ ዘለዉ ዕስራ ዓመታት መጠን ምስ ኲናት ዝተኣሳሰር ሞት ብ 841 ሚእታዊ ምውሳኹ ዘዘኻኸረ እቲ ፀብፃብ ካብ 2004 ክሳብ 2008 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 44 ሽሕ ሰባት ምስ ኲናት ዝተኣሳሰር ሞት እንተጋጥሞም ካብ 2019 ክሳብ 2024 ኣ.ኣ. ኣብ ዘለዉ ኣርባዕተ ዓመታት ግና ህይወት 414 ሽሕ ሰብ ብሰንኪ ኲናት ምጥፍኡ ጠቊሙ።
ድሕሪ ኣብ 1994 ኣ.ኣ. ዘጋጠመ ጀኖሳይድ ርዋንዳ፥ ''ፍፁም ኣይድገምን'' ይበሃል ዝነበረ መፅበዓ ባዶ ጭርሖ ኰይኑ ምትራፉ ዘረጋገፀ እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ምትራፍ ኲናትን ምቕናስ ሳዕቤናቱን ሕብረት ኣፍሪካ ንዘርኣዮ ዝሕታለ ''ግቡኡ ዘይፈፀመ ትካል'' ክብል ነቒፉ።
እቲ ኢንስቲትዩት ዘውፀኦ ፀብፃብ፥ ኣብታ መቐመጢ ዋና ቤት ፅሕፈቱ ዝኾነት ኢትዮጵያ ውሽጢ ዝነብር ህዝቢ ትግራይ እንትጭፍጨፍ'ኳ ፅንቃቕ ኣቓልቦ ዘይሃበን ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ዘይርሐን ክብል ንሕብረት ኣፍሪካ ከሲሱ።
ለካቲት 7 ክሳብ 8 ንዝካየድ መበል 39 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ጠሚቱ ዝወፀ ፀብፃብ ፓን ኣፍሪካን ኣጀንዳ ኢንስቲትዩት፥ ሕብረት ኣፍሪካ ቅልጡፍ ትካላውን መሓውራውን ምስትኽኻል ክገብር ኣተሓሳሲቡ።
መጠን ምስ ኲናት ዝተኣሳሰር ሞት ብ 841 ሚእታዊ ኣብ ዝወሰኸሉ እዋን ዝካየድ እዚ ጉባኤ ብሸለልትነት ክሳለጥ ከምዘይብሉ እውን እቲ ኢንስቲትዩት ኣጠንቂቑ።
ሕብረት ኣፍሪካ መደበኛ ጉባኤኡ እንተካይድ ዕላማታቱ ደጊሙ ንክክልስ፣ ቅዲ ምሕደራ ሃገራት ኣፍሪካ ንክፍትሽ፣ ፖለቲካውን ልምዓታውን ተሳትፎ መናእሰይ ዘደንፍዑ ፃዕርታት ንክገብርን ስግር ርእዮተ ዓለም ዝኾኑ ተተግበርቲ ስጉምቲታት ንከተኣታቱን እቲ ኢንስቲትዩት ፀዊዑ ክብል ትግራይ ቲቪ ፀብፂቡ።
ትግራይ ጋርድያንስ
01 ለካቲት 2018 ዓ.ም
ትግራይ