Tigray Tribune

Tigray Tribune Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Tigray Tribune, Media/News Company, East Africa/Mekelle, Mekelle.
(2)

ጥምረቱ በፍቅር ጎዳና ላይ ነው‼️የፅምዶ ሰራዊት የህዝቡን ደህንነትና መብት ለማስከበር በፅኑ መሰረት ላይ የቆመ፣ የጠላትን ተንኮልና ሴራ በወታደራዊ የበላይነት ያመከነ ለመላ  ህዝብ አለኝታና...
15/08/2026

ጥምረቱ በፍቅር ጎዳና ላይ ነው‼️

የፅምዶ ሰራዊት የህዝቡን ደህንነትና መብት ለማስከበር በፅኑ መሰረት ላይ የቆመ፣ የጠላትን ተንኮልና ሴራ በወታደራዊ የበላይነት ያመከነ ለመላ ህዝብ አለኝታና ጋሻ ነው።

በከፍተኛ ወታደራዊ ሳይንስ፣ በዲሲፕሊንና በአስተማማኝ የውጊያ ቁመና ላይ የሚገኘው የፅምዶ ሰራዊታችን፣ በማንኛውም ምቹና ፈታኝ ሁኔታዎች ውስጥ የተሰጠውን ግዳጅ በላቀ ብቃት የመፈፀም ሙሉ አቅምና ዝግጁነት ይገኛል ። ሁልጊዜም ለሰላም ዝግጁ፣ ለጥቃት ደግሞ የማይበገር የአሸናፊነት መንፈስን የታጠቀው የፅምዶ ሰራዊታችን የህዝብ ዘላቂ ሰላም በልበ-ሙሉነትና በአስተማማኝነት ያረጋግጣል።

ድል ለጥምረት ኃይሉ‼️

15/08/2026

#ሸልሙለይ💪

✍️ህላወ ትግራይ ኣብ መቓብር ስርዓት ብልፅግናን ሓሻኽሮምን!

15/08/2026

#ድል ለጥምረት ሀይሎች ‼️

#ዓወት ንሓይልታት ነፃነት!
#ዓወት ንህዝብታት !

🔴ኣብ ኩሉ ከባቢ ተጠናኺሩ ይቐፅል‼️ኣብ ወረዳ ራማ ዓዲ 4+ ጣብያ_ማይ_ወዲ_ዓምበራይ  ብናይ ፀፅታ ኣካላት ፖሊስን ምልሻን ምስ ሕ/ሰብ ብምውዳድ ብዝተገበረ ፅንዓትን ተፍትሽን ኣብቲ ከባቢ ...
15/08/2026

🔴ኣብ ኩሉ ከባቢ ተጠናኺሩ ይቐፅል‼️

ኣብ ወረዳ ራማ ዓዲ 4+ ጣብያ_ማይ_ወዲ_ዓምበራይ ብናይ ፀፅታ ኣካላት ፖሊስን ምልሻን ምስ ሕ/ሰብ ብምውዳድ ብዝተገበረ ፅንዓትን ተፍትሽን ኣብቲ ከባቢ ዝተፈላለየ ገበን ከትርን ሽፍቶነትን ዝፍፀመሎም ዝነበረን ንሕ/ሰብን መንግስትን ስግኣት ዝኾኑ ዘያሕጋዊ ኣፅዋራት ካብ ዝናኣሰ ክሳብ ዝዓበየ ኣፅዋራት ኢድ ብኢድ ን ብተፍትሽን ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ዊዒሎም ኣለው ።

15/08/2026

🔴ሓበሬታ‼️
#ሎሚ ነሓሰ 9/2018 ዓ.ም ካብ ባህርዳር ናይ ድሮን ናቑጣታት ዝተበገሳ ብልፅግና ድሮናት ኣብ ከባቢታት ኣላማጣ ፣ወጀራት፣ ዛታን ኸባቢኡን ይዝንብያ ስለዘለዋ ልዑል ጥንቃቐ ክግበር🔊

 ‼***************************** #ዝኾነ ይኹን ነገር ክትሓስብ፣ክተሰጉም እንተኾንኻ ህዝቢ ሒዝኻን ንህዝቢ ኣቐዲምኻን ምኻኑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ‼ #እዚ ከምዚ እናሃለወ ብተ...
15/08/2026


*****************************

#ዝኾነ ይኹን ነገር ክትሓስብ፣ክተሰጉም እንተኾንኻ ህዝቢ ሒዝኻን ንህዝቢ ኣቐዲምኻን ምኻኑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ‼

#እዚ ከምዚ እናሃለወ ብተለምዶ ምቾት ተፈናቀልቲ ኢልና ንፈልጦም ኣባላት ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት/ናይ ኣብይ ተጋሩ ንዘለዎም ህረፍ ስልጣንን ቂ*ምን ፅል*እን ንምውፃእ ኩሉ ግዜ ህዝቢ ዒላማ ገይሮም፣ንሕና ኢና ንፈልጠልኻ፣ንሕና ኢና ዲሞክራሲያዊያን እዮም እናበሉ ዝንቀሳቀሱን፤ምስ ፀ*ላ*ኢ ሓቢሮም ዝሰርሑን‼

#ኮይኑ ግና ብተግባር ዝረአ ዘሎ ሓቂ ውን እንተሪእና ምስ ጀኖ*ሳይ*ደር ስርዓት ብልፅግና ብምስላፍ ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ዘቅነዐ ኩሉ ፃውዒት እናገበሩን፣እናሓሸውን ዒላማ እናገበሩን ህዝቢ ትግራይ ክፀ*ንት ብትኹረት ይሰርሑ እዮም ዝሰርሑ ዘለው‼

#ነዚ ከም ኣብነት እኳ እንተሪእና ብዝርዝር ንምግላፅ ዝኣክል እዞም ዝስዕቡ ምባል ይከኣል‼

#1.ተደጋጋሚ ፃውዒት ወታደራዊ ስጉምቲ ውሰደልና፣መፂእኻ ው*ግ እ ኽፈተልና ክብሉ ተሰሚዖም እዮም‼

#2.ህዝቢ ትግራይ ተመዛቢሉ መሬቱ ተመንጢሉ፣ጀኖ*ሳይ*ደር ስርዓት ፒፒ ብዲሞግራፍን ብጂኦግራፊን ቆሪንኻ ንም*ጥፋ*እ መሬት ዘመሓደረ የማሓድሮ፣መከራኸሪ ቦታ፣ብሪፊረንደም ይምለስ ዝብሉ ሓሳባት ምስጓሞም‼

#3.ተደጋጋሚ ስጉምቲ ወሰደልና ኣብ ልዕሊ ትግራይ፣ስጉምቲ ምስ ወሰድኻልና፤ስልጣንና ምለሰልና፣ሓዚልኻ ናብ ትግራይ ኣእትወና እሞ ናይ ትግራይ ሕቶ ህዝቢን ሕቶ ተመዛበልቲ ብድሕሪኡ ተዛቲኻ ይምለስ ብምባል ነቲ ክንመርሐካ ዝብልዎ ህዝቦም ምኽሓድ‼

#4.ተደጋጋሚ ፃውዒት ዕፅዋ፣ብግልፂ ኣብ ኣደባባይ ናይ መምህራንን ሓካይምን ደመወዝ ክኽፈል የብሉን፣ነዳዲ ናብ ትግራይ ክኣቱ የብሉን፣ካሽን ባንኪን ክህሉ የብሉን፣ህዝቢ በጀቱ ክዋሃቦ የብሉን፣ናብ ትግራይ መድሓኒት ክኣቱ የብሉን ዝበሉ ንህዝቢ ትግራይ ብኹሉ ኣዳኺምኻ፣ ክፀ*ንት ምስ ፀ*ላ*ኢ ተሰሊፎም ምስርሖም፣

#5.ንመንእሰይ ትግራይ ናተይ ኣብ ዝብላ ዓዲ ከይቃለስን ዓዱ ከይነብርን ብሓሾት ፕሮፓጋንዳ ክስደትን ተስፋ ቆሪፁ ክበታተን ብኣቃልቦን ብትኹረት ይሰርሑ ምህላዎም‼

#6.መኸተ ህዝቡን መድሕን ፅንተት ዝኾነ ሰራዊት ትግራይ ክበታተን፣ብፀ*ላ*ኢ ዒላማ ተገይሩ ክው*ቃዕን ብም*ግዳሉ ክሳ*ቀቅን ማእለያ ዘይብሉ በጀት መዲብኻ ክብተን ብዕቱብ ልእኽቶ ጀኖ*ሳይ*ደር ፒፒ ተቀቢሎም ምስርሖምን ዝብሉ ካልኦት እዮም‼

#ብሓፈሻ እንትረአ እዞም ኩሎም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ሰሪሕኻ፣ምስ ፀ*ላኢ ወጊንኻ፣መሰረተ ልምዓቱ ኣዕ*ኒኻ ብኹለመዳይ ኣዳኺምኻ ክፀ*ንት ድሕሪ ምግባር ንመን ከመሓድሩ እዮም ዝደልዩ?መን እዩ ስልጣኖም ከፅነዐሎም ዝደልዩ ክርደአና እኳ ተዘይከኣለ፣ከዳሚ፣ዕሱብ ንግዚኡ ንቅድሚቱ ዝረኽቦን ዝበልዖን እምበር ንቀፃሊ ታይኾን ኢሉ ክሓስብ ከምዘይኽእል ካብ ናይ ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት/ናይ ኣብይ ተጋሩ ብተግባር ምምሃርን ምርኣይን ይከኣል እዩ‼




#09/12/2018ዓ.ም
ራማ ዓዲ ኣርባዕተ

 #ተጋዳላይና ነሐክሞ‼️🔴ተጋዳላይ ዮርዳኖስ ኣብርሃ ዳርጋ‼️ትማሊ ዋሕስ ህልውናና ዘረጋገፀ ነድሕኖ ሓቦ ሕራነ ጅግንነት ዘቅሰመ ጅግና ወዲ ህዝቢ ተምሳሌት ሕራነን ፅንዓትን ሰራዊት ተጋዳላይ ...
15/08/2026

#ተጋዳላይና ነሐክሞ‼️

🔴ተጋዳላይ ዮርዳኖስ ኣብርሃ ዳርጋ‼️

ትማሊ ዋሕስ ህልውናና ዘረጋገፀ ነድሕኖ ሓቦ ሕራነ ጅግንነት ዘቅሰመ ጅግና ወዲ ህዝቢ ተምሳሌት ሕራነን ፅንዓትን ሰራዊት ተጋዳላይ ዮርዳኖስ ኣብርሃ ኣብ ከቢድ ሕማም ከምዝርከብን ሓገዝ ኹሉ ትግራዋይ ከምዝጠልብን ሎሚ ቕነ ኣብዚ ማሕበራዊ ሚድያ ተደጋጊሙ ዝተወዘዐ እዩ። ነዚ ድማ ኹሉ ግዱስ ትግራዋይ ተረባሪቡ ብምሕጋዝ ሕክምና ክረክብ ክንድግፎ ይግባእ።

ኣብ ውጉኣት ተጋደልቲ ትግራይ ምሕካም ትሳተፉ ዝነበርኩም ኩልኹም ግዱሳት ወገናት ነዚ ጅግና ተጋዳላይ እውን ሓገዝ ኹሉ ትግራዋይ ክረክብ ብዝከኣለኩም ኹሉ ፃዕርኹም ክተበርትዑ ንፅውዕ ክብሉ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ሪኢትኦም የቕምጡ።

🔴ኩሎም ጉዱኣት ተጋደልቲ ትግራይ ብዘላቒ ክሕከሙ ግደ ኹሉ ትግራዋይ ስለዝኾነ ንተጋዳላይ ዮርዳኖስ ክትሕግዙ እትደልዩ👇👇👇

ባንኪ ቁፅሪ ሒሳብ
ንግዲ ባንኪ CBE: 1000537052213 ዮርዳኖስ ኣብርሃ
☎️ 0909181758 ዮርዳኖስ ብምባል ክትረኽብዎ ከምትኽእሉ ንሕብር‼️

14/08/2026

#ሓበሬታ‼️
🔴ስርዓት ብልፅግና መቐፅልታ ናይቲ ዘካይዶ ዘሎ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ሐዚ እውን ካብ ባህርዳርን ሰመራን ናይ ድሮን ናቑጣታት እናተልዓላ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ የዘንብያ ንዘለዋ #ድሮናት ናይቲ ጀኖሳይደር ስርዓት ልዑል ጥንቃቐ ክግበር ይግባእ‼️

🔴ሐዚ እውን ልዑል ጥንቃቐ‼️

#ምቕባር ስርዓት ብልፅግና ምርግጋፅ ህላወ ህዝቢ ትግራይን ደለይቲ ሰላምን ውሕስነትን ሓይልታት!

Tigray Tribune

ፃውዒት ህዝብን መንግስቲ ትግራይን !! ኣብ ደንበ  ፀላኢ ኣቲዎም ብዕጥቅን ብፖለቲካን ፀረ ህዝቢ ትግራይን ትግራዋይነትን ዝተሰለፉ ተጋሩ፣ ንዝሓልፍ ግዘ ዘይሓልፍ ፀሊም ታሪኽ ክሕደት ገዲፎም...
14/08/2026

ፃውዒት ህዝብን መንግስቲ ትግራይን !!

ኣብ ደንበ ፀላኢ ኣቲዎም ብዕጥቅን ብፖለቲካን ፀረ ህዝቢ ትግራይን ትግራዋይነትን ዝተሰለፉ ተጋሩ፣ ንዝሓልፍ ግዘ ዘይሓልፍ ፀሊም ታሪኽ ክሕደት ገዲፎም ካብ ዝሓልፉ ፃውዒት መንግስቲ ትግራይ ተቐቢሎም ናብ ህዝቦምን ዓዶምን ክምለሱ ኣመራርሓ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ፀዊዖም።

ዕጥቂ ሒዞም ኣብ ጎድኒ ፀላኢ ዝተሰለፉ ወገናት ናብ ህዝቦም ክምለሱ'በር ኣብ ዘይምልከቶም ሓዊ ክጥበሱ ከምዘይብሎም'ዮም እቶም ኣመራርሓ ምስ ድ.ወ.ት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ዝገለፁ።

ሓላፊ ዘፈር ሰላምን ፀጥታን ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ዘሚካኤል ተወልደመድህን፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይምፍለጥ ተደናጊሮም ኣንፃር መኸተ ትግራይ ምስ ፀላኢ ዝተሰለፉ ዕጡቓት ተጋሩ ናብ ዓዶም ኣትዮም ምስ ኣሕዋቶም ኾይኖም ንጄኖሳይደር ስርዓት ብልፅግና ንምጥፋእ ክስለፉ ፀዊዖም።

ህዝቢ ትግራይን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብዘቕረቦ ፃውዒትን ናብ ተግባር ብዘሰጋገሮ መስርሕን መሰረት ከም ዞባ ብርክት ዝበሉ ወገናት ምምላሶምን ዝተረፉ'ውን ናብ ዓዶም ተመሊሶም ናይቲ ዕድል ተጠቀምቲ ክኾኑን ተላብዮም።

ከንቲባ ከተማ ዓዲ ጉደም ተጋደላይ ጊደና ደስታ ብወገኑ፥ ከጥፍአና ቆሪፁ ንዝተልዓለ ፀላኢ ንኸይንጠፍእን ንኽንህልውን ሓድነትና ኣስጢምና ዓቕምታት መኸተና ኣዋዲድና ፣ ደጀንን ግንባርን ኣተኣሳሲርና ብፅንዓት ክንቃለስን ክንዕወትን ኢና ኢሉ።

ምስ ሓይልታት ፀረ መኸተ ትግራይ ዕጥቂ ሒዞም ዝርከቡ ተጋሩ ብሰላማዊ መንገዲ ናብ ንቡር ሂወቶም ተመሊሶም መነባብሮኦም ብኣግባቡ ክመርሑን ኣብ ትግራይ ኮይኖም ህልውናን ድሕንነትን ህዝቦም ከረጋግፁን ብምፅዋዕ ከም ምምሕዳር'ውን ነዚ ተረዲኡ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

ምክትል ኣመሓዳርን ሓላፊ ዘፈር ቁጠባን ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ተጋደላይ ሃይለስላሴ ገብረስላሴ፥ ህልውናና ኣብ መቓብር ጄኖሳይደር ስርዓት ብልፅግና ከምዝረጋገፅ ደምዲምና ዓብዪ መደብ መኸተና ሰራዊት ትግራይ ብሓይሊሰብ፣ ብዕጥቅን ስንቅን ንምጥንኻር ወፊርና ኢና ኢሎም።

እዚ መኸተ ናይ ተጋሩ መኸተ'ዩ፤ ንምርግጋፅ ሉኣላውነትን ዝተማልአ መሰል ዓርሰ-ውሳነን ኣብ ዝገበር ቃልሲ ዝኾነ ይኹን ፀፀር ንዝድርቢ ሓይሊ በርና ክፉት'ዩ ኢሎም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ተጋደላይ ከላሊ ሓጋዚ፥ ብሽም ሓራ መሬት አብ መሬት ዓፋርን ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ዘለው ዕጡቓት ብታሪኽ ከይሕተቱ፣ መፃወቲ ጄኖሳይደር ስርዓት ብልፅግና ከይኾኑ ፃውዒት መንግስቲ ትግራይ ተቐቢሎም ዓዶም ንኽኣትው መልአኽቶም ኣመሓላሊፎም እዮም።

እቶም ኣመራርሓ ወሲኾም፡ ብደብዳብ ድሮን ብሞትን መቑሰልትን ህዝቢ ትግራይ ዝሕጎሱ፣ ከበሮ ሓምሓም ዝወቕዑን ሓበሬታ ንፀላኢ ዘቐብሉን ተጋሩ ካብ ጄኖሳይዳውያን ፀላእቲ ፈሊና ኣይንርእዮምን ብምባል ካብ ተሓታትነት ከምዘየምልጡ ኣጠንቂቖም።

ተጋሩ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ሰላምን ፀጥታን ዝዘርጉ ወገናት ካብ እከይ ተግባሮም ክቑጠቡ ዘተሓሳሰቡ እቶም ኣመራርሓ፡ ልኡኽቶ ፀላኢ ተሸኪሞም ኣብ ውሽጢ ኾይኖም ሰላምን ሓድነትን ህዝቢ ንዝዘርጉ ውልቀሰባት ህዝቢ ከቃልዖም ኣምሪሩ ክቃለሶምን ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝውሰደሎምን ገሊፆም።

# ገብሩ ተኽላይ

Address

East Africa/Mekelle
Mekelle
7000

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray Tribune posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share