Tigray Tribune

Tigray Tribune Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Tigray Tribune, Media/News Company, East Africa/Mekelle, Mekelle.

"ዘተ መዳርግቲ ኣካላት ንሓድነትን ህንፀት ሰላምን"  ኣብ ፕላኔት ሆቴል ይካየድ ኣሎ።  ሎሚ ዕለት 15 መስከረም 2018 ዓ/ም ኣብ ፕላኔት ሆቴል "ዘተ መዳርግቲ ኣካላት ንሓድነትን ህንፀት ...
25/09/2025

"ዘተ መዳርግቲ ኣካላት ንሓድነትን ህንፀት ሰላምን" ኣብ ፕላኔት ሆቴል ይካየድ ኣሎ።

ሎሚ ዕለት 15 መስከረም 2018 ዓ/ም ኣብ ፕላኔት ሆቴል "ዘተ መዳርግቲ ኣካላት ንሓድነትን ህንፀት ሰላምን" ብዝብል ርእሲ ዋዕላ ይካየድ ኣሎ።

እዚ ዘተ እዚ ኣብ ልዕሊ ውሽጣውን ፖለቲካውን ምብትታን (fragmentation) ብምዝታይ ሓበራዊ ፍታሕ ንምምፃእ ዘኽእል ናይ ሓባር ሓላፍነት ንምውሳድ ዝዓለመ እዩ።

ኣብዚ ዘተ ፅላል ሓዊሱ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ተመዛበልቲ ፣ ኣካል ጉድኣት ዝርከብዎም ዝተፈላለያ ሲቪል ማሕበራት፣ ከምኡ'ውን ኣመራርሓ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ይሳተፉ ኣለዉ። እቶም ተሳተፍቲ፡ ኣብ ወሰንቲ ዝርርብን ንትግራይ ዝጠቅም ሓባራዊ ኣንፈት ከቕምጡ ተስፋ ይግበር።

ሓደ ካብቶም ኣብቲ ዘተ ዝተላዕሉ ኣገደስቲ ነጥብታት ብዛዕባ እቲ "ብዝብኢ እናተበላዕኻ ሱቕ በል" ዝብል ዓይነት ብሂል ሕጂ ግን ብግብሪ ንርኢ ኣለና :ካብ ሕቑፊ ሓንቲ ተመዛባሊት ኣዶ ዝብኢ ህፃን መንጢሉ ዝበልዐሉ ኩነታት ኣጋጢምና ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ተመዛበልት ኣብ ከቢድ ብድሆታትን ስቓይን ዝርከቡ ወገናት ዘሎ ሓደጋ ብዕምቆት ንምርዳእ ዝሕግዝ እዩ።
ካብቶም ኣብቲ ዘተ ካብ ዝተለዓሉ ተወሰኽቲ ሓሳባት ዝቐረቡ "ሎሚ ብዕምቆት ንዘታ ፅባሕ ድማ ብትብዓት ንቃለስ" ዝብሉ ወሰንቲ ሓሳባት ተላዒሎም።

እዚ ድማ እቲ ዘተ ንነባሪ ሰላምን ሓድነትን መሰረት ዝነብር ንምዃኑ ዘርኢ እዩ። እዚ ዘተ እዚ፡ ንሓድነትን ሰላምን ትግራይ ብፍላይ ድማ ንተመዛበልቲ ወገናት ኣገዳሲ ዝኾነ መድረኽ ከም ዝኾነ ይእመን።

ፕረዝደንት ታደሰ ወረደ ኣብ ወረዳ ኢሮብ ከተማ ዓሊቴና  ምስ ወከልቲ  ህዝቢ እቲ ወረዳ ይዝትዩ ኣለው። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ኣብቲ ህዝባዊ ዘተ ካብ ዘልዐልዎም ነጥብታት፦-  -ኣብ ዓሊቴ...
25/09/2025

ፕረዝደንት ታደሰ ወረደ ኣብ ወረዳ ኢሮብ ከተማ ዓሊቴና ምስ ወከልቲ ህዝቢ እቲ ወረዳ ይዝትዩ ኣለው።
ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ኣብቲ ህዝባዊ ዘተ ካብ ዘልዐልዎም ነጥብታት፦-

-ኣብ ዓሊቴና ብ1837 ዝተሃነፀ ዘመናዊ ቤት ትምህርቲ ልደታ ማርያም ዓሊቴና ኣብ ህንፀት ሃገር ዓብይ ግደ ተፃዊቱ እዪ።

-ዘመናዊ ትምህርቲ ኣብ ትግራይ ዓሊቴና ዝተጀመረ እኳ እንተኾነ ብዘመነ ዳግማዊ ምኒሊኽ ተጀሚሩ ኢሎም እዚ ታሪኽ ዘዛብዑ ሰባት ስለ ዘለው ተመራመርቲ ታሪኽ ነዚ ኽሪእዎ ይፅውዕ

-ወረዳ ኢሮብ ኣንፃር ወፅዓታት ዝቃለሱ ዝነበሩ ውድባት ዝተመስረትሉ ታሪካዊ ኸባቢ እዪ።

-ኣብ እዋን ኢትዮ ኤርትራ ይኹን ወራር ፅንተት ብዙሓት በደላት ዝበፅሖን ሓደጋ ህልውና ክገጦሞ ዝተገብረ ህዝቢ እዪ።

-ምእንተ ህልውንኡ ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈለን ሐዚ እውን ግዳይ ብዙሓት ፀገማት ዝኾነን ብተደጋጋሚ ግዳይ ኩናት ዝኾነን ኣብ ኣፀጋሚ መልከኣ ምድራዊ ኣቀማምጣ ዘሎን ህዝቢ እዪ።

-ኣብ እዋን ዕጥቂ ቃልሲ ይኹን ኣብ ናይ ቀረባ ግዘ ወራር ፅንተት ደቁ ኣሰሊፋን "ዕጡቅ ሰንበት" ወዲቡን መኺቱ እዪ።

-ህዝቢ ትግራይ ቀደማይ ሕርዩኡ ሰላም እዪ ህዝቢ ኢሮብ እውን ዝያዳ ሰላም ይጠልብ።

-ህዝቢ ኢሮብ ኣብ ዶብ ምስ ኤርትራ ዝጎራበት ስለዝኾነ ሰለማዊ ርክብ ክህልዎ ካልእ ፀገማት ከይፍጠር ድማ ምስፌደራል ኮይንኻ ክስራሕ ይግባእ።

-ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምጥንኻር ህዝቢ ኢሮብ ዓብይ ግደ ኣለዎ።

-ህልውና ህዝቢ ኢሮብ ምውሓስ፣ምምላስ ተመዛበልቲ ወገናት ዋኒን ኹሉ ትግራዋይ ክኸውን ምግባር ወሳኒ እዩ።

-ህዝቢ ኢሮብ ልዕሊ ቁፅሩ ፅዕንቶ ፈጣሪ ዝኾነን ኣብ ዓለም ለኻዊ ትካላት ዝርከቡ ተወለድቲ ኢሮብ ምእንተ ትግራይ ዓብይ ቃልሲ ዝገብሩ ፈተውቲ ዓዶም ዘለውዎ ህዝቢ እዩ።

ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት
15 መስከረም 2018 ዓ/ም

ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ትግራይ መንግስቲ ፌደራል ውዕሊ ፕሪቶሪያ ንክፍፅም ፃውዒት ኣቕሪቡ።"መንግስቲ ፌደራል  ውዕሊ ፕሪቶርያ ብዘይምትግባሩ  ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝበፅሕ ዘሎ ጭኻነ ዝተመልኦ በ...
25/09/2025

ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ትግራይ መንግስቲ ፌደራል ውዕሊ ፕሪቶሪያ ንክፍፅም ፃውዒት ኣቕሪቡ።

"መንግስቲ ፌደራል ውዕሊ ፕሪቶርያ ብዘይምትግባሩ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝበፅሕ ዘሎ ጭኻነ ዝተመልኦ በደል ንከብቅዕን ብመሰረት ዝአተዎ ውዕል ንክፍፅምን ኣደራደርቲ ኣካላት ፀቕጢ ንክገብሩ ፃውዒትና ነቕርብ" ክብል ምምሕዳር ምዕራብ ትግራይ ኣፍሊጡ።

"ፕሪቶርያ ብዘይምትግባሩ ፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ናብ ንቡር ብዘይምምላሱ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝበፅሕ ዘሎ ጭኻነ ዝተመልኦ በደል ንከብቅዕ ንፅውዕ" ክብል ኣፍሊጡ።

ምምሕዳር ምዕራብ ትግራይ ኣብ መወዳእታ ድማ "ዝምልከተኩም ኣደራደርቲ ኣካላት ፣ መንግስቲ ፌደራል ብመሰረት ዝአተዎ ውዕል ንክፍፅም ፀቕጢ ክትገብሩ ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ትግራይ በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒትና ነቅርብ" ክብል ፃውዒቱ ኣቕሪቡ ።

ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መግለፂ ኣብ ልጣፍ ኣተሓሒዝናልኩም ኣለና።

Tigray Tribune
15 መስከረም 2018 ዓ.ም

Joint Statement on the Urgent Need to Implement the Pretoria Agreement  25 September 2025We, the undersigned organizatio...
25/09/2025

Joint Statement on the Urgent Need to Implement the Pretoria Agreement
25 September 2025

We, the undersigned organizations, express our deepest sorrow and outrage over the recent death(1) of a two-year-old boy at the Sebea Kare IDP camp, who was fatally attacked by a hyena.

This tragedy is not an isolated incident(2), but a stark reminder of the intolerable conditions in which hundreds of thousands of displaced people continue to live across Tigray. Over 760,000 people in Tigray are living in precarious conditions, with overcrowded shelters and strained services pushing the humanitarian situation to a critical point, according to the Ethiopia Emergency Shelter and NFI Cluster(3).

Families who fled war and atrocities are now enduring insecurity, hunger, trauma, and exposure to dangers that no child should ever face.

The continued suffering of civilians is a direct consequence of the stalled implementation of the Pretoria Agreement. Without urgent and full enforcement, including restoration of security, access to humanitarian aid, and the safe return of displaced communities, the lives of innocent children, women, and men will remain at grave risk.

We call upon all parties, as well as the international community, to:
1. Urgently implement the Pretoria Agreement in good faith and without delay.
2. Ensure protection and dignified living conditions for displaced populations, including fencing, lighting, and security at IDP camps.
3. Guarantee sustained humanitarian access so that food, shelter, and health care reach all affected communities.
4. Prioritize accountability and justice for the war’s survivors, in line with international human rights standards.

The death of a child in an IDP camp should never be acceptable. The people of Tigray cannot wait any longer. Implementation of the Pretoria Agreement is not only a legal obligation; it is a moral imperative.

Signed,
Voice for Democracy and Social Justice Human Rights First
Solidarity of Tigrians

ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ በዓል መስቀል 2018 ዓ.ም  ምኽንያት ብምግባር ኣብ ወረዳ ኢሮፕ  ተረኺቦም ምስ ህዝቢ ንምዝታይን ዑደት ንምስላጥ ናብ ኸተማ ዓሊተና...
25/09/2025

ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ በዓል መስቀል 2018 ዓ.ም ምኽንያት ብምግባር ኣብ ወረዳ ኢሮፕ ተረኺቦም ምስ ህዝቢ ንምዝታይን ዑደት ንምስላጥ ናብ ኸተማ ዓሊተና እንትኣትው ብህዝቢ እቲ ኸባቢ ድሙቅ ኣቀባብላ ተጌሩሎም።

ፕረዝደንት ታደሰ ኣብ 1837ዓ.ም ዝተሃነፀን ቡዙሓት ሙሁራን ኸምዘፍረየን ዝዝረበሉ ካልኣይ ብርኺ ቤት ት/ቲ ልደታ ማርያም ዑደት ኣሳሊጦም።

ቤት ፅሕፈት ፕረዝደንት
15 መስከረም 2018 ዓ.ም

🔴ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣትዩ‼️ሎሚ ዕለት 15/01/2018 ዓ/ም እዚ አብ ምስሊ ትርኢዎ ዘለኹም ሌባ አብ ውሽጢ ዓዲግራት ዩኒቨርስቲ ሆስፒታል ካብ ተገልገልቲ ሞባይል ሰሪቁ ከምልጥ ብ ናይ ሆስ...
25/09/2025

🔴ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣትዩ‼️

ሎሚ ዕለት 15/01/2018 ዓ/ም እዚ አብ ምስሊ ትርኢዎ ዘለኹም ሌባ አብ ውሽጢ ዓዲግራት ዩኒቨርስቲ ሆስፒታል ካብ ተገልገልቲ ሞባይል ሰሪቁ ከምልጥ ብ ናይ ሆስፒታል ፅጥታ አካላት አብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሉ ።

Tigray Tribune

ጉዳይ ቅትለት ሙሉብርሃን መኮነን ወሌገርግስ ዝርእይ ዘሎ ወረዳ ቤትፍርዲ ክ/ከተማ ሰሜን ብዕለት 14/01/2017 ዓ.ም  ኣብ ዝወዓለ መጋብኣያ ቤት ፍርዲ ዝተመሓየሸ ክሲ ካብ ዓ/ሕጊ ድሕሪ ...
25/09/2025

ጉዳይ ቅትለት ሙሉብርሃን መኮነን ወሌገርግስ ዝርእይ ዘሎ ወረዳ ቤትፍርዲ ክ/ከተማ ሰሜን ብዕለት 14/01/2017 ዓ.ም ኣብ ዝወዓለ መጋብኣያ ቤት ፍርዲ ዝተመሓየሸ ክሲ ካብ ዓ/ሕጊ ድሕሪ ምቕባሉ ክሲ ንምስማዕ ተለዋጢ ቖፀሮ ንዕለት 05/02/2018 ዓ.ም ሰዓት 4:00 ተዋሂቡ ኣሎ።

ንእስቲ ሙሉ ብርሃን መኮነን ካብ ትቕተል ልዕሊ 2 ዓመት ከምዘቑፀረት ይፍለጥ። ኣብ ጉዳይ ቅትለት ሙሉብርሃን ክሲ ቀሪብሉ ዘሎ ተኸሳሲ ያሬድ ገብረስላሰ ብቕትለት ዘዉዱ ሃፍቱ ናይ ዕድመ ልክዕ ቅፅዓት ከምዝተወሰነሉ ዝዝከር እዩ።


#ይኾኖ

25/09/2025

➲ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ኣዲስ ኣድማስ ትማሊ 14 መስከረም 2018 ዓ/ም ኣብ ፌስቡክ ፔጆም ንትግራይ ዝምልከት ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ ንክእርሞ ፀዊዑ።

Tigray Tribune

🔴ካብ ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ‼️Tigray Tribune
25/09/2025

🔴ካብ ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ‼️

Tigray Tribune

ካብ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ዝተውሃበ ሓበሬታኣዲስ ኣድማስ ትማሊ 14 መስከረም 2018 ዓ/ም ኣብ ፌስቡክ ፔጆም ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ፣ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ብ13 መስከ...
25/09/2025

ካብ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ዝተውሃበ ሓበሬታ

ኣዲስ ኣድማስ ትማሊ 14 መስከረም 2018 ዓ/ም ኣብ ፌስቡክ ፔጆም ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ፣ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ብ13 መስከረም 2018 ዓ/ም ምስ ሓላፊት ትካል ስደተኛታት ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኣቢባትዩ ዌን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ኣብ ዝተዘራረብሉ እዋን ፌዴራል መንግስቲ ካልእ ዙር ኩናት ንምኽፋት ይዳሎ ከምዘሎ ምዝራቦምን ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ከም ዝፀብፀበን ገሊፁ ኣሎ። ነዚ ተኸቲሎም ከኣ ዝተፈላለዩ ሚድያታት እውን ተመሳሳሊ ዜና ከምዝሰርሑ ተዓዚብና ኣሎ።

ይኹን እምበር ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ምስ ሓላፊት ትካል ስደተኛታት ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኣቢባትዩ ዌን ኣብ ዝተዘራረብሉ እዚ ዝተገለፀ ሓሳብ ከምዘይበሉን ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ እውን እዚ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ዘይተዘረበን ነገር ከም ዘይፀብፀበን እናገለፅና፣ ኣዲስ ኣድማስን ካልኦት ተመሳሳሊ ዜና ዝሰርሑ ትካላት ሚድያን ናይ ሓሶት ሓበሬታ ካብ ምቅላሕ ክቑጠቡን መስተኻኸሊ ዜና ክሰርሕሉን ብዕሊ ነፍልጥ።

15 መስከረም 2018 ዓ/ም

25/09/2025

ሓድሽ መድሓኒት ኤችኣይቪ ብሕሱር ዋጋ
-----
እዚ መድሓኒት ዋጋኡ 28,000 ዶላር ንሓደ ሰብ ንሓደ ዓመት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ብረቡዕ ዝወጽአ መግለጺ ግን ምስ ትካላት መድሓኒት ብምዝርራብ ነቲ ዋጋ ናብ 40 ዶላር ጥራይ ክውርዶ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

Tigray Tribune

ሓድሽ መድሓኒት ኤችኣይቪ ብሕሱር ዋጋ-----እዚ መድሓኒት ዋጋኡ 28,000 ዶላር ንሓደ ሰብ ንሓደ ዓመት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ብረቡዕ ዝወጽአ መግለጺ ግን ምስ ትካላት መድሓኒት ብምዝርራብ ...
25/09/2025

ሓድሽ መድሓኒት ኤችኣይቪ ብሕሱር ዋጋ
-----
እዚ መድሓኒት ዋጋኡ 28,000 ዶላር ንሓደ ሰብ ንሓደ ዓመት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ብረቡዕ ዝወጽአ መግለጺ ግን ምስ ትካላት መድሓኒት ብምዝርራብ ነቲ ዋጋ ናብ 40 ዶላር ጥራይ ክውርዶ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

እዚ ሌናካፓቪር ዝበሃልን ብመርፍእ ዝወሃብን መድሓኒት፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ክዝርጋሕ ምዃኑ ተፈሊጡ።

Address

East Africa/Mekelle
Mekelle
7000

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray Tribune posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share