
04/06/2025
#ይነበብ
ዓርቢ ዕለት 29 ግንቦት 2017 ዓ/ም ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ሰዓት 10:00 ዝምረቕ ፊልም ትሓግ ንፈለማ እዋን ብጓል ኣንስተይቲ ዝተኣለየ ፊልም እዩ። እዚ ማለት ኣብ ትግራይ ክሳብ ሐዚ ብደቂ ኣንስትዮ ዝተኣለየ ፊልም ሰሚዐ ኣይፈልጥን እንድሕር እዚ ሓሳብ ሓቂ እንተኾይኑ ድማ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣላይት (ዳይሬክተር) ዘቢብ ወልዳይ ተባሂላ ኣፍልጦ ክትወሃባ ይግባእ። ተጋዳሊት ዘቢብ ወልዳይ ማለት ዝተውሃባ ስራሕ ኣብ ምፍፃምን ፃዕራም ሰሪሓ እንተስርሐካ ካብ ምዃናን ዝተልዓለ ብዙሓት ሰብ ሞያ ምስኣ ክሰርሑ ሓጎሶም ወሰን የብሉን ብተወሳኺ ምስ ኹሉ ሰብ ብቐሊሉ እትረዳዳእን ብዓልቲ ሙሉእ ሞያን ድማ እያ። ብዛዕባ ተጋዳሊት ዘቢብ ወልዳይ ተወሰኽቲ ትብልዎ እስቲ ኣብ ኮሜንት ፅሓፉለይ።
💪🏽💪🏽💪🏽💪🏽