Defacto State of Tigray

Defacto State of Tigray Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Defacto State of Tigray, Media, Sweden, Mekelle.

ዘይከምዚኣ ታይ ደልየ ዘይከምዚኣየ
25/10/2020

ዘይከምዚኣ ታይ ደልየ ዘይከምዚኣየ

ንህልው ኩነታት ኣመልኪቱ ብብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ ቅዋም

ስልጣን መንግስቲ ፌደራል ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ተቖፃፂሩ ዘሎ ኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ሓይሊ “ታሪኽ ንባዕሉ ይደግም” ከም ዝብሃል ግፍዕታት ዘውዳውን ወተሃደራውን ስርዓታት ኢትዮጵያ ሓንቲ ብሓንቲ እናደገመ ህዝቢ ትግራይ ንምምብርካኽ ምስ ሓይልታት ወፃኢ እንከይተረፈ ተሻሪኹ መዋፅኢ ቂም ፅልኢ ስርዓት ኢሳያስ ንምግባር ልኡላውነት ሃገር ኣሕሊፉ ክሳብ ምሃብ ዝበፅሕ ክሕደትን በደልን ይፍፅም ኣሎ።

ኣብዚ ሰሙን ድማ ብሽም ምትዕርራይ እዝታት ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ልኡላውነት ሃገር ኣሕሊፉ ንምሃብን ህዝቢ ትግራይ ንምስኳንን ብሽርሒ ዝተመልአ ስልቲ ከተግብር ተሊሙ ኣሎ። ንዝሓለፉ 23 ዓመታት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዘሎ ዕልባት ዘይረኸበ ዶባዊ ጎንፂ ንምሕላውን ልኡላውነት ሃገር ንምኽባርን ኣብ ትግራይ ተዋፊሮም ዘለዉ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ብምድኻምን ህዝብን ሃገርን ኣሕሊፉ ንምሃብ ይዳሎ ኣሎ። እንተኾነ ግና መንግስቲ ትግራይን ካልኦት ፌዴራሊስት ሓይልታትን ብተደጋጋሚ ከም ዝገለፅዎ እዚ ኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ሓይሊ እዚ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፌ.ዴ.ሪ.ኢ. ድሕሪ 25 መስከረም 2013 ዓ.ም ናይ ስልጣን ግዚኡ ስለዘብቀዐ ፖለቲካዊ ይኹን ወተሃደራዊ ውሳነታት ከመሓላለፍ ዝኾነ ዓይነት ሕጋዊ ሓላፍነት ይኹን ስልጣን ኣይብሉን።

ስለ ዝኾነ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንዘሎ ህሉዊ ኩነታት ብዝግባእ ገምጊሙ ዝስዕብ እዋናዊ መግለፂ ቅዋም ኣውፂኡ ኣሎ፦

1. ፖለቲካዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ተላዚቦም ከቕምጥዎ ካብ ዝኽእሉ ቀፃሊ መፍትሕታት ወፃእ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዘይሕጋዊ፥ ኣሃዳዊ፥ ወልቀ መላኺ ሓይሊ ምውፋርን ኣወዳድባን ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ዝምልከት ውሳነታት ከመሓላለፍ ሕጋዊ ሓላፍነትን ስልጣንን ስለ ዘይብሉ ዝተወሰኑ ውሳነታት ተቐባልነት ይኹን ተፈፃምነት ኣይብሎምን። በዚ መሰረት ምስ ትግራይ ዝተኣሳሰር ውሳነታት ምውፋር፣ ምትዕርራይ ኣወዳድባን መሪሕነትን፣ ዝግበር ምንቅስቓስ ሰራዊት ኮነ ኣፅዋር ፍፁም ተቐባልነትን ተፈፃምነትን ከም ዘይብሉ ክፍለጥ ይግባእ። ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ነዚ ዘይሕጋውን ካብ ሕገ መንግስታዊ ተልእኾኦም ወፃኢ ዝግበር ኣወዳድባን ምውፋርን ክቕበሉ ከም ዘይብሎም ነተሓሳስብ። ብሰንኪ ሓላፍነት ዝጎደሎ ውሳነ እዚ ሓይሊ ንዝፍጠር ፀገም ተሓተቲ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኣሃዳውያን ውልቀ መለኽቲ ኣብይ ኣሕመድን ኢሳያስን እዮም።

2. ህዝቢ ትግራይ ብሕጊ ዝግብኦ በጀት ኮነ ካልኦት ደገፋት ካብ ጁባ ውልቀ መላኺ ሓይሊ ዝውሃቦ ዘይኮነስ ካብ ባዕሉ ካብ ህዝቢ ትግራይ ብግብርን ቀረፅን ዝኣከቦን ብመልክዕ በጀት ተሸንሺኑ ዝወሃቦ ሕጋዊ ብፅሒቱ ምዃኑ ተፈሊጡ ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነት በጀት ትግራይ ክልቀቕ ይግባእ። እዚ ዘይሕጋዊ ሓይሊዚ ሕገ መንግስስታዊ መሰል ህዝቢ ትግራይ ጥሒሱ በጀት ዝቖርፅ ወይ ጠጠው ዘብል እንተኾይኑ ብቐጥታ ኲናት ምእዋጅ ብምዃኑ፥ ከም ሳዕቤኑ ንዝፍጠር ዝኾነ ዓይነት ኩነታት ብሕታዊ ተሓታቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ሓይሊ እዩ።

3. ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ውልቀ መላኺ ሓይሊን መሻርኸቱን ይበፅሐካ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ በደላት “ምእንቲ እዛ መጎጎ ትሕለፍ እታ ኣንጭዋ” ብዝብል ለባም ኣካይዳ ሃገር ንምድሓን ክትብል ሕልፊ ዋጋን መስዋእትን ትኸፍል ከም ዘለኻ ይፍለጥ። እንተኾነ ግና ትዕግስትኻ ክርድኡ ዘይኽእሉ ሓደሽቲ ውልቀ መለኽቲ ዘይዛሪ ግፍዒ፣ ኣድልዎን ድፍኢትን ይፍፅሙልካ ኣለዉ። ስለ ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ድሕንነትካን ህልውናኻን ዘንፀላለወ ጭቡጥ ሓደጋ በዚ ክቕፅል ከምዘይኽእልን ከምዘይግባእን ተገንዚብካ ከም ወትሮኻ ፀላእትኻ ዳግም ንምምካት ድሙቕ ታሪኽ ንኽትሰርሕ ዝልዓለ ድልውነት ንኽትገብር ንፅውዕ።

4. ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት ኣብ ስልጣን ዘሎ ዘይሕጋዊ ሓይሊ ምስ ዘይምልከቶም ወገናት የካይዶ ዝነበረ ዘተ ብናይ ኢትዮጵያ ህዝቢን ፖለቲከኛታትን ፀቕጢ ተዘይቋረፅ ነይሩ ሉዓላዊነት ሃገር ኣሕሊፉ ስምምዕ ንምፍራምን ናይ ገንዘብ ሕርጓቶን ካልኦት ጥቕማ ጥቕምን ክወሃቦ ተሰማሚዑ ከምዝነበረን ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሓይሊ ሉዓላውነት ዓዲ ኣሕሊፉ ንምሻጥ ንድሕሪት ዘይብል ምዃኑ ዳግም ግልፂ ኮይኑ ኣሎ። ስለዝኾነ እውን ብሰንኪ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዘይሕጋዊ፥ ኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ሓይሊ ብሄራት፣ ብሄረ-ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ናብ ኩለ መዳያዊ ቅልውላውን ምሉእ ምብትታን ሃገርን ቅድሚ ምእታው ብፌደራሊስት ሓይልታት ንዝቐረበ እማመ ሰላምን ምድሓን ሃገርን መሰረት ዝገበረ መፍትሕታት ከቐምጡን ዝዓበየ ጥፍኣት ዘድሕኑሉ መንገዲ ክመርፁን ሓበራዊ ቅልፅሞም ኣንፃር እዚ ዘይሕጋዊ ኣሃዳዊ፥ ውልቀ መላኺ ሓይሊዚ ከዕርፉን ንፅውዕ።

5. ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ልኡላውነት ሃገርን ክትሕልዉ ቃል ኣቲኹም ዝተሰለፍኩም ሓይልታት ምክልኻል ሃገር፤ ሉኣላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ እናኣተወን ርኢኹም ከም ዘይርኣኹም እትሓልፉሉ ኩነታት ከብቅዕ ይግበእ። ብሰንኪ ጨፍላቒ ኣካይዳ እዚ ሓይሊ ካብ ሕገ መንግስታዊ ተልእኾኹም ወፂእኹም ምስ ብሄራት፣ ብሄረ-ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ክትጓነፁን ክትዳመዩን ይግበር ኣሎ። ሃገር ብመስዋትነትኩም ንምድሓን ወፊርኩም ክተብቅዑ፥ ዕላማኹም ተጨውዩ መሳርሒ ፀቢብ ፖለቲካዊ ረብሓ ዘይሕጋዊ ውልቀ መላኺ ኣሃዳዊ ሓይሊ ትኾኑ ምህላውኩም ፈሊጥኩም ኣብ ጎኒ ህዝብኹም ክትስለፉን ልኡላውነት ሃገርኩም ክተድሕኑን ታሪኻዊ ሓላፍነትኩም ክትዋፅኡ እናፀዋዕና ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ኣብ እትገብርዎ ቃልሲ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣብ ጎንኹም ኮይኑ ከም ዝቃለስ ነረጋግፀልኩም።

6. እዚ ስልጣን ዝሓዘ ዘይሕጋዊ ሓይሊ ንዓለም ለኻዊ ቃል ኪዳናትን ግቡኣትን ብምጥሓስ ካብ ዓለም ለኸ ትካላት ግብረ ሰናይ ዝተረኸበ ሓገዝ ውሕስና ምግቢ እንተይተረፈ ንፖለቲካዊ መጋባርያ የውዕሎ ኣሎ። ስለዚ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ኤጄንስታቱን ከምኡ እውን ዓለም ለኻዊ ትካላት ግብረ ሰናይ ንውሕስና ምግብን ሰብኣውነትን ዝለገስዎ ሓገዝ መሳርሒ ፖለቲካ ዘይሕጋዊ ኣሃዳዊ ውልቀ መላኺ ሓይልን መጨቆኒ ህዝቢ ትግራይን ይውዕል ከም ዘሎ ፈሊጥኩም ኣብ መዓልኡ ንኸውዕል ክትቆፃፀሩ፥ ብጥሕሰት ዓለማዊ ግቡኣት ሰብኣውነት ተሓታቲ ክኾንን ይግባእ። ማሕበረ-ሰብ ዓለም፣ ኣህጉራውን ዓለማውን ትካላት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለኹም ማሕበረ-ሰብ ዲፕሎማሲ እዛ ሃገር ናብ ሕድሕዳዊ ኲናትን ምብትታንን እንተኣትያ ዞባዊ፣ ኣህጉራውን ዓለማውን ሳዕቤኑ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ተረዲእኹም ኣብ ምድሓን ሃገር ሕጋውን ሞራላውን ግቡእኹም ክተበርክቱ ይግባእ። እዚ ከይኮነ ተሪፉ ኣብዚ ሃገር ንዘጋጥም ቅልውላውን ምብትታንን ካብ ታሪካውን ሞራላውን ተሓታትነት ክተምልጡ ኣይትኽእሉን።

7. ህዝብን ሓይልታት ምክልኻል ሃገርን ኤርትራ ንነፃነት ኣብ ዝኸፈልኩምዎ መሪር መስዋእቲ ክባር ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ትግራይ ንምስኳን ስርዓት ኢሳያስ ምስ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ተሻሪኹ ዳግም ናብ ደምነት ከእትወና ህርዲግ ይብል ኣሎ። ክልቲኦም ውልቀ መለኽቲ መንገዲ ሕውነታዊ ርክብ ህዝብታት ዓፅዮም ኣብ ምድልዳልን ምሕላውን ስልጣኖም ዝተመስረተ ውልቃዊ ርክብ ፈጢሮም ብደም ክልቲኡ ኣሕዋት ህዝብታት ክነግሱ ዘለዎም ባህጊ ሕልሚ ኮይኑ ንኽተርፍ ታሪኽ እንሰርሐሉ ወሳኒ ምዕራፍ ዘለና ምዃና ተረዲእኹም ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፍኩም ግቡእኹም ንኽተበርክቱን ደማዊ ኣካይዳ ስርኣት ኢሳያስ ጠጠው ንኽተብሉን ፀዊዒትና ነቕርብ። ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጥም ዝኾነ ዓይነት ፀገም ካብ ተሓታትነት ከምልጥ ከም ዘይኽእል እውን ክፍለጥ ይግባእ።

ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና!

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ

14 ጥቅምቲ 2013 መቐለ

21/05/2020

ህገመግስቲ ብግልጺ ከምዝብሎ
Constitutional silence is not listed as areason for constitutional interpretation,so CCI doesn't have a legal mandate to do so

16/05/2020

ዳግማዊ ምኒልክ Vs ኣፄ ዮውሃንስ ፬ኛ (2012 ዓ.ም)
= = = = = = = = = = = = = = = = = = = =
(ትምክህተኞች እና ልብ ድካም ያለባቸው እንድያነቡት ኣይመከርም !!)
በ1881 ዓ.ም ኣፄ #ዮውሃንስ የጎንደር 44ቱ ታቦት ለመጠበቅ ፤ ሃይማኖታቸው እንዳይደፈር ፤ የኣቢስንያ(ኢትዮጵያ+ኤርትራ) ድምበር ተደፈረ ብለው #መተማ ዘመቱ። በጀርባ ቀይ-ባህር ከሰፈረው ጣልያን ጋር ሲያሴር የነበሩት እባቡ ምኒልክ ኤርትራን በ350 ዘመናዊ ጠመንጃና ጥቂት መድፎች ከሸጡ በኃላ ፤ ኣፄ ዮውሃንስን #ድርቡሽን ድል ኣርገው(ኣሸንፈው) ሲመለሱ በጀርባ በቅጥረኛ ኣስገደሉ። ከኣፄ ዮውሃንስ ህልፈት በኃላ ምኒልክ መቐለ ዘምተው ህፃናትን ሳይቀር ገደሉ(ኣድገው ይበቀሉኛል በሚል ሰበብ) ወንድ የሌላትን ትግራይ ለማስቀረት ኣስበው ነው። ትግራይን ኣዳክመው ፣ ከፋፍለው ና ኣተራመስው ኣበሳበስዋት።ወገብዋ እንደተቆረጠ ግዜ ግዜን እየወለደ 1967-1983 ዓ.ም ቀን ወጣላትና በልጆችዋ ትጥቅ ትግል መራራ መስዋእትነት ዳግም ተነሳች።
ያለፈው ታሪክ ብዙ ነገር ኣስተምሮን ኣልፏል ወደ ዛሬው እንምጣ !!!
#4ኪሎ የሰፈረው #በካሜራና ፎቶ # ፍቅር የተለከፈው ጠ/ሚ ተብየው ኣብይ ኣህመድ(ሌሎች ሰዎች ላይ የሚጠቀመው ቃላቶች ነው እራሱ ላይ እየተጠቀምኩ ያለሁት ነፍጠኛ ሲያነበው ልያስነጥሰው ይችላል!) እና የግብፅና ኣሜሪካ ተላላኪው ኣሻንጉሊት ምርጫው ለማራዘም #በኮሮና እያሳበበ መቆየቱ ይታወቃል ፤ ሰበቡ ኣይሳካ ሲለው ወረራ ሊፈፀምብን ይችላል የሚል ቅልብስብስ ያለ መግለጫ ኣወጣ የኣባይ ዘፈንም መቃኘት ጀመረ (ኢ/ር ስመኘው የገደለ ሰውየ) ።
#ሱዳን በኣባይ ጉዳይ ለኢትዮጵያ መርዶ የሆነ የኣቋም መግለጫ ማውጣትዋ ሳይቀር ፤ #በኣርማጭሆ በኩል ቶክስ ተሰማ። ሁሉም ሰው ኣይኑን ቲቪ ላይ ጆሮው # መተማ ላይ ተተከለ። ዳግማይ(ሁለተኛ)1881 ዓ.ም #ተከሰተ ማለት ይህ ኣደል።
፩. ኣፄ ምኒልክ(ኣብይ ኣህመድ) ኤርትራ ከሰፈረው ጣልያን(ኢሳያስ) ሲያሴሩ ከርመዋል።
፪. ኣፄ ዮውሃንስ(ዶ/ር ደብረፅዮን) የኢትዮጵያ ህዝብ ከጦርነት(መንግስት ኣባነት) ለመታደግ #ምርጫ መደረግ እንዳለበት ኣስረግጠው ወስነዋል።
፫. ኣፄ ምኒልክ(ኣብዮት ኣህመድ)ግን የኤርትራ ተላላኪ ፣ የኣሜሪካ ስራ ኣስፈፃሚ ፣ የግብፅ # ኣምባሳደር ሆኖ ቀጥሏል። ከኣሜሪካ 225 ሚልዮን ዶላር ማግኘቱ( ምኒልክ ኤርትራን ሲሸጥ 350 #ጠመንጃና ጥቂት መድፍ in mind(ኣትርሱ))።
እንዳልኩት ከታሪክ ተምረናል
1. ዛሬ መተማ ዘምቶ በቅጥረኛ የሚገደል ኣፄ ዮውሃንስ የለም !! ፤ ራሳቹ የለኮሳቹት ጦርነት ራሳቹ ተወጡት። ምነው ያኔ ተጋሩ ከመተማ ፣ ጎንደር ስታፈናቅሉ ኢትዮጵያውያን ተደፈሩ ኣላላቹም ??? ኣሁን መሬትና ተራራ ሲወረረ ኢትዮጵያ ተደፈረች እየየየየየ እየየየየየየ ኣላቹሳ ?? ከሰው በላይ መሬት ከሆነ ዘመዳቹ እንግድያውስ ተራራው ያግዛቹ።
2. ሱዳን በ1977 ዓ.ም ከድርቅ ታድጋናለች ፤ ከ2008 ዓ.ም እስከ 2012 ዓ.ም ከኣማራ የተፈናቀሉ ተጋሩ ኣስጠልላ መግባ ወደ ትግራይ መልሳለች። ኣማራ ተጋሩን ኣፈናቀሉ ሱዳን ግን ታደጉ ኣስጠለሉ። ልዩነቱ ግልፅ ነው !!!
3. መቐለ በንጉሷ በኣፄ ዮውሃንስ ስር ነች !!! የዛሬዋ መቐለ ንጉሷ የሞተባት የ1881ዋ መቐለ ኣይደለችም።ዛሬ መቐለ በወንዶች የተሞላች ነች ያውም #ብሬን እና # መትረየስ የታጠቁ #ኮማንዶ ። ንጉሷም ጥቃትዋን ለመከላከል ብቃቱም ኣቅሙም እንዳላቸው ቃል በቃል በህዝብ ፊት ለምኒልክና ለኣጃግርያቸው ኣሰምተዋል። እንዲህም ብለዋል ንጉሱ " # ማርኮ_መልቀቅ_የለም !!" ያው የምኒልክ ብቹሎች 4ቴ ፣ 5ቴ መማረክ ለምደዋልና ያ ነገር ዛሬ ቀርቷል ለማለት ፈልገው ነው ንጉሱ(ኣፄ ዮውሃንስ)። ዶ/ር #ደብረፅዮን ንጉስ መሆን ኣይፈልጉም ለኛ ግን # ንጉስ_ዳዊት ናቸው።
ታሪክ ራሱን ይደግማል !!!

16/05/2020

Address

Sweden
Mekelle
110667

Telephone

+251993421860

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Defacto State of Tigray posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Category