02/08/2026
ኣብ ድፈዖም ዓልል
~~~~~~~~~
ዕሱብ ሰራዊት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሸረሪና ሑቕኡ ከምዝተሰበረ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን እትርከብ ህዝብና ተበሰር።
ንምዃኑ ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ኣብ ሸረሪና እንታይ እዩ ገይሩ? ዕላምኡ እንታይ ነይሩ? ብተግባር ከ እንታይ ገጢምዎ?
ኣብይ ኣሕመድ፣ ብእዋናዊ ኣሰፋፍራ ስራዊት ትግራይን መሓዙትን ስግኣት ስለዝሓደሮ ኣብ ሸረሪና ንዝርከብ ሰራዊት ትግራይ ደምሲሱ ነቲ ቦታ ንምቁፅፃር ድሕሪ እዚ ብኹሎም ግምባራት ውግእ ንምኽፋት ሓሲቡ እዩ ነቲ ናይ ትማሊ ውግእ ልዑል ምድላው ገይሩ ጀሚርዎ።
ኣብ ሸረሪና ዝርከብ ሰራዊትና ንማይ ካድራ ጠቕላላ ምዕራብ ትግራይን ጎንደርን ዝቖርፅ ሓይሊ ኮይኑ ስለዝተሰመዖን በዚ ስለዝፃሕፀሐን እዩ ነቲ ውግእ ከፊትዎ።
እንተኾነ ጅግና ሓየት ሰራዊት ትግራይ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕሱብ ሰራዊት ዕርዱ ኣፅኒዑ ብምክልኻል ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ድማ ናብ በርቃዊ መጥቃዕቲ ብምስግጋር ደምሲስዎ። እቲ ዕሱብ ሰራዊት ምውት፣ ቅሱልን ምሩኽን ኮይኑ።
ሆስፒታላት ጎንደርን ሑመራን ብውቕዓት ኣዕለቕሊቐን። እዚ ምስኮነ ሰራዊተና ኣብ ሸረሪና ኣብ ቦትኡን ኣብ ድፋዕ ፀላእን ይዕልል ኣሎ።
ሸረሪና ተቖፃፂሩ ብኹሉ ኣንፈት ናብ ሎሚ ዘውግሕ ውግእ ክኸፍት ትልሚ ሒዙ ዝነበረ ኣብይ ኣሕመድ ድማ እንታይ ይሓይሽ? ኣብ ዝብል ገምጋም ተፀሚዱ ኣሎ!
ዓሽካ ሰራዊት ትግራይ !