Daniel

Daniel ጋዜጠኛ ዳንኤል ገብረእግዚኣብሄር እየ። እዋናዊ ዜናታት፣ ፍሉያት ዛንታታትን ሓበሬታታትን ንምክትታል Follow ብምግባር ስድራ እዚ ገፅ ኩኑ።

ሰራዊት ሱዳን ንዶብ ኢትዮጵያ ቀረባ ዝዀነት ስትራቴጂካዊት ከተማ ካብ RSF ከም ዘውፅአ ተገሊጹ​ሰራዊት ሱዳን፡ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ኣብ ዘቑፀረ ውሽጣዊ ኲናት ቀንዲ ማእከል ውግእ ብዝዀነት ...
18/05/2026

ሰራዊት ሱዳን ንዶብ ኢትዮጵያ ቀረባ ዝዀነት ስትራቴጂካዊት ከተማ ካብ RSF ከም ዘውፅአ ተገሊጹ

​ሰራዊት ሱዳን፡ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ኣብ ዘቑፀረ ውሽጣዊ ኲናት ቀንዲ ማእከል ውግእ ብዝዀነት ደቡብ-ምብራቕ ግዝኣት ብሉ ናይል ዝርከብ ስልታዊ ቦታ፡ ካብ RSF ከም ዘውፅአ ኣፍሊጡ።

​ሰራዊት ሱዳን ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለፂ፡ "ኾር ሓሰን" ዝተባህለት ከተማ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከም ዘእተወ ይፋዊ ከም ዝገበረ ኣልጀዚራ ጸብጺቡ።

15/05/2026

ሙሉእ ትሕዝት ኣብ Comment ኣብ ዘሎ Link ተቐሚጡ ኣሎ

13/05/2026

"ካብ ጌጋታቶም ተማሂሮም እዩም"

ሙናዊ መልእኽቲ ህወሓትህዝባዊ መንግስትና ንዕውትነት መኸተና!==========================ብኣስታት 2 ነጥቢ 8 ሚልዮን ህዝቢ ዝተመረፀን ውክልና ህዝቢ ትግራይ ዝሓዘን ቤት ምኽሪ ...
11/05/2026

ሙናዊ መልእኽቲ ህወሓት
ህዝባዊ መንግስትና ንዕውትነት መኸተና!
==========================
ብኣስታት 2 ነጥቢ 8 ሚልዮን ህዝቢ ዝተመረፀን ውክልና ህዝቢ ትግራይ ዝሓዘን ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ካብ 27 ሚያዝያ 2018 ዓ/ም ዕላዊ ስርሑ ጀሚሩ ኣሎ። ፈላሚ ጉባኤኡ ብምክያድ እውን ፕረዚደንት፣ ኣፈ ጉባኤን ምክትል ኣፈጉባኤን ብምምራፅ፣ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምሕላፍን ሞሽን ብምፅዳቕን ብዓወት ተዛዚሙ ኣሎ። ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ስዒቡ ምእንተ ሰላም ተወንዚፉ ዝፀንሐ እዩ። ስርዓት ብልፅግና ንስምምዕ ፕሪቶርያ ሙሉእ ብሙሉእ ስለዘፍረሶ ድማ እቲ ተወንዚፉ ዝፀንሐ ቤት ምኽሪ ህዝቢ ትግራይ ናብ ስርሑ ክምለስ ግድን ስለዝኾነ ብዕሊ ተመሊሱ ስርሑ ጀሚሩ ኣሎ።
ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ከምቶም ካልኦት ትካላት ህዝቢ ትግራይ ህልውንኡ ከብቅዕን ንኽብተንን ብውሽጥን ደገን ዝተዋደደ ወፍሪ ክካየደሉ ዝፀንሐ እዩ። እቲ ሕዚ ኣብ ደንበ ፀላኢ ተዓሲቡ ዝርከብ ብሄራዊ ክሕደት ዝፈፀመ ጉጅለ ንቤት ምኽሪ ንምፍራስ ዘይፈንቀሎ እምኒ የለን። ካብዚ ሓሊፉ እውን ዓቕሚ ትግራይ ክበታተን ፀግዒ ፀላኢ ኮይኑ ህዝቢ ትግራይ ብመሰረት ሰምምዕ ፕሪቶርያ፤ ሉእላውነተይ ይመለስ፣ ሞትን ስቓይን የብቅዕ ውሑስ ብዝኾነ መንገዲ ናብ መረበተይ ክምለስ ይገበር፣ተሓታትነት ጀኖሳይድ ይረጋገፅ እንትብል ደላዪ ኵናት ዝብል ሽም እናለጠፈ ኣፍ ኣፍ ሉጓም ክብል እዩ ፀኒሑ። እዚ ድማ ነቲ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንምፅናት ብትልሚ ዝሰርሕ ዘሎ ስርዓት ብልፅግና ምችው ኩነታት ዝፈጠረን ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ድማ ካብ ዝገደደ ናብ ዝበኣሰ ዘንቆልቁለሉ ባይታ ፈጢሩ ፀኒሑ እዩ።
ሻድሻይ ዘመን ሻድሻይ ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ንምዕንቃፍ የኽእሉ እዮም ዝተበሃሉ ኩሎም መንገድታት ካብ ውሽጥን ደገን ብዝተዋደደ መንገዲ ተፈቲኖም እዮም። ኣብ ድርኡ ህዝብናን ኣባላት ቤት ምኽሪን ንምርዓድ ተቶኳሲ ክፍንጀር ተጌሩ፣ ድሮናት ስርዓት ብልፅግና ኣብ ሰማያት መቐለ ክዝንብያ ዝቐነያ ኮይነን እቲ ጉባኤ ኣብ ዝካየደሉ ሰዓት ድማ ነፋሪት ውግእ ብምልኣኽ ከተዓናቕፎ ፈቲኑ እዩ። እንተኾነ ግን ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ይኹን መሪሕነትና መስዋእቲ ዝኽፈል እንተኾይኑ እውን ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ዝኽፈል መስዋእቲ እዩ ብምባል ኣብ ክውስንዎም ዝሓዝዎም ኣጀንዳታት ዘትዮም ጉባኤኦም ብዓወት ዛዚሞም እዮም።
ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ፈፃሚ ኣካል መዲቡ እናሰርሐ ክፀንሕ ቤት ምኽሪ ብዝሃቦ ሓላፍነት መሰረት እውን ፈላሚ ኣኼባ ካቢኔ ብምግባር ዕላዊ ስርሑ ጀሚሩ እዩ። ምምላስ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ መቃለሲ ማእኸል ክህልዎ ዘኽእል እዩ። ትግራይ ስሩዕ መንግስታዊ ቁመና ብዘለዎ መንግስቲ ክትመሓደርን ኣብ ፈፃሚ ኣካል ቀፃሊ ዝኾነ ቁፅፅርን ተሓታትነትን ክሰፍን ዝገብር እዩ። እቲ ቀንዲ ድማ ዓቕምታት ትግራይ ብምውዳብ ብሄራዊ ትካላት ህዝቢ ትግራይ ነቲ ከም ህዝቢ ገጢሙና ዘሎ ሓደጋ ዝምጥን ቁመናን ምውዳድን ፈጢረን ክሰርሓ ዘኽእል እዩ። ብሓፈሻ ድማ እቲ ብዝተዋደደ መንገዲ ክብተን ክስረሐሉ ዝፀንሐ ዓቕምታተ ትግራይ ክእከብ፣ ንዝመፁ ብድሆታት ክምክት ዘኽእል ዓቕሚ ዝፈጥር እዩ። በዚ እውን ሉእላዊ ወሰን ትግራይ ክኽበር፣ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝቕተሉን ዝግፍዑን ዘለዉ ወገናትና ሓራ ክወፁ፣ ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ወገናትና ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ተሓታትነት ፈፀምቲ ጀኖሳይድ ክረጋገፅ፣ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ክጅመር ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ኣንፀላልይዎ ካብ ዘሎ ሓደጋ ህልውና ወፅዩ ውሕሰንኡ ክረጋገፅ ዘኽእል ቃልሲ ክካየድ ባይታ ዝፈጥር እዩ። ዘተን ድርድርን ንምክያድ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እውን ተወሳኺ ዓቕሚ ዝፈጥር እዩ።
መላእ ህዝቢ ትግራይ ንሰላም ካብ ዘለካ ባህጊ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክፍፀም ብዓቕልን ትዕግስትን ክትሓትት ፀኒሕኻ ኢኻ። እንተኾነ ግን ስርዓት ብልፅግና ነቲ ስምምዕ ከም ካሊእ መልክዕ ጀኖሳይድ እናተጠቀመሉ ብምፅናሕ ሕዚ ድማ ጠቕሊሉ ኣፍሪስዎ ኣሎ። ሕዚ እውን ከም ቀደምካ ነቲ ኣንፀላልዩካ ዘሎ ሓደጋ ህልውና ንምውሓስ ኣብ ጎኒ መንግስትኻን መሪሕ ውድብካ ህወሓትን ዓሲልካ ወሳናይ ተራኻ ከም ትዋፃእ ኣየጠራጥርን። ነቶም ዓቕሚ ፈጢርካ ክብዚ ሓደጋ ከይትወፅእ ብቐፃሊ ኣብ ሓድነትካን ውዳበታትካን ትኹረት ብምግባር ዝግበሩ ዘለዉ ናይ ወሽጥን ደገን ወፍርታት ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ብምቅላስ ነቲ ዘይተርፍ ዓወትካ ዘቀላጥፍ ቃልሲ ክትገብር ይግባእ።
ምምላስ ተወንዚፉ ዝፀንሐ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ምስ ኵናትን ወረ ኵናትን ፍፁም ዘተኣሳስር የብሉን። ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ሕዚ እውን ቅዋሞም ኩሎም ኣፈለላያት ብዘተን ድርድርን ክፍትሑ ኣለዎም ዝብል እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ናብ ስርሑ ምምላስ ብዝኾነ ይኹን መልክዕ መንቀሊ ኵናት እዩ ኢልና ከምዘይንኣምን በዚ ኣጋጣሚ ክንገልፅ ንደሊ።
ህዝባዊ መንግስትና ንመኸተና!
ዘለኣለማዊ ዝኽርን መጎስን ንስውኣትና!
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ!
3 ጉንበት 2018 ዓ/ም See less

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ንህወሓት "ኣብ ትግራይ ዝተረፉ ናይ ተቓውሞ ድምፅታት ንምጥፋእ ይሰርሕ ኣሎ" ክብል ከሲሱ​መቐለ – ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት)፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ...
11/05/2026

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ንህወሓት "ኣብ ትግራይ ዝተረፉ ናይ ተቓውሞ ድምፅታት ንምጥፋእ ይሰርሕ ኣሎ" ክብል ከሲሱ

​መቐለ – ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት)፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ ህወሓት "ፖለቲካዊ ምህዳር ትግራይ ሙሉእ ንሙሉእ ብምዕፃው፡ ዝተረፉ ናይ ተቓውሞ ድምፅታት ንምጥፋእ ይንቀሳቐስ ኣሎ" ክብል ኸሲሱ።

​እቲ ውድብ ሎሚ ግንቦት 3/2018 ዓ.ም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ እቲ "ዘይረዊ ናይ ስልጣን ሽውሃት ዘለዎ ሓይሊ" ጅሆ ተታሒዙ ይሳቐ ከምዘሎ ገሊፁ።

ሙሉእ መግለፂ እቲ ውድብ 👇👇

መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

ኣብ ትግራይ ዝተረፉ ናይ ተቓውሞ ድምፅታት ንምጥፋእ ዘንቀለ ሓይሊ ህወሓት

ህዝቢ ትግራይ፡ ስልጣን ናይ መወዳእታ ሽትኡ ብዝገበረን ዘይረዊ ህንፉፍ ናይ ስልጣን ሽውሃቱ ንምምላእ ብዝተግህን ሓይሊ ጅሆ ተታሒዙ ይሳቐይ ኣሎ። እዚ ሓይሊ ንሕጋዊ፣ ፖለቲካውን ሞራላውን መዳያይቦታት ስልጣን ረጋጊፁ ኣብ እንግድዓ ህዝብና ተኾይጡ ኣሎ። እዚ ኸይዲ፡ ህዝብና ዝኸዓቦ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ዝነፀጎን ፖለቲካ ሓይልታት ትግራይ ድማ ዝተቓወምዎን ተግባርን ከይድን ዋላ እንተኾይነ፤ ብሓይለ-መልጢ ስልጣን ዝጨበጠ እዚ ሓይሊዘይሕጋውን ዘይሞራላውን ተግባራቱ ኣጠናኺሩ ቀፂልሉ ኣሎ።

ኣካል እዚ ዘይሕጋዊ ተግባራቱ ድማ ህልውና ብዘይብሉ “ቤት ምኽሪ” ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣሕሊፉን “ፕረዚዳንት” መሪፁን እዩ። ቀፃሊ ዕማም እዚ ብጉልበት ስልጣን ዝተቖፃፀረ ሓይሊ ድማ፡ ኣብ ትግራይ ዝተረፉ ናይ ተቓውሞ ድምፅታት ምጥፋእ ምዃኑ ምርዳእ ክኢልና ኣለና። “ንኢሱኒ’ያ ተበልኩስ ተቖርሚሙኒ” ከምዝበሃል ቀደሙ እውን እንተኾነ መማረፂ ሓሳብ ንዘለዎም ውዳበታትን ውልቀሳባትን ዘወሳውስ ባይታ ዝኸልከለ ሓይሊ፤ ሐዚ ድማ ብዝበኣሰ ፖለቲካ ምህዳር ትግራይ ሙሉእ ንሙሉእ ልኩት ኣቢሉ ክዓፅዎ እዩ። እዚ ግናይ ተግባር ብርኪ ተቓላዕነትን ሓደጋታትን ትግራይ ብምግዳድ ከይዲ ጥፍኣት ትግራይ ዘቀላጥፍ ምዃኑ ልቢ ክበሃለሉ ይግባእ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ መዋፅኦ ትግራይ ኣብ ኢድ ንብሄራዊ ህላውኡን ረብሓታቱን ዝረጋረግ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ፤ ህልውናን ረብሓን ትግራይ ንምርግጋፅ ዝረባረቡ ብሄራውያን ውዳበታትን ኣካላትን ድማ ብፍላይ ዝተደረኸ ምዃኑ ይኣምን። ስለዝኾነ ብሄራውያን ሓይልታት ትግራይ፡ ዓድናን ህዝብናን ተደጊስሎም ካብ ዘሎ ሓደጋጥፍኣት ንምድሓን ሓላፍነት ወሲድካ ምስራሕ ዝጠልበሉ ፍሉይ ኩነታት ከምዝተፈጠረ ብምእማን ኣብ ምድሓን ህዝብናን ዓድናን ክንሰምር ይግባእ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
ግንቦት 3/2018
መቐለ ትግራይ

ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ትግራይን ዘሎ ወጥሪ ንምቅላልን ንተበግሶታት ሰላም ብዘይ ወዓል ሕደር ንምድጋፍን ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ።ጥምረት ሲቪል ማሕበራት ትግራይ (ACS...
10/05/2026

ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ትግራይን ዘሎ ወጥሪ ንምቅላልን ንተበግሶታት ሰላም ብዘይ ወዓል ሕደር ንምድጋፍን ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ።

ጥምረት ሲቪል ማሕበራት ትግራይ (ACSOT) ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ውዳበታትን ማሕበራትን ትግራይ ብሓባር ናብ ዓለም ለኸ ዲፕሎማሰኛታትን ትካላትን ኣብ ዝልኣኸዎ ደብዳበ እዩ ነዚ ፃውዒት ቀሪቡ ዘሎ ።

ኣብቲ ናብ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ፣ ሓላፊ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንቀርኒ ኣፍሪካ፣ ከምኡ እውን ንኣምባሳደራትን ኣሜሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ጀርመን፣ ፈረንሳይ፣ ጣልያን ሓዊሱ ኣብዘልኣኸ ደብድበ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ስምምዕ ምቁራፅ ተጻብኦታት፣ ጠበንጃታት ስቕ ኣቢሉ እኳ እንተነበረ፣ ብሰንኪ ቀፃሊ ዘይምትእምማንን ፖለቲካዊ ጉዳያትን ሕዚ ናብ ዝከፍአ ኩነታት የምርሕ ከምዘሎ ይገልፅ ።

ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምሉእነት ክትግበር ብዘይምኽኣሉ ብሕገ መንግስቲ ኣፍልጦ ዝረኸቡ ልኡላዊ ግዝኣታት ትግራይ ሕዚ እውን ተጎቢጦም ተታሒዞም ከምዘለው ፣ ከምሳዕቤኑ ድማ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ወገናት ኣብ ግዚያዊ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ጥሒሎም ከምዘለው ፣ መስርሕ ምሕዋይ ድማ ከምቲ ትፅቢት ዝግበረሉ ከምዘይሰጎመ ኣብቲ ደብዳበ ተሓቢሩ።

ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ዝበኣሰ ወጥሪ ብሃንደበት ዝመፀ ዘይኮነስ ኣብ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ናይ ዝርኣዩ ናይ ዝነበሩ ሽግራት መቐፀልታ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ጥምረት ስቭል ማሕበራት እቲ ሕዚ ዘሎ ወጥሪ ግና ከምቲ ልሙድ ሸለል ክበሃል ዘይግብኦን ቅልጡፍ ኢድ ኣታውነት ማሕበረሰብ ዓለም ዝጠልብ ምዃኑ ፤ በዚ መዳይ ኣብ ምፍርራም ውዕሊ ፕሪቶርያ እጃም ዝነበሮም ኣካላትን ሃገራትን ቅልጡፍ ፍታሕ ኣብምንዳይ ክዋስኡ ፀዊዖም ።

ዓለምለኻውያን መሻርኽቲ ንህንፀት ሰላም ዘኽእል መድረኽ ከመቻችኡ ዝተላበው እቶም ማሕበራት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከቡ መዳርግቲ ኣካላት እውን ንዕርቂ ቀዳምነት ክህቡ ፀዊዖም ።

08/05/2026

ምሉእ ትሕዝቶ እቲ ቃለ-መሕትት ኣብ comment ኣስፊረዮ ኣለኹ! 👇

Address

Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Daniel posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Daniel:

Share