06/04/2025
#ዕሸል ከተማ #ድራ ኣብ ጎዕዞ ስራሕ ዕድል ፈጠራ #
***************$$$*****l***************
#ቢሮ ቴክኒክ ሞያ ስራሕ ዕድል ፈጠራ ትግራይ "ክእለት/ሞያ ዝመርሖ ስራሕ ዕድል ፈጠራ!!"
and driven Employment ብዝብል ትልሚታት ሓንፂፁ ይፅዕር ኣሎ።
ከም ቢሮ ቴክኒክ ሞያ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ትግራይ Tigray, TVET and Jobs Creation Bureau ኣብ 2016ዓ/ም ብዝቐረፆ ፕሮጀክት ትልሚ (Project Proposal) ናብ Mastercard Foundation Ethiopia ኣታዊ ገይርና።
#እዚ ድማ ን1000 ስራሕ ዘይብለን ደቂ ኣንስትዮ ብደርሆ Poultry ፣ ምርባሕ ጤለበጊዕ ብውዳብ፣ ምስልጣን StartUp Capital ነብሲ ወከፈን #22,000 ቅርሺ ብድምር 22 ሚልየን ቕርሺ ብምሃብ ናብ ተግባር ክኣትዋ ጌርና ኢና።
እዚ ፕሮጀክት ኣብ 7 ወረዳታት ማለት ኣላጀ፣ ሰሓርቲ፣ ሳምረ፣ ኣፅቢ፣ ላዕላይ ቖራሮ፣ ኣሕፈሮም፣ የጭላ አበርገለ ዝተፈፀመ እዩ። ኣብዚ ቕነ ነዚ መሰረት ብምግባር ጭቡጥ ኣፈፃፅማን ውፅኢትን ንምግምጋም ናይ ተግባር ዑደት -Field visit ንገብር አለና።
#ብኣተሓባባራይነት ቢሮ ቴክኒክ ሞያ ስራሕ ዕድል ፈጠራ ኮይኑ ምስ ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣስትዮ፣ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ፣ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ብምውዳድ እዩ።
#ወረዳ ኣፅቢ ዕሸል ከተማ ደራ ብልምዓትን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ብፍላይ ኣብዚ ፕሮጀክት ዝርዝር ኣፈፃፅምኡ ፈቲሽና ኣለና። ከም ወረዳ 143 ደቂ ኣንስትዮ ብውልቀን ብውዳበን ናብ ስራሕ ኣትየን እየን። ብደርሁ ልምዓት ፣ ብጤለበጊዕ ምርባሕን ምህጣርን ከምኡ እውን ብማኑፋክቸሪንግ ባልትና ናብ ለውጢን ስራሕን ኣትየን ተዓዚብና ኢና።
ከም ዕሸል ከተማ ልዕሊ 418 ኢንተርፕራይዛት ደአንት አለዋ። ብዘርፊ ማኑፋክቸሪንግ ፣ ከተማ ሕርሻ፣ ንግዲ ፣ ግልጋሎት፣ ኮንስትራክሽን እዩ። ነዚኦም ን102 መስርሒን መሸጢን ኣብዚ 9 ኣዋርሕ ተዓዲሉ እዩ።
ኣብዚ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳ ዝነጥፋ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ዘለወን ፀገማት ሞያዊ ስልጠና፣ ተወሳኺ ልቓሕ መስርሒ ዘይምሃብ፣ ዕዳጋ ምትእስሳር፣ ሞያዊ ክታበት ንተን እንስሳ ዘይምርካብ ፣ መርስሒን መሸጢን ብእኹል ዘይምርካብ ካልኦትን ዝምልከታ በቢዝምልከተና ክንፈትሐን ዝግበኣ እየን።
ሕዚ እውን ዝተፈላለዩ ባዕላውን ውድዓውን ፀገማት ከም ዘለው ትካላዊ ዓቕሚ ብምህናፅ ኣብ ዕቤት ተኮር ስራሕቲ ብምድሃብ ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ክስራሕ እዩ።
ኣብ መወዳእታ ምምሕዳር ዕሸል ከተማ ደራ፣ ቤ!ፅ ዘፈር ቑጠባ-ደአንት ወረዳ ኣፅቢ፣ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ኣፅቢ፣ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ዕሸል ከተማ ደራ፣ ኮሌጅ ቴክኒክ ሞያ ምሓሪ ፀጋይ ኣፅቢ ንዝገበርኩምልና ናይ ስራሕ ምትሕብባር ነመስግን።
#ኢኮነምያዊ ተጠቃምነት ደቂ ኣንስትዮ ንማዕርነት!!
ክእለት/ሞያ ዝመርሖ ስራሕ ዕድል መሰረት ሕውየት ትግራይ እዩ!!
Gebremedhin Hagos
ቢሮ ቴክኒክ ሞያ ስራሕ ዕድል ፈጠራ ትግራይ
27 መጋቢት 2017ዓ/ም
ደራ፣ ወረዳ ኣፅቢ - ትግራይ