ገዛ ተጋሩ Geza Tegaru

ገዛ ተጋሩ Geza Tegaru ዓለም-ለኸ ሓቃዊ ሓበሬታ ብቋንቋ ትግርኛ ንተጋሩ!
(1)

20/08/2025

ቐታሊ ዘዉዱ

20/08/2025
18/08/2025
15/08/2025
ክርአ ዝግብኦ መደረ ዶ/ር ደብረፅዮን
14/08/2025

ክርአ ዝግብኦ መደረ ዶ/ር ደብረፅዮን

14/08/2025
ቕርሺ ብምድርባይ ሃንጊ ጀሚሮም።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።ሎሚ 06 ነሓሰ ንጉሆ ስዓት 2:38 ንጉሆ እዩ። ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ ካብ ዳሚካኤል ቤት ክርስትያን ንኣንፈት ሓወልቲ ናኸ...
14/08/2025

ቕርሺ ብምድርባይ ሃንጊ ጀሚሮም
።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።

ሎሚ 06 ነሓሰ ንጉሆ ስዓት 2:38 ንጉሆ እዩ። ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ ካብ ዳሚካኤል ቤት ክርስትያን ንኣንፈት ሓወልቲ ናኸድኹ ኣብ ሆቴል የም ምስ በፃሕኹ ባጃጅ ትመፅእ እሞ ኣባይ ምስ በፅሑ ብበሪ 10 ቕርሺ ይድርብዩ።

ዳሓር ኣነ ድማ ከይፈለጡ ዝወደቖም መሲሉኒ የልዕላ እሞ ንሶም ድማ ብዙሕ ከይራሓቑ ተመሊሶም ናብ ኣለሻ ይኣትዉ።

ኣነ ድማ ዝወደቐት 10 ቕርሺ ይህቦም እሞ ንሶም ድማ ንቕድሚት ዲኻ ትኸይድ? ንማለእካ? ይብሉኒ።ኣነ ድማ ተጠራጢረ ኣይ ኣብ ቐረባ እየ ፀገም የብሉን የቐንየለይ ኪዱ ተበልኹዎም ክኸዱ ኣይኻኣሉን ። ለከ ካብ ናብ ዝመሓላለፍ ህዝቢ ስለ ዝበዘሐ እምበር ሕልሞም ኻልእ እዩ ኔይሩ።

ካብ መንጎ እቶም ስለስቲ ወዳት እቲ ሓደ" ሸይፍና " እዩ ዝብል ዘረባ ምስ ሰማዕኹ ድማ ሃንጊ ምዃኖም ስለ ዘረጋገፅኹ ዉሑስ ብዝኾነ መንገዲ ጉዕዘይ ቐፂለ ይብለኩም።

ኣብ ከተማ መቐለ ድማ ብዝሓት ዓይነታት ሃንግን ስርቂ ተጀሚሮም ኣለው።

ዓይነታት ስርቂ( ሞባይል፣ ቐለልቲ ተንቀሳቐስቲ) ንብረታት

1. ብካልቾ ኣብ ትሕቲ ብርኪ ሓደ ይወቅዕ እሞ ገፅኻ ናብቲ ዝወቕዐካ ሌባ ምስ ገበረኻ እቲ ኻልኣዋይ ጅባኻ ይፍትሸካ። እዙይ እንትገብሩ ሞባይልኻ ብፀጋም ገፅ ወይ ግራ ገፅ ጅቧኻ ከም ዘላ ብምርግጋፅ በታ ዘይብላ ኣንፈት እዮም ዝወቕዑኻ።ምእንታን ንምስራቕ ክጥዕሞም

2. ሎውዝ ነገር ናብ ሰውነትኻ " እንቱፍ" ይብሉልኻ እሞ ይቅርታ ብምሕታት ንክሓሱልኻ ብምቕራብ ይሰርቑኻ

3. ኣብ መፃብብ መንገዲ ተፀብዮም እግርኻ ይረግፁኻ ወይ ይደፍእኻ( እዙይ ብዙሕ ልሙድ ኣይኾነን)

4. ብሓይሊ ጉልበት ተጠቒሞም

5. ብባጃጅን ታክስን ወዘተ እዮም።

✍️ ስለዚ ዓርስና ንከላከል .....!!

ዓይኒ ንስሪ

ህልዉ ፖለቲካዊ ትንታነ ብርሃነ ልፍዓተይ
10/08/2025

ህልዉ ፖለቲካዊ ትንታነ ብርሃነ ልፍዓተይ

«ፅምዶ ሓደ ውሱን ዕላማ ንምዕዋት  እትገብሮ ፖለቲካል ውሳነ እዩ ። እዚ ኣብ መንጎ ናይ ክልተ ሃገራት  መንግስታት ዝግበር እዩ። እቲ ሐዚ "ፅምዶ" ዝብሃል ዘሎ ግን ኣብ መንጎ ክልተ ጎረባ...
07/08/2025

«ፅምዶ ሓደ ውሱን ዕላማ ንምዕዋት እትገብሮ ፖለቲካል ውሳነ እዩ ። እዚ ኣብ መንጎ ናይ ክልተ ሃገራት መንግስታት ዝግበር እዩ።

እቲ ሐዚ "ፅምዶ" ዝብሃል ዘሎ ግን ኣብ መንጎ ክልተ ጎረባብቲ ፣ ተዋሰብቲ ወይ ከዓ ቤተ ሰብ ዝኾኑ ህዝብታት ፣ ዝግበር ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ እዩ። ፅምዶ ኣይኮነን፣ ስለዚ እዚ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ 'ዚ ብጣዕሚ ክድገፍ ዘለዎ እዩ ።»

ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ

07/08/2025
ከራድዮን ካብ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ሕጋዊ ኣፍልጦ ብምርካብ ንልዕሊ 9 ዓማውቲ ማሕበራዊ ፀገማት ትግራይ ንምፍታሕ እናሰርሐ ዝርከብ ትካል ገባሪ ሰናይ እዩ።ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ብኣ...
05/08/2025

ከራድዮን ካብ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ሕጋዊ ኣፍልጦ ብምርካብ ንልዕሊ 9 ዓማውቲ ማሕበራዊ ፀገማት ትግራይ ንምፍታሕ እናሰርሐ ዝርከብ ትካል ገባሪ ሰናይ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ህፃናት ናውቲ ትምህርትን ዝተፈላለዩ ሓገዛት ትምህርትን እናሃበ ዝመፀን ዘሎን ትካል እዩ።ኣብ ዝሓለፈ ትምህርቲ ዓመት ንልዕሊ 5,000 ህፃናት ናውቲ ትምህርቲ ብምትእኽኻብ ንህፃናት ትግራይ ዘረከበ ትካል እዩ።

ሕዚ ድማ ናብ ትምህርቲ ክኸዱ እናደለዩ ወለዶም ኢኮኖሚያዊ ፀገም ሃልዩዎ ስኣን ናውቲ ትምህርቲ ካብ ትምህርቲ ንከይተኣጓጎሉን ናውቲ ትምህርቲ ንምሽፋን ዓሊሙ ናይ እቶት ምትእኽኻብ መርሃ ግብሪ ነዲፉ ኣብ ምንቅስቓስ ይርከብ።
ኮይኑ ድማ ንሕድሕድ ተምሃራይ ብር 1,500 (ሓደ ሽሕን ሓሙሽተ ሚኢትን) ቅርሺ ኾይኑ ዝሽፍኖ መጠን ናውቲ ትምህርቲ

1, ሓደ ደርዘን ደፍተር
2, ሓሙሽተ እስክርቢቶ (ቢሮ)
3, ሓሙሽተ እርሳስ
4, ሓሙሽተ መደምሰስን
5, ሓሙሽተ መፅረብን

ብምምላእ መፃኢ ወለዶ ኣብ ምምሃር ኩሉ ትግራዋይን ፈታዊ ተጋሩን ንክሳተፉ ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ኣብ ኣደባባይ ሓውዜንን መተኣኻኸቢ ናቑጣታት ብምድላው እቶት እናተኣኻኸበ ይርከብ።

ኣብ ደገን ውሽጢ ዓድን ንእትርከቡ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሒሳብ ቁፅርታት

ባንኪ ወጋገን 0884171630302 keradion

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 1000187812837 keradion

ብምድጋፍ እጃምና ክነውፅእ ፃውዒት እናቕረበ ይርከብ።

ብስልኪ ቁፅርታት
0938805783
0997777770
ሓበሬታ ምርካብ ይከኣል።

Address

Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ገዛ ተጋሩ Geza Tegaru posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ገዛ ተጋሩ Geza Tegaru:

Share