09/10/2025
ኣብ ዓፋር ናይ ዝርከብ ብተለምዶ ሓራ መሬት ብዝብል ናይ ዝፍለጥ TPF ናይ ዝበሃል ጉጅለ ዕጡቕ ኣባል ዝኾነ Mehari T Hagos ዝተብሃለ ተጠቃሚ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ኣምሓራ ክልል ኣብ ዝርከብ ቦታ ኣብ ልዕሊ "ስብጥር" ኢሉ ዝፅውዖም ዕጡቓት ብሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተፈፀመ ጥቕዓት ኢሉ ዝለጠፎ ምስሊ ቅድሚ 17 ዓመት AviationWeek ዝተብሃለ ናይ youtube ኣድራሻ ኔዘርላንድ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝፈፀመቶ ጥቅዓት ኢሉ ካብ ዝጠቅዖ ቪድዮ ዝተወሰደ ከም ዝኾነ Tigray fact checker ኣረጋጊፁ።
- - - -
Truth Has No Agenda. ናይ ሓሶት ሓበሬታት ብምቅላዕ ብቶም ናይ ሓሶት ሓበሬታት ምኽንያት ከጋጥም ዝኽእል ዕንወትን ጉድኣት ሓቢርና ንከላኸል።