
26/08/2025
ቀተልቲ ህጻን ናኦድ ተኽላይ ድሕሪ ጽዑቕን ዝተዋደደን ክትትል ኣብ ቀይዲ ውዒሎም። ቅድሚ ሰሙናት ንዚ ህፃን ጨውዮም ብዘስካሕክሕ ጭካነ ዝቐተሉ 3 ተጠርጠርቲ ብዘይተሓለለ ክትትልን ፃዕርን ፖሊስ ዞባ ሰ/ምዕራብ ትግራይ ፥ ምም/ር ሰ/ምዕራብ ትግራይን ከምኡ 'ውን ምም/ርን ቤት ጽ/ት ፖሊስን ከተማ እንዳባጉና እዮም ሐዚ ኣማሲዮም ኣብቀይዲ ውዒሎም። እቲ ዝገርም ካብቶም 3 ጨወይትን ቀተልትን ህጻን ናኦድ ተኽላይ እቲ ሓደ ኣኮኣ ንወላዲት ግዳይ ዝኾነ ተጠርጣሪ ክብሮም ኣማረ እንትኸውን ንህጻን ናኦድ ተኽላይ ኣብዝተጨወየሉ ገዛ [ከተማ ሽረ እንዳስላሰ 03 ቀበሌ] ኮይኑ ካሜራ ዝቐርጽን ዘፈራርሕን ዝነበረ ተጠርጣሪ ገበነኛ ድማ ከሰተ ደበብ እዩ። ተጠርጣሪ ፀጋይ ይብራህ ድማ ንወላዲት ናኦድ ምስ ክብሮም ኣማረ ብስልኪ ዘራኽብ ዝነበረ ተጠርጣሪ እዩ። 3ቲኦም ገበነኛታትን ካልኦት ተሓባበርቲ ተጠርጠርትን ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ዞባ ሰ/ምዕራብ ትግራይ ኣትዮም ኣለዉ። ግቡእ ፍርዲ ድማ ይጽበዮም።
Geez Info ግዕዝ ኢንፎ
Follow and Like Geez Info
Facebook lin: 👇
https://www.facebook.com/profile.php?id=61574117930858
YouTube channel link:👇
www.youtube.com/