ኣትሌቲክስ ትግራይ

ኣትሌቲክስ ትግራይ Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from ኣትሌቲክስ ትግራይ, Mekelle.

ንዕብየት ኣትሌቲክስ ትግራይ 🟨🟥 💪
follow and subscribe👇👇👇🙏

👉https://www.instagram.com/reel/DAAyDzsu3Fe

👉https://www.youtube.com/

👉tiktok.com/

29/01/2025

ሰላም ንኩሉ ህዝብና

ተስፋ ፅባሕ ዝኮነት መንእሰይ ኣትሌት ቅዱሳን ኪዳነ
ኣትሌቲክስ ትግራይ

29/01/2025

#መልእክቲ
ኣትሌት ብሪቄ ሓየሎም ብስመይ ዝተከፈተ ፌስቡክ ኣካውንት ኣነ ኣይጥቀመሉን ናይ FB ተጠቃሚት ድማ ኣይኮንኩን እላትኩም ኣላ!

28/01/2025

ሓደ ሓውና ዝጠየቀኒ ሕቶ
ፑማ ዝበሃል ካምፓኒ ሓዲሽ ድዩ ?

ኩሉ ንክፈልጦ ሓዲሽ ኣይኮነን ብቀረባ ካብ ንፈልጦም ኣትሌት ኣበበ በቂላ ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ኣብ 1964 ኣብ ቶክዮ ኦሎምፒክ ውድድር ብማራቶን PUMA Osaka ጫማ እዩ ተዓዊቱ ነይሩ ካብኡ ንዳሓር እካ ብጣዕሚ ብዙሕ ዓመት ዝገበረ ፉሉጥ ካምፓኒ እዩ ።

ብሓፂር ርሕቀት ድማ እቲ ናይ ዓለምና ፉሉጥ ፈጣን ጀማይካዊ ኣትሌት ዩዜን ቦልት ስፖንሰር ዝኮነ ካምፓኒ እዩ ።

ጅግና ኣትሌት ኣማንኤል ጴጥሮስ ድማ ምስ ትካል መምረቲ ስፖርታዎ ዕጥቂ ፑማ ፈላማይ ውዕሊ ዝኣሰረ ትግራዋይ ኣትሌት ኮይኑ ኣሎ ስልጥንኡ ድማ ምስ መሳርሕቱ ከምቲ ንሪኦ ዘለና ብዕሊ ጀሚሩ ኣሎ ።

ምስ ሓዲሽ ካምፓኒ ናይ ዓወት ዘመን ክኮነልካ
ሰናይ ትምኒትና እዩ ጅግና ወዲ ህዝቢ ፈታዊ ዓዱ ኤማ
ኣትሌቲክስ ትግራይ

ወላዲት ስውእ ጅግና ኣትሌት ተጋዳላይ ሰመረ ዘነበ (ቸንቶ) ብዝብል ቅፅል ስም  ዝፍለጥ  ኣትሌት ኣዲኡ  ስለ ዝዓረፋ 💔ስነ-ስርዓት ቀብሪ ፅባሕ ሰሉስ ጥሪ 20 ንጉሆ ሰዓት 12:00 መቐለ ...
27/01/2025

ወላዲት ስውእ ጅግና ኣትሌት ተጋዳላይ ሰመረ ዘነበ (ቸንቶ) ብዝብል ቅፅል ስም ዝፍለጥ ኣትሌት ኣዲኡ ስለ ዝዓረፋ 💔ስነ-ስርዓት ቀብሪ ፅባሕ ሰሉስ ጥሪ 20 ንጉሆ ሰዓት 12:00 መቐለ እንዳ ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተክርስቲያን ክፍፀም እዩ።

ስውእ ጅግና ኣትሌት ሰመረ ሕቡን ትግራዋይ ብዓዱ ዘይደራደር ንኩሉ ሰብ ኣክባሪ ፉሉይ ባህሪ ዝነበሮ ጅግና ነይሩ 💔 ከፅገብናዮ ስእናዮ የሕዝን ንመላእ ቤተሰብ ፅንዓት ይሃብ ብኣውርኡ ድማ ንኩሉ ትግራዋይ ፅንዓት ይሃብ !

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታት 💔
ነዚ ጅግና ዝወለደት ክብርቲ ወላድትና
መንግስተ ሰማይ የዋርሰን 💔
ኣትሌቲክስ ትግራይ

27/01/2025

ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ብምካን ዝፍለጥ ጅግና ትግራዋይ ኣትሌት ኣማንኤል ጴጥሮስ ምስ ፑማ ካምፓኒ ውዕሊ ፈሪሙ !

ናይ ጀርመን ዜግነት ዘለዎ ትግራዋይ ኣትሌት ኣማንኤል ጴጥሮስ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ጎያዪ እንትኮን ብርክት ዝበሉ ዓወታት ንሃገሩ ጀርመን ከም ዝተዓወተ ኩላትና ንምስክሮ ሓቂ እንትኮን ብፉሉይ ድማ ኣብ ታሕሳስ 2023 ኣብ በርሊን ዝተካየደ ናይ ማራቶን ውድድር 2 ሰዓትን 04 ደቒቓን 58 ሰኽንድ ብምምዝጋብ ናይ ሃገረ ጀርመን ክብረወሰን ብምስባር ፉሉይ ክብርን ጅግንነትን ዝዓተረ ኣትሌትና እዩ ።

ኣትሌት ኣማን ነዚ ሰዓት ከመሓይሽ እንተሎ ምስ ኣዲዳስ ካምፓኒ ውዕሊ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ምካኑ ዝዝከር እንትኮን ሐዚ ድማ ምስ ኣዲዳስ ዝነበሮ ውዕሊ ወዲኡ ንዝበለፀ ዓወት ምስ ናይ ፑማ ካምፓኒ ውዕሊ ፈሪሙ ኣሎ ።

በዚ ሓድሽ ናይ ፑማ ካምፓኒ ናይዚ ዓመት ፈላማይ ውድድሩ ድማ ናይ ባርሶሎና ፊርቂ ማራቶን ክከውን እዩ ።

ሰናይ ናይ ስራሕ ዘመን ከምኡ ድማ
ናይ ዓወት ዘመን ይግበረልካ
ንቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዘይብገር ጅግና ትግራዋይ
ኣትሌቲክስ ትግራይ

ኣብ እስፔን ዝተካየደ ፊርቂ ማራቶን ትግራወይቲ ዋዕሮ ኣትሌት ኪሮስ ሙዑዝ ተዓዊታ!ኣትሌት ኪሮስ ምዑዝ ኣብ እስፔን ዝተሳለጠ ናይ ፍርቒ ማራቶን  ፈላማይ ውድድራ ብምግባር ነቲ ርሕቀት 1 ሰዓ...
26/01/2025

ኣብ እስፔን ዝተካየደ ፊርቂ ማራቶን ትግራወይቲ ዋዕሮ ኣትሌት ኪሮስ ሙዑዝ ተዓዊታ!

ኣትሌት ኪሮስ ምዑዝ ኣብ እስፔን ዝተሳለጠ ናይ ፍርቒ ማራቶን ፈላማይ ውድድራ ብምግባር ነቲ ርሕቀት 1 ሰዓትን 14 ደቒቓን 06 ሰኽንድ ብምዝዛም ቀዳመይቲ (1) ብምውፃእ ተዓዊታ ኣላ

ኣብዚ ውድ ድር ዝተሳተፈት ኣትሌት ገነት ሻለ ድማ ነቲ ርሕቀት 1:14:18 ብዝኮነ ሰዓት ብምዝዛም ካልአይቲ (2) ብምውፃእ ተዓዊታ ኣላ!

እንካዕ ደስ በለክን ዋዕሮታትና
ኣትሌቲክስ ትግራይ

ዋዕሮ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ👑ናይ ፅንዓት ተምሳሌት ዝኮነት ጅግናና ብባህሊ ራያ ሸናሕ በለት ከዓ ኣምበሲት ኩሉ ዘጥዕመልኪ ዋዕሮ ትግራይ ኩሉ ብፉሉይ ስምዕት ካብ ልቡ ❤ ዝደግፊኪ ኣፍቓሪ ...
26/01/2025

ዋዕሮ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ👑

ናይ ፅንዓት ተምሳሌት ዝኮነት ጅግናና ብባህሊ ራያ ሸናሕ በለት ከዓ
ኣምበሲት ኩሉ ዘጥዕመልኪ ዋዕሮ ትግራይ ኩሉ ብፉሉይ ስምዕት ካብ ልቡ ❤ ዝደግፊኪ ኣፍቓሪ ኣትሌቲክስ ኣዝዩ ይናፊቀኪ !

ሰላምን ጥዕናን ኣብ ዘለኪዮ ዋዕሮና💪
ካብ ዝተልኣካኒ ዝተረፋ ፎቶ
ብሩክ ሰንበት ንተመልከትና 🙏 !
ኣትሌቲክስ ትግራይ

ኣብ ካዛክስታን ዝተካየደ Astana World Indoor Tour ብ3000 ሜትሮ ዋዕሮ  ኣትሌት ኣክሱማዊት እምባየ ነቲ ርሕቀት 8 ደቒቓን 41 ሰክንድ 06 ማይክሮሰክንድ ብምዝዛም ሳልሰይቲ ...
25/01/2025

ኣብ ካዛክስታን ዝተካየደ Astana World Indoor Tour ብ3000 ሜትሮ ዋዕሮ ኣትሌት ኣክሱማዊት እምባየ ነቲ ርሕቀት
8 ደቒቓን 41 ሰክንድ 06 ማይክሮሰክንድ ብምዝዛም ሳልሰይቲ ብምውፃእ ተዓዊታ ኣላ

እንካዕ ደስ በለኪ ዋዕሮ ትግራይ
ኣትሌቲክስ ትግራይ

ጅግና ኣትሌት ተስፋኣለም ገብሩ ናይ ኢትዮጲያ ፓራ ኦሎምፒክ ፌደረሽን  ስራሕ ፈፃሚ ኮይኑ ተመሪፁ !ሎሚ ጥሪ 17/2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተካየደ  ናይ ፌዴሬሽን ፖራሊምፒክ ኢት...
25/01/2025

ጅግና ኣትሌት ተስፋኣለም ገብሩ ናይ ኢትዮጲያ ፓራ ኦሎምፒክ ፌደረሽን ስራሕ ፈፃሚ ኮይኑ ተመሪፁ !

ሎሚ ጥሪ 17/2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተካየደ ናይ ፌዴሬሽን ፖራሊምፒክ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ስራሕ ፈፀምቲ መረፃ ኣብ ዝተካየደሉ መድረክ ክልተ ኦሎምፒክ ብፓራ ኦሎምፒክ ብማእከላይ ርሕቀት ዝወከለ ጅግና ትግራዋይ ኣትሌት ተስፋኣለም ገብሩ ክልልና ትግራይ ብምውካል ብልዑል ብልጫ ስራሕ ፈፃሚ ኾይኑ ተመሪፁ ኣሎ እንኳዕ ደስ በለካ እንካዕ ደስ በለና !

ኣትሌቲክስ ትግራይ

መልእክቲ ኣትሌት Berihu Aregawi ወለድና አሕዋትና ባዕሉኩም ናብ ፈተና ኣይትእተዩ ብደንቢ ገይርኩም ሕሰቡ ,ኣስተዋዕሉ , ብስሚዒት ኣይትጓዓዙ,ካብ ሂወትኩም ተምሃሩ, ህልክ ዘይ ሓሰብ...
25/01/2025

መልእክቲ ኣትሌት Berihu Aregawi

ወለድና አሕዋትና ባዕሉኩም ናብ ፈተና ኣይትእተዩ ብደንቢ ገይርኩም ሕሰቡ ,ኣስተዋዕሉ , ብስሚዒት ኣይትጓዓዙ,ካብ ሂወትኩም ተምሃሩ, ህልክ ዘይ ሓሰብካዮ ገደል ጥራሕ እዩ ዘእትየካ, ፈጣሪ ክሕግዘካ እንተደሊካ ንስካውን ክትሕግዞ ትክእል ኣለካ!

ኣትሌቲክስ ትግራይ

24/01/2025



ትግራዋይ ማለት -- እምነት" ፍቕሪ" ተስፋ" ትሕትና" ልቦና" ልውሃት" ሓቦ" ጽንዓት" ጅግንነት" ዝውንን ሕሩይ ብሄር እዩ ።

እዚ ኩቡር መንነት ስለ ዘለኒ ይኾርዕ ይሕበን ብትግራውነተይ ።

መንነተይ "ቋንቋ " ባህለይ" ታሪኸይ" ውሽጣዊ ስምዒተይ ዩ ።

መሬት እንተጸበበ ፈተና እንተበዝሐ ትግራዋይ ከም ወርቂ ብሓዊ ይፍተን ኣብ መወዳእታ ከኣ ተኾሊዑ ብዓወት መሰስ ይብል ።

ኣብ ኣትሌቲክስ ትግራይ እውን ኩሉ ብሙይኡ ብቅንዕና ተሓጋግዙ እንተሰሪሑ ብዙክ ታሪክ ንኣእላፍ ዘመናት ብክብሪ ዝተረፍ ታሪክ ከም ዝምዝገብ ምንም ኣይጠራጠርን ኣብ ታሕቲ ንዘለው መናእሰይ ሓደሽቲ ወለዶ ኣትሌታት ምክሪ ማዓዳ ሞርል ሓገዝ ኮታስ እቲ መንገዲ ክንመርሖም ይግባእ ።

ፍልጠትን ተመክሮን ሕዝና ንሓልፍ እንተደኣ ኮይና ድሕረይ ዳንዴር ኣይትውቀላ ባሃልቲ እና ንኮን ዘለና ! እቲ ዝበፃሕክሞ ሳይነሳዊ ዝኮነ ስልጥና ሓብሪዎም ተስፋ ከምዘይቁረፅ ኣብነት ንኩኖም ንሳቶም ናዓኩም ደፊሮም ንምንጋር ዋላካ ድሌት እንተሃለዎም ግዜን ቦታን ይስእኑ ዋላ እንተረከቡ ንምዝራብ ንምምካር ዓቅሚ ይሓፅሮም ከምዚ ዝኮንሉ ድማ ንዓኩም ልዑል ክብሪ ካብ ምህላው ዝነቀለ እዩ።

ነዚ እየ ድማ ኣብ ቅድሚት ዘለኩም ዓበይቲ ኣትሌታት ነዞም ተስፋ ፅባሕ ዝኮኑ ጀጋኑ ምከርዎም መንገዲ ኣርእይዎም ጅግንነትኩም ዓቅቦም ንወለዶ ከመሓላልፍዎ ስለዘለውዎ እዩ እዚ መልእክቲ የቀንየለይ 🙏

ኣቦታትና ዘውሩስና ክቡር
መንነትን ጅግንነትን ንዓቅብ !
Highlight ኣትሌቲክስ ትግራይ

23/01/2025



ሓቂ ቁርሲ እያ ኣስጥምካ ሓዝ
ሓቂ ምሳሕ እያ ፅምካ ከይትውዕል ኣጥብቅካ ሓዝ
ሓቂ ድራር እያ ፅምካ ከይትሓድር ኣጥቢቅካ ሓዝ

ሓቂ ሰላማዊ ህራስ እያ ተተርአሳ
ሓቂ ኣኣፊራ ተእትው እያ ኣስጥምካ ሓዛ
ሓቂ መንገዲ እያ ኪዳ

ኩሉ ግዜ ሓቂ ሕሰብ ሓቂ ተተርአስ ሓቂ ተነፀፍ
ሓቂ ተከደን ኣብ ሓቂ ንበር ንባዕልካ ክትብል !

ሰናይ መዓልቲ
ኣትሌቲክስ ትግራይ

21/01/2025

ኣትሌት ሃፍቶም ኣብ አሜሪካ ዝተካየደ ፊርቂ ማራቶን ተዓዊቱ ኣሎ
ገና ድማ ዓወታትካ ቀፀልቲ ክኮኑ እምነትና እዩ ኩርዓት ትግራይና
ናይቲ ውድድር ዝተዓወተሉ ምስሊ ኣብ ኮሜንት ኣለኩም

ኣንካዕ ደስ በለካ ጅግና ትግራዋይ
ባህልና ድማ ንፃዓዱ ብከምዚ የላልዮም ኣሎ !
ኣትሌቲክስ ትግራይ

21/01/2025

ኣትሌታት ትግራይ 2008 ዓ/ም ምስ ህዝቢ ማይጨው ድሙቅ ባዓል ጥምቀት ኣብ ከተማ ማይጨው እንተክብሩ ዘርኢ ምስሊ እዩ

ኣብዚ ብዙሓት ኣትሌታት ይርኢ ኣለኩ ንባዕልኩም ዝረከብኩም ጥራይ ተዘክሮኩም ኣቅምጡ ዓመት ንዓመት ድማ ይዑቀረና !

ምስሊ ኣትሌት ሞጎስ ጥዑማይ
ኣትሌቲክስ ትግራይ

Address

Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ኣትሌቲክስ ትግራይ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share