Bete Negash Tour Operator

Bete Negash Tour Operator Experience Islamic heritage with Bete Negash Tour Operator.

Specializing in tours to Al Nejashi Mosque and other cultural landmarks, we preserve and share the rich legacy of Islamic history in Tigray and beyond.

ኣብ ገዛ ሳራ ዓብዱ 2ይ ማዓልቲ ዝገበረ challenge ትኬትን ፣ቲሸርት ብምግዛእጀሚርናዬ ዘለና ወፍሪ ምልላይ ኣል ነጋሽ ንዓለም ግደኦም ይፃወቱ  እሕዋተይ 🙏🏻🙏🏻 ! ❤💛    👉🏻https...
28/06/2025

ኣብ ገዛ ሳራ ዓብዱ 2ይ ማዓልቲ ዝገበረ
challenge ትኬትን ፣ቲሸርት ብምግዛእ
ጀሚርናዬ ዘለና ወፍሪ ምልላይ ኣል ነጋሽ ንዓለም ግደኦም
ይፃወቱ እሕዋተይ 🙏🏻🙏🏻

! ❤💛




👉🏻https://vm.tiktok.com/ZMSQ9LE5x/

ምድረ ሓቂ “ትኪ ኣልቦ ኢንዳስትሪ” ዝበሃል ልምዓት ቱሪዝም ኣብ ትግራይ ዘይተዓመመሉ ሃፍታም ዘፈር እዩ፡፡ ነዚ ኢንዳስትሪ ንምዕባይ ድማ ተበግሶ፣ ጥንካረን ቃልስን ይሓትት፡፡ ብትካል ቤተነጋ...
27/06/2025

ምድረ ሓቂ

“ትኪ ኣልቦ ኢንዳስትሪ” ዝበሃል ልምዓት ቱሪዝም ኣብ ትግራይ ዘይተዓመመሉ ሃፍታም ዘፈር እዩ፡፡ ነዚ ኢንዳስትሪ ንምዕባይ ድማ ተበግሶ፣ ጥንካረን ቃልስን ይሓትት፡፡ ብትካል ቤተነጋሽ ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልም ኣርዱል ስድቕ أرض الصدق ነዚ ዕላማ ካብ ዘዐውቱ ስራሕቲ ሓደ እዩ፡፡ “ኣርዱል ሲድቕ” ምድረ ሓቂ ማለት እዩ፡፡ እዚ ሰነዳዊ ፊልም 🎬ኣብ ዙርያ ባዓል ዓሚቕ ታሪኻዊ፥ ሃይማኖታውን ሰብኣውን ዝኾነ ጥንታዊ መስጊድ ኣልነጃሺ (ደርሒ) ብዓለም ደረጃ ንምጉላህ ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልምን እዩ፡፡
ብቛንቋ ትግርኛ ዝተሰናድአ ሰነዳዊ ፊልም ኮይኑ ብቛንቋታት እንግሊዝኛን ዓረብኛን ትሕተ ኣርእስቲ (subtitle) ዘካተተን ብዝሃነት ቋንቋ ዘማልአን ምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ። እዚ ፈላማይ ዝበሃል ሰነዳዊ ፊልም እዚ ፊልም ዓፅመ ታሪኹ፣ ዝሓዞም ጭብጥታትን መልእኽታትን ካብ ስሙያት ሊቃዉንቲ ሃይማኖት እስልምናን ሰብ ስልጣን ባህልን ቱሪዝምን ዝተመዘዘ ኮይኑ ንዕቀባ ባህልን ታሪኽን ኣካዳምያዊ ረብሓን ብዝህልዎ ረብሓ ተራእዩ ዝተዳለወ እዩ።

ብተወሳኺ ዓበይቲ ሙሁራት ታሪኽን ሰነ ቅርሲ (anthropologists ) ዝሳተፉሉ ብዝለዓለ ደረጃ ሓሳባት ንምትእኽኻብ ዝጠቅም “Al Nejashi A Legacy of Hope” ብዝብል ቴማ ግዙፉ ሲምፓዜም ተዓጂቡ 26 ሰነ ሰዓት 2:30 ኣብ ሆቴል ሃፀይ የውሃንሰ መቐለ ብዝደመቐ ስነ ስርዓት ክምረቕ እዩ፡፡ ኣብዚ ታሪኻዊ በዓል ኩሉ ግዱስ ትግራዋይ ተዓዲሙ ኣሎ፡፡ትግራይ ኣብ ምስፍሕፋሕ ዓበይቲ ሃይማኖታት ዓለም ዝነበራ መባእታዊ ግደ ብዕምቆት ዝገልፅ ሰነዳዊ ፊልም "ምድረ ሓቂ" ኣብ ታሪኽ ፈላማይ ስደት ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ናብ ኣፍሪካ ትኹረት ዝገበረን ዝሓዞም ጭብጥታትን መልእኽታትን ንዕቀባ ባህልን ታሪኽ፣ ኣካዳምያዊ ረብሓን፣ ብዓብዩ ድማ ንምፍላጥ እቲ ቕዱስ ስፍራን ዓሊሙ እዩ ተሰሪሑ፡፡ ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ተጋሩ ንሓደ ትኬት ብር 500 ብር ብምዕዳግ ንባዕሎም፣ ቤተሰቦምን ካልእ ክፋል ሕብረተሰብን ንኽሳተፍ ብምግባር ታሪኻዊ ዕግበት ይርከቡ፡፡ ትኬትን ቲሸርትን ኣብ ከተማ መቐለ ንምዕዳግ እትደልዩ ወገናት በዞም ዝስዕቡ ኣድራሻታት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፡፡
CBE :- 1000664988937
👇🏼👇🏼👇🏼👇🏼👇🏼👇🏼👇🏼👇🏼👇🏼👇🏼👇🏼
1.ሰላም ፋርማሲ +251 91 403 6820
2.ቤት ምግቢ ኢልሃም +251 94 844 7078
3.ኪዊንሰ ሬሰቱራንት 0946329696
4.ራዲከል ተንቐሳቃሲ ክሊኒክ 0963209020
5.ሳሙኪ ፋርማሲ 091 470 2432
! ❤💛


ደሕሪ ነዊሕ ዘይተሓለለ ፃዕርን ወፃእን ናይ ምድረ ሓቒ  “ኣርዱል ስዲቕ “ዘርእስቱ ኣብ ዙርያ ባዓል ዓሚቕ ታሪኻዊ፥ ሃይማኖታውን ሰብኣውን ዝኾነ ብደምቢ ዘይተነገረሉ ጥንታዊመስጊድ ኣልነጃሺ ...
21/06/2025

ደሕሪ ነዊሕ ዘይተሓለለ ፃዕርን ወፃእን ናይ ምድረ ሓቒ “ኣርዱል ስዲቕ “ዘርእስቱ ኣብ ዙርያ ባዓል ዓሚቕ ታሪኻዊ፥ ሃይማኖታውን ሰብኣውን ዝኾነ ብደምቢ ዘይተነገረሉ ጥንታዊመስጊድ ኣልነጃሺ (ደርሒ) ብዓለም ደረጃ ንምጉላህ ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልምን 🎬ዓበይቲ ሙሁራት ታሪክን ሰነ ቅርሲ (anthropologists )ዝሳተፉሉ ብዝለዓለ ደረጃ ሓሳባት ንምትእኽኻብ ዝጠቅም Al Nejashi A Legacy of Hope ብዘብል ቴማ ግዙፉ ሲምፓዜም ዝተዓጀበ ናይ ምረቓ ሰነ ሰርዓት ዕለት ሰነ 26 ሳዓት 2:30 ኣብ ሆቴል ሃፀይ የውሃንሰ መቐለ ብዱሙቕ ኩነታት ክሳለጥ እዩ ::🙏🏻

06/06/2025

እንካዕ ን ባዓል ዒድኣላድሓ ብሰላም ኣብፀሐኹምዒድ ሙባረክ 🤗عـــــيـــــد أضـــحـــى مـــبــــارك 🕋

! ❤💛
🕊️🕊️
#

እንካዕ ን ባዓል  ዒድኣላድሓ ብሰላም ኣብፀሐኹምዒድ ሙባረክ 🤗عـــــيـــــد أضـــحـــى مـــبــــارك 🕋 ! ❤💛 🕊️🕊️  #
06/06/2025

እንካዕ ን ባዓል ዒድኣላድሓ ብሰላም ኣብፀሐኹም
ዒድ ሙባረክ 🤗
عـــــيـــــد أضـــحـــى مـــبــــارك 🕋
!
❤💛
🕊️🕊️
#

31/05/2025

ልሕጉሰ ዜና 🫵

ን 9 ወርሒ ቐትርን ለይትነ ኽግበር ዝፀነሐ ፅገና መሰጊድ ኣል ነጋሺ ተዛዚሙ ኣሎ 👏🏻👏🏻👏🏻👏🏻 ኣብ ቐረባ እዋን ክምረቕ እዩ::🙏🏻



🙏🏻
።👌
🙏🏻
❤️

18/04/2025

"ምድረ ሓቂ - ኣርዱል ሲድቕ أرض الصديق'' ዘርእስቱ ሰነዳዊ ፊልም ብትካል ቤተ ነጋሽ ቱር ኦፕሬተር ተዳልዩ ኣብ ቐረባ እዋን ክምረቕ እዩ።
=============
"ምድረ ሓቂ" ሰነዳዊ ፊልም ትግራይ ኣብ ምስፍሕፋሕ ዓበይቲ ሃይማኖታት ዓለም ዝነበራ መባእታዊ ግደ ብዕምቆት ኣብ ምግላፅ ብፍሉይ ድማ ኣብ ታሪኽ ፈላማይ ስደት ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ናብ ኣፍሪካ ትኹረት ዝገበረን ዝሓዞም ጭብጥታትን መልእኽታትን ንዕቀባ ባህልን ታሪኽ፣ ኣካዳምያዊ ረብሓን፣ ብዓብዩ ድማ ንምፍላጥ እቲ ቕዱስ ስፍራን ዓሊሙ ዝተሰርሐ እዩ፡፡

" ምድረ ሓቂ - ኣርዱል ሲድቕ أرض الصديق'' ብቛንቋ ትግርኛ ዝተሰናድአ እንትከውን ቛንቋ ዓረብኛ ትሕተ ኣርእስቲ (subtitle) ይጥቀም። ኣብ ቐፃሊ ቋንቋታት ዓረብኛን ኢንግሊዝኛን ብምክታት ሰፊሕ ተበፃሕነት ክህልዎ እናተሰርሐ ይርከብ።🙏🏻



🙏🏻
።👌
🙏🏻
❤️

ንመላእ ተኸተልቲ  እምነት እስልምና እንኳዕ ንመበል 1446 በዓል ዒድ ኣል_ፈጥር ብሰላም ኣብፀሐኩም! ዒድ ሙባረክ!🙏🏻🌙 Eid Mubarak 🙏🏻✨✨✨✨✨✨✨✨   🙏🏻 ።👌 🙏🏻 ❤️
30/03/2025

ንመላእ ተኸተልቲ እምነት እስልምና እንኳዕ
ንመበል 1446 በዓል ዒድ ኣል_ፈጥር ብሰላም ኣብፀሐኩም! ዒድ ሙባረክ!🙏🏻
🌙 Eid Mubarak 🙏🏻
✨✨✨✨✨✨✨✨



🙏🏻
።👌
🙏🏻
❤️

"ምድረ ሓቂ - ኣርዱል ሲድቕ أرض الصديق''  ዘርእስቱ ሰነዳዊ ፊልም ብትካል ቤተ ነጋሽ ቱር ኦፕሬተር  ተዳልዩ ኣብ ቐረባ እዋን ክምረቕ እዩ። ============= "ምድረ ሓቂ" ሰነ...
07/03/2025

"ምድረ ሓቂ - ኣርዱል ሲድቕ أرض الصديق'' ዘርእስቱ ሰነዳዊ ፊልም ብትካል ቤተ ነጋሽ ቱር ኦፕሬተር ተዳልዩ ኣብ ቐረባ እዋን ክምረቕ እዩ።
=============
"ምድረ ሓቂ" ሰነዳዊ ፊልም ትግራይ ኣብ ምስፍሕፋሕ ዓበይቲ ሃይማኖታት ዓለም ዝነበራ መባእታዊ ግደ ብዕምቆት ኣብ ምግላፅ ብፍሉይ ድማ ኣብ ታሪኽ ፈላማይ ስደት ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ናብ ኣፍሪካ ትኹረት ዝገበረን ዝሓዞም ጭብጥታትን መልእኽታትን ንዕቀባ ባህልን ታሪኽ፣ ኣካዳምያዊ ረብሓን፣ ብዓብዩ ድማ ንምፍላጥ እቲ ቕዱስ ስፍራን ዓሊሙ ዝተሰርሐ እዩ፡፡

" ምድረ ሓቂ - ኣርዱል ሲድቕ أرض الصديق'' ብቛንቋ ትግርኛ ዝተሰናድአ እንትከውን ቛንቋ ዓረብኛ ትሕተ ኣርእስቲ (subtitle) ይጥቀም። ኣብ ቐፃሊ ቋንቋታት ዓረብኛን ኢንግሊዝኛን ብምክታት ሰፊሕ ተበፃሕነት ክህልዎ እናተሰርሐ ይርከብ።



🙏🏻
።👌
🙏🏻
❤️

ካብ ታሪካዊ መስጊድ ኣልነጃሺ  ክርከብ ዝግበኦ እቶት ንምርካብ ክንሰርሕ ኢና፦ መራሕቲ ሃይማኖትን ነበርትንመቐለ፥3 ጥሪ 2017 ዓ/ም ( ቴሌቪዥን ትግራይ )መስጊድ ኣልነጃሺ ሃይማኖታዊ ትሕዝ...
11/01/2025

ካብ ታሪካዊ መስጊድ ኣልነጃሺ ክርከብ ዝግበኦ እቶት ንምርካብ ክንሰርሕ ኢና፦ መራሕቲ ሃይማኖትን ነበርትን

መቐለ፥3 ጥሪ 2017 ዓ/ም ( ቴሌቪዥን ትግራይ )

መስጊድ ኣልነጃሺ ሃይማኖታዊ ትሕዝትኡ ሓልዩ ብዝበለፀ መሰሕብ ቱሪዝም ንምግባር ዓሊሙ ይስራሕ ከም ዘሎ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ገሊፁ።

ታሪኻዊ መስጊድ ኣልነጃሺ ብኲናት ፅንተት ትግራይ ሓደጋ ምፍራስ ዘጋጠሞ እንትኸውን ሐዚ ኣብ ከይዲ ፅገና ይርከብ።

ፅገንኡ ኣብ ሓፂር ግዜ ብምዝዛም መስሕብ ቱሪዝም ብምግባር ናብ ቁጠባዊ ረብሓ ንምቕያር ምስ ዝተፈላላዩ መዳርግቲ ኣካላት ይስራሕ ከምዘሎ ፕሬዝዳንት ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሽኽ ኣደም ዓብደልቃድር ገሊፆም።

ሸኽ ኣደም ነዚ ዝበሉ ካብ ሃገራት የመን ፣ ሱዑዲ ዓረብ ፣ ኢንዶኖዥያ ፣ ቱርኪ ፣ ጆርዳን ፣ ከምኡ እውን ካብ ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያን ካብ ወረዳታታት ትግራይን ንዝመፁ ኣጋይሽ መልእኽቲ እንኳዕ ደሓን መፃኹም ኣብ ዘሕለፉሉ እዋን እዩ።

ኣብ ታሪኽ ሃይማኖት እስልምና ዓብይ ቦታ ዘለዎ መስጊድ ኣልነጃሺ ታሪኹ ንዓለም ብምንጋር ኣፍልጦ ክረክብን ታሪኹን ሓድግታቱን ብምዕቃብን ኣብ ምንቕቓሕ ዝተዳኸመ ቁጠባ ትግራይ እወንታዊ ኣበርክቶ ንክህልዎ ክስራሕ እዩ ኢሎም።

እቶም ካብ ዝተፈላላያ ሃገራት ዓለም መስጊድ ኣልነጃሺ ንምህዋፅ ዝመፁ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ብዝተገበረሎም ኣቀባብላ ሕጉሳት ከምዝኾኑን ነቲ ታሪኻዊ ቦታ ምህዋፆም ብርሑቕ ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ታሪኽ ብኣካል ክሪእዎ ብምኽኣሎም ፅቡቕ ስምዒት ከምዝፈጠረሎምን ተዛሪቦም።

ናብ ዓዶም ምስ ተመለሱ ትግራይ ሰላም ምዃናን ፅቡቕ ኣቀባብላ ጋሻ ዘለዎ ህዝቢ ምዃኑን ከምዝምስክሩ ኣረጋጊፆም።

ንቐፃሊ እውን ምስ ካልኦት ወገናት ብምዃኑ ከምዝምለሱ ዝገለፁ እቶም ሃወፅቲ ኣብ ምትእስሳር ልምዓት ቱሪዝም ካብዚ ንላዕሊ ክስራሕ ከምዝግባእ ምዒዶም።

ንጉስ ነጃሺ ዝዓረፉሉ መዓልቲ 2 ጥሪ ንምዝካር እዮም እቶም ካብ ዝተፈላልለዩ ከባቢታት ዓለም ዝመፁ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ኣብ ቅዱስ ስፍራ ኣልነጃሺ ዑደት ዘሳለጡ።

ነብርቲ ከተማ ነጋሽ ብግዲኦም ታሪኽ ኣልነጃሺ ዓለም ብኣግባቡ ክፈልጦን መስሕብ ቱሪዝም ብምግባር ናብ ቁጠባዊ ረብሓ ንምውዓል ክስርሓሉ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ፍልፍል ትግራይ ቲቪ

ወዕሎ በምሰሊ 👌መብል 18 ሙልተቀል ኹወይሷ ኮንፈረንስ ኣብ ኣልነጋሸ👌   🙏🏻 ።👌 🙏🏻 ❤️
10/01/2025

ወዕሎ በምሰሊ 👌

መብል 18 ሙልተቀል ኹወይሷ ኮንፈረንስ ኣብ ኣልነጋሸ👌



🙏🏻
።👌
🙏🏻
❤️

ካብ ዝተፈላልለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝመፁ ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ኣብ ቅዱስ ቦታ ኣልነጃሺ ዑደትን ዘተን የሳልጡ ኣለው።መቐለ፥ 2 ጥሪ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ) 2 ጥሪ መሓመድ ኣል...
10/01/2025

ካብ ዝተፈላልለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝመፁ ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ኣብ ቅዱስ ቦታ ኣልነጃሺ ዑደትን ዘተን የሳልጡ ኣለው።

መቐለ፥ 2 ጥሪ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

2 ጥሪ መሓመድ ኣልነጃሲ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኣልነጃሺ ዝዕረፍላ ታሪካዊት ዕለት እያ። ነዛ ታሪካዊት ዕለት ንምዝካርን እዚ ቅዱስ ቦታ ንዓለም ንምፍላጥ ዝዓለመ ዑደትን ይሳለጥ ኣሎ።

እቶም ዑደተኛታት ካብ የመን ፣ሱዕዲ ዓረብ ፣ኢንዶኖሽያ፣ቱርኪ ፣ጆርዳን፣ ኣዲስ ኣበባ፣ ካብ ወረዳታትን ከተማታትን ትግራይ ካልኦትን ዝመፁ እዮም።

ሓፈሻዊ ኩነታት መስጊድ ኣልነጃሽን ብስንኪ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ዘጋጠሞ ዕንወትን ከይዲ ፅገናኡን ድማ ተዓዚቦም ኣለው።

ኣብ ዳግመ ህንፀት መስጊድ ኣልነጃሽን ትግራይን እጃሞም ከም ዘበርክቱ እቶም ዑደተኛታት ኣገንዚቦም።

ብተወሳኺ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ሞስሊም ሕብረተሰብ ምስ ሓበሻ ሙስሊም ዘለዎ ርክብ ንምጥንኻር እዚ ዕለት ወሳኒ እዩ ድማ ይብሉ እቶም ዑደተኛታት ።

እቶም መስጊድ ኣልነጃሺ ንምህዋፅ ኣብቲ ታሪካዊ ቦታ ተረኺቦም ዘለው ወገናት ኣብ ከይዲ ህንፀትን ማእኸል መስሕብ ቱሪዙም ንምግባርን ዓሊሞም ዘተ የሳልጡ ኣለው።

ፍልፍል :- ትግራይ ቲቪ

Address

Mekelle

Telephone

+251910099958

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Bete Negash Tour Operator posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Bete Negash Tour Operator:

Share