AFD - Alaje Farmers Development Center

AFD - Alaje Farmers Development Center For Better Tomorrow!

11/11/2025

ሓረስቶት ብዛዕባ 'ዘን ማሽን እንታይ ይብሉ!?🌾

AFD - Alaje Farmers Development Center
ኣላጀ ሚድያ Alaje Media

 #ሰንበት💛 🌾ኣንፃር ምንባር ዝኾኑ ማሕልኾታት ትግራይ ብምፍታሕ ፤ ንመፃኢ ትውልዲ ብሩህን ምዕቡልን ባይታ ነንፅፈሎም።🕊
09/11/2025

#ሰንበት💛 🌾

ኣንፃር ምንባር ዝኾኑ ማሕልኾታት ትግራይ ብምፍታሕ ፤ ንመፃኢ ትውልዲ ብሩህን ምዕቡልን ባይታ ነንፅፈሎም።🕊

08/11/2025

ጉዕዞ ምዝማን ሕርሻ ትግራይ ምስ መቕረባይ ቴክኖሎጂታት ሕርሻ ማማይ ግሩፕ🌾

ግዜ ፣ ጉልበት ፣ ብኽነት እኽሊ ሓረስታይ ዝቕንሱ ምስ ዝኽእሉ ማሽነሪታት ዘቕርቡ ትካላት ሓቢርኻ ብምስራሕ ፤ ኣብ ሕርሻ ትግራይ ርኡይ ግደ ንፃወት።🙏

AFD - Alaje Farmers Development Center
ኣላጀ ሚድያ Alaje Media
Senait Gebru

07/11/2025

ኣብ ትግራይና ፤ "ቐውዒ" ወቕቲ ኣይኮነን ህላወ 'ዩ።

Farmers Need Peace to Feed Us All🕊
AFD - Alaje Farmers Development Center
ኣላጀ ሚድያ Alaje Media

ወርሒ ጥቅምቲ . . .         ዓማውቲ ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንትንዕዘብ ወርሐ-ጥቅምት ፣ወቕቲ ምዕፃድን ምእካብ ዝራእትን ጨና ሰላም ዝሃፈሉ ወቕቲ ምኳኑ ንኹላትና ከተሓሳስበና ዝግባእ ...
07/11/2025

ወርሒ ጥቅምቲ . . .

ዓማውቲ ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንትንዕዘብ ወርሐ-ጥቅምት ፣ወቕቲ ምዕፃድን ምእካብ ዝራእትን ጨና ሰላም ዝሃፈሉ ወቕቲ ምኳኑ ንኹላትና ከተሓሳስበና ዝግባእ ጉዳይ'ዩ።😌

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣዋርሕ እናተፈራረቑ ብናይ ሰብ ሰራሕን ተፈጥሮኣውን ፀገማት ፤ ህዝቢ ትግራይ ናይ ጥምየት ሕቶ ኣብ ዘልዕለሉን ብጥምየት ኣብ ዝሃልቐሉን ዘሎ እዋን ፤ እኽልኻ ብውነ ምእካብ 'ቲ ዝዓበየ ዕማም 'ዩ።🌾
ንሓረስታይ እሞ ድማ ንናይ ትግራይ ሓረስታይ 'ታ ፈላመይቲ ዝናብ ንዕኡ ሰላም'ያ ፤ 'ታ ፈላመይቲ ማሕረስን ዘርእን ንዕኡ ሰላም'ያ ፤ ታ ሓቀኛ ድኹዒ ንዕኡ ሰላም'ያ ፤ 'ታ ፈላመይቲ ኹምሪ ንዕኡ ሰላም'ያ ፤ ታ ፈላመይቲ ኹንታል እኽሊ ንዕኡ ሰላም 'ያ ፤ ታ ፈላመይቲ ኹላሶ ንዕኡ ሰላም'ያ።🕊
ሕርያና ሰላም ገይርና እኽልና ንኣክብ ፤ ተኾይኑ ብናዕቢ ፣ ተዘይኾይኑ ብ ጥምየት ዝብል ኣብ ትልሚ ህልቀትና ኣይንሸኸል።

ከም ኣላጀ ማእኸል ዕብየት ሓረስቶት AFD - Alaje Farmers Development Center . . .
🚶ጉዕዞና ጉዕዞ ምዕራፍ ሓረስታይ'ዩ ፤ ጉዕዞና ጉዕዞ ምቑጣብ ጉልበት'ዩ ፤ ጉዕዞና ጉዕዞ ምዝማን ሕርሻ ትግራይ'ዩ ፤ ሕርሻ ትግራይ ምስ ዝዝምን ግዜናን ጉልበትናን ምስ እንቑጥብ ፤ ብኽነት እኽሊ ምስ እንቕንስ ቀስ ብቐስ ተፈታዊ ዓውዲ ኣብ ትግራይ ሕርሻ ንገብሮ ፤ ውፅኢት ሕርሻ ድማ ምዕንጋልን ምዕባይን'ዩ።
ተዓንጊልና ንዕበ!📈

ሓቢርኹምና ዕፀዱ ፤ ሓቢርኹምና እኽሊ ኣክቡ።
Senait Gebru
ኣላጀ ሚድያ Alaje Media

 #ውዕሎና ኣብ ዓውዲ🌾 ጉዕዞ ሕርሻ ትግራይ ኣብ ምዝማን. . .
05/11/2025

#ውዕሎና ኣብ ዓውዲ🌾

ጉዕዞ ሕርሻ ትግራይ ኣብ ምዝማን. . .

ወፍሪ ዓፂድ እንደርታ🌾ስቕ ኣብዘይብሃለሉ ዛዕባ ስቕ እንተኢልና ፤ ብስቕታ ዘይሓልፈና ጥምየት ዋጋ ከየኽፍለና እኽልና ንኣክብ።ኣብ ምእካብ ዝራእቲ ትግራይ  ክትሕግዙ ንእትደልዩ ፦Alaje Fa...
03/11/2025

ወፍሪ ዓፂድ እንደርታ🌾

ስቕ ኣብዘይብሃለሉ ዛዕባ ስቕ እንተኢልና ፤ ብስቕታ ዘይሓልፈና ጥምየት ዋጋ ከየኽፍለና እኽልና ንኣክብ።

ኣብ ምእካብ ዝራእቲ ትግራይ ክትሕግዙ ንእትደልዩ ፦
Alaje Farmers Development Center
👉ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 1000685803635
👉ባንኪ ኣንበሳ 00113097840
👉ባንኪ ወጋገን 1107827410401

03/11/2025

ንፅፅር መፅፀዲ ማሽን . . .

AFD - Alaje Farmers Development Center

ኣብ ምእካብ ዝራእቲ ትግራይ ክትሕግዙ ንእትደልዩ ፦
Alaje Farmers Development Center
👉ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 1000685803635
👉ባንኪ ኣንበሳ 00113097840
👉ባንኪ ወጋገን 1107827410401

01/11/2025

ወፍሪ ምእካብ ዝራእቲ ትግራይ 🌾

ኣብ ሕድሕድ ስራሕትናን ቓልስናን ሓደ ስድሪ ንቕድሚት . . .📈 AFD - Alaje Farmers Development Center

ኣብ ምእካብ ዝራእቲ ትግራይ ክትሕግዙ ንእትደልዩ ፦
Alaje Farmers Development Center
👉ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 1000685803635
👉ባንኪ ኣንበሳ 00113097840
👉ባንኪ ወጋገን 1107827410401

31/10/2025

AFD - Alaje Farmers Development Center Takes First Step in Modern, Weather-Smart Harvest Support Tigray,Hawzen.🌾
Timely mechanized action marks the beginning of a new era of efficient and climate-aware farming support.

Alaje Farmers Development Center has launched its first practical field support across Tigray, helping farmers harvest on time before rain could damage their crops.

Based on meteorological forecasts, the Center deployed mechanized harvesting machines and field teams to assist farmers in critical moments , a move that protected their produce from loss and saved valuable time and effort.

This first operation is just the start. The Center plans to expand its support to more areas, combining modern mechanization, water management, and weather-based planning to strengthen farming resilience across the region.
ኣላጀ ሚድያ Alaje Media
Senait Gebru

ውዕሎ - ተካ ተስፋይ🌾ተሳትፎ ምእካብ ዝራእቲ ትግራይ!ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቑጠባ ፃዕዳ እምባ ምስ ኣርሚ 92 ኮር 2 ሶሎዳ ክፍለሰራዊት ኣብ 14 ስድራ ስውኣትን ዓቕሚ ዘይብሎምን ሓረስቶት ዝነ...
30/10/2025

ውዕሎ - ተካ ተስፋይ🌾
ተሳትፎ ምእካብ ዝራእቲ ትግራይ!

ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቑጠባ ፃዕዳ እምባ ምስ ኣርሚ 92 ኮር 2 ሶሎዳ ክፍለሰራዊት ኣብ 14 ስድራ ስውኣትን ዓቕሚ ዘይብሎምን ሓረስቶት ዝነበረ ወፍሪ !

19/02/2018!

ንቐፅል . . .
AFD - Alaje Farmers Development Center

ውዕሎ-ሓውዜን🌾7 ሓይሊ ሰብ ጥራሕ ዘሳተፈ ውዕሎ ሓውዜን ካብ ካልኦት ወፍርታት ፍልይ ዝበለ ወፍሪ ነይሩ ፤ ብፍላይ ሎሚ ዓመት!ዓሚን ቕድሚ ዓምን ብዙሕ ሓይሊ ሰብ ኣዋፊርና ፣ ካብ ናብ ቦታታ...
29/10/2025

ውዕሎ-ሓውዜን🌾

7 ሓይሊ ሰብ ጥራሕ ዘሳተፈ ውዕሎ ሓውዜን ካብ ካልኦት ወፍርታት ፍልይ ዝበለ ወፍሪ ነይሩ ፤ ብፍላይ ሎሚ ዓመት!

ዓሚን ቕድሚ ዓምን ብዙሕ ሓይሊ ሰብ ኣዋፊርና ፣ ካብ ናብ ቦታታት ኣጎዓዒዝና ዘካየድናዮ ዕውታት ወፍሪ ነይሮም ፤ ናይ ሎሚ ዓመት ድማ ከም መፈለምታ ኣዝዩ ዝበለፀ ወፍሪ።

ወፍሪ ምእካብ ዝራእቲ 2017/18 ፤ ብምትሕብባር ኣላጀ ማእኸል ዕብየት ሓረስቶት AFD - Alaje Farmers Development Center ምስ ምምሕዳር ወረዳ ሓውዜን ዝተሳለጠ ወፍሪ 'ዩ ነይሩ። ብ ኣላጀ ማእኸል ዕብየት ሓረስቶት ቕድሚ ሒደት መዓልቲ ናይ "ተሓንገጥቲ ዓፀድቲ ማሽን "ብቑዕ ስልጠና ዝወሰዱ (ማሕበር ደቂ ስውኣት) 7 መናእሰይ ምስ 6 " ተሓንገጥቲ ዓፀድቲ ማሽን " ካብ መኣዲ ኽልተ ኣውላዕሎ ዩ/ሕ/ስ/ማ ዝተረኸባ ዓፀድቲ ብምሓዝ ኣብ ወረዳ ሓውዜን ፈላማይ ወፍሪ ተኻይዱ 'ዩ ፤ እዙይ ወፍሪ 'ዚ 7 ሓይሊ ሰብ ጥራይ ዘዋፈረ ወፍሪ እንትኸውን ፤ ስድራ ሰብ ግራት ድማ ኣብ ምእካብ ዕፁድ ተሳትፎ ገይሮም'ዮም።

ናይዚ ወፍሪ ምእካብ ዝራእቲ ትግራይ ብዋናነት ዕላምኡ ፤ እኽሊ ኣብ ሰዓቱ ክዕፀድን ክሕፈስን ስለዘለዎ እንትኸውን ፤ ንዙይ ድማ ብግዜ ፣ ጉልበት ፣ ገንዘብ ወፃእን ብኽነት እኽልን ክቕንስ ዝኽእል ቴክኖሎጂ ምትእትታው ጎናጎኒ ዝኸይድ ዋኒን'ዩ።
ኣላጀ ማእኸል ዕብየት ሓረስቶት ብዋናነት ኣብ ማይን መካናይዜሽንን ኣድሂቡ ዝንቀሳቐስ እንትኸውን ፤ ኣብ ጉዳይ Emergency ውን ይነጥፍ 'ዩ ፤ ነዙይ ውን ተግባራዊ ንምግባር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝርራብ ዋላ ነቲ ናይ ህፁፅ ጉዳይ ውን ብዝዘመነ መልክዑ ክፍታሕ ኣብ ምግባር ግድኡ ክዋፃእ ዝተጣየሸ ዘይመንግስታዊ ትካል'ዩ። ነዙይ ውን ኣሃዱ ኢሉ ናይ ሎሚ ዓመት መፈለምታ ወፍሪ ምእካብ ዝራእቲ ትግራይ ኣብ ወረዳ ሓውዜን ብ ዓፀድቲ ማሽን ከሳልጥ ውዒሉ'ዩ ።

ኣብ ኸይዲ እዘን ዓፀድቲ ማሽን ከም ኣላጀ ማእኸል ዕብየት ሓረስቶት ፤ ናይ ባዕሉ ክህልዎን ናብ ሓረስቶት ድማ እናዘረ ከላምድን መርኣያ ክገብርን ዝኽእልለሉ ዕድል ኣብ ምፍጣር ናይ ኹላትና ግደን ትግሃትን ከምዘድሊ እናሓበርኹ ፤ ኣብ ምዝማን ሕርሻ ትግራይ ኹላትና ዓሸራና ክነንብር ድማ መልእኽተይ'ዩ።
ኣላጀ ሚድያ Alaje Media
Senait Gebru
ኣብ ምእካብ ዝራእቲ ትግራይ ክትሕግዙ ንእትደልዩ ፦
Alaje Farmers Development Center
👉ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 1000685803635
👉ባንኪ ኣንበሳ 00113097840
👉ባንኪ ወጋገን 1107827410401

Address

Tigray
Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when AFD - Alaje Farmers Development Center posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to AFD - Alaje Farmers Development Center:

Share