ኣትሌቲክስ ትግራይ

ኣትሌቲክስ ትግራይ Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from ኣትሌቲክስ ትግራይ, Mekelle.
(2)

Tigray Athletics page


ንሓደሽቲ ምዕባለታት ኣትሌቲክስ ትግራይ 🟨🟥 💪
ንምርካብ follow and subscribe ኣይረስዑ !👇👇👇🙏

👉https://www.instagram.com/reel/DAAyDzsu3Fe

👉 https://www.youtube.com/

👉 tiktok.com/

05/11/2025

ዘይተዘረበሉ ናይ ማራቶን ንጉስ
ብሉፅ ኣትሌት ኣማን ጴጥሮስ
********************
ንሱ ኣብ ትግራይ ከተማ #ውቕሮ ፪ #ኣውላዕሎ ተወሊዱ።ኣበጋዝ ማሩ ናይ ዝበሃሉ ኣቦ ጎይታንኡ ሽም ተዋሂቡዎ #ማሩ እናተበሃለ እንትዓቢ ወላዲት ኣዲኡ ድማ #ኣማን እናበላ ይፅወዐኦ ስለዝነበራ ኣማን ዝብል ሽም ሒዙ ዕድምኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ናብ ቤት-ትምህርቲ #መጋቢት 30 ከይዱ ትምህርቲ ጀመረ።

ኣማን ኣብ እዋን ንእስነቱ ኣሰልጣኒኡ ዝነበሩ ኢንስትራክተር መምህር #ብርሃነ #ፋንታ ከምዝሕብሩዎ ብቐጥታ ናብ ናይ ዓሰርተ ሽሕ ሜትሮ ጉያ ኣትዩ

ብወረዳታት ይግበሩ ኣብ ዝነበሩ ውድድራት 1ይ እናወፅአ #ብፃዕሩ ኣብዙይ ክበፅሕ ዝኸኣለ ጀግና እዩ ይብሉ።
ኣትሌት #ኣማን #ጴጥሮስ ብፕሮፌሽናል ኣትለቲክስ ናብ ሃገረ #ጀርመን ካብ ዝኸይድ ኣትሒዙ ኣብ ኦሎምፒክ፣ወርልድ ሻምፕዮን ሺፕ፣ዩሮፕያን ሻምፕዮን ሽፕን ካልኦት ውድድራትን እናተሳተፈን ፅቡቕ ውፅኢት እናመዝገበን ንቕድሚት ዝምርሽ ዘሎ ጀግና እዩ ኣትሌት #ኣማን #ጴጥሮስ።

ኣማን ኣብ ብርክት ዝበሉ #ኢንተርናሽናል ውድድራት ዓለም ተሳቲፉ ልዕሊ 240 #ሜዳልያታትን ልዕሊ 105 #ዋንጫታትን ዝወነነ ሻምፕዮን 2023 ሃገረ #ጀርመን እዩ።

ኣማን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሙሉእ ክባ ኣትዩ ብጥምየትን ጥይትን እንትሃልቕ ቅድሚ ሂወቱ ሂወት ህዝቡ ኣቐዲሙ ሞዩኡ ተጠቒሙ ኣብ ኣደባባይ ዓለም #ድምፁ ብምስማዕ ድምፂ ዝኾነና ጀግናና እዩ።
ኣማን 25 ነሓሰ 2016 ዓ/ም ኣትሌቲክስ እንትጅምር ኣሰልጣኒኡ ንዝነበሩ #ኢንስትራክተር #መምህር #ብርሃነ #ፋንታ ሓደ ሚእቲ ሽሕ ብር ብምውፋይ መንነቱ ዘረጋገፀን ኣብ ሂወትና #ውዕለታ ንዘለዎም ሰባት ክንዝክር ከምዝግባእ ዓብይ ትምህር ዝሃበ እዩ ኣትሌት ኣማን ጴጥሮስ።

ኣማን #ኣብቶክዮ ማራቶን 2025 ተሳቲፉ ሓዘን ዝፈትዎም ወላዲኡን ዝነበረ ሕማቕ ኩነታት ኣየርን ተፃዊሩ ብዘስደምም ብቕዓት ምስ መነሓንሕቱ #ታንዛንያዊ ኣትሌት #ሲምቡ ማዕረ 2:09:48 ብምእታው ብናይ #ፎቶ #ፊኒሽ 2ይ ደረጃ ሒዙ እንትዕወት ዝረኣየት ዓለም ተስፋ ካብ ዘንበረትሎም ጀጋኑ ዓለምና ሓደ እዩሞ #ኣማን ኣብ ዝኸዶ ዓወት፣ሰላም፣ፍቕርን ጥዕናን
ንምነየሉ።

ዘይተዘረበሉ ናይ ማራቶን ንጉስ
#ብሉፅ ኣትሌት ኣማን ጴጥሮስ

Gebrehiwet
ኣትሌቲክስ ትግራይ

ኣብ ስነ-ልቦና (Psychological Factors)ፅኑዕ ልቦናን ሓይልን (Strong Mindset and Resilience):📌ዕላማ ምቕማጥ: ንፁር፣ ብቑዕን እዋናዊን (SMART) ዝኾኑ ዕላ...
02/11/2025

ኣብ ስነ-ልቦና (Psychological Factors)
ፅኑዕ ልቦናን ሓይልን (Strong Mindset and Resilience):

📌ዕላማ ምቕማጥ:

ንፁር፣ ብቑዕን እዋናዊን (SMART) ዝኾኑ ዕላማታት ምቕማጥ።

📌ርእሰ-ምትእምማን:

ብችሎታትካ ምእማን፣ ኣብ ፅቡቕ ይኹን ሕማቕ ግዜ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ምጥቃም።

📌ምትሕልላፍ (Visualization):

ቅድሚ ውድድርን ኣብ ግዜኡን ዕዉት ዝኾነ ፍፃሜ ኣብ ኣእምሮ ምሕሳብ።

📌ምምሕዳር ፀቕጢ (Stress Management):

ፀቕጢን ምፍርራሕን ብፅቡቕ ኣገባብ ምምሕዳርን ምቁፅፃርን።

📌ትኩረት:

ብዛዕባ ዘረባ ሰባት ወይ ካልእ ዘይጠቕም ነገር ከይተሃወኹ ኣብቲ ዘለዎ ውድድር ወይ ስልጠና ጥራይ ምትኳር።

💪 ኣብ ስልጠና (Training)
ዲስፕሊን (Discipline) - መሰረት ስልጠና:

📌ፕሮግራም ስልጠና አብ ምትግባር:

ነቲ ብኣሰልጣኒ ዝተዋህበ መደብ ስልጠና ብዘይ ምፍራስን ምድንጓይን ብትግሃት ምፍፃም።

📌ፀቅጢ (ጫና)ምቁፅፃር (Load Management):

ንኣካላዊ ድኻምን ምጉዳእን ንምክልኻል ግዜ እረፍትን ስልጠናን ሚዛናዊ ምግባር።

📌ኩሉ-ምልካዊ ስልጠና (Holistic Training):

ንኣካላዊ ጥንካረ፣ ተጣባቕነት (flexibility)፣ ፍጥነትን ቴክኒክን ዝጠቓልል ስልጠና ምምራሕ።

📌ምምካት (Consistency):

ንስልጠና ምብኻርን ምድግጋምን። ሓደ ምዓልቲ ፅቡቕ ስልጠና ጥራይ ኣይኮነን ዕዉት ዝገብር።

📌ስነ-ጥዕና (Health & Wellness):

ጥዑይ ኣመጋግባን፣ ዝማዕረ እረፍትን (ምድቃስ) ብቐዳምነት ምትካልን።

🏅 ኣብ ውድድር (Competition)
ትኽክልን ስትራተጂካዊ ምድላውን (Strategy and Preparation):

📌ምርምርን ምድላውን:

ንተቐናቐንቲ ምፅናዕን፣ ንኹነታት ውድድር ቀዲምካ ምግምጋምን።

📌ኣፈፃፅማ ቴክኒክ:

ኣብ ግዜ ውድድር እቲ ዝተለመደ ቴክኒክ ብፅቡቕ ምትግባር።

📌ምቁፅፃር ስምዒት:

ሓጐስ ይኹን ሕንከት ብኣግባቡ ምምሕዳር። ምናልባት እንተ ተሳሒትካ እውን ነቲ ዝቕፅል ምትኳር።

🤝 ርክብ ምስ መሰልጠኒ (Coach-Athlete Relationship)
እምነትን ክብርን (Trust and Respect):

📌ንፁር ምዝርራብ:

ብዛዕባ ስልጠና፣ ግስጋሰን ፀገማትን ብግልፅነት ምስ ኣሰልጣኒ ምዝራብ።

📌ትእዛዝ ምቕባል:

ንመርሕን ምኽርን ኣሰልጣኒ ምስምዕን ኣብ ስልጠናን ውድድርን ብግቡእ ምትግባርን።

📌ሓባራዊ ዕላማ:

ኣሰልጣኒን ኣትሌትን ንሓደ ዕላማ ብሓባር ምፅዓር።

👉ርክብ ምስ መሰል ኣትሌታት (Relationships with Fellow Athletes)ሓባርነት (Teamwork) (እንተኾይኑ):

📌ምድግጋፍ:

ንመሰል ኣትሌታት ኣብ ፅቡቕ ይኹን ሕማቕ ምድጋፍን ምቅብባልን።

📌ምዕባይ:

ካብቶም ዝበልፁ ምምሃርን ነቶም ዘይበለፁ ምሕጋዝን።

🔑 ኣጠቃላሊ ዲስፕሊን (Overall Discipline)
ግዜ ምኽባር: ኣብ ስልጠና ይኹን ኣብ ውድድር ቀልጢፍካ ምብፃሕ።

📌ሓላፍነት ምውሳድ:

ኣብ ውድድር ወይ ስልጠና ንዝገበሮ ጌጋ ንኻልእ ከይውክል ሓላፍነት ምውሳድ።

📌መማሃሪ ምዃን:

ኩሉ ግዜ ንምዕባይ ድሌት ምሕዳርን ካብ ኩሉ ምምሃርን።

እዞም መሰረታዊ ነገራት ብቐፃሊ እንተ ተሰሪሖም፣ ኣትሌት ካብ ዝኾነ ይኹን ደረጃ ናብቲ ዝለዓለ ደረጃ ንምብፃሕን ንዕዉት ህይወት ንምምራሕን ሓጋዚ ይኸውን።

ብገብረሚካኤል ተኽላይ
20/2/2018 ዓ/ም

01/11/2025

ከባድ ችግር ላይ የወደቀችው የቀድሞ ብዙ ታሪክ የሰራች ኮማንደር አትሌት ጌጤነሽ ኡርጌ ሁላችንም በቻልነው አቅም ለዚህች ጀግና አትሌት አለንልሽ ልንል ይገባል::

CBE: 1000294479434
Getenesh Urgie Lema
0912024188

ሸር በማድረግ ሁሉም ጋ እንዲዳረስ ማድረግም እራሱ የቻለ እርዳታ ነው እንድረስላት !

ኣትሌቲክስ ትግራይ

01/11/2025

ሰገናት ኣትሌታት ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሉፅ ዓወት የመዝግቡ ኣለዉ !

ሎሚ ጥቅምቲ 22 ኣብ ዝተኻየደ መበል 2ይ ናይ ኦሎምፒክ ሰገናት ውድድር ኣትሌቲክስ ዝታመዝገቡ ውፅእታት ብ1500 ሜትር ደ/ተባዕትዮ

ኣትሌት ጎይቶኦም መኮነን ካልኣይ ብምውፃእ ናይ ብሩር 🥈 መዳልያ ተዓዋቲ ኮይኑ ኣሎ ::

3ይ ኣትሌት ነጋሲ ሓጋዚ ድማ ሳልሳይ ብምውፃእ ናይ ነሃስ 🥉 መዳልያ ተዓዋቲ ክኮን ክእሉ ኣሎ ::

ኣብ ሓፅር ርሕቀትብ200 ሜትር ደ/ኣንስትዮ ድማ
ኣትሌት ሊድያ ብርው ካልእይቲ ብምውፃእ ናይ ብሩር 🥈 መዳልያ ተዓዋቲት ኮይና ኣላ !

ኣትሌት ዮርዳኖስ ፅጋ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ብ3000 ሜትሮ ነሓስ 🥉 መዳልያ ብ 1500 ሜትሮ ድማ ቀዳመይቲ ብምውፃእ ናይ ወርቂ 🥇 መዳልያ ተዓዋቲት ክትኮን ክእላ እያ !

ኣብዚ ናይ ናይ ኦሎምፒክ ሰገናት ፀዋታታት ውድድር ካብ ጥቅምቲ 19-22/2018 ዓ.ም ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ውፅኢት ድማ 1 ወርቂ ፣ 3 ብሪ ፣ 5 ነሃስ ብምርካብ ክሳብ እዛ ዕለት ዝተካየዱ ፍፃመታት ትግራይ ኣብ ሳልሳይ ብርኪ ተሰሪዓ ትርከብ ዝቅፅሉ ውድድራት ውፅእቶም ድማ ክነስዕበልኩም እና !

ኣትሌታት ትግራይ ክንድትዝግባእ ጠመተ ዋላ እካ ተዘይተገበረሎም ብናቶም ፃዕርን ብሓደ ሓደ ውልቀ ሰባት ነቲ ሞያ ግድሳት ዝኮኑ ብፃዕሮም ኣብዚ ብርኪ ይርከቡ !

ካብዚ ዝበለፀ ፀብለልታ ከርእዩ ዝክእሉ ብዙሓት መናእሰይ ኣለውና ንሓግዞም ንስረሐሎም 🙏

እንካዕ ደስ በለኩም ናይ ፅባሕ ተረከብቲ ወከልቲ ኦሎምፒክን ዓለም ሻምፔናን ዝኮንኩም ጀጋኑ ትግራይ💪

ኣትሌቲክስ ትግራይ

01/11/2025

Good luck 👑💪

Heroes athlete,  Gotytom Gebreslase ready for the New York City Marathon

2 November 2025


ኣትሌቲክስ ትግራይ

ኣብ ካልኣይ ኦሎምፒክ  መናእሰይ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ  እትሳተፍ ዘላ ትግራይ ብ 1500 ሜትሮ ጉያ ብደቂ ኣንስትዮ ተዓዊታ።15 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ዝፈለመ እቲ ውድድር  ሎሚ ቀፂሉ ...
31/10/2025

ኣብ ካልኣይ ኦሎምፒክ መናእሰይ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ እትሳተፍ ዘላ ትግራይ ብ 1500 ሜትሮ ጉያ ብደቂ ኣንስትዮ ተዓዊታ።

15 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ዝፈለመ እቲ ውድድር ሎሚ ቀፂሉ ብኣትሌቲክስ ጉያ 1500 ሜትሮ ብኣትሌት ዮርዳኖስ ፅጋብ ትግራይ ሜዳልያ ወርቂ ረኺባ።

2ይ ኦሎምፒክ መናእሰይ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ ፅባሕ እውን ብብርክት ዝበሉ ውድድራት ክቕፅል እዩ።

# ብርሃን ተስፉ
እንካዕ ደስ በለኪ ዋዕሮና
ኣትሌቲክስ ትግራይ

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣብዘሎ ካልኣይ ኦሎምፒክ መናእሰይ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ 2018 ሎሚ ቀፂሉ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣትሌቲክስ ትግራይ ክልተ ሜዳልያ ነሓስ ረኪባ።ሎሚ ንጉሆ...
29/10/2025

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣብዘሎ ካልኣይ ኦሎምፒክ መናእሰይ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ 2018 ሎሚ ቀፂሉ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣትሌቲክስ ትግራይ ክልተ ሜዳልያ ነሓስ ረኪባ።

ሎሚ ንጉሆ ሰዓት 3:00 ውድድር ጉያ 3 ሽሕ ሜትሮ ተኻይዱ ትግራይ ብዮርዳኖስ ፅጋብ ኣቢላ ሜዳልያ ነሓስ እንትትረክብ ኣብዚ ውድድር ቐዳመይቲ ኣምሓራ ተሸላሚት ሜዳልያ ወርቂ ካልኣይቲ ኣዲስ ኣበባ ተሸላሚት ሜዳልያ ብሩር ኮይነን እየን።

ብውድድር ዳርባ ዲስከስ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ትግራይ ብወይኒ ብርሃነ ኣቢላ ሜዳልያ ነሓሰ ረኪባ።

ኣብዚ ውድድር 1ይን 2ይን ኮይና ውድድራ ዝፈፀመት ኦሮምያ ተሸላሚት ሜዳልያ ወርቅን ብሩርን እንትትኸውን 3ይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድራ ዝዛዘመት ትግራይ ተሸላሚት ሜዳልያ ነሓስ ኮይና እያ ።

ኣብ መፃረይ ውድድር ጉያ 400 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ሓደ ኣትሌት ፣ 800 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ደቂ ኣንስትዮን ክልተ ክልተ ኣትሌት ን 100 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ኣትሌት ካብ ሕርይቲ ጋንታ ትግራይ ናብ ፍፃመ ሓሊፎም እዮም።

# ብርሃን ተስፉ

26/10/2025

ኣብ ስፔን ቫሌንሽያ ዝተሳለጠ Valencia half marathon 2025  ኣትሌት ፎቴን ካልእይቲ ብምውፃእ ተዓዊታ !

ኣትሌት ፎቴን ነቲ ርሕቀት 1:05:11 ብምዝዛም እያ ካልእይቲ 🥈 ብምውፃእ ተዓዊታ ዘላ !

እንካዕ ደስ በለኪ ዋዕሮ
ኣትሌቲክስ ትግራይ

25/10/2025

Congratulations heroe 👑 Genzebe Dibaba
bagaa gamadee 🤱

Ethio runners
Ethiopian Athletics Federation
ኣትሌቲክስ ትግራይ

25/10/2025


! 💔

ብዛዕባ ነፍስሄር ኣትሌት ኣባዲ ሓድሽ ፍትሒ ኣብ ልዕሊኡን ቤተሰቡን ክሕደት ብምፍፃም ናይ ሕጊ ኣካላት ድማ ፍትሒ ብምዝባዕ ክሳብ እዛ ዕለት ወለዱን ሓውን ከርተት የብልዎም ኣለዉ በጃኩም ከይተሰላቸና ናብ ዝምልከቶ ሸር ብምግባር ድምፂ ንኩኖም !

ኣብዛ ምድሪ ክንደይ ዓመት ንነብር ኮይና እዮ ብህወት ናይ ዘይል ጅግና እሞ ድማ ዝረሃፀሉ ገንዘቡ ንብረቱ በሊዕኩም ናይ እማን ድዮ ድቃስ ዝወስደኩም ዘሎ ?

ግዜ ይነውሕ እምበር ሕጊ ዝሓዞ ጉዳይ ውዕሉ ሓድሩ ፍትሕ ምርካቡ ዘይተርፍ እዮ ፈትሊ ሓቅስ ትምንምን እምበር ኣይትብተኽን ከም ዝበሃል !

ምንኣስ ሓው ንኣትሌት ኣባዲ ሓድስ ተመስገን ሓድሽ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ክልተ ሚድያ ማለት እውን ኣብ ብራከ ሸው ሚድያን ኣብ ደስታ ሸው ቀሪቡ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ዳርጋ ናብ ክልተ ሰዓት ዝኣክል ኣብ ልዕሊኦም ዝፍፀም ዘሎ ክሕደትን ኣመልኪቱ ኣብዚ ጉዳይ ብዙሕ ትንተና ሂብሉ ኣሎ !

ኣብዞም ዝጠቀስክዎም ሚድያታት ኣትኩም እቲ ሓቂ ካብ ሃንደበቱ ስምዕዎ ኣብዚ ቅንጭብ ቅንጭብ ኣቢለ እየ ኣምፅእልኩም ዘለኩ ወረ መሲልኩም ሸለል እልኩም ዝሓለፍክሞ ኣካላት እዚ ጉዳይ ናይ ኩላትና ጉዳይ እዮ ትኩረት ዘድልዮ ነገር እዮ::

ኣትሌት ኣባዲ ከማና ኣብዚ ሐዚ ሳዓት ብህወት እንትዝህልው ክንደይ ናይ ዓለም ሪከርዳት ክሰብር ዝክእል ዝነበረ ጅግና ኣትሌት እዮ :: ድምፂ ክንኮኖ ይግባኣ ትንፋሱ ኣሕልፎም ንብረቱን ቅርሹን ድማ ዝወሩ ዘለዉ ኣካላት ብሓባር ብምካን ክንቃለሶም ይግባእ !

ብዓል ገዛይ እዮ ትብሎ ዝነበረት ሰብ ብዓብዮ ህወቱ እናሰኣነት ናቱ ዘይሐሰባስ ብዛዕባ ቅርሽን ንብረትን ክትፀባፀብ ስድራ ሓዘኖም ከይወድኡ ኣብ ቤት ፍርዲ ምውዓል ማለት ብቃላት ክትገልፆ ዘይትክእል መሕዘኒ ነገር እዮ ካብዚ ይምሓረና እዮ ዝበሃል !

ሰብኣይ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ሕሉፍ ይሕደጎን እትሌት ኣልማዝ ሳምኤል ከምኡ እውን ኣሰልጣኒ ሃይለ እያሱ ብዛዕባ ሃንደበት ሞት ኣባዲ ሓድሽ ትፈልጥዎ ሓቂ ከም ዝህሊ ማንም ዝጥርጥሮ ጉዳይ እዮ ::

ናብ ምድያ ቀሪብኩም ድማ ሓቅነት እንተለኩም ምላሽኩም ክንሰምዕ ክንግደድ እና ! እዚ ነገር ክንዳኩም ናኣና ኮርኪሑና ! ህልና እንተለኩም ንወለዱን ንህዝቡን ምልሲ ሃቡልና !

ድምፂ ብምካን ብጉልበትኩምን ብቅርሽክሙን ኣብዞም ናይ ሓውና ኣባዲ ቤተሰብ ጎኒ ብምካን ድጋፍ ትገብሩ ዘለኩም ኩለኩም መሳርሕቱን መሓዝቱን ኩለኩም ናይ ሚድያ ኣካላት ድማ ብምምስጋን ሐዝውን ድምፂ ብምካን ሓገዝኩም የድልየና እዮ ክሳብ ፍታሕ ንረክብ ይብል ምንኣስ ሓው ተመስገን !

ሎሚ ኣብ ኣባዲ ዝፍፀም ዘሎ ነገር ፅባሕ ኣብ መን ከም ዘጋጥም ስለዘይፍለጥ ሓደራ ኩሉ ሰብ ሸር ብምግባር ናብ ዝምልከቶም ናይ ፍትሒ ኣካላት ንክበፅሕ ድምፂ ንኩኖም !🙏

👉https://youtu.be/gYJ0SZH88WI?si=F83I5SeBfCrS5L6Z

👉https://youtu.be/5R3-Zhlh5kA?si=bqHfeDwIBs34lLV4

ኣትሌቲክስ ትግራይ

23/10/2025

ኣትሌት ፎቴን ተስፋይ ኣብ Spain 🇪🇸 ዝካየድ Valencia Half marathon 2025 ምድልዋታ ወጋጊና ንውድድር ተዳሊዋ ትርከብ !

እዚ ውድድር 26 October ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ክሳለጥ እዮ ::

ኣትሌት ፎቴን ተስፋይ በዚ ርሕቀት ኣብ Berlin 27 OCT 2024 ኣብ ዘካየደቶ Generali Berliner Halbmarathon ናይቲ ቦታ course record ብምስባር 1:03:21 ብሉፅ ናይ ዓርሳ ሰዓት ዘመዝገበት ዋዕሮ ትግራይ እያ!

ናይ ዋዕሮ ኣትሌት ፎቴን ተስፋይ ናይ ፍርቂ ማራቶን ዘመዝገበቶ ሰዓት ካብ ዓለም ዝቀልጠፉ ሰዓታት ኣብ ሳልሳይ ብርኪ ተቀሚጡ ይርከብ !

ብዓልቲ ክብረወሰን እዚ ርሕቀት ድማ ዋዕሮ ኣትሌት ለተሰንብት ግደይ ምካና ይፍልጥ 1:02:52 WR

ኣትሌት ግርማዊት ገብረዝጋብሄር 1:04:14 ኣብ ሻምናይ ብርኪ ኣትሌት ፅገ ገብረሰላማ ድማ 1:04:21 ኣብ ዓስራይ ብርኪ ብብርኪ ዓለም ዝተቀመጠ ቅልጡፍ ሰዓት ዘለወን top 10 ዘለዋ ዋዕሮታት ትግራይ እየን ክብሪ ይግበእን ንዘን ጀጋኑና ቀሊል ሰዓት ኣይኮነን !

ሰናይ ዕድል ዋዕሮ ኣትሌት ፎቴን
ኣትሌቲክስ ትግራይ

Address

Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ኣትሌቲክስ ትግራይ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share