Reporter Daniel

Reporter Daniel ​Our liberty depends on the freedom of the press​

ዘለኣለማዊ  #ክብሪ  #ዝኽርን  #ሞጎስን ንሰማእታት ትግራይ
22/06/2026

ዘለኣለማዊ #ክብሪ #ዝኽርን #ሞጎስን ንሰማእታት ትግራይ

ዝኽረ ሰማእታት ሰነ 15 ኣብ ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ
21/06/2026

ዝኽረ ሰማእታት ሰነ 15 ኣብ ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ

ብምኽንያት መበል 38 ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ሰነ 15 ኣብ ከተማ ሓውዜን ስነ ስርዓት ምንባር ጕንጉን ዕንበባ ተኻዪዱ።
21/06/2026

ብምኽንያት መበል 38 ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ሰነ 15 ኣብ ከተማ ሓውዜን ስነ ስርዓት ምንባር ጕንጉን ዕንበባ ተኻዪዱ።

16/06/2026
16/06/2026

ቮክስ ትግራይ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ናፅነት ሚድያን ዝቐንዐ ወፍሪ ብፅኑዕ ኾኒኑ

​እቲ ትካል ጋዜጠኛታትን ዜጋታትን ሓሳቦም ብነፃነት ብምግላፆም ንክእሰሩ ዝፅውዕ ዘሎ ወፍሪ ንኹንን ብዝል ርእሲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ ሚድያ መድረኽ እናፀበበን ሓሳብካ ናይ ምግላፅ መሰል ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሓደጋ ይርከብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

15/06/2026

ህወሓት "ናብ ሓዱሽ ኲናት ከይንኣቱ ዝገበረ ዘሎ ናይ ትግራይ ትዕግስቲ ጥራሕ እዩ" ኢሉ።

ሎሚ ኣብ ዝወፀ ሰሙናዊ መልእኽቲ እቲ ውድብ፤ ፅሕተራ ካሊእ ዙር ደማዊ ኲናት ስርዓት ብልፅግና፤ ብምትላልን ምድንጋርን ከምዘይከኣል ገሊፁ።

ስርዓት ብልፅግና ሕዚ እውን ነጋሪት ኵናት ኣብ ምድሳቕ ይርከብ ዝበለ እቲ መግለፂ፤ እዚ ኩሎም ኣፈላላያት ብሓይሊ ክፈትሕ እየ ኢሉ ኣሚኑ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ጀኖሳይድ ዝኣወጀ ስርዓት ሕዚ እውን ካሊእ ዙር ደማዊ ኵናት ንምኽፋት ተደጋጋሚ ፅሕተራ ኩናት የካይድ ኣሎ ዝበለ እንትኸውን፤ ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ተደጋጋሚ ደብዳብ ድሮን ይፍፅም ኣሎ። ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ትግራይ ሰራዊቱን ጋዕገልጠሙን ኣኽቲቱ ኣብ ምህንዳድ ይርከብ ኢሉ።

እቲ ሰሙናዊ መግለፂ ፣እዚ ሰርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ቅሉዕ ኩናት ካብ ዝእውጅ ፀኒሑ እኳ እንተኾነ ብወገን ትግራይ ዘሎ ትዕግስቲ ጥራሕ እዩ ዛጊድ ናብቲ ዝብህጎን ዝፅሕትሮን ዘሎ ካሊእ ዙር ደማዊ ኩናት ዘይኣተወ ኢሉ።

15/06/2026

"‘ወይዘሮ ኣኸዛ ሕሉፍ ሓዊሱ ዝተኣሰሩ ብህፁፅ ይፈትሑ" መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

​ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፤ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገማት በቢመዓልቱ ይጋደድ ምህላዉ ብምሕባር፣ "ዕጡቕ ሓይሊ ህወሓት" ንሞራል ህዝቢ፣ ሕግን ንቡር ፖለቲካዊ መስርሕን ብምጥሓስ ስልጣን ብሒቱ ኣሎ ክብል ከሲሱ።

10/06/2026

"ኣብ ኢትዮጵያ ይሕሸና ምስዝብሉ ንከራኸር "

Address

Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Reporter Daniel posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Reporter Daniel:

Share