
08/09/2025
ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣድሂቡ ካብ ውድብ ናጽነት ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ፡
ድሕሪ ምኽታም ስምምዕነት ፕሪቶርያ ጠለብ ውድብ ናፅነት ትግራይ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብፍጥነት ክፍፅም ዝኽእል ቅቡልነትን ዓቕምን ዘለዎ ግዚይዊ ምምሕዳር ምትካልን ቡኡ ኣቢልካ ድማ ግዝኣት ዓዲ ኣቦ ምምላስን ኩለ መዳያዊ ሕውየት ትግራይ ምርግጋፅን እኳ እንተነበረ ብሰንኪ ልዕሊ ስልጣን ኣርሒቑ ክሓስብ ዘይኽእልን ዘይደሊን ስርዓት ህወሓት ትግራይን ትግራዋይነትን ኣብ ዝኸፍአ ናይ ህልውና ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ። ከም ዝፍለጥ ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ኮሚቴ ምምስራት ግዚያዊ ምምሕዳር ኣብ ትግራይ ምንም ዓይነት ቅቡልነት ይኹን ዓቕሚ ዘይብሉ፣ ዓርሱ ብዓርሱ ዘይስማዕማዕ፣ ንህዝቢ ጥቕሚ ዘይኮነስ ንናይ ባዕሉ ጥቕሚ ዝናሓናሕን ጉጅለ ህወሓት ዝዓብለሎን ግዚያዊ ምምሕዳር ተመስሪቱ እዩ። ከም ውፅኢቱ ድማ ምብትታን ህወሓት፣ ምክፍፋል ሓይሊታት ጸጥታ ትግራይ፣ ከባቢያውነት፣ ምፍራስ ኣብያተ ዕዮታትን ምሕደራን ትግራይ ኣጋጢሙ ፀጥታ ትግራይ ድማ ኣብ ኣሰካፊ ኹነታት ጢሒሉ ይርከብ።
ውድብ ናጽነት ትግራይ (ናጽነት) እቲ ዝነበረን ዘሎን ዝተሓላለኸ ጸገም ትግራይ ብምርዳእ ትግራይና ዓቕማ እትእክበሉን ሓድነታ እተጠናኽረሉን “ፖሊሲ 00/ፖሊሲ ሕድገት” ዝብል መማረጺ ሓሳብ ሒዝና መጺና እኳ እንተነበርና እዚ እውን ተቐባልነት ከይረኸበ ተሪፉ ትግራይና ሓደጋ ሕድሕድ ኲናት ኣጋጢሙዋ ይርከብ። እዚ ሓደገኛ ኩነታት እናተፈጠረ ኣብ ዘለሉ ግዜ ምምሕዳር ጀነራል ታደሰ ወረደ እቲ ኩነታት ተገንዚቡ መፍትሒ ኣብ ክንዲ ምምጻእ እታ ኣብ መንገዲ ጥፍኣት እትርከብ ትግራይና መሊኡ ንምጥፋእ ይንቀሳቐስ ኣሎ።
እቲ ናይ ሓደ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ጥራሕ ዝኾነ ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኢሉ ንባዕሉ ዝሰመየ ሓይሊ ኣብ ቀረባ እዋን “ ብሄራዊ ዘተን ምርድዳእን” ዝበሃል ደንቢ ከም ዘጽደቐ ይፍለጥ። ብሔራዊ ዘተን ምርድዳእን ካብ ሰናይ ጒሓቱ ጠለብ ውድብ ናጽነት ትግራይ እኳ እንተነበረ እቲ ሐዚ ጸዲቑ ዘሎ ደንቢ ግን ትግራይ ንምድሓን ዘይኮነስ ብኣገባቡ፣ ብትሕዝቶኡን ብዕላምኡን ድሌት ናይ ሓደ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ንምምላእ ዝግበር ዓገርገር ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ሰለዚ ምምሕዳር ታደሰ ወረደ እቲ ዝገብሮ ዘሎ ሓደገኛ ኣካይዳ ትግራይና ካብ ውሽጢ ዘፍርስን ኣብ መጨረሻ እውን ኣደዳ ኣብ ዙርያና ዘለዉ ናይ ፅንታ ሓይልታት ዝገብር ምዃኑ ተገንዚቡ ብኣግኡ ጠጠው ከብሎን ትግራይ ሐዚ ትጠልቦ መድረኽ ንኽትግበር ድልውነቱ ከርኢ ውድብ ናጽነት ትግራይ ጻውዒቱ የቅርብ።
ውድብ ናጽነት ትግራይ ንመሰል ዓርሰ ምሕደራ ህዝብታት ኣጥቢቑ ዝከራኸርን ዘኽብርን ውድብ እዩ። ምክንያቱ ድማ እዚ ዴሞክራሲያዊ መትከልን ትኽክለኛ ሕቶን ሰለ ዝኾነ። ስርዓት ህወሓትን ንዕኡ ዝሕለቑ ናይ ጸጥታ ሓይሊታትን ግን እዚ መሰል ህዝቢታት ብምጥሓስ ኣብ መብዛሕቲኡ ካባቢታት ትግራይ ምሕደራ እናፍረሱ ፀኒሖምን ይቅፅልሉ ኣለዉን። ብልክዑ ይገለፅ እንተተባሂሉ እውን ኣብ ትግራይ ወታደራዊ ስርዓት ካብ ዝትከል ውዒሉ ሓዲሩ እዩ። ካብ ኩሉ እቲ ዝኸፈአ ድማ ኣብ ደቡብ ትግራይ ምሕደራ ምፍራስ ጥራሕ ከይኮነስ ኣመሓደርቲ እናሰደዱ፣ ውልቀ ሰባት እናኣሰሩ፣ እናጨወዩን እናቐተሉን ይርከቡ። ብተግባር እዚ ዕጡቅ ጉጅለ ኣብ ደቡብ ትግራይ ዘሎ ናይ ፀጥታ ኩነታት ተጋዲዱ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ናብ ሕድሕድ ኲናት ዝዓብየሉ ኩነታት ይፍጠር ኣሎ።
ምምሕዳር ታደሰ ወረደ ብሓደ ገጽ “ ብሄራዊ ዘተን ምርድዳእን” እናጸዋዐ ብኻሊ ገጽ ድማ ኣብ ተነጻጻሪ ሰላምን ልምዓትን ዝነበረ ዞባ ደቡብ ትግራይ እናፍረሰ ይርከብ። ውድብ ናጽነት ትግራይ ንቤተሰብ ግዳያትን ህዝቢ ራያን ጽንዓትን ሓቦን እናተመነየ ኩሉ ትግራዋይ ሕቶ ህዝቢ ራያ ሕቶ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ፈሊጡ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ራያ ጠጠው ክብልን እቲ ኣብ ራያ ዘሎ እምቢታን ሰለማዊ ቃልስን ናብ መላእ ትግራይ ክላባዕ ብምግባር ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጡቅ ጉጅለ ፀቅጢ ብምፍጣር ናብ ሓቀኛ ብሔራዊ ዘተን ምርድዳእን ክመፅእን፤ ተሓታትነት ክሰፍን ክቃለስን ውድብ ናጽነት ይፅውዕ።
በቲ ካልእ መዳይ ድማ ወነንቲ ባጃጅ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ናይ ፀጥታ ፀገም ምኽንያት እኹም ተባሂሎም ካብ ስራሕ ንሰሙናት ተኣጊዶም ከም ዘለው ዝፍለጥ እዩ። እዚ ክልከላ ህልዉ ኩነታት ትግራይ ኣብ ግምት ዘየእተወ፣ ናብራ ብዙሓት ስድራቤታት ናብ ምስቅልቅል ዘአቱ፣ መናእሰይ ትግራይ ኣብ ዓዶም ተስፋ ቆሪጾም ካብ ዓዶም ሃጽ ኢሎም ክወጹ ዝገብር ስለ ዝኾነ ናይ ህዝቢ ድሌት መሰረት ጌርካ ምስትኽኻል ክግበረሉ ጻዊዕትና ነቕርብ።
ውድብ ናጽነት ትግራይ ናይ መምህራን ናይ ዝሓለፈ ናይ ደመወዝ ክፍሊት ሕቶ ፍትሓውን ካልኦት ሰራሕተኛ መንግስቲ እውን ኣሰሮም ተኸቲሎም ክሓቱ ከም ዝግበኦምን ብጽኑዕ ይኣምን። እቲ መንግስቲ እየ ዝብል ኣካል እዚ ሕቶ ንምዕፋን ዝገብሮ ዘሎ ከይዲ ዘይቅቡሉን ካብ ተሓታትነት ዘየድሕንን ኮይኑ ኣካል እቲ ምድኻም ትግራይ ጌርና ኢና ንወሰዶ። መምህራን ትግራይ ተወሳኺ ሓገዝን ምብርትታዕን ክግበርሎም ይግባእ እንበር ፍትሓዊ ሕቶኦም ብናይ ውለቀ ጉጅለ ድሌት ተዓፊኑ ክተርፍ የብሉን እናበለና ኣብ ጎኒ መምህራን ትግራይ ጠጠው ኢልና ከም እንቃለስ ደጊምና ክነፍልጥ ንደሊ።
ኣብ መወዳእታ ውድብ ናፅነት ትግራይ ካብ ዝመስረት ጀሚሩ ብሓይሊታት ህወሓት፣ ብሻዓብያን ኢትዮጵያን ከቢድ ጸለመ እናተገበረሉን እናተጠቕዐን ዝመጸ ውድብ እዩ። ብፍላይ ስርዓት ህወሓት ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ልዕሊ ደገፍትና፣ ኣባላትናን መሪሕነትናን ምፍርራሕ፣ መእሰርትን መቅተልትን ክፍፅም ፀኒሑ እዩ። እዚ ግፍዒ ኣስካኪሕዎም ሰለማዊ ቃልሲ ገዲፎም ናብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተጸንበሩ ነበር ኣመራርሓ ውድብ ናጽነት ትግራይ ከም ዘለው ይፍለጥ እዩ። ሕገ ደንቢ ውድብና ሰለማዊ ቃልሲ ጥራሕ ዝፈቅድ ሰለ ዝኾነ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዘለው ነበር ኣመራርሓ ውድብና ዝህብዎ ሓሳብ ይኹን ዝገብርዎም ካልኦት ምንቅስቃሳት ናይ ውልቀኦም ሕርያን ንባዕሎም ዝውክልን እምበር ንውድብ ናጽነት ከም ዘይውክል ብተደጋጋሚ እናገለፅና ፀኒሕና ኢና። ይኹን እምበር ኣብዚ ቅነ እውን ኮነ ተባሂሉ ከም ብሓዱሽ ኣጀንዳ ኮይኑ ኣሎ። ውድብ ናፅነት ሰላማዊ ፖለቲካ ዘሰጉም ሕጋዊ ውድብ ከም ምዃኑ መጠን ካብ ውድብና ወፂኦም ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝመረፁ ኣባላትናን ነበር ኣመራርሓናን ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ኩሉ ሓላፍነት ዝወስዱ ብውልቆም ድኣ እምበር ንውድብና ከም ዘይውክል ደጊምና ከነፍልጥ ንደሊ።
ስመር፥ ... ተመዓራረ፥ ... ... ... ናብ ናፅነት ጠምት!
ውድብ ናፅነት ትግራይ (ናፅነት)
ቋቁመን 3 / 13 / 2017 ኣ/ግ
መቐለ፡ ትግራይ