09/06/2026
እዛ ፅሕፍቲ ብብዙሕ መርአይታት ጌጋ ኮይና እየ ረኺበያ:: እዛ ፅሕፍቲ ሱቅ ኢላ ከም ነፃ ሓሳብ ወይ እውን መርህ ዓርሳ ኪኢላ ጥራሕ እንተይኮነ ምስ ህልው ኩነታት ኣዛሚድካ ምርኣይ ግቡእ እዩ::
1. ሃይማኖታዊ መርአይ: ህይወት ህያብ ፈጣሪ እያ፣ ምሕላዋ ድማ ሃይማኖታዊ ሓላፍነት እዩ:: "ህይወተይ ናይ ፈጣሪ እያ" ዝብል ሓሳብ ትኽክል ዋላ እኳ እንተኾነ ፈጣሪ ግን ንህይወት ክንሕልዋን ክንከናኸናን እዩ ሂቡና። ፈጣሪ ንዝሃበካ ህይወት ክነጥቀካ ንዝመፅእ ወራሪ ብሹም እዛ ህይወት ናተይ ኣይኮነትን ዝብል ምኽንያት እንተጠፊኣ ወይ እውን ናይ ካሊእ ህይወት እንትጠፍእ ሱቅ ኢላ እንተሪኣ ካብ ናይ ምድሪ መከራ ይኹን ካብናይ ሰማይ ሓጥያት ኣይትድሕንን:: ንዙይ ዝድግፉ ብዙሓት መፅሓፈ ቁዳሳዊ ይኹን ቁርኣን ምጥቃስ ይካኣል እዩ::
2: ማሕበራዊ ውዕልን ህላወን: ብኻሊእ መዳዩ ሓደ ውልቀሰብ "ህይወተይ ናተይ ኣይኮነትን" ክብል ከሎ፣ ካብቲ ዝነብረሉ ዘሎ ሕብረተሰብ ተነፂሉ ክርአ ኣይክእልን። ብዘይ ህላወን ድሕነትን እቲ ማሕበረሰብ (ህዝቢ ትግራይ)፣ እቲ ውልቀሰብ እምነቱ ብሰላም ክለማመደሉ ዝኽእል ባይታ ኣይምሃለወን። ህላወ ውልቀሰብ ምስ ህላወ ማሕበረሰብ ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ፣ ንማሕበረሰብ ካብ ፅንተት ምክልኻል ማለት ንውልቃዊን ሃይማኖታዊን ናፅነትካ ውን ምክልኻል ማለት እዩ።
3: ብግብረ-ገብነታዊ ግቡእ ( ሰብኣዊ ግቡእ): በዚ መነፅር እንትርአ እውን እታ ኣባህላ ጌጋ እያ:: ሰብኣዊ ግቡእ ዝባሃል ኣብ ቅድሚ ዓመፅን ግፍዕን ስቕ ዘይምባል እዩ።ፀላኢ ንህዝብኻ፣ ንደቅኻን ንደቂ ዓድኻን ክቐትል፣ ክዕምፅን ከጥፍእን ከሎ "ህይወተይ ናይ ፈጣሪ እያ" ኢልካ ኢድካ ምጣማር፣ ንዓመፅ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ምትብባዕ ወይ ፍቓደኛ ምዃን (Moral Passivity) እዩ ዝቑፀር።
ስለዚ ነብሰ-ምክልኻል (Self-defense) ፍልስፍናዊ ጥራይ ዘይኮነስ ሃይማኖታውን ተፈጥሮኣውን መሰልን ግቡእን እዩ።