AFD - Alaje Farmers Development Center

AFD - Alaje Farmers Development Center For Better Tomorrow!

ድርቂ ቆላ ተምቤን!ክሳዕ ሕዚ ብዘሎ ሓበሬታ እኹል ዝናብ ብዘይ ምህላው ኣብ ልዕሊ ህፃውንቲን እንስሳን ከቢድ ሓደጋ ፈጢሩ ከም ዘሎ የመላኽት።እዙይ ብተደጋጋሚ ብድርቅን ጥምየትን ዝጥቃዕ ዘሎ ...
30/07/2025

ድርቂ ቆላ ተምቤን!

ክሳዕ ሕዚ ብዘሎ ሓበሬታ እኹል ዝናብ ብዘይ ምህላው ኣብ ልዕሊ ህፃውንቲን እንስሳን ከቢድ ሓደጋ ፈጢሩ ከም ዘሎ የመላኽት።

እዙይ ብተደጋጋሚ ብድርቅን ጥምየትን ዝጥቃዕ ዘሎ ኸባቢ ጎናጎኒ ግዝያዊ ሓገዝ ፣ ኣብ ህፁፅ ምኹዓት ማይን ዘላቂ መፍትሕን ካብ ሎሚ ጀሚሩ ተዘይተሓሲቡሉን ተዘይተኻይዱን ንቐፃሊ ዝሓዝናዮ ውሕስና የብልናን።

ከም ኣላጀ ሚድያ Alaje Media AFD - Alaje Farmers Development Center ፤ ዝምልከቶ ኣካል ንቆላ ተንቤን ኣብ ምውፃእ ማይ እንተነጢፉ ፣ ዘለና ዓቕሚ ፀንቂቕና ፤ ማሕበረሰብናን ገበርቲ ሰናይን ኣተሓባቢርናን #ዘርኢ ኣብ ምቕራብ ቕሩባት ኢና ፤ ግዝያዊ ሓገዝ ግዝያዊ 'ዩ ፤ ግዝያዊ እንትዕንግል ዘላቒ እንተዘይስዒቡ ድማ ዘይዛሪ ሓደጋ'ዩ።

ከም ከቢድ ብሄራዊ ሓደጋ ተራእዩ #መንግስታዊ ህፁፅ ውሳነን መፍትሕን ክግበረሉ ኹሉ ብዝኽእሎ ፀቕጢ ክፈጥር ይግባእ።

ቆላ ተንቤን ፣ ምኳን ይኾኖ!
ዘላቒ መፍትሒ ንቆላ ተንቤን ትግራይ!

"Supporting Farmers Isn’t Charity , It’s Survival"

ዓብይ-ዓዲ 😍🌿"Peace Is the Real Fertilizer"AFD - Alaje Farmers Development Center ኣላጀ ሚድያ Alaje Media
24/07/2025

ዓብይ-ዓዲ 😍🌿

"Peace Is the Real Fertilizer"
AFD - Alaje Farmers Development Center
ኣላጀ ሚድያ Alaje Media

23/07/2025

ኽረምቲ ኣብ ትግራይ ወቕቲ ጥራይ ኣይኮነን ፣ ኽረምቲ ኣብ ትግራይ "ንትግራይ" ወቕቲ #ድሕነት 'ዩ!
ማይና ነዋህልል + ንጠቐመሉ ፣ ንሕረስ ፣ ንዝራእ ፣ ብውሱን ዓርስና ንዕንግለሉ እኽሊ ነፍሪ።
ብዓብዩ ኸኣ ሕርያና ሰላም ይኹን ፤ 'ቲ ፈላማይ ዝናብ ንሓረስታይ #ሰላም 'ዩ።
(Every meal you eat has a farmer behind it. Remember that.)


AFD - Alaje Farmers Development Center
ኣላጀ ሚድያ Alaje Media

ዞባ ማእኸል😍ወረዳ ላዕላይ ማይጨውን ታሕታይ ማይጨውን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ ስድራ ዝርከብኦ 100 ሓረስቶት ንዘርኢ ዝውዕል ምሩፅ ዘርኢ ጣፍ ተዓዲሉ። እዚ ድጋፍ እዙይ ቅድም ክብል ኣ...
21/07/2025

ዞባ ማእኸል😍

ወረዳ ላዕላይ ማይጨውን ታሕታይ ማይጨውን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ ስድራ ዝርከብኦ 100 ሓረስቶት ንዘርኢ ዝውዕል ምሩፅ ዘርኢ ጣፍ ተዓዲሉ።
እዚ ድጋፍ እዙይ ቅድም ክብል ኣብ ሓረስቶት ትግራይ ብ ዘርኢ ኣቕርቦት ኢሉ ውን ኣብ ህፁፅ ወፍሪ ዓፂድ ግቡእ ድጋፍ እናበርከተ ዝፀንሐን ዘሎን ማእኸሉ ከተማ ኣክሱም ዝገበረ ትካል ዕብየት ሕብረተሰብ ፍኖተብሃን ፤ ሎሚ ዓመት ውን ብሰንኪ ሕፅረት ዘርኢ ክሓርሱ ንዘይኽእሉ 100 ሓረስቶት ዕደላ ምሩፅ ዘርኢ ጣፍ ኣካይዱ 'ሎ ፤ ብስም ሓረስቶት ድማ ነመስግን ።

Supporting Farmers Isn’t Charity , It’s Survival

AFD - Alaje Farmers Development Center
ኣላጀ ሚድያ Alaje Media

“ድምፀ እገሪሁ ለዝናም ሶበ ይዘንም ዝናም ይትፌስሁ ነድያን፣ ይጸግቡ ርሁባን፡፡ ➥"ናይ ዝናብ ድምፂ ተሰሚዑ ፤ ዝናብ ክዘንብ ኸሎ ፅጉማት ይሕጎሱ ፤ዝናብ ክዘንብ ከሎ ዝጠመዩ ይፀግቡ"!   ...
16/07/2025

“ድምፀ እገሪሁ ለዝናም ሶበ ይዘንም ዝናም ይትፌስሁ ነድያን፣ ይጸግቡ ርሁባን፡፡
➥"ናይ ዝናብ ድምፂ ተሰሚዑ ፤
ዝናብ ክዘንብ ኸሎ ፅጉማት ይሕጎሱ ፤
ዝናብ ክዘንብ ከሎ ዝጠመዩ ይፀግቡ"!


ናይ ፍረ ኽረምቲ ይግበረልና ፤ እንኳዕ ናብ ኽረምቲ ኣብፅሐና!

12/07/2025

Farmers Need Peace to Feed Us All !
!💧
AFD - Alaje Farmers Development Center
ኣላጀ ሚድያ Alaje Media

09/07/2025

Peace Is the First Rain for Farmers 💧!

The connection between farmers and peace is multifaceted, encompassing food security, social cohesion, economic interdependence, and even a philosophical ideal of "peace through agriculture". Farming can contribute to peace by ensuring food security and empowering communities, while also offering a sense of tranquility and connection to nature for individual farmers.
Peace to Tigray
Peace to the farmer
Peace to the world!
AFD - Alaje Farmers Development Center

ቅነ ማሕረስን ዘርእን ምስ ሓረስቶት ትግራይ!ሓረስታይ ትግራይ ኣብ ቕነ ኽራማትን ሓጋይን ክሓርስ ፣ ክዘርእ ፣ እኽሉ ክእክብ ምግባር፤ ንብሕቱ ንሓረስታይ ምሕጋዝ ዘይኾነስ ረብሕኡ ንሙሉእ ንማ...
06/07/2025

ቅነ ማሕረስን ዘርእን ምስ ሓረስቶት ትግራይ!

ሓረስታይ ትግራይ ኣብ ቕነ ኽራማትን ሓጋይን ክሓርስ ፣ ክዘርእ ፣ እኽሉ ክእክብ ምግባር፤ ንብሕቱ ንሓረስታይ ምሕጋዝ ዘይኾነስ ረብሕኡ ንሙሉእ ንማሕበረሰብ'ዩ ከም ትግራይ።

ከም'ቲ ልሙዝ ብፍሉይ ድማ ናይ ኽረምቲ ምንቅስቓስ ኣላጀ ፤ኣብ ሓረስቶት ኣቕርቦት ትራክተር ፣ ዘርእን ማዳበርያን ... ዝቐፀለ ሎሚ ዓመት ውን nonprofit organizations “empowering the farmers Inc (ትካል ምትብባዕ ሓረስቶት) ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ዝተመስረተ ንሓረስቶት ናይ ዘርእን ማዳበርያን ኣቕርቦት ክገብር ብዝተበገሶ ቕኑዕ ሓሳብ ን 100 ሓረስቶት ብብር 800 ሽሕ ወፃኢ ብምግባር ኣብ ወረዳ ጉሎመኸዳ ጣብያ ቅልዓት ኸይዲ ዕደላ ተኻይዱ'ዩ።

ትካል ምትብባዕ ሓረስቶትን ካልኦት ኣብ ሓረስቶት ትኹረት ዝገብሩ ትካላትን ፣ ኣብ ሓረስቶት ትግራይ ዝኽኣሎም ድጋፍ ኣብ ምግባርን መነባብሮ ሓረስቶት ኣብ ምቕያርን ልዑል ፃዕሪ ሓቢርና ከም እንገብር ምስ ልዑል ተስፋ'ዩ።

ሓረስታይ ክሓርስ'ዩ እኽሉ ድማ ክሓፍስ'ዩ !
ሰላም ንትግራይ!

09/06/2025

ካብተን 100 'ታ ሓንቲ!

ናይ ሎሚ ኽረምቲ ትኹረተይ 80% ኣብ መሬተን ንብላዕ (ትውፍርቲ ) ዝህባ ኣዴታት'ዩ ክኸውን ፤ ንስኻትኹም ውን ከምኡ ክትኾኑ ተስፋ ይገብር።
ሰኣን ኣቕርቦት ዘርእን ማዳበርያን ምስ መርየተን ንጥምየትን ለመና ርዳእታን ዝጋለፃ ሓረስቶት ኣዴታት ዝክኣለና ብምግባር ፤ ግራውተን ባዕለን ሓሪሰን እኽለን ክሓፍሳ ይግባእ።
ሓረስታይ ክሓርስ'ዩ እኽሉ ውን ክእክብ'ዩ።🌾

ኣላጀ ሚድያ
ዓለምለኸ ባንኪ ኣንበሳ:
00112602268
ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ:
1000644814401
ባንኪ ወጋገን፡
1036884610101

ንተወሳኺ ሓሳብን ርኢቶን
Tel/Telegram/Whatsapp: +251900967748

09/06/2025

ጉዕዞ ናብ 'ቶም 100 . .

ከም መፈለምታ ጅማሮና ብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉሎመኸዳ እንትኾን ፤ ኣብ ጣብያ ቅልዓት ንዘለው ሓረስቶት ንኣስታት 100 ሓረስቶት ኣቕርቦት ዘርእን ማዳበርያን ተረኺቡ ኣሎ።
እዙይ ድጋፍ ኣብ መላእ ትግራይ ድማ እናዘርና ሎሚ ዓመት ክሓርስ ኮነ ክዘርእ ዘይኽእል ሓረስታይ ኣብ ምድጋፍ ግደና ክንፃወት ኢና ፤ ሓቢርኹምና ስርሑ።
ሓረስታይ ክሓርስ'ዩ እኽሉ ድማ ክእክብ'ዩ!🌾 😍

AFD - Alaje Farmers Development Center ኣላጀ ሚድያ Alaje Media
ኣላጀ ሚድያ
ዓለምለኸ ባንኪ ኣንበሳ:
00112602268
ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ:
1000644814401
ባንኪ ወጋገን፡
1036884610101

ንተወሳኺ ሓሳብን ርኢቶን
Tel/Telegram/Whatsapp: +251900967748

08/06/2025

ብውነ ምሳና ኽረሙ 😍

ሓረስታይ ክሓርስ'ዩ እኽሉ ድማ ክእክብ'ዩ!
AFD - Alaje Farmers Development Center
ኣላጀ ሚድያ Alaje Media

ኣላጀ ሚድያ
ዓለምለኸ ባንኪ ኣንበሳ:
00112602268
ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ:
1000644814401
ባንኪ ወጋገን፡
1036884610101

ንተወሳኺ ሓሳብን ርኢቶን
Tel/Telegram/Whatsapp: +251900967748

 #ቕንያተይጅማሮ ምንቅስቓስ ኽራማት ቕንያተይ ኣብ ዞባ ምብራቕ ነይሩ ፤ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉሎመኸዳ ጣብያ ቕልዓት።ፈላማይ ጉዕዞይ ናብቲ ጣብያ ነባራዊ ኩነታት ሓረስቶት ቅልዓት ብፍላይ ድማ ...
08/06/2025

#ቕንያተይ

ጅማሮ ምንቅስቓስ ኽራማት ቕንያተይ ኣብ ዞባ ምብራቕ ነይሩ ፤ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉሎመኸዳ ጣብያ ቕልዓት።

ፈላማይ ጉዕዞይ ናብቲ ጣብያ ነባራዊ ኩነታት ሓረስቶት ቅልዓት ብፍላይ ድማ ሓረስቶት ደቂ ኣንስትዮ መሬተን ብንላዕ (ትውፍርቲ) ዝህባ ኣዴታት ምስ መርየተን ከመይ ሓጋይ ሙሉእ ኣብ ለመናን ጥምየትን ከም ዝሓግያ ንምዕዛብ ነይሩ።

ጣብያ ቅልዓት ኣብ ድንበር ዘሎ ጣብያ እንትኾን ከም ወረዳ ድማ ፍርቂ ሰበያ ሓዊሱ ኣብ ኢድ ሰራዊት ኤርትራ ዘሎ'ዩ።
ብሰንኪ 'ቲ ዝሓለፈ ኲናት ድማ ክሳዕ ሕዚ ካብ ነቶግቲ ዘይፀረዩ ዘይሕረሱ ግራውቲ ዘለውዋ ወረዳ'ያ ፤ ወረዳ ጉሎመኸዳ።

ዝነበረኒ ሰፊሕ ፃንሒት ክለቀልኹም 'የ ፤ ከምቲ ልሙድ ዓመት ዓመት ንገብሮ ድጋፍ ኣብ ዘላቒን ለውጢ ዘምፅእን ንሓረስታይና ሎሚ ዓመት ውን ብዕዙዝ ክቕፅል'ዩ።
እዙይ ፈላማይ ቕንያት መፅናዕቲ ኣብ ጣብያ ቅልዓት ትካሉ ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ዝገበረ ብ nonprofit organizations “empowering the farmers Inc.” ክሳዕ ሕዚ ብዝተረኸበ ድጋፍ ን 100 ሓረስቶት ኣቕርቦት ዘርእን ማዳበርያን (ዘበናዊ ድኲዒ) መሰረት ብምግባር'ዩ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ድማ 'ቲ ኣቕርቦት ዕደላ ክገብር'የ።
እዙይ ተግባር ናብ መላእ ትግራይ ንክቕፅል ድልየትን ዕላማን ዘለኩም ብማሕበር ብውልቒ ዘርእን ማዳበርያን ኣቕርቦት ክትገብሩ እትደልዩ ርኸቡኒ።
ሓረስታይ ክሓርስ'ዩ ፣ እኽሉ ውን ክእክብ'ዩ !

ኣላጀ ሚድያ
ዓለምለኸ ባንኪ ኣንበሳ:
00112602268
ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ:
1000644814401
ባንኪ ወጋገን፡
1036884610101

ንተወሳኺ ሓሳብን ርኢቶን
Tel/Telegram/Whatsapp: +251900967748

Address

Tigray
Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when AFD - Alaje Farmers Development Center posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to AFD - Alaje Farmers Development Center:

Share