ትግራዋይነት

ትግራዋይነት ሳትራመድ ለውጥ አትፈልግ ተራመድ✌️

27/11/2024

ፍቅሪ ቲክቶክ ዘምፅኦ መዘዝ

 ኣብ ትግራይ ብጥቅምቲ 3 ዝጅመር ብሄራዊ ሓዘንን መርድእን ኣብ ሃገረ ሱዳን መዕቆቢ ስደተኛታትን ከተማታት ከምዝሳለጥ ተፈሊጡ።ምእንተ ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ እንኮ ህይወቶም ዘወፈ...
12/10/2023



ኣብ ትግራይ ብጥቅምቲ 3 ዝጅመር ብሄራዊ ሓዘንን መርድእን ኣብ ሃገረ ሱዳን መዕቆቢ ስደተኛታትን ከተማታት ከምዝሳለጥ ተፈሊጡ።

ምእንተ ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ እንኮ ህይወቶም ዘወፈዩ ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዘሰናድኦ መርሃግብሪ መሰረት መርድእ ከምዝሳለጥ ካብ ህዝባዊ ምምሕዳር መዕቆቢ ስደተኛታትን መተሓባበርቲ ማሕበር ተጋሩ ሱዳንን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይሕብር።

ኣብ ዉሽጢ ትግራይ ልእክቶ ህዝብን መንግስትን ተዓጢቆም ረዚን መስዋእቲ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ስድርኦም ናይ ምርዳእ ስነስርዓት ኣብ ሱዳን መዕቆቢ ስደተኛታት ተነድባ፣ ኣምራኩባን ሓሸባን ሓዊሱ ኣብ ኩለን ከተማታት ሱዳን እዉን ክሳለጥ እዩ።

መስዋእቲ ጀጋኑ ደቂ ትግራይ ብሕራነ መፃኢት ትግራይ ንምህናፅ እንረባረበሉን ቃል ስዉኣትና ብተግባር እንፍፅመሉን ክኾን ይግባእ ዝበሉ እቶም መተሓባበርቲ ነዙይ ብሄራዊ ሓዘን ንምስላጥ ድማ ምድላዋት ከምዝተወገኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ጉዳይ ስድራ ሰማእት ጉዳይ መንግስቲ ትግራይን ህዝብን ስለዝኾነ ዝግባእ ክትትልን ድጋፍ ከምዝግበረሎም ድማ መተሓባበርቲ መዕቆቢ ስደተኛታትን ከተማታትን ገሊፆም ኣለዉ።

ስድራ ስዉኣት ምሕብሓብን ምፅንዕናዕን ሓላፍነት ሕድሕድ ትግራዋይ ብምኻኑ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተጋሩ ግቡኦም ክዋፃኡ ፃዉዒት ቀሪቡ ኣሎ።

መድሃኔ ግደይ
TMH

04/10/2023

ዕቱብቲ መዓንጣ ፣ ገና ብዕሸልኪ
እዋን ሓራርሶ ፣ ኣብ ውድቅቲ ለይቲ
ስለ ፍቕሪ ህዝቢ ፣ ካን ሰፍሰፍ ዝበልኪ
ናይ ብፂተይ ፍቕሪ ፣ ታይ ክርስዓኪ😭

25/09/2023

ሓመድ ግዲ ተሳሓኑ ኣፍ ጥራሕ ኣይኮነን " ያዝ በለው" ካብ ተባሃለ እስካብ እናቴ ኣባቴ እትብል ሓዝ 🤗

ኣደ ታይ ገድሹኪ ኢኺ ባ ትተብዒድርዕኺ ገቢርኪ -ላሕ ትብሊ ክትፀንዒኣደ -ስቕ ኢልኪ -እንዶ ግዳ ንብዒ   ከምቲ  ንቡር ናይ ወላድ ቅጥዒ ኣኽለኪ መቐነትኪ -ፍትሒ ቃንዛ ነዊሕ ስቓይኪ -ኣቃ...
19/09/2023

ኣደ ታይ ገድሹኪ ኢኺ ባ ትተብዒ
ድርዕኺ ገቢርኪ -ላሕ ትብሊ ክትፀንዒ
ኣደ -ስቕ ኢልኪ -እንዶ ግዳ ንብዒ
ከምቲ ንቡር ናይ ወላድ ቅጥዒ

ኣኽለኪ መቐነትኪ -ፍትሒ
ቃንዛ ነዊሕ ስቓይኪ -ኣቃልሒ
ኣብዘይትስምዕሉ ኣይትላሕልሒ
እህህታኺ ኣይተናውሒ

በቃ ‘ቲ ወላድ ነብስኺ ዝነግረኪ እመኒ
ንቡር ፍተኒ #ከምሰብ ‘ሰብ ‘ኮይንኪ ሕዘኒ

ሰብነትኪ እናመንጠልኪ ኣይትሽጢ
ንላውጣ ‘ህይወት -ሓርነት ‘ዘይብሉ -ኣይተላውጢ
ጥቕሉል ሂብኪ -ማልስ ስውእ ውሉድኪ እንትሓቲ
መሻርፍ የብልናን ኢሎም ክመልሱኺ መንዛዕቲ

ብገዛእ ሃፍትኺ ሽቑረራ ሸሚትኪ ኣይትምፅኢ
ካብዘይትሰትይሉ ፣ዘይትረውይሉ ሽያኽ :ንመን ኢኺ ደም ውልድኪ -ትመልእዮ ትገንኢ

ወወሊድኪ -ትሕንዘፊ?
በቃ እንዶ ኾነኪ -ታኣነፊ
ኣደ ! በቃ ክተዕርፊ -ዘይትነፅፊ?
ክንደይ ግዜ ጫፍ ክብሪ ሪእኺ ክትኩለፊ

ደገኺ እናመስከረ-ንውሽጢ ትሓሚ
ውሸቐኺ ላሕሊሑ ከሎ -ታይገደሸኪ ትሰጥሚ

ውሉድኪ ተኾነ ንሓሞቱ ዋላ ንሞቱ ሓንቲ ቃል -“ጅግና “ እንዳኣሉ ዝሽለም
ብድሕሪኡ ወላድ ማህፀንኪ ይፅለም :ሕድሪ ደቅኺ ይጥለም
#ኣኸለ
በልስኪ ኣእኺለ!

ክንደይ ሻዕ ኢኺ ‘ሞ ክትተብዒ :
ንዘይትርእዮ ክትሰምዒ
ንዘይትበልዕዮ ክትጠምዒ ?
ኣይትፅንዒ :በቃ ንብዒ

ድርማሞ ፀጉርኺ መዓዝ ዩ ክፍታሕ
ፀሊም ክዳንኪ ካብ ነብስኺ ለቒቑ ዝስጣሕ
መግለፂኺ ኣይከምኡን -ከምቲ ዛንታኺ ኩሉ ኩርኳሕ

መዓዝ እዩ ልዳት ገዛኺ -ዕልልታ ክሓልፎ
ደገ ኣፍ ቤትኪ -ዳስ ሓጎስ ዘይሩ ዝውንዘፎ ?
ሕሩር ኣንጀትኪ -መዓዝዩ ክረክብ ጠሊ
ጉልባብ ሓዘንኪ -ካብ ዝባንኪ ታኣልዩ ዝበሊ ?

ክደርቕ - ክጠግግ-‘ቲ ሕዱር ቁስሊ
በቃ እንዶ ! ኣደ ‘በቃ’ ኾነኒ በሊ
ቅናትኪ ፍትሒ -ንብላሽ ኣይትዓቅሊ
ሰብ እንዲኺ ስጋ ለበስ -ንቃንዛኺ እንዶ እመኒ
ንቡር ፍተኒ -ከም ሰብ ሰብ ኮይንኪ ሕዘኒ !

🥹😭 #ኣነ

18/03/2023

ትግራይ ዓደይ ሰላምኪ ይብዛሕ

17/01/2023

አራዊት ሰራዊት #ሻዕብያ ናብ ከተማ #ዓድግራት ብፅርግያ አትዮም ተመሊሶም ኣብ ድፋዕ ከተማ ቀርሰበር ይርከቡ.....

19/11/2022

ስለ ወልቃይት መደመጥ የሚገባው

Dirección

Urnieta
20130

Página web

Notificaciones

Sé el primero en enterarse y déjanos enviarle un correo electrónico cuando ትግራዋይነት publique noticias y promociones. Su dirección de correo electrónico no se utilizará para ningún otro fin, y puede darse de baja en cualquier momento.

Compartir