20/01/2026
ነበርቲ #ፍሎሪዳ ቪላ ቬ፥ ኣርባዕተ ዓመት ኢሎም ዝሰምይዎ ፕሮጀክት ጉዕዞ ዓባይ ሌግዠሪ መርከብ ንኣሜሪካውያን ዕላዊ ገይሮም።
ነዚ ፕሮጀክት ከም ምኽንያት ዘቐመጥዎ ካብ ካልኣይ ዕምሪ ዘመነ መሪሕነት ትራምፕ ንምህዳም ከም ዝኾነ ይገልፁ።
እቲ ንኣርባዕተ ዓመት ዝቕፅል ጉዕዞ፥ ነበርቲ ኣብ ዝኾነ ወደብ ንክልተ ክፍሊ $159,999 ንሓደ ክፍሊ ድማ $255,999 እናኸፈሉ ክሕወሱ ፀዊዖም።
እቲ ፃውዒት ፖለቲካዊ ኣመር ከምዘይኽተልን ዝኾነ ይኹን ድሕረባይታ ንዘለዎም ተጉዓዝቲ እውን ክፍቲ ከምዝኾነን ቪላ ቬ ገሊፁ።
"ትራምፕ እንተተመሪፁ ካብዛ ዓዲ ክንለቅቕ ኢና ንዝበሉ ኩሎም እንኮ ኣማራፂ እዩ።" ክብል ንፎክሰ ኒውስ ዝሓበረ ድማ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሚካኤል እዩ።
እቲ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ዝተሰመየ ጉዕዞ ንሓደ፣ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመት ዝብሉ ኣማራፂታት ዝሓዘ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ።
Via - https://t.me/Girmay_Froz21_16