05/11/2025
ዘይተዘረበሉ ናይ ማራቶን ንጉስ
ብሉፅ ኣትሌት ኣማን ጴጥሮስ
********************
ንሱ ኣብ ትግራይ ከተማ #ውቕሮ ፪ #ኣውላዕሎ ተወሊዱ።ኣበጋዝ ማሩ ናይ ዝበሃሉ ኣቦ ጎይታንኡ ሽም ተዋሂቡዎ #ማሩ እናተበሃለ እንትዓቢ ወላዲት ኣዲኡ ድማ #ኣማን እናበላ ይፅወዐኦ ስለዝነበራ ኣማን ዝብል ሽም ሒዙ ዕድምኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ናብ ቤት-ትምህርቲ #መጋቢት 30 ከይዱ ትምህርቲ ጀመረ።
ኣማን ኣብ እዋን ንእስነቱ ኣሰልጣኒኡ ዝነበሩ ኢንስትራክተር መምህር #ብርሃነ #ፋንታ ከምዝሕብሩዎ ብቐጥታ ናብ ናይ ዓሰርተ ሽሕ ሜትሮ ጉያ ኣትዩ
ብወረዳታት ይግበሩ ኣብ ዝነበሩ ውድድራት 1ይ እናወፅአ #ብፃዕሩ ኣብዙይ ክበፅሕ ዝኸኣለ ጀግና እዩ ይብሉ።
ኣትሌት #ኣማን #ጴጥሮስ ብፕሮፌሽናል ኣትለቲክስ ናብ ሃገረ #ጀርመን ካብ ዝኸይድ ኣትሒዙ ኣብ ኦሎምፒክ፣ወርልድ ሻምፕዮን ሺፕ፣ዩሮፕያን ሻምፕዮን ሽፕን ካልኦት ውድድራትን እናተሳተፈን ፅቡቕ ውፅኢት እናመዝገበን ንቕድሚት ዝምርሽ ዘሎ ጀግና እዩ ኣትሌት #ኣማን #ጴጥሮስ።
ኣማን ኣብ ብርክት ዝበሉ #ኢንተርናሽናል ውድድራት ዓለም ተሳቲፉ ልዕሊ 240 #ሜዳልያታትን ልዕሊ 105 #ዋንጫታትን ዝወነነ ሻምፕዮን 2023 ሃገረ #ጀርመን እዩ።
ኣማን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሙሉእ ክባ ኣትዩ ብጥምየትን ጥይትን እንትሃልቕ ቅድሚ ሂወቱ ሂወት ህዝቡ ኣቐዲሙ ሞዩኡ ተጠቒሙ ኣብ ኣደባባይ ዓለም #ድምፁ ብምስማዕ ድምፂ ዝኾነና ጀግናና እዩ።
ኣማን 25 ነሓሰ 2016 ዓ/ም ኣትሌቲክስ እንትጅምር ኣሰልጣኒኡ ንዝነበሩ #ኢንስትራክተር #መምህር #ብርሃነ #ፋንታ ሓደ ሚእቲ ሽሕ ብር ብምውፋይ መንነቱ ዘረጋገፀን ኣብ ሂወትና #ውዕለታ ንዘለዎም ሰባት ክንዝክር ከምዝግባእ ዓብይ ትምህር ዝሃበ እዩ ኣትሌት ኣማን ጴጥሮስ።
ኣማን #ኣብቶክዮ ማራቶን 2025 ተሳቲፉ ሓዘን ዝፈትዎም ወላዲኡን ዝነበረ ሕማቕ ኩነታት ኣየርን ተፃዊሩ ብዘስደምም ብቕዓት ምስ መነሓንሕቱ #ታንዛንያዊ ኣትሌት #ሲምቡ ማዕረ 2:09:48 ብምእታው ብናይ #ፎቶ #ፊኒሽ 2ይ ደረጃ ሒዙ እንትዕወት ዝረኣየት ዓለም ተስፋ ካብ ዘንበረትሎም ጀጋኑ ዓለምና ሓደ እዩሞ #ኣማን ኣብ ዝኸዶ ዓወት፣ሰላም፣ፍቕርን ጥዕናን
ንምነየሉ።
ዘይተዘረበሉ ናይ ማራቶን ንጉስ
#ብሉፅ ኣትሌት ኣማን ጴጥሮስ
Gebrehiwet
ኣትሌቲክስ ትግራይ