28/05/2026
ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣድሂቦም ኣብ ፌስቡክ ዝዘርግሑዎ ፅሑፍ፥
------------------------------------------------------------------
ይኾኖ፥ ክሳብ መዓዝ ንብዓት፣ ክሳብ መዓዝ ኲናት፥ ብርሰት ንውሑዳት!
ትግራይን፥ ወረጃ ህዝቢ፣ ስልጣነ፣ ዕሙቕ እምነት፣ ውሕሉል ባህልን ታሪኽን ዝወነነ ህዝቢ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ሕመቕን ስንኩል አተሓሳስባ መራሕቱን ክወድቕ ምፍቃድ ዘበን ተሳጋሪ ነስሓ ዘይመልሶ ሕመቕ እዩ።
ብልዕልና ሓሳብ ዝኣምን ህዝቢ ናብዚ ብርኪ እዚ ክበፅሕ ዝገበረ መን እዩ? ቀንዲ ሳዕቤንን ተሓታትን እዚ ውድቀት መን እዩ? ንምንታይ ከ ኣብዚ ብርኪ እንክበፅሕ ገልየና ደጊፍና፥ ገልየና እውን ስቕታ መሪፅና? ክሳብ መዓዝ ከ ኢና ውሑዳት ክሑምዙቑ ፀግዒ ሒዝና ክንዕዘብ ክንፈቅድ? ይኾኖ፥ በቃ ክንብል ግድን እዩ።
ኣብ መልሲ (Root cause) ናይዞም ልዕል ክብል ከምአብነት ዝቐረቡ መሰረታዊ ሕቶታት ምርድዳእ ዘይፈጠረ ማሕበረሰብ፥ ብፍላይ ሙሁር፣ ልሂቅ፣ ዓበይቲ ዓዲን ኣቦታት ሃይማኖትን፣ ካብ ጀማሪ ክሳብ በዓል ልምዲ ፓለቲከኛን እንትህሉ ናብ ዝገደደ ዓዘቕቲ ምፅዳፍና ግሁድ እዩ።
ስለዝኾነ-እውን፥ ኣብ ዓብላላይ ኣንፈት ቀያሪ መሰረተ-ሓሳብ ምውዓል ገዲፍና፣ ኣብ በታኒ ኣተሓሳስባን ብሽሽቕ ዝመስል ትሑት ኣካይዳን ፍረጃን እንትንውዕል ፀገም ህዝብና ዝገደደ የባርዖ፤ ህዝብና ክብተን ንፈቅድ፣ ማንታ ንብዓት ኣዶ ንለማመዶ፤ ደው ኢልና ንሕሰብ። ቅድም-ቀዳድም ኣብ ዝወሃቦ ኣጀንዳ ነድህብ፣ ንዕሰል፣ ንለውጢ ንልዓል።
ኣብ ዓድና ትግራይ ዘሎ ኹነታት ነቲ ልዕል ኢሉ ንምጥቃስ ዝተፈተነ መንገዲ ጥፍኣት ዝፀርጉ ዘለው ውሑዳት ውልቀ-ሰባት፤ ብኣንፃሩ እምባ ክደፍእን መልክኣ-ምድሪ ክልውጥ ዝኽእል ዓቕሚ ዝተሓንገጠ ድማ ብዙሕ ግን ክጠፍእ እግሪ-እግሪ ኣጥፉእቱ ምስዓቡ፣ መርኣያ እኩብን ዝተዋደደን ዓቕሚ ዘይምፍጣርና እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ውሑዳት ጉጅለ ብርሰት ጥፍኣትና፣ ብርሰትና የፉጥንዎ ኣለዉ፤ ይኾኖ በል መንእሰይ ትግራይ፤ ይኣክል በሊ ኣደ ትግራይ፤ ካብ ሕሉፍ ንመሃር በል ዕጡቕ መንእሰይ። “ሕልመይ እባ ክነብር ፍቐዱለይ” በል ዕሸል ትግራይ።
ምስዚ ሓሳብ ዝኸይድ ሙዑዝ ዝበሃል ትግራዋይ ሙሁር “ብዓውታ ብሃማት ብስቐታ ለባማትን” ዝብል ፅሑፍ ኣንቢበ ነይረ፤ ደጋጊመ ንዓርሰይ ሓቲተ! ንምንታይ ስቕታ፣ ክሳብ መዓዝ ዋይታ፣ ክሳብ ክንደይ ኲናትን ብርሰትን ኢለ ደጋጊመ ሓቲተ።
ሐዚ እውን ሙዑዝ ከምዝበሎ፥ ለባማት ኢሉ ዝገለፆም ኣካላት፣ ካብዚ ንላዕሊ ስቕታ ተንኣሰ ተሓታትነት ሕልና ኣለዎ እዩ እሞ፣ ስቕታኹም ይኣክል። ኣብ መፃኢት ትግራይን ኣዶ ትግራይን ደው ኢልኩም ሕሰቡ፤ ስቕታ እውን ኣካል እቲ ጥፍኣት ምዃን እዩ። ንኣርሞ፣ ብርሃን ፅባሕ ትግራይ ነዐሪ።
ትግራይ ንሰነፋትን ሕልና ኣልቦ ንዝኾኑ ኣካላት ኣይንግደፋ !
ስቕታ ይኣክል !
ከይበረስና ንንቃሕ !
ከይጠፋእና ንለዓል !
ከይዘንጋዕና ንቕደም!
ምስ ሓቅን ኩውንነትን ንተዓረቅ!
ህዝብና ብፍላይ ድማ መንእሰይና ካብ ሞት ነድሕን !!
ኣጀንዳ ህዝብና ነቐድም፤ ንህዝብና ክንብል ንባዕልና ነሸንፍ !!