Horn Headlines

ኣብ መንጎ ሓይልታት ሓራ መሬትን ሓይልታት ሰራዊት ትግራይን ብዝተፈጠረ ኲናት ነባሪ ህዝቢ ሰንዓለ፣ ጎንካን ሰበበራን ይፈናቐል ከምዘሎ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሐና ሓበሬታ የመላኽት።Feb 1 2026...
01/02/2026

ኣብ መንጎ ሓይልታት ሓራ መሬትን ሓይልታት ሰራዊት ትግራይን ብዝተፈጠረ ኲናት ነባሪ ህዝቢ ሰንዓለ፣ ጎንካን ሰበበራን ይፈናቐል ከምዘሎ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሐና ሓበሬታ የመላኽት።

Feb 1 2026
Horn Headlines

ኣብ መዳቡውቲ ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ዘለዉ ወታሃደራዊ ምንቅስቓሳት ናብ ኲናት ከምርሑ ስለዝኽእሉ ኣብዚ ተፃብኦ ተሳተፍቲ ዝኾኑ ኣካላት ነዚ ፀገም ካብ ዘጋድዱ ተግባራቶም ክቑጠቡን ኣፈላላ...
31/01/2026

ኣብ መዳቡውቲ ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ዘለዉ ወታሃደራዊ ምንቅስቓሳት ናብ ኲናት ከምርሑ ስለዝኽእሉ ኣብዚ ተፃብኦ ተሳተፍቲ ዝኾኑ ኣካላት ነዚ ፀገም ካብ ዘጋድዱ ተግባራቶም ክቑጠቡን ኣፈላላያት ብሕጊ መሰረት ክፈትሑ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።

ሙሉእ መግለፂ እቲ ኮሚሽን፥👇

በትግራይ፣ አማራ እና አፋር ክልሎች አንዳንድ አዋሳኝ አካባቢዎች ከግጭትና ወታደራዊ እንቅስቃሴዎች ጋር በተያያዘ ያጋጠሙ የሰብአዊ መብቶች ሥጋቶችን በተመለከተ
በግጭቱ ተሳታፊ የሆኑ ሁሉም አካላት ችግሩን ከሚያባብሱ ድርጊቶች እንዲቆጠቡ እና ልዩነቶችን በሕግ መሠረት በምክክርና በመግባባት ለመፍታት እንዲሠሩ ኢሰመኮ ያሳስባል . .
የኢትዮጵያ ሰብአዊ መብቶች ኮሚሽን (ኢሰመኮ) ከጥር 17 ቀን 2018 ዓ.ም. ጀምሮ በትግራይ፣ አማራ እና አፋር ክልሎች አንዳንድ አዋሳኝ አካባቢዎች ከተቀሰቀሰው ግጭት ጋር በተያያዘ የሰብአዊ መብቶች ሁኔታን እየተከታተለ ይገኛል። በዚህም ይህ መግለጫ ይፋ እስከተደረገበት ጊዜ ድረስ በተለይም በጸለምት/ጠለምት፣ በመጋሌ እና አብአላ አካባቢዎች የተከሰቱ ግጭቶችን ተከትሎ የሰዎችን የሕይወት፣ የአካል ደኅንነት፣ ነጻነት እና ንብረት መብቶች ሥጋት ላይ የሚጥሉ ሁኔታዎች መፈጠራቸውን መረዳት ችሏል፡፡

በእነዚህ አካባቢዎች የተቀሰቀሰውን ግጭት እና ወታደራዊ እንቅስቃሴ ተከትሎ ወደ ጦርነት ሊሸጋገር ይችላል የሚል ሥጋት በመፈጠሩ ሳቢያ ነዋሪዎች ‘በኮማንድ ፖስት’ ሲተዳደሩ ከቆዩት አላማጣ ከተማ እና ሌሎች አካባቢዎች የተፈናቀሉ መሆኑን እንዲሁም በሰዎች እንቅስቃሴ ላይ ገደቦች መጣላቸውን ኢሰመኮ ተገንዝቧል፡፡

ይህ ግጭት የፕሪቶሪያ የሰላም ስምምነትን ተከትሎ በአካባቢዎቹ ሰፍኖ የነበረውን አንጻራዊ ሰላም እና መረጋጋት ወደ ኋላ የሚመልስ የአካባቢዎቹን ነዋሪዎች ለተጨማሪ ጉዳት፣ መፈናቀል እና ሌሎች ከፍተኛ የሰብአዊ መብቶች ጥሰቶች የሚያጋልጥ ነው።

በመሆኑም በግጭቱ ተሳታፊ የሆኑ ሁሉም አካላት ችግሩን ከሚያባብሱ ድርጊቶች እንዲቆጠቡ፣ በሲቪል ሰዎች እና መሠረተ ልማቶች ላይ ጥቃቶችን ከማድረስ እንዲታቀቡ እንዲሁም ለግጭት መነሻ የሆኑ ልዩነቶችን በሕግ መሠረት በምክክርና በመግባባት ለመፍታት በቁርጠኝነት እንዲሠሩ ኢሰመኮ ያሳስባል። ማናቸውም እርምጃዎች የሰብአዊ መብቶች መርሖችን ያከበሩ በተለይም በሰብአዊ መብቶች ላይ የሚጣሉ ገደቦች በዓለም አቀፍና ብሔራዊ የሰብአዊ መብቶች ማዕቀፎች መሠረት የሕጋዊነት፣ የጥብቅ አስፈላጊነት እና የተመጣጣኝነት መርሖችን ያከበሩ መሆናቸውን ማረጋገጥ ይገባል። ኢሰመኮ ከመደበኛው የሰብአዊ መብቶች ክትትል እና ምርመራ ሥራው ጎን ለጎን ጉዳዩ የሚመለከታቸውን አካላት በማነጋገር የተፈጠረው ግጭት በውይይት የሚፈታበትን ሁኔታ ለማመቻቸት ጥረት እንደሚያደርግ ይገልጻል።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ እዋናዊ ዛዕባታት ዘድሃበ መብርሂ ክህቡ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ ኣሎ።ዝህብዎም መብርሃታት ክነስዕብ ኢና።
31/01/2026

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ እዋናዊ ዛዕባታት ዘድሃበ መብርሂ ክህቡ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ዝህብዎም መብርሃታት ክነስዕብ ኢና።

"ይትረፍ ክጋደል፣ ካብ መቐለ ወፂአ ሰሙን ክፀንሕ ኣይክእልን ነይረ"ኣብ ሂወተይ ዋላ ን ሓንቲ ሰኮንድ ተጋዳላይ ክኸውን እየ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ኣይኮነን ክጋደል ካብ መቐለ ወፂአ ሰመን ...
31/01/2026

"ይትረፍ ክጋደል፣ ካብ መቐለ ወፂአ ሰሙን ክፀንሕ ኣይክእልን ነይረ"

ኣብ ሂወተይ ዋላ ን ሓንቲ ሰኮንድ ተጋዳላይ ክኸውን እየ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ኣይኮነን ክጋደል ካብ መቐለ ወፂአ ሰመን ክፀንሕ ኣይክእልን ነይረ።

ብዙሕ ግዘ ንሰሙን ናብ ዝተወለድኩሉ እኸይድ እሞ፤ ኣብ 3ይ ለይቲ እየ ነብሰይ ኣብ መቐለ ዝረኽባ። ምንባር ብጣዕሚ ዝፎቱ ሰብ እየ ነይረ። ሂወት ግን ምሽጥር እያ። ዕድመ ነያታትና፣ሓደ ማዓልቲ ነብሰይ ኣብ ሓደ ቤት ት/ቲ ቸንዳ ኣብ ልዕሊ ጣውላ ተነፂፋ ረኺበያ። ግርም ይብለኒ ነይሩ።

ሂወት ክንድዚ ተዓፃፃፊት ድያ፤ ናብዚ ሂወት ክወርድ ይግብአኒ ነይሩ ድዩ? እንታይ ክንዲ ዘጥፋእኹ? ክንዲ ጠንኪረ ዝተማሃርኩ? ከም ሃገረይ ቃታ ንኽስሕብ ዳኣ ምምሃር ንምንታይ ኣድለየኒ? ኮታስ ብዙሕ እሓስብ ነይረ። ናተይ ገዲፈ ድማ እዞም ዕሸላት ተጋደልቲ ነዲኦም ብሕንቃቐ ተማእዚዝም ዘይፈልጡ ሰጥ ኢሎም ክጋደሉ እግረም። ማይ የምፅኡ፣ ምግቢ ይሰርሑ፣ ድፋዕ ይኹዕቱ፣ ግዳጅ ብኣግባቡ ይዋፅኡ። ነብሱ ይምሓሮ ተ*ዳላይ ሰመረ " ኣደይ ናትኪ መርገም ድዩ ዝኹሉ፤ ብሂወት ምተረፍኩ እሞ ተማእዚዘኪ ምረአኹ" ይብል ነይሩ ደጋጊሙ።

ዓዲ እንታይ እያ? ካብ ነብስኻን ካብ ኣዴኻን እትበልፅ ሓሳባዊት ነገር። ኮታስ ሓሳበይ ዓብዩ ዓብዩ MDD በፂሑ ነይሩ። ብኾነ ኩሉ ሓሊፉ። ምንባር ጀሚረ እየ። ካብ ምንባር ዝኾልፈኒ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ኣትሪረ እየ ዝቃለሶ። ዓብየ ወሊደ ዘሚደ እየ ክመውት ዝደሊ። ገዛኢ ኣይመርፅን።

ሰላም ሃቡኒ!
ሰላም!

(ጉዕሽ በርሀ ካብ ዝተብሃለ ነጣፊ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተወሰደ)

29/10/2025

''ንሻዕቢያ ከም ቀደም ፍርቂ ርእሱ ላፂና ኣይንገድፎን።''

ጀነራል ዮሃንስ ገብረመስቀል

28/10/2025

ኣብ ጉባኤ ውድብ ስምረት ብጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ዝትመሓላለፈ መልእኽቲ

ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣብ ቆላ ተንቤን ጣብያ ያቔር ኣንፀላልዩ ንዘሎ ሓደጋ ጥሜት ሓገዝ ዝኸውን ከባቢ 3.1 ሚልየን ዝግመት መግቢ፣ መድሓኒት፣ ምሩፅ ዘርእን ናይ እንስሳት መግቢን ከምዘበርከተ ገ...
09/08/2025

ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣብ ቆላ ተንቤን ጣብያ ያቔር ኣንፀላልዩ ንዘሎ ሓደጋ ጥሜት ሓገዝ ዝኸውን ከባቢ 3.1 ሚልየን ዝግመት መግቢ፣ መድሓኒት፣ ምሩፅ ዘርእን ናይ እንስሳት መግቢን ከምዘበርከተ ገሊፁ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዕላዊ ፌስቡክ ገፁ ከምዝሓበሮ 400 ኩንታል ዒልቦ፣ 50 ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ጣፍ፣ 5 ኩንታል ንምግቢ ዝውዕል ጣፍ፣ 400 ሊትሮ ዘይትን 5ኩንታል ጨውን ብርክት ዝበሉ መድሓኒታት ሰብን እንስሳትን ብተወሳኺ እውን 200,000 ብር ብጥረ ገንዘብ ከምዘበርከተ ገሊፁ።

ፍሉይ ትኹረት ንህዝቢ ያቔር!

Horn Headlines
09 August 2025

ሎሚ ዕለት ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ካሊእ ግዘ ብዝተፈለየ መልክዑ ሓያል ፍተሻ ይካየድ ከምዘሎ ካብ መቐለ ዝበፅሐና ሓበሬታ የመላኽት። እዚ ሓያል ፍተሻ ምኽንያቱ ዛጊድ ዘይተፈለጠ እንትኸውን ካብ...
08/08/2025

ሎሚ ዕለት ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ካሊእ ግዘ ብዝተፈለየ መልክዑ ሓያል ፍተሻ ይካየድ ከምዘሎ ካብ መቐለ ዝበፅሐና ሓበሬታ የመላኽት። እዚ ሓያል ፍተሻ ምኽንያቱ ዛጊድ ዘይተፈለጠ እንትኸውን ካብ ምንታይ ዝነቐለ ምዃኑ ብምርግጋፅ ናብ ተኸታተልቲ ነቃልሕ ምዃንና ንሕብር።

Horn Headlines
8th August 2025

ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት) ሪፎርም ንምግባር ዘኽእሎ ምድላዋቱ ከምዝዛዘመ ብኣቦ ወንበር ኣቢሉ ገሊፁ።ኣቦ ወንበር እቲ ውድብ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ መግለፂኦም እ...
08/08/2025

ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት) ሪፎርም ንምግባር ዘኽእሎ ምድላዋቱ ከምዝዛዘመ ብኣቦ ወንበር ኣቢሉ ገሊፁ።

ኣቦ ወንበር እቲ ውድብ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ መግለፂኦም እቲ ዝግበር ሪፎርም ዝነበረ ኩነታት እዋን ፅንተት እውን ከምዘካትት ሓቢሮም። ነዚ ሪፎርም ዝሕግዝ ቤት ፅሕፈት ከምዝተዳለወን ህወሓት ኣብ ዝቕፅል ዝገብሮም ጉባኤታት መናእሰይ ከምዘሳትፍን ናይ ስልጣን ምምዕራይ እውን ከምዝገብርን ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ወሲኾም ሓቢሮም።

ውድብ ህወሓት ዝፍጠሩ ጎነፃት ብሰላማዊ መንገድን ልዝብን ክፍትሑ ከምዘለዎም ከምዝኣምንን ውዕሊ ፕሪቶርያ ተግባራዊ ንምግባር ውድቦም ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕን ሓቢሮም።

ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ መግለፂኦም ከምዝሓበርዎ ውድብ ህወሓት ምስ ካልኦት ብሄራዊያን ውድባት ተቐራሪቡ ከምዝሰርሕ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ሰላም ትግራይ ንምዝራግ ብዕሊ ብዝተወደበ መንገዲ ይስራሕ ኣሎ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ውድቦም እዚ መልክዕ ንምትሓዝ ተዋዲዱ ይሰርሕ ከምዝሎ እውን ኣረዲኦም።

Horn Headlines
8th August 2025

ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ስገናት ሰለስተ ወረዳታት ፀለምቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከምዝረሓቑን ፍሉይ ቖላሕታ ከምዝጠልቡን ማሕበር ልምዓት ፀለምቲ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ። እዋናዊ መግለፂ ...
06/08/2025

ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ስገናት ሰለስተ ወረዳታት ፀለምቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከምዝረሓቑን ፍሉይ ቖላሕታ ከምዝጠልቡን ማሕበር ልምዓት ፀለምቲ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።

እዋናዊ መግለፂ ማሕበር ልምዓት ፀለምቲ፥
ተምሃሮ ፀለምቲ ንኽድንቁሩ ምፍራድ ይኣኽሎ ❗

‎ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ለበዳ ሕማም ኮሮና ዝጀመሮ ምቁርራፅ ምምሃር ምስትምሃር ኣብ ወረዳታት ፀለምቲ ብምኽንያት ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኵናትን ብሙልእነት ዘይተተግበረ ውዕሊ ፕሪቶሪያን ብሕግን ብሞራልን ክረኽብዎ ዝግባእ መሰል ምምሃር ተኸልኪሎም ይቕፅል ኣሎ።

‎ኣብ ሰለስተኤን ወረዳታት ፀለምቲ ብ10ታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰገናትን መናእሰይን ካብ መዓዲ ትምህርቲ ርሒቖም ሓሙሽተ ዓመት ኣሕሊፎም ፣ ሕዚ 'ውን ምንም ኣፋፍኖት ምጅማር ብዘየብሉ መልክዑ ዘበነ ትምህርቲ 2018 ዓ·ም ይኣቱ ኣሎ።

‎ከም ዝፍለጥ ወርሒ ነሓሰ ምዝገባ ትምህርቲ ዝጅምረሉ ወርሒ እዩ። ኣብ ወረደታት ፀለምቲ እቲ ተቛሪፁ ዝነበረ ምምሃር ምስትምሃር ክጅመር ብፌደራል መንግስቲ ይኹን ብክልል መንግስቲ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ኣይረኣይን ዘሎ ጥራይ ዘይኮነስ ፣ ብስሩ 'ውን ንፖለቲካዊ ሃልኪ 'ምበር ትምህርቲ ሓደ ካብ መሰላት ህፃናት ምዃኑ ተኣሚንሉ ተምሃሮ ወረዳታት ፀለምቲ ክመሃሩ ተበግሶ ወሲዱ ዝሰርሓሉ መንግስታዊ ኣካል ዋላ ሓደ የለን ፡፡

‎ብሓፈሻ ህዝቢ ፀለምቲ ኣብዚ ዘመን እቲ እንኮ ትምህርቲ ከይረክብ ኮነ ተባሂሉ ዝስራሕ ዘሎ ክሳብ ዝመስል ኣብ ዜጋታትካ ክሳብ ክንድዚ ክሕደት ክፍፀም ምርኣይ መሕዘኒ እዩ ፡፡

‎ስለዚ ኣብ ኣንፃራዊ ሰላም እዋን ብዘይብቁዕ ምኽንያት ክመሃር ዝግብኦ ክፋል ማሕበረሰብ ብዘይምምሃሩ ዝሓላፉ ዓመታት ዓብዪ ጥፍኣት ከምዝተፈፀመ ኣካል ፀሊም ታሪኽና ምዃኑ ኣሚና ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2018 ዓ·ም ተምሃሮ ወረዳታት ፀለምቲ ትምህርቲ ክጅምሩ ዝምልከተኩም ኩልኹም ሓላፍነትኩም ክትዋፅኡ ብትሕትና ንላቦ።

‎ትምህርቲ ምጅማር ጥራይ ዘይኮነስ ዝሓለፍዎም ዓመታት ብዘከሓሕስ መልክዑ ትልሚ ወፂእሉ ናብ ትምህርቲ ክኣትዉ ከም ዘለዎም ማሕበር ልምዓት ፀለምቲ ፃውዒታ ተቕርብ።

@ማሕበር ልምዓት ፀለምቲ

ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሽፋን ደኒ ትግራይ ብምኽንያት ዘይምዕሩይን ዘይሕጋዊን ዕደና ወርቂ ብ25% ከምዝነከየ ብመፅናዕቲ ዕላዊ ገይሩ። እዚ ዘይሕጋዊ ዕደና ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ሰሜን ምዕራብ ብሰፊ...
06/08/2025

ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሽፋን ደኒ ትግራይ ብምኽንያት ዘይምዕሩይን ዘይሕጋዊን ዕደና ወርቂ ብ25% ከምዝነከየ ብመፅናዕቲ ዕላዊ ገይሩ። እዚ ዘይሕጋዊ ዕደና ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ሰሜን ምዕራብ ብሰፊሑ ዝርአ እንትኸውን እዚ ፀገም ካብ ምብራስ ኣግራብን ምዝባዕ ነባሪ ኣየርን ብዝዘለለ ኣብዚ ዕደና ዝነጥፉ ኣካላት ኣብ ዓለም ዝተከልከሉ ኬሚካላት ሜርኩሪን ሲያናይድን ስለዝጥቀሙ ኣብቲ ህዝቢን እንስሳትን ቀጥታዊ ዝኾነ ሓደጋ የስዕብ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ሙሉእ ንባብ፥ https://wegahtafacts.substack.com/p/the-billion-dollar-curse-how-illegal?

Horn Headlines
6th August 2025

Address

Tigray
Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Horn Headlines posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share