መድረኽ

መድረኽ መድረኽ ሓሳባት

ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣድሂቡ ካብ ውድብ ናጽነት ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ፡ድሕሪ ምኽታም ስምምዕነት ፕሪቶርያ ጠለብ ውድብ ናፅነት ትግራይ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብፍጥነት ክፍፅም ዝኽእ...
08/09/2025

ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣድሂቡ ካብ ውድብ ናጽነት ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ፡

ድሕሪ ምኽታም ስምምዕነት ፕሪቶርያ ጠለብ ውድብ ናፅነት ትግራይ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብፍጥነት ክፍፅም ዝኽእል ቅቡልነትን ዓቕምን ዘለዎ ግዚይዊ ምምሕዳር ምትካልን ቡኡ ኣቢልካ ድማ ግዝኣት ዓዲ ኣቦ ምምላስን ኩለ መዳያዊ ሕውየት ትግራይ ምርግጋፅን እኳ እንተነበረ ብሰንኪ ልዕሊ ስልጣን ኣርሒቑ ክሓስብ ዘይኽእልን ዘይደሊን ስርዓት ህወሓት ትግራይን ትግራዋይነትን ኣብ ዝኸፍአ ናይ ህልውና ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ። ከም ዝፍለጥ ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ኮሚቴ ምምስራት ግዚያዊ ምምሕዳር ኣብ ትግራይ ምንም ዓይነት ቅቡልነት ይኹን ዓቕሚ ዘይብሉ፣ ዓርሱ ብዓርሱ ዘይስማዕማዕ፣ ንህዝቢ ጥቕሚ ዘይኮነስ ንናይ ባዕሉ ጥቕሚ ዝናሓናሕን ጉጅለ ህወሓት ዝዓብለሎን ግዚያዊ ምምሕዳር ተመስሪቱ እዩ። ከም ውፅኢቱ ድማ ምብትታን ህወሓት፣ ምክፍፋል ሓይሊታት ጸጥታ ትግራይ፣ ከባቢያውነት፣ ምፍራስ ኣብያተ ዕዮታትን ምሕደራን ትግራይ ኣጋጢሙ ፀጥታ ትግራይ ድማ ኣብ ኣሰካፊ ኹነታት ጢሒሉ ይርከብ።

ውድብ ናጽነት ትግራይ (ናጽነት) እቲ ዝነበረን ዘሎን ዝተሓላለኸ ጸገም ትግራይ ብምርዳእ ትግራይና ዓቕማ እትእክበሉን ሓድነታ እተጠናኽረሉን “ፖሊሲ 00/ፖሊሲ ሕድገት” ዝብል መማረጺ ሓሳብ ሒዝና መጺና እኳ እንተነበርና እዚ እውን ተቐባልነት ከይረኸበ ተሪፉ ትግራይና ሓደጋ ሕድሕድ ኲናት ኣጋጢሙዋ ይርከብ። እዚ ሓደገኛ ኩነታት እናተፈጠረ ኣብ ዘለሉ ግዜ ምምሕዳር ጀነራል ታደሰ ወረደ እቲ ኩነታት ተገንዚቡ መፍትሒ ኣብ ክንዲ ምምጻእ እታ ኣብ መንገዲ ጥፍኣት እትርከብ ትግራይና መሊኡ ንምጥፋእ ይንቀሳቐስ ኣሎ።

እቲ ናይ ሓደ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ጥራሕ ዝኾነ ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኢሉ ንባዕሉ ዝሰመየ ሓይሊ ኣብ ቀረባ እዋን “ ብሄራዊ ዘተን ምርድዳእን” ዝበሃል ደንቢ ከም ዘጽደቐ ይፍለጥ። ብሔራዊ ዘተን ምርድዳእን ካብ ሰናይ ጒሓቱ ጠለብ ውድብ ናጽነት ትግራይ እኳ እንተነበረ እቲ ሐዚ ጸዲቑ ዘሎ ደንቢ ግን ትግራይ ንምድሓን ዘይኮነስ ብኣገባቡ፣ ብትሕዝቶኡን ብዕላምኡን ድሌት ናይ ሓደ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ንምምላእ ዝግበር ዓገርገር ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ሰለዚ ምምሕዳር ታደሰ ወረደ እቲ ዝገብሮ ዘሎ ሓደገኛ ኣካይዳ ትግራይና ካብ ውሽጢ ዘፍርስን ኣብ መጨረሻ እውን ኣደዳ ኣብ ዙርያና ዘለዉ ናይ ፅንታ ሓይልታት ዝገብር ምዃኑ ተገንዚቡ ብኣግኡ ጠጠው ከብሎን ትግራይ ሐዚ ትጠልቦ መድረኽ ንኽትግበር ድልውነቱ ከርኢ ውድብ ናጽነት ትግራይ ጻውዒቱ የቅርብ።

ውድብ ናጽነት ትግራይ ንመሰል ዓርሰ ምሕደራ ህዝብታት ኣጥቢቑ ዝከራኸርን ዘኽብርን ውድብ እዩ። ምክንያቱ ድማ እዚ ዴሞክራሲያዊ መትከልን ትኽክለኛ ሕቶን ሰለ ዝኾነ። ስርዓት ህወሓትን ንዕኡ ዝሕለቑ ናይ ጸጥታ ሓይሊታትን ግን እዚ መሰል ህዝቢታት ብምጥሓስ ኣብ መብዛሕቲኡ ካባቢታት ትግራይ ምሕደራ እናፍረሱ ፀኒሖምን ይቅፅልሉ ኣለዉን። ብልክዑ ይገለፅ እንተተባሂሉ እውን ኣብ ትግራይ ወታደራዊ ስርዓት ካብ ዝትከል ውዒሉ ሓዲሩ እዩ። ካብ ኩሉ እቲ ዝኸፈአ ድማ ኣብ ደቡብ ትግራይ ምሕደራ ምፍራስ ጥራሕ ከይኮነስ ኣመሓደርቲ እናሰደዱ፣ ውልቀ ሰባት እናኣሰሩ፣ እናጨወዩን እናቐተሉን ይርከቡ። ብተግባር እዚ ዕጡቅ ጉጅለ ኣብ ደቡብ ትግራይ ዘሎ ናይ ፀጥታ ኩነታት ተጋዲዱ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ናብ ሕድሕድ ኲናት ዝዓብየሉ ኩነታት ይፍጠር ኣሎ።

ምምሕዳር ታደሰ ወረደ ብሓደ ገጽ “ ብሄራዊ ዘተን ምርድዳእን” እናጸዋዐ ብኻሊ ገጽ ድማ ኣብ ተነጻጻሪ ሰላምን ልምዓትን ዝነበረ ዞባ ደቡብ ትግራይ እናፍረሰ ይርከብ። ውድብ ናጽነት ትግራይ ንቤተሰብ ግዳያትን ህዝቢ ራያን ጽንዓትን ሓቦን እናተመነየ ኩሉ ትግራዋይ ሕቶ ህዝቢ ራያ ሕቶ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ፈሊጡ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ራያ ጠጠው ክብልን እቲ ኣብ ራያ ዘሎ እምቢታን ሰለማዊ ቃልስን ናብ መላእ ትግራይ ክላባዕ ብምግባር ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጡቅ ጉጅለ ፀቅጢ ብምፍጣር ናብ ሓቀኛ ብሔራዊ ዘተን ምርድዳእን ክመፅእን፤ ተሓታትነት ክሰፍን ክቃለስን ውድብ ናጽነት ይፅውዕ።

በቲ ካልእ መዳይ ድማ ወነንቲ ባጃጅ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ናይ ፀጥታ ፀገም ምኽንያት እኹም ተባሂሎም ካብ ስራሕ ንሰሙናት ተኣጊዶም ከም ዘለው ዝፍለጥ እዩ። እዚ ክልከላ ህልዉ ኩነታት ትግራይ ኣብ ግምት ዘየእተወ፣ ናብራ ብዙሓት ስድራቤታት ናብ ምስቅልቅል ዘአቱ፣ መናእሰይ ትግራይ ኣብ ዓዶም ተስፋ ቆሪጾም ካብ ዓዶም ሃጽ ኢሎም ክወጹ ዝገብር ስለ ዝኾነ ናይ ህዝቢ ድሌት መሰረት ጌርካ ምስትኽኻል ክግበረሉ ጻዊዕትና ነቕርብ።

ውድብ ናጽነት ትግራይ ናይ መምህራን ናይ ዝሓለፈ ናይ ደመወዝ ክፍሊት ሕቶ ፍትሓውን ካልኦት ሰራሕተኛ መንግስቲ እውን ኣሰሮም ተኸቲሎም ክሓቱ ከም ዝግበኦምን ብጽኑዕ ይኣምን። እቲ መንግስቲ እየ ዝብል ኣካል እዚ ሕቶ ንምዕፋን ዝገብሮ ዘሎ ከይዲ ዘይቅቡሉን ካብ ተሓታትነት ዘየድሕንን ኮይኑ ኣካል እቲ ምድኻም ትግራይ ጌርና ኢና ንወሰዶ። መምህራን ትግራይ ተወሳኺ ሓገዝን ምብርትታዕን ክግበርሎም ይግባእ እንበር ፍትሓዊ ሕቶኦም ብናይ ውለቀ ጉጅለ ድሌት ተዓፊኑ ክተርፍ የብሉን እናበለና ኣብ ጎኒ መምህራን ትግራይ ጠጠው ኢልና ከም እንቃለስ ደጊምና ክነፍልጥ ንደሊ።

ኣብ መወዳእታ ውድብ ናፅነት ትግራይ ካብ ዝመስረት ጀሚሩ ብሓይሊታት ህወሓት፣ ብሻዓብያን ኢትዮጵያን ከቢድ ጸለመ እናተገበረሉን እናተጠቕዐን ዝመጸ ውድብ እዩ። ብፍላይ ስርዓት ህወሓት ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ልዕሊ ደገፍትና፣ ኣባላትናን መሪሕነትናን ምፍርራሕ፣ መእሰርትን መቅተልትን ክፍፅም ፀኒሑ እዩ። እዚ ግፍዒ ኣስካኪሕዎም ሰለማዊ ቃልሲ ገዲፎም ናብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተጸንበሩ ነበር ኣመራርሓ ውድብ ናጽነት ትግራይ ከም ዘለው ይፍለጥ እዩ። ሕገ ደንቢ ውድብና ሰለማዊ ቃልሲ ጥራሕ ዝፈቅድ ሰለ ዝኾነ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዘለው ነበር ኣመራርሓ ውድብና ዝህብዎ ሓሳብ ይኹን ዝገብርዎም ካልኦት ምንቅስቃሳት ናይ ውልቀኦም ሕርያን ንባዕሎም ዝውክልን እምበር ንውድብ ናጽነት ከም ዘይውክል ብተደጋጋሚ እናገለፅና ፀኒሕና ኢና። ይኹን እምበር ኣብዚ ቅነ እውን ኮነ ተባሂሉ ከም ብሓዱሽ ኣጀንዳ ኮይኑ ኣሎ። ውድብ ናፅነት ሰላማዊ ፖለቲካ ዘሰጉም ሕጋዊ ውድብ ከም ምዃኑ መጠን ካብ ውድብና ወፂኦም ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝመረፁ ኣባላትናን ነበር ኣመራርሓናን ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ኩሉ ሓላፍነት ዝወስዱ ብውልቆም ድኣ እምበር ንውድብና ከም ዘይውክል ደጊምና ከነፍልጥ ንደሊ።

ስመር፥ ... ተመዓራረ፥ ... ... ... ናብ ናፅነት ጠምት!

ውድብ ናፅነት ትግራይ (ናፅነት)
ቋቁመን 3 / 13 / 2017 ኣ/ግ
መቐለ፡ ትግራይ

ካብ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂብልኡኻት ጥፍኣት ዝስኮን ህዝባዊ ዕላማ የለን!!እቶም ትማሊ ደለይቲ ሰላም መሲሎም ፤ ብኣፎም ፀፍ ጭልጥ ኢሎም ሓለይቲ ህዝብን ዓድን ኮይኖም ...
31/08/2025

ካብ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ

ብልኡኻት ጥፍኣት ዝስኮን ህዝባዊ ዕላማ የለን!!

እቶም ትማሊ ደለይቲ ሰላም መሲሎም ፤ ብኣፎም ፀፍ ጭልጥ ኢሎም ሓለይቲ ህዝብን ዓድን ኮይኖም ክምድሩ ዝውዕሉን ዝሓድሩን በቲ ህዝብን መንግስትን ግዝያዊ ምምሕዳር ተግራይ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምትታት ምዕንቃፎም ቀፂሎም ኣለዉ።

ኩሉ ንሕግን ስርዓትን ክግዛእ እናተገብአ ብጊዝያዊ ምድንጋር ኣብ ስልጣን ክፀንሑ ዝደልዩ ሓይልታት ጥፍኣት ፤ኣብ ዓሌትን ከባቢያዊነትን ተሓቢኦም ንብዓት ሓርገፅ እናነብዑ መንገዲ ጥፍኣት ሒዞም ምጉዓዝ ካብ ዝጅምሩ ነዊሕ ገይሮም እዮም ።እዚ መንገዲ እዙይ ገዲፎም መንገዲ የማን ክሕዙን ምስ ህዝቦምን ግዝያዊ ምምሕዳሮምን ክረዳድኡ ተደጋጋሚ ዕድላት ተዋሂቡዎም ከብቅዕ ፤ነዚ ብምሕሳም ኣብ ዘየድሊ ናይ ጥፍኣት መስርሕ ኣትዮም ኣለዉ።

እዞም ዕሱባት ኣካላት እዚኦም እታ ብላኣኽቶም ዝተውሃበቶም ህዝቢ ናይ ምርዓድ ልኡኽ ተቐቢሎም ተግባራዊ ምግባር ጀሚሮም ኣለዉ።

ሎሚ ኣብ ከተማ ማይ ጨው ቀበሌ 04 ብልኡኻት ጥፍኣት ዝተደርበየ ቡንቧ አብ ሰብ ይኹን ንብረት ምንም ዓይነት ጉድኣት ኳ ዘየብፅሐ እንተኾነ ነቲ ባሀርን መንነትን እዞም ልኡኻት ጥፍኣት ግን ግልፂ ገይሩ ዘርኢ ሕሱር ተግባር እዩ።

ዝኾነ ይኹን ኣካል ዘለዎ ፖለቲካዊ እምነት ሰላማዊ ብዝኾነ መንገዲ ከሰጉም ኣብ ዝኽእለላ ትግራይ ባህግን ድሌትን ለኣኽቶም ኣተግቢሮም ንዝውሃቦም ሕርጓቶ ክብሉ ኣንፃር ረብሕኦምን ረብሓ ወገኖምን ተሰሊፎም ንወዲ ኣዲኦም ከድምዩ ምርኣይ ኣዝዩ ዘሕዝን ኳ እንተኾነ ብልኡኻት ጥፍኣት ዝስኮን ህዝባዊ መኸተ ስለ ዘየለ ደጋጊምና ኣደብ ግበሩ ፤ ናብ ልብኹም ተመለሱ እንዳበልና ፤ ነዞም ኣብዚ እኩይ ናይ ራዕዲ ተግባራት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ግን ተኸታቲልና ግቡእ ሕጋዊ ቅፅዓቶም ክረኽቡ ከም እንገብር ንመላእ ህዝብና ነረጋግፅ!!

ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!!
ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ

25/12/2017 ዓ/ም

እንታይነት ጉባኤ ዘተን ምርድዳእን !!ሕብረተሰብ ትግራይ ንዘበናት እናተወራረሰ ዝመፅአ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ብውሽጣውን ደጋውን ምኽንያት ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ዝግባእ ትኹረት ሂብካ ምስራሕ ኣ...
27/08/2025

እንታይነት ጉባኤ ዘተን ምርድዳእን !!

ሕብረተሰብ ትግራይ ንዘበናት እናተወራረሰ ዝመፅአ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ብውሽጣውን ደጋውን ምኽንያት ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ዝግባእ ትኹረት ሂብካ ምስራሕ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ውዳበታት ትግራይ ከጋጥም ዝኽእል ዘይምቅድዳው እዉን ብዘተን ምርድዳእን ዝፍትሐሉ ኩነታት ምምችቻው ኣገዳሲ ብምዃኑ ግዚያዊ ምምሕዳር ኣዋጅ መጣየሺ ጉባኤ ዘተን ምርድዳእን ምውፅኡ ይዝከር ።

እዚ ጉባኤ ሰላም ክዓሙቕን ዘላቒ ክኸውንን ዝሕግዝ ኣብ ዘተን ምርድዳእን ምልኣተ ህዝቢ ዝተምስረተ ምንቅስቓስ ከሳልጥ ዝተጣየሸ ሙዃኑ እውን ኣብቲ ኣዋጅ ሰፊሩ ኣሎ።

ሕብረተሰብ ኣብ ቀፃሊ ዕድል ትግራይ ኣወንታዊ ተስፋ ሰኒቑ ብሙሉእ ዓቕሙን ሓድነቱን ናብ ሕውየት፣ ዳግመ ህንፀትን ልምዓትን ዝኣትወሉን ክህልውን ንዘተን ምርድዳእን ሕብረተሰብ ብብቕዓትን ብዘይሻራውነትን ዘተሓባብር ትካል ብሕጊ ክጣየሽን ስልጣኑን ተግባሩን ክውሰንን
ትፅቢት ይግበር።

ዕላማ ጉባኤ ዘተን ምርድዳእን ካብ ውሽጥን ደገን ሰላም ትግራይ ከይዝረግ ዝሕግዝ ዘተን ምርድዳእን ክሀልው ምስራሕ፣ ሓድነት ህዝቢ ዘጠናኽር ኣብ መፅናዕትን ኩነታትን ዝተመስረተ ስራሕቲ ዘተን ምርድዳእን ምክያድ እዩ ።

ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ውዳበታት ትግራይ መሰረታዊ ነጥብታት ብሄራዊ ኣጀንዳን ረብሓን ትግራይ ከነዕሩን ሓበራዊ ስምምዕነት ክፈጥሩን ዝሕግዝ ሰፊሕ፣ ንኹሉ በቢብርኩ ዝሓቖፈን ዘሳተፈን ዴሞክራሲያውን ውፅኢታውን ዘተን ምርድዳእን ክግበር ምምችቻው እዩ።

እቲ ጉባኤ ተፀዋዕነቱ ንርእሰ ምምሕዳር እንትኾን ርእሱ ዝኸኣለን ሕጋዊ ሰብነት ዘለዎን ጉባኤ በዚ ደንቢ ተጣይሹ እዩ።

በዚ ድማ ዋና ቤት ዕዮ ጉባኤ ኣብ ከተማ መቐለ ኮይኑ ከም ኣድላይነቱ ኣብ ውሽጢ ክልል ወይ ካብ ክልል ወፃኢ ተወካሊ ክህልዎ ይኸእል።

ኣባላት እቲ ጉባኤ ምስ ምዕዋት ዕላማን ምፍፃም ሓላፍነትን ተግባርን ጉባኤ ኣግባብነት ብቕዓት፣ ዘይሻራውነት፣ ምስጉን ስነ ምግባርን ህዝባዊ ውግንናን ዝተላበሱ ኮይኖም፡

ብርእሰ ምምሕዳር ዝሕረዩ ንተሳትፎ ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ዘእተወ ካብ 15 ዘይውሑዱን ካብ 21 ዘይበዝሑን ሰባት ይኾኑ፣ ሽም ዝርዝር ኣባላት ጉባኤ ናብ ዝተፈላላዩ ውዳበታትን ቤት ምኽሪ ስራሕ ፈፃሚን ቀሪቡ ርኢቶ ክወሃበሉ ብምግባር ብርእሰ ምምሕዳር ይስየሙ።

ኣወዳድባ እቲ ጉባኤ ድማ ብኣባላት ጉባኤ ዝምረፅ ሓደ ኣካቢ፣ ብኣባላት ጉባኤ ዝምረፅ ሓደ ወይ ልዕሊኡ ምክትል ኣካቢ ይህልዉ።

ተግባርን ሓላፍነትን እቲ ጉባኤ ዘተን ምርድዳእን ዝምረሐሉን ዝካየደሉን ትልሚ ኣፅዲቑ ይትግብርን፣ የዳሉን። ከምኡ እዉን
ተሳትፎ ሕብረተሰብ መሰረት ዝገበረ መበገሲ ሓሳብን ኣጀንዳታት ምይይጥን ብምድላውን ብምፅዳቕን ኣብ ስራሕ የውዕል።

ካልእ ሕብረተሰብ ትግራይ በቢ ብርኩን በቢኣወዳድባኡን ዝሳተፈሎም ዝተፈላለዩ ህዝባዊ መድረኻት ዘተን ምርድዳእን ይውድብ፣ የተሓባብርን የሳልጥን።

ኣብ መድረኻት ዘተን ምርድዳእን ዝተረኸቡ ርካባት፣ ዝቐረቡ ምኽረሓሳባትን ምርድዳእ ዝተበፅሐሎም ዛዕባታትን ተፈፃምነት ክረኽቡ ናብ ዝምልከቶ ኣካል የቕርብ ተግባራውነቶም ይከታተል።

ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዉዳበታት ሕብረተሰብ ሓበራዊ ምይይጥን ዘተን ብምድላው ኣብ ወሰንቲ ዛዕባታት ብሄራዊ ኣጀንዳን ረብሓ ትግራይን ዝረዳድእሎም ዋኒናት ኣተኲሮም ክሰርሑ መድረኻት የመቻቹ፣

ውፅኢታዊ ዘተን ምርድዳእን ንምክያድ ዝዓለሙ መፅናዕቲታት ብዝምልከቶም ሰብሞያ ክካየዱን ኣብ ከይዲ ዘተን ምርድዳእን ከምእታወት ኣብ ስራሕ ክውዕሉን ክገብር ይኽእል።

ዘተን ምርድዳእን ዝምልከት ሓበሬታን መረዳእታን የዋድድ፣ ይትንትን፣ ይውድብ፣ ንተጠቃሚ ድልው ይገብር።

እዚ ጉባኤ ሕጋውን ምምሕዳራውን ተግባራት ንምፍፃም ስልጣንን ተግባሩን ኣብ ምፍፃም ደገፍ ዝገብረሉ ቤት ፅሕፈት ይህልዎ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ሓላፍን ምክትል ሓላፍን ሓርዩ ይሸይም። ኣፈፃፅማ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ብላዕለዋይነት ይመርሕ። ቤት ፅሕፈት ስራሕቱ ዘዕውተሉ ኣንፈት የንፅር፣ ይከታተል፣ ይድግፍ፣ ይቆፃፀር፣ ይግምግም፣ ጉድለት እንትፍፀም መስተኻኸሊ ሕጋዊ ስጉምቲ ይወስድ፣ ክውሰድ ይገብር።

ካልእ በብእዋኑ ዝተፈላለየ ትልምን መፈፀሚ በጀትን ክዳለው ብምግባር ናብ ዝምልከቶ ክቐርብ ይገብር፣ ምስፀደቐ ኣብ ተግባር የውዕል። ኣፈፃፅማ ስርሑ ብዝምልከት በብእዋኑ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ብፅሑፍ ፀብፃብ ክቐርብ ይገብር፣ ርእሰ ምምሕዳር ድማ ከም ኣድላይነቱ ቤትምኽሪ ፈፃሚ ክፈልጦ ይገብር።

ብተወሳኺ ብስሙ ይኸስስን ይኸሰስን፣ ንብረትን ገንዘብን ይውንን ብመሰረት ሕጊ ፋይናንስ ክልል'ውን የመሓድር። ዕላምኡ ንምዕዋት ዝሕግዝ ካልእ ሕጋዊ ተግባር ይፍፅም።

ከም ፀብፃብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዝዳንት ትግራይ ፍልፍል በጀት ጉባኤ ካብ ክልል ዝምደብን ካልእ ሕጋዊ ፍልፍል ኣታዊ ዝርከብን እንትኾን እቲ ዝተረኸበ ሃፍቲ ብመሰረት ሕጊ ፋይናንስ ዝተማለአን ትኽክለኛን መዝገብ ሒሳብ ይሕዝ፣ በብእዋኑ ኦዲት ይግበርን ነዚ ብዝምልከት ናብ ርእሰ ምምሕዳርን ጉባኤን ፀብፃብ የቕርብን ይብል ደንቢ "መጣየሺ ጉባኤ ዘተን ምርድዳእን ሕብረተሰብ ቁፅሪ ደንቢ 29/2017 ዓ/ም" ።

መበሰሪ  ጉባኤ ዘተን ምርድዳእን ትግራይ !!ሎሚ 21 ነሓሰ 2017 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ስነ ስርዓት ዕላዊ መበሰሪ  ጉባኤ ዘተን ምርድዳእን ትግራይ ይሳለጥ ኣሎ።ካቢኔ ጊዚያዊ ምምሕዳር ት...
27/08/2025

መበሰሪ ጉባኤ ዘተን ምርድዳእን ትግራይ !!

ሎሚ 21 ነሓሰ 2017 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ስነ ስርዓት ዕላዊ መበሰሪ ጉባኤ ዘተን ምርድዳእን ትግራይ ይሳለጥ ኣሎ።

ካቢኔ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ደንቢ ቁፅሪ 29/2017 መጣየሺ ጉባኤ ዘተን ምርድዳእን ሕብረተሰብ ትግራይ ኣፅዲቑ ንተፈፃምነት ምምርሑ ዝዝከር እዩ።

እዋናዊ መግለፂ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ኣምሓራ ሚዲያ ኮርፖሬሽንን (አሚኮ) ቤት ፅሕፈት ኮሙዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራን እቲ ተራኻዊ: ሃይማኖታዊ: ባህላዊን ጥንታዊን ናይ ኣሸንዳ በዓል...
27/08/2025

እዋናዊ መግለፂ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ

ኣምሓራ ሚዲያ ኮርፖሬሽንን (አሚኮ) ቤት ፅሕፈት ኮሙዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራን እቲ ተራኻዊ: ሃይማኖታዊ: ባህላዊን ጥንታዊን ናይ ኣሸንዳ በዓል ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብድምቀት ኣብ ዝኽበረሉ ግዘ "የሰሎል በዓል በቆቦ" በሚል የዜና ርእስ በአብክመ የራያ አላማጣ ወረዳ ኣስተዳደር ዝብል ባነር ብምስራሕ: ብተወሳኺ ድማ ብሄረ ሰብ ኣገው ኣሸንድየ እናበሉ ኣብ ዘኽብርዎ በዓል ተወከልቲ ምምሕዳር ኮረም:ኦፍላን ዛታን ኣብ ሰቖጣ ምምሕዳር አብክመ ኣብ ዘየለለሉ እተን ወረዳታት ምምሕዳረን ወኪለን ከም ዝኸዳ ብምምሳል: ብወግዒ አተን ወረዳታት ኣካል ክልል ኣምሓራ ከም ዝኾና ንምግባር ኢሉ ድማ እቲ ተራኻዊ: ሃይማኖታዊ: ባህላዊን ጥንታዊን በዓል ንናይ ግዝያዊ ፖሎቲካዊ ሃልኪ ንምጥቃም ፈቲኖም እዮም።

ብተመሳሳሊ ድማ "በአማራ ክልል ወልቃይት ጠገዴ ሰቲት ሁመራ የአድርሽኝ ሃይማኖታዊና በህላዊ በዓል" ብዝብል ኣብ ዝሰርሕዎ ዜና ፆመ ፍልሰታ ተጠቒሞም ሃሳዊ ትርኽቲ ብምፍጣርን ብተወሳኺ ድማ "የበረሃዋ ገነት ሰቲት ቃፍታ ሑመራ" ኢሎም ኣብ ዝሰርሕዎ ምስላዊ ዜና ባዕሎም ብዝሃብዎ ናይ ክርስትና ስም ምዕራብ ትግራይ ኣካል ክልል ኣምሓራ ከም ዝኾነ እናተናበቡ ልክዕ ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝገብርዎ ኣምሲሎም ብምቕራብ ሐዚ እውን ብቅሉዕ ሕገ-መንግስታዊ ጥሕሰት ዝተመልኦን ንውዕሊ ፕሪቶርያ ዝፃባእን ተንኳባይ ዜና ሒዞም እናወፁ ቐንዮም ኣለዉ።

ብምዃኑ ድማ ኣብ ትሕቲ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝርከባ ወረዳታት ኣላማጣ: ኮረምን ኦፍላን ኣብ ትሕቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝርከባ ወረዳታትን በሕግን ብታሪክን ኣካል ግዝኣት ትግራይ እናሃለዋን እሞ ድማ ተራኻዊ: ሃይማኖታዊ: ባህላዊን ጥንታዊን ናይ ኣሸንዳ በዓል ኣብ ዝኽበረሉ ግዘ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ብምጥቓም ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ኣካል ክልል ኣምሓራ ኣምሲልኻ ትርኽት ንምፍጣር ዝግበር ተደጋጋሚ ፈተነ ናይ ዝሓለፈ ከይኣክል መቐፀልታ እቲ ብተደጋጋሚ እናተገበረ ዝመፀ በደል ምርጓድ እዩ።

እዚ ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር ሕገ መንግስቲ ዝጥሕስን ንውዕሊ ፕሪቶሪያ እውን ብቐጥታ ዝፃባእን ብተወሳኺ ድማ ተራኻዊ: ሃይማኖታዊ: ባህላዊን ጥንታዊን ናይ ኣሸንዳ በዓል መሳርሒ ፖሎቲካ ንምግባር ምፍታን ሓላፍነት ዝጎደሎን ተቐባልነት ዘይብሉን ስለዝኾነ ብህፁፅ እርምቲ ክውሰደሉ ኣለዎ።

ስለ ዝኾነ ድማ ኣምሓራ ሚዲያ ኮርፖሬሽንን (አሚኮ) ቤት ፅሕፈት ኮሙዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራን እናተናበቡ ብተደጋጋሚ ካብ ዘቕርብዎም ሓላፍነት ዝጎደሎም ናይ ኽልታኡ ክልል ህዝብታት ንዘመናት ሓቢርኻ ናይ ምንባር ስኒት ዝሽርሽርን ብቀጥታ ንኻሊእ ጎንፂ ዝዕድምን ተንኳዋይ ስራሕ ብህፁፅ ክእርምዎን ኣብ ልዕሊ ነዚ ዜና ዘዳለዉን ነዚ መደብ ዘመቻቸዉን ኣካላት ስጉምቲ ክወስዱን እናሓበርና መንግስቲ ፊ.ደ.ሪ.ኢ. ድማ ኣብ ልዕሊ ከምዚ ዓይነት ሕገ መንግስታዊ ጥሕሰት ዝፍፅሙ ትካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ንክወስደሎምን ንፅውዕ።

ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
21 ነሓሰ 2017 ዓ/ም
መቐለ

"ምምላስ ተመዛበልትን ምውሓስ ግዝኣታዊ ሓድነትን ትግራይ ጠንቂ ኲናት ከይኸውን ምስራሕ የድሊ።"                     ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደበዓል ኣሸንዳ 2017 ዓ/ም ኣብ...
22/08/2025

"ምምላስ ተመዛበልትን ምውሓስ ግዝኣታዊ ሓድነትን ትግራይ ጠንቂ ኲናት ከይኸውን ምስራሕ የድሊ።"
ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ

በዓል ኣሸንዳ 2017 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ብድምቀት እናተኸብረ እዩ፣ ኣብቲ ስነ ስርዓት ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ በዓል ኣሸንዳ ፍሉይ ዝገብሮ ደቂ ኣንስትዮ ነፃነተን ኣኽቢረን፣ ደሚቐንን ታሪኻዊ ክብርታት እቲ በዓል ሓልየን ብሓባር ዘብዕለኦ በዓል ምዃኑ ገሊፆም።

ዛጊድ ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ዘይምምላሶምን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ዘይምውሓሱን ዝገለፁ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ፤ እዚ ጠንቂ ኲናት ከይኸውን ብሰላማዊ ፖለቲካዊ መንገዲ ንኽፍታሕ ብወገን ትግራይ ከምዝስራሕ ገሊፆም።

እቶም ፕረዚደንት ብሰንኪ ውሑዳት ዘጋጥም ዝነበረ ፀገም ፀፅታን ስግኣት ፀጥታን ንምክልኻልን ውሑስ ንምግባርን ይስራሕ ምህላው ብምሕባር ዛጊድ ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ኣብ ቁፅፅር ይውዕሉ ምህላዎም ኣገንዚቦም።

በዓል ኣሸንዳ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ መግለፂ ሓድነትን ምክብባርን ምዃኑ ዝገልፃሉ በዓል ምዃኑ ዝሓበሩ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ፤ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ንምጥንኻርን ድልዱል መሰረቱ ንምውሓስን ዝዓለመ ብሄራዊ ዘተ ንምስላጥ ኮሚቴ ተጣይሹ ካብ ቀፃሊ ሰሙን ስሩዕ ስርሑ ከምዝጅምር ኣበሲሮም።

Office of the President-Tigray

ኣሸንዳ ኣብ ከተማ መቐለ  (ባሎኒ ስታድዮም ) ስእሊ: ትግራይ ቲቪ
22/08/2025

ኣሸንዳ ኣብ ከተማ መቐለ (ባሎኒ ስታድዮም )

ስእሊ: ትግራይ ቲቪ

ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዝተረኸብሉ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ብኣዝዩ ክብ ዝብለ ኣገባብ ይበዓል ኣሎ። Office of the President-Tigray
22/08/2025

ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዝተረኸብሉ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ብኣዝዩ ክብ ዝብለ ኣገባብ ይበዓል ኣሎ።

Office of the President-Tigray

በዓል ኣሸንዳ ባህላውን ሃይማኖታውን ትሕዝተኡ ሓልዩ ክሓልፍ ከምዝግባእ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ገሊፁ።ሓላፊት ቢሮ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ትግራይ ወ/ሮ ሸዊት ኣዱሱ ከምዝገለፀኦ፣ በቢ ...
20/08/2025

በዓል ኣሸንዳ ባህላውን ሃይማኖታውን ትሕዝተኡ ሓልዩ ክሓልፍ ከምዝግባእ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ገሊፁ።

ሓላፊት ቢሮ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ትግራይ ወ/ሮ ሸዊት ኣዱሱ ከምዝገለፀኦ፣ በቢ ዓመቱ ዝኽበር በዓል ኣሸንዳ ባህላውን ሃይማኖታውን ሓልዩ፣ መንነት ተጋሩ ዘንፀባርቕ ናይ ሓድነት ተምሳሌት ታሪኽ ትግራይ ዝገልፅ ሰላምን ሓድነትን ተጋሩ እነረጋግፀሉ በዓል እዩ ኢለን።

ተፈላሊና ዘይኮነስ ሓድነትና ኣስጢምና ዘለና ኣፈላላይ ንጎኒ ብምግዳፍ ሓድነት ኣጎልቢትነሰ ዝተመዛበለ ህዝብና ንምምላስ ንቃለሰሉ በዓል ክኸውን ከምዝግባእ ወ/ሮ ሸዊት ገሊፀን።

ኣብቶም ዘፈላሉዩና ዘይኮነስ ሓደ ኣብ ዝገብሩና ሰሚርና ውሕስቲ ትግራይ ኣብ ምህናፅ ኩልና ሓቢርና ክንምክት ይግባእ ኢለን።

እቲ በዓል ብሰላም ንክሓልፍ ኣካላት ፀጥታ ምስ ማሕበረሰብ ተሓጋጊዙ ክሰርሕ ይግባእ ኢለን።

ክቡር ነበር ጠቅላይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነብስሄር መለስ ዜናዊ ህዝባውነት ዝተላበሰ ብፍላይ ንደቂ-ኣንስትዮ ፍሉይ ጠመተ ዝህብ መራሒ ምስ ምንባሩ እንዝክረሉ ወርሒ እዩ። ደቂ-ኣነስትዮ ኢኮኖሚያውን ፓለቲካውን ሓዊሱ ናብ መድረኽ ክወፃ ዝገበረ መራሒ እውን እዩ ነይሩ ኢለን።

ትግራይ ሕዚ እውን ኣብ ብዙሓት ፀገማት ኣላ እቲ ዘጋጠመ ፀገማት ተወዲብና ተሓጋጊዝና ናብ ቅድሚት እንወፀሉ በዓል ክኸውን ኩላትና ሓቢርና ምስራሕ ይግባእ ኢለን።

ኣብ መወዳእታ እታ ሕዚ ተረኺባ ዘላ ተስፋ ሰላም ንቅድሚት ኣብ ምውሳድ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ትኹረት ሂቡ ክሰርሕ ይግባእ ኢለን።

ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
14 ነሓሰ 2017 ዓ/ም
መቐለ

 # ታሪኽ_እዚ ዕለት_   ገድላዊ ታሪኽ ህወሓት ኣካል ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ እዩ ። ካብ በላሕቲ ደቁ እቲ ሓደ ድማ  ተጋዳላይ መለስ እዩ። ተጋደላይ መለስ ኣብ ዘለናሉ ዘበን ኣብ ልቢ ህዝቢ ...
20/08/2025

# ታሪኽ_እዚ ዕለት_

ገድላዊ ታሪኽ ህወሓት ኣካል ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ እዩ ። ካብ በላሕቲ ደቁ እቲ ሓደ ድማ ተጋዳላይ መለስ እዩ።

ተጋደላይ መለስ ኣብ ዘለናሉ ዘበን ኣብ ልቢ ህዝቢ ትግራይ ሓወልቲ ተኪሎም ካብ ዝሓለፉ ጀጋኑን ውክልና እቲ ብሉፅ ወለዶ ካብ ዝሓዙን ሓደ እዩ።

ተጋዳላይ መለስ ምስ መቓልስቱ ኣብ ዘበኑ ኣብታ ዝኣመነላ መስመርን ውድብን፣ ነታ ዝኣመነላ ዕላማን መትከልን፣ በታ ሓንቲን ሓንቲ ጥራይን ህይወቱ ፈሪሙ ተጋዲሉ ኣብ ዝግብኦ ምዕራፍ ክበፅሕ ቃልሲ ልምዓት ክጀመር ካብ ዝገበሩ ጀጋኑ እዩ ።

ባሕቲ ጉንበት 1947 ዓ.ም. ካብ ወላዲቱ ወ/ሮ ኣለማሽ ገብረ ልዑልን ኣቦኡ ኣይተ ዜናዊ ኣስረስ ኣብ ከተማ ዓድዋ ተወሊዱ።

ክሳብ 8ይ ክፍሊ ኣብ ዓድዋ ቤት ትምህርቲ ንግስተ ሳባ ተማሂሩ። ካብ 1961 ክሳብ 1964 ዓ.ም. ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቱ ኣብ ጀነራል ዊንጌት ተኸታቲሉ።

ኣብ 1965 ዓ.ም. ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ፋካልቲ ሕክምና ብምእታው ትምህርቱ ምክትታል ጀሚሩ።

ኣብ ፓለቲካ

ብ1966 ዓ.ም. ንፈለማ ኣብ መማኽርቲ መረፃ ተምሃሮ ንፋካልቲ ሳይንስ ወኪሉ ብምስታፍ ናይ ኣባል ቤት ምኽሪ ተምሃሮ ብምዃን ናብ ኣመራርሓ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ኢትዮጵያ ተፀንቢሩ ።

ኣብ ወርሒ መስከረም 1967 ዓ.ም. ማሕበር ገስግስቲ ብሔረ ትግራይ (ማግብት) ምስተመስረተ ኣባል ኮይኑ።

ብ1967 ዓ.ም. ስርዓት ደርግ ንምቅላስ ናብ ገድሊ ብምፅንባር ኣባል ትሓሕት/ ህወሓት ኮይኑ። ካብ 1967 ዓ.ም. ክሳብ 1969ዓ.ም. ድማ ኣብ ታሪኽ ህወሓት ምርግጋፅ ህልውና ዝነበሩ ፈተናታት ብፅንዓት ተሻጊሩ።

ኣብ 1971 ዓ.ም. ኣብ 1ይ ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት ማእኸላይ ኮሜቴ ኮይኑ ተመሪፁ።

ካብ 1971 – 1975 ዓ.ም. ህዝቢ ትግራይ ኣብ ብሄራዊን ህዝባውን ቃልስን ብስፍሓት ክሳተፍ ኣብ ዝተገበረ ምንቅስቓስ ብመሪሒነት ተሳቲፉ።

ኣብ 1975 ዓ.ም. ኣብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ኣባል ማእኸላይ ኮሜቴን ፓሊት ቢሮ ኮይኑ ተመሪፁ።

ካብ 1976-1981 ዓ.ም. ቃልሲ ህወሓት ምስ ቃልሲ ህዝብታት ኢትዮጵያ ንምትእስሳር ናይ መፅናዕትን መሪሒነትን ተራ ተፃዊቶም።

ኣብ 1981 ዓ.ም. ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ዋና ፀሓፊ ብምዃን ተመሪፁ።

ኣብ 1983 ዓ.ም. ወርሒ ግንቦት ኣብ ፈላማይ ጉባኤ ኢህወደግ ኣቦ ወንበር ኮይኑ ተመሪፁ።

ኣብ መሪሕነት መንግስቲ

ኣብ 1983 ዓ/ም ወርሒ ሕዳር ኢህወደግ ኣዲስ ኣበባ እንትቖፃፀር ፕረዝደንት ግዝያዊ መንግስቲ ኢህወደግ ኮይኑ ንሓደ ወርሒ ኣገልጊሉ ።

ካብ ወርሒ ሓምለ 1983 ዓ.ም. ጀሚሩ ክሳብ 1987 ዓ.ም. መወዳእታ ፕረዝደንት ሽግግር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ኣብ 1987 ዓ.ም. ንፈለማ እዋን ዝተገበረ ዲሞክራሲያዊ መረፃ ኢትዮጵያ ስዒቡ ኣብ 1988 ዓ/ም ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኮይኑ ።

ኣብ 1992 ዓ.ም. ካልኣይ ሃገር ለኸ መረፃ ስዒቡ ንካልኣይ ግዘ ቀዳማይ ሚኒስተር ፌድሪኢ ብምዃን ብ1993 ዓ.ም. ተመሪፁ።

ኣብ 1997 መረፃ ሃገር ለኸ ሳልሳይ ዙር ስዒቡ ብ 1998 ዓ.ም. ወርሒ መስከረም ንሳልሳይ ግዘ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ።

ኣብ 2002 ዓ.ም. ዝተኻየደ ራብዓይ ሃገር ለኸ መረፃ ስዒቡ ብ2003 ዓ.ም. መስከረም ቀዳማይ ሚኒስተር ፌዴሪኢ ኮይኑ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ሃገሩን ህዝቡን ኣገልጊሉ እዩ።

ዝልለየሎም ዓለም ለኸ ስራሕቲ

-ምስ ለውጢ ኩነታት ኣየር ተተሓሒዙን ኣብ ካልኦት ጉዳያትን ድምፂ ኣፍሪካ ኣብ መድረኽ ዓለም ፣ ኣብ ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሾሞንተን ኣብ 20 ኣኼባታት ብምስታፍ ወኪል ድምፂ ህዝብታት ኣፍሪካ ዝብል ሽም ዝረኸበ ብሉፅ ኣፍሪካዊ መራሒ ነይሩ ።

ትምህርቲን

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፖ 1995 ዓ.ም. ካብ ኦፕን ዮኒቨርስቲ ዩናይትድ ኪንግደም ብቢዝነስ ኣድሚኒስትሬሽን፣ ብ2004 ዓ.ም. ድማ ካብ ኔዘርላንድስ ዩኒቨርስቲ ኣኢራስመስ ብኢክኖሚክስ ካልኣይ ዲግሪ ረኺቡ እዩ።

ኣብ 2002 ኣቆፃፅር ኣውሮፓ ድማ ካብ ደቡብ ኮርያ ዩኒቨርስቲ ሃናማ ብፓለቲካል ሳይንስ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ድግሪ ተቐቢሉ።

ሽልማት

ተጋደላይ መለስ ዜናዊ ንዘበርክቶ ብሉፅ መሪሕነት ስዒቡ ዝረኸቦም ዓለምለኸ ኣፍልጦን ሽልማት፦

👉ኣብ 2009 ሀገራዊ ሜዳልያ ሩዋንዳ

👉ኣብ 2005 ሽልማት ብሉፅ መራሒ ዓለም -ካብ ትካል ፈጠራ ኣፍሪካ-ኣሜሪካ ታቦር

👉ኣብ 2005 ሽልማት ያራ ፋውንዴሽን -ሓምለዋይ ቁጠባ ንምህናፅ ብዝገበሮ ኣበርክቶ

👉2008 ብሉፅ መራሒ ኣፍሪካ- ኣፍሪካ ታየምስ

👉2007 ሽልማት ወርቂ ካብ ኮንፌደሬሽን ኩዕሶ ኣፍሪካ (CAF)

👉ሽልማት ዓለምለኸ ጥምረት ንኣፍሪካ-ኣብ ኣፍሪካ ሰናይ ምሕደራ ክህሉ ንዝገበሮ ፃዕሪ

ነበር ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ መለስ ዜናዊ ኣብ ቃልሲ 17 ዓመታት ህወሓት፣ እዛ ሃገር ኣብ ምምራሕን ቁጠባዊ ዕብየት ኣብ ምምፃእን ፣ ድምፂ ኣፍሪካዉያን ብደረጃ ዓለም ክስማዕን ረብሓ ኣፍሪካ ክረጋገፅን ዕዙዝ መሪሕነት ዘዕረፈ ብሉፅ መራሒ ምንባሩ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ዓለም፣ ሚድያታትን ሰነዳትን ዘረጋገፅዎ እዩ።

#ታሪኽ ገድሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተረኸበ

Address

Mekelle

Telephone

+251714257317

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when መድረኽ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to መድረኽ:

Share

Category