22/07/2025
ድቓምሽ ድንኣኻ ግርማ ግን!!!!
ወኑኡ ባራኪ ቓሺ ዶኡ
ጳጳስ ደኡ ወይኩ ባህታዊ
ጨነቐናኮ ትኻደነ ይካዶኖ ልብና ቶውሻሕ ወል
መልከዐኛ ቆልዓ ትኻደነት ቦፈ
ስንቕንቕ ጮናኣ ሽታ ትርከፍከፈ
ደልየኻለ ለኸፋለ ከርና ትሰክፈ
መናዕ ዳድሕርቶ ወለና ሓልፈ
ብዓይኒ ፍቕሪ ቑልፍ ትቖልፈ
ለለ መፀት ስንዳይ ሸሓኒ ትመስሊ ደረታ
ገና ደይደኾሙ ቓራናት ኣጥዋታ
ሞልጎም ርባብ ቦፈ ማዕረግ ናኖታታ
ሞሾርጦ ፍቕር ፍሉይ ኡ ዓይነታ
ኣራጥጣ ሕዛቶ ልበ ድብሕታ
ታህታህ ድብል ጉምጫ ደይፈለየ ዕጣን
ምዝራፍ ዶ በልፅ ወለዲ ምልማን?
ወኑ ክፅቦዮ ዝ 7 እግሪ
ሙቖተ ሖሸኒ ኣይፎትዉይ ቑሪ
ዘርፈኻ ክኸድ ገፀ ላፀየቕኹ ተያሕሎፍኹይ በትረ
ትርአየኒ ለለ ፋኖ ወደ ሓዝላ ብጡሑስ ዶሎዎ
ውዕለ ሓድረ ስዕመ ደይሞኑዎ
ፋኖ ፋናነ ምስሊ ናተ ጣዕሚ ናደዋኡ
ፀባ ፀገብ ወዲ....ቛንቛኡ ለ ቶኡ
ጮጉሪ ከፍቲ ድብል ናቑርፅ ማሕላኡ
ኽላ ድየ ቦፈ ድብለዎ ግን እንድዕይ ፈለግ ፍቕሪ ዎኡ ብስሩ