
07/11/2024
❖ ናይ ኣዋጅ ነጋሪ ቃል ❖
መንግስተ_ሰማያት_ቀርባ እያ እሞ_ንስሐ_እተዉ}}
❖ ናይ ኣዋጅ ነጋሪ ቃል
⛪🌎 ❖ናይ በረኻ ❖ ስብከት❖ ⛪🌎
በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሁዱ ኣምላክ ኣሜን።
( ግብሪ ሃዋርያት 8÷1)
ዓቢ ስደት ብዛዕባ ስደት ኢና ክንማሃር፣ዓቢ ስደት ኣብ እየሩሳሌም እትርከብ ቤተ ክርስትያን ዓቢ ስደት ከነ ከምቲ እስጢፋኖስ ብእምኒ ዝተቀጥቀጠ፣እስጢፋኖስ ምስ ሞተ ዓቢ ስደት ኮነ።ብዘይካ ሓዋርያት ኣብ ሰማርያን ይሁዳን ፋሕ ኢሎም፣ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስደት የድሕነና።ሰብ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ስደት ይወጽእ፣ስደት ብፍቓዱ ከይተጸገመ ሃገሩ ገዲፉ ዝስደድ ኣሎ፣ካልእ ድማ ብምኽንያት ትምህርቲ፣ብሕማም፣ብድኽነት ብጸገም ምኽንያት ዝተወለደሉ ዝፈትዋ ሃገሩ ሓዲጉ ዝኸይድ ኣሎ።ናይ ሰብ ስደት ዝተፈላለየ እዩ።
ሃገሩ ገዲፉ ናብ ካልእ ቦታ እንተኸይዱ ስደተኛ ኢዩ።
ይኹን እምበር ሃገርና ኣብ ሰማይ እያ ዘላ ኣብዛ ዓለም ዘለና እዛ ዘለናያ መሬት ምድሪ ፋይዳ ዕስራ፣ሳላሳ፣ሚእቲ ዓመት እንተነበርና ኩሉ ስደተኛ እዩ ናብ መቃብር እዩ።ስለዚ እዩ ነቢይ ዳዊት ኣነ ስደተኛ እየ ከም ኣቦታተይ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ከምቶም ቅኑዓት ኣነውን ስደተኛ እየ እናበለ ቀደምቲ ኣቦታት የልዕል ነበረ። መዝ 38÷12/ኣብ ምድሪ ስደተኛ እየ፣ኩላትና ስደተኛታት ኢና ሰብ ዝኾነ ሃገሩ ሓዲጉ ይኸይድ።ሃገርና ኣብ ሰማይ እዩ ናቱ ፍቓድ ኮይኑ ዘይጠፍእ ሕጉ ጸሓይ ኩሉ ግዜ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ዘብርቕ ይሕልዎ።/ሮሜ 8÷18/
ምስቲ እንረኽቦ ዘለና ናይ ዘለኣለም ህይወት ክነጻጸር ከሎ፣ኩሉ መከራ እዛ ዓለም እዚኣ ዋላ ሓንቲ ኣይኮነን።
እቲ ጥሜትን ሕማምን ኩሉ ድኻም ዲያብሎስ ምስቲ ኣብኡ እንረኽቦ ዘለኣለማዊ ቤትና ክነጻጸር ከሎ ዋላ ሓንቲ ኣይኮነን ምስ ማንም ኣይቆጸርን።ነዚ እናሓሰብና ኣብ እምነትና ክንጸንዕ ኣሎና።ዋላ ተደፊእና፣መንከራ ተቀቢልና፣ተተሰደትና ፣እቲ ናይ ዘላኣለማዊ ቤትና ይሕልወም ሰናይ ሰሪሖም ንዝተደፍኡ ንዝተበደሉ ሰባት።
ዓቢ ስደት!!፦
እስጢፋኖስ ሓደ ካብቶም ሸውዓተ ዲያቆናት ኮይኑ ብደም ተሓጺቡ ብሰናይ ትምህርቱን ንመድሃኔአለም ዘሐጎሰ ቀዳማይ ሰማዕት ኮነ።ሰባት ስለ ዘፍቅርዎ ሃፍተ ፈውሲ ዝተዋሃቦ ወንጌል ዝሰብክ ብዙሕ ህዝቢ ዝስዕቦ ድውያን ስጋ ብተኣምራት፣ብናዝሬቱ ብእየሱስ ክርስቶስ ኢሉ ዝፍውስ፣ድውያን ስጋ ብትምህርቲ ዝምልስ ዓቢ ዝተፈለጠ እስጢፋኖስ በዚ ፍጹም ኣገልግሎት እግዚኣብሔር ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ሃቦ።ፃሓፍቲ ፈሪሳውያን ቀኒኦም ኣይቀረዩን።ግብሪ ሓዋርያት{ 6÷11_15//ንእግዚአብሔርን ንሙሴን ሓሶት ቃል ተናጊሩ ኢሎም ምስክር ብምሃብ ከቢቦም የዛርብዎ ነበሩ፣ ምስክር ካብ ኣቦና ኣብርሃም ጀሚሩ ይመኽሩ ነበሩ፣ሕጊ ከም መላኣክቲ ተቀቢልኩም ዘይትፍጽሙ፣ግብሪ ሓዋ 7÷51/ኣቱም ተሪር ክሳድኩም ኣይሰራሓኩም ኢሉ ይዛረቦም ነይሩ፣ቅንዕ ኢሉ ንላዕሊ ጠሚቱ ሰማይ ተኸፊቱ እግዚኣብሔር ኣብ ኣብ የማን ኣምላኽ ረኣኹ በለ።ብእስጢፋኖስ ቀኒኦም ካብ ከተማ ኣውጺኦም ብዳርባ እምኒ ቀቲሎምዎ።
ግብሪ ሓዋ 7÷60/እስጢፋኖስ እውን ተንበርኪኩ ኦ ኣምላከይ ኢየሱስ ክርስቶስ ነፍሰይ ሓደራ በለ።እዚ ምስ በለ ኦ ጎይታይ እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ኣይፈልጥወን እሞ ይቅር በሎም በለ።ዓቢ ስደት በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ እምነቶም ዝጸንዑ ሰባት ንእስጢፋኖስ ወሲዶም ቀበርዎ።ሳኦል እዚ ክግበር ከሎ ሞት እቶም ቀተልቲ ይጽበ ነበረ፣ኣነውን ምስኡ ይጽበ ነይረ በለ ጳውሎስ።
ኣብ ኢየሩሳሌም ዓቢ ስደት ኮነ ብዘይካ ሃዋርያት ኩሎም ናብ ሰማርያ ተሰዲዶም።ወገናተይ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ ስለ ጽድቂ ዝስደዱ ብጹኣን እዮም፣ማቴ 5÷10//ከይበደሉ በዲልኩም ተባሂሎም ከይሰረቁ ሰሪቕኩም ተባሂሎም ሰናይ ስራሕ እናሰርሑ ኣብ ክንዲ ዝሽለሙ፣ካብቲ ሰናይ ዝገብሩሉ ቦታ ዝተደፍኡ ብጹኣን እዮም።መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ።
ኣብዛ ዓለም እንረኽቦ መከራ ምስቲ ኣብ ቀጻሊ ዓለም ዘጋጥመና መከራ ብምንጽጻር ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ኣይቁጸርን እዩ።እቲ ዝጽበዮም ዘለኣለማዊ ቤት ስለ ዝኾነ፣ዘይዓርብ ጸሓይ፣ ዘይሃስስ ብርሃን፣ ኩሉ ግዜ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ይበርህ መንግስተ ሰማያት ናይቶም ንጽድቅን ሓቅን ክብሉ ኣብዛ ዓለም በደል ዝቕበሉ እያ።
2ይ ቆሮ 11÷22~33/
-------------------ዓቢ ስደት ግብሪ ሓዋ 8÷1/እብራውያን እዮም ኣነውን እብራዊይ እየ፣ደቂ ኣብርሃም እዮም ኣነውን እየ፣ኣገልገልቲ ክርስቶስ ድዮም?ብሓቂ ኣነ ይበልጽ ብዝያዳ መግረፍትን ብዝያዳ ስደትን፣
ኣይሁድ ሓሙሽተ ግዜ ኣርብዓ ገረፉኒ፣ብዳርባ እምኒ ድማ ቀጥቂጦሙኒ።መርከበይ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ዕምቆት ስለ ዝነበረት ብፍርሒ ምድረበዳ ብሓሰውትን ሸፋቱን በለ፣ኣብ ከተማን ገጠርን ፍርሓት ነበረ።ቅዱስ ጳውሎስ ብሰንኪ ሕጽረት ድቃስ ከም ድላዮም ምግቢ ዕረፍቲ ኣይረኽቡን፣ናይ እግዚአብሔር ሰባት ክንበልዕ ክንሰቲ ዘይኮነስ፣ኣገለግሎት ብምሃብ ወንጌል ምስባክ ድውያን ሕሙማን ክፍውሱ እየም ዝሓልፉ።
ቅዱስ ጻውሎስ ዝበጸሖ መከራ ረኣየ፣ኣገልገልቲ ክርስቶስ ኢና ይብሉ፣ ኣነ ይሓይሽ ተሃሪመ ብዳርባ እምኒ ብዙሕ ብመግረፍቲ ተሃሪመ።ፈተውትን ጸላእትን ኣለዉኒ።እቲ ኣዝዩ ዝኸበደኒ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን እዩ።
ኣነ ይሻቐል ብዛዕባ ደቂ ሰባት የሻቕለኒ፣ከይተገበአኒ ኣብ መንጎ መጓሰ ደው ኣቢሉኒ እናበለ፣ "እቶም መንገዶም ዝጠፍኡን ካብ ሕጊ ዝወጹን የሕዝኑኒ እዮም" ኢሉ።ኣብ ደማስቆ ዝነብር ኣመሓዳሪ ሃገር ማዕጾ ዓጽዩ ክኣስረኒ ይደሊ።ዓቢ ስደት፣ስለ ሃይማኖት ጠምየ ጸሚኤ ዝበልዖ ሲኢነ ብእምነት ደቂ መዛምርቱ ኣብ ቅርጫት ገይሮም ሰዲደሙኒ በለ፣ ዓቢ ስደት፣ሃይማኖቶም ሓልዮም ዘረከቡና።
ዋላ ስደት እንተ ኣጋጠመና ኣብ እምነትና ጸኒዕና ምንባር እዩ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን ኣነ ድማ ኣኽሊል ህይወት ከዳልወልኩም እየ ይብል።/ራዕ 2÷10//
ክሳዕ ሞት እዩ ዝሑል ዝሑል ኣይኮነን።
1ይ ሳሙ 19÷12/ሳኦል ሰራዊቱ ኩሉ ንዳዊት ደሊኹም ኣምጹኡለይ በለ፣ወዲ ሳኦል መልኮል ድማ ብዘሎ ሰራዊት ከም ዝተበታተኑ ብምግላጽ መልእኽቲ ኣቦኣ ናብ ዳዊት ከም ሰደደ፣በዓልቲ ቤት ዳዊት መልኮል ድማ "ኪዲ ሎሚ ህይወትካ ኣድሕን ሎሚ እንተተረኺብካ ክትቅተል ኢኻ" በለቶ።ዳዊት ሰድድዎ ዓቢ ስደት፣ክፉእ ከይሰርሑ ከምዚ ዓይነት የጋጥም።
ዘፍ " 12÷1_6>
---------------ኣብርሃም ኣብርሃም ዝተወለድካላ ሃገር ገዲፍካ ናብታ ኣነ ዘርእየካ ሃገር ኪድ ክባርከካ እየ እቶም ዝባርኹኻ ክባርኩም እየ።ንኣኻ ዝረገሙ ሩጉማን እዮም ፣፡እቶም ዝረግሙኻ ርጉማት እዮም፣ ኩሉ ወለዶኦም ብኣኻ ክባረኹ፣ ብዘርእኻ ክባረኹ እዮም፣ ነቲ ኣነ ዘርእየካ ትእዛዛት /ዘፍ 12÷1_5/
ኩሎም ኣህዛብ ብዘርእኻ ክባረኹ እዮም። ኣብርሃም ሕጊ ንምሕጓስ ሕጊ ንምፍጻም እዩ ተሰዲዱ።
ኣብርሃም ዝተሰደደ ቃል ኣምላኽ ንምፍጻም እዩ።
ብስደት ዝሓሸ ናብራ ዘሕለፉን ካብ ገዛእ ርእሶም ንላዕሊ ንስድራቤቶም ዝሓገዙን ኣለዉ።ድኽነት ንምስጋር ዝስደዱ ኣለዉ ኣብ መንገዲ ዝቐርዩ እውን ኣለዉ።ፍቓድ ኣምላክ ይኹን እንበል ብድፍረት ንኸይድ እንተኮይንና ኣብ መንገዲ እውን ምትራፍ ኣሎ እዩ፣ስለዚ ናቱ ፍቓድ ምሕታት እዩ።
ዓቢ ስደት!
ማቴ 2÷13_15>>
---------------ሰባ ሰገድ ኣብቲ በዓቲ ምስ በጽሑ ንእመቤትና ድንግል ማርያምን ጎይታናን ኣብ ሕቑፋ ረኸብዎ፣ሰባ ሰገድ እውን ዝሓዝዎ ዕጣን ከርቤ ንጎይታ ሂቦም ኣብ መሬት ወዲቆም ሰገዱሉ፣ናብ ቤተልሄም እናተጓዕዙ ከለዉ ኮኾብ እናመረሖም፣በታ ኸተማ ምስ ሓለፈ ሄሮድስ ሰንበደ ፈረሐ ሄሮድስ ድማ ንገሩኒ ኣነውን ከይደ ክሰግደሉ በለ፣መልኣክ እግዚአብሔር ንሰባ ሰገል ተገሊጹ ናብ ሄሮድስ ከይትኸዱ መንገድኹም ብኻሊእ መንገዲ ናብ ሃገርኩም ኪዱ በለ።ሰባ ሰገድ ከም ዝቀየሩ ምስ ፈለጠ ስንበደ ኣብ ቤተልሔም ከም ዝውለድ ፈሊጡ ሰይፉ ኣዳልዩ ንኹሎም ኣብ ከባቢ ቤተልሔም ዝነበሩ ቆልዑ ክቐትል ኣዘዘ።ኦ ዮሴፍ ንኣዲኡን ንጎይታን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም በሎ ዓቢ ስደት፣ ብነቢይ እንሆ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዊዐዮ ዝተባሃለ።ሆሴ 11÷1/
ምእንቲ ክፍጸም እመቤትና ንጐይታ ሓዚላ ናብ ግብጺ ተሰዲታ።ሎሚ ፅጌ እንሓስቦ ናይ እመቤትና ስደት እናዘከርና ኢና።
ኣብ ስደት ዘለኹም ኣብ ስደት ኮይንኩም ሰላም ሓጎስ ዝረኸብኩም ፣ እቶም ካልኦት ብሰንኪ ጭቆና ናይ ኮለል ናጽነትኩም ዝሳኣንኩም እትብደሉ ጭቆና ድማ ካብ ስደት ይዓብዩ፣ ስደትኩም ብዙሕ እዩ።
ዓቢ ስደት ክሰርሕ ኢልኩም ስራሕ ትስእኑ፣ሰላም ደሊኩም ሰላም ትስእኑ፣ዓቢ ስደት ኣብ ውሽጢ መከራ ንነብር ብዙሓት ኢና።ፈተና ኣብ ዘለኻዮ ኮይንኻ ምስዓር፣ እቲ ፈተና በዝሒ እዩ እንተበለ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከይተረፈ ዝያዳ ትጽቢት ኣለዎ።ኣብ ዘለናዮ ቦታ ኮይንና ክንዕወት ኣሎና፣ተባኢስና እንተኮይንና ክንዕረቅ ይግባእ።ስዕርናዮ እንደገና ካሊእ ፈተና እንተ መጸ ንስዕር ኢና።ኣቦን ኣዶን ከይረገሙና እንተ ወጺእና እትኸድዎ ኩሉ ይቐነዐኩም እዩ።ኮይኑ ግን አሕዚንካ እንተ ኮይንካ ናብ ዝኸድካዮ ኩሉ ተስፋ ኣቑሪጹ መወዳእታ ውድቀት እዩ።ዝናብን ውሕጅን ዘነበ፣ኣብ ከውሒ እንተተመስረተ ግን ኣይወድቕን እዩ
/ ማቴ 7÷24/
ዓቢ ስደት
-----------ስደት ንርእዮ ኣለና፣ኣብ ዝፈትዎ ገዳም ይነብሩ ኣለዉ።ንሕና መከራ ርኢና ዝሰራሓናዮ ገዳም ወጺእና ኣብ ካልእ ክንሰርሕ ምስ እንደሊ ዲያብሎስ ብሓድሽ መንገዲ እዩ ፈተና የሚጠነክሮ፣ጽናት ጥራይ።
ዓቢ ሰደት!!
------------እመቤትና ናብ ግብፂ ተሰዲዳ፣ቅዱስ እስራኤል ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ናብ ግብጺ ኣብ ሕቖኣ ሒዛ እመቤትና ተሰዲዳ።እመቤትና ናብ ግብጺ ምስ ተሰደደት ዓቢ መከራ ኣጋጢምዋ።ዓቢ ስደት፤ ናብ ግብጽን ኢትዮጵያን ተሰደደት ዓቢ ስደት።
ስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ወርሒ ፅጌ ጥቅምቲ ኢልና መስከረም 26/ክሳብ ሕዳር 5/ ንጸውም።ብዛዕባ እቲ ዘጋጠማ መከራ ሓሲቡ፣ ብስደቱ ስደትና ከብቅዕ ናትና ሞት ንሱ ሞይቱልን፣እቶም ብሰንኪ እፀ በለስ ዝሞቱ፣እቲ ስጋይ ዝበልዕ ደመይ ዝሰተየ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይረክብ ኢሉ፣ናብታ ናይ ቀደም ገነትና መለሰና፣ብሰንኪ ህይዋን ዝተዓጸወ ገነት፣ብሰንኪ ኣዴና ቅድስቲ እመቤትና ድንግል ማርያም መንግስተ ሰማያት ተኸፊቱልና።
ጎይታ ተሰዲዱ ሎሚ ንሕና እውን እንተተሰዲድና ክንጭነቕ የብልናን።ዕላማ ምምጻእና ግና ናብ ሃገርና ምእንቲ ክንምለስ ሰናይ ነገር ክንገብር ናብ እግዚኣብሔር ምጽላይ እዩ።
መልኣኽ እግዚኣብሔር ንዮሴፍ ተራእዮ፣ እቶም ነቲ ቆልዓ ዝደለዩ ድማ ሞይቶም እዮም እሞ ናብ ሃገርካ ተመለስ እሞ ናብ ገዛኻ ኪድ።ኣብ ክንዲ ሄሮድስ ካልእ ከም ዝነገሰ ምስ ሰምዐ ናብ ናዝሬት ከደ ናዝሬዊ ምእንቲ ክባሃል ናብ ናዝሬት ከደ፣መሳ 13÷5/ወዲ ናዝሬት እዮሱስ ክርስቶስ ኢና ንብል።
ሩት 1÷1//
-----------ኣብ ቤት ልሄም ዝብላዕ ምስ ጠፈአ ኑሀሚን ምስ ስብኣያ ኣቤሚልክ ምስ ደቃን ተንሰአት ጥምየት ኮይኑ ኣብ ቤት ሌሄም ዝብላዕ የለን፣ስብኣያ ሞይቱ ደቃ ሞይቶም፣ዝኸዱ ዝሓሸ ናብራ ንምንባር ኢሎም ሃገሮም ገዲፎም ሰብኣያ ኑሓሚን ግን ሞተ፣ምስ ሓዘነት ደቃ ሞይቶም ንበይና ኣብ ዓቢ ስደት ተረፈት፣ደቃ ምስ ኣንስቲ ሙኣብ ተመርዕዮም ኣንስቲ ደቃ እየን ነይረን።ኣብ ቤተልሔም ድማ ኣምላኽ ብምሕረት ከም ዝበጽሖም ሰሚዓ "ናብ ዓደይ ክምለስ" በለት፣ኣንስቲ ደቃ ተሳናበተተን ክከይድ እየ ምስ በለተን ኣንስቲ ደቃ ግን ንሕናውን ክንከይድ ኢና በላኣ፣ኣይከውንን በለት፣እታ ሓንቲ ተመሊሳ፣ሩት ግን ኣይኸውንን ናብ ቤተሰብኪ ተመለስ በለታ፣ንሳ እውን ህዝብኪ ህዝበይ እዩ ብዘይካ ሞት ዝፈላልየኒ የለን
እምነትን ቃልኪዳን ካበይ ንረክብ?ንኩላትና እዚ ምትእምማን የድልየና እዩ ብዘይ እምነት ስራሕ ክንሰርሕ ኣይንክእልን፣ሞትኪ ሞተይ፣ ኣምላኽኪ ኣምላኸይ ህዝብኪ ህዝበይ እዩ ካባኪ ዝፈላልየና የለን።ከምዚ ዝባሃል ሰብ ካበይ እዩ ዝርከብ።
ብሰንኪ ምብዛሕ ዓመጽ ፍቕሪ ብዙሓት ክዝሕል እዩ።
ፍቕሮም ጽቡቕ ዝነበረ ግን ከኣ ብሰንኪ ስጋዊ ፍትወት ክብረቶም ዝስእኑ ሰባት ኣለዉ ጽቡቕ ኣይኮነን።
ሕጊ ንሓልዎ ፣ ክፉእ ዘመን እናበልና ኣይንካሓድ፣ኣብዚ ክፉእ ዘመን ጸኒዕና ንንበር።
ሩት ንሀሚን ስዒባታ ናብ ቤተልሔም ምስ ኣተወት ሰብኣያን ደቃን የለውን ዓቢ ስደት፣ኑሀሚን መጸት ምስ በሉ ኑሀሚን ኣይትበሉኒ፣ኣነ ናይ መከራ ሰብ እየ ብብልሓት ወጺአ ዕርቃነይ ተመሊሰ ኑሀሚን ኣይትበሉኒ ማራ በሉኒ ዓቢ ስደት ።
ዓቢ ስደት ( ግብሪ ሃዋርያት 8÷1)
🌾 ምስጋና ነቲ ዝመሃረናን ዝመኸረናን ኣምላኽ ይኹን።
🌾ኣሜን ኣሜን ኣሜን ቃለ ህይወት የስመዐልና ክቡር ኣቦና።