Amoleta Tube - ኣሞሌታ ዕዳጋሓሙስ

  • Home
  • Amoleta Tube - ኣሞሌታ ዕዳጋሓሙስ

Amoleta Tube - ኣሞሌታ ዕዳጋሓሙስ ብዛዕባ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስን ከባቢኣን ዘለዉ ታሪካዊ ቦታታት ኣብ ከተማና ዘሎ ነገራትን ብ photo ን ብፅሑፍን ዓድና ለላሊየሉ ሓሳብና ንገልፀሉን page እዩ ፡፡

ምልክታ ንደለይቲ ስራሕ
29/10/2025

ምልክታ ንደለይቲ ስራሕ

ሓፈሻዊ በጀት ከተማ ዓድግራተ  2018 ዓ.ም 1 ነጥቢ 3 ቢሊዮን ብር ኾይኑ ፀዲቑ። 16 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ምAdigrat communication officeከተማና ዕዳጋሓሙስ  ከ ከምዚ ግልፅ...
26/10/2025

ሓፈሻዊ በጀት ከተማ ዓድግራተ 2018 ዓ.ም 1 ነጥቢ 3 ቢሊዮን ብር ኾይኑ ፀዲቑ።
16 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም
Adigrat communication office
ከተማና ዕዳጋሓሙስ ከ ከምዚ ግልፅነት ዘለዎ ሓበሬታ ናብ ሕ/ሰብና የካፍሉ ዶ ?

25/10/2025

ይሰማዐ ብፍላይ ቅርሺ ተንቀሳቅሱ ሰባት

ዘሐጉስ ብስራት ቴክኒክን ሞያን ገ/ስላሴ ኣስገዶም ዕ/ሓሙስ ናብ ዝነበሮ ምምሃር ምስትምሃር ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሩ ።
25/10/2025

ዘሐጉስ ብስራት
ቴክኒክን ሞያን ገ/ስላሴ ኣስገዶም ዕ/ሓሙስ ናብ ዝነበሮ ምምሃር ምስትምሃር ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሩ ።

ዓጋቲ ዘይረኸበ ፍልሰት መናእሰይፖሊስ  ወረዳ 70 እንደርታ ምስ ኣባላት ሓይሊ ፀጥታ ትግራይ ብምትሕብባር ኣብ ሓንቲ ተሽከርካሪት ዝጐዓዙ ዝነበሩ ልዕሊ 75 ከብለልቲ ናብ ዓዶም መሊሱ። እቲ ...
22/10/2025

ዓጋቲ ዘይረኸበ ፍልሰት መናእሰይ
ፖሊስ ወረዳ 70 እንደርታ ምስ ኣባላት ሓይሊ ፀጥታ ትግራይ ብምትሕብባር ኣብ ሓንቲ ተሽከርካሪት ዝጐዓዙ ዝነበሩ ልዕሊ 75 ከብለልቲ ናብ ዓዶም መሊሱ። እቲ ብለይቲ ሓቢኡ የጓዕዞም ዝነበረ መራሒ መኪና ሓዊሱ ኣብ ኬላ ተሓባሮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 3 ዕጡቓት ኣብ ቁፅፅር ኣውዒሉ፤ ብድሕሪት ዘለዉ ኣካላት እውን ምፅራይ ጀሚረ ኣለኹ ኢሉ።

እቶም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝርከቡዎም ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ዝተኣከቡ መናእሰይን ሰገናትን ዘይጭበጥ ማና ርእዮም ብደላሎ ተታሊሎም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣውዲቖም ጕዕዞ ጀሚሮም ከም ዝነበሩን በቶም ዝሓዙዎም ኣካላት ፀጥታ ብዝተውሃቦም ኣስተምህሮ ሓደገኛነትን ስደት፣ ህይወቶም ከም ዘውሓሱ ተዛሪቦም።

እቶም ደለልቲ ክሳብ ኣብ ሓደ ቦታ ዝእክብዎም ዘርእይዎ ዘይልባዊ ክንክን ኣብ ኢዶም ምስ ኣተዉ ግን ከም ኣቕሓ የከላብትዎም ከም ዝነበሩን ኣብቲ ዝጀመርዎ ሓፂር ጕዕዞ እውን እንተኾነ ክንድዚ ዝኣክል ብሞት ዝተሓፀየ ፈተናታት ምርኣዮም ኻልኦት ናብዚ ንቕሎ ዝወጠኑ መናእሰይ ንምድሓን እማያት ከም ዝኾኑ ወሲኾም ገሊፆም።

ፖሊስ እቲ ወረዳ እቶም ኢድ ብኢድን ብጥቆማን ኣብ ቁፅፅር ዘውዓም ኣካላት ሒዙ ካልኦት ብድሕሪት ዘለዉ ደለልቲ ንምቁፅፃር ዕሙቝ ምፅራይ ጀሚሩ ከም ዘሎ ብምሕባር ወለድን ኣካላት ምምሕዳርን ድማ እዚ ኣብ መናእሰይ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ፍልሰትን ሓደጋን ንምክልኻል ኣውራ ውራዮም ገይሮም ክዓምምሉ መፀዋዕታ ኣቕሪቡ።
@ኮምሽን ፓሊስ ትግራይ

ሓዉና figo ብቀደማይ ሓንቲ ኩዕሶ ክገዝአልኩም ኢሉ ቃል ብዝኣተዎ መሰረት ክልተ ኩዕሶ ጌሩ ሂቡና ኣሎ ብስም ስፖርተኛታት ከተማ ዕ/ሓሙስ ድማ ብጣዕሚ ነመስግን። fabre ye mikael #...
22/10/2025

ሓዉና figo ብቀደማይ ሓንቲ ኩዕሶ ክገዝአልኩም ኢሉ
ቃል ብዝኣተዎ መሰረት ክልተ ኩዕሶ ጌሩ ሂቡና ኣሎ
ብስም ስፖርተኛታት ከተማ ዕ/ሓሙስ ድማ ብጣዕሚ ነመስግን።
fabre ye mikael
# ፅብቅ ተግባር ገይሩ ዝሓውና ካልኦትና ድማ ንስዓቦ ። ስፓርት መንፈስካ ካብ ምሕዳስ ሓሊፍ ጥዕና : ተስፋ እውን እዩ ። ነዚ ወዲ እዝይን ስኢኑ እዩ መንእሰይና ኣደዳ ስደት ዝከውን ዘሎ ። ብዝከአልናዮ ንተሓጋገዝ ። ብፍላይ ስደት ዝበሃል ዓብዪ ስግኣት ኮይኑ ኣሎ ን
ማሕበረ ሰብ ። ናብ ገዛ ዶንጉዩ ዝመፅእ መንእሰይ ከይዱ ዶ ይኮን እናተብሃለ ኣብ ሻቅሎት እዩ ዘሎ ። ከመዚ ዓይነት ተግባር ግን ተተሓባቢርና እቲ ስግኣት ብ መጠኑ ኣብ ምቅናስ ዓብዪ ግደ ኣለዎ እዩ ።
የቀንየልና figi ድማ ንበሎ

22/10/2025

ካብ ናይ ሂወት ተሞክሮኩም ልካልኦት ብፍላይ ን መንእሰይ እንታይ ተካፍልዎ ምክሪ ይህልወኩም ?

ኣብ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ዝተሃንፀ ብፀሓይ ብርሃን ዝሰርሕ ፕሮጀክት መስተ ማይ ተመሪቑ።መቐለ፥ ጥቅምቲ 11/2018 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)ብምትሕብባር ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይን ትካል ...
21/10/2025

ኣብ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ዝተሃንፀ ብፀሓይ ብርሃን ዝሰርሕ ፕሮጀክት መስተ ማይ ተመሪቑ።

መቐለ፥ ጥቅምቲ 11/2018 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ብምትሕብባር ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይን ትካል መድሕን ህፃናት ዩኒሴፍን ካብ መንግስቲ ዴንማርክ ብዝተረኸበ 76 ሚልዮን ብር ሓገዝ ኣብ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ዝተሃነፀ ብፀሓይ ብርሃን ዝሰርሕ ፕሮጀክት መስተ ማይ ተመሪቑ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምርቓ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ኣይተ ተኽላይ ገብረመድህን፥ ኣብ ትግራይ ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሑ ፕሮጀክትታ ንምትእትታው ይስራሕ ከም ዘሎ ገሊፆም።

እቲ ዝተመረቐ ፕሮጀክት መስተ ማይ ኣብ ትግራይ ካብ ዝተኣታተዉ ብፀሓይ ዝሰርሑ ፕሮጀክታት እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ድማ ገሊፆAlem Smegn ኲናት ናብ 15 ምኢታዊ ወሪዱ ዝነበረ ሽፋን መስተ ማይ ትግራይ፥ ሕዚ ናብ 40 ምኢታዊ ክብ ከም ዝበለ እቶም ሓላፊ ገሊፆም።

ትካል መድሕን ህፃናት፥ ሽፋን ማይ ትግራይ ንክዓብይ ዝገብሮም ንዘሎ ስራሕቲ ድማ ኣመስጊኖም።

ተወካሊት ዩኒሴፍ ሚስ ማርኮ ካጎሽማ፥ ኣዴታት እቲ ከባቢ ማይ ንምርካብ ዝኸድኦ ዝነበራ ገልታዕታዕን ዘጋጥምወን ፀገማትን ካብ ምቕራፍ ብዝዘለለ ቑጠባዊ ፀገም እዚ ከባቢ ኣብ ምፍታሕ ልዑል እጃም ኣለዎ ኢለን።

እቲ ሎሚ ዝተመረቐ ፕሮጀክት መስተ ማይ ብመዓልቲ ንሸምንተ ሰዓታት ግልጋሎት ከም ዝህብን ንልዕሊ 30 ሽሕ ሕብረተሰብ ተጠቃሚ ከምዝገብር ድማ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ። tigrai tv

ኩቡራት ኣሕዋተይ እዞም ትርእይዎም ዘለኹም ቆልዑ ካብጠፍኡ ካልኣይ መዓልቶም ገይሮም ኣለው እቲ ሓደ መንከም ደስታ ኣለም ዝተብሃለ ወደይ እንኾን እቲ ካልኣየ ዓርኩ ንወደይ ነሆም ገ/ስላሴ ይበ...
20/10/2025

ኩቡራት ኣሕዋተይ እዞም ትርእይዎም ዘለኹም ቆልዑ
ካብጠፍኡ ካልኣይ መዓልቶም ገይሮም ኣለው እቲ ሓደ መንከም ደስታ ኣለም ዝተብሃለ ወደይ እንኾን እቲ ካልኣየ ዓርኩ ንወደይ ነሆም ገ/ስላሴ ይበሀል ብደላሎ ተታሊሎም ስለዝኸዱ share ብምግባር ወይ ከዓ ናብ 0991531007/0942384180
ብምድዋል ተሓባበሩኒ
🙏🙏🙏
Barich Tgrawy

Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Amoleta Tube - ኣሞሌታ ዕዳጋሓሙስ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share