Tigray Independent

Tigray Independent Serving the truth!!

ናይ ስቶፕሊን ምድሕርሓር~~~~~~~~~~~~~ኣብይ ኣህመድ ከም ስቶፕሊን ኢትዮጵያ ከም ራሻ፡፡ ተርእዮ ናይ ጌታቸውን ፃድቃንን “ስምረት” ከም መልዓሊ፡፡ልክዕ ከመቲ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኢህወዴ...
25/10/2025

ናይ ስቶፕሊን ምድሕርሓር
~~~~~~~~~~~~~
ኣብይ ኣህመድ ከም ስቶፕሊን ኢትዮጵያ ከም ራሻ፡፡

ተርእዮ ናይ ጌታቸውን ፃድቃንን “ስምረት” ከም መልዓሊ፡፡

ልክዕ ከመቲ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኢህወዴግ ልምዓታውን ዴሞክራሲያውን ኣተሓሳስባን ተግባራትን ተሳዒሮም ፀረ ወያነ /ወያናይነት/ ስርዓት ኣብይ ኣህመድ ኣብ 2010 ዓ/ም ዝነገሰ ኣብ ራሻ እውን እቲ ራሻ ዝነበረ ወያናይ ስርዓት ኣብ 1905 ምስተስዓረ ካብ 1907 ክሳብ 1914 ኣብ ዘሎ ፀረ ወያናይ ኩነታት ኣብቲ ዓዲ ከምዝነገሰ ማህደረ ታሪኽ ራሻ ይነግረና፡፡

ኣብዚ ፀረ ወያናይ ኩነታት ዝነገሰሉ እዋን ኣብቲ ሃገር ቀዳማይ ሚኒስትር ዝነበረ ሰብ ሰቶፕሊን ስለዝብሃል እቲ ምድሕድሓር እውን ናይ ስቶፕሊን ምድሕርሓር ተባሂሉ እዩ ዝፅዋዕ፡፡

ኣብቲ እዋን እቲ ናይ ራሻ ገዛኢ ደርቢ ኣብቶም ወያናይ ሓይልታት ካብዝተኸተሎም መንገድታት እቲ ቀንዲ ነቲ ወይኑ ዝተልዓለ ሓፋሽ ብጅምላ ምጭፍጫፍ ነይሩ፡፡ ልክዕ ከም ኣብይ ኣህመድ፡፡

እዚ ናይ ስቶፕሊን ምድሕርሓር ድሕሪ እቲ ጅምላዊ ጨፍጫፍ ካልእ ዘተኣታተዎ ፖሊሲ ድማ ሕዝ እውን ልክዕ ከምቲ ኣብይ ኣህመድ ዝኽተሎ ዘሎ ኮይኑ ብትሕዝትኡ ፀረ ወያነ፣ ነቲ ብሙሉእ ሕብረት ኣንፃር ዛራዊ ኣገዛዝኣ ስቶፕሊን ተላዒሉ ዝነበረ ሓይልን ሓፋሽን ንምክፍፋል ዝሰርሖ ስራሕ ተጠቃሲ እዩ፡፡ እዚ ምስኮነ ካብቶም ኣንፃር ናይ ስቶፕሊን ምድሕርሓር ዝቃለሱ ዝነበሩ ወያናይ ኣካላት ዝተርአዩ መግለፅታት ዓበይቲ ናይ ተምበርካኽነት ኣተሓሳስባታትን ተግባራትን፣ ናይ ስነ ሓሳባውን ፖለቲካውን ምድንጋር፣ ናይ ባህላውን ማሕበራውን ክብርታት ምምራትን ምውራድን፣ ክድዓት ብስፍሓት ነጊሱ ይብል፤ ታሪኽ ወያነ 1990 ታት ራሻ፡፡

አስዒቡ እዚ ኩነታት ብፍላይ ኣብቲ ምሁር ሓይሊ ድማ ዝኸፍአ መልክዕን ትሕዝቶን ነይርዎ፡፡ ኣብቲ ወያናይ ኩነታት ነቲ ምንቅስቓስ ዝድግፉ ዝነበሩ ኣብቲ እዋን ምድሕርሓር ገሊኦም ነቲ ምንቅስቓስ ጠሊሞም ናብ ናይ ፀላእቲ ደንበ ብግልፂ ተሰሊፎም፡፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ወያነ ተስግሲጎም ነቲ ወያነ ከካፍእዎ ጀሚሮም፡፡ ነቲ ወያነ ጠሊሞም ናይ መድሐርሓረቲ ሰናይ ገፅ ክረኽቡን ምስቲ ዛራዊ ኣጋዛዝኣ ተመሳሲሎም ክነብሩን ፈቲኖም፡፡ እቲ ናይ ስቶፕሊን ምድሕርሓር ነቲ ፀረ ወያነ ኩነታት ተበሊፁ ነቶም ኣዕርዮም ስሱዓትን ፈራሓትን ዝኾኑ ሰባት ድማ ከም ሰለልቲ ገይሩ ይጥቀመሎም ነይሩ፡፡
ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እቲ ናይ ስቶፕሊን ምድሕርሓር ካብ ዝተኸተሎም ፀረ ወያናይ መጥቃዐቲ ኣብ ስነ ሓሳባዊ ሜዳ እውን ዝተኻየደ እዩ ነይሩ፡፡ ብፍላይ ነቶም ዝኸድዑ ተጠቒሙ ናይቲ ዘበን ፋሽን ተኸቲሎም ነቲ ወያነ ዘንቋሽሹ፣ ዝቕልዱን ዝባጭውን፣ ንክድዓት ዘሞግሱን ዕስለታት ፀሓፍቲ ፈጢሩ” ይብለና መፅሓፍ ታሪኽ ፀረ ወያናይ ኩነታት ኣብ ራሻ፡፡

እሞ ኣብ ኢትዮጵያን ትግራይን እውን እዚ እዩ ገጢሙ ዘሎ፡፡ እኒ ጌታቸው ነዚ ኣብ ራሻ ዘገጠመ ናይ ወያንቲ ምድሕርሓርን ክድዓትን የርእዩና ኣለው፡፡ ኣብ ራሻ እቲ ናይ ስቶፕሊን ምድሕርሓር ከባቢ ናይ ኣብይ ኣሕመድ ናይ ምድሕርሓር /ፋሽስት/ ኣገዛዝኣ እዩ ፀኒሑ፡፡ ድሕሪ እዚ እቲ ኣብ ራሻ ወያናይ ኩነታት ዝፈጠረ ወድዓዊ ሓቂ ስለዘሎ እቲ ወያናይ ኩነታት ተመሊሱ መፂኡ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያውያን ዝምልከት ኮይኑ ወያነ ትግራይ ግን ሰዒሩ ከምዝወፅእ ኣቐዲሙ ደጋጊሙ የመስክር ኣሎ፡፡

ሙሉእ ዓወት ንወያነ ትግራይ!

ውድቀት ንከዳዓትን ንፋሽስትን!

VIA G.

"ንሶም [ወያነ] ብደንጎላ ኮሎኔል ማረኽቲ ኢ፤ ይብሉ፣ ኣነ ድማ ንጌታቸው ብኸብዱ፣ ንፃድቃን ብጁባኡ ማሪኸዮም እየ።"  ኣብይ ኣሕመድ ንቐረባ ኣዕርኽቱ ዝተዛረቦ
19/10/2025

"ንሶም [ወያነ] ብደንጎላ ኮሎኔል ማረኽቲ ኢ፤ ይብሉ፣ ኣነ ድማ ንጌታቸው ብኸብዱ፣ ንፃድቃን ብጁባኡ ማሪኸዮም እየ።"

ኣብይ ኣሕመድ ንቐረባ ኣዕርኽቱ ዝተዛረቦ

 #ብልፅግናን  #ከደምቶምን  #ሕማቕ ኣለኹም!!~~~~~~~~~~~~~ገለ ክፋል ሰራዊት ትግራይ (TDF) ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልትታት ሕቶታቱ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ምግላፁ ስዒቡ ብዙሓት  #ተኣም...
18/10/2025

#ብልፅግናን #ከደምቶምን #ሕማቕ ኣለኹም!!
~~~~~~~~~~~~~

ገለ ክፋል ሰራዊት ትግራይ (TDF) ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልትታት ሕቶታቱ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ምግላፁ ስዒቡ ብዙሓት #ተኣምራት ንርኢ ኣለና። ብዙሕ #ትምህርቲ ዝቕሰመሉ ኩነታት ኮይኑ እውን እቲ ክስተት ርኢናዮ ይሓልፍ ኣሎ። ነዚ ክስተት ስዒቡ፣

እንዳ 4 ኪሎ ኣብ #ዓርሰ #ጥበራ ተፀሚዶም ንሪኦም ኣለና። ኣለና ኢና፤ ነቲ ኣብ ሰራዊት ትግራይ ዝተፈጠረ ጉዳይ ድማ ንመርሖ ኢና ዘለና። ፅቡቕ ኢና እውን ዘለና፤ ንምባል ብፎቶ ውጥም ቅልቅል ይብሉ ኣለው። #ስምረት ( #ጥልመት) እኳስ ኣብ ገምጋም
እየ ዘለኹ፤ ኢላ ፎቶ ልኢኻ።

ኣብ ዝተፈላለየ ቦታን ኩነታትን ዝርከቡ ሓሻኽር #ስምረት #ጥልመት እውን ከብዶም ሓፂቦም እንተምባህቑ ርኢና። Tbs ዝብሃል ተኸፋሊ 4 ኪሎ ብግልፂ ሕብራዊ ዓመፅ እንትፅውዕ ሰሚዕናዮ።

ቁፅሮም ንእሽተይ ዘይብሃል ኣብ ፖለቲካ ዝተወደቡ ሰባት (ተጋሩ) ዩቱበራትን ኣብ ፌስቡክ ዝፅሕፉ ሰባትን ሰራዊት ናብ ሰርዓት ምቕያር ክሰጋገር፣ ካልኦት ሕቶ ኣለና ዝብሉ ኣካላትን ውዳበታትን ናብ ጎደና ዓመፅ ክሕወሱ ይፅውዑ ኣለው። #ዝገርምን #ዘይገርምን እዩ።

እቶም ልዕል ክብል ዘልዓልክዎም ዛዕባታት ብዙሓት እዮም። ስለዝኾነ ንኹሎም ሕዚ ኣይክተናኽፎምን። መሰረታዊ ነጥብታ ብዛዕባ ዝመሰሉኒ ጥራሕ ክዛረብ።

1. እቲ ኣብ ሰራዊትና ዝተርአየ ክስተት (ምናልባት ናይቲ 99.9%) ሕቶ መሃያን ጥቕማጥቕምን ዝወለዶ እዩ። #ንፁህ #ሕቶ እዩ። ብሰንኪ ምድንጓይን እሞ ድማ ተዛዚሙ እናሃለወ ቀልጢፉ ናብቶም ሰራዊት ዘይምብፅሑ ዝወለዶ እዩ። እግረመንገደይ እቲ ሕዚ ዝፍፀም ዘሎ ሕቶ ሰራዊት ተዛዚሙ ዝነበረ ምዃኑ ምርድኡ ኣገዳሲ እዩ።

2.በብርኩ ዝርከብ ኣመራርሓ ሰራዊት (ኣብ ገለ ውሕዳት ኣርምታት) ምስቲ ዝመርሖ ሰራዊት ጥቡቕ ናይ ምምራሕ፣ ክትትልን ህንፀትን ጉደለታት ከምዘለው ድማ ርኢና ሓሊፍና ኣለና። ካብዚ ንደሓር ኣመራርሓ ሰራዊት እታ ናይ ባዕሎም ብጥብቂ እንተዘይሰሪሖም ፖለታከኛታት ኮይኖም ዘሕልፍዎ ጊዜ ንኹሉ ዋጋ ከምዘኽፍል እኹል ትምህርቲ ገይርካ ምውሳዱ ጠቓሚ እዩ። ፖለቲካ ንፖለታከኛታት።

3. እንዳ ብልፅግና (ብፍላይ #ከደምቲ #ብልፅግና) ኣብቲ ናይ ሰራዊትና ክስተት ምንም ተራ ኣይነበሮምን፤ ዝብሃል ግን ኣይኮነን። እተን እንሰምዐንን እንሪአንን ዝቐነና ብጣዕሚ ውሕዳት ድምፅታት ናይ ሰራዊት ትግራይ ሕቶታት ኣይኮናን።

እተን ናይ ብጣዕሚ ውሕዳት ኣብ ልዕሊ ሓዊ ቤንዚን ንምውሳኽ እምበር ሕቶ ናይቲ ሰራዊት ንምምላስ ዕላማን ድሌትን ዘይነበረን ንምርድዳእ እውን ቅሩባት ዘይኮና ተግባራት ፅሬት ዝሓታ እየን። ሰራዊትና ጀሚርዎ ድማ ኣሎ። ፍሪኡ እውን ፅቡቕ እዩ። ኣብዚ መዳይ እንኳዕ እቲ ክስተት ተፈጠረ እውን ዘብል እዩ።

4. ካብዚ ሓሊፉ እንዳ ብልፅግናን ከደምቶምን "ኣለና ኢና፤ ነይርና ኢና፤" ንምባል ዝሰራሕኺሞ ድራማ ውሽጥኹም ይፈልጦ እዩ። #ኣይነበርኩምን #ሕማቕ ኣለኹም ድማ።

5. #ሕብራዊ #ናዕቢ እትፅውዑ ዘለኹም ተጋሩ

ሀ. ከም ከማይ ብሕጊ ዘሕተት እዩ። እዚ ንዝምልከቶም ክገድፎ።

ለ. ሕብራዊ ዓመፅ ዝብሃል ኣይኸውንን፤ ኣይሕሰብን! ከምቲ ልሙድ ንሰራዊት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዘይምፍላጥ እዩ።

#ዓወት #ንትግራይ !!

ብ ኣባዲ ገ/ስላሴ

16/10/2025

ትግራይ ትስዕር !!

ተደጋጋሚ ድሮን ኣብ ልዕሊ ሰማይ መቐለናብ ዕለት 06/01/2017 ዓ/ም ኣብ ዘውግሕ ካብ 10:15_ 10:45 ለይቲ ኣብ ልዕሊ ሰማይ ትግራይ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ክትዘውር ሓዲራ። ድምፂ እታ ...
16/09/2025

ተደጋጋሚ ድሮን ኣብ ልዕሊ ሰማይ መቐለ

ናብ ዕለት 06/01/2017 ዓ/ም ኣብ ዘውግሕ ካብ 10:15_ 10:45 ለይቲ ኣብ ልዕሊ ሰማይ ትግራይ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ክትዘውር ሓዲራ።
ድምፂ እታ ድሮን ኣዝዩ ረባሽን ድቃስ ዝኸልእን ነይሩ።

ድሮናት ኣብይ ኣህመድ ናብ ከተማታት ትግራይ ዝገብረኦ ምልልስ እቲ ናይ ሎሚ ንፈለማ እዋን ኣይኮነን። ብተደጋጋሚ ዝግበር ዘሎ እዩ።

እዚ ተግባር መቐፀልታ ናይቲ ኣብ ፓርላማ ዝቐረበ ምፍርራሕ ኮይኑ ህዝብና ቀሲኑ ከይድቅስ፣ ክፈርሕ፣ ክሹቕረር፣ ብፍላይ ድማ ንኣዴታትን ህፃውንትን ናብ ሻቕሎት ዘእቱ ፀረ ህዝቢ ተግባር እዩ።

እዚ ተግባር ኣብኡ እንተሎ ንውዕሊ ፕሪቶርያ እውን ናብ ሓደጋ ዘእቱን ኣብይ ኣህመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ዘይዛረየ ሕልሚን ትልምን ጄኖሳይድ ዘርኢ እዩ።

ነዚ ተግባር ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ክኹንንዎ ይግባእ።

ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ውድብ ህወሓት፣ ሰራዊት ትግራይን ኩሎም ኣብ ደገን ውሽጥን ዝርከቡ ውዳበታት ተጋሩ እውን ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ክሓቱን ብመግለፂ ክኹንንዎ ንማሕበረሰብ ዓለም እውን ብእዋኑ ከፍልጡ ይግባእ።

ይኣክል !!

ትግራይ፣ በዓል ዋና ይሃልዋ፣ ሰራዊትና በዓል ዋና ይሃልዎ!~~~~~~~~~~~~~~~~አእዳው ባንዳታት ንጀነራል ጉዕሽ ገብረ ብዘይዕረፍቲ የጣቕዓ ኣለዋ። ካብ ምድሪ ሽዋ ዕልልታን ከበሮን ይስማ...
16/08/2025

ትግራይ፣ በዓል ዋና ይሃልዋ፣ ሰራዊትና በዓል ዋና ይሃልዎ!
~~~~~~~~~~~~~~~~
አእዳው ባንዳታት ንጀነራል ጉዕሽ ገብረ ብዘይዕረፍቲ የጣቕዓ ኣለዋ። ካብ ምድሪ ሽዋ ዕልልታን ከበሮን ይስማዕ ኣሎ። ኣርሚ 15 ክብተን እዩ፤ ስራዊት ትግራይ ክፈረስ እዩ፤ ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይ ትግርኚ (ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን) ዝተጀመረ ሰላማዊ ርክብ ደው ክብል እዩ፤ ዝብል ሕልሚ ካብ ተስፈኛታት ኣብይ ኣሕመድ ይጥንቆል ኣሎ።

ናይ ቀዳም ጅግና ግን ድማ ኣብ ሓደ እዋን ስሑት መዓልቲ ውዒሉ ኣብ ሕመቕ ዝጠሓለ ጀነራል ጉዕሽ ገብረ ካብቲ ረግረግ ሕመቕ ምውፃእ ኣብይዎ ከይዱ ከይዱ ልኡኽ ኣብይ ተሸኪሙ ሰራዊት ከፍርስ ኣብ ለሊ ሕመቕ ይልሎ ኣሎ።

ሰራዊት ምፍራስን ኣብ ትግራይ ዝሰረበ ደበነ ዓወት ክብትን ርክብ ትግራይ ትግርኚ ክዘርግ ልኡኽ ሒዙ ብተግባር ዝተሰነየ ካብ መቐለ ጀሚሩ ኣብ ዓፋርን ሽዋን ብፕሮፖጋንዳ ዝዕጀብ ጥልመት ትግራይ የርእየና ኣሎ።

ከምዚ ዝበለ ቀይዲ በተኽ ስራሕ፣ ከምዚ ዝበለ ፋሉልነት ካብ ዓለም ኣብ #ትግራይ ጥራሕ እዩ ዝፍቀድ።

ስርዓት እንተዝህሉ፣ ሰራዊትና መራሒ እንተዝህልዎ፣ በዓል ዋና እንተዝህልዎ ከምዚ ዝበለ መስደመም ኣይምረአናን!

ኣብ ትግራይ ዝርአ ዘሎ ተስፋን ኣብ ትግራይ ሰሪቡ ዘሎ ሓደጋ ኲናት ዘስተብህል ወታደራዊ ኮማንድ እንተዝህሉ፣ ፕረዚደንት እንተዝነብር ከምዚ ዝበለ ተኣምራት ኣይሕሰብን። እንተኣጋጢሙ እኳስ ጀነረል ጉዕሽ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ምረአና።

ግን ድማ ትግራይ ኣያ የብላን!
ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት (ወታደራዊ ኮማንድ)፣ ፕረዚዳንት ግምት፣ ካቢኔ ግምት ስርዓት ግበሩ! ህዝቢ ትግራይ ክሓተኩም እዩ። ብግልፂ እውን ክንቃለሰኩምን ክነቃለዐኩምን ኢና! ብሰንክኹም ዕድላት ናብ ሓደጋታት ይልወጡ ኣለው።
ትግራይ ካብ ውሽጣዊ ሕቱኽቱኽ ወፂኣ ኣብ ተስፋታታ ከይትዓምም ትሰርሑ ኣለኹም።

ብዕድልናን መፃኢናን ኣይትቐልዱ!

ሕግን ስርዓትን ይረጋገፅ! ደው ኣብሉ!

ወዲ ኣንጥሩ፣ ብስርቂ ንዝተኣሰረ ወዱ ሓደ ጋንታ ሰራዊት ልኢኹ ዘፍተሐ ነውረኛ። ክሓፍር ጥራሕ እዩ ዘለዎ።
29/05/2025

ወዲ ኣንጥሩ፣ ብስርቂ ንዝተኣሰረ ወዱ ሓደ ጋንታ ሰራዊት ልኢኹ ዘፍተሐ ነውረኛ። ክሓፍር ጥራሕ እዩ ዘለዎ።

ካብ መደረ ጆን መዲድ~~~~~~~~~~~~~ፀላእትና ናይ ብልፅግና ዲቓላ ፈጢሮም ትግራይ ንምጥፋእ ይሰርሑ ኣለው~ ፀላእቲ ፊት ንፊት ብኵናት ገጢሞም ክስዕሩና ስለ ዘይካኣሉ ነንባዕልና  ኣባሊዖ...
29/05/2025

ካብ መደረ ጆን መዲድ
~~~~~~~~~~~~

~ፀላእትና ናይ ብልፅግና ዲቓላ ፈጢሮም ትግራይ ንምጥፋእ ይሰርሑ ኣለው

~ ፀላእቲ ፊት ንፊት ብኵናት ገጢሞም ክስዕሩና ስለ ዘይካኣሉ ነንባዕልና ኣባሊዖም ዝደለይዎ ክገብሩ ይሰርሑ ኣለው።

~ፀላእትና በዝሖምን ዋሕድናን ተጠቒሞም ህልውናና ንምጥፋእ ዝኽእልዎ ኹሉ ይገብሩ ኣለው።

~ ፀላእትና ዓቅሞም ሞሽሙሹ እዩ ተቐርቂሮም እዮም ዘለው ከምቲ ቅድሚ ሕዚ ዝገብርዎ ምንም ክገብሩ ኣይኽእሉን።

~ንትግራይ በታቲንካ ኣጥፊእኻ ናይ ብልፅግና ድቓላ ፈጢርካ ቡዙሕ ዋጋ ዝኸፈልናሉ ናይ መንነት ቃልሲ ተጓሒፉ ክተርፍ ይሰርሑ ኣለው።

~ኣብዚ ተቓሊስና ክንምክት ይግባእ ኣብዚ ዝምብርከኽ ዝኾነ ትግራዋይ ከዳዕ ጥራሕ ዘይኮነስ ገበነኛ ውን እዩ።

~ኣብ ጥራሕ ሜዳ ኮፍ ኢልካ ዓወት የለን ዋጋ ከፊልካ እዩ ዓወት።

~ኣብቲ ናይ መወዳእታ ምትሕንናቕ ተፀሚሙ ዝታቓለሰ እዩ ስዒሩ ዝወፅእ።

~ፀላእትና ኣብ መከራ እዮም ዘለው ሽዑ ዘይፈራሕና ሕዚ ንማንም ኣይንፈርሕን።

~ ሕዚ ህዝቢ ትግራይ ይምሓደር ኣይኮነን ዘሎ ኩለን ናይ መንግስቲ ቢሮታት ኣብ ልዕሊ ተገልገልቲ ገበን እየን ዝፍፅማ ዘለዋ።

~ ፀላእትና ሚልዮናት ከፊሎም ህዝቢ ትግራይ ንምብታን ዘዋፈርወን ኣሻሓት ሶሻል ሚድያታት መሊአን እየን ንንቃሕ ነገራት ብትኹረት ንርአዮም።

ወዲ ወረደ ኣብ ናይ ጉንበት 20 መግለፂኡ ህዝብታት ትግራይ እንትብል ሰሚዕናዮ። ህዝቢ ትግራይ ድዩ ዝብሃል ህዝብታት ትግራይ?
28/05/2025

ወዲ ወረደ ኣብ ናይ ጉንበት 20 መግለፂኡ ህዝብታት ትግራይ እንትብል ሰሚዕናዮ። ህዝቢ ትግራይ ድዩ ዝብሃል ህዝብታት ትግራይ?

27/05/2025

እዛ ስምረት ግን ምህዞ ክንደያ እያ እትመስል። ከምታ ጭራሮ 😂

ህወሓት ክትህሉ ካብ ወገድዱ ምኽንያታት ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ትግራይ ከም ዳኒኤል ነጋሽ ዝበሉ ነጋዶ ሳንዱቕ ሬሳ ከይጫወቱላ ምእንቲ እዩ። ዳኒኤል ነጋሽ ብቓንዛ ተመዛበልቲ ምዕራብ ገንዘብ ክእ...
26/05/2025

ህወሓት ክትህሉ ካብ ወገድዱ ምኽንያታት ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ትግራይ ከም ዳኒኤል ነጋሽ ዝበሉ ነጋዶ ሳንዱቕ ሬሳ ከይጫወቱላ ምእንቲ እዩ።

ዳኒኤል ነጋሽ ብቓንዛ ተመዛበልቲ ምዕራብ ገንዘብ ክእክብ ዘይስከፍ ነውሪ ዘይፈልጥ ከብዲ እዩ።

Address

Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray Independent posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share