Tig_Election 2020 /መረፃ ትግራይ 2012

Tig_Election 2020 /መረፃ ትግራይ 2012 ትግራይ መዋልዲ ቀዳሞ መፃውቲ ዳሕረዎት እያ ኾይና። ብዙሕ በ?

12/03/2025

ልዕሊ ኹሉ ልሂቅ ዝበልሐት ኣዶ። ካብያ ሙህሮስ ኣእምሮ ድዩ ዝበሃል።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከተማ ዓዲ ጉዶም ዝበፅሐ ጨፍጫፍ ኩሉ ትግራዋይ ከውግዞ ይግባእ።
11/03/2025

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከተማ ዓዲ ጉዶም ዝበፅሐ ጨፍጫፍ ኩሉ ትግራዋይ ከውግዞ ይግባእ።

ሰበር ዜና ኣይተ ፍስሃ ኪዳኑ ካብ ስልጣኖም ተላዒሎም። ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን እቲ ክልል ምንባሮም ዝዝከር እንትኸውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስቲ ሓደ ጉጅለ ህወሓት ብምውጋን ኣንፃር ግዝያዊ ...
11/03/2025

ሰበር ዜና ኣይተ ፍስሃ ኪዳኑ ካብ ስልጣኖም ተላዒሎም። ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን እቲ ክልል ምንባሮም ዝዝከር እንትኸውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስቲ ሓደ ጉጅለ ህወሓት ብምውጋን ኣንፃር ግዝያዊ ምምሕዳር ብምስርሖም ካብ ሓላፍነቶም ከምዝተልዓሉ እዩ ዝግለፅ ዘሎ።

መግለፂ ካብ 7 ወረዳታትን ሓበራዊ ቅዋም ምምሕዳር ዞባ ተምቤን ! ኣባላት ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢና ዝብሉ ካብ ኮር ንላዕሊ ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ(ዕጡቓት ጉጅለ ህወሓት) ዘውፅእዎ ...
25/01/2025

መግለፂ
ካብ 7 ወረዳታትን ሓበራዊ ቅዋም ምምሕዳር ዞባ ተምቤን !

ኣባላት ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢና ዝብሉ ካብ ኮር ንላዕሊ ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ(ዕጡቓት ጉጅለ ህወሓት) ዘውፅእዎ መግለፂ ብዝኾነ መለክዒ ተቐባልነት ዘይብሉን መንቀሊ ጥፍኣት ትግራይ ስለዝኾነ ኣትሪርና ንኹንኖ።

እቲ ኣዘዝቲ ኮርን ኣዘዝቲ ኣርምታትን ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳይ ህወሓት ኣድሂቦም ኣካይድናዮ ዝበሉዎን ነዚ ስዒቡ ዘውፅእዎ መግለፂ ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉን ፀሊም ነጥቢ ዝገድፍ ሕማቕ ኣጋጣሚ እዩ።
እዚ ጉዳይ ሓደ ትካል ከም ትካል ህዝቢ ትግራይን ሰማእታት ፅንተታዊ ቓልስን ዝሃቡዎ ሓደራ ንጎድኒ ብምግዳፍን ብምጥላምን ንሓደ ጉጅለ ህወሓት ናብ ስልጣን ንምምፃእ ዝተገበረ ክሕደት እዩ።

እዚ ወተሃደራዊ መፈንቅለ መንግስቲ ይፍፀም ዘሎ ካብ ኹሉ ንላዕሊ ንጉይትነት ሻዕብያ ተቐቢልኻ ዝግበር ዘሎ ዘይተቐደሰ ርክብ ምዃኑን ሙሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ጊላነት ሻዕብያ ዝተወደቐሉ ኩነት ዘርእን ትግራይ ናብ ኲናት ሕድሕድ ዝዕድም ግጉይ መንገዲ ምዃኑ እዩ።

ህዝቢ ዞባ ተምቤን ነዚ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መሪሕነት ኢና ዝብሉ መገልገልቲ ህወሓት ክምስርቱዎ ሃቂኖምዎ ዘለው ዓይነት ምምሕዳር ዝፈልጦ ካብ ታሪኽ ደርግን ሻዕብያን ጥራሕ ዘይኾነስ ህዝብና ንቲ ንዓመታት ኣብ ዝባኑ ቸቸ እናበለ ዝመፀ ከፋፋልን ግዕዙይን ምምሕዳር ጉጅለ ተቓዊሙ ዓብይን ነጥቢ መቐይሮ ህዝባዊ ተቓውሞ ብምስማዕ ፋና ለውጢ ዝወለዐ ህዝባዊ መድረኽ ኣብ ዓብይ ዓዲ ብምክያዱ ዝፈጠረሎም ስንባደ ንምብዳህ ብብርኪ ክልል ዕልዋ መንግስቲ ንምክያድ ከም መበገሲ ዝተጠቐሙሉ ወተሃደራዊ ምሕደራ ኣርሚ 60 ናብ ባይታ ክወርድ ብምግባሮም ህዝብና ግዳይ ብምዃኑ እዩ።

እቲ ኣብ ዞባና ዞባ ተምቤን ብኣርሚ 60 እናተብሃለ ዝፍለጥ ወተሃደራዊ ምሕደራ ዝተፈተነን ከም ኣዋፃኣይ መንገዲ ተገይሩ ድሕሪ ምግምጋሙ ናብ መላእ ትግራይ ክሰፍሕ ተኣሚኑሉ በቲ እንሪኦ ዘለና ዕላዊ መፈንቅለ መንግስቲ ተኣዊጁ ኣሎ።

እዚ ብመፈንቅለ መንግስቲ ናብ ስልጣን ዝመፅእ ወተሃደራዊ ጉጅለ ንይምሰልን ንሽፋንን ካብቲ ስቪል ጉጅለ ኣብ ቕድሚት ኣቕሚጡ ልክዕ ከም ሻዕብያ ወተሃደራዊ ምሕደራ ክዝርጋሕ ዝገብር እዩ።

እቲ ኣብ ዞባ ተምቤን ዝተተኸለ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ብኣርሚ 60 እናተብሃለ ዝፍለጥ ሓይሊ ዝተፈተነን ከም ውፅኢቱ ድማ ኣዋፃኣይ መንገዲ ተገይሩ ድሕሪ ምግምጋሙ ናብ መላእ ትግራይ ክሰፍሕ ተኣሚኑ በቲ እንሪኦ ዘለና ብርኪ ዓብዩን ዕላዊን መፈንቅለ መንግስቲ ተኣዊጁ ኣሎ።

እዚ ብመፈንቅለ መንግስቲ ናብ ስልጣን ዝመፅእ ወተሃደራዊ ሓይሊ ንይምሰልን ንሽፋንን ስቪል ካድረታት ፍንጫል ህወሓት ኣብ ቕድሚት ኣቕሚጡ ልክዕ ከም ሻዕብያ ወተሃደራዊ ምሕደራ ብምዝርጋሕ እታ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ተምቤን ዝተፈፀመ መግረፍቲ፣ ኣካል ምጉዳል፣ መርሸንቲ፣ ራዕዲ ምፍጣር፣ ኬላታት እናዓፀኻ ምግፋፍን ካልኦት ኣለው ዝበሃሉ ጭካነ ዝተመለኦም ኣግባባት ዓፈናን ኣብ መላእ ትግራይ ግብራዊ ንምግባር ተዳልዩ ዘሎ ሓይሊ ምዃኑ ምፍላጥ ይግባእ።
እቲ ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ልዕሊ 2 ዓመት ገይሩ ኣሎ። ህዝቢ ተምቤን እቲ ዝፀነሐ ዞባ ምምሕዳር ክምለሰሉ ሕቶ ዓርሰ ምሕደራ ዘዐግብ መልሲ ከይሃቦ ፀኒሑ እዩ። ብምዃኑ ድማ ኣብ ጉዳይ ዓርሰ ምሕደርኡ ባዕሉ ከይውስን ዕንቅፋት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ መፈተኒ ወተሃደራዊ ምሕደራ ዓሌታዊ ጉጅለ ህወሓት ክኸውንን ንመንከራ ክሳጣሕን ገይሩዎ እዩ።

ህዝቢ ተምቤን ድሕሪ መፈንቅለ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ክምስረት ተሓሲቡ ዘሎ ወተሃደራዊ ምሕደራ ጉጅለ ህወሓት እንታይ ከም ዝመስል ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብተግባር ርኢዎ እዩ።
መንእሰይ ዘሸቑርር፣ ህዝቢ ዘሸብር፣ መንገዲ ጥፍኣት ዘበስር፣ ጥራሕ ዘይኾነስ ኩሉ በቢ ፊንኡ ጠበንጃ ሒዙ ክዋጋእን ሕድሕድ ኹናት ዝውልዕን ሰላም ህዝብና ዝዘርግ ሓደገኛ መንገዲ እዩ።
በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ቕዋማት ኣሕሊፍና ኣለና፦

1) መላእ ህዝቢ ትግራይ ነዚ ተረዲኡ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብሓደ ድምፂ ክቃወምን ነቲ መድረኽ ዝምጥን ቓልሲ ንምክያድ ሙሉእ ምድላው ክገብር ንፅውዕ።

2) ነቲ ወተሃደራ መፈንቅለ መንግስቲ ዝቃወሙ ሓይልታት ለውጢ ተበታቲንኻ ዝግበር ቓልሲ ገዲፎም ስልታውን ስትራተጂካውን ሕብረታት ብምክያድ ሓይሊ ኣኪቦም ክቃለሱ ይግባእ።

3) ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ይኹን መላእ ዓለም ዘለው ተጋሩ ብዝተዋደደ መልክዑ ብፋይናንስ፣ ሰልፊ እናካየድኻ ብምቅዋምን ብዲፕሎማስን ነዚ ቓልሲ ምድጋፍ።

4) ህዝቢ ተምቤን መፈተኒ ኣረመንያዊ ምሕደራ ኾይኑ ዞባነት ተመንጢሉ ክበታተን ስለዝተገበረ እዩ። ኩሉ ትግራዋይ ነዚ ተረዲኡ ዞባነት ተምቤን ክምለሰሉ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣድላይ ፅዕንቶ ክገብር ንፅውዕ።

5) ልእኽቶ ሻዕብያ ብምሽካም ወተሃደራዊ ምሕደራ ክተክል ዝጓየ ዘሎ ሓይሊ ይኽተሎ ብዘሎ ከባቢያዊ ፕሮፖጋንዳ፣ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብዕሊ ጥሒሱ ስለዘሎ፣ ዕላዊ ኩለመዳይ ፅምዶ ምስ ሻዕብያ ፈጢሩ ስለዘሎ ናብ ቕሉዕ ከባቢያዊ፣ ሃገራውን ቐጠናውን ኲናት ክንኣቱን ብትልሚ ሻዕብያ ትግራይ ማእኸል ዓውደ ዂናት ይገብር ስለዘሎ እዚ ተግባር ማሕበረሰብ ዓለም ክፈልጦ ክግበር ንፅውዕ።

6) ነቶም ብቑፅሪ ውሑዳት ብኹለ መዳይ ዓቕሚ ውሕሉላት ዝኾኑን ነቲ ንሓደ ጉጅለ ህወሓት ደጊፉ መፈንቅለ መንግስቲ ከካይድ ዝወሰነን ብመግለፂ ዕላዊ ዝገበረ ጉጅለ ተቓዊሞም መገልገልቲ ህዝቢ ትግራይ እምበር ኣባላት ሓደ ፀቢብ ዓሌታዊ ጉጅለ ህወሓት ኣይኮናን ብምባል ተቓዊሞም ዝወፁ ጀነራላትን ኮነሬላትን ዘለና ናእዳ እናገለፅና መላእ ህዝብና ኣብ ጎድንኹም ምህላው ክትፈልጡ ይግባእ።

ክብርን ሞገስን ንኹሎም ሰማእታት ትግራይ !
ጥሪ 17/2017 ዓ/ም
ተምቤን

3 ደቀይ ኣጋዲለይ?➤ቱ ሓደ ውላደይ የመን ተኣሲሩ አብ ስቃይ ይርከብ?➤ቱ ሓደ ወደይ ገና  ኣይትመለሰን?➤እታ ሓንቲ ጓለይ ተመሊሳ መታወቅያ ኸሊኦሟ?
02/01/2025

3 ደቀይ ኣጋዲለይ?

➤ቱ ሓደ ውላደይ የመን ተኣሲሩ አብ ስቃይ ይርከብ?
➤ቱ ሓደ ወደይ ገና ኣይትመለሰን?
➤እታ ሓንቲ ጓለይ ተመሊሳ መታወቅያ ኸሊኦሟ?

3 ደቀይ ኣጋዲለይ?➤ቱ ሓደ ውላደይ የመን ተኣሲሩ አብ ስቃይ ይርከብ?➤ቱ ሓደ ወደይ ገና ኣይትመለሰን?➤እታ ሓንቲ ጓለይ ተመሊሳ መታወቅያ ኸሊኦሟ?

ሐለንጊ ስባጋድስ  5,000 ብር ኣታኽልቲ    2,500 ብር ብሽሙ  ኣካውንት ንግዲ  ባንኪ ተኸፊቱ አሎ ሓግዞዎ። 100090793466።Tsegay Desta Mekonen Kibrom Ayalew...
20/11/2024

ሐለንጊ ስባጋድስ 5,000 ብር
ኣታኽልቲ 2,500 ብር
ብሽሙ ኣካውንት ንግዲ ባንኪ ተኸፊቱ አሎ ሓግዞዎ። 100090793466።
Tsegay Desta Mekonen
Kibrom Ayalew
John Gebru
Letush Meresa

""""ዞባ ተምቤን(Revolution) .....28-02-2017"""------------------------------------------ ምስ ኣመራርሓ ለውጢ  ዞባ ተምቤን(Revolution1- ...
06/11/2024

""""ዞባ ተምቤን(Revolution) .....28-02-2017"""
------------------------------------------

ምስ ኣመራርሓ ለውጢ ዞባ ተምቤን(Revolution

1- ኣብ ህዝቢ ተምቤን ዘለው ፀገማት እንታይ እዮም?

1.1 በተምቤን ህዝብ የሚገኙ ችግሮች ምንድ ናቸው?

1-ናይቶም ፀገማት ፍልፍል መን እዩእዮም?
1.1 የተምቤን ህዝብ ችግር ምንጩ ምንድነው?
1-ፀገማት ህዝቢ ተምቤን ሓላፍነት ዝወስደሎም መን እዩ ?

1.1 የተምቤን ህዝብ ችግር ሃላፊነት የሚወስደው ማነው?

1-ባህግታት ተምቤን እንታይ እዮም ?
1.1 የተምቤን ህዝብ ፍላጎት ምንድ ናቸው ?

መፍትሒ ፀገማት
የችግሩ መፈትሄ
1.
2.
3.
4.
5.
6.
ካብ ህዝቢ ተምቤን እንታይ ትፅቢት ይግበር ?
ከተምቤን ህዝብ ምን ይጠበቃል?
ካብ መንእሰይ ተምቤን እንታይ ትፅቢት ይግበር ??ከተምቤን ወጣት ምን ይጠበቃል?
ካብ ፌዴራል መንግስቲ እንታይ ክሰርሕ ኣለዎ?የፌዴራል መንግስት ምን መስራት አለበት?
ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር እንታይ ትፅቢት ይግበር ?ከግዝያዊ አስተዳደር ምን ይጠበቃል ?
ካብ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ እንታይ ትፅቢት ይግበር ?ከትግራይ ፀጥታ ሃይል ምን ይጠበቃል ?
ምንቅስቃስ መናኣሰይ ዞባ ተምቤን(Revolution)
ካብ መን እንታይ ..... ድጋፍ ይደሊ ...??
የተምቤን ዞን ወጣቶች ማን ምን ቢደገፍ ይፈልጋል ??

በ Temben tv ( tiktok.com/ )
28-02-2017 ዓ/ም
ብግእዝ ኣቆፃፅራ ናይ ምሸት 12:00 ይጅምር ...!
በግእዝ ኣቆጣጠር ከምሽቱ 12:00 ሳኣት ይጀምራል !

ተዓዲምኩም አለኹም!
ታድማችዋል !

መተሓሳሰቢ ንኹልኹም ደቂ ተምቤን ተሳተፍቲ ፕሮፋይልኩም ነዚ ለጢፍናዮ ዘለና ሎጎ ክትገብሩ የግድድ እዩ♦

ደገፍቲ ለውጢ ህዝቢ ተምቤን ነዚ ሎጎ ገይርኩም ክትኣትው ዘይክትኣትው ኩሉ መሰልኩም ሕሉ እዩ ።
ወዲ ተምቤን ኾይኑ ዞባ ተምቤን ክምለስ ዘይደሊ የለን ነዚ ምምሕዳራዊ ዞባና ዝኾነ ሎጎ ክገብር ናይ ግድን ስለ ዝኾነ እዩ።

ዝፈረሰት ማሕበርና ክንምልስ መራሕቲ ተምቤን ባዓልና ንምረፅ       ❤ ማሕበር ተምቤን ንመልሳ❤ !!▲▲▲▲▲▲▲▲▲▲▲▲▲▲▲▲▲▲▲▲▲እታ ቅድሚ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ማሕበር ልምዓት  ተም...
01/10/2024

ዝፈረሰት ማሕበርና ክንምልስ መራሕቲ ተምቤን ባዓልና ንምረፅ ❤ ማሕበር ተምቤን ንመልሳ❤ !!
▲▲▲▲▲▲▲▲▲▲▲▲▲▲▲▲▲▲▲▲▲

እታ ቅድሚ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ማሕበር ልምዓት ተምቤን ዝተመስረተት አበይ ነጠበት?

ቅድሚኣ ተመስሪታ ልምዓት ዝጀመረት ቅድሚ ሰላም ባስ እስካባይ ባስ ሊማሊሞ ባስ ፖስታ ባስ ቀዲማ ብዘመነ ሃፄ ሃይለስላሴ ተምቤን ባስ ክልተ አብቶቡስ ዓዲጋ ስራሕ ጀሚራ ዝነበረት። ቅድሚ ኩሉ ልምዓት ብሕብረት ኢላ ገንዘብ አታአኻኺባ ማይሎሚን መናፈሻ ዝሰረሐት እምንቲ ተፈታዊት አቦ ልምዓት ማሕበር ልምዓት ተምቤን አበይ ነጠበት? እዚኣ ዶ ንመልሳ ትግራይ ብኸመይ ከምእትለምዕ ክትሪኢዋ ኢኹም ደቂ ማይሎሚነይ አለኹም ዶ??????

~ባንኪ አብዘይነበረ ቅርሺ አብ ገዛ እናቐመጠት መንገዲ መኪና ከይተሰረሐ ብአድጊ እናፃዓነት ጃህያ ሕፃ እምኒ ስሚንቶ እናማላለሰት ማይ ቦቧ አብዘይነበረ አዶ ልምዓት ብሕቐ ካብ ገረብ ብጀሪካን እናተሸከመት ልምዓት ዝጀመረት መብራህቲ አብዘይነበረ ኩራዝ ወሊዓ ከተማ ብመብራህቲ ክትውልዕ ዝፃዓረት ስልኪ ሓበሬታ አብዘይነበረ ብደብዳቤ ካብ መላእ ዓለም ገንዘብ እናታአኻኸበት ካብ ሱዕዲ አውሮፖ ካናዳ ጀርመን አሜሪካ አዲስ አበባ ብደብዳቤ ተራኺባ ማሕበር ልምዓት ተምቤን ልምዓት ዓዲ ብወዲ ዓዲ ፈላማ ስራሕ ዝጀመረት ። ማሕበርና አዶና ማሕበር ልምዓት ተምቤን እንዶ ንመልሳን ደቂ ማይ ሎሚን ????????

~ ማሕበር ልምዓት ተምቤን ሃላዋታ ከይፈለጠ ። ክለምዕ ክምዕብል ምእንታን ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝኸፍል ገንዘብ ዘዋፅእ ተምቤናይ እንተልዩ እቱ ደንቆሮ ናይ ዓለም እዩ። ማሕበር ልምዓት ተምቤን ልምዓት ጥራሕ ተሳልጥ ከምዝነበረት ተራ ማሕበር ነይራ ፈሪሳ ዝብል አመላኻኽታ ሓንጎል እንተሊካ እውን ፀማምን ዕውርን ዕሽነትን ተደራሪቡካ ፀውራ ዝኸበደካ ተምቤናይ ደንቆሮ ኢኻ እዚ አስምረሉ ወዲ ተምቤን ዝኾንካ!!!!!!!!!!!!!!!!

~ፀቢብ ከም ትብለኒ አይሳሓትኩዎን ነቱ ናተይ ሓሳብ ወሲድካ ንሰባት እንትትዋገዖም እውን ፀቢብ ከምዝብሉኻ ይፈልጥ እየ።

ነገር ግን ማሕበር ልምዓት ተምቤን ብማሕበር ፀብቕለይ(ፀይቕለይ? ተምቤን ከምዝተተከአት ንምታይ ከምዝተተከአት ካብቶም ማሕበር ልምዓት ተምቤን ተታሓትት ግን ምላሾም እዚ መኾነ ነይሩ።

ወዲ ዜናዊ ስብሓት ነጋ አፍሪሶምና ። ተረፍ መረፍ ስርዓት መስፍናዊ ተረፍ መረፍ ስርዓት ደርጊ ኢሎና። ማሕበርና ማሕበር ልምዓት ተምቤን ብማሕበር ፀይቕለይ ተተኪኣ። ሕልሚ ማሕበር ልምዓት ተምቤን ተኾሊፉ ። ጠይቆም አብ ተምቤን አለው። ብግምት ዘይኮነስ ባአካል ረኺበዮም ውስጦም እንትነድድ 😡😡 ሪአዮ እየ! ርኸቦም ብፍላይ ኣታ አብ ደንገርገር ዘለኻ መንእሰይ ተምቤናይ !!

ሕልሚ ማሕበር ተምቤን
~~~~~~~~~~~~
ዝፈረሰት ማሕበርና ማሕበር ልምዓት ተምቤን
ህዝቢ ተምቤን ብልማዓት ብኣኮኖሚ ፖለቲካዊ ምዕባለ ጫፍ ንምብፃሕ ዝማዕበለት ትግራይ ብዴሞክራሲ ዝታሃነፀት ትግራይ ንምፍጣር ልሙዕቲ ፅብቅቲ ምዕብልቲ ስልጥንቲ ሓያል ብኹሉ መዳይ ጥንኩርቲ ዲሞክራሲት ተምቤን ንትግራይ ምብርካት ነይሩ ። ነዚ ንምስኻዕ ድማ መሰረታዊ ናይ ሓደ መንግስቲ ግዴታ ክፈትሖም ዝግባእ
ግዴታ ሕቶ ልምዓት ነይሩ

አብነት!
1 ባንኪ የድሊ ነይሩ አይነበረን ይከፈተልና!
2 ስልኪ የድሊ ነይሩ አይነበረን ተኸለልና!
3 መንገዲ ፅርግያ የድሊ ነይሩ አይነበረን ይፀረገልና!
4 መብራህቲ የድሊ ነይሩ አይነበረን ይዘርገሐልና!
5 ማይ የድሊ ነይሩ። አይነበረን ይቆፎረልና!
6 ዘባ ተምቤን ምሕደራ የድሊ ነይሩ አይነበረን ይፈቐደልና!
ዝብል ሓያል ብዝተወደበ መልኪዕ ናብ መንግስቲ ት.ህ.ን.ግ ቀሪቡ ነይሩ።

ነዞም መሰረታዊ ልምዓት ከይሓዝካ ማሕበር ልምዓት ተምቤን አይትዕወትን መንግስቲ ክፈትሖም ይግባእ ኢላ ማሕበር ልምዓት ተምቤን ጠሪዓ ዝሰምዓ መራሒ መንግስቲ ምስ ሳአነት ንህዝቢ ትግራይ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ በሕገ መንግስታዊ መሰል ሰላማዊ ሰልፊ ፀዊዓ ፀገም ህዝቢ ተምቤን መላእ ህዝቢ ዓለም ክፈልጦ ገበረት።

ግፍዒ አብ መራሕቲ ማሕበር ልምዓት ተምቤን
ተፈፂሙ
ነዚ ሓያል ማዕበል ዘድንገፆም መራሕቲ ህወሓት አክንድ ንሕቶ ማሕበር ልምዓት ተምቤን ምምላስ። ማሕበር ልምዓት ተምቤን ፈሪሳ ብማሕበር ፀብቕለይ (ፀይቅለይ) ተምቤን ተተኪኣ። የሕዝን ጨጎራኻ ይልሕፅ ህልውናኻ ይፈታተን ሕማቕ ተግባር ቂም ዘውርስ ስራሕ ተግባር አብ መራሕቲ ማሕበር ልምዓት ተምቤን ተፈፂሙ ።


ማሕበር ልምዓት ትግራይ አብ 4 ወረዳታት
ተምቤን ሓንቲ ቤት ትምህርቲ አይሰረሓትን!

እሞ ደቂ ተምቤን እዝኹሉ ጥቕዓት በፂሑና ዝፈረሰት ማሕበርና ከያምለስና ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ቅርሺ ምውፃእ ተገቢ ድዩ? እታ ማሕበር አንፃርና ከምዘይኮነትስ ታይ መረጋገፂ አለና? በቶም አንፃር ማሕበር ልምዓት ተምቤን አይኮነትን ድያ ትማሓደር ዘላ? እሞ ንለብም ዳኣ!! ዝፈረሰት ማሕበርና ማሕበር ልምዓት ተምቤን ንመልሳ!!
ካብ ሓውኩም ሚኪ ተስፋይ!

ናብ ኩሉ ተወላዲ ፈታዊ ተምቤን ክትበፅሕ
share copy
ተሓባበሩና ! ፀላእትና ክልተ ግዜ ይብዱሉና አለው!
ንመክቶም!!!!!!!

2009 ዓ/ም ዝተፀሓፈ እዩ !
ብሚኪ ተስፋይ
Syenite Tv ሲያናይት ቴቪ

Address

Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tig_Election 2020 /መረፃ ትግራይ 2012 posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share