25/10/2025
ሕክምና ንጉድኣት ኵናት
ኮምሽን ሃርበኞታት ትግራይ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ስቴት ዋሸን ግተን ዲስ /ሲያትል/ ዝነብሩ ማሕበረሰብ ትግራይ ብዝላኣክዎ 150,000 Us ዶላር ን60 ጉድኣት ኲናት ትግራይ ሕክምና መጥባሕቲ ጎሎ የካይድ ከም ዘሎ ምክትል ኮሚሸነር ሃርበኞታት ትግራይ ተጋዳላይ መሓሪ ኣሰፋ ገሊፁ።
እቶም ምክትል ኮሚሸነር ነዚ ዝገለፁ ሎሚ 15 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም መጥባሕቲ ጎሎ ኣብ ዝተገበረሎም ጉድኣት ኲናት ትግራይ ዑደት ኣብ ዘካየድሉ እዋን እዩ።
እቶም ምክትል ኮሚሸነር፣ ናይ ጎሎ መጉዳእቲ በፂሕዎም ዝሳቀዩ ዝነበሩ፣ ሕክምና ዝረኸቡ 60 ጉድኣት ኲናት ትግራይ ምዃኖም ገሊፆም። ብምትሕብባር ኮሚሸን ሃርበኞታት ትግራይን ማእኸል ጥዕና ሰራዊት ትግራይን ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ሕክምና መጥባሕቲ ጎሎ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ካብዚ ብተወሳኺ ተጋዳላይ መሓሪ፣ ሓገዝ ንዝገበሩ ወገናት ካብ ልቢ ብምምስጋን ሐዚ እውን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን ንጉድኣት ኲናት ትግራይ ኣድላይ ዘበለ ሓገዝ ንክገብሩ ፀዊዖም።
መጥባሕቲ ጎሎ ዝተገበረሎም ጉድኣት ኲናት ትግራይ ብወገኖም፣ ብእዋኑ ኣድላይ ዘበለ ሕክምና ብዘይምርካቦም ንሓሙሸተ ዓመት ዝኣክል እናተሳቀዩ ከምዝፀንሑ ድሕሪ ምግላፅ ሕዚ ብዝተገበረሎም መጥባሕቲ ሕጉሳት ምዃኖም ገሊፆም።
ኣብ መወዳእታ እቶም ተሓከምቲ ካብ ዝነበሮም ስቃይ ንክንገላገሉ ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ወገናት ዝገበርሎም ሓገዝ ብምምስጋን ሰኣን ሕክምና ንዝሳቀዩ ዘለው ብፆቶም እኩል ሕክምና ክረኽቡ ኣብ ውሸጢ ዓድን ወፃእን ዝርከቡ ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን ኣድላይ ዘበለ ሓገዝ ንክገብሩ ፀዊዖም።