28/03/2023
ምሕዳስ ፍቓድ ንግዲ ኣብ ትግራይ
----
ኩሉ ነጋዳይ ትግራይ ክሳብ መፃኢ ሰነ 30/ 2015 ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ክፍሊት ብናፃ ዝነበሮ ፍቓድ ንግዲ ከሐድስን ሓዱሽ ፍቓድ ንግዲ ከዉፅእን ከም ዝኽእል ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ ኣፍሊጡ ።
ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ዝተፍላለዩ ከበቢታት ትግራይ ዝተመዛበሉ ነጋዶ ድማ ናይ ከባቢኦም ምምሕዳር ኣብ ዝርከበሉ ከተማታትን ወረዳታትን ተረኺቦም ፍቓድ ንግዶም ምሕዳስ ከም ዝኽእሉ ሓላፊ ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ ኣይተ ገ/መስቀል ታረቀ ሓቢሮም።
ፍቓድ ንግዶም ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝጠፈኦም ነጋዶ ድማ ምስ ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ምምሕዳር ብምርድዳእ ከሐድሱን ከውፅኡን ከም ዝኽእሉ ተገሊፁ።
#ክብሮም ተስፋይ
____________
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ !!!
____________
Facebook: https://www.facebook.com/MorningTigray/
Telegram: https://t.me/morningtigray