Amora Media

Amora Media Media/Promotion Service/ Special Event Organization Activities

Amora Media is a digital media which disseminates news & programs via Social Media platforms ኣሞራ ሚድያ !
👉 https://www.youtube.com/

ኣሞራ ሚድያ Amora Media
WING OF RESILIENCE

ሕክምና ንጉድኣት ኵናትኮምሽን ሃርበኞታት ትግራይ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ስቴት ዋሸን ግተን ዲስ /ሲያትል/ ዝነብሩ ማሕበረሰብ ትግራይ ብዝላኣክዎ 150,000 Us ዶላር ን60 ጉድኣት ኲናት ትግራ...
25/10/2025

ሕክምና ንጉድኣት ኵናት

ኮምሽን ሃርበኞታት ትግራይ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ስቴት ዋሸን ግተን ዲስ /ሲያትል/ ዝነብሩ ማሕበረሰብ ትግራይ ብዝላኣክዎ 150,000 Us ዶላር ን60 ጉድኣት ኲናት ትግራይ ሕክምና መጥባሕቲ ጎሎ የካይድ ከም ዘሎ ምክትል ኮሚሸነር ሃርበኞታት ትግራይ ተጋዳላይ መሓሪ ኣሰፋ ገሊፁ።

እቶም ምክትል ኮሚሸነር ነዚ ዝገለፁ ሎሚ 15 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም መጥባሕቲ ጎሎ ኣብ ዝተገበረሎም ጉድኣት ኲናት ትግራይ ዑደት ኣብ ዘካየድሉ እዋን እዩ።

እቶም ምክትል ኮሚሸነር፣ ናይ ጎሎ መጉዳእቲ በፂሕዎም ዝሳቀዩ ዝነበሩ፣ ሕክምና ዝረኸቡ 60 ጉድኣት ኲናት ትግራይ ምዃኖም ገሊፆም። ብምትሕብባር ኮሚሸን ሃርበኞታት ትግራይን ማእኸል ጥዕና ሰራዊት ትግራይን ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ሕክምና መጥባሕቲ ጎሎ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ተጋዳላይ መሓሪ፣ ሓገዝ ንዝገበሩ ወገናት ካብ ልቢ ብምምስጋን ሐዚ እውን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን ንጉድኣት ኲናት ትግራይ ኣድላይ ዘበለ ሓገዝ ንክገብሩ ፀዊዖም።

መጥባሕቲ ጎሎ ዝተገበረሎም ጉድኣት ኲናት ትግራይ ብወገኖም፣ ብእዋኑ ኣድላይ ዘበለ ሕክምና ብዘይምርካቦም ንሓሙሸተ ዓመት ዝኣክል እናተሳቀዩ ከምዝፀንሑ ድሕሪ ምግላፅ ሕዚ ብዝተገበረሎም መጥባሕቲ ሕጉሳት ምዃኖም ገሊፆም።

ኣብ መወዳእታ እቶም ተሓከምቲ ካብ ዝነበሮም ስቃይ ንክንገላገሉ ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ወገናት ዝገበርሎም ሓገዝ ብምምስጋን ሰኣን ሕክምና ንዝሳቀዩ ዘለው ብፆቶም እኩል ሕክምና ክረኽቡ ኣብ ውሸጢ ዓድን ወፃእን ዝርከቡ ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን ኣድላይ ዘበለ ሓገዝ ንክገብሩ ፀዊዖም።

ገዳም ኣቡነ ኣረጋዊ !ገዳም ኣቡነ ኣረጋዊ ዳሞ ምስ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ ይሰርሕ ከም ዘሎ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኣፍሊጡ ።ሓላፊ እቲ...
25/10/2025

ገዳም ኣቡነ ኣረጋዊ !

ገዳም ኣቡነ ኣረጋዊ ዳሞ ምስ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ ይሰርሕ ከም ዘሎ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኣፍሊጡ ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ኣፅበሃ ገብረእዝገኣብሄር ካብ ድርኡ ጀሚሩ ብዝለዓለ ሃይማኖታዊ ምድላዋት ይበዓል ኣብ ዘሎ ገዳም ኣቡነ ኣረጋዊ ዳሞ ተረኺቦም ንጋዜጠኛታት ከም ዝበልዎ እቲ በዓል ቅድሚ ሰላም ካብ ዝነበሮ ብርኪ መስሕብነት ንላዕሊ ሃወፅቲ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ብስፍሓት ክመፅእዎ እናተሰርሐ እዩ ኢሎም ።

ብፍላይ ድማ እቲ ገዳም ኣብ ዩኔስኮ ዝድህሰሱ ቅርሲታት ዓለም ንኽምዝገብ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ይሳለጡ ከም ዘለውን ነዚ ንምዕዋት ድማ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዝለዓለ ሓላፍነት ወሲዱ እናሰርሐ ከም ዝርከብ ኣረዲኦም ።

ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ጉለምኸዳ ኣይተ ሃፍቶም ባራኽን ሓላፊ ዘፈር ሰላምን ፀጥታን ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ብርሃነ በርሀን ንድምፂ ወያነ ትግራይ ከም ዝበልዎ ድማ ፣ሕዚ ኣብ ትግራይ ብዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ብርክት ዝበለ ኣማናይ ካብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ናብቲ ገዳም መፂኦም ሃይማኖታዊ በዓል ከም ዝተሳተፉን እቲ በዓል ድማ ብሰለማዊ መንገዲ እናተኸበረ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም ።

ኣብቲ በዓል ብዘይካ ውሱን ስርቂ ተንቀሳቓሲ ስልኪ ሞባይል ካሊእ ዝጎልሀ ፀገም ከም ዘየጋጠመን፣ ኣብ ምርግጋፅ ሰላም እቲ ከባቢ ድማ ኣካላት ፀጥታን ነበርትን ንዘርኣይዎ ንጡፍ ምንቅስቓስ ንኢዶም ኣለው ።

ኣብቲ በዓል ዝረኸብናዮም ኣመንቲ ብወገኖም ኣብ ዝሃቡና ርኢቶ ድማ ፣ትግራይ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ቅርሲታት ስለ ዘለውዋ ፣ ነዚኦም ብዝግባእ መዝሚዝካ ናብ ረብሓ ቱሪዝም ክውዕሉ ክስራሕ ከም ዘለዎ ተዛሪቦም ።

ገደም ኣቡነ ኣረጋዊ ደሞ ካብ ዝድኾን 1500 ዓመታት ዘቑፀረ ኮይኑ ፣ ኣብ ወረዳ ጉለምኸዳ ጣብያ መዛብር ከም ዝርከብ ድማ ዝፍለጥ እዩ።

# መዝገበ ጎይትኦም

‎ኤግል ኣውቶሞቲቭ ምስ ትካል ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ብምትሕብባር 27 ኤሌክትሪክ መካይን ንዓማዊሉ ኣረኪቡ።‎‎ሎሚ 15 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ርኽክብ፣ 50 ሚ...
25/10/2025

‎ኤግል ኣውቶሞቲቭ ምስ ትካል ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ብምትሕብባር 27 ኤሌክትሪክ መካይን ንዓማዊሉ ኣረኪቡ።

‎ሎሚ 15 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ርኽክብ፣ 50 ሚእታዊ ዝዓቖሩ 27 ዓማዊል ዕቛርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ 27 ናይ 2025 ሞዴል ኤሌክትሪክ መካይን ቁልፊ ተረኪቦም ኣለው።

ኣብቲ መድረኽ መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ተወካሊን ዋና ስራሕ ፈፃምን ሓላፊ ክፍሊ ማርኬቲንግ ኢግል ኣውቶሞቲቭ ኣይተ ሮቤል ለገሰ ኢኮኖሚ ትግራይ ንምንቕቃሕ ዓሊሙ ምስ ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ዝኣሰሮ ውዕሊ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣስታት 40 መካይን ንዝዓቆሩ ደንበኛታት ከም ዘረከበ ገሊፁ።

ተወካሊ ፋና መናእሰይ ኣይተ ኣለማት ተወልደ ብወገኑ ፋና መናእሰይ ብውሑዳት ተመስሪታ ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 40,000 ኣባላት ኣፍርያ ኣብ ሕውየት ትግራይ ብፅሒታ ንምውፃእ ትንቀሳቐስ ከም ዘላ ኣብሪሆም።

ፋና መናእሰይ ኣብዚ ሐዚ እዋን 37 ጨንፈራት ወኒና ንብርክት ዝበሉ መናእሰይ ዕድል ስራሕ እናፈጠረት ከም እትርከብ ድሕሪ ምግላፅ ቅድሚ ሐዚ ኣስታት 23 ተሽከርከርቲ ንዓማዊላ ከም ዘለቀሐት ኣዘኻኺሮም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርክክብ መኪና ዝተረኸቡ ሓላፊ ኤጄንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ልምዓት ዕዳጋ ትግራይን ኣይተ ገ/መድህን ሓጎስ "ኢኮኖሚ ትግራይ ብዝለዓለ ደረጃ ብኩናት ከም ዝዓነወ ድሕሪ ምዝኽኻር ሐዚ ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ብፅሒቶም ይዋፅኡ ንዘለው ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣመስጊኖም።

ካብተን ኣብ ትግራይ ዘለዋ ጠንካራ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ፋና መናእሰይ ዕቋርን ልቓሕን ሓንቲ ምዃና ብምግላፅ ወሲኾም ድማ በቢዓመቱ ዑውት ዝኾነ ናይ ሒሳብ ኣሰራርሓ ከም እተሳልጥ ገሊፆም።

በዚ ዕለት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ርኽክብ፣ 50 ሚእታዊ ዝዓቖሩ 27 ዓማዊል ዕቛርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ 27 ናይ 2025 ሞዴል ኤሌክትሪክ መካይን ቁልፊ ተረኪቦም ኣለው።

ላዛ ትግርኛ Laza Tigrigna

ሎሚ 15 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም ኣብ ፋና መናእሰይ ዕቋርን ልቓሕን 50% ንዝዓቖሩ 27 ዓማዊል ካብ EAGLE Automotors and show room ስርዓት ርኽክብ መኪና የካይዱ ኣለው። ፋና...
25/10/2025

ሎሚ 15 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም ኣብ ፋና መናእሰይ ዕቋርን ልቓሕን 50% ንዝዓቖሩ 27 ዓማዊል ካብ EAGLE Automotors and show room ስርዓት ርኽክብ መኪና የካይዱ ኣለው።

ፋና መናእሰይ ዕቋርን ልቓሕን EAGLE Automotors and show roomን ሓቢሮም ዝሰርሑ ዘለው ትካላት እንትኾኑ ቅድሚ ሐዚ እውን ብተመሳሳሊ ንዝተፈላለዩ ዝዓቖሩ ዓማዊል መኪና ኣረኪቦም ምንባሮም ይዝከር።

24/10/2025

Enjoy the videos and music you love, upload original content, and share it all with friends, family, and the world on YouTube.

ምስልታት ኣከባብራ በዓል ኣቡነ ኣረጋዊ ዳሞ ሎሚ 14 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም--ምስሊ ልቓሕ ❤💛 !    's_promote_TigraiTeklish Fiyameta 15-02-2018 ዓ/ም #መቐለ
24/10/2025

ምስልታት ኣከባብራ በዓል ኣቡነ ኣረጋዊ ዳሞ ሎሚ 14 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም
--
ምስሊ ልቓሕ
❤💛
!



's_promote_Tigrai
Teklish Fiyameta
15-02-2018 ዓ/ም
#መቐለ

ተወሰኽቲ መዋፈሪታት ባጃጃት ዕላዊ ገይሩ...ኣብ ከተማ መቐለ ተወሰኽቲ መዋፈሪታት ምንቅስቓስ ባጃጅ  ክግበር ካብኔ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ወሲኑ። ንምምሕያሽ ምኽንያት ዝኾነ ብዓይኒ ሕብረተሰብ...
24/10/2025

ተወሰኽቲ መዋፈሪታት ባጃጃት ዕላዊ ገይሩ...

ኣብ ከተማ መቐለ ተወሰኽቲ መዋፈሪታት ምንቅስቓስ ባጃጅ ክግበር ካብኔ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ወሲኑ። ንምምሕያሽ ምኽንያት ዝኾነ ብዓይኒ ሕብረተሰብ ጠቐሜታ ፣ ንጉድኣት ኣካል ትኹረት ተገይሩ ዳግም ሓዱሽ ምትዕርራይ ከምዝተገበረ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር መጓዓዝያ ከተማ መቐለ ወይዘሮ ሓያት ከዲር ገሊፀን።

እቲ ሓዱሽ መዋፈሪ ካብ ሰኑይ ጥቅምቲ 17/2018 ዓ.ም. ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ። በቲ ውሳነ መሰረት ዓዲሓቅን ቀዳማይ ወያነን ዘራኽብ ማእኸል መስመር ንባጃጅ ክፍቲ ኮይኑ ኣሎ።

ካብ ዓዳ ሓዊሲ ትራፊክ መብራህቲ መበገሲ ገይሩ ብማእኸል ፌዚዮቴራፒ ክሳብ ዓይደር ዘሎ መንገዲ ንባጃጃት ክፍቲ ኮይኑ ኣሎ። ብእንዳገብርኤል፣ ዳዕሮን ዓዲ ሓን ዝመፃ ኣብ ፊት ንፊት ሆቴል ፕላኔት ዝነበረ መዋፈሪ ብኣስፓልቲ ተሻጊረን ድሕሪ ፕላኔት ክሳብ ዘሎ ኮብልስ ተፈቒዱ ኣሎ።

ካብ ዓዲ ሽም ድሑን ዓዲ ሓ ወዘተ ናብ ዓዲ ሓቂ ዕዳጋ ዘገልግላ ባጃጅ ብቴሌቭዥን ትግራይ ናብ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር/ደጀን/ ብቤት ምክሪ ገይረን ዓዲ ሓቂ እንዳመጥሓን ዘሎ ገፊሕ ኮብልስተን ክጥቀማ ተፈቒዱ።

ኦስ.ኦ.ስ፣ ላጪን ሓዱሽ መንደርን ከልኦት መስመርተኛታት ሕዚ አብ እንዳ ጋብር ዘሎ መዋፈሪ ብሰውሒ ንጉስ ዘሎ ፀፀር መንገዲ ድሕሪኡ ዘሎ ኮብልስቶን አትየን ድሕሪ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሲኔማ ዓድዋ ከይሓለፋ ዘሎ ኮብልስቶን ክጥቀማ ተወሲኑ።

03 አብ እንዳጋብር ዘሎ መዋፈሪ ብሸሪዓ ቤት ፍርዲ ኮብልስቶን አትየን መስጊድ 04 ከይበፃሕካ አብ ዘሎ ኮብልስቶን ክጥቀማ ከምዝተወሰነ ወይዘሮ ሓያት ከዲር ገሊፀን።

እነካይዶ ዘለና መድረኽ ሓድነትና ብምጥንኻር  ተመኻኺርና ህዝብና ንምግልጋልን ናብ ናይ ልምዓት ስራሕትና ብሓዱሽ ወነን መንፈስን ንምስግጋር እዩ ኢሉ ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይን ኣባል ማእኸ...
24/10/2025

እነካይዶ ዘለና መድረኽ ሓድነትና ብምጥንኻር ተመኻኺርና ህዝብና ንምግልጋልን ናብ ናይ ልምዓት ስራሕትና ብሓዱሽ ወነን መንፈስን ንምስግጋር እዩ ኢሉ ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይን ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብ ህወሓትን ብፃይ ዝናቡ ገ/መድህን

ህዝባዊ ኮንፈረስ ዞባ ደቡብ ትግራይ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ብፃይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ውድብ ተጋዳሊት ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣቢሄርን በቢብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓ ዞባ ደቡብን ወከልቲ ህዝብን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ማይጨው ይካየድ ኣሎ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ መድረኽ ዘረባ ዘስመዐ ኣመሓዳሪ ዝናቡ ገ/መድህን ህዝቢ ዞባ ደቡብ ትግራይ ንዝሓለፉ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ካብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ተገሊሉ ኣብ ኢድ ውሑዳት ወዲቑ፣ ኣብ ክንዲ ኣብ ልምዓቱን ማሕበራዊ ጉዳያቱን ዝመክር ወግሐ ፀብሐ ሰልፊ ውፃእ እናተብሃለ ተረጋጊዑ ማሕበራዊ ሂወቱ ከይመርሕ ፀኒሑ እዩ ኢሉ።

ንሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይ ረዚን ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ራያ ኣብ ኢድ ተሓሽከርቲ ወዲቑ ዝተፈላለዩ ሓሶታት እናመሃዙ ከደናግርዎ ፣ ትግራዋይነቱ ኣብ ሕቶ ከውድቑ ዘይፈንቀልዎ እምኒ ኣይነበረን ዝበለ ብፃይ ዝናቡ ገ/መድህን ህዝቢ ራያ ግን ኣብ ትግራዋይነቱ ፍፁም ዘይደራደር ሕመቓት እንተሃልዮም ትግራዋይ ኮይኑ ክእርሞም ንውድብ ኣሚኑ ክመዓራረዩ ዝመክር እዩ ኢሉ።

ኣይተ ዝናቡ ከም ህዝቢ ሃፍትና ሓድነትና እዩ፣ ሓድነትና ዝረጋገፅ ድማ ኣብ ሃለዋት ትግራይን ብሄራዊ ዓቕምታት ትግራይን ተመሳሳሊ ርድኢት እንትንውንን ፣ ኣብ ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ እንትንዓስል እዩ ኢሉ።

ህዝባዊ ኮንፈረንስ ዞባ ድቡብ ትግራይ !!---ኣብዚ ሰዓት ኣብ ከተማ ማይጨው ካብ ኩለን ከተማታትን ወረዳታትን ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝተወከሉ ወከልቲ ህዝቢ ዝሳተፍሉ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ዞባ ድቡ...
24/10/2025

ህዝባዊ ኮንፈረንስ ዞባ ድቡብ ትግራይ !!
---
ኣብዚ ሰዓት ኣብ ከተማ ማይጨው ካብ ኩለን ከተማታትን ወረዳታትን ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝተወከሉ ወከልቲ ህዝቢ ዝሳተፍሉ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ዞባ ድቡብ ትግራይ ይጅምር ኣሎ።

ኣብቲ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ፣ ኣቦ ወንበር ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት ) ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፣ ኣባል ፈፃሚት ስራሕን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ውድብ ህወሓት ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገ/እግዜርን ካልኦት ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ውድብን ተረኺቦም ኣለዎ።

ኣብቲ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ካብ 108 ጣብያታትን 14 ወረዳታትን ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝመፁ ወከልቲ ህዝቢ እናተሳተፉ እዮም ።

ታሪክን ኣመሰራርታን ገዳም ኣቡነ ኣረጋዊ ደብረ ዳሞገዳም ደብረ ዳሞ ብዘመን ሃፀይ ገብረ መስቀል ኣብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ዝተመስረተ ገዳም እዩ። ነዚ ገዳም ዝመስረቱዎ ቅዱስ ኣቦ ድማ ኣቡነ ...
24/10/2025

ታሪክን ኣመሰራርታን ገዳም ኣቡነ ኣረጋዊ ደብረ ዳሞ
ገዳም ደብረ ዳሞ ብዘመን ሃፀይ ገብረ መስቀል ኣብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ዝተመስረተ ገዳም እዩ። ነዚ ገዳም ዝመስረቱዎ ቅዱስ ኣቦ ድማ ኣቡነ ኣረጋዊ (ዘሚካኤል) ይበሃሉ።

ኣቡነ ኣረጋዊ፥ ኣልኣሜዳ ዝተብሃለ ንጉስ ኣኽሱም፥ ካብ ዝነግስ ኣብ ሓምሻይ ዓመቱ ናብ ኣኽሱም ካብ ዝመፅኡ 9 ቅዱሳን ሓደ እዮም።

ኣቡነ ኣረጋዊ ካብ ሮም መፂኦም ኣብ ከተማ ኣኽሱም ቤተ ቀጢን ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ቦታ ምስቶም ምስኦም ዝመፅኡ 9 ቅዱሳን ምስ ፀንሑ፥ ተፈልዮም ብብሕትውና ክነብሩ ናብታ ሕዚ ደብረ ዳሞ ተባሂላ ትፅዋዕ ዘላ ገዳም ተጓዒዞም።

ናብ ዝባን እቲ ጎቦ መደየቢ ስለ ዝሰኣኑ ናብ ፈጣሪኦም ምስ ፀለዩ፥ ብሓይሊ ፈጣሪ ናብቲ ዝባን ከደይቦም ሓደ ገበል ተላኢኹ መፅአ። ናብታ ክነብሩላ ዝተመነዩዋ ቦታ ድማ ኣደየቦም።

ኣብዚ ብኣዝዩ መፍርሒ ሃው ዝበለ ገደል ዝተሓፅረ በሪኽ ቦታ ታሪኻዊት ቤተ ክርስቲያን ዘስርሐ ድማ ሃፀይ ገብረ መስቀል እዩ። ዘመነ መንግስቱ ካብ ኲናት ዝረሓቐ ዘመን ሰላም ከም ዝነበረ ገድለ ኣቡነ ኣረጋዊ ከምዚ ክብል ይገልፅ፦

"ወነግሠ ገብረ መስቀል በርትዕ ወበጽድቅ ወተሰምዐት መንግሥቱ ውስተ ኵሉ ምድረ አዜብ ወአልቦ ዘተቃወማ ለመንግሥቱ። ወአልቦ በኀበ ይወፅእ ለጸብእ ዘእንበለ ለሐኒፀ አብያተ ክርስቲያናት እስመ ነግሠ በዘመነ ሰላም።"

"ገብረ መስቀል ብርትዕን ብሓቅን ነገሰ። መንግስቱ ድማ ናብ ኵሉ ምድሪ ኣዜብ ተሰምዐት፤ ንመንግስቱ ድማ ሓደ እኳ ኣይተቓወማን። ኣብ ዘመን ሰላም ስለ ዝነገሰ፥ ንምህናፅ ኣብያተ ክርስቲያናት እንተዘይኾይኑ፥ ንኲናት ዝወፅእ ኣይነበረን።"

ሃፀይ ገብረ መስቀል ናብ ዝባን እቲ ኣቡነ ኣረጋዊ ዝነበሩዎ በሪኽ ቦታ ከይዱ ምስኦም ብምዝርራብ ኣብታ ቦታ ቤተ ክርስቲያን ክትህነፅ ተስማዕሚዖም ህንፀት ቤተ ክርስቲያን ተጀሚሩ።

ብድሕሪኡ፥ ናብቲ ዝባን ንቤተ ክርስቲያን መስርሒ ዘድልይ ዘበለ ኵሉ ዝድይበሉ መደያይቦ ተሰሪሑ፥ እታ ቤተ ክርስቲያን ጥበብ ኣኽሱማዊያን ብዝዓረፎ ዘደምም ኣሰራርሓ ተሰሪሓ ተዛዘመት።

ቅዱስ ያሬድ እውን ናብቲ ገዳም መፂኡ ነታ ብኣዝዩ ዘደንቕ ጥበብ ዝተሰርሐት ቤተ ክርስቲያን "ኣብ ሰማያት ዘለዉ መላእክት ይጉብንዩዋ፤ ንሳ መሕደሪት መለኮት እያ እሞ። ዘርኩዋ! ዘርኩዋ! ፅባቐ ህንፀት ናይታ ቤተ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ረአኹ።" ክብል በቲ ጥዑም ድምፁ ኣዝየመላ።

ሃፀይ ገብረ መስቀል ሓፈሻዊ ህንፀት እታ ቤተ ክርስቲያን ኣስሪሑ ምስ ወድአ፥ ነቲ ቤተ ክርስቲያን ንምስራሕ ተባሂሉ ኣብቲ ገደል ተሰሪሑ ዝነበረ መደያይቦ "ክሓድጎ ዶስ ከፍርሶ?" ኢሉ ንኣቡነ ኣረጋዊ ምስ ሓተቶም፦

"ደምስስ ኪያሁሰ ወኢትኅድግ። ወግበር ኀብለ ህየንቴሁ ለአርዌ ምድር በዘየዐርጉ ቦቱ። ከመ ይኩን ተዝካረ ለትውልደ ትውልድ።"

"ንዕኡስ ደምስሶ እምበር ከምኡ ኢሉ ኣይትሕደጎ። ንውሉድ ወለዶ መዘከርታ ክኸውን፥ ኣብ ክንዲ እቲ ገበል ሰባት ዝድይቡሉ ገመድ ግበር።" ኢሎም ከም ዝመለሱሉ እቲ ገድሊ ይሕብር።

ሃፀይ ገብረ መስቀል እውን ከምኡ ገበረ። ካብኡ ዝተልዓለ ድማ "ደብረ ዳህሞም" ተብሃለ። ኣብ ከይዲ ጊዜ "ደብረ ዳሞ" ናብ ዝብል ተቐይሩ።

ካብዚ ዝተልዓለ ናብቲ ገዳም ክሳለም ዝመፅእ ሰብ ብኣምሳል እቲ ገበል፥ ካብ ቆርበት ብዝተተትዐ ረጕድ ገመድ ተንጠልጢሉ ናብ ዝባን ደብረ ዳሞ ይድይብ።

ገዳም ደብረ ዳሞ ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓተ ምንኵስና ዝተጀመረሉ ፈላማይን ታሪኻዊን ገዳም እዩ።

ነቲ ገዳም ዝመስረቱ ጻድቕ ኣቡነ ኣረጋዊ ናይዚ ዓለም ስጋዊ ፃንሒቶም ምስ ኣኸለ፥ ጥቅምቲ 14 ከምኒ ኤልያስ ነቢይን ሄኖክን ተሰዊሮም ናብ ብሄረ ህያዋን ከም ዝተወሰዱ ገድሎም ይሕብር። በዚ መሰረት ኵሉ ጊዜ በቢዓመቱ ጥቅምቲ 14 ዓመታዊ ክብረ በዓሉ ይኽበር።

23/10/2025

Enjoy the videos and music you love, upload original content, and share it all with friends, family, and the world on YouTube.

23/10/2025

ብሰንኪ ወረርቲ ዝተበተነ ህዝበይ ዝተወረረ ሉዓላዊ ግዝኣተይ ከይውሓስኩ ኣይድቅስን ዝበለ ኣርሚ ሰብዓ ✌️✌️✌️

Address

ጎደና ሰማእታት ትግራይ
Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Amora Media posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Amora Media:

Share