Amdi Tewahdo Media / ዓምዲ ተዋህዶ ሚድያ

Amdi Tewahdo Media / ዓምዲ ተዋህዶ ሚድያ AMDI MEDIA is a privately held non-profit organization established in 2016/2024 in MEKELLE , TIGRAI.

❖ ናይ ኣዋጅ ነጋሪ ቃል ❖መንግስተ_ሰማያት_ቀርባ እያ እሞ_ንስሐ_እተዉ}}❖ ናይ ኣዋጅ ነጋሪ ቃል ⛪🌎 ❖ናይ በረኻ ❖ ስብከት❖ ⛪🌎በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሁዱ ኣምላክ ኣሜን። ...
07/11/2024

❖ ናይ ኣዋጅ ነጋሪ ቃል ❖
መንግስተ_ሰማያት_ቀርባ እያ እሞ_ንስሐ_እተዉ}}
❖ ናይ ኣዋጅ ነጋሪ ቃል
⛪🌎 ❖ናይ በረኻ ❖ ስብከት❖ ⛪🌎

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሁዱ ኣምላክ ኣሜን።

( ግብሪ ሃዋርያት 8÷1)

ዓቢ ስደት ብዛዕባ ስደት ኢና ክንማሃር፣ዓቢ ስደት ኣብ እየሩሳሌም እትርከብ ቤተ ክርስትያን ዓቢ ስደት ከነ ከምቲ እስጢፋኖስ ብእምኒ ዝተቀጥቀጠ፣እስጢፋኖስ ምስ ሞተ ዓቢ ስደት ኮነ።ብዘይካ ሓዋርያት ኣብ ሰማርያን ይሁዳን ፋሕ ኢሎም፣ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስደት የድሕነና።ሰብ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ስደት ይወጽእ፣ስደት ብፍቓዱ ከይተጸገመ ሃገሩ ገዲፉ ዝስደድ ኣሎ፣ካልእ ድማ ብምኽንያት ትምህርቲ፣ብሕማም፣ብድኽነት ብጸገም ምኽንያት ዝተወለደሉ ዝፈትዋ ሃገሩ ሓዲጉ ዝኸይድ ኣሎ።ናይ ሰብ ስደት ዝተፈላለየ እዩ።

ሃገሩ ገዲፉ ናብ ካልእ ቦታ እንተኸይዱ ስደተኛ ኢዩ።
ይኹን እምበር ሃገርና ኣብ ሰማይ እያ ዘላ ኣብዛ ዓለም ዘለና እዛ ዘለናያ መሬት ምድሪ ፋይዳ ዕስራ፣ሳላሳ፣ሚእቲ ዓመት እንተነበርና ኩሉ ስደተኛ እዩ ናብ መቃብር እዩ።ስለዚ እዩ ነቢይ ዳዊት ኣነ ስደተኛ እየ ከም ኣቦታተይ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ከምቶም ቅኑዓት ኣነውን ስደተኛ እየ እናበለ ቀደምቲ ኣቦታት የልዕል ነበረ። መዝ 38÷12/ኣብ ምድሪ ስደተኛ እየ፣ኩላትና ስደተኛታት ኢና ሰብ ዝኾነ ሃገሩ ሓዲጉ ይኸይድ።ሃገርና ኣብ ሰማይ እዩ ናቱ ፍቓድ ኮይኑ ዘይጠፍእ ሕጉ ጸሓይ ኩሉ ግዜ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ዘብርቕ ይሕልዎ።/ሮሜ 8÷18/
ምስቲ እንረኽቦ ዘለና ናይ ዘለኣለም ህይወት ክነጻጸር ከሎ፣ኩሉ መከራ እዛ ዓለም እዚኣ ዋላ ሓንቲ ኣይኮነን።
እቲ ጥሜትን ሕማምን ኩሉ ድኻም ዲያብሎስ ምስቲ ኣብኡ እንረኽቦ ዘለኣለማዊ ቤትና ክነጻጸር ከሎ ዋላ ሓንቲ ኣይኮነን ምስ ማንም ኣይቆጸርን።ነዚ እናሓሰብና ኣብ እምነትና ክንጸንዕ ኣሎና።ዋላ ተደፊእና፣መንከራ ተቀቢልና፣ተተሰደትና ፣እቲ ናይ ዘላኣለማዊ ቤትና ይሕልወም ሰናይ ሰሪሖም ንዝተደፍኡ ንዝተበደሉ ሰባት።

ዓቢ ስደት!!፦
እስጢፋኖስ ሓደ ካብቶም ሸውዓተ ዲያቆናት ኮይኑ ብደም ተሓጺቡ ብሰናይ ትምህርቱን ንመድሃኔአለም ዘሐጎሰ ቀዳማይ ሰማዕት ኮነ።ሰባት ስለ ዘፍቅርዎ ሃፍተ ፈውሲ ዝተዋሃቦ ወንጌል ዝሰብክ ብዙሕ ህዝቢ ዝስዕቦ ድውያን ስጋ ብተኣምራት፣ብናዝሬቱ ብእየሱስ ክርስቶስ ኢሉ ዝፍውስ፣ድውያን ስጋ ብትምህርቲ ዝምልስ ዓቢ ዝተፈለጠ እስጢፋኖስ በዚ ፍጹም ኣገልግሎት እግዚኣብሔር ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ሃቦ።ፃሓፍቲ ፈሪሳውያን ቀኒኦም ኣይቀረዩን።ግብሪ ሓዋርያት{ 6÷11_15//ንእግዚአብሔርን ንሙሴን ሓሶት ቃል ተናጊሩ ኢሎም ምስክር ብምሃብ ከቢቦም የዛርብዎ ነበሩ፣ ምስክር ካብ ኣቦና ኣብርሃም ጀሚሩ ይመኽሩ ነበሩ፣ሕጊ ከም መላኣክቲ ተቀቢልኩም ዘይትፍጽሙ፣ግብሪ ሓዋ 7÷51/ኣቱም ተሪር ክሳድኩም ኣይሰራሓኩም ኢሉ ይዛረቦም ነይሩ፣ቅንዕ ኢሉ ንላዕሊ ጠሚቱ ሰማይ ተኸፊቱ እግዚኣብሔር ኣብ ኣብ የማን ኣምላኽ ረኣኹ በለ።ብእስጢፋኖስ ቀኒኦም ካብ ከተማ ኣውጺኦም ብዳርባ እምኒ ቀቲሎምዎ።
ግብሪ ሓዋ 7÷60/እስጢፋኖስ እውን ተንበርኪኩ ኦ ኣምላከይ ኢየሱስ ክርስቶስ ነፍሰይ ሓደራ በለ።እዚ ምስ በለ ኦ ጎይታይ እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ኣይፈልጥወን እሞ ይቅር በሎም በለ።ዓቢ ስደት በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ እምነቶም ዝጸንዑ ሰባት ንእስጢፋኖስ ወሲዶም ቀበርዎ።ሳኦል እዚ ክግበር ከሎ ሞት እቶም ቀተልቲ ይጽበ ነበረ፣ኣነውን ምስኡ ይጽበ ነይረ በለ ጳውሎስ።

ኣብ ኢየሩሳሌም ዓቢ ስደት ኮነ ብዘይካ ሃዋርያት ኩሎም ናብ ሰማርያ ተሰዲዶም።ወገናተይ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ ስለ ጽድቂ ዝስደዱ ብጹኣን እዮም፣ማቴ 5÷10//ከይበደሉ በዲልኩም ተባሂሎም ከይሰረቁ ሰሪቕኩም ተባሂሎም ሰናይ ስራሕ እናሰርሑ ኣብ ክንዲ ዝሽለሙ፣ካብቲ ሰናይ ዝገብሩሉ ቦታ ዝተደፍኡ ብጹኣን እዮም።መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ።
ኣብዛ ዓለም እንረኽቦ መከራ ምስቲ ኣብ ቀጻሊ ዓለም ዘጋጥመና መከራ ብምንጽጻር ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ኣይቁጸርን እዩ።እቲ ዝጽበዮም ዘለኣለማዊ ቤት ስለ ዝኾነ፣ዘይዓርብ ጸሓይ፣ ዘይሃስስ ብርሃን፣ ኩሉ ግዜ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ይበርህ መንግስተ ሰማያት ናይቶም ንጽድቅን ሓቅን ክብሉ ኣብዛ ዓለም በደል ዝቕበሉ እያ።

2ይ ቆሮ 11÷22~33/
-------------------ዓቢ ስደት ግብሪ ሓዋ 8÷1/እብራውያን እዮም ኣነውን እብራዊይ እየ፣ደቂ ኣብርሃም እዮም ኣነውን እየ፣ኣገልገልቲ ክርስቶስ ድዮም?ብሓቂ ኣነ ይበልጽ ብዝያዳ መግረፍትን ብዝያዳ ስደትን፣
ኣይሁድ ሓሙሽተ ግዜ ኣርብዓ ገረፉኒ፣ብዳርባ እምኒ ድማ ቀጥቂጦሙኒ።መርከበይ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ዕምቆት ስለ ዝነበረት ብፍርሒ ምድረበዳ ብሓሰውትን ሸፋቱን በለ፣ኣብ ከተማን ገጠርን ፍርሓት ነበረ።ቅዱስ ጳውሎስ ብሰንኪ ሕጽረት ድቃስ ከም ድላዮም ምግቢ ዕረፍቲ ኣይረኽቡን፣ናይ እግዚአብሔር ሰባት ክንበልዕ ክንሰቲ ዘይኮነስ፣ኣገለግሎት ብምሃብ ወንጌል ምስባክ ድውያን ሕሙማን ክፍውሱ እየም ዝሓልፉ።

ቅዱስ ጻውሎስ ዝበጸሖ መከራ ረኣየ፣ኣገልገልቲ ክርስቶስ ኢና ይብሉ፣ ኣነ ይሓይሽ ተሃሪመ ብዳርባ እምኒ ብዙሕ ብመግረፍቲ ተሃሪመ።ፈተውትን ጸላእትን ኣለዉኒ።እቲ ኣዝዩ ዝኸበደኒ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን እዩ።
ኣነ ይሻቐል ብዛዕባ ደቂ ሰባት የሻቕለኒ፣ከይተገበአኒ ኣብ መንጎ መጓሰ ደው ኣቢሉኒ እናበለ፣ "እቶም መንገዶም ዝጠፍኡን ካብ ሕጊ ዝወጹን የሕዝኑኒ እዮም" ኢሉ።ኣብ ደማስቆ ዝነብር ኣመሓዳሪ ሃገር ማዕጾ ዓጽዩ ክኣስረኒ ይደሊ።ዓቢ ስደት፣ስለ ሃይማኖት ጠምየ ጸሚኤ ዝበልዖ ሲኢነ ብእምነት ደቂ መዛምርቱ ኣብ ቅርጫት ገይሮም ሰዲደሙኒ በለ፣ ዓቢ ስደት፣ሃይማኖቶም ሓልዮም ዘረከቡና።

ዋላ ስደት እንተ ኣጋጠመና ኣብ እምነትና ጸኒዕና ምንባር እዩ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን ኣነ ድማ ኣኽሊል ህይወት ከዳልወልኩም እየ ይብል።/ራዕ 2÷10//
ክሳዕ ሞት እዩ ዝሑል ዝሑል ኣይኮነን።

1ይ ሳሙ 19÷12/ሳኦል ሰራዊቱ ኩሉ ንዳዊት ደሊኹም ኣምጹኡለይ በለ፣ወዲ ሳኦል መልኮል ድማ ብዘሎ ሰራዊት ከም ዝተበታተኑ ብምግላጽ መልእኽቲ ኣቦኣ ናብ ዳዊት ከም ሰደደ፣በዓልቲ ቤት ዳዊት መልኮል ድማ "ኪዲ ሎሚ ህይወትካ ኣድሕን ሎሚ እንተተረኺብካ ክትቅተል ኢኻ" በለቶ።ዳዊት ሰድድዎ ዓቢ ስደት፣ክፉእ ከይሰርሑ ከምዚ ዓይነት የጋጥም።

ዘፍ " 12÷1_6>
---------------ኣብርሃም ኣብርሃም ዝተወለድካላ ሃገር ገዲፍካ ናብታ ኣነ ዘርእየካ ሃገር ኪድ ክባርከካ እየ እቶም ዝባርኹኻ ክባርኩም እየ።ንኣኻ ዝረገሙ ሩጉማን እዮም ፣፡እቶም ዝረግሙኻ ርጉማት እዮም፣ ኩሉ ወለዶኦም ብኣኻ ክባረኹ፣ ብዘርእኻ ክባረኹ እዮም፣ ነቲ ኣነ ዘርእየካ ትእዛዛት /ዘፍ 12÷1_5/
ኩሎም ኣህዛብ ብዘርእኻ ክባረኹ እዮም። ኣብርሃም ሕጊ ንምሕጓስ ሕጊ ንምፍጻም እዩ ተሰዲዱ።
ኣብርሃም ዝተሰደደ ቃል ኣምላኽ ንምፍጻም እዩ።
ብስደት ዝሓሸ ናብራ ዘሕለፉን ካብ ገዛእ ርእሶም ንላዕሊ ንስድራቤቶም ዝሓገዙን ኣለዉ።ድኽነት ንምስጋር ዝስደዱ ኣለዉ ኣብ መንገዲ ዝቐርዩ እውን ኣለዉ።ፍቓድ ኣምላክ ይኹን እንበል ብድፍረት ንኸይድ እንተኮይንና ኣብ መንገዲ እውን ምትራፍ ኣሎ እዩ፣ስለዚ ናቱ ፍቓድ ምሕታት እዩ።

ዓቢ ስደት!
ማቴ 2÷13_15>>
---------------ሰባ ሰገድ ኣብቲ በዓቲ ምስ በጽሑ ንእመቤትና ድንግል ማርያምን ጎይታናን ኣብ ሕቑፋ ረኸብዎ፣ሰባ ሰገድ እውን ዝሓዝዎ ዕጣን ከርቤ ንጎይታ ሂቦም ኣብ መሬት ወዲቆም ሰገዱሉ፣ናብ ቤተልሄም እናተጓዕዙ ከለዉ ኮኾብ እናመረሖም፣በታ ኸተማ ምስ ሓለፈ ሄሮድስ ሰንበደ ፈረሐ ሄሮድስ ድማ ንገሩኒ ኣነውን ከይደ ክሰግደሉ በለ፣መልኣክ እግዚአብሔር ንሰባ ሰገል ተገሊጹ ናብ ሄሮድስ ከይትኸዱ መንገድኹም ብኻሊእ መንገዲ ናብ ሃገርኩም ኪዱ በለ።ሰባ ሰገድ ከም ዝቀየሩ ምስ ፈለጠ ስንበደ ኣብ ቤተልሔም ከም ዝውለድ ፈሊጡ ሰይፉ ኣዳልዩ ንኹሎም ኣብ ከባቢ ቤተልሔም ዝነበሩ ቆልዑ ክቐትል ኣዘዘ።ኦ ዮሴፍ ንኣዲኡን ንጎይታን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም በሎ ዓቢ ስደት፣ ብነቢይ እንሆ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዊዐዮ ዝተባሃለ።ሆሴ 11÷1/
ምእንቲ ክፍጸም እመቤትና ንጐይታ ሓዚላ ናብ ግብጺ ተሰዲታ።ሎሚ ፅጌ እንሓስቦ ናይ እመቤትና ስደት እናዘከርና ኢና።

ኣብ ስደት ዘለኹም ኣብ ስደት ኮይንኩም ሰላም ሓጎስ ዝረኸብኩም ፣ እቶም ካልኦት ብሰንኪ ጭቆና ናይ ኮለል ናጽነትኩም ዝሳኣንኩም እትብደሉ ጭቆና ድማ ካብ ስደት ይዓብዩ፣ ስደትኩም ብዙሕ እዩ።
ዓቢ ስደት ክሰርሕ ኢልኩም ስራሕ ትስእኑ፣ሰላም ደሊኩም ሰላም ትስእኑ፣ዓቢ ስደት ኣብ ውሽጢ መከራ ንነብር ብዙሓት ኢና።ፈተና ኣብ ዘለኻዮ ኮይንኻ ምስዓር፣ እቲ ፈተና በዝሒ እዩ እንተበለ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከይተረፈ ዝያዳ ትጽቢት ኣለዎ።ኣብ ዘለናዮ ቦታ ኮይንና ክንዕወት ኣሎና፣ተባኢስና እንተኮይንና ክንዕረቅ ይግባእ።ስዕርናዮ እንደገና ካሊእ ፈተና እንተ መጸ ንስዕር ኢና።ኣቦን ኣዶን ከይረገሙና እንተ ወጺእና እትኸድዎ ኩሉ ይቐነዐኩም እዩ።ኮይኑ ግን አሕዚንካ እንተ ኮይንካ ናብ ዝኸድካዮ ኩሉ ተስፋ ኣቑሪጹ መወዳእታ ውድቀት እዩ።ዝናብን ውሕጅን ዘነበ፣ኣብ ከውሒ እንተተመስረተ ግን ኣይወድቕን እዩ
/ ማቴ 7÷24/

ዓቢ ስደት
-----------ስደት ንርእዮ ኣለና፣ኣብ ዝፈትዎ ገዳም ይነብሩ ኣለዉ።ንሕና መከራ ርኢና ዝሰራሓናዮ ገዳም ወጺእና ኣብ ካልእ ክንሰርሕ ምስ እንደሊ ዲያብሎስ ብሓድሽ መንገዲ እዩ ፈተና የሚጠነክሮ፣ጽናት ጥራይ።

ዓቢ ሰደት!!
------------እመቤትና ናብ ግብፂ ተሰዲዳ፣ቅዱስ እስራኤል ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ናብ ግብጺ ኣብ ሕቖኣ ሒዛ እመቤትና ተሰዲዳ።እመቤትና ናብ ግብጺ ምስ ተሰደደት ዓቢ መከራ ኣጋጢምዋ።ዓቢ ስደት፤ ናብ ግብጽን ኢትዮጵያን ተሰደደት ዓቢ ስደት።

ስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ወርሒ ፅጌ ጥቅምቲ ኢልና መስከረም 26/ክሳብ ሕዳር 5/ ንጸውም።ብዛዕባ እቲ ዘጋጠማ መከራ ሓሲቡ፣ ብስደቱ ስደትና ከብቅዕ ናትና ሞት ንሱ ሞይቱልን፣እቶም ብሰንኪ እፀ በለስ ዝሞቱ፣እቲ ስጋይ ዝበልዕ ደመይ ዝሰተየ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይረክብ ኢሉ፣ናብታ ናይ ቀደም ገነትና መለሰና፣ብሰንኪ ህይዋን ዝተዓጸወ ገነት፣ብሰንኪ ኣዴና ቅድስቲ እመቤትና ድንግል ማርያም መንግስተ ሰማያት ተኸፊቱልና።
ጎይታ ተሰዲዱ ሎሚ ንሕና እውን እንተተሰዲድና ክንጭነቕ የብልናን።ዕላማ ምምጻእና ግና ናብ ሃገርና ምእንቲ ክንምለስ ሰናይ ነገር ክንገብር ናብ እግዚኣብሔር ምጽላይ እዩ።

መልኣኽ እግዚኣብሔር ንዮሴፍ ተራእዮ፣ እቶም ነቲ ቆልዓ ዝደለዩ ድማ ሞይቶም እዮም እሞ ናብ ሃገርካ ተመለስ እሞ ናብ ገዛኻ ኪድ።ኣብ ክንዲ ሄሮድስ ካልእ ከም ዝነገሰ ምስ ሰምዐ ናብ ናዝሬት ከደ ናዝሬዊ ምእንቲ ክባሃል ናብ ናዝሬት ከደ፣መሳ 13÷5/ወዲ ናዝሬት እዮሱስ ክርስቶስ ኢና ንብል።

ሩት 1÷1//
-----------ኣብ ቤት ልሄም ዝብላዕ ምስ ጠፈአ ኑሀሚን ምስ ስብኣያ ኣቤሚልክ ምስ ደቃን ተንሰአት ጥምየት ኮይኑ ኣብ ቤት ሌሄም ዝብላዕ የለን፣ስብኣያ ሞይቱ ደቃ ሞይቶም፣ዝኸዱ ዝሓሸ ናብራ ንምንባር ኢሎም ሃገሮም ገዲፎም ሰብኣያ ኑሓሚን ግን ሞተ፣ምስ ሓዘነት ደቃ ሞይቶም ንበይና ኣብ ዓቢ ስደት ተረፈት፣ደቃ ምስ ኣንስቲ ሙኣብ ተመርዕዮም ኣንስቲ ደቃ እየን ነይረን።ኣብ ቤተልሔም ድማ ኣምላኽ ብምሕረት ከም ዝበጽሖም ሰሚዓ "ናብ ዓደይ ክምለስ" በለት፣ኣንስቲ ደቃ ተሳናበተተን ክከይድ እየ ምስ በለተን ኣንስቲ ደቃ ግን ንሕናውን ክንከይድ ኢና በላኣ፣ኣይከውንን በለት፣እታ ሓንቲ ተመሊሳ፣ሩት ግን ኣይኸውንን ናብ ቤተሰብኪ ተመለስ በለታ፣ንሳ እውን ህዝብኪ ህዝበይ እዩ ብዘይካ ሞት ዝፈላልየኒ የለን
እምነትን ቃልኪዳን ካበይ ንረክብ?ንኩላትና እዚ ምትእምማን የድልየና እዩ ብዘይ እምነት ስራሕ ክንሰርሕ ኣይንክእልን፣ሞትኪ ሞተይ፣ ኣምላኽኪ ኣምላኸይ ህዝብኪ ህዝበይ እዩ ካባኪ ዝፈላልየና የለን።ከምዚ ዝባሃል ሰብ ካበይ እዩ ዝርከብ።

ብሰንኪ ምብዛሕ ዓመጽ ፍቕሪ ብዙሓት ክዝሕል እዩ።
ፍቕሮም ጽቡቕ ዝነበረ ግን ከኣ ብሰንኪ ስጋዊ ፍትወት ክብረቶም ዝስእኑ ሰባት ኣለዉ ጽቡቕ ኣይኮነን።
ሕጊ ንሓልዎ ፣ ክፉእ ዘመን እናበልና ኣይንካሓድ፣ኣብዚ ክፉእ ዘመን ጸኒዕና ንንበር።

ሩት ንሀሚን ስዒባታ ናብ ቤተልሔም ምስ ኣተወት ሰብኣያን ደቃን የለውን ዓቢ ስደት፣ኑሀሚን መጸት ምስ በሉ ኑሀሚን ኣይትበሉኒ፣ኣነ ናይ መከራ ሰብ እየ ብብልሓት ወጺአ ዕርቃነይ ተመሊሰ ኑሀሚን ኣይትበሉኒ ማራ በሉኒ ዓቢ ስደት ።

ዓቢ ስደት ( ግብሪ ሃዋርያት 8÷1)

🌾 ምስጋና ነቲ ዝመሃረናን ዝመኸረናን ኣምላኽ ይኹን።

🌾ኣሜን ኣሜን ኣሜን ቃለ ህይወት የስመዐልና ክቡር ኣቦና።

✟✟✟ ፳፰ ጥቅምቲ ✟✟✟በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን!✟✟✟ አቡነ ይምዓታ ዘገርዓልታ ✟✟✟፳፰ ጥቅምቲ ፡ በዛ መዓልቲ  እዚኣ ፡ ካብ ትሽዓተ ቅዱሳን ሐደ ዝኾኑን ና...
07/11/2024

✟✟✟ ፳፰ ጥቅምቲ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን!

✟✟✟ አቡነ ይምዓታ ዘገርዓልታ ✟✟✟

፳፰ ጥቅምቲ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ካብ ትሽዓተ ቅዱሳን ሐደ ዝኾኑን ናይ ሥጋኦም ሥርዓተ ግንዘት ብኢድ መላእኽቲ ዝተኸናወነሎምን አቡነ ይምዓታ ዘገርዓልታ ዕረፍቶም እዩ፡፡

አቡነ ይምዓታ ካብ ውሽጢ ትሽዓተ ቅዱሳን ሐደ እዮም፡፡ ብጣዕሚ አገራሚ ቤተ መቅደሶም አብ ትግራይ ገርዓልታ ፍሉይ ስሙ ‹‹ጎሕ›› ተባሂሉ ብ ዝጽዋዕ አከባቢ ይርከብ፡፡ እቲ ቤተ መቅደስ ንሰማይ ከም ዓምዲ ደጊፎም ዝሓዙ ካብ ዝመስሉ ብጣዕሚ ነዋሕቲ ጎቦታት ብሐደ ጫፍ ይርከብ፡፡ እቲ ቤተ መቅደስ ካብ ልዕሊ ጸፍሒ ባሕሪ ብ2300 ሜትሮ ልዒሉ ዝርከብ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ቤተ መቅደስ ዘለዎ ናይቲ ጎቦ ንውሓት ንበይኑ 300 ሜትሮ እዩ፡፡ ናብቲ አፍ ደገ ቤተ መቅደስ ንምብጻሕ ብጭንቅን ብፍርሐትን ኮይንካ ነቲ ጎቦ ከም ህበይ ብኢድ እንዳተፋሓኹካ ምውጻእ ይጽበየካ፡፡
እዚ ቤተ መቅደስ ብጣዕሚ ዘደንቕ ግን ብተፈጥሮኣዊ አቀማምጥኡ ጥራሕ አይኮነን ፡ አብ ውሽጡ ዘለዉ ናይ መንደቕ አሣእል ድማ አብ 15ተ ሚኢቲ/ክ/ዘመን ዝተሣእሉ ብጣዕሚ ዘደንቑን ጥንታውያንን እዮም፡፡ ብዛዕባ እዚ ብጣዕሚ መስተንክራዊ ዝኾነ ናይ አቡነ ይምዓታ ቤተ መቅደስ ገድለ አቡነ አረጋዊ ‹‹ አቦና ብሞት አብ ዝዓረፉሉ ጊዜ ናይ ሥጋኦም ሥርዓተ ግንዘት ብኢድ መላእኽቲ እዩ ተኸናዊኑ፡፡ ብፍላይ ድማ ቁመቱን ንውሓቱን ካብ ዓበይቲ ገደል ብጣዕሚ ዝበልጽ ናይ እምኒ ዓምዲ ካብ ስግር ሩባ ዘንበል ኢሉ መጺኡ ንሥጋኦም ብክብሪ ተቐቢሉ አብ ጫፍ እቲ ጎቦ ቆመ። ክሳብ ሎሚ ድማ ፈጺሙ ከይተነቓነቐን ከይተናወጸን ቀጥ ኢሉ ቆይሙ ይርከብ›› ብማለት ይገልጽ፡፡

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ንአና እውን ብጸሎቶም እዞም ቅዱስ አቦ ይምሐረና ፡ በረከቶም እውን ምሳና ትኹን ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለይምዓታ ዘተሳተፈ አዕሩገ
እለ ኀሠሡ ሥርዓተ ወእለ ዐቀቡ ሕገ
በሥምረተ አምላክ ከሀሊ እንተ ሠጠቀ አፍላገ
በድነ ሥጋሁ ቅዱስ አመ መልዕልተ ደብር ዐርገ
አሠረ ግንዘቱ በኰኵሕ ለትእምርት ኀደገ።

✟✟✟ ቅዱሳን ሰማዕታት መርትያኖስ መርቆሬዎስ ✟✟✟

ከሙኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ዓበይቲ ቅዱሳን መርትያኖስን (መርኪያኖስ) መርቆሬዎስን ሰማዕት ኾኑ። እዞም ቅዱሳን ናይ ዓብዪ አቦ ናይ ቍስጥንጥንያ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ደቂ መዛሙርት እዮም፡፡ አርዮሳዊ ዝኾነ ካልኣይ ቈስጠንጢኖስ ምስ ነገሠ ፡ ንአባ ጳውሎስ ናብ አርማንያ ወሲዱ አብ ቤት ማእሰርቲ ደርበዮም፡፡ አብኡ ድማ ብሥውር ንወተሃደራቱ ልኢኹ ሓኒቆም ከም ዝቐትልዎ ገበረ፡፡ እዞም ክልተ ቅዱሳን መርትያኖስን መርቆሬዎስን ድማ ናይ አባ ጳውሎስ ገድሊ ጽሒፎም አቐመጥዎን ነቲ አርዮሳዊ ንጉሥ ረገምዎን፡፡ ንሱ ድማ ንወተሃደሩ ልኢኹ አምጺኡ ናቱ ነቲ ከንቱ ዝኾነ ናይ ጣዖት እምነት ክአምኑ አገደዶም፡፡ ንሳቶም ድም አቦኦም ብሰማዕትነት ስለ ዝቐተለን ፡ ስለ እቲ ከንቱ እምነቱን ረገምዎ፡፡ ብድሕሪ እዚ ፡ እቲ ንጉሥ ጽኑዕ ብዝኾነ ዝተፈላለየ ሥቓያት ምስ አሳቐዮም ክሳዶም ብሠይፍ አቑረጾም፡፡ ቅዱስ መርትያኖስን ቅዱስ መርቆሬዎስን ድማ ሰማዕትነቶም ፈጺሞም ናይ ክብሪ አክሊል ተጎናጸፉ፡፡ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቂ ድማ አብ ዘመኑ ታሪኾም ምስ ዝሰምአ ፡ መልእኽተይናታት ልኢኹ ፡ ንቅዱስ ሥጋኦም ናብ ቁስጥንጥንያ ብክብሪ አምጺኡ ፡ ቤተ ክርስቲያን ሠሪሑ ንአስከሬኖም ብክብሪ አቐመጦ፡፡ በዓሎም እውን ብድምቀት አኽበረሎም፡፡

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ንአና እውን ብጸሎቶም እዞም ቅዱስ አቦ ይምሐረና ፡ በረከቶም እውን ምሳና ትኹን ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለመርኪያኖስ ዘተጋደለ በጽንዑ
ወለመርቆሬዎስ ሥንዑ
ለሊቀ ጳጳሳት ጳውሎስ እስመ እሙንቱ አርዳኡ
እለ ሠለጡ ገድሎሙ ወዓስበ ስብሐቶሙ ነሥኡ
ድኅረ መምህሮሙ ፈጸማ ለስምዑ።

ከሙኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ አባ መቅዱ፣ አባ መቃርዮስን ከምኡ እውን አቡኡ ኖህ "እግዚአብሔር ናይ ያፌት ግዝአት የስፍሕ" ኢሉ ዝመረቖ ወዲ ኖህ ያፌት መዘከርታኦም እዩ። በረከቶም ድማ ምሳና ትኹን ፡ አሜን።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ንአና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ንዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

††† ጥቅምት 28 ዝክበሩ ዓመታዊ በዓላት

1.አባ ይምዓታ ጻድቅ (ሓደ ካብ ተስዓቱ ቅዱሳን)
2.ቅዱሳን መርትያኖስ ወመርቆሬዎስ (ሰማዕታት)
3.አቦና ያፌት (ወዲ ኖኅ)

††† ወርኀዊ በዓላት
1.አማኑኤል አምላክ
2.ቅዱሳን አበው (አብርሃም ይስሐቅና ያዕቆብ)
3.ቅዱስ እንድራኒቆስና ሰበይቱ ቅድስት አትናስያ
4.ቅድስት ዓመተ ክክርስቶስ
5.ቅዱስ ቴዎድሮስ ሮማዊ (ሰማዕት)
6.ቅዱስ አባዲርና ቅድስት ኢራኢ

*******ጉባኤ ዕቅበተ እምነት*******ብዞባ መቐለ ሃገረሰብከት ዝተዳለወ ኣብ ደ/ፀ/ቅ/ሥላሴን መ/መ/ቅ/ዮሐንስ ኣብያተ ክርስቲያን ዝቐርብ ትሕዝቶታት/መርሐ ግብርታት ------------...
04/11/2024

*******ጉባኤ ዕቅበተ እምነት*******
ብዞባ መቐለ ሃገረሰብከት ዝተዳለወ
ኣብ ደ/ፀ/ቅ/ሥላሴን መ/መ/ቅ/ዮሐንስ ኣብያተ ክርስቲያን ዝቐርብ
ትሕዝቶታት/መርሐ ግብርታት
------------------
👉 ስብከተ ወንጌል
👉 መዝሙር
👉 ስነ ፅሑፍ

ንዕለት 07-08/03/2017 ዓ/ም
ካብ ስዓት 10:00 ኣጋምሸት

"በከመ መሀሩነ እለ ቀደሙነ ርእዮቶ ወተልእክዎ ለቃሉ።" ሉቃ 1:2

✟✟✟ ፳፭ ጥቅምቲ ✟✟✟በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን!✟✟✟ አቡነ አቢብ ✟✟✟፳፭ ጥቅምቲ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ዓብዪ፣ ክቡርን መስተጋድልን ዝኾነ አቢብ ዝተብሃለ...
04/11/2024

✟✟✟ ፳፭ ጥቅምቲ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን!

✟✟✟ አቡነ አቢብ ✟✟✟

፳፭ ጥቅምቲ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ዓብዪ፣ ክቡርን መስተጋድልን ዝኾነ አቢብ ዝተብሃለ አባ ቡላ አዕረፈ።
እዚ ቅዱስ አቦ ፡ አቡኡ አብርሃም አዲኡ ሐሪክ ዝበሃሉ ካብ ሃገር ሮሜ ሉፊ ካብ እትበሃል ዞባ እዮም፡፡ አብ ዘመኖም ከሓዲ ንጉሥ መክስምያኖስ አብ ልዕሊ ክርስቲያን ብዙሕ መከራ ስለ ዘምጸአ ስደት ኮይኑ ነበረ እሞ ፡ እዞም ቅዱሳን (አብርሃምን ሐሪክን) እውን አብ ስደት ብዙሕ ዘመን ነበሩ፡፡ ቆልዓ ስለ ዘይነበሮም ድማ ዝተባረኸ ቆልዓ ንኽህቦም ብጾም ብጸሎት ተወሲኖም ንእግዚአብሔር ለመንዎ፡፡ ዝተአዘዘ መልአኽ ድማ ብራእይ ተገሊጹሎም ፍረ ዝመልአ ዘለላ ሃቦም፡፡ አባ ቡላ ምስ ተጠንሰ ድማ አብ ጥቓ ገዛኦም ዓባይ ኦም በቖለት፣ አብቲ ቆጽሊ ድማ ብቋንቋ ሮማይስጥ ‹‹ቡላ ናይ እግዚአብሔር አገልጋሊ አብ ጽዮን ሐዲሩ ዝነብር ፈጣሪ ያዕቆብ ዘኽበሮ›› ዝብል ጽሑፍ ነበረ፡፡
እቲ ሕጻን አብ ዝተወልደሉ ጊዜ በቲ ዝነበረ ናይ ክርስትያን ስደትን ምዕጻው አብያተ ክርስያናትን ናይ ክርስትና ጥምቀት ከየጥመቕዎ ሐደ ዓመት ጸንሑ፡፡ ነገር ግን እመ ብርሃን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ሮሜ ሊቀ ጳጳሳት ንሰለባስትርዮስ ተገሊጻ ናብ ቤት አብርሃም ከይዱ ነቲ ህጻን ንኸጥምቖ አዘዘቶ፡፡ ንሱ ድማ ከይዱ ምስ አጥመቖ ስሙ ‹‹ቡላ›› ኢሉ ሰመዮ፡፡ አብርሃምን ሐሪክን ድማ አብ ጥቓ ቤቶም አብ ዘሎ ቆጽሊ ‹‹ቡላ ናይ እግዚአብሔር አገልጋሊ አብ ጽዮን ሐዲሩ ዝነብር ፈጣሪ ያዕቆብ ዘኽበሮ›› ዝብል ጽሑፍ ተጻሒፉ ከም ዝነበረ ነቲ ሊቀ ጳጳሳት ከይነገርዎ ንሱ ባዕሉ ነቲ ህጻን ቡላ ኢሉ ስለ ዝሰመዮ ተደነቑ፡፡

እቲ ሊቀ ጳጳሳት አብ ዝጸለየሉ ጊዜ ድማ ናይ ቍርባን ኅብስትን ወይኒ ዝመልአ ጽዋዕን ካብ ሰማይ ወረደ፡፡ ንሱ ድማ ቀዲሱ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ምስቲ ሕጻን አቐበሎም፡፡ በቲ ጊዜ እቲ ሕጻን ወዲ ሐደ ዓመት ከሎ ‹‹ናይ ስላሴ ሐድነትን ሠለትነትን›› ተዛረበ፡፡ ነዚ ምስ ሰምዑ ድማ ካብ ዝጠብዉ ህፃናት አንደበት ምሥጋና ንዝቐረበ ብባህሪኡ ምሥጉን ንዝኾነ ንእግዚአብሔር አመሥገንዎ፡፡
ድሕሪኡ አቦኡን አደኡን አብርሃምን ሐሪክን ብሞት ስለ ዘአዕረፉ ህጻን ቡላ ንበይኑ ተረፈ፡፡ 10 ዓመት ምስ ኮኖ ‹‹ንጣዖት ስገዱ›› ዝብል አዋጅ ዝእዝዝ ከሓዲ መኰንን መጽአ፡፡ ቅዱስ ቡላ ድማ ነዚ ምስ ሰምዐ ፡ ናብቲ መኰንን ከይዱ ንዝረኸሱ አማልኽቱ ረገሞም፡፡ እቲ መኰንን ድማ ናይዚ ህጻን ብኣካል ምንኣስ ርእዩ ተደነቐ፡፡ ነዚ ደጊሙ ምእንቲ ከይዛረብ ብቑጥዐ እኳ እንተፋራረሖ እዚ ህጻን ግን ደጊሙ ዘለፎ፡፡ እቲ መኰንን ድማ በዚ ብጣዕሚ ተቖጢዑ ብዓበይቲ ሽንካራት አሸንኪሩ ንሥጋኡ ሰነጣጠቖ፣ ንቖርበቱ ድማ ካብ አዕጽምቱ አግፈፎ፣ ንእግሩን አእዳዉን ድማ ብመጋዝ አገዝገዞ፡፡ ናብ ውሽጢ መንኰራዅር እውን አእተዎ፡፡ ነገር ግን ዝተአዘዘ መልኣክ ንቅዱስ ቡላ ካብ ኵሉ መከራኡ የጸናንዖን ካብ ሕማሙ ድማ ይፍውሶን ስለ ዝነበረ ክመውት አይከአለን፡፡ ደጊሙ ድማ እቲ መኰንን ነዚ ሐጻን አሲሮም አብ ልዕሊ መሬት ንክጎትትዎ አዘዘ። ሕጂ እውን መልአኽ ቅዱስ ሚካኤል መጽዩ አድሐኖ፣ ብዘይ ዝኾነ ጉድአት እውን ፍጹም ናብ ጥዕናኡ ተመልሰ፡፡

ቅዱስ ቡላ ደጊሙ ናብ ካልእ ከሓዲ መኰንን ከይዱ ንዕኡ እውን ንስለ አምልኮ ጣዖቱ ገሠጾ፡፡ እቲ ከሓዲ መኰንን ብዙሕ ምስ አሳቐዮ ሚያዝያ 18 ንርእሱ ብሰይፍ አቑረጾ፡፡ ነገር ግን ሕጂ እውን ናይ ወትሩ ሐላዊኡ ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤል ካብ ሰማይ ወሪዱ ንቅዱስ ቡላ ካብ ሞት አተንሥኦ፡፡ ናብ ሐደ ገዳም ድማ ወሲዱ ናይ ምንኩስና ልብስን አስኬማን ብመስቀል ምልክት አልበሶ እሞ ‹‹ምስ አድነት ቅዱሳን ጻድቃን ምእንቲ ክትኸውን እግዚአብሔር አዚዙካ አሎ›› በሎ፡፡ አባ ቡላ ድማ ናብ ሐንቲ ደረቕ ጎቦ ደዪቡ ብዓብዪ ተጋድሎ ክነብር ጀመረ፡፡
አብዚ ጎቦ ድማ ብተጋድሎ እናነበረ ከሎ ናይ መድሐኔ ዓለም መከራ መስቀሉ ብምሕሳብ ናብ ነዊሕ ዕንጨይቲ ደዪቡ ካብኡ ንነብሱ ናብ ታሕቲ ኵሉ ግዜ ይውርውር ነበረ፡፡ ሐደ መዓልቲ ድማ ካብ ሐደ ነዊሕ ኦም ምስ ተወርወረ ሰይጣን ስለ ዝበርተዖ ቀተሎ፡፡ ነገር ግን ጎይታና ተገሊጹ ካብ ሞት አተንሢኡ ‹ ካብ ሎምስ ስምካ ቡላ አይኹን ንብዙሓት አቦ ክትከውን ስለዝኾንካ አቢብ ተባሂልካ ተጸዋዕ›› በሎ፡፡

ድሕሪኡ እዚ ቅዱስ አቦ ናይ ጎይታና ፍቅሪ አብ ውሽጡ ከም እሳት ስለ ዝነደደ ብዙሕ ጊዜ መከራኡ ብምሕሳብ ንገጹ እናጸፍዐ ሥጋኡ ተቖራሪሱ ክሳብ ዝወድቕ ሕቖኡ 700 ጊዜ እናገረፈ ነበረ፡፡ ጎይታና ድማ ኵሉ ጊዜ ካብ ቍስሉ ይፍውሶ ነበረ፡፡ አብ ዕለተ ሰንበት ድማ ይግለጸሉ ነበረ፣ ሐደ ጊዜ ምስ ኣዴና ሕጻን ኮይኑ አብ ካልእ ጊዜ ድማ አይሁድ ሒዞምዎ መከራ እናጽንዑሉ ከለዉን ይግለጸሉ ነበረ፡፡ ስለዚ ድማ አቡነ አቢብ ከይበልዐን ከይሰተየን 42 ዓመት ተቐመጠ፡፡ ደጊሙ ድማ መንበስብስቱ ፈሲሱ ክሳብ ዝውዳእ ሐደ ዓመት ብርእሱ ተደፊኡ ነበረ፡፡ አብ ሐደ መዓልቲ ናይ ጎይታና መከራ ዘኪሩ ሠይፊ አምጺኡ ነቲ ስሕለት ናብ ላዕሊ አቑዊሙ ተኸሎ ናብ ሐደ ነዊሕ ኦም ደዪቡ ናብቲ ልዕሊ እቲ ሠይፊ ወዲቑ ሞተ፡፡ ኣዴና ምስ እልፍ አእላፍ ቅዱሳን መላእኽቲ መጽያ ‹‹ ኦ ፈታውየይን ፈታዊ ወደይን አቢብ! ሰላምታ ንዓኻ ይኹን›› በለቶ፡፡ በዚ ጊዜ ካብ በድኑ ቃል ወጽዩ ‹‹ናይ ሰማይን ናይ ምድርን ንግሥቲ ኣደይ! ሰላምታ ይግበአኪ›› በላ፡፡ ኣዴና ብዝኸበረ አእዳዋ ዳህሰሰቶ እሞ ካብ ሞት አተንሰአቶ፡፡

ድሕሪኡ አቦና አብዚ ዓለም ዝነብረሉ ዕድሚኡ ምስ ተወድአ ፡ ጎይታና ፍሉይ ዝኾነ አክሊላትን ብሩህ አልባሳትን ሒዙ መጽዩ ተገለጸሉ። ‹‹ኦ ፍቱወይ አቢብ! ብዘይውዳእ ሓጎስ ደስታ ደስ ምእንቲ ከብለካ ናባይ ክወስደካ መጻኹ፣ ስምካ ንዝጽውዑ፣ በዓልካ ንዝገብሩ አነ ኃጥያቶም ከምዝሓድገሎም ብርእሰይ መሓልኩልካ፣ ወይ ድማ ብስምካ ንዝዓረቐ ዘልብስ፣ ንዝጠመየ ዘጽግብ፣ ንዝጠመየ ዘስቲ፣ ናይ ገድልኻ መጽሓፍ ዝጽሕፍ ዘንብብ ዝሰምዕ፣ ብጸሎትካ ድማ ንዝአመኑ ክሳብ 10 ትውልዲ ክምሕሮም እየ›› ዝብል ድንቂ ቃልኪዳን እውን ሃቦ። ሐቝፉ እውን ሰዓሞ እሞ ቅድስቲ ነፍሱ ካብ ሥጋኡ ተፈለየት፡፡ ናይ መላእክቲ ዝማሬ እናስምዖ አብ ደረቱ ሐቝፉ ናብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ወሰዶ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ንአና እውን ብጸሎቱ ነዚ ክቡር መስተጋድል አቦ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ትኹን ፡ ልዘለዓለመ ዓለም አሜን።

ዐርኬያት

ሰላም ለአቢብ ዘአስተጋብአ አሐተኔ
ምግባረ ጻድቃን ዘገዳም ወምግባረ ሰማዕት ዘኵርጓኔ
እስከ ይቤሎ አምላክ ቃለ አኰቴት ማኅዘኔ
ረሰይከኑ ለባሕቲትከ ኵነኔ
ዘመጠነዝ ታፃሙ ነፍሰከ በቅኔ።

ተዘኪረከ ክርስቶስ ሥቃያተ አቢብ ብዙኀ
ወሩፀተ ነፍሱ ፍሉሐ
ኢታጽንዕ ብየ ልበከ ርኅሩኀ
እትመየጥ መንገሌከ ጽንሐኒ ጸኒሐ
እስመ እም ድኅረ ሞቱ ለሰብእ አልቦቱ ንስሓ።

ሰላም እብል ዐሠርተ ወክልኤቱ እምአተ
ወአርብዓ ወሠለስተ ተባዕተ
ወሠለስተ ምእተ ወሰብዓተ አንስተ
ሶበ ርእዩ ውስተ ዓውድ ዘአቢብ ጥብዓተ
እለ ተጋደሉ ወኮኑ ሰማዕተ።

✟✟✟ ሰማዕት ቅዱስ ዮልዮስ ✟✟✟

ከሙኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ አቅፋሓስ ካብ ትበሃል ዓዲ ዝተረኸበ ሰማዕት ቅዱስ ዮልዮስ ቅዳሴ ቤተ ክስርቲያኑ ተኸበረ። እዚ ቅዱስ ሰማዕት ብናይ ጎይታና ትእዛዝ ናይ ቅዱሳን ሰማዕታት ዓጽሚ ክእክብ፣ ገድሎም ክጽሕፍ፣ ሥጋኦም ገኒዙ ናብ ሃገሮም ንኽልእኽ ዝተመረጸ እዩ፡፡ እግዚአብሔር አብ ልዕሊ ከሓድቲ መኳንንቲ ናይ ልቢ ዕውረት ስለዘውረደሎም ንሶም ናይ ገድሎም ናይ ሰማዕታት ዓፅሚ ቅዱስ ዮልዮስ እናኣከበ ናብ ሃገሮም እናኽበረ ክልእኽን ከቀምጥን ከሎ እቶም መኳንንቲ ወልሓንቲ ኣይዛረቡን ነበሩ፡፡ ንቅዱስ ዮልዮስ ጽሕፈት ዝፈልጡን ዝጽሕፉን 300 አገልገልቲ ስለዝነበርዎ ናይ ሰማእታት ገድሊ እንዳተኸታተሉ ይጽሕፍሉ ነበሩ፡፡ ንሱ ድማ አብ ሥቓያት ንዘለዉ ሰማእታት የገልግሎም ነበረ፡፡ ቁስሎም ይጸርገሎም፡ እቶም ሰማእታት ድማ ይምርቅዎ ‹‹ንስኻ እውን ስለ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስም ደምካ ክፈስስ እዩ፣ ምስ ቅዱሳን ሰማእታት ከዓ ክትቁጸር ኢኻ›› እንዳበሉ ትንቢት ይነግርዎ ነበሩ፡፡

ናይ ዲዮቅልጥያኖስ ናይ ግዝኣት ዘመኑ ምስ ተፈጸመ ድማ እቶም ሰማእታት ስለ ቅዱስ ዮልዮስ ዝተዛረብዎ ትንቢት ክፍጸም ጊዜኡ በጽሐ፡፡ ጎይታና ድማ ንቅዱስ ዮልዮስ ናብ ደቡባዊ ግብጺ ገምኑዲ ከይዱ አብ ቅድሚ ከሓዲ አርማንዮስ መስኪሩ ሰማእትነቱ ምእንቲ ክፍጽም ኣዘዞ፡፡ ቅዱስ ዮልዮስ ድማ ናብ ከሓዲ መኮንን ኣርማንዮስ ከይዱ አብ ቅድሜኡ ናይ ጎይታና ክብሪ መሰከረ፡፡ አርማንዮስ ድማ ሒዙ ብዙሕ ግዜ አሳቐዮ፡፡ ነገር ግን ድሕሪ መከራኡ ጎይታና ፍጹም ጥዑይ እንዳገበረ ይፍውሶ ነበረ፡፡ ድሕሪኡ ንኣማልኽቶም ብግዲ ከስግድዎ ንቅዱስ ዮልዮስ ሒዞም ናብቲ ናይ ጣዖት ቤት ሒዞምዎ አብ ዝኸዱሉ ጊዜ ቅዱስ ዮልዮስ ምድሪ አፋ ከፊታ ነቶም ጣዖታት ምእንቲ ክትውሕጦም ናብ ጎይታና ምስ ጸለየ 70 ጣዖታትን 130 ዝኾኑ ናይ ጣዖት ካህናትን ምድሪ አፋ ከፊታ ወሓጠቶም፡፡ ነዚ ዝረአዩ ክሎም‹‹ብናይ ቅዱስ ዮልዮስ አምላኽ አሚንና ኢና›› ኢሎም ብምዝራብ ብጎይታና ኣመኑ፡፡

መኮንን ርማንዮስ ድማ ‹‹አነ እውን ብናይ ቅዱስ ዮልዮስ አምላክ አሚነ አለኹ›› ኢሉ ብጎይታና ኣመነ፡፡ድሕሪኡ መኮንን አርማንዮስ ምስ ቅዱስ ዮልዮስ ናብ አትሪብ ከይዶም አብ ቅድሚ ናይ አትሪብ መኮንን ናይ ጎይታና ክብሪ መስከሩ፡፡ ናይ አትሪብ መኮንን ድማ ሒዙ ብጣዕሚ አሳቐዮም፡፡ ብፍላይ ድማ ንቅዱስ ዮልዮስ ብጣዕሚ ብምስቃይ ክሳብ ዝመውት አብጸሖ፡ ጎይታና ግን ፍጹም ጥዑይ ገይሩ ፈወሶ፡፡ አብ ሓደ ዕለት ናይ ጣዖቶም በዓል አብ ዝኾነሉ ግዜ ኵሉ ሸሊሞም አወቂቦም ብመባርህን ብዕንባባን አኽቢሮምን ንጽባሒቱ መጽዮም በዓሎም ንምኽባር ተቐሪቦም ሓደሩ፡፡ ቅዱስ ዮልዮስ ድማ ነዚ ምስ ረአየ እቶም ጣዖታት ምእንቲ ክጠፍኡ ናብ ጎይታና ጸለየ እሞ ፡ ጎይታና መልኣኹ ልኢኹ ርእሲ ናይቶም ጣዖታት ቆሪጹ ቆሪጹ ደርበዮ፡፡ ነቲ ቤት ከዓ ብምልኡ አቃጸሎ፡፡ንጽባሒቱ ድማ ከም ልማዶም ናይ ጣዖታቶም በዓል ከኽብርሎም ብዝኸበሩ አእልባሳት ተሸሊሞም ምስ መጹ ጠፊኦምን ተሰባቢሮምን ረኸብዎም፡፡ በዚ ግዜ ናይ ጣዖቶም ድኻምነት ፈሊጦም ‹‹ንርእሶም ከድሕኑ ዘይከኣሉ እዞም ጣዖታት ከመይ ጌሮም ንዓና ከድሕኑ ይኽእሉ? ኢሎም ሓሰቡ፡፡ ድሕሪኡ ናብ ቅዱስ ዮልዮስ ቀሪቦም ተማሂሮም ብጎይታና ኣመኑ፡፡

ከምኡ እውን ናይ አትሪብ መኮንን ብጎይታና ኣመነ፡፡ ድሕሪኡ ቅዱስ ዮልዮስ ጡዋ ናብ ትበሃል ሃገር ከይዱ ንመኮንን ‹‹ሰይፈኒ እሞ ሰማእትነተይ ፈጽመለይ›› በሎ፡፡ እቲ መኮንን ድማ ‹‹ነ ነዚ ኣብ ልዕሌኻ ክገብር አይከኣለንን›› በሎ፡ ቅዱስ ዮልዮስ ድማ አብ ኢድ ተኸተልቱ ሱይፊ አትሒዙ ከፋራርሖ ፈተነ፡፡ ተኸተልቱ ድማ ሱይፊ ሒዞም ‹‹ንኹላትና ሰማእትነትና ፈጽመልና›› በልዎ፡፡ ነገር ግን እቲ መኮንን እምቢ ስለ ዝበሎም ቅዱስ ዮልዮስ ብጸሎቱ አብ ልዕሊ እቲ መኮንን ርኹስ መንፈስ ከም ዝሓድር ገበረ፡ ልቡ ናብ ክፍኣትን ጭካነን ከም ዝዝንብል ገበረ፡፡ ልዕሊ 500 ዝኾኑ ናይ ቅዱስ ዮልዮስ አገልገልቲ ድማ ሰይፊ መዚዞም ብምሃብ ምእንቲ ንኽቐትሎም አገደድዎ፡፡ ርኹስ መንፈስ አብ ልዕሊ እቲ መኮንን ስለ ዝሓደረ ናይ ቅትለት ደብዳቤ ጸሓፈሎም፡፡ አብታ ሰዓት ተኸተልቱ በቢተራ እንዳኸዱ ተሰየፉ፡፡ ቅዱስ ዮልዮስ ድማ ምስ ወዱ ቴዎድሮስን ምስ ዝኸበረ ሓዉ ዮንያስን ምስ 500 አገልገልቱን ክሳዱ ተሰይፉ ሰማእትነቱ ፈጸመ፡፡ ናይ ገምኑዲን ናይ አትሪብን መኳንንቲ እውን ተሰይፎም ብሰማእትነት አዕረፉ፡፡

ካብ አሕዛብ ብጎይታና ዝኣመኑ ብጠቅላላ ቁጽሮም 1500 ሰባት ሰማእታት ኮይኖም ናይ ክብሪ አክሊል ተጓናጸፉ፡፡ ምእመናን ድማ ናይ ቅዱስ ዮልዮስን፣ ናይ ወዱን ናይ ሓዉን ሥጋ አልዒሎም ብኽብሪ ናብ ሃገረ እስክንድርያ ወሲዶም ዉቅብቲ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ሰሪሖም አብ ውሽጣ አንበርዎም፡፡ ካብ ስጋኦም ድማ ዓበይቲ ዝኾኑ ብዙሓት ዘደንቑ ተአምራት ተገብሩ፡፡

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ንአና እውን ብጸሎት እዚ ሰማዕት ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ትኹን ፡ ልዘለዓለመ ዓለም አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለቅዳሴ ቤትከ በጉባኤ ሕዝብ ክቡድ
ወለተአምሪከ ዓዲ ዘኍላቌሁ ፍድፉድ
አመ ዐገትዎ ጸሩ አምሳለ ማዕድ
በከመ መጠቆ ለቈስጠንጢኖስ እም ባዕድ
መንገለ ጥበብ ምጥቀኒ ዮልዮስ ለአብድ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ንአና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ለዓለመ ዓለም አሜን።

=>ጥቅምት 25 ዝክበሩ ዓመታዊ በዓላት=
1.አቡነ አቢብ (አባ ቡላ)
2.አባ ዕብሎይ ገዳማዊ
3.ቅዱስ ዮልዮስ ሰማዕት
4.ቅዱሳን አብርሃምን ሐሪክ
5.ቅዱሳን አሞኒን ሙስያ (ወለዲ ኣቢ እብሎይ)
6. ኣቡነ ሕጻን ሞዐ( ቃል ኪዳን ዝተቀበሉ መኣልቲ)

=>ወርሐዊ በዓላት
1.ቅዱስ መርቆሬዎስ ሰማዕት
2.ቅድስት ቴክላ ሐዋርያዊት
3.ቅዱስ አበከረዙን ሰማዕት
4.ቅዱስ ዱማድዮስ ሶርያዊ
5.ቅዱስ አቡፋና ጻድቅ
6.ዓብይ አባ ቢጻርዮን

03/11/2024

**ንስሓ ኣቲኹም ቁረቡ****
ርዕሰ ሊቃውንት ኣባ ገብረ ኪዳን ግርማ

ንስሓ ኣቲኹም ቁረቡ ክረስቶስ ክሓድረኩም ። ፀሎት ንስሓ ኣቲኹም ቁረቡስረሐይ ኢልኹም ሓዙ ፀሎት ። ፀሎት እንተሓዲግኹም ጥንቲ ፀላኢኹም ዲያብሎስ እትስዕርሉ ዓቅሚ የብልኹምን ።

ኣብ ኢድኹም ብዙሕ ነገራት ኣለው ዕድል ካብ እግዚአብሔር ዕድል ተዋሂብኩም አሎ እትመሃርሉ ዕድል ኣለኩም ። እዝንኹም ተዘይፀነዐ ዓይንኹም ተዘይ ፈዘዘ እተንብሉ ግዘ ኣለኩም ።

ፅባሕ እንተኢልኹም ዓይንኹም ይፈዝዝ ብርክኹም ይደክም እዩ።

ምዲ ተዋህዶ ሚድያ

Facebook // ፌስቡክ : https://www.facebook.com/AMDITEWAHDO1
____
https://www.facebook.com/AMDITEWAHDO

Youtube // ዩቱብ :
---------------
https://www.youtube.com/

TiKTOK // ቲክቶክ :
---------------
tiktok.com/

02/11/2024
................... #ንጠንቀቅ..........................📢"ሃሎዊን (Halloween) ዕለተ ሰይጣናዊ ኣምልኾ"📢“ካህናት ንሕዝበይ ነቲ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን...
01/11/2024

................... #ንጠንቀቅ..........................

📢"ሃሎዊን (Halloween) ዕለተ ሰይጣናዊ ኣምልኾ"📢

“ካህናት ንሕዝበይ ነቲ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን ዘሎ ፍልልይ ይምሃርዎም፥ ነቲ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹሕን ዘሎ ፍልልይ ከኣ የፍልጥዎም። (ትንቢት ሕዝቅኤል 44፡23 )

ኣብዛ ንነብራ ዓለም 31 ጥቅምቲ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዕለተ ሃሎዊን (Halloween) ተባሂሉ ይፍለጥ። ነዚ ሃሎዊን እንተ ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ ዘብዕልዎ ሰባት ኣብ ዓለምና ካብ ዓመት ናብ ዓመት ይበዝሑ ኣለዉ። ነዚ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ድማ ነጋዶ ካዝናታቶም ይመልእዎ ኣለው። ብዓቢኡ ነዚ ኣጋጣሚ ዝጥቀሙ ነጋዶ ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ኣጋንንቲ ወይ ርኹሳት መናፍስቲ’ውን እዮም። ከም ክርስትያናት 1ቆሮ.2፡-13 “ንሕና ኸኣ መንፈሳዊ ነገር ምስ መንፈሳዊ እናኣሰማማዕና…” ይብል። ከም ሕዝበ ክርስቲያናት ብድሕሪ ዝኾነ ይኹን በዓላት፡ መን እዩ ክብሪ ዝወስድ? መን እዩ ንዕላማኡን ክብሩን ዝጥቀመሉ? መን እዩ ህላዉነቱ ዝገልጽ? ኣምላኽ ሕጉስ ድዩ ጉሁይ?... ወዘተ ዝብላ ሕቶታት ክንሓትትን ብቓል ኣምላኽ መሠረት ክንምልሶን ይግብኣና እዩ።
ሃሎዊን (Halloween or Hallowe'en) ጥቅምቲ 31 (October)፣ኮይኑ እቲ ሱር ኣጀማምርኡ ኣብቲ ክርስቲያን ንቅዱሳንን፣ ጻድቃንን፣ ሰማዕታትን፣ ንምዉታት ሰባት፣ ኣብ ዝዝክሩሉ ዘብዕልሉን ዕለት(All Saints'day) መዓልቲ፣ ኣንጻሩ ኮነ ኢልካ ዝኣተወ እዩ። እዚ ድማ ምዉዳእ ናይ ቀዉዒ፡ (ምዉዳእ ናይ ሓጋይ) ምጅማር ናይ ክረምቲ ስለዝኾነ፡ ኣብ ምሸትን ጸልማት ምድርን እዩ ዝብዓል። እዚ ማለት ናይ ቀትሪ ብርሃን ዝሓጽረላ ናይ ለይቲ ጸልማት ክረምቲ ዝነዉሓላ ናይ መጀመርያ መዓልቲ እያ። ነዚ ናይ ምንዋሕ ጸልማት በዚ ሃሎዊን ዝብል በዓል ድማ ዝተፈላለየን ኣዝዩ ዘጽልኣካን፡ ንናይ ሰይጣን ኣሰራርሓታትን ጥንቆላን ዝገልጹ ክዳዉንትን ምስልታትን …ወዘተ ብምግባር ብጸልማት ኣብ ግዳምን ኣብ ገዛን፡ ብናይ ሓባር ፓርቲ ብምስሊ ወይ ክዳዉንቲ ናይ ቫንፓየር ብምግባርን የብዕልዎ። ቫንፓየር ማለት ምዉታት ሰባት ኮይኖም ብጸልማት (ለይቲ) ጥራይ ሕያዋን ኮይኖም ስጋ ሰብ ዝበልዑን ደም ሰብ ዝሰትዩን ንሰብ ድማ ናብ ከምኦም ዝቕይሩ ኣጋንንታዊ ዓይነት ፊልም እዩ። ኣብዚ እዋን ሰይጣን ብዕሊ ኣብ ዝገዝኣሉ ዓለም፡ ብመገዲ ነጋዶ ምእንቲ መኽሰቦም ነዚ በዓል የጎሃህርዎ ኣለዉ። ኣብዚ በዓል ዝብዓለሉ ዓድታት ምናዳ ኣብ ኣሜሪካን ኣዉሮጳን ድማ በዚ ምሸት ቆልዑ ይጠፍኡ (ይስረቑ)፡ ሰባት ይቕተሉን (ንመሥዋዕቲ ይሕረዱ) ብዙሕ ክፉእ ነገራትን ሓደጋታትን ድማ ይወርድ እዩ። ሎሚ ንሕና ከም ክርስትቲያናት፣ ከም ደቂ እቲ ጭዋ ሕብረተሰብን፣ ነዚ በዓል ከነኽብሮ ዘይኮነስ ክንቃወሞ ይግበኣና። ኣቦታት ክምስሉ “ኣብቲ እንታይ ኣለዎ፡ ገለ ኣሎዎ” ከም ዝበሃል፣ ሃሎዊን ናይ ሰይጣን ኣምልኾ ዘሎዎ መንፈስ ኣጋንንቲ፥ ናብ ህጻናት ዝመሓላለፈሉ ኣገባብ እዩ።
እቲ ዝገደደ ድማ ብስም ጸዓዱ(ምዕራባውያን) ጌሮሞ ኢልና ንደቅና፡ ደቂ ኣጋንንቲ ኣምሲልና ንደገ ወጺኦም እንዳሰብ ክልምኑን፡ ንሰባት ከፈራርሑን ምስዳድ፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ዝዳሎ ሰይጣናዊ ፓርቲ ናይ ሃሎዊን ምልኣኽ፡ ንደቅኻ ንናይ ኣጋንንቲ ኣሰራርሓታት ኣሕሊፍካ ምሃብ እዩ ወይ ንሰይጣን ምክራይ እዩ። (ዘዳ.18፡9-14) እቶም ቆልዑ ድማ ብፍቓድ ወለዶም ኣብ ትሕቲ ተጽዕኖን ዉዲትን ናይዚ እኩይ ሰይጣን ይወድቁ። ሰይጣን ከይብለጸልና ዉዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና። (2ቆሮ2፡-10-11)። ነዚ ክፉእ ተግባራት ሰይጣን ብፍጹም ክንጽየፎ ዘሎና ሕጂ እዩ።
ክቡራት ምእመናን፡ ብኽብረትኩም ከም መንፈሳዉያን እንታይነት ሃሎዊን (Halloween) ብዝግባእ ብቃል ኣምላኽ መሠረት መጽናዕቲ ኣካይድና፡ ዘሎናዮ ዘመን፣ ዘመን ሓበሬታ እዩ፡ ምስ ዝመጸ ዓይነት በዓላት፣ ባህልታትን ፋሽናትን ከም ዉሑጅ ሃንደፍ ኢልና፣ ንሕናን ደቅናን ከይንእተዎ ሓደራ። ሎሚ ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ኣብ ናይ ሰይጣን ኣሰራርሓታት ክትኣቱ ዝክኣል እዩ። ክትኣትዎ እናተዋዘኻ ክትወጾ ግን መላእ ዘመንካ እናነባዕኻ እዩ። ኣምላኽና ብርሃን እዩ፡ ንሕና ድማ ደቂ ብርሃን ኢና፡ ብርሃንና ኣብዛ ጸልማት ዓለም ከብርህ ኣሎዎ እምበር፡ ንሕናን ደቅናን ምስ እዛ ጸልማት ዓለም፣ እንታይ ኣሎዎ እናበልና ክንጽልምት የብልናን። ካብ ዓለምን ዓለማዊ ነገርን ክንወጽእን ክንፍለን፡ ናይ ግድን እዩ(ሮሜ.13፡-12 ዮሃ.3፡-19-21 ርአ)። ኣብ ዘመና እንገብሮን እንሓብሮን ኩሉ ነገር ድማ ብመዓልቲ ፍርዲ ክንሕተተሉ ኢና ። እግዚኣብሔር ብኹሉ ኣእምሮ ክህበኩም እዩ እሞ፡ ነዚ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝመጸና ዘሎ ማዕዳ ነስተብህለሉ (2ጢሞ.2፡7)። ነዚ መልእኽቲ ኣምቢብና ድማ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ።

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር!!!
ኣባ ዮናስ ዮሓንስ
ዓምዲ ተዋህዶ ሚድያ

Facebook // ፌስቡክ : https://www.facebook.com/AMDITEWAHDO1
____________
https://www.facebook.com/AMDITEWAHDO

Youtube // ዩቱብ :
---------------
https://www.youtube.com/

TiKTOK // ቲክቶክ :
---------------
tiktok.com/

ክነፈ ርግብ በብሩረ ዘግቡር ወገባቲሃኒ  ሃመልማለ ወርቅ አንቲ ምስራቅ ወወልድኪ ፀሐየ ጽድቅ አማን በአማን እይሃልቅ ኪዳንቺ  ወላዲተ ቃልትርጉም : ከም ናይ ርግቢ ክንፊ ብሩር ዘግየፅኺ ። ...
31/10/2024

ክነፈ ርግብ በብሩረ ዘግቡር ወገባቲሃኒ ሃመልማለ ወርቅ አንቲ ምስራቅ ወወልድኪ ፀሐየ ጽድቅ አማን በአማን እይሃልቅ ኪዳንቺ ወላዲተ ቃል

ትርጉም : ከም ናይ ርግቢ ክንፊ ብሩር ዘግየፅኺ ። ብሃመልማል ዝረግፍ ወርቂ ዝተሸለምኺ ንስኺ ናይ ምብራቅ ደገአፍ ወድኺ ውን ናይ ፅድቂ ጸሓይ ናይ ብሓቂ ቃልኪዳንኺ ኣይሃልቅን ወላድት ኣምላክ

ዓምዲ ተዋህዶ ሚድያ

Facebook // ፌስቡክ : https://www.facebook.com/AMDITEWAHDO1
____
https://www.facebook.com/AMDITEWAHDO

Youtube // ዩቱብ :
---------------
https://www.youtube.com/

TiKTOK // ቲክቶክ :
---------------
tiktok.com/

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ   # ፃውዒት ኣምላኽ"ንዝፈትዎም ናብኡ ፀወዖም" ማር 3:13ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ምእመናን ስለ ክብርቲ ሃይማኖትኹም ክትፈልጡ ትደልዩ 'ዶ?...
30/10/2024

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ
# ፃውዒት ኣምላኽ
"ንዝፈትዎም ናብኡ ፀወዖም" ማር 3:13
ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ምእመናን ስለ ክብርቲ ሃይማኖትኹም ክትፈልጡ ትደልዩ 'ዶ? እቲ ህይወት ዝኾነ ናይ ጎይታ ቃልኸ ክትሰምዑ ትደልዩ 'ዶ? እምበኣር ንዑ ተመዝገቡ ንሓደ ዓመት ዝፀንሕ ተኸታታሊ ኮርስ ውሰዱ በቲ ናይ ህይወት ቃል ድማ ተመላለሱ። ቤት ት/ቲ ሰንበት ምሉእ ምድላው ዛዚሙ ይፅበየኩም ኣሎ። ማ/ሰ/ቅ/ቅ ማርያም ካቴደራል ቤት ት/ቲ ሰንበት።
👉 ት/ቲ ሃይማኖት
👉 መፅሓፍ ቅዱስ ፅንዓት ቁ.1
👉 ነገረ ቅዱሳን
👉 ክርስቲያናዊ ስነ ምግባር
👉 ታሪክ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም መድረኽ
👉 ስርዓተ ቤተ ክርስቲያን
ንዝበለፀ ሓበሬታ
-----------
+251962323349
+251949710500
+251914014979

መመዝገቢ ቦታ
-----------
ቤት ፅሕፈት ቤት ት/ቲ ሰንበት ማርያም ጉግሳ

"ቃለይ ስምዑ ብህይወት ድማ ክትነብሩ ኢኹም"

ጎይታ ተቐበል!  ?  ጎይታ ተቐቢለ እየ። --------------------✍️....ዝብሉ ንግግራት ፕሮ ፣ መና**ቃን ፣ ተሃድሶን እንትሰምዕ ብጣዕሚ ዝገርመኒ ነገርሲ ጎይታ ተቐቢለ እየ ኢሎ...
30/10/2024

ጎይታ ተቐበል! ? ጎይታ ተቐቢለ እየ።
--------------------

✍️....ዝብሉ ንግግራት ፕሮ ፣ መና**ቃን ፣ ተሃድሶን እንትሰምዕ ብጣዕሚ ዝገርመኒ ነገርሲ ጎይታ ተቐቢለ እየ ኢሎም ዝሓስቡ ንሳቶም ጎይታ ዘይተቐበሉ ፣ ጎይታ ዘይተቐበልና ገይሮም ዝሓስቡና ንሕና ድማ ንጎይታ ዝተቐበልና ምዃና እዩ።

✍️ 'ጎይታ ተቐቢለ እየ' ፣ 'ጎይታ ተቐበል' እናበሉ ንሰብ ተኸኽ ዘብሉ ዘለዉ ኣካላት "ንቅዱሳን እንድሕር ዘይተቐበሉ ብምንም ተኣምር ንጎይታ ክቕበሉ ከምዘይኽእሉ ይፈልጡ ዶ ይኾኑ🤔🤔???"

ጎይታ ብቅዱስ ቃሉ እንታይ እዩ ዝበለ?

📌" ፡ እቲ ንኣይ ዝቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዝቕበሎ።" (ማቴ. 10 ፥:40)

👉ስለዚ ንቅዱሳን ምቕባል ንጎይታ ምቕባል እዩ ንቅዱሳን ዘይምቕባል ንጎይታ ዘይምቕባል እዩ ዝኸውን ዘሎ።

©ዘርአዳዊት ዘ-ተዋሕዶ
፲፬/፪/፳፻፲፮ ዓ.ም መቐለ

ዓምዲ ተዋህዶ ሚድያ

Facebook // ፌስቡክ : https://www.facebook.com/AMDITEWAHDO1
____________
https://www.facebook.com/AMDITEWAHDO

Youtube // ዩቱብ :
---------------
https://www.youtube.com/

TiKTOK // ቲክቶክ :
---------------
tiktok.com/

ርዕሰ ሊቃውንት ኣባ ገብረ ኪዳን ግርማ (3ይ ናይ መወዳእታን ክፍሊ)📌  👉ርዕሰ ሊቃውንት ኣባ ገብረ ኪዳን ግርማ ኣብ አሐቲ ድንግል መጽሓፎም ምረቓ ዝተዛረብዎ ቃል ብቃል ዝተፅሓፈ..".......
29/10/2024

ርዕሰ ሊቃውንት ኣባ ገብረ ኪዳን ግርማ
(3ይ ናይ መወዳእታን ክፍሊ)

📌

👉ርዕሰ ሊቃውንት ኣባ ገብረ ኪዳን ግርማ ኣብ አሐቲ ድንግል መጽሓፎም ምረቓ ዝተዛረብዎ ቃል ብቃል ዝተፅሓፈ..

".....እቲ ሳልሳይ Misrepresentation እዩ....

3) 👉 እዚ ማለት ንዘይተጠየቐ ሕቶ መልሲ ምሃብ ማለት እዩ።

👉"ንኣብነት ማርያም ኣምላኽ እያ ትብሉ ይብሉና። እዛ ማርያም ዚኣ ንሕና(ኦርቶዶክስ) ኣይንፈልጥን ፣ ሚካኤል ኣምላኹም እዩ አረ ንሕና(ኦርቶዶክስ) ከምኡ ዝበሃል ሚካኤል ኣይንፈልጥን ፣ ኢየሱስ መተዓረቒ ኣይኾነን ትብሉ አረ ንሕና(ኦርቶዶክስ) ከምኡ ዓይነት ኢየሱስ ኣይንፈልጥን። ደሙ ዝተክሓደ ፣ መተዓረቒነቱ ዝተክሓደ ፣ ሊቀ ካህናትነቱ ዝተክሓደ ፣ ካሕስኡ ዝተክሓደ ኢየሱስ ኣብ ናትና ቤት(ኦርቶዶክስ) የለን ንሕና ኣይንፈልጥን። ባዕላቶም ብሕሊነኦም ንዝፈጠርዎ ኢየሱስ እዮም መልሲ ዝህቡ ፣ ንዕኡ እዮም ጥብቅና ዝቖሙ። ብናይ ነቢያት ሐዋርያት መሰረትነት ዝተሃነፀት ቤተ ክርስቲያን እንትሰብኮ ናይ ማዕዝን ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ኣይኾነን ጥብቅና ዝቖሙሉ።" ይቕፅሉ ኣቦና.....

👉"ልኣብነት ሓደ ነገር ክነግረኩም ኣነ "ካብ ድንግል ማርያም ክርስቶስ ተረኺቡ" ተይለ ንሳቶም ወሲዶ misreprenet እንትገብርዎ ንእግዚአብሔር ድንግል ማርያም ፈጢራቶ ይብሉ ኣለው ፣ አረ እግዚአብሔር ቅደሚ ዓለም ዝነበረ እዩ እናበሉ misinrepresent ይገብሩ። ንሕና ከምኡ ኣይበልናን።

👉"ካብ ድንግል ማርያም ተረኸበ ማለት ካብኣ ተወለደ ፤ ካብኣ ሥጋ ለበሰ ማለትና እዩ። ስለዚ ንዘየለ ነገር እዮም መልሲ ዝብሁ። እናጠቐሱ መልሲ ዝህቡ ቤተ ክርስቲያን ንዘይትብሎ ነገር እዩ።

👉"ልኣብት ብ 6 ኣርሴማ ሓደ ጣዖት ፣ ብ 5 ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሓደ ጣዖት ፣ ብ 24 ተክለ ተክለ ሃይማኖት ሓደ ጣዖት ፣ ናይ ማርያም 33 በዓላት ንምንታይ ኢኹም ሸኽሚ ተብዝሑ ይብሉ። ንሕና ከምዚ ዝበሃል ኣምላኽ ኣይንፈልጥን።" ይቕፅል ኣቦና....

👉"እነምልኾ ሓደ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። 365 መዓልቲ ናይ ቅዱስ መርቆሬዎስ ፣ ጊዮርጊስ ፣ ተክለሃይማኖት በዓል እንትነኽብር እንበልዖ ግን ። እዩ። ናይ ኣርሴማ በዓል ኣኽቢርና ንቕበል። ናይ ኣርሴማ ሥጋን ደምን ኣይተቐበልናይ ፣ ብስም ኣርሴማ ኣይተጠመቕናን።ዘድሕነና ንሱ(ኢየሱስ ክርስቶስ) እዩ ኣብቲ ቅዳሴ ሥርየት ሓጢኣት ኑዛዜ ዝህበና ንሱ(ኢየሱስ ክርስቶስ)እዩ። ክርስቶስ ሰምራ ትፍታሕኻ ኣይንብልን እግዚአብሔር ይፍታሕኻ እዩ። ቅዳሴ እንትውዳእ ኳ እግዚአብሔር ምስለ ኵልክሙ ኢሉ እዩ ልውዳእ። ይፍታሕ ይኅድግ ተባሂልና ንሰናበት ብኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ይቅር ንበሃሎ ብክርስቶስ እዩ።" ንቕፅሉ ኣቦና

👉"ሊቀ ካህናትና ሓደ እዩ ይብሉ ንሕናስ(ኦርቶዶክስ) እንታይ ዲና ንብል? እስቲ ካህን ቅዳሴ እንትኣቱ ንስመዐዮ "ክርስቶስ ኣምላክነ ዘበአማን #ዕተብ በየማንከ ወባርክ በእዴከ ወቀድስ በኃይልከ ወአጽንዕ በመንፈስከ ዝንቱ ሕብስት ይኵን ለሥርየተ ኃጢአት እምኀበ እግዚአብሔር አብ አሜን / ሓቀኛ ኣምላኽ ዝኾንካ ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ሕብስቲ ብየማንኻ ኣኽብሮ ለውጦ ካብ እግዚአብሔር ኣብ ይቅርታ ዘውህብ ንክኾን" እዩ ዝብሎ።

👉"እቲ ንፍቂ ካህን ኸ ታይ እዩ ዝብል "ኢየሱስ ክርስቶስ በከመ ሠመርከ ሎሙ ለዮሴፎ ወለኒቆዲሞስ ከማሁ ሥመር ለነ / ሊቀ ካህናትና ኢየሱስ ክርስቶስ ልዮሴፍን ኒቅዲሞስን ከም ዝፈቐድካሎም ንዓና ውን ቅዳሴና ተቐበለልና" ማለት እዩ። ሓቀኛ ሥርየተ ሓጢኣት ዝህብ ክርስቶስ እዩ። ስለዚ ዘይንብሎ እናበሉ ናይ ድንግል ማርያም ምስ ክርስቶስ እናሓዋወሱ "ኣብዳ ኦርቶዶክስ ክርስቶስ ኣብ ዝበልኻ ዕለት ትፅላእ ኢኻ" ይብሉ። እስቲ ኣነ ኸዚ መን ፀሊእኒ?..." ይቕፅሉ ኣቦና.....

👉" ንኣብነት ኣነ ናይ ምንኩስና ቆቢዐይ ናይ ክርስቶስ ዕሾኽ ኣኽሊል ምሳሌ እዩ። ቀሚስ ንለብስ ናይ ክርስቶስ ከለሜዳ ምሳሌ እዩ። መነኮሳት ኣብ ውሽጢ ዝኣስርዎ ቅናት ኣለዎም። እዚ ማለት ድማ ንፍቕርኻ ክቐንእ ግበረኒ ማለት እዩ። መነኮሳት እንትምንኩሱ እቲ ኣበ ምኔት "ኦ ጎይታ አየሱስ ክርስቶስ ነዚ መነኵሴ ብዚ ቅናት ከምዝኣሰርኽዎ ብናይ ፍቕርኻ ቅናት እሰሮ" ኢሉ እዩ ዘመንኩሶ። ምንኮስና ማለት ክርስቶስ ምፍታው ማለት እዩ። ካብቲ ዝሻመየካ ዓለም ወፂኻ ንክርስቶስ ጥራሕ ምሕሳብ ማለት እዩ። እሞ መን እዩ ክርስቶስ ዝሰብኮ ዘሎ ኦርቶዶክስ ዶ ኣይኾነትን? ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያንን መኣዝ እዮም ተሓፅዮም ብዕለተ ዓርቢ ብደሙ። እሞ ብደም ክርስቶስ ንደቃ እንትሓፂ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ዶ ኣይኾነትን። ስለዚ መን እዩ ክርስቶስ ዝሰብኽ ዘሎ??"

👉"ስለዚ ንዘይበልናዮ ትምህርቲ ንዘይበልናዮ ዶክትሪን ባዕሎም ፈጢሮም እዮም መልሲ ዝህቡ። ባዕላቶም ፈጢሮም ባዕላቶም መልሲ ሂቦም ባዕላቶም ሊቅ ኾይኖም ንባዕላቶም ናብ enlightenment ኣእትዮም ንኻሊእ ክብርሀልኻ ይብሉ። አረ ንሕና(ኦርቶዶክሳውያን) ኣይፀልመተናን።ንሕና በሪህልና እዩ። ኣብ ክርስቶስ ብርሃንነት ኢና ንነብር። እዩ።ንዕኡ ብርሃን ገይርና ስለዝለበስና እዩ።ሕድ ሕድ ንነብሮ ኹሉ ነገር ንክርስቶስ እዩ። ሓዳር ልክርስቶስ ፣ ምንኩስና ልክርስቶስ ፣ ጵጵስና ልክርስቶስ ፣ ቅስና ልክርስቶስ እዩ ፣ ዲቁና ለክርስቶስ እዩ።"
እግዚአብሔር ንዝጠፍኡ ኣሕዋትና ይመልሰልና።....ስለዚ እቲ ሳልሳይ ምኽንያት መፅሐፊየይ እዚ እዩ። ብምባል ኣቦና ግሩም ልቢ ዘረስርስ ቃል ተዛሪቦም እዮም።

#ል.በ፦ እቲ ንግግሮም እዚ ጥራሕ ዘይኾነስ ኻሊእ ውን ኣለዎ እዩ ንሕና ዋና ርእስና 3 mises ስለ ዝኾነ እዩ ኣብ ሰለስተ ክፍሊ ወዲእና ዘለና ሙሉእ ኣብ ዮቱብ ፈውስ መንፈሳዊ ዝብል ገጽ ኣቲና ንስመዐዮ።

©ዘርአዳዊት ዘ-ተዋሕዶ
፲፰/፪/፳፻፲፯ ዓ.ም ኣኵስም

ዓምዲ ተዋህዶ ሚድያ

Facebook // ፌስቡክ : https://www.facebook.com/AMDITEWAHDO1
____________
https://www.facebook.com/AMDITEWAHDO

Youtube // ዩቱብ :
---------------
https://www.youtube.com/

TiKTOK // ቲክቶክ :
---------------
tiktok.com/

Address

MEKELLE , TIGRAI
Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Amdi Tewahdo Media / ዓምዲ ተዋህዶ ሚድያ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share